S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

እቲ ኣብ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ወሪዱ ዘሎ ከቢድ ሓዘን

ከም-ዝፍለጥ ሞት ክበሃል ከሎ፣ ዝፍቶ ሞት ስለ-ዘየሎ፣ ውጽኢት ሞት ኩሉ ግዜ ሓዘንን ብኽያትን እዩ። ዓይነት ሞት ግና ብዙሕ`ዩ። ከመይሲ ዘይንቡር ሞት ዘጋጥመሉ ኣጋጣሚ`ውን ስለ-ዘሎ`ዩ። ስለዚ ከኣ` ሞትሰ ለመዋቲ ይደሉ፣ ሞታ ለማርያም ይኣጽብ እም ኩሉተባሂሉ ዘሎ። እዚ ማለት ድማሞትሲ ነቲ ዝመውት ግቡእ ሞት`ዩ፣ እቲ ናይ ቅድስቲ ማርያም ሞት ግና ካብ ኩሉ ዜገርም`ከም ምባል` ዜስምዕ። ስለዚ`ውን እቲ ኣብዚ እዋን`ዚ፣ ኣብ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ዝስማዕ ዘሎ ናይ ሞት መርድእ`ውን፣ ፍሉይ ኮይኑ ዝርከብ ዘሎ ስለዚ`ዩ።

ከም-ዝፍለጥ ኣብ ቤት-ማእሰርቲ ክመውት ዝኽእል ሰብ፣ ገበን ፈጺሙ ዝተኣስረን ኣብ ገበን ዝተረኽበን ሰብ ጥራይ እዩ። ሕጊ ኣብ ዝደኸመሉን ፍትሒ ኣብ ዝተሳእነሉን ግዜ ግና፣ ኣብ ዝኾነ ገበን ተረኺቦም ዘይበሃሉ ንጹሓት-ሰባት`ውን፣ ምስቲ ሰንሰለት-መቑሕ ኣብቲ ናይ ግፍዒ ቤት-ማእሰርትታት ሞይቶም ይርከቡ እዮም። ብፍላይ ኣብታ ሚዛን ፍትሒ ተዋቒዑዋ ዘሎ ሃገርና፣ እዚ ከምዚ ዝበለ ተርእዮ ከም ንቡር ተወሲዱን ተለሚዱን` ዝርከብ ዘሎ ክበሃል ይከኣል። እቲ ንኹሉ ክስከም ዝኽእል ድልዱል-እንግድዓ ዝተዓደለ ሕዝብና ግና፣ እቲ ክብደቱ ግዲ ዘይተሰምዖ ኮይኑ፣ ነዚ ኣደራዕ` ክኢሉዎን ተሰኪሙዎን` ክጎዓዝ ዝርከብ ዘሎ። ክሳብ መዓስ` ግና ከምዚ ኢልካ ክንበር-? እወ እቲ ክሳብ መዓስ` ዝብል ሕቶ-? መልሲ ክርከበሉ ዘይከኣል ኮይኑ ክቕጽል ይርከብ ስለ ዘሎ`ዩ።

ብዝኾነ ናይ ሎሚ ቀንዲ ኣርእስትና፣ ሕልፈተ-ሞት ናይቶም ብግፍዕን ዓመጽን፣ ኣብ ቤት-ማእሰርቲ ሕይወቶም ዝሓለፈ፣ ቅዱስ ፓትርያርክ ኣቡነ-እንጦንዮስ እዩ። ንቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ`ውን እዚ ሓዘን` ሰብ ክስከሞ ካብ ዝኽእል ንላዕሊ ከቢድ ሓዘን እዩ። እዚ ኩሉ` ከኣ እታ ቤተ-ክርስቲያን፣ ኣብ ከመይ ዝበለ ሓደጋ ወዲቓ ትርከብ ከም ዘላ ዘርኢ`ዩ። ከመይሲ ብቅድስና ኣብ ዝጥመት መዓርግ ዝተቐመጡ፣ ፓትርያርክ ዝኣኽሉ ኣቦ ቤተ-ክርስቲያን፣ ዝኾነ ዘሕትት ገበን ከይሃለዎም፣ ኣብ ቤት-ማእሰርቲ ምስ መቚሖም ሞይቶም ክበሃል፣ ክዳንካ ቀዲድካን ርእስኻ ነጺኻን ዋይ-! ዋይ-! ዘብል መሪር ሓዘን` ክበሃል ይከኣል።

ከም-ዝፍለጥ ንፓትርያርክ-እንጦንዮስ ከሳሲኦም ተባሂሉ ዝግለጽ፣ እቲ ንፖለቲካ ከም-ዘገልግል ኮይኑ ዝተሠርሐ፣ ናይቶም መለካውያን-ጳጳሳት ሲኖዶስ`ዩ። እቲ ከም ክሲ ተባሂሉ ዝቐረበሎም፣ ኣብዚ እቶ ዘይበሃል ቀንጠመንጢ ምዃኑ` ዝፍለጥ። ሓደ ካብኡ እሱራት ክፍትሑ ኢሎም ምሕታቶም፣ እቲ ኣገልጋሊ-ፖለቲካ ኮይኑ ዝተሠርሐ ሲኖዶስ፣ ገበን` ብምባል` ኣቐሚጡዎ ዘሎ። ግዳስ እቲ ኣጀንዳ ናቱ ናይቲ ሲኖዶስ እንተ-ዝነብር፣ ካብ ሥልጣን ኣውሪደኩም ከኣ ምበለ እምበር፣ ናብ ቤተ-ማእሰርቲ ዘውስዶም ምኽንያት ክህሉ ምኸኣለ ኢልካ ኣይሕሰብን። እቲ ብድሕሪ መጋረጃ ኮይኑ ዝጻወት ዘሎ ግና፣ እቲ ሰብኣዊ-መሰል ረጊጹ ብጨካን ኢድ ሃገር ዘፍርስ ዘሎ ፖለቲካዊ-ሥርዓት ስለ-ዝኾነ፣ ስለዚ`ዮም እቶም ቅዱስ-ፓትርያርክ`ውን፣ ናይቲ ምሕረት ዘይፈልጥ ጨካን ኢድ ግዳይ ኮይኖም፣ ምስ መቑሖም መቓብር ክወርዱ ተፈሪዱዎም ዘሎ።

ብዝተረፈ ምናልባት ደኣ መኸርቲ ስለ-ዘይብሉ፣ እቲ ሥርዓት ኣይርድኦን ይኸውን እምበር፣ ኣብ ዝኾነ ታሪኽ እንተ-ተራእየ፣ ምስ እግዚኣብሔር ተቓሊሱ ዝሰዓረ ኃይሊ የልቦን። እዚ ኣብ ልዕሊ ፓትርያርክ-እንጦንዮስ ክፍጸም ዝጸንሐ ግፍዒ`ውን፣ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ንምፍራስ ከም ሰበብ ኮይኑ ከገልግል ስለ-ዝተደልየ ደኣምበር፣ እቶም ፓትርያርክ ዝኾነ ገበን ስለ-ዝተረኽቦም ኣይኮነን። እቲ ኣብ መካነ-ሕይወት መድኃኔ-ዓለም ዝፈልሕ ዝነበረ፣ ናይ መንእሰያት ኦርቶዶክሳዊ ማዕበል፣ ነቲ ደምበ-ተዋሕዶ ካብቲ ዝነበሮ ድቃስ ከየበራብሮ ስለ-ዝተሰግአ ግና፣ ኣብቲ ሽዕኡ እዋን በዓል ናይዝጊ-ክፍሉ፣ ብመንገዲ ፓትርያርክ-እንጦንዮስ ኣቢሎም ክዓግቱዎ እንተ-ኸኣሉ`ዮም ጸቕጢ ክገብሩ ዝተላዕሉ።

እቶም ቅዱስ-ፓትርያርክ ግና፣ ምስዚ ሓሳብ` ዝሰማምዑ ኮይኖም ኣይተረኽቡን። እቲ ኣብቲ ሽዕኡ እዋን ንናይዝጊ ዝሃቡዎ መልሲ ድማ “-መንእሰያትና ክንብትን ኮነ ቤተ-ክርስቲያንና ክንዓጹ ብፍጹም ኣይንገብሮን ኢና-” ዝብል ቁርጽ ዝበለ መልሲ` ዝነበረ። እቲ ጥዑም ይወጾ` ዘይበሃል ናይዝጊ-ክፍሉ ድማ “-እምበኣር እቶም ካህናት ክንኣስሮም ኢና፣ እቲ ማኅበር`ውን ክንዓጽዎ ኢና-” ክብል` ዝተሰምዐ። ፓትርያርክ-እንጦንዮስ ድማ “-ንሕና` እቶም ዝእሰሩ ኣይተኣሰሩ፣ እቲ ጉባኤ-መንእሰያት`ውን ኣይተዓጾ ኢልና ኢና ክንዛረብ እንኽእል እምበር፣ ካብኡ ሓሊፍና ክንብል እንኽእል ኣይኮናን-” ዝብል መልሲ ከም-ዝሃቡዎ` ዝፍለጥ። እምበኣር እቶም ኣቦና ኣብ መካነ-ሕይወት ዝካየድ ዝነበረ ናይ መንእሰያት ኦርቶዶክሳውያን ጉባኤ፣ ይተዓጾ ኢሎም ስለ-ዘይተሰማምዑን፣ ነቶም ካህናት መካነ-ሕይወት`ውን ይተኣሰሩ ኢሎም ዘይምስምዖም`ዩ፣ ካብ መንበረ-ሥልጣኖም ክወርዱን ናብ ማእሰርቲ`ውን ከብጽሖም ዝኸኣለ።

እምበኣር እቲ ሥርዓት፣ ነቲ መጋበሪ-ፓለቲካ ክኸውን ተባሂሉ ዝተሠርሐ ሲኖዶስ፣ ከም ጉልባብ ብምጥቃም` ነቶም ፓትርያርክ ካብ ሥልጣኖም ከውረዶም ዝኸኣለ። እዚ ከኣ እቲ ስዉር ኢዱ ኣብቲ ጉዳይ ከም-ዘየሎ ከርኢ ስለ-ዝደለየ ዝተጠቕሞ ተንኮል` ነይሩ። ኩሉ ከም-ዝፈልጦ ግና እቲ ሲኖዶስ፣ ዝኣስር-ፖሊስ ነይብሉ፣ ቤት-ማእሰርቲ`ውን ዘለዎ ኣይኮነን። ስለዚ ከሳስን ኣሳርን ኮይኑ ዝርከብ ዘሎ ባዕሉ እቲ ሥርዓት ደኣምበር፣ እቲ ሲኖዶስሲ ኩን ዝበሉዎ ካብ ምዃን ሓሊፉ፣ ዝፈልጦ ነገር ኣለዎ ወይ ነይሩዎ ዝበሃል`ውን ኣይኮነን። ግዳስ ከምቲ “-ጥንስትስ ንፋስ እንተኸደላ ዝሓረሰት ይመስላ-” ዝበሃል ግና፣ እቲ ሕዝቢ ብከምኡ ክተዓሻሾ ይኽእል` ዝብል፣ ነቲ ሕዝቢ ገለ ከም-ዘይፈልጥ ኣትሒትካ ናይ ምርኣይ ንዕቀት ስለ-ዝነበሮም፣ ዝኾነ ኣብ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ እናተፈጸመ ዝርከብ ናይ ሕጊ-ጥሕሰት፣ እቲ ሥርዓት ነቲ መለካዊ-ሲኖዶስ` ከስክሞ ዝፍትን ዝነበረ።

ብዝኾነ እቶም ቅዱስ-ፓትርያርክ፣ ድሕሪ 17-ዓመት ኣብ ትሕቲ መቚሕ ተታሒዞም ምጽናሕ፣ ከምቲ ኣብቲ ቅዱስ-ጽሑፍ “-ነቲ ዝመጸካ መከራ ኣይትፍራህ፣ የግዳስ ክሳብ ሞት እሙን ኩን፣ ኣነ ድማ ኣኽሊል ሕይወት ክህበካ እየ-” ተባሂሉ ዘሎ። ንሶም እቶም ቅዱስ ኣቦና`ውን፣ ክሳብ` መወዳእታ ሰዓት ነቲ ዝነበሮም ሓላፍነት እሙን ኮይኖም “-ሠናይ ገድሊ ተጋዲለ፣ ጉያይ`ውን ወዲአ፣ ነታ እምነት`ውን ሓልየያ`የ። ደጊም እቲ ቅኑዕ ፈራዲ ዝኾነ ጎይታ፣ በታ መዓልቲ እቲኣ ዚህበኒ ኣኽሊል-ጽድቂ ተነቢሩለይ ኣሎ-” ብምባል`ዮም ምድራዊ ጉዕዞኦም ፈጺሞም፣ ክቡርን ረዚንን ዝኾነ ታሪኽ ገዲፎም ዝሓልፉ ዘለዉ። (ራእ-2-10) (2-ጢሞ-4/6-7)

እቲ ዘሕዝን ግና ሕዝብና ብጠቕላላ፣ ብፍላይ ድማ እቲ በዓል ጉዳይ ኮይኑ ክቐርብ ዝግብኦ ዝነበረ ሕዝቢ ተዋሕዶ፣ በቲ ቅዱስ-ፓትርያርክ ዝኸፈሉዎ ክቡር ዋጋ፣ ግዲ ዘለዎ ኮይኑ ክርከብ ዘይምኽኣሉ እዩ። መሓልፎ ማኅበረ-ሰብ ዓለም፣ በቲ ኣብ ልዕሊ ፓትርያርክ-እንጦንዮስ ዝወረደ ግፍዒ፣ ብዘይ ምቁራጽ ተቓውሞኡ ከስምዕ ምጽንሑ ዝፍለጥ`ዩ። እቲ ዋና በዓል-ጉዳይ ክኸውን ዝነበሮ ሕዝብና ግና፣ እቲ ቤተ-ክርስቲያን ዘሎ ቃንዛ ክስምዖ ዘይከኣለ ግዲ ኮይኑ፣ ናይ ርሑቕ ተዓዛቢ ክኸውን` መሪጹ ዘሎ ክበሃል ይከኣል። ብዝተረፈ እዚ ጉዳይ` ኣብ ዝመጽእ ግዜ ታሪኽ ከልዕሎ ከሎ፣ ንዓና ከም ሕዝቢ ኣበይ ከቐምጠና ከም-ዝኽእል ክጠፍኣና ዝኽእል ኣይኮነን። ደቅና ዝኾርዑሉን ዝሕበኑሉን ታሪኽ ኮይኑ ክጸሓፍ ከም-ዘይክእል ግና፣ ኣረጋጊጽና ክንዛረብ ንኽእል ኢና። ካብዚ ድኽመት` ዘሕዝን ውድቀትን ዕንወትን ከኣ ኣሎ ክንብል ኣይንኽእልን።

ምስዚ ታሪኽ` ብዝተተሓሓዝ ምኽንያት`ውን፣ ካብ 17-ዓመት ኣትሒዞም ኣብ መቑሕ ዝበልዩ ዘለዉ፣ ሠለስተ ብሉጻትን ምሩጻትን ካህናትን ከም-ዘለዉና፣ ሕዝብና ዝፈልጦ ነገር ዘለዎ ኣይመስልን። ከመይሲ ጉዳይ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ፣ ነቲ ሥርዓት ዘየደቅስ ኩርኳሕ ስለ-ዝኾኖ፣ ካብ በረኻ እትው ካብ ዝብል ኣትሒዙ፣ ነዛ ቤተ-ክርስቲያን`ዚኣ ንምቁጽጻር ዝነበሮ ሕልሚ ንምትግባር፣ ንሱ ዘይገበሮ ነገር ኣይነበረን። ስለዚ ከኣ` ኣብቲ 91 እትው ምስ በለ፣ ኣብቲ ደምበ-ተዋሕዶ መን ኢኻ-? ክብሎ ዝኽእል ኣካል ከም-ዘየሎ ምስ ኣረጋገጸ፣ ምንም ከምኡ ንምግባር ዘኽእል ሕጋዊ-ባይታ ከይሃለዎ ከሎ፣ ባዕሉ መራሒ ክመርጽ ኢሉ ተሃንዲዱ ዝተላዕለ። እወ ኣብቲ ሽዕኡ እዋን ኣብቲ ደምበ-ተዋሕዶና፣ ነቲ በቲ ሥርዓት ኣብ ልዕሊ ቤተ-ክርስቲያንና፣ ክገብሮ ዝሓስቦ ዝነበረ ዕብለላ፣ ከስተብህለሉ ዘኽእል ንቕሓት ነይሩ ክበሃል ኣይከኣልን።

ብርግጽ ድማ እቲ ሕያዋይ ሕዝብና፣ ገጹ ኣብሪሁን ኢዱ ዘርጊሑን ብዝተቐበሎም ደቁ፣ ከምኡ ዝበለ ናይ ሕጊ ግህሰት ክፍጸም ይኽእል` ዝብል ጠርጠራ፣ ክነብሮ ይኽእል` ኢልካ ዝሕሰብ `ውን ኣይነበረን። ንሳቶም ግና ነታ ዋና ዘለዋ ናቶም`ውን ዘይኮነት ቤተ-ክርስቲያንና፣ ከም ሓንቲ መንግሥታዊት ትካል ቈጺሮም፣ መራሒ ሾይሞም ከቐምጡላ ምንም ዝስከፉሉ ምኽንያት ኣይነበሮምን። በዚ መንገዲ` ኣቢሎም ሓሊፎም ምስ ከዱ ከኣ`ዮም፣ መወዳእታኡ`ውን ባዕላቶም ፓትርያርክ ብምምራጽ፣ ነታ ቤተ-ክርስቲያን ምሉእ ብምሉእ ዝተቘጻጸሩዋ ኮይኖም ክርከቡ ዝኸኣሉ። እታ ኣብቲ ሽዕኡ እዋን ዋና ነይሩዋ ዘይትበሃል ቤተ-ክርስቲያንና ግና፣ ዝበሉዋ ካብ ምዃን ሓሊፋ፣ ዝኾነ ነገር ክትብል ዘኽእል ዓቕሚ ነይሩዋ እትበሃል`ውን ኣይነበረትን።

ካብዚ ንደሓር እታ ቤተ-ክርስቲያን፣ በዓል ናይዝጊ ክፍሉ ዝጸሓፉላ እተንብብን፣ ዝኣዘዙዋ እትፍጽምን ኮይና` እቲ ጉዕዞ ክትገብሮ ዝጸንሐት። እታ ቤተ-ክርስቲያን ተቘጻጺርናያ ኣሎና ኣብ ዝበሉሉ ግዜ ግና፣ ካልእ ዘይሓሰብዎ ክስተት ክቕልቀል ተራእዩ። ንሱ ድማ እቲ ኣብ መካነ ሕይወት መድኃኔ-ዓለም፣ ዝካየድ ዝነበረ ወንጌል ማእከል-ዝገበረ ምንቃስቓስ እዩ። እዚ ማኅበር ` መንእሰያት ብብዝሒ ጠርኒፉ ዝሓዘ ክኸውን ከሎ፣ ብፍሉይ ድማ ናይ ዩኒቬርስቲን ናይ 2-ደረጃ ተማሃሮን ዝጠርነፈን` ነይሩ። እዚ ምንቅስቓስ` ከኣ፣ እቲ ሥርዓት ተጻዊሩዎ ክኸይድ ዝኽእል ኮይኑ ኣይተረኽበን። ከመይሲ ነታ ቤተ-ክርስቲያን ተቘጻጺርናያ ኢና ክብሉ እንተደኣ ኮይኖም፣ ህልውና መካነ-ሕይወት ካብ ሡሩ ተማሕዩ ክጠፍእ ነይሩዎ።

ቅድሚ መካነ-ሕይወት ግና፣ ኣብ እንዳ-ማርያም ዝነበረ ፍኖተ-ብርሃንን፣ ኣብ እንዳ-ሥላሴ ዝነበረ ማኅበር መንእሰይን እዮም፣ ባዕላቶም ብዝወደቡዎ ጉጅለ ኣረሳሲኖም፣ ነተን ማኅበራት ሓደጋ ብምውዳቕ፣ መጽሓፍ-ቅዱስ ከይተረፈ ከም-ዝነድድ ብምግባር`ውን ከቢድ ዕንወት ከም-ዝወርደን ዝገበሩ። መካነ-ሕይወት ግና ምሉእ ክበሃል ብዝኽእል ደረጃ፣ ዝኣክል ምድላው ስለ-ዝገበሩ፣ ኣብ ልዕሊኦም ዝኾነ ሓደጋ ከውርዱ ከም-ዘይከኣሉ` ዝፍለጥ። ጉባኤ መካነ-ሕይወት ይቕጽል ክሳብ ዝሃለወ ግና፣ እቶም ሰብ ፖለቲካ ድቃስ ክወስዶም ይኽእል` ዝበሃል ኣይነበረን። ስለዚ`ውን ምሉእ ጠመተ ክበሃል ብዝኽእል ደረጃ፣ ናብዚ ተስፋ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ዝነበረ ጉባኤ እዚ`ዮም ተሃንዲዶም ዝተላዕሉን፣ ካብ ሡሩ ምሕዮም ንከጥፍኡዎ`ውን ስኖም ዝነኸሱሉ።

እቲ መንግሥቲ ኣብቲ ጉዳይ፣ ኢድ ኣለዎ ክበሃል ስለ-ዘይደለየ ግና፣ እቲ ምስ ሥነ-ምግባር ምፍላጥ ነይሩዎ ዘይበሃል ናይዝጊ ክፍሉ፣ ንመካነ-ሕይወት መድኃኔ-ዓለም ዕጸዉዎ ክብል`ዩ፣ ኣብ ልዕሊ ፓትርያርክ-እንጦንዮስ ጸቕጢ ክገብር ዝተላዕለ። ንሶም ግና ነቲ ዝንገሮም ዝነበረ ትእዛዝ ከተግብሩዎ ፍቓደኛ ከም-ዘይኮኑ፣ ኣቕዋሞም ግልጺ ጌሮም ምስ ኣፍለጡ፣ ናይዝጊ ክፍሉ ቁርጹ ስለ-ዝፈለጠ፣ ነቶም ቅዱስ-ፓትርያርክ ካብ ሥልጣኖም ናብ ምእላይን፣ ነቶም ብሉጻትን ምሩጻትን ዝኾኑ ካህናት መካነ-ሕይወትን`ውን፣ ኣብ ምእሳር` ዝተጓየየ። እቶም 17-ዓመት መመላእታ ኣብ መቑሕ ተታሒዞም ዝርከቡ ዘለዉ ካህናትና ከኣ፣ ቀሲስ ገብረ-መድኅን ገብረ-ጊዮርጊስ፣ ዶክተር-ቀሲስ ፍጹም ብርሃን ገብረ-ንጉሥ፣ ዶክተር-ቀሲስ ተኽለኣብ መንግሥተ-ኣብ እዮም። ምእንቲ ቅድስናን ክብርን ቤተ-ክርስቲያንና ክብሉ ከኣ፣ እንሆ ክቡር ናይ ሕይወት ዋጋ ኣብ ምኽፋል ይርከቡ ኣለዉ።

ኣብዚ እዋን` እቲ ብዙኃት፣ ንመጻኢ ግዜ ተስፋ ቤተ-ክርስቲያን ክኾኑ ዝኽእሉ ዝነበሩ መንእሰያት፣ ጠርኒፉ ዝሓዘ መካነ-ሕይወት ካብ ሥራሕ ወጻኢ ከም-ዝኸውን ጌሮም ስለ-ዝደምሰሱዎ፣ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣሠሩ ደሊኻ`ውን ክርከብ ዝኽእል ኣይኮነን። ከመይሲ እቲ ብዙኃት ምሁራን ጠርኒፉ ዝነበረ ማኅበር እናሃለወ፣ ብኣረኣእያ`ቶም ሰብ-ፖለቲካ፣ ነታ ቤተ-ክርስቲያን ብዓባያ ምቁጽጻራ ዝከኣል ኣይነበረን። ንቅዱስ-ፓትርያርክን ከምኡ`ውን ንካህናት መካነ-ሕይወት ምስ ኣሰሩን ግና፣ ክቃውም ዝኽእል ኣካል ክለዓል ከም-ዘይክእል ስለ-ዝተኣማመኑ፣ ድሕሪ እዚ`ዮም ነታ ብቅድስና ዝፍለጥ ክቡር ታሪኽ ዘለዋ ዓባይ ቤተ-ክርስቲያን፣ ምሉእ ብምሉእ ክበሃል ብዝኽእል ደረጃ፣ ሃብታን ንብረታን ሕይወታን ክቘጻጸሩዋ ዝኸኣሉ ክበሃል ይከኣል።

ርግጽ` እቲ ፖለቲካዊ-ሥርዓት፣ ነቲ ባዕሉ ጠፍጢፉ ዝሠርሖፓትርያርክነትኣፍልጦ ከም-ዝረክብ ንምግባር፣ ብዙሕ ክድይብን ክወርድን ከም-ዝጸንሐ ዝፍለጥ`ዩ። ኣብ ምሉእ ዓለም ዘይሩን ኮሊሉን ኣፍልጦ ዝህቦ ስለ-ዝተሳእነ ግና፣ ኣብ ዕጹው ማዕጾ ተዓጽዩ ዝርከብ ዘሎ ምዃኑ` ዝፍለጥ። ግዳስ ነቲ ኣብ ውሽጢ ዘሎ ሕዝቢ፣ ንምትዕሽሻው ተባሂሉ ግዲ ኮይኑፓትርያርክመሪጽና ክብሉ ይስምዑ`ዮም። በተን ኣኀት ዝበሃላ ናይ ኦሪየንታል ኣብያተ-ክርስቲያናት ግና፣ ኣፍልጦ ዝረኸበ ኣይኮነን። ስለዚ`ውን ዝኾነ ሕጋዊ ተፈላጥነት ኣለዎ ዘይበሃል ምርጫ-ፓትርያርክ ብምክያድ፣ ሕጋዊ ወይ ቀኖናዊ-ቁመና ዘለዎ መንበር ከም-ዘለዎም ኣምሲሎም፣ ከርእዩ ኢሎም ዝገብሩዎ ከንቱ ድኻም ምህላዉ ዝፍለጥ`ዩ። ግዳስ ከንቱ ንዝኾነ ሃልኪ እንተ-ዘይኮይኑ፣ ዝበሉ እንተበሉ`ውን ኣፍልጦ ንምርካብ ዝሕግዝ ኮይኑ ክርከበሎም ኣይክእልን እዩ።

ብዝኾነ እቶም ቅዱስ-ፓትርያርክ ሕጂ ዓሪፎም`ዮም። ጉዳይ ቤተ-ክርስቲያንና ግና ሕጂ`ውን፣ ከደቅሰና ዝኽእል ኣይኮነን። ከመይሲ እቲ ናይ ፓትርያርክ-እንጦንዮስ መንበር፣ ኣብቲሓዋርያዊ-ሰንሰለትጸኒዑ ዝተቐመጠ መንበር ስለ-ዝኾነ፣ ኣብቲ ንቀጻልነቱ ክካየድ ዘለዎ መሥርሕ፣ ዋና ኮይኑ ክዋሳእ ዘለዎ፣ እቲዓቃቤ-መንበርኮይኑ ክዋሳእ ዝጸንሐ ወገን ደኣምበር፣ እቲ ካብዚ ወጻኢ ዘሎ ኩሉ ይምልከቶ` ክበሃል ከም-ዘይከኣል፣ ግልጺ ኮይኑ ክፍለጥ ዘለዎ ሓቂ`ዩ። ከመይሲ ጉዳይ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ፣ ነቶም ኣብቲ ሓዋርያዊ-ሰንሰለት ጸኒዖም ዝርከቡ ዘለዉ ደኣምበር፣ ንማንም ካልእ ይምልከቶ` ክበሃል ከም-ዘይከኣል፣ እቶም ናይ መንበረ-ማርቆስ ኣቦታት፣ ይርድኡዎ`ዮም ዝብል ጽኑዕ እምነት` ዘሎና። እዚ ጉዳይ` ብዘለዎ ክብደት መጠን`ውን፣ ቀዳምነት ሂብካ ክሥረሓሉ ከም-ዝግባእ፣ ነቶም ግብጻውያን ኣቦታት  ክብደት` ሕጂ ኣብ ቤተ-ክርስቲያንና ኣጋጢሙ ዘሎ ጉዳይ፣ ክጠፍኦም ይኽእል` ኣይንብልን።

ብዝተረፈ ፓትርያርክ-እንጦንዮስ ዓሪፎም ማለት፣ ጉዳይ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ኣኺሉዎ ተዓጽዩ` ማለት ከም-ዘይኮነ ክፍለጥ ይግባእ። የግዳስ  ናብ ሓደ ተሪር ዝኾነ ካልእ መድረኽ፣ ይሰጋገር ኣሎ ክበሃል` ዝከኣል። እቲ ፖለቲካ ነታ ቤተ-ክርስቲያን ተቘጻጺሩዋ ክሳብ ዝሃለወ ግና፣ ሰላምን ቅሳነትን ረኺብና ክንድቅስ እንኽእል ኣይኮናን። ብዝተረፈ ክሳብ መዓስ` እሞ ሕዝብና፣ ነቲ ኣባትሮም ብምፍራህ ምዩቕ እናበለ ክነብር ዝደሊ-? እቲ ቅዱስ-ጽሑፍ ግና እቲ ደድሕረይ ኪስዕብ ዝደሊ፣ ገዛእ-ርእሱ ይመንን፣ መስቀሉ ኣልዒሉ ከኣ ይስዓበኒብምባል` ኣቐሚጡዎ ዘሎ። ስለዚ`ውን ኣብ ሓደ ግዜ፣ ንኣምላኽን ንዓለምን ምግልጋል ስለ-ዘይከኣል፣ ሕዝብና ካብቲ ጥሒሉ ኣትዩዎ ዝርከብ ዘሎ ፍርሂ ተገላጊሉ፣ ምእንቲ ድኅነት ቤተ-ክርስቲያን ክብል፣ ኣብ ኣደባባይ ወጺኡ ናይ ተቓውሞ-ድምጹ ከስምዕ`ዩ፣ ጻውዒት ዝግበረሉ ዘሎ።  (ማር-8/34)

ብዝተረፈ እዚ ናይ ሎሚ ምእካብና፣ ንቅዱስ-ፓትርያርክ-እንጦንዮስ ብጸሎተ-ፍትሓት ንምዝካርን ንምፍናው` እንተኾነ። ነቲ ቅዱስነቶም ኣብ መወዳእታ ከየብጽሑ ዝገደፉዎ ተጋድሎ፣ ኣብ መወዳእታ ንምብጻሕ ወይ ንምቕጻል ደኣ ክኸውን ኣለዎ እምበር፣ ኣብቲ ዝጸንሐ ብፍርህን ሕመቕን ዝልለ ባህርያትና ንምለስ እንተደኣ ኴንና፣ እዚ ናይ ሎሚ ምእካብና ትርጉም ዘለዎ ክኸውን ኣይክእልን እዩ። ስለዚ ሓንቲ ኣብ ቀጻሊ ኣውያት፣ እትርከብ ዘላ ቤተ-ክርስቲያን ዘላትና ከም-ምዃንና መጠን፣ ነቲ ብቐጻሊ ዝግበር ዘሎ ኣውያት መልስና እንታይ`-? ተባሂልና ንሕተት ኣሎና`ሞ፣ ሕጂ`ውን መልስና እንታይ እዩ-?!

ከም-ዝፍለጥ ቅድስቲ ቤተ-ክርስቲያንና ሕጂ`ውን፣ ርድኡኒ ብምባል ኣብ ቀጻሊ ኣውያት` ትርከብ ዘላ። ነዚ ኣውያት` ከኣ ጸማም እዝኒ ክንህቦ ግቡእ ኣይኮነን። ደቂ ቤተ-ክርስቲያን ኢና ክሳብ ዝበልና፣ ሕማማን ቃንዛኣን ክንካፈሎ ክርስቲያናዊ ግዴታ ኣሎና። ፓትርያርክ-እንጦንስ ብሕይወት ኣብ ዝነበሩሉ ግዜ፣ ብዙሕ ግዜ ጻውዒት ክግበረልና ጸኒሑ`ዩ። ከምቲ ሳሙኤል ዝበሎባርያኻ ይሰምዕ ኣሎ` ተዛረብክንብል ግና ኣይተሰማዕናን። ቤተ-ክርስቲያን ድማ ሕጂ ርድኡኒ ንምባል፣ ብቐጻሊ` ከተእዊ ትርከብ ዘላ። ነዚ ኣውያት` ጸማም እዝኒ ክንህቦ ድማ፣ ንመርገም እምበር ንበረኸት ክኾነልና ዝኽእል ኣይኮነን። ስለዚ`ውን እቲ ትማሊ ኣብ ግዜ ኣቡነ-እንጦንዮስ ዘርአናዮ፣ ዓቐኑ ዝሓለፈ ፍርህን ስንፍናን ሕመቕን፣ ሕጂ ንካልኣይ ግዜ ደጊምናዮ ከይንርከብ፣ ኣዚና ክንጥንቀቐሉ ዘሎና ውድቀት ምዃኑ፣ ክንዝንግዕ ኣይግባእን።

ዮሓንስ ኣብ ራእዩኢትፍራህ ምንተኒ በእንተ ዘሃለወከ ትሕምምዝበሎ ቃል ብልቦና ምስትውዓሉ ከድልየና እዩ። ዮሓንስ ወዲ-ዘብዴዎስብዛዕባ` ክመጸካ ዝኽእል ፈተና ኣይትፍራህብምባል` ዘጠንቅቕ ዘሎ። ከመይሲ ኣብ እምነት ፍርሒ ቦታ የብሉን። ንሕና ከም ሕዝቢ ግና እቲ ዘሎና ሕመቕ ፍርሒ እዩ። ነቲ ፍርሒ ብትብዓት ሰጊርና ክንሓልፎ ከይከኣልና ከኣ፣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ክቐርብ ዝኽእል ሕይወት ክህልወና ዝኽእል ኣይኮነን። ስለዚ ዓውደ-ምሕረት ቤተ-ክርስቲያን፣ ካድረታት ፖለቲካ ዝዕንድሩሉ መድረኽ ኮይኑ ክርከብ ዝፈቅድ ሕልና ክህልወና ኣይግባእን። ቤተ-ክርስቲያን ናይ ቅድስና ቤት`ያ፣ ቅድስናኣን ክብራን ዝተሓለወ ኮይኑ ክርከብ ዝኽእል ድማ፣ ንሕና ክንገብሮ ብእንኽእል ጽንዓት ስለ-ዝኾነ፣ ኣብ መድረኽ ቤተ-ክርስቲያን ክንርከብ እቲ ሕያው ኣምላኽ ብጸግኡ ይደግፈና። ነቶም ኣብ ብርቱዕ ቃልሲ ዝጸንሑ ፓትርያርክ-እንጦንዮስ ድማ፣ ገነት መንግሥተ-ሰማያት ይዓድሎም።

ሊቀ-ካህናት ተክለ-ማርያም ምርካ-ጽዮን

ሃገረ-ስብከት ኤውሮጳ, ጀርመን

20 የካቲት 2022

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div