S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ዓቢይ ጾም

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ሸውዓተ ኣጽዋማት ኣለዉዋ። ንሳቶም ድማ ጾመ ነቢያት፡ ጾመ ነነዌ፡ ዓቢይ ጾም፡ ዓርበ ረቡዕ፡ ጾመ ገሃድ፡ ጾመ ሓዋርያትን ጾመ ፍልሰታን ይበሃሉ። እግዚኣብሔር ንኣቦና ኣዳም ብኽብሪ ፈጢሩ ኣብ ገነት ምስ ኣቐመጦ ናይ መጀመርታ ዝሃቦ ትእዛዝ ጾም እዩ። ከምዚ ዝስዕብ እናበለ ድማ ኣዘዞ። ‘’ካብ ፍረ እቲ ኣብ ገነት ዘሎ ኦም ኵሉ ብላዕ ካብ ፍረ እታ ጽቡቕን ክፉእን እተፍልጥ ኦም ግና ካብኣ

ዝበላዕካላ መዓልቲ ብርግጽ ክትመውት ኢኻ እሞ ካብኣ ኣይትብላዕ’’ በሎ። እምበኣር ኣጽዋማት ዝተሰርዐ ምእንቲ ትእዛዝ እግዚኣብሔር ከነኽብርን ሓይሊ ስጋና ብትዕግሥቲ ከነድክምን እዩ። ዘፍ 217  

ዓቢይ ጾም ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ባዕሉ ኣብ ገዳመ ቆሮንቶስ ከይዱ 40 መዓልትን 40 ለይትን ዝጾሞ እዩ። ዓቢይ ዝተባህለሉ ምኽንያት ድማ ኢየሱስ ክርስቶስ ወዲ ሕያው ኣምላኽ ክንሱ ዝጾሞን ነቲ ቀንዲ ጸላኢና ሰይጣን ብሰለስተ ዓበይቲ ፈተናታት ስለ ዝሰዓሮን እዩ። ንዓና ድማ ብዅሉ ግብሩ ብቑዕ ኣርኣያን ትምህርትን ብምዃን ኣሰሩ ክንክተልን ትእዛዙ ክንሕሉን ሕድሪ ሃበና። 

ኣብ እዋን ዓቢ ጾም ዓቢይ ጸላኢ ዲያብሎስ ከም ዘሎን ዓበይቲ ፈተናታት ከምጽእ  ዝኽእል ምዃኑ ኩልና ክንፈልጦን ኣገዳሲ ነገር እዩ። 1ጴጥ 58

ብዙሓት ቅዱሳን ኣቦታት ብመገዲ ጾምን ጸሎትን ንሕቶኦም መልሲ ንሕማሞም ከኣ ፈውሲ ረኪቦም እዮም። ንሕናውን ሠናይ ግብርን ንጹህ ልብን ሒዝና ብእምነት እንተጾምና ዝደለናዮ ኩሉ ክንቅበል ንኽእል ኢና። ምኽንያቱ  ድሌትኩም ዘበለስ ብጸሎትን ልማኖን ምስ ምስጋና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ይፈለጥ እምበር ብገለ እኳ ኣይትጨነቑ’’ ስለ ዝበለና። ፊሊ 44 እምበኣር ዝኾነ ክርስቲያን ዓቢይ ጾም ኽጸውም ከሎ ኣዋጅ ቤተ ክርስቲያን ስለዝኾነ ወይ ብልምዲ ኣብ ዓመት መጸ ዝግበር ዘይኮነስ ክርስቶስ ዝጀመሮ ዓቢይ ናይ ዓወትን በረኸትን ትእዛዝ ብምዃኑ ካብ መግብን መስተን እናጾምና ነዞም ዝስዕቡ ኣገደስቲ ዝርዝራት ምስ መንፈሳዊ ምንባባት እናኣዛመድና ክንትግብሮም ጥቓሚ እዩ።

ኣገባብ ጾምና ነዚ ንከተል !

1,ኣፍ ይጹም ካብ ምዝራብ መርገም፡- ኣሕዋተየ እቲ ንሰማዕቱ ንበረኸት ዚኸውን ከከም ዜድልዮም ከኣ ኪሓንጽ ዚኽእል ሠናይ ዘረባ ደኣ ተዛረቡ እምበር ዘይጠቅም ዘረባስ ካብ ኣፍኩም ኣይውፃእ። ኤፈ 429 ብእኣ ጌርና ንጎይታናን ኣቦናን ነመስግን፡ ብእኣ ጌርናውን ነቶም በምሳል ኣምላኽ ዝተፈጥሩ ሰባት ንረግም። ካብ ሓደ ኣፍሲ ምስጋናን መርገምን ይወጽእ። ኣሕዋተየ እዚ ከምዚ ክኸውን ኣይግባእን እዩ። ያዕ 39 ቆላ38

2,ዓይኒ ይጹም ካብ ምርኣይ ሕሱም፡- ኣነ ግና ንጓል ኣንስተይቲ ርእዩ ዚትምነያ ዅሉ ብልቡ ፈጺሙ ኣብኣ ዘመወ እብለኩም ኣሎኹ። የማነይቲ ዓይንኻ እንተ ኣስሓተትካ ካባኻ ጎጥጕጥካ ደርብያ። ብዘሎ ኣካልካ ናብ ገሃነም ካብ ዚኣቱስ ሓንቲ ዓይንኻ እንተ ጠፍኣት ይሕሸካ። ማቴ 528 ዓይኒ ብምርኣይ ኣይትጸግብን እዝኒ ኸኣ ብምስማዕ ኣይትመልእን እያ።

3,እዝኒ ይጹም ካብ ምስማዕ ንዓለም፡- ንሳቶም ካብ ዓለም እዮም ከም ኣዘራርባ ዓለም ከኣ ይዛረቡ ኣለዉ። ዓለምውን ትሰምዖም ኣላ።ንሕና ካብ ኣምላኽ ኢና ንኣምላኽ ዚፈልጥ ይሰምዓና። እቲ ካብ ኣምላኽ ዘይኮነ ግና ኣይሰምዓናን እዩ። ንመንፈስ ሓቅን ንመንፈስ ሓሶትን ከኣ በዚ ኢና እንፈልጦም። 1ዮሓ 45 ብፁኣንሲ እቶም ንቓል ኣምላኽ ዚሰምዕዎን ዚሕልውዎን እዮም። ሉቃ 1128

4,ኢድ ይጹም ካብ ምፍሳስ ደም፡- የማነይቲ ኢድካ እንተ ኣስሓተትካ ካባኻ ቆሪጽካ ደርብያ ብዘሎ ኣካልካ ናብ ገሃነም ካብ ዚኣቱስ ሓንቲ ኣካል እንተ ጠፍኣት ይሕሸካ። ማቴ 529 ንኣኻትኩምን ንኣምላኽኩምን ኣብ መንጎኹም ኮይኑ ዚፈላልየኩምሲ ኣበሳኹም እዩ። ….ኣእዳውኩም ብደም ኣጻብዕኩም ብበደል ረኺሰን ኣለዋ። እከይ ንምግባር ትጎዩ ንጹሕ ደም ንምፍሳስ ትቀዳደሙ ሓሳብኩም እከይ እዩ። እምበኣር ተመለሱ።ኢሳ 593

5,እግሪ ይጹም ካብ መገዲ ጸጋም፡- እንሆ ኣብ ቅድሜኹም ናብ ሕይወት እትወስድ መገድን ናብ ሞት እትወስድ መገድን ኣንብር ኣሎኹ። ኤር 218 ኣብ ቀራና ጎደናታት ደው ኢልኩም ተመልከቱ እቲ ጥንታዊ መገድታትን እቲ ጽቡቕ ጎደናን ኣየናይ ምዃኑ ሕተቱ እሞ ብኣኡ ትመላለሱ። ሽዑ ንነፍስኹም ዕረፍቲ ኽትረኽቡ ኢኹም። ኤር 616

6,ልቢ ይጹም ካብ ሓሳብ ሥጋ ድኹም፡- ነቲ እትገብርዎ ዝነበርኩም ኃጢኣት ደርብይዎ። ሓድሽ ልብን ሓድሽ ኣእምሮን ኣጥርዩ። ሕዝ 1831 ክዳንኩም ዝይኮነስ ልብኹም ደኣ ቅደዱ ይብል እግዚኣብሔር። ዩኤ 213 ሰብ ብልቡ ኣሚኑ ይጸድቕ ብኣፉ መስኪሩውን ይድሕን። ሮሜ 1010 እቲ ካብ ኣፍ ዚወጽእ ካብ ልቢ እዩ ዝመጽእ እሞ ንሱ እዩ ንሰብ ዘርክሶ። ካብ ልቢ ኽፉእ ሓሳብ፡ ቅትለት፡ ዝሙት፡ ምንዝርና፡ ስርቂ፡ ብሓሶት ምምስካር ጸርፊ ይወጽእ እዩ እሞ እዚ እዩ ንሰብ ዘርክሶ። ማቴ1518

እምበኣር ሺሕ እኳ ሕጂ ንቑሩብ ግዜ ብብዙሕ ዝዓይነቱ ፈተና ክትሓልፉ ግዲ እንተ ኾነ በዚ ክትሕጎሱ ኢኹም። እዚ ኸኣ እታ እምነትኩም ሓቂ ከምዝኾነት ኬረድእ እዩ። 1ጴጥ 16

ኢየሱስ ብዲያብሎስ ከም ዝተፈተነ

ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ 40 መዓልትን ለይትን ምስ ጾመ እቲ ፈታኒ ሰይጣን ስለስተ ዓበይቲ ፈተናታት ኣቕረበሉ። ዝርዝረን ከኣ እንሆ፡-

1, ወዲ እግዚኣብሔር እንተ ዄንካስ እዘን ኣእማን እንጌራ ይኹና በል። ግናኸ ሕይወት ካብ መብልዕ፡ ሰብነት ድማ ካብ ክዳን ይበልጽ እዩ እሞ ብትበልዕዎን ብትኽደንዎን ኣይትጨነቑ። ንስኻትኩምሲ ቅድም መንግሥቲ ኣምላኽን ጽድቁን ድለዩ እዚ ዅሉ ድማ ክውሰኸልኩም እዩ። ከም ዝበለ ቅዱስ ወንጌል ኢየሱስ ክርስቶስ ድማ ብትዕግሥቲ ‘’ ሰብ ካብ ኣፍ ኣምላኽ ብዝወፅእ ቃል እምበር ብእንጌራ ጥራይ ኣይነብርን እዩ’’ ዝብል ጥቕሲ ጌሩ ንሰይጣን ኣሕፈሮ።ማቴ 633

2,ወዲ እግዚኣብሔር እንተ ዄንካስ እግርኻ ብእምኒ ከይትዕንቀፍ በእዳዎም ኪፆሩኻ ይእዝዞም ዝብል ጽሑፍ ኣሎ እሞ እስከ ንታሕቲ ጽደፍ በሎ። እግዚኣብሔር ንወዲ ሰብ ዝምርምር ኣእምሮን ዘስተውዕል ልብን ሂቡዎ እዩ። ዝኾነ ሰብ ድማ ንኣምላኽ ከመስግንን ክእዘዝን እምበር ግብሪ ኣምላኽ ክንዕቕን ንትእዛዙ ክፈታተንን ግቡእ ኣይኮነን። ከምቲ ደቂ እስራኤል ንእግዚኣብሔር ምስ ዝፈተንዎ 40 ዓመት ኣብ ምድረ በዳ ኮለል በሉ። ሰይጣን ድማ ንኢየሱስ ክርስቶስ እስከ ጽደፍ እናበለ ብትዕቢት ፈተኖ። ክርስቶስ ግና ወዲ ኣምላኽ ስለ ዝኾነ ብትሕትና ንእግዚኣብሔር ኣምላኽካ ኣይትፈታተኖ ዝብል ጽሑፍ ኣሎ ኢሉ መለሰሉ።

3,ተደፊእካ እንተ ሰገድካለይ እዚ ኹሉ ዅሉ ክህበካ እየ በሎ። ኣነ ሕያው እየ ይብል እግዚኣብሔር ኵሉ ብርኪ ኪሰግደለይ ኵሉ ልሳንውን ኣነ ኣምላኽ ምዃነይ ኪእመን እዩ።ሮሜ 1411 ይብል ቅዱስ ጽሑፍ። ደፋር ዲያብሎስ ግና ክሰግደሉ ንኢየሱስ ሓተቶ። ግናኸ እቲ ክፉእ ነገር ካብ ክፉኣት ስለ ዝወጽእ ደኣ እምበር ንሰይጣንሲ ክርስቶስ ጥራይ ዘይኮነ ኵሎም ቅዱሳት ኣቦታትውን ብሕሱር ግብሩ ረጊጸሞ እዩ። ኣብ ቅድሚ እዛ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ሰይጣን ይኽሕደካ ኣሎኹ ኢልና ወትሩ ከምንጽሊ ክርስቶስ ድማ ንእግዚኣብሔር ኣምላኽኻ ስገድ ንኣኡ በይኑ ድማ ኣምልኽ’’ ዝብል ጽሑፍ ኣሎ ኪድ ሰይጣን ኢሉ ገኒሑ ኣርሓቖ። ማቴ 410 

ስለዚ፡-

. ሰይጣን ፈተና ናይ ስስዕቲ ኣቅረበ ማቴ 43

  • ክርስቶስ መልሲ ትዕግሥቲ ኣምጽአ። ዘዳ 83

. ሰይጣን ፈተና ናይ ትዕቢት ኣቕረበ። ማቴ 46

  • ክርስቶስ መልሲ ናይ ትሕትና ኣምጽኣ። ዘዳ 616

. ሰይጣን ፈተና ኣፍቅሮ ንዋይ ኣቕረበ። ማቴ 49

  • ክርስቶስ መልሲ ናይ መንኖ ጥሪት ኣምጽአ። ዘዳ 613

እምበኣር ኣብዚ ዓለም ፈተና ዘይብሉ ሕይወት የልቦን። ንዝኾነ ዓይነት ፈተና ድማ ይዕበ ይንኣስ፡ ይንዋሕ ይሕጸር ከይተጨነቕና ብጾምን ጸሎትን ምስ ክርስቲያናዊ ትዕግሥቲ እንተ ጾዊርናዮ በቲ ኣምላኽ ዝህበና ሓይሊ ንዅሉ ከም ንስዕሮ ርጉጽ እዩ።

ጾምና ባሪኹ ኣብ ብርሃነ ትንሣኤ የብጽሓና!!!

ደቂቀ እንጦንዮስ ሕቡራት መንግሥታት ኣሜሪካ

posted February 27, 2011 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div