S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ልዑል እግዚኣብሔር ምእንቲ ድኅነትን እምነትን ህዝቢ ክብል ብዙሕ ትእምርትን ተኣምራትን ከም ዝገበረ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣንቢብና እንረኽቦ ግልጺ ነገር ኢዩ። ይኹን እምበር ደቂ ሰብ ግና ነቲ ኣብ ቅድሜኦም ዝተገብረ ተኣምራት እናረስዑ ብሸለልትነት ብዕሽነት ምንባር ተታሓሒዞሞ ከም ዘለዉ ኣብ ቅድሚ ዓይንና ንርእዮ ዘሎና ግሁድ ሓቂ ኢዩ። እዚ ሎሚ ኣብ ኣርእስቲ ጽሑፍና ጠቂስናዮ ዘሎና ‘’እግዚኣብሔር ጽባሕ ኣብ ማእከልኩም ዘገርም ነገር

ኪገብር ኢዩ እሞ ተቐደሱ’’ ዝብል ኣገዳሲ መልእኽቲ ኢያሱ ንህዝቢ እስራኤል ቅድሚ ኣሽሓት ዓመታት ዝተዛረቦ እኳ እንተ ኾነ፥ ርዝነትን ኣድላይነትን ናይ እዚ ሕያው ዝኾነ መልእኽቲ ቃል ኣምላኽ ግና ሎሚ እንተ ኾነውን ንነፍሲ ወከፍ ኣማኒ ክርትስና ዝምልከት ግሩም ምሥጢር ዝሓዘ ኣዋጅ ምዃኑ ከነስተውዕሎ ሠናይ ነገር ኢዩ።

ነቢይ ኢያሱ ንህዝቢ እስራኤል ርስሓት ክዳኖምን ሰውነቶም ከንጽሁ፥ ካብ ኃጢኣቶም ክንስሑ፥ ናይ ጽልኢ ቁጻሮም ቂምን በቐል ክፈትሑ፥ በዚ መሰረት ድማ ንጹህ ልቢ፥ ጽሩይ ኣእምሮ፥ ቅኑዕ ሓሳባት፥ ጽኑዕ እምነት ሒዞም ነታ ንብዙሕ ዓመታት ብተስፋ ዝተጸበይዋ ምድሪ ተስፋ ምእንቲ ክኣትዉ ካብ ኣምላኽ ዝተቐበሎ ጽቡቅ ኣዋጅ ሃቦም። እወ እቲ ቅዱስ ጽሑፍውን ‘’ብዘይ ቅድስና ሓደ እኳ ንእግዚኣብሔር ክርእዮ ዝኽእል የልቦን’’ ኢዩ ዝብል እሞ፥ ተኣምራታዊት ኢድ እግዚኣብሔር ንኽትርኢ መጀመርታ ጽሩይ ልብን ብሩህ ኣዕይንትን ከም ዘድሊ ተነግሮም። ብድሕሪ እዚ ኣካላውን መንፈሳውን ምድላት ምስ ገበሩ እቶም ህዝቢ ደድሕሪ እቶም ታቦት ኣምላኽ ዝጾሩ ካህናት ክስዕቡ ከም ዘለዎም ተነግሮም። ካብዚ ክንመሃሮ ዝግባእ ፍረ መልእኽቲ ድማ ንትእዛዝት ኣምላኽ ከነኽብርን ንመንፈሳውያን መራሕትና ክንስዕብን ግዴታና ምዃኑ ዘነጽር ኢዩ። ግናኸ ንመንፈሳውያን መራሕትና ክንስዕቦም ዝግብኣና ንሳቶምውን ንኢየሱስ ክርስቶስ ብቕኑዕ ልብን ብጽኑዕ እምነትን ዝስዕብዎ እንተኾይኖም ጥራይ ኢዩ። ምኽንያቱ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ባዕሉ ‘’እቲ መስቀሉ ጾይሩ ደድሕረይ ዘይስዕብ ንዓይ ኣይበቅዕን ኢዩ’’ ዝብል ንጹር ቃል ወንጌል ሓዲጉልና ስለ ዘሎ፥ መራሕቲ ቤተ ክርስቲያንና ንክርስቶስ ብሓቂ ክስዕብዎ ንሕና ድማ ንዓኣቶም ክንስዕቦም ክርስቲያናዊ ግዴታና ኢዩ። ማቴ 10፡38።

ኣብዚ ናይ ኢያሱ ኣዋጅ ክልተ ኣገደስቲ ነገራት ተነጺሮሙልና ኣለዉ። ንሳቶም ከኣ ግዴታ ናይ ህዝቢ እስራኤል ክቕደሱ ከም ዝግብኦም ጥራይ ኢዩ። ግዴታ ናይ እግዚኣብሔር ድማ ጽባሕ ኣብ ማእከሎም ዘገርም ተኣምራት ክገብር ምዃኑ ኢዩ። ንኣምላኽ ይኣምን እየ ዝብል ህዝቢ እንተ ዘይተቐዲሱ ፍቕሪ ኣምላኽ፥ መለኮታዊ ኃይሉን ተኣምራታዊ ምሥጢሩን ክርእን ክርዳእን ፍጹም ኣይክእልን ኢዩ። በዚ መሰረት ህዝቢ እስራኤል ምስ ተቐደሱ ተኣምራታዊ እግዚኣብሔር ድማ ነቲ ኣፍ ንኣፍ መሊኡ ዝነበረ ማይ ዮርዳኖስ ኣብ ክልተ መቒሉ ብንቑጽ ምድሪ ናብታ ምድሪ ተስፋን ርስትን ኣእተዎም። እቶም ታቦት ኣምላኽ ዝጾሩ ካህናት ከኣ ብዘሎ ህዝቢ እስራኤል ንዮርዳኖስ ክሳዕ ዚሳገሮ ኣብ ማእከል ሩባ ዮርዳኖስ ቀጥ ኢሎም ቆይሞም ነበሩ። ካብዚ ከነስተውዕሎ ዘሎና ዝግባእ ቁም ነገር ድማ እቶም መንፈሳውያን መራሕቲ ታቦት ኣምላኽ ዘገልግሉ ብግዜ ፈተና ይኹን ብጊዜ ራህዋ ኣብ ሩባ ይኹን ኣብ ኩርባ ብእምነት ደው ኢሎም ንህዝቦም ካብ ፈተና ናብ ቅድስና ካብ ሞት ናብ ሕይወት ዘሰጋግሩ ድልድል ሓቅን ጽድቅን ክኾኑ ከም ዝግባእ ይበርሃልና።

ኣብ መደምደምታ ከነመሓላልፎ እንደሊ መልእኽቲ እዚ ዝስዕብ ኢዩ። ‘’ኣነ ቅዱስ እየ እሞ ቅዱሳን ኩኑ’’ ዝብል ጽሑፍ ስለ ዘሎ፥ ከምቲ እቲ ዝጸውዓኩም ቅዱስ ዝኾነ፥ ንስኻትኩምውን ብኹሉ ንብረትኩም ቅዱሳን ኩኑ’’ 1ጴጥ 1፡16።ዝብል ኣምላኻዊ ትእዛዝ ሒዝና ብእምነት ንንበር። ቅዱስ እግዚኣብሔር ንዓና ህዝበ ክርስቲያን ቅዱሳን ኩኑ ዝብለና ዘሎ ድማ፥ ናይቲ ዓይኒ ዘይርኣየቶ፥ እዝኒ ዘይሰመዓቶ፥ ኣብ ልቢ ሰብ ዘይተሓለነ ሰማያዊ ቅድስናኡ ተኻፈልቲ ምእንቲ ክንከውን ኢሉ ምዃኑ ክንርዳእ የድሊ። ስለዚ መገዲ ዓመጽን ኃጢኣትን ገዲፍና፥ ካብ ሓሶትን ጥልመት ርሒቕና ብጸሎትን እምነት ተጸሚድና ብመገዲ ፍቕርን ሕይወትን ክንጎዓዝ ኣምላኽ ይደልየና ኣሎ። እቲ ልሙድ ሥርዓተ ኣምልኾ ናይ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያንና እኳ እቶም ብቕዳሴ ዘገልግሉ ውሉደ ክህነትን፥ ምእመናን ቆረብትን ብድሮ ቀዳም መዓልቲ ዘድሊ ናይ ኣካላውን መንፈሳውን ምድላዋት ናይ ሕሊና ይገብሩ እሞ፥ ሰንበት ድማ ካብ ቅዱስ ቁርባን ተቐቢሎም ኣፎም ካብ ዘየድሊ ምዝራብ፥ ዓይኖም ካብ ሕማቕ ምርኣይ፥ ተቖጢቦም ኣብ ሕይወቶም ንኣምላኽ እናኽበሩ ይነብሩ ነበሩ። እሞኸ ደኣ፥ ካብዚ ተበጊስና እስከ ንሕናኸ ንገዛእ ርእስና ንሕተት፥ ብሓቂ ተነሲሕናን ተቐዲስናንዶ ንነብር ኣሎና? ‘’ግዜ ከሎካ ጊዜ ኣይትጸበ’’ እዩ ዝበሃል እሞ ሎሚ ግዜ ንስሓን ጣዕሳን ተዋሂቡና ከሎ ሓደራ ንጠቐመሉ። እግዚኣብሔር ጽባሕ ኣብ ቅድሚ ዓይንና ዘገርም ዕፁብ ድንቂ ዝኾነ ተኣምራት ክግበር ኢዩ እሞ ካብ ስምዒትን ዑረት ልብን ርሒቕና ኣካላውን መንፈሳውን ምድላዋት ጌርና ተኻፈልቲ  ሰማያዊ ቅድስናኡ ንኹን!! ልዑል ኣምላኽ ንሠናይ ግብሪ ክንዕጠቕ ጸጋን በረኸትን የብዝሓልና።

ቀሲስ ሓለፎም ዓንደማርያም
ቅዱስ ሚካኤል ቤተ ክርስቲያን ሻርሎት

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div