S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ጉስነት ንኡስ ወለዶን ብድሆታቱን - 1ይ ክፋል

ተሞክሮ ቤት ትምህርቲ ሰንበት ኣብ ናይ ሓበሻ ኣብያተ ክርስቲያናትን (ኣብያተ ክርስቲያናት ኤርትራን ኢትዮጵያንብመንጽር ግብጻዊት ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን

 መእተዊ

ኩለ-መዳያዊ ጥዕና ዝውንኑ፥ ኣባላት ሓንቲ ስድራ፥ ድልድልቲ ቤተ ሰብ የቑሙ። ብመንፈሳዊ፥ ሰብኣውን ኣካዳምያውን ትምህርቲ ዝተሃንጹ ቤተ ሰባት ድማ፥ ምሉእ ጥዕና ዘሎዎ ቤተ ክርስቲያን ወይ ሕብረተሰብ (ሃገር) ይምስርቱ። ጥዕና፥ ዕብየት፥ ቀጻልነት ናይ ስድራ ቤት ይኹን፥ ቤተ ክርስቲያን ወይ'ውን ሃገር ውሑስ ዝኸውን ብቑዕ ተካኢ ወለዶ ምስ ዝርከብ እዩ።

ከምቲ ናይ ዘመንና ዓብዪ ሓዋርያ፥ ብሞት ዝቐደሙና፥ ብመጻሕፍቶምን ኣስተምህሮኦምን ግን ብቐጻሊ ዝጓስዩና ዘሎዉ ኣቦ፥ ቅዱስ ፖፕ ሽኖዳ 3 ዝበልዎመንእሰይ ዘይብላ ቤተ ክርስቲያን ተስፋ መጻኢ ዘይብላ ቤተ ክርስቲያን እያ። ቤተ ክርስቲያን ዘይብሉ መንእሰይውን ተስፋ መጻኢ ዘይብሉ መንእሰይ እዩ። (ካልእ ወዲ ቤተ ክርስቲያን ዝመልኦ)” ጉዳይ ጉስነት ንኡስ ወለዶ ዓብዪ ጉዳይ እዩ።

ንሓደ ፍቕርን ሓቅን ተዓጢቑ ኣርሒቑ ዝጥምት ሰብ፡ ካብዚ ጉዳይ ንላዕሊ ዝዓቢ ጾር የብሉን። እዚ ግን ብቕሊሉ ዝርከብ ልቦና ኣይኮነን። ከምቲደርሆ በምዑት ደቃ ትጻወትዝብሃል፥ ብፍላጥ ይኹን ብዘይፍላጥ፥ ግዜኦም በሊዖም፥ ዕድልን ተፎጥራውን ሃብቲ መጻኢ ወለዶ ለኪሞም፥ ብቁዓት ተካእቲ ከይሓደጉ ዝሓልፉ፥ ብደቆምን ደቂ ደቆምን ኪርገሙን፥ ብሕማቕ ክዝከሩ ዝነብሩን ወለዲ ይኹን መራሕቲ ቤተ ክርስቲያን ወይ መራሕቲ ሃገር ብዙሓት እዮም።

እምበኣር ናብቲ ቀንዲ መበጊስና ብምምላስ፥ ጉስነት ንኡስ ወለዶ ናይ ኩለን ቤተ እምነታት፥ ሲቪክ ማሕበራት፥ ናይ መላእ ሕብረተሰብን ሃገርን ብድሆ እዩ። ንኣብነት ዘይወግዓዊ ዳህሳስ ኣብያተ ክርስቲያናት ከምዘመልክቶ፥ ካብቶም ኣብ ቤተ ክርስቲያን ተጠሚቖም፡ ካብ ህጻንነቶም ኣብ ቤተ ትምህርቲ ሰንበት ተማሂሮም ዝዓበዩ፡ ድሕሪ ዪኒቨርሲትይ ምኻዶም፡ ካብ 20 - 30 % ጥራይ እዮም ናብ ቤተ ክርስቲያኖም ተመሊሶም ንጡፋት ኣባላት ዝኾኑ። እዚ ዘሰክፍ ስታቲስቲክስ፡ ነቶም ደቂ ካህናትን ኣብ ደረጃ ዲቁና ዝበጽሑ ውሉድ ናይ ምርኡያት ምእመናንን ዘጠቓልል ብምዃኑ ኣሻቓሊ ይገብሮ። እዚ ቁጽሪ ኣባና፥ ኣብቶም ብናይ ስጋን ብናይ መንፈስን መራሕትና ተጠሊምና፥ ኣብ ቅልውላው ንርከብ ኣመንቲ ናይ ሓበሻ ኣብያተ ክርስቲያናትን (ኣብያተ ክርስቲያናት ኤርትራን ኢትዮጵያን) ዝገደደ ከምዝኸውን ዘካትዕ ኣይኮነን።

ጉዳይ ቤት ትምህርቲ ሰንበት ኣብ ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ሓበሻ: ናይ ኣስታት 50 - 60 ዓመታት ዕምሪ እኳ እንተለዎ፥ እቲ ቤተ ክርስቲያን እትደልዮ ውጽኢት ግን ኣይሃበን። ምንም ውጽኢት ኣይነበሮን ግን ኣይብሃልን። ኣብ ግብጻዊት ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ግን ጳጳሳት፥ ካህናት፥ ዲያቆናትን ምርኡያት ምእመናን፥ ካብ ቤት ትምህርቲ ሰንበት ፈርዮምን ይፈርዩን ኣሎዉ። ቤት ትምህርቲ ሰንበት፥ ንትንሳኤን ዕብየትን ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ ግብጺ፥ ሓደ ካብቶም ዓብዪ ተራ ዝነበሮም ዘሎዎምን እዩ። ነፍሲ ሔር ፖፕ ሽኖዳ 3 ፍረ ቤተ ትምህርቲ ሰንበት እዮም። ኣብ መንጎ ናይ ሓበሻ ኣብያተ ክርስቲያናትን፥ ኣብ መንጎ ናይ ግብጺ ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያንን ክሳብ ክንድዚ ዝኣክል ፍልልይ ናይ ውጽኢት ካበይ ዝነቐለ እዩ? እዚ ናይ ሎሚ ኣፈናዊ መጽናዕቲ ኪምልሶ ዝፍትን ጉዳይ ኪኸውን እዩ።

ብዙሕ ኪብሃል እኳ ዝክኣል እንተኾነ፥ ምጥን ብዝበለ ኣብ ሰለስተ ዓበይቲ ምኽንያታት ጾሚቕና ከነቕርቦ ኢና።

1. ቤት ትምህርቲ ሰንበት መቦቆሉ ካብ ወንጌላዊት ቤተክርስቲያን እዩ። “Sunday School ministry founded in England by Robert Raikes at the end of the eighteenth century”1 ነቲ ወርቃዊ ሓሳብ (ስይስተም) ተለቒሕካ፥ ኦርቶዶክሳዊ ትምህርቲ፥ ኣቀራርባን ስርዓትን ኪህልዎ ብምግባር ኣይተሰርሓሉን። ኣጀማምራ ቤት ትምህርቲ ሰንበት፥ ኣብ ኦርቶዶክሳውያን ተዋሕዶ ኣብያተ ክርስቲያናት ናይ ሓበሻ፥ ካብ ቅዱስ ቅንኢ ዝተላዕለደቅና በቲ ናይ ወንጌላውያን ቤት ትምህርቲ ሰንበት ተሳሒቦም ከይጠፍኡና ብዝብል ቅንኢአምበር ቤተ ክርስቲያን ትደልዮ ውጽኢት እንታይ እዩ ተባሂሉ ኣይኮነን ተጀሚሩ። ኦርቶዶክሳውያን ኣገልገልትን ኣመንትን፥ ብኦርቶዶክሳዊ ትምህርቲ ጥራይ እዮም ኪፈርዩ ዝኽእሉ። ብተወሳኺ ባህርይ ናይቲ ውዑይ ሓይሊ መንእሰይ ኣብ ግምት ዘእተወ፥ ብመጽናዕቲ ዝተዳለወ ስርዓተ ትምህርቲ ኣዳልያ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ጥቕማ ከተውዕሎ ኣይበቕዐትን።  

2. ምስ መበቆል ቤት ትምህርቲ ሰንበት ብዝተሓሓዘ፥ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ናይ ሓበሻ ክልተ ጫፍ ዝኸደ መርገጺታት ስለዝነበረን ዘሎን፡ ንቤት ትምህርቲ ሰንበት ከምቲ ዝግባእ ኣይረባሕናሉን። ንሱ ድማ

2.1. ቤት ትምህርቲ ሰንበት ናትና ስለዘይኮነ ኣይደልየናን እዩ (ጫማና ይምሰላ ኣብ እግርና ዘይኣትዋዓቃባዋያንን ዘመን ዝሓቶ ሕቶ ኪምልሱ ዘይክኣሉን: ውሉደ ክህነት ዝሓዝዎ መርገጺ)

2.2. ቤት ትምህርቲ ሰንበት ወንጌላዊት ቤተክርስቲያን ቀዲሕካ ከምዘሎዎ ኪትግበር ኣሎዎ ዝብል (ልክዕ ከም ሓደ ዓሻ ሓረስታይ መሬቱን ምስኡ ዝሰማማዕ ዘርእን ዘይፈልጥ፥ ዝምሰል ብመንእሰያት ዝድፍኣሉ መርገጺ፥ ልቢ ጎበዝ ኣብ ደረቱ ኪብሃል ይክኣል። እዚ ኻልኣይ ምስትውዓል ዝጎደሎ መርገጺ፥ ብደረጃ ሃገር በቶም መንእሰያት ናይ ሰብዓታት ምስ መበቆል፥ ሓይማኖትን ስነ-ልቦና ሕዝብናን ዘይቃዶ ትምህርቲ ዴሳውነት (ኮሚኒዝም) ብብምጻእ ወለዶታት ዘብረሰ ህዉኽን ዕዉርን ፍጻሚታትውን ይተሓሓዝ እዩ)

ካብዚ ዝነቐለ ኣብ መንጎ ዝበዝሑ ቤተ ክህነትን ኣብ መንጎ ተመሃሮ ቤት ትምህርቲ ሰንበትን ጥርጥር ዝመልኦ ዝምድና እዩ ጸኒሑን ዘሎን። እቶም ውሑዳት ዝክኣለና እንዳገበርና ደቅና ንሕቖፍ ዝብሉ ኣቦታት ውሉደ ክህነት ኣብ ክንዲ መጎስ ብዙሕ መከራ እዮም ዝቕበሉ። እቶም ህዉኻት መንእሰያት ዘርእይዎ ባህርይ ድማኣዲኣ ገዲፋስ ሓትነኣ ትናፍቕከምዝብሃል ቤተ ክርስቲያን ትደልዮ ፍረ ዘምጽእ ኣካይዳ ኣይኮነን። ከምቲ ቅዱስ ቆጵርያኖስ ዝበሎንቤተክርስትያን ከም ኣዲኡ ዘይቅበላ: ንእግዚኣብሔር ከም ኣቦኡ ክሓስቦ ኣይክእልን እዩ

3. ኦርቶዶክሳውያን ኣብያተ ክርስቲያናት ሓበሻ ምስ ፖለቲካን ኣኣብ ዘመኑ ዝመጹ መንግስታትን ዝነበረንን ዘለዎንን ሕሙም ዝምድና፥ ፖለቲከኛታት ንቤት ትምህርቲ ሰንበት ኪብዝብዝዎን፥ ነቲ ውዑይ ሓይሊ መንእሰይ፥ ከም መሳርሒ ስለዝጥቀምሉ፥ ቤተክርስቲያን ካብ ቤት ትምህርቲ ሰንበት እቲ ዝግብኣ ረብሓ ኣይረኸበትን። ብዓብይኡ ቤተ ክርስቲያን ፍትሒ-ኣልቦ ብዝኾኑ መንግስታትን፥ ብፖለቲከኛታትን ዝወረዳ ግፍዒ ኣብ ስንክሳር ተሰኒዱ ይርከብ፥ ኣብ ዘመንናውን ምምሕዳራዊ ነጻነታ ስለዝተገፈፈት፥ ብሓርነት ሰማያዊ ተልእኾኣ ብብቕዓት ኪትፍጽምን ንሕዝባ ዘዕግብ ጉስነት ኪትህብን ኣይከኣለትን።

እዚ መእተዊ ኮይኑ፥ ነዘን ሰለስተ ዓበይቲ ነጥብታት ብዝርዝር ዝገልጽ ይስዕብ። ኣብ መጨረሻ እቲ ከም መፍትሒ ዝቐርብ እማመታት ብኸመይ ይትግበር ዝብል ብምርኣይ ይዛዘም። ቤተ ክርስቲያን መንፈሳዊ ትንሳኤ፥ ምምሕዳራዊ ሓርነትን ብቑዕ ተካኢ ወለዶን ትረክብ ብትምህርቲ እዩ፥ ኦርቶዶክሳዊ ትምህርቲ። ብስሉስ ኩርናዕ ዝምሰል ትምህርቲ፥ ንውሉደ ክህነት፥ ትምህርቲ ንብምልእታ ስድራ ቤትን ትምህርቲ ንተካኢ ንኡስ ወለዶን።

ይቕጽል | 2ይ ክፋል | 1ይ ክፋል | 3ይ ክፋል መወዳእታን |

ቀሺ ቴድሮስ ተስፋይ፥ ዲ. ኤፍረም መብራህቱ፥ ዲ. ተመስገን ኣስፍሃ፥ መምህር በረኸት ተስፋማርያም

 ስልጠና ውልደ ክህነት ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተክርስቲያን ኤርትራ: መንበረ-ጵጵስና ሰሜን ኣመሪካ (ብርሕቀት/ብርሑቅ) ዝቐረበ መባእታዊ ጽሑፍ

ጥቅምቲ 1-2, 2021

መወከሲታት: Chapter 12 A Multidimensional Understanding of Sunday School in the Coptic Orthodox Tradition by Michael Salib:https://doi.org/10.1163/9789004446564_014

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div