S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ኣብ መንግሥተ ሠማያት መን ይዓቢ?

ሓዋርያትኣብ መንግሥተ ሠማያት መን ይዓቢኢሎም ተኻራኸሩ (ማቴ 181-14) ቀንዲ ሓሳባት፡ እዚ ናይ ሎሚ ትምህርትና፡ ካብ ወንጌል ማቴዎስ ምዕራፍ ዓሰርተው ሸሞንተ ጥቕሲ ሓደ ክሳብ ዓሰርተው ኣርባዕተ ኰይኑ፡ ኣብ
ሰለስተ ዝተኸፍለ እዩ። እታ ቀዳመይቲ ክፋል ሓዋርያት መንፈሳዊ ዕብየት እንታይ ከም ዝዀነ ስለ ዘይተረድኦም፡ ኣብ ነሓድሕዶም ከምቲ ኹሉ ዓለማዊ ሰብ ዝሓስቦ ሓሳብ ይሓስቡ ስለ ዝነበሩ፡ ኣብ ክንዲ እቲ ዝጸውዖም ጐይታ እንታይ ክምህሮም ከም ዝጸውዖም ዝሓስቡ፡ ከሎ ጌና ምድራዊ ሽመትን ሥልጣንን ክረኽቡ ሃረር ከም ዝበሉ ኢና እንበሃር።

እታ ካልኣይቲ ክፋል ድማ፡ ብዛዕባ ፈተና እያ እትዛረብ። ሓዋርያት፡ ዝተጸውሉ ጸውዓ፡ ከገልግሉ ድኣ እምበር ክግልገሉ ከም ዘይተጸውዑ፡ ስለ ዝሰሓትዎ፡ ጸውዖኦም ስሒቶም ኣንተድኣ ከይዶም፡ ኣብ ንሕይወቶም ክልክም ዝኽእል ዓቢ ፈተና ክወድቁ ከም ዝኽእሉ ጐይታ ከጠንቅቖም ከሎ ኢና ነንብብ።

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብፍላይ ካብ ወንጌል ማቴዎስ ምዕራፍ 18 ጥቕሲ 7-9 እንተ ኣንበብና ወዲ ሰብ ካብታ ብሰንኪ ፈተና ኣብ ሓጢኣት ዝወደቐላ ሰዓት ጀሚሩ፡ ኹሉ ግዜ በቲ ፈታኑኡ ዝዀነ ድያብሎስ እናተፈተነ እዩ ዝነብር ዘሎ። ከመይሲ እቲ ንሕይወትና ካብ ናይ ዘለዓለም መንግሥቲ ኣምላኽ ምውራስ፡ እና ፈተና ናብ ናይ ዘለዓለም ገሃንም እሳት ክድርብየና ስለ ዝምነ። እምብኣርከስ ጐይታ ድማ ሓዋርያት ነዚ ምእንቲ ከለልይዎ ኢሉ፡ ንደቂ መዛሙርቱ፡ ንባዕሎም ከይፍተኑን ንኻልኦት ኣብ ፈተና ከየውድቑን ከም ዘጠንቀቖም እያ ትምህረና። ብፍላይ ድማ ንሕጻናትን ነቶም ብንስሓ ናብ መገዲ ሓቂ ተመሊሶምን መገዲ ጽድቂ ክነብሩ ዝጋደሉን ምግጋይ ሞት ከም ዝሓሽ ከም ዝመሃሮ ኢና ንመሃር።     

እታ ሳልሰይቲ ድማ ወዲ ሰብ ናብ ዓለም ዝመጸሉ ምኽንያት ከድሕን እምበር ከጥፍእ ከም ዘይኰነ ንሓዋርያት ዝመሃሮም እያ እትሕብር። ብፍላይ ካብ ጥቅሲ 9-14 ከምቲ ቤተ ክርስቲያን ኩሉ ግዜ እትምህረና፡ እቲ ሓደ ካብ ሥላሴ ዝዀነ ወዲ ኣምላኽ፡ ኣብ ዘለዓለማዊ መንግሥቱ፡ ተሰዓን ትሽዓተን ነገደ መላእኽቲ ገዲፉ፡ ንሓደ ኣዳም ክብል ኣብ መሬት መጺኡ፡ ዘይድረት ክነሱ ከድሕነና ክብል ብሥጋ ተደረተ። ንሓደ ኣዳም ሕይወቱ ከፊሉ ከም ዝገዝኦ፡ ክምህሮም ከሎ እያ ትምህረና። ካብዚ ቀጺልና ናብቲ ሓዋርያት ዝሓለንዎን ንሕና እንሕልኖን እንተ ኣነጻረጽናኖ ሕይወትና ኣበይ ከም ዘላ፡ ገለ ነገር ክንፈልጥ ንኽእል ይመስለኒ።

ሓዋርያት ኣብ መገዲ ዘካየድዎ ምዝርራብ። 29 .. ሓዋርያትን ጐይታን ኣብታ ኣብ ጥቓ ባሕሪ ገሊላ እትርከብ ቅፍርናሆም ከለው፡ በታ ጐይታ ትርኢቱ ከም በረድ ዝለወጠላ ከረን ደብረ ታቦር ገይሮም፡ ናብ ዓዲ ኣቢሎም እናኸዱ ከለዉ፡ ንሓዋርያት ምሥጢር መንግሥቲ ኣምላኽ ጌና ኣይተረድኦምን ነበረ እሞ፡ ንሓድሕዶም ብምግራምን ብምስሕሓብን ኣብ መንግሥቲ ኣምላኽሲ መንና ኰን ይበልጽ ይኸውን፧ እናበሉ ኣብ ነሓድሕዶም ክዛራረቡ ጀመሩ። እዚ ዝገበርሉ ምኽንያት፡ መንፈስ ቅዱስ ጌና ንልቦም ኣይቀደሶን ነበረ እሞ: እቲ ክርክሮም ኣዝዩ ዓበየ፡ ሥጋዊ ሓሳባቶም ድማ ዓብለሎም። እቲ ክለኣኽዎ ኢሉ ዝጸውዖም ጐይታ ዝሓስበሎም ዝነበረ ግና፡ ካብቲ ዝሓስብዎምን ዝምነይዎን ዝነበሩ ኣዝዩ ዝዓበየን ዝበለጸን ከም ዝነበረ ኣየስተውዓሉዎን ነበሩ። እቲ ቀንዲ ዘይተረድኦም እቲ ምስኣቶም ዝነበረ ጐይታ፡ ኩሉ ዝፈልጥን ኩሉ ዝርእን ስለ ዝነበረ፡ ኣብ መሬት ካዕበት፡ ኣብ ሠማይ ከኣ ናይ ዘለዓለም ሕይወት ክህቦም ተዳልዩ ከም ዘሎ ጨሪሱ ኣይተረድኦምን። ሓዋርያት ኣብ ክንዲ ካብ ጐይታ ሕጂ እንታይ ክንመሃር ኢና ኢሎም ክመሃሩ ሃንቀው ዝብሉ፡ ከም ኩሉ ምድራዊ ሰብ፡ ስስዕቲ ሥልጣንን ክብረትን ሃብትን ዕቤትን ስለ ዝማረኰም፡ ኣነ ይበልጽ ኣነባ ዝብል ሓሳባት ንልቦም ዓብለሎ። በዚ ምኽንያት ድማ ካባታቶም መን ከም ዝዓቢ ክገልጸሎም፡ ናብ ጐይታ ቀረቡ።

ኣብ መንግሥተ ሠማያት መን ኰን ይበልጽ ኢሎም ድማ ሓተትዎ። ንጐይታ እዚ ኪሓትዎ ከሎዉ፡ ንሓደ ሰብ ዓቢ ክኸውንሲ እንታይ ክገብር ይግብኦ፧ ኢሎም ኣይሓተትዎን። ግናኸ ኣብታ ትመጽእ መንግሥትኻስ መን ኣዩ ዝለዓለ ሥልጣን ዝሕዝ፧ ማለቶም ነበረ። እዞም ገፈፍቲ ዓሳ ዝነበሩ ገሊላውያን፡ ኣዝዩ ዓቢ ዝኸነ ምድራዊ መዓርግ ኪረኽቡ ሃንቀው በሉ። እዚ ዝገበሩሉ ምኽንያት፡ ከምቲ ክሳብ ሎሚ እስራኤላውያን መንግሥቲ ኣምላኽ ኣብ ማእከሎም መጺኣ፡ መንግሥቲ እስራኤል ከተምጽኣሎም ዝጽበይዋ ዘለዉ፡ ሓዋርያትውን ካብ የሕዋዮም እስራኤላውያን ስለ ዘይተፈልዩ፡ እስራኤል ብመሲሕ ኣቢላ ንምልእቲ ዓለም ትገዝኣሉ ምድርዊ መንግሥቲ ትጽበ ስለ ዝነበረት፡ ንሓዋርያትውን እዚ ሓሳብ እዚ ኣብ ልቦም ስለ ዝነበረ፡ ኣብ ክንዲ ኣብ ልቡ ዘሎ ዝቕበሉ ኣብ ልቦም ዘሎ ክሓስቡ ጀመሩ።

1.ናብ መንግሥቲ ኣምላኽ ዘእቱ መንፈስ ሕጻን፡ ጐይታ ግና ነቲ ኣብ ልቦም ዝነበረ ምድራዊ ሓሳብ፡ ካብ ልቦም ኣውጺኦም፡ ሓዱሽ ልብን ሓዱሽ የእምሮን ካብኡ ምእንቲ ክዕድጉ ኢሉ፡  ብዛዕባ ዕብየት ሥልጣንን ጌጋ ዝዀነ ኣተሓሳስባ ከም ዘለዎም ምእንቲ ኪነግሮም ኢሉ ኣከቦም። እቲ ቀዳማይ ኪኸውን ዚደሊ፡ መወዳእታ እዩ ዝኸውን ድማ በሎም። እቲ ብመንፈሱ ቐዳማይ ኪኸውን እየ ዝብል ድልየት ዘለዎ ሰብ፡ ኣንጻር መንግሥቲ ክርስቶስ እዩ። እዚ ማለት ኣንጻር ፍቕሪ፡ ኣንጻር ገዛእ ርእስካ ምቕባጽ፡ ኣንጻር ትሕትና ኣንጻር ሰላም እዩ በሎም።

2.“ንሱ ድማ ሕጻን ጸዊዑ ኣብ ማእክርሎም ደው ኣበሎ ጐይታ ሕጻን ኣብ ቅድሜኦም ኣምጺኡ ደው ዘበለሎም ምኽንያት፡ ከምቲ ጐይታ ብቓሉ ዝምህሮም ዝነበረ ትምህርቲ፡ ቅድሜኡ ሰሚዖሞን ተሞዅሮሞን ስለ ዘይፍልጡ፡ ቀቀልጢፎም ይርስዕዎ ስለ ዝነበሩ፡ ምእንቲ ኣብ ኣእምሮኦም ንሓዋሩ ክሰኣልን ኪዓቑሩዎን ከስተውዕልዎን ኢሉ፡ ነዚ ዓቕሞም ዝዀነ ምሳሌ፡ መረድኢ ክዀነም ኢሉ ዓቢ ግብራዊ ምሳሌ ኣብ ቅድሜኦም ደው ኣበለሎም። 

3.“እንተ ዘይተመለስኩም እዚ ማለት ንኹሉ እቲ ናይ ቀደም መገዲ ጸጋም ወይ መገዲ ሓጢኣት ሓዲግኩም፡ ዕላማኹም ናብ መገዲ የማን ወይ መገዲ ጽድቒ እንተዘይ ዓለምኩም ከንቱ ክትኰኑ ኢኹም በሎም። ዅሉ መገዲ ሓጢኣት ሓዲግካ መገዲ የማን ምሓዝ ግና፡ ምልክት ናይ ሓቀኛ መንፈሳዊ መገዲ ኣዩ። ጐይታ ንሓዋርያት ዝብሎም ዘሎ፡ ኣንተድኣ ካብ ንገዛእ ርእሰይ ጥራይ ምባል ዘይተመለስኩም፡ ሽመትን ዕብየትን ይትረፍ፡ ንመንግሥቲ ኣምላኽ ኣይክትኣትዉዋን ኢኹም በሎም። እቲ ዘገርም ንሕና መብዛሕትና ኣብ እዋን እዚ ተኸተልቲ ሓዋርያት ኢና እንብል፡ ኣብ ክንዲ ከምቶም መንፈስ ቅዱስም ምስ ወረዶም ሕይወቶም ክሳብ ንመስዋእቲ ዝወፈዩ ንኸውንሲ፡ መብዛሕትና ከምቶም መንፈስ ዘይወረዶም ሓዋርያት፡ ብምድራዊ ሓልዮት ተወጢርና፡ ስስዕን ባህጊ ምቾትን ኣብሂጉና፡ ሓልዮትን ክብረትን ረሲዕና፡ ከምቶም ኣነባ ንዓይእባ ኢሎም ዝተካራከሩ ቀዳሞት ሓዋርያት ምምሳልና፡ መንግሥቲ ኣምላኽ ካብ ኢድና ከይትመልቆንቆና ኣዚና ክንጥንቀቕ ይግብኣና እዩ። እቲ ጎይታ ንሓዋርያት ዝመኸሮም መኽሪ ንዓናውን ይብለና ከም ዘሎ ከነስተውዕል ይግብኣና።     

4.“ከም ሕጻንውን እንተ ዘይኵንኩም እዚ ማለት ከም ሕጻናት ብዝጠቅምን ዘይጠቅምን ክንታረኽ ክንውዕል ማለት ዘይኰነስ፡ እቲ ጽቡቕ ዘበለ ኣብ ሕጻናት ዝርከብ ጠባያት፡ ሕድገታትን ፈቓርነትን ረሳዕነትን ኪህልወና ናይ ግዲን እዩ። እንተዘይ ኰነ፡ ሓዋርያት ካብ ፈሪሳውያንን ሰዶቓውያንን ጸሓፍትን ብምንታይ ክፍለዩ ምስ ተኻእለ። ብኣንጻሩ ንሕና ንባዕልና፡ ኣብዚ ፍልጠት ዝመልኦ ዘመን እንንነብር ዘሎና፡ ሓንሳብ ብፍልጠትና ሓንሳብ ብህርፋን ሥልጣና፡ ሓንሳብ ብትዕቢትና፡ ሓንሳብ ብሻርነትና፡ ንኻልእ ክንሕግዝሲ ይትረፍ፡ ንህይወትና ንጐድእ ዘሎና ክንደይ ኢና። እቲ ዘገርም ካብ መእመናን ኣትሒዝካ ንላዕሊ እንተ ጠመትካ፡ ኩሉ ኣብ ፈተና ክቛማጣዕ ክትርእዮ ከሎኻ፡ እምበርዶ ካባናስ ንመንግሥተ ሰማያት ዝበቕዕ ልቢ ሕጻን ዘለዎ ኣሎ እዩ እልካ ኣብ ሕቶኻ ኢኻ ደው ትብል። ኣብ ሕጻን ዝርከቡ ጠባያት ገለ ክንጠቅስ እንተድኣ ደሊና፡ ከም ዝስዕብ ንጠቅስ።

  • ትሕትና
  • ነጻነት ካብ ብርቱዕ ምውድዳር
  • ብምሉእ ልብኻ ምፍቓር
  • ምሉእ እምነት
  • ምእዛዝ
  • ክመሃር ዝክእል መንፈስ
  • ተንኰል ዘይኣልም ልቢ
  • ብመዓርግ ዓለም ዘይግደስ የእምሮ
  • ሓላዪ
  • ደንጋጺ
  • ብኡ ንብኡ ቂምትኡ ዝርስዕ
  • ንብጻዩ መጻወድያ ክዝርግሓሉ ኢሉ ክሓልም ዘይሓድር ወዘተ…. እዮም።

5.“ናብ መንግሥተ ሠማያት ከቶ ከም ዘይትኣትዉ

መንግሥተ ሠማያት፡ መንፈሳዊት መንግሥቲ እያ፡ ስለዚ እቲ ንገዛእ ርእሰይ ጥራይ ዝብል ኣብ ሰብ ዘሎ ስሱዕ መንፈስ፡ ፈጺሙ ኣንጻራ እዩ። እቲ ከም ናይ ሕጻን ዝበለ መንፈስ ዘለዎ ግና ኪኣትዋ እዩ። እቲ ገዛእ ርእሰይ ዚብል ግና፡ ኣነ ኣፈልጥ ዚብል ኣብ ውሽጡ ስለ ዘሕድር፡ በቲ ዝተሓበሮ መገዲ ጌሩ ናብ መንግሥተ ሰማያት ኪኣቱ ኣይደልን እዩ። ኩሉ ሳዕ ኣቛራጭ ጥራይ እዩ ዝደሊ። ከምቲ ሰለሙን ኣብ ምሳሌኡ፡ ንሰብ ጽብቕቲ መሲላ እትረኣዮ መገዲ ኣላ፡ መወዳእታኣ ግና ሞት እዩ ዝበሎ። በቲ ጌጋ ዝዀነ መገዲ፡ ቅኑዕ ኣሎኹ እናበለ ይኸይድ። መወዳእታኡ ድማ ሞትን ድንገትን ይኸውን። ካብዚ ከም የድሕነና።

6.“እቲ ከም ቄልዓ ርእሱ ዜትሕት

ትሕትና ማለት ንገዛእ ርእስኻ ከም ሰነፍ ምሕሳብ ወይ ድማ ክእለትካን ፍልጠትካን ዘይምፍላጥ ማለት ኣይኰነን። ግናከ ንኻልኦት ኣትሒትካ፡ ንገዛእ ርእስኻ ኣልዒልካ ዘይምርኣይ፡ ነቲ ዝተዋህበካ ሃብትን ጥዕናን ጸጋ ምኳኑ ዘይ ምርሳዕን፡ ዘይምጅሃርን፡ ብዛዕባ ገዛእ ርእስካ ካብ መጠን ንላዕሊ ዘይምሕሳብ። ንብረትካን ዕብየትካን ብስስዕቲ ዘይምህንጣይ። ጥቕሚ ርእስካ ጥራይ ርኢካ ዘይኰነስ፡ ጥቅሚ ብጻይካውን ምሕሳብ። ንዝተዋህበካ ብትሕትና ምፍጻም። ይኣኽለኒ ዝብል ልቢ ከተጥሪ ከሎኻ፡ ካብዚ ዝዓቢ ትሕትና ዝባሃል የልቦን። ጐይታ ወዲ ኣምላክ እኳ ክነሱ ንሓዋርያት ትሕትና ብግብሪ ክምህሮም ምእንቲ ኢሉ፡ ንእግሪ ደቀ መዛሙርቱ ኣብ መሬት ተድፊኡ ሓጸበ። እዚ እቲ ዝዓበየ ኣብነት ናይ ትሕትና እዩ። ስለዚ እቲ ብቕዕቲ ትሕና ዘላቶ ሰብንሱ እዩ ኣብ መንግሥተ ሠማያት ዚበልጽ።እቲ ትሑት ሰብ ኣብ መንፈሱ ናይ መንግሥተ ሠማያት ዕላማ ኣለዎ።

ብዶር ሽሞንዲ ኃይለ

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div