S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ጾመ ነነዌ ናይ ምሕረትን ድሕነትን ጾም

ኣብ መንፈሳዊ ጉዕዞ ሕይወት ካብ ሓጢኣት ምግባር ንላዕሊ፥ ብሓጢኣትካ ዘይምንሳሕ እቲ ዝዓበየ በደል እዩ። ብርግጽ ድማ ሠናይ ጥራይ ዝገብር እሞ ዘይሓጥእ ጻድቕ ሰብ ኣብዚ ምድሪ የልቦን። ጽድቂ ናይቲ ጻድቕ ሸውዓተ ሳዕ ምውዳቑ ዘይኮነስ ካብ ዝወደቖ

ሸውዓተ ሳዕ ክትንሥእ ምኽኣሉ እዩ። ካብ ጾምን ጸሎትን ህዝቢ ነነዌ እንመሃሮ ኣገዳሲ መልእኽቲ ድማ ብበደልካ ምእማንን፡ ተጣዒስካ ምንሳሕን ካብ ብርቱዕ መዓት እግዚኣብሔር ክትድሕን ከም ትኽእል ብንጹር የብርሃልና። ጾም ቁስሊ ነፍስን ሥጋን ከም ትፍውስ እቶም ቀዳሞት ቅዱሳን ኣቦታት ቤተ ክርስቲያን ኣስፊሖም ሓቢሮሙና እዮም። በዚ መሠረት ኣብዚ ቅንያት እዚ ጾመ ነነዌ ካብ ዕለት 2/02/2015 ጀሚሩ ክሳብ 4/02/2015 .. ኣትዩ ይጽወም ኣሎ። ኩልና ህዝበ ክርስቲያን ካብ ሰብ ነነዌ ክንማሃሮ ንዝግባእ ዓቢይ ቁም ነገርውን ኣሎ። ንሱ ከኣ ዝኾነ ሰብ ብጌጋ ሓሳብ ኣብ ሓጢኣት ክወድቕ ዝከኣል እዩ። ይኹን እምበር ናብቲ ነንመዓልቲ ጾርና ዝጸውር መሓርን ርሕሩሕን እግዚኣብሔር ኣምላኽና በዲለካ እየ ኢልና ብኑዛዜ ምሕረት ክንልምን ሠናይ ነገር እዩ።

ንሕና ከም ህዝበ ክርስቲያን መጠን "ምስ ኣምላኽ ሕብረት ኣሎና እናበልና ኣብ ጸልማት እንተ ነበርና ንሕሱ፥ ሓቂውን ኣይንገብርን ኢና ዘሎና። ከምቲ ንሱ ኣብ ብርሃን ዘሎ፡ ኣብ ብርሃን እንተ ነበርና ግና ንሕድሕድና ሕብረት ኣሎና ደም ኢየሱስ ክርስቶስ ወዱውን ካብ ኩሉ ሓጢኣትና የንጽሓና እዩ። "ሓጢኣት የብልናን" እንተ በልና፥ ንገዛእ ርእስና ንጥብር ኣሎና፥ እታ ሓቂውን ኣባና የላን። ሓጢኣትና እንተ ተናዘዝና፡ ኣምላኽ እሙንን ጻድቕን ስለ ዝኾነ ንሓጢኣትና ይቕረ ኪብለልና፡ ካብ ኩሉ በደልናውን ኬንጽሓና እዩ። ሓጢኣት ኣይገበርናን እንተ በልና፥ ሓሳዊ ንገብሮ ቃሉውን ኣባና የሎን። 1 ዮሓ 16-10 እምኣር ሰብ ነነዌ እኳ በዘን ብሠለስተ መዓልቲ ጥራይ ጸዊዖም ተሰሚዖም፥ ለሚኖም ተማሒሮም ካብ መዓት ኣምሊጦም ድሕነት ካብ ረኸቡ፥ ንሕናውን ጾርናን ከቢድ፥ ሓጢኣትናውን ብዙሕ እንተ ኾነ ንልዑል እግዚኣብሔር ዝኸብዶን ዝጨንቆን የሎን እሞ ሓቢርና ብምህለላ ጾምን ጸሎትን ነቒሕና ንለምን።       

ኣብ መጽሓፍ ትንቢት ዮናስ ከምዚ ዝስዕብ ተጻሒፉ ንረኽቦ። ‘’ዮናስ ናብታ ኸተማ ክኣቱ መገዲ ሓንቲ መዓልቲ ምስ ተጓዕዘ ‘’ነነዌ ኣብ ውሽጢ እዘን ኣርብዓ መዓልቲ ክትግምጠል እያ’’ ኢሉ ንሕዝቢ ነነዌ ሰበኸሎም። ሰብ ነነዌ ከኣ ነቲ ናይ ኣምላኽ መልእኽቲ ኣመንዎ። ኩሉ ኪጸውም ድማ ኣወጁ፥ ከም ዝተጣዕሱ ምእንቲ ኬርእዩ ኸኣ ካብ ዓበይቶም ክሳብ ነኣሽቱኦም ወጮ ተኸድኑ። እዚ ወረ እዚ ናብ ንጉሥ ነነዌ በጽሐ፥ ንሱ ድማ ኻብ ዝፋኑ ተንሢኡ ልብሲ መንግሥቱ ቐንጠጠ፥ ወጮ ተኸዲኑ ኣብ ሓሙዅሽቲ ተቐመጠ። ኣብ ህዝቢ ነነዌ ከኣ ኣዋጅ ኣወጀ፡- ‘’እዚ ዝስዕብ ትእዛዝ ንጉሥን መኳንንቱን እዩ፡- ሰብ ወይ እንስሳ ገለ ነገር ኣይጥዓሙ። መጓሰ ከብቲ ኾነ ኣባጊዕ ገለ እኳ ኣይጥዓማ፥ ኣይውፈራ፥ ማይውን ኣይስተያ። ሰብን እንስሳን ወጮ ይከደኑ፥ ዓው ኢሎም ድማ ናብ ኣምላኽ ይማህለሉ ነፍሲ ወከፍ ከኣ ኻብ እኩይ መገዱን ካብቲ ክፉእ ግብሩን ይመለስ። ምናልባሽ ኣምላኽ ሓሳቡ ይልውጥን ካብ ጉሁር ቍጥዓኡ ይምለስን ይኸውን፥ ንሕና ኸኣ ካብ ጥፍኣት ንድሕን ንኸውን።!’’ ኣምላኽ ከኣ ኻብ እኩይ ግብሮም፥ ማለት ካብ ክፉእ መገዶም ከም ዝተመልሱ ረኣየ፥ ስለዚ ሓሳቡ ለወጠ፥ ከምቲ ተዛሪብዎ ዝነበረ ኸኣ ኣይቀጽዖምን። ትን. ዮና 34-10

እምበኣር እግዚኣብሔርሲ ኩሉ ሰብ ክድሕን እምበር ሓደ እኳ ክጠፍእ ዘይፈጡ ጻድቕ ኣምላኽ ስለ ዝኾነ ብትዕግሥቲ ይጽበየና ኣሎ እሞ፥ በዲለ ካብ ዝብል ሕሊና ልብና ኣንጺህና፡ ሰብነትና ብንጹህ ማይ ሓጺብና፥ ብቅኑዕ ልብን ብምሉእ ኣምነትን ናብ ኣምላኽ ብንስሓ ንቕረብ። ዕብ 1022

ንሰብ ነነዌ ዝተለመነ ልዑል እግዚኣብሔር ጾምና ናይ ምሕረትን ድሕነትን ይግበረልና።

ዕዝራ ጸሓፊ

posted February 15, 2011

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div