S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

እዋናውያን መማህራን ትውፊት (6ይ ክፋል ሓዋርያዊ ትውፊት Paradosis)

ኣቦታትካ ዘቘምዎ ናይ ቀደም ደረት ኣይተዝብል (ምሳ 2228)

ሓዋርያዊ ትውፊት ካብ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ካብ መንፈስ ቅዱስን ስለ ዝተረኽበ ብኽብሪ ክተሓዝ ድኣ ይግብኦ እምበር፥ ካብቶም ናይ ገዛእ ርእሶም ትውፊት ገይሮም፥ መጽሓፍ ቅዱስ በይኑ ቁንጭል ኣቢሎም ወሲዶም፥ ንገዛእ ርእሶም ሊቃውቲ ክዅኑላ ዝጋደሉ፥ ትውፊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ

ኣይተረኽበን፥ ቅዱስ ልማድ ዝብሃል የልቦን እናበሉ ናይ ገዝእ ርእሶም ሰብ ዝፈጠሮ ትውፊትን ልማድን እናሰርሑ ቅዱስ ትውፊትን ልማድን ቤተ ክርስቲያን ክዘርግዎ ህርድግ ዝብሉ፥ መጽሓፍ ቅዱስ ንባዕሉ ፍርያት ትውፊት ቤተ ክርስቲያን ምዃኑ ስለ ዝዘንግዑ እዮም እምበር፥ ትምህርቶም ካብ ቅዱስ ፍልጠትሲ ኣይመስልን። ስለዚ ድማ ንቅዱስ ትውፊት ቤተ ክርስቲያን ሓዲጎም ናይ ገዛእ ርእሶም ሓድሽ ትውፊትን ልማድን ይፈጥሩ እሞ፥ ከምቲ ፈሪሳውያን ንቅዱስ ትውፊት እግዚኣብሔር ሓዲጎም፥ ናይ ገዛእ ርእሶም ስሱዕ ዝዀነ ሰይጣናዊ ትውፊት ዘጥረዩ፥ እዞም ናይ ሎሚ ሓደሽቲ መማህራን ድማ ብተናጸል ሓዲግ ዝዀነ፥ ናይ ገዛእ ርእሶም ሰብ-ዝመሃዞ ትውፊትን ልማድን ብምጥራዮም፥ ንቅዱስ ትውፊት ጎይታና ኢየሱስን ሓዋርያትን ኣበውን ብተግባሮም ተቓወምዎ። ሰለሙንኣቦታትካ ዘቘምዎ ናይ ቀደም ደረት ኣይተዝብልከም ዝበለ፥ ጎይታ ካብቶም ብዳሕረዋይ ዘመን ዝመጹ መማህራን፥ ግብሮም ምዝባል ደረት ኣቦታት ከም ዝዀነ ስለ ዝፈለጠ፥ኩሉ ጎይታይ ጎይታይ ዝብለኒ መንግሥተይ ኣይኣቱን እዩ በሎም።

 

ካብታ ማርቲን ሉተር ኰነ ካልኦት፥ ነቲ ኣብ ውሽጢ ሮማዊት ቤተ ክርስቲያን ዝተራእየ ብሑጓ ዝኣተወ ዘይክርስቲያናዊ ትውፊት ክቃወሙ ክብሉ፥ ንገዛእ ርእሶም ካብ ቅዱስ ትውፊት ዝተነጸሉላ ግዜ ኣትሒዞም በብእዋኑ ዝመጹ መማህራን-ወንጌል ኢና ዝብሉ፥ ኣብ ክንዲ ንቕዱስ ትውፊት ወንጌል ኣናድዮም ዝረኽቡ፥ ካልእ ባዕላቶም ዝፈጠርዎ ዘይነበረን ዘይናይ ኣቦታት ናይ ገዛእ ርእሶም ትውፊት ስለ ዘሳጋገርዋ፥ በቲ ማርቲንን ካልኦትን ዝቐደድዎ ነኳል፥ ቁጽሪ ዘየብሎም ሓደሽቲ ትውፊታዊ ልማዳት ምስ መጽሓፍ ቅዱስ ከዛምድዎም እንተ ፈተኑ እኳ፥ ምልጋብ እናኣበዮም፥ ካብ ዕለት ናብ ዕለት በብዝመሰሎም እናኸዱ፥ ሓደሽቲ ማሕበራት እናመስረቱ ከም ደቂ ዛግራ ፋሕ ብትን እናበሉ ይነብሩ ኣለዉ።


ደረት ትውፊት ኣቦታቶም ደፊኦም ጥራይ ዘይኰነስ፥ መጽሓፍ በይኑ ከዕግቦም ስለ ዘይኸኣለ፥ ብዘይ ኢየሱስ ክርስቶስ ናብ ኣቦ ዘብጽሕ መገዲ ኣሎዶ የልቦን ኢሎም ካልእ መገዲ ክደልዩ ሃለው ይብሉ ኣለዉ። ንሱ ጥራይ ከይኣኽሎም ድማ፥ ክሳብ ግብረ ሶዶም ጽድቒ እዩ ኢሎም ክሰብኩ ይውዕሉ ኣለዉ።ንሶዶማውያን መእመናቶም ኣዋሲቦም ከይኣኽሎምሲ፥ ስም ክርስቶስን ቤተክርስቲያኑ ከጽርፉ ምእንቲ፥ ኣዋጅ ኣዊጆም፥ ካህናትን ጳጵሳትን ሰዶማውያን እንተ ዀኑ ጽድቒ እዩ ኣብ ምባል በጺሖም ኣለዉ። ካብዚ ንላዕሊ ዘሕፍር ሓጢኣትከ እንታይዶ ኣሎ እዩ።


ወዮ ድኣ ክምለሱ ኣይፈትዉን እዮም እምበር፥ ሓዋርያዊ ትውፊትሲ፥ ንቓል ወንጌል ጥዑም ዜና ዝሕሉን ዝጋረድን ብልክዕ ዝትርጉምን ዘተርጉምን እዩ። ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያን ድማ ናይ እግዚኣብሔር ትእዛዝ ብልክዕ ዘተግብርን፥ ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ዘነባብር ኣሰራርሓ እዩ። ቅዱስ ሓዋርያዊ ትውፊታዊ ልማድ፥ ነቶም ቅድሜና ዝነበሩ ኣቦታት ደረት መፍለዪ ሓቅን ሓሶትን ኰይኑዎም ነበረ። ንኣና ነዞም በዚ ዘመን እዚ ንነብር ዘሎና ድማ፥ ኣሰሮም ተኸቲልና ንጓዓዝ ስለ ዘሎና፥ ትውፊት መለለዪ ሓቅን ሓሶትን ክዀነና ፍሉጥ ደረት ክዀነና ይግባእ። ነቶም ብሕጂ ዝስዕቡና ወለዶታት ድማ፥ ሓዋርያዊ ትውፊት ግንጹል መጽሓፍ ስለ ዝዀነ ደረቶም ክፈልጡ ይከኣሎም እዩ። ትውፊት ኣብ መንጎ ሓቅን ሓሶትን ዘሎ ፍልልይ ኣብሪሁ ከርእዮም መሪሕነት መንፈስ ቅዱስ ክውከሱ ይግብኦም። ቤተ ክርስቲያን ነዚ ኹሉ ዝሓለፈቶ ዘመናት፥ ብዘይ እቲ ብመንፈስ ቅዱስ ዝምራሕ ሓዋርያዊ ትውፊት ኣይሰገረቶን፥ ተዘይኰነ ይትረፍዶ ንኽልተ ሽሕ ዓመታት ዝኣኽል ከየቛረጸት ክትቅጽልሲ ጅምር ከተብል ከላ ምቐሃመት ወይ ድማ ናይ ቁጽሪ ዘይብሎም መናፍቓን መናሃርያ ምዀነት ነይራ። ወይውን መሳርሒ ፖለቲከኛታትን መሕለው ረብሓታቶምን መጨቐን ብሔራትን፥ መፈልፈል ሓደሽቲ እኩያት ልማዳትን ወግዕታትንን ያታታትን ኰይና ምተረፈት ነይራ። ከመይሲ ከምዚ ዓይነት ተግባራት እዚ ካብ ጥንቲ ኣትሒዙ ንቤተ ክርስቲያን ዝፈታተና ስለ ዝነበረ። ይኹን እምበር ሳላ ብመሪሕነት መንፈስ ቅዱስ ዝነብሩን፥ ኣቦታቶም ዘቘሙሎም ናይ ቀደም ደረት ዘየዝብሉን መራሕቲ ቤተ ክርስቲያን፥ ከምታ ብዘመን ሓዋርያት ትነብር ኣላ።

1 ክፋል | 2 ክፋል | 3 ክፋል | 4 ክፋል | 5 ክፋል | 6 ክፋል |  

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div