S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ናይ ሞት ይጽናሕ ናይ ሕልፈት ይበኸ !!

ንሕና ከም ሕዝቢ፣ ማለት ከም ሕዝቢ-ሓበሻ መጠን፣ ናይ ሞት መጸዋዕታ ክመጸና ከሎ፣ ምቕባሉ ዝኸብደና ሕዝቢ ምዃንና ኢና እንፍለጥ። ኣብ ዝኾነ ግዜ እቲመርድእዝበሃል ዜና ክመጽእ ከሎ፣ እቲ ክግበር ዝርአ ናይ ኣበኻኽያ ባህልና፣ መግለጺ ክርከበሉ ይኽእል` ክበሃል`ውን ኣይከኣልን። ብሓጺሩ ሞት ኣብ ሕዝብና፣ ዳርጋ ከም መወዳእታ ዓለም ኮይኑ` ዝርአ እንተ-ተባህለ ምግናን ኣይኮነን። እዚ ልማድ` ከኣ ግዜ ክቕይሮ ዘይከኣለ፣ ዳርጋ ኣብ ደምና ከም-ዝተወሃሃደ ውርሻ ኮይኑ`ዩ፣ ኃቢሩና ክጎዓዝ ዝርከብ ዘሎ።

እቶም ቀዳሞት ኣቦታትና ግና፣ ብደረጃ ኣቐሚጦም ክርእዩዎ ከለዉ፣ ልዕሊ ሞት ዝፍራህ ካልእ ነገር ምህላዉ`ዮም፣ ኣብቲ ምስላኦም ኣቐሚጦሞ ዘለዉ። ከመይሲ ንሳቶም ነቲ ሞት ከም ቅቡል`ዮም ወሲዶሞ። ንሳቶም ዝፈርሁዎ ግና እቲ “-ሕልፈት-”  ዝበሃል ነገር እምበር ሞት ኣይኮነን። ስለዚ ከኣ`ዮም ነቲ ሞት፣ ብኻልኣይ ደረጃ ኣቐሚጦም “-ናይ ሞት ይጽናሕ፣ ናይ ሕልፈት ይበኸ-” ክብሉ ዝኸኣሉ። ሕልፈት ማለት ከኣ ብኣረዳድኣ ኣቦታትና፣ ዓይንኻ እናረኣየን እዝንኻ እናሰምዐን፣ ብሕይወት ከሎኻ ምሟት ማለት`ዩ። ስለዚ ከኣ` ሕልፈት ዝተኣታተዎ ሰብ ወይ ሕዝቢ፣ ምዉት ዘይቅቡር ተባሂሉ ዝግለጽ። ነዚ ትርጉም ዘይብሉ ሕይወት` ከኣ`ዮም ኣቦታትና፣ሕልፈትብምባል ዝገልጽዎ። 

ብዝኾነ ኣብዚ ሕጂ ዘሎናዮ እዋን፣ ካብ ወገን ኣሥመራ ሓደ ንምስምዑ ዝኸብድ መርድእ ተሰሚዑ ኣሎ። እዚ ማለት ድማ እቶም 17-ዓመት መመላእታ፣ ኣብ ትሕቲ ጽኑዕ ማሕዩር ተታሒዞም ዝጸንሑ፣ ፓትርያርክ-እንጦንዮስ ቀዳማዊ፣ ኣብ መበል-93 ዓመት ዕድሚኦም፣ ኣብቲ ተሓይሮምሉ ዝጸንሑ ቦታ ከም-ዝዓረፉ` ዝንገር ዘሎ። እዚ መርድእ` ከኣ “-ሞት-” ጥራይ ዘይኮነ “-ሕልፈት-” ኣኸቲሉ`ዩ፣ ነቶም ኣብ ከቢድ ድቃስ ጥሒልና እንርከብ ዘሎና ሕዝቢ-ተዋሕዶ መጺኡና ዘሎ። ግዳስ ፈሊጡ ክድቅስ ዝደለየ ሕዝቢ፣ መድፍዕ ተተኲሱ`ውን ከበራብሮ ይኽእል` ስለ-ዘይበሃል፣ ሕጂ`ውን ንሕና ከም ሕዝቢ፣ ነዚ ዝበሃል ዘሎ መርድእ ሰሚዕና`ውን፣ ካብቲ ጥሒልና ኣቲናዮ ዘሎና ድቃስ ተበራቢርና፣ ገለ ክንገብር ንኽእል ኢና ዝብል ቁመና፣ ዘሎና ሕዝቢ መሲልና ክንርአ ዘይምኽኣልና ዘሕዝን እዩ።

ከመይሲ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ፣ ካብ 1983 / (1991) ኣትሒዛ፣ እቲ ፖለቲካዊ-ሥርዓት ምሉእ ብምሉእ ተቘጻጺሩዋ እናሃለወ፣ እቲ ሕዝቢ ገለ ክብል ተሰሚዑ ዝበሃል ታሪኽ የልቦን። ብኣንጻር` ግና ክንድቲ ዝድለ ደኣ ኣይኹን እምበር፣ ብወገን እቲ ውሉደ-ክህነትሲ፣ ናይ ተቓውሞ ድምጺ ክስማዕ ምጽንሑ ዝፍለጥ`ዩ። ብዙኃት`ውን ኣብ መቑሕ ኣትዮም፣ ነንዊሕ ዓመታት ኣብ ጎዳጉድ ተደርብዮም፣ ስቓዮም እናተቐበሉ ክርከቡ ጸኒሖም`ዮም፣ ገና ሕጂ`ውን ኣብ መቑሕ ተታሒዞም ዘለዉ ውሑዳት ኣይኮኑን። ነቲ በታ ቤተ-ክርስቲያን ብቀጻሊ ዝግበር ዘሎ ኣውያት፣ ኣብቲ ማኅበረ-ምእመናን ተዋሕዶና ዘዳምጽ ኣእዛን ስለ-ዝተሳእነ ግና፣ እንሆ መድረኽ ቤተ-ክርስቲያንና እቲ ፖለቲካዊ-ሥርዓት፣ ንበይኑ ዝዕንድረሉ ሜዳ ኮይኑ` ዝርከብ ዘሎ። ካብዚ ዝዓቢ ሕልፈት ከኣ ኣሎ ክበሃል ኣይከኣልን። 

ብመንጽር` ኣበሃህላ` ክርአ ከሎ፣ እቶም ጳጳሳት ዝበሃሉ ኩሎም ናይ ፖለቲካ መጋበሪ ብምዃን፣ ነታ ቤተ-ክርስቲያን ንበላዒ ኣሕሊፎም ሂቦሙዋ ስለ-ዝኾኑ፣ ሕዝቢ ተዋሕዶ ካብ ዝቐብጾም ነዊሕ ኮይኑ`ዩ። ስለዚ`ውን ናብኣቶም ኣቢሉ ዝጥምት ኣሎ ክበሃል ኣይከኣልን። እዚ ማለት ግና እቲ ካብ ጳጳሳት ወጻኢ ዘሎ ዉሉደ-ክህነት፣ ንቤተ-ክርስቲያን ዋጋ ክኸፍል ኣይጸንሐን ማለት ኣይኮነን። በብግዚኡ ኣብ መቑሕ ክኣትዉ ዝጸንሑ መነኮሳትን ካህናትን ዲያቆናትን`ውን፣ እቲ ብዝሖም ዝኾነ ሰብ ክግምቶ ካብ ዝኽእል ንላዕሊ እዩ። ስለዚ`ውን እቲ ጉዳይ ብኹሉ ኣጠቓሊልካ ክርአ ከሎ፣ ነታ ብቅድስና ዝፍለጥ ታሪኽ ዘለዋ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ፣ ካብዚ ዝሓለፈ 30-ዓመት ኣትሒዙ፣ ካብ መሠረታ ኲዒትካ ንምጥፋእ ዝዓለመ ፖለቲካዊ-ኲናት`ዩ፣ ኣብ ልዕሊኣ ክካየድ ዝጸንሐን፣ ገና ሕጂ`ውን እናተኻየደ ዝርከብ ዘሎን ተባሂሉ` ክግለጽ ዝከኣል።

ብመሠረቱ ክርአ ከሎ ንቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ዋናታታ፣ ማኅበረ-ምእመናን ተዋሕዶ እምበር፣ ካልእ ናተይ` ዝብላ ዋና ኣለዋ ትበሃል ኣይኮነትን። እቲ ኣብ 1983 / (1991) ብበረኻ ኣቢሉ ዝኣተወን ብሕዝቢ ዝተነጽገን ሥርዓት ግና፣ ከም ሓንቲ መንግሥታዊት ትካል ቈጺሩ፣ ነቲ ኦርቶዶክሳዊ ደምበ ኣብ ግምት ብዘይ ምእታው ወይ ብምንዓቕ፣ ብኃይሊ ክቈጻጸራ`ኣንሥእ-ኃይለከኢሉ ዝተላዕለ። እዚ ክግበር ዝግብኦ ጥራይ ዘይኮነ፣ ክሕስብ ዘይነበሮ ሕጊ ዝጠሓሰ ተግባር`ዚ፣ ሽዕኡ` ተቓውሞ ክግበረሉ ዝግባእ ዝነበረ። እቲ ገርህን ሕያዋይን ተባሂሉ ዝግለጽ ሕዝቢ-ተዋሕዶና ግና-?! በቶም ኢዱ ዘርጊሑን ሰቲ ነስኒሱን ዝተቐበሎም፣ መሲሉዎ ደቀይ`ውን ዝበሎም ሰብ-ጠበንጃ፣ ኣብ ልዕሊ ሃይማኖቱ ዘይግቡር ይገብሩ`ዮም ኢሉ ክጥርጥሮም፣ ኣብ ሓሳባቱ ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ሕልሙ`ውን ኣይነበረን።

ይኹን እምበር ኣከያይዳ` ብበረኻ ዝኣተወ ፖለቲካዊ-ሥርዓት፣ ባህ ዘይበሎም ገለ ኣቦታት ኣይነበሩን ማለት ግና ኣይኮነን። እዞም ኣቦታት`ዚኣቶም ትኽ ብትኽ ክቃለሱዎ ዘይክእሉ ምዃኖም ኃይሎም ምስ-መዘኑ ግና፣ ንቤተ-ክርስቲያን ብማእከልነት ክመርሕ ዝኽእል፣ ሓደ “-ግዚያዊ-ሲኖዶስ-” ዝተባህለ ኣካል ከቑሙ ከም-ዝኸኣሉ` ዝፍለጥ። እዚ ከኣ ነታ ቤተ-ክርስቲያን ካብ ምቁጽጻር እቲ ፖለቲካዊ-ሥርዓት፣ ንምውጻእ ዝዓለመ ርሑቕ ዝጠመተ ራእይ` ነይሩ። ግዳስ እቲ ዝተመርጸ ግዚያዊ-ሲኖዶስ፣ እቲ ፖለቲካዊ-ሥርዓት ብዝገበሮ ጸቕጢ ወይ ተጽዕኖ፣ ኣብ ትሕቲ` ኣቐዲሙ ባዕሉ ኣቚሙዎ ዝነበረ መሪሕነት ከም-ዝቕመጥ ስለ-ዝገበሮ፣ እታ ቤተ-ክርስቲያን ካብ ኣርዑት-ፖለቲካ ነፃ ክትከውን ዝነበረ ተስፋን ትጽቢትን፣ ኣብ ባይታ ግብራዊ ኮይኑ ክትርጎም፣ ዘኽእሎ ዕድል ክረክብ ከም-ዘይከኣለ` ዝፍለጥ።

ሓደ ሓደ ውሉደ-ክህነትና ግና፣ ጸገም ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ብማእሰርቲ ፓትርያርክ-እንጦንዮስ፣ ሓደ ኢሉ ከም-ዝተጀመረ ገይሮም ክገልጹዎ ይስምዑ እዮም። እቲ ጠንቂ ዝተቐልቀለ ግና፣ እታ ቤተ-ክርስቲያን ባዕላቶም መራሒ ክሾሙላ ከለዉ፣ ገና ካብ በረኻ ክኣትዉ ከለዉ ኣብ 91 እዩ። እዚ ብዘይ ኣፍልጦን እወንታን ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶን ሕዝቢ ተዋሕዶን፣ ዝተገብረ ኢድ ምትእትታው` ከኣ`ዩ፣ ነቲ ኩሉ ብተኸታታሊ ዝሰዓበ ውድቀት መበገሲ ኮይኑ ክርከብ ዝኸኣለ። ርግጽ` ምርጫ ብዝመስል ረቂቕ-ተንኮል፣ ምርጫ ፓትርያርክታት ክግበር ምጽንሑ ዝፍለጥ`ዩ። እታ ቤተ-ክርስቲያን ግና ኣብ ትሕቲ ፍጹም ምቁጽጻር እቲ ፖለቲካዊ-ሥርዓት እምበር፣ ኣብ ኢድ ሕዝቢ-ተዋሕዶ ኣይነበረትን። ስለዚ ጸገም ቤተ-ክርስቲያንና ዝጀመረ፣ እቲ ሥርዓት ኢዱ ክመልስ ከሎ ኣብ 1983 /(1991) ደኣምበር፣ ንፓትርያርክ-እንጦንዮስ ክኣስር ከሎ፣ ኣብ 1998 / (2006) ዘይምዃኑ ብግልጺ ክፍለጥ ዘለዎ ነጥቢ`ዩ።

ይኹን እምበር እቲ ታሪኻዊ ሓቂ እዚ ስለ-ዝኾነ፣ ቤተ-ክርስቲያንና ኣብዚ 1983 / (1991) ዝጅምር ናይ 30-ዓመት ጉዕዞኣ፣ ሰላም ረኺባ ቀሲና ዝተራእየትሉ እዋን ከም-ዘይነበረ` ዝፍለጥ። ስለዚ`ውን እዚ ዝሓለፈ 30-ዓመታት፣ ብናይ ፖለቲካ-ማዕበል ክትሕቆን ዝነበረቶ ዓመታት ደኣምበር፣ ነፃ ነይራ እትበሃል ኣይነበረትን። ከም ሳቤን` ዝተባህለ ኩሉ ከኣ ሕጂ እንሆ፣ ካብቲ ከይከውን ክንፈርሖ ዝጸናሕና መርድእ ከነምልጥ ስለ-ዘይከኣልና፣ እንሆ ብምሉኡ ሕዝቢ-ተዋሕዶ ኣብ ከቢድ ሓዘን ወዲቑ ይርከብ ኣሎ-?! እዚ ማለት ድማ እቶም ንነዊሕ-ዓመታት፣ ኣብ መቚሕ ተታሕዞም ዝጸንሑ ፓትርያርክ-እንጦንዮስ “-ሠናይ ገድሊ ተጋዲለ፣ ጉያይ`ውን ወዲአ፣ ነታ እምነት`ውን ሓልየያ እየ። ደጊም እቲ ቅኑዕ ፈራዲ ዝኾነ ጎይታ፣ በታ መዓልቲ`ቲኣ ዝህበኒ ኣክሊል-ጽድቂ ተነቢሩለይ ኣሎ-” ብምባል መገዲ-ሰማይ ኣቕኒዖም ከም-ዝኸዱ`ዩ፣ ዳርጋ ኣዋጅ ተባሂሉ ክንገረና ቀንዩ ዘሎ። (ጢሞ-4/6-8)

ካልእ ካብዚ ዝዓብን ዘሕዝንን መርድእ ከኣ፣ ክንገረና ኣይክእልን እዩ። ከመይሲ ሕልፈት ፓትርያርክ-እንጦንዮስ፣ ንቤተ-ክርስቲያንና ኣኸቲሉዎ ዝመጽእ ኣሉታዊ-ሳዕቤን ከም-ዘለዎ ስለ-ንርዳእ፣ ኣብ ርእሲ` ብሞቶም ምሕዛንና፣ እቲ ንሞቶም ተኸቲሉ ክመጽእ ዝኽእል ሳዕቤን`ውን፣ ነቲ ደምበ-ተዋሕዶና ከድቅሶ ዝኽእል ከም-ዘይኮነ፣ ገና ኣብ ማዕዶ ከሎ ክንፈርሆ ዝጸናሕና ጉዳይ`ዩ። ከመይሲ እቲ ንዕኦም ተኪኡ ክመጽእ ዘለዎ ፓትርያርክ ናይ ምምራጽ ሓላፍነት፣ ነቲ ብመንበረ-ማርቆስ ኣፍልጦ ተዋሂቡዎ ዝጸንሐ ዓቃቤ-መንበር ደኣምበር፣ ንማንም ካልእ ይምልከቶ` ዝበሃል ከም-ዘይኮነ፣ ክሥመረሉ ዝግባእ ዋና ነጥቢ` ዝብል እምነት` ዘሎና።  

ከመይሲ እቲ ክሳብ ሕጂ፣ ምስ መንበረ-ማርቆስ ኣተኣሳሲሩና ዝጸንሐ ሓዋርያዊ-ሰንሰለት፣ ድሕሪ ሕልፈት ፓትርያርክ-እንጦንዮስ፣ ዳርጋ ኣብ ቦትኡ ኣሎ ክበሃል ዝከኣል ኣይኮነን። ስለ` እቲ ሓዋርያዊ-ሰንሰለት፣ ኣብቲ ዝነበሮ ንምምላስ ቀሊል ክኸውን ከም-ዘይክእል፣ ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት በቶም ናይ መንበረ-ማርቆስ ኣቦታት ኣቢሉ፣ ክንገር  ጸኒሑ`ዩ። እቲ ናይቲ ፖለቲካዊ-ሥርዓት መጋበሪ ብምዃን፣ ብዕድል ቤተ-ክርስቲያን ክጻወት ዝጸንሐን፣ ገና ሕጂ `ውን ምጽዋቱ ዝቕጽል ዘሎ ጉጅለ መለካውያን-ጳጳሳት ግና፣ ነቲ ክኽተል ዝኽእል  ሳዕቤን ክመዝን ዘኽእሎ ልቦና ኮነ ሕልና ስለ-ዘይተዓደለ፣ ነታ ቤተ-ክርስቲያን ሕጂ`ውን ክትወጾ ኣብ ዘይትኽእል ታኼላ ኣቢሉ`ዩ፣ ብቐጻሊ ክደፍኣ ዝርከብ ዘሎ።

ይኹን እምበር እቲ ክመጽእ ዝኽእል ፈተና ኣብ ግምት ብምእታው፣ ገለ ውሉደ-ክህነትና እዚ ኩነታት` ገና ኣብ ርሑቕ ከሎ ከተሓሳስቦም ስለ-ዝጸንሐ፣ ሓላፍነት ዝስምዖን ድልዱል ዝኾነን ማእከልነት ብምፍጣር፣ ነቲ ክመጽእ ዝኽእል ፈተናታት ክምክት ወይ ክጻወር ዝኽእል ኃይሊ ክፍጠር፣ ጎስጓስ ክገብሩ ምጽንሖም ዝፍለጥ`ዩ። ግዳስ እቲ ሕጂ ዝንገረና ዘሎ መርድእ`ቶም፣ ንዓመታት ኣብ ትሕቲ መቑሕ ዝጸንሑ ፓትርያርክ-እንጦንዮስ፣ ልዕሊ` ብኣታትና ወገን ክግበርን ክዕመምን ዝከኣል ዝነበረ ኮይኑ ስለ-ዝመጸ፣ ብመንጽር` ኣብ ልዕሊ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ-ክርስቲያንና ከኸትሎ ዝኽእል ኣሉታዊ ሳዕቤናት፣ ነቲ ክመጽእ ዝኽእል ኩሉ ተቐሪብናሉ ኢና ክንብል`ውን እንኽእል ኣይኮናን። ከመይሲ ኣባና`ውን ኣኺሉ ዝተርፍ ድኻማት ኣይጸንሐን፣ ወይ ኣይነበረን ክንብል ከም-ዘይንኽእል፣ ኣረጋጊጽና ንፈልጥ ኢና።

ስለዚ ከኣ ኢና ሕጂ፣ ከድምዕ ዝኽእል እኹል ምድላው ምስ ዘይገበርናሉ፣ ከቢድ ወጥሪ ተፋጢጥና ንርከብ ዘሎና። ብድሕሪ ሕልፈት ፓትርያርክ-እንጦንዮስ፣ እቲ ቀጻሊ ጉዕዞ ከመይ` ክኸውን-? ዝብል ሕቶ፣ ኣቐዲምካ መልሲ ክርከበሉ ዝነበሮ ምዃኑ፣ ከም ርዱእ ዝውሰድ` ነይሩ። እዚ ኩሉ` ክግበር ዘይምኽኣሉ ከኣ፣ እንሆ ክቡር ዋጋ ዝሓተና ኮይኑ ይርከብ ኣሎ። ስለዚ ሕጂ`ውን ከም ትማሊ፣ ናብቶም ናይ መንበረ-ማርቆስ ኣቦታት ኣቢልና ክንጥምት፣ ንጽባሕ ተባሂሉ ዝቕመጥ ጉዳይ ዘይምዃኑ፣ እቲ ኣጋጢሙና ዘሎ ጉዳይ ዘገድደና ኮይኑ ይርከብ ኣሎ። ከመይሲ እቲ ንዓና ላዕለዋይ-ጽላል ኮይኑ፣ ጠርኒፉ ሒዙና ዝጸንሐዓቃቤ-መንበር-” ትርጉም ክህልዎ ወይ ሕጋውነት ክህልዎ ዝኽእል፣ እቲ ዋና መንበር ኣብ ቦትኡ ጸኒዑ፣ ደው ክብል ምስ-ዝኽእል ምዃኑ ርዱእ`ዩ። እዚ ከኣ ፓትርያርክ-እንጦንዮስ ብሕይወት ክሳብ ዝነበሩሉ ግዜ እዩ። ሕጂ ግና እቲ ብኣቡነ-እንጦንዮስ ተታሒዙ ዝጸንሐ መንበር፣ሓዋርያዊ-ሰንሰለትብዝሓለወ ቀኖናዊ-መሥመር፣ ናይ ምትክኡ ጉዳይ ብትዂረት ክንጥምቶን ክንሠርሓሉን ዝግበኣና፣ ዋና ኣጀንዳ ኮይኑ` ዝርከብ ዘሎ።

ስለዚ`ውን እዚ ጉዳይ` ንቤተ-ክርስቲያንና ኣዚዩ ወሳኒ ምዕራፍ ስለ-ዝኾነ፣ ብዕቱብ ክተሓዝን ምክትታል ክግበረሉን ዝግብኦ ምዃኑ፣ ክሥመረሉ ዘለዎ ጉዳይ እዩ። ከመይሲ ብዘይ ጻዕርን ድኻምን፣ ዓወት ዝበሃል ነገር ተረካቢ` ዝበሃል ኣይኮነን። ምእንቲ ክብርን ቅድስናን ቤተ-ክርስቲያን ክንብል ድማ፣ ኣበርቲዕና ክንቃለስ ከም-ዝግበኣና ዘይንፈልጥ ክንከውን ኣይግባእን። ከመይሲ እዞም ነዛ ዓለም`ዚኣ ተሳናቢቶማ ዝኸዱ ዘለዉ ቅዱስ-ፓትርያርክ፣ ኣብ መቑሕ ንክኣትዉ ምኽንያት ኮይኑዎም ዝተረኽበ፣ ቅድስናን ክብርን መሰልን ቤተ-ክርስቲያን ኣሕሊፈ ኣይህብን ስለ-ዝበሉ ደኣምበር፣ ካልእ ገበን ስለ-ዝተረኽቦም ኣይኮነን። ከመይሲ እቲ ቅዱስ-ጽሑፍብዛዕባ` ክመጸካ ዝኽእል መከራ ኣይትፍራህ። ክሳብ ሞት እሙን ኩን። ኣነ ድማ ኣኽሊል-ሕይወት ኪህበካ እየ-” እዩ ዝብል። (ራእ-2-10)

ይኹን እምበር እቶም ቅዱስ-ፓትርያርክ፣ ማለት ኣቡነ-እንጦንዮስ ግቡኦም ፈጺሞም`ዮም ብሠማዕትነት ታሪኾም ዛዚሞሞ ሓሊፎም ዘለዉ። በዚ ድማ ሓደ ካብቶም ስሞም ብቅድስና ዝጥቀሱ ሠማዕታት ቤተ-ክርስቲያን ኮይኖም ብምርካቦም፣ ክንደይ` ንቅድስና ዝበቕዑ ኣቦ ኮይኖም ተረኺቦም እዮም። ንሕና ከም ሕዝቢ ግና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ፣ ከንእደና ዘይክእል ብዙሕ ድኻማት ኣይጸንሓናን ክንብል እንኽእል ኣይኮናን። ከመይሲ ንማእሰርቶም ኮነ ንመቑሖም ኣብ ግምት ብምእታው፣ ዝገበርናዮ ኣስተዋጽኦ ኣሎ ክበሃል ስለ-ዘይከኣል`ዩ። የግዳስ ከም-ዘይምልከተና ኴንና ኢና፣ ነቲ ማእሰርቶም ብማዕዶ ክንርእዮ ዝጸናሕና። እዚ ዓቐኑ ዝሓለፈ ፍርሂ` ዝወለዶ ድኽመት ከኣ`ዩ፣ ንዓና ከም ሕዝቢ መጠን፣ ናይ ታሪኽ ተወቀስቲ ክገብረና ኣብ ዝኽእል ትዕዝብቲ፣ ኣውዲቑና ዝርከብ ዘሎ።

ብዝተረፈ ህልውና ቅድስቲ ቤተ-ክርስቲያን፣ ንከቢድ ሓደጋ ተጋሊጹ ይርከብ ኣሎ ኣብ ዝበሃለሉ ግዜ፣ ምንም ግዲ ዘይብልና ወይ ተደናገጽቲ እቲ ፖለቲካዊ-ሥርዓት፣ ኴንና ክንርከብ ምድላይና፣ ካብ ምሕረትን ጸጋን ኣምላኽ ከርሕቐና እንተ-ዘይኮይኑ፣ ንበረኸት ክኾነልና ዝኽእል ዘይ-ምዃኑ ክንርዳእ ዝግበኣና ሰዓት፣ ሕጂ እምበር ጽባሕ ኣይኮነን። ከመይሲ እታ ኣደ ኩላትና ዝኾነት ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ፣ ካብ ብዝሒ ቃንዛኣን ስቓያን ዝተላዕለ፣ ርድኡኒ ብምባል ኣብ ቀጻሊ ኣውያት` ትርከብ ዘላ። ግዳስ ካባና ካብቶም ብጸጋ-ጥምቀት ዝወለደትና ደቃ፣ ልቢ ከህድእ ዝኽእል መልሲ፣ ዛጊት ተረኺቡ` ክበሃል ዘይምስምዑ፣ እዚ ድኽመት` ንዓና ንማኅበረ-ምእመናን ተዋሕዶ፣ ኣብ ትዕዝብቲ ኣየውደቐናን ክንብል ኣይንኽእልን።

ይተካእ ይለቀብ ከም-ዝበሃል ድማ፣ እቲ ኩሉ እኩብ ድምር ጸገማት ብምሉኡ ተጠሚሩ፣ ፍታሕ ክርከበሉ ትጽቢት እናተገብረሉ ከሎ፣ ሕጂ ድማ ብሃንደበት ፓትርያርክ-እንጦንዮስ ዓሪፎም ዝብል መርድእ ብምምጽኡ፣ ነቲ ደምበ-ተዋሕዶና ልዕሊ` ክስከሞ ዝኽእል ጽዕነት ኮይኑ፣ መተንፈሲ ክረክብ ኣብ ዘየኽእል መጻብቦ ቀርቂሩ ብምሓዝ፣ ከቢድ ፈተና ኮይኑዎ ይርከብ ምህላዉ፣ ግልጺ ኮይኑ ዝርአ ዘሎ ክስተት`ዩ። ስለዚ`ውን ሕጂ ንሕና ኣብ ዳስ ሓዘን ተቐሚጥና ንቚዝመሉ ሰዓት ኣይኮነን። ንከምኡ ዘፍቅድ ግዜ`ውን የብልናን። ከመይሲ እቲ ኣብ ፓትርያርክ-እንጦንዮስ በጺሑ ዝነበረሓዋርያዊ-ሰንሰለትቀጻልነቱ ኣብ ምርግጋጽ ዝጽበየና ዘሎ ዕማም፣ ኣቕሊልካ ክርአ ዝግብኦ ኣይኮነን።

ስለዚ`ውን ሕጂ ብዝተኻእለ መጠን ኩሉ ትዂረትና፣ ናብቲ ዓቢይ ናይ ቅዱስ-ማርቆስ መንበር ኣቢሉ ክኸውን ግድን`ዩ። ከመይሲ ናይቲ ኣብሓዋርያዊ-ሰንሰለትተመሥሪቱ ከም-ዝርከብ ዝእመነሉ ዘሎ መንበር ወረስቱ፣ ንሕና እምበር ዝኾነ ካልእ ኣካል ከም-ዘየልቦ ከነረድእ፣ ከቢድ ዕዮ-ገዛ ይጽበየና ከም-ዘሎ፣ ንካልኢት`ውን ይኹን ክንዝንግዕ ኣይግባእን። ነዚ ወሳኒ ዝኾነ መድረኽ` ብብቕዓት ክንገጥሞ፣ ዘኽእለና ምሉእ ምድላዋት ክንገብር ከም-ዝግበኣና ከኣ፣ ናይ ምንም ምኽሪ ዘድልየና ኣይኮነን። ከመይሲ ኣብዚ ዝተባህለ ናይ መንበረ-ማርቆስ መድረኽ፣ ከምቲ እንሓስቦን እንምነዮን ዕዉታት ኴንና ምእንቲ ክንወጽእ፣ ነቶም ብዛዕባ` ጉዳይ ምሉእ-ኣፍልጦ ኣለዎም ዝበሃሉ ኣቦታት ዘሳትፍ ባይታ ክንፈጥር፣ ዋናን ኣገዳስን ምዃኑ ክዝንጋዕ የብሉን

ብዝተረፈ እቲ ትማሊ ኣቡነ-እንጦንዮስ`ዮም፣ ሕጋዊ ፓትርያርክ ብምባል ኣቕዋሙ ዘፍለጠ ናይ ቅዱስ-ማርቆስ መንበር፣ ሕጂ እቲ ትማሊ ዝነበሮ ኣቕዋም ቀይሩ ክርከብ ይኽእል` ዝብል ስክፍታ የብልናን። ይኹን እምበር ዘየደቅሱና ወይ ክንቀስን ዘየኽእሉና፣ ገለ ምልክታት የለዉን ክንብል ግና ኣይንኽእልን ኢና። ስለዚ`ውን ኣብ ኣዚዩ ወሳኒ ዝኾነ መድረኽ፣ እንርከብ ዘሎና ከም-ምዃንና መጠን፣ ልብና ኣውዲቕና ክንዛነ ዘፍቅድ ግዜ ከም-ዘይብልና፣ ንሓንቲ ካልኢት`ውን ትኹን ክንዝንግዕ የብልናን በሃልቲ ኢና።      

ክብሪ ንኣምላኽ-!

ሰላም ንደቂ-ሰብ ይኹን-!

ሊቀ-ካህናት ተክለ-ማርያም ምርካ-ጽዮን ሃገረ-ስብከት ኤውሮጳ

የካቲት 2014 / (09/02/2022)

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div