S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ጽቡቕ ኦም ብፍሪኡ ይፍለጥ!

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ጻድቃን ኮኑ ረሲኣን ሰባት ብኣእዋም ይምሰሉ እዮም። እቶም ጻድቃን ከም ጽቡቕ ኦም፡ እቶም ረሲኣን ከኣ ከም ሕማቕ ኦም እዮም ዝምሰሉ። እቲ ኦም ክፉእ ወይ ጽቡቕ ምዃኑ ከኣ በቲ ፍሪኡ እዩ ዝፍለጥ። ከመይ ጌርና ኢና ሠናይ ፍረ ክንፈሪ እንኽእል ዝብል ሓታቲ ክህሉ ይኽእል። እቲ ግቡእ መልሱ ድማ ንሕና ካብ ባዕልና ሠናይ ፍረ ክንፈሪ ኣይንኽእል ኢና። እንታይ ደኣ ከምቲ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ባዕሉ ኣብ ቅዱስ ወንጌል

“ኣነ ናይ ሓቂ ጉንዲ ወይኒ እየ፥ ተኻሊኡ ከኣ ኣቦይ እዩ። …. ንስኻትኩም ከኣ ኣባይ ንበሩ፡ ኣነውን ኣባኻትኩም ክነብር እየ። ጨንፈር ኣብቲ ጉንዲ ወይኑ እንተ ዘይነበረ ካብ ርእሱ ኺፈሪ ከም ዘይክእል፥ ንስኻትኩም’ውን ኣባይ እንተ ዘይነበርኩም ከምኡ ኢኹም። … እቲ ኣባይ ዝነብር ኣነውን ኣብኡ፡ ንሱ እዩ ብዙሕ ፍረ ዝፈሪ” ይብለና። ዮሓ 15፡1- 15። ኣብዚ ዓለም ብሕይወት እናነበርካ ፍረ ዘይምፍራይ ዘሕዝን ነገር እዩ። እቲ ዝገደደ ግና ሕማቕ ፍረ ምፍራይ ብሓቂ ድርብ ክሳራ እዩ። ምኽንያቱ እቲ ዘይምፍራይ ንነፍስኻ ጥራይ ምጉዳእ ክኸውን ከሎ፡ እቲ ሕማቕ ፍረ ምፍራይ ግና ንሕይወትካን ሕይወት ካልኦት ሰባት’ውን ዝጎድእ ስለ ዝኾነ ውልቃውን ማሕበራውን ዕንወት ከስዕብ ይኽእል።


ፈሪሳውያን ዝበሃሉ ሃይማኖት ኣሎና እናበሉ ጽቡቕ ግብሪ ወይ ሠናይ ፍረ ዘይነበሮም እዮም። ‘’ኣቱም ውሉድ ኣትማን’’ ተባሂሎም ከኣ ብጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ተነቒፎም እዮም። ንሱ ጥራይ ዘይኮነ እቲ ጸራጊ መገዲ ዝኾነ ዮሓንስ መጥምቕ’ውን “ውሉድ ተመን” ኢሉ ይሰምዮም ነበረ። ብፍላይ ጎይታ “ውሉድ እቲ መንደላይ ተመን” እዩ ዝብሎም። ማቴ 3፡7። እቲ ተመን ዝበሃል ዘሎ ዲያብሎስ እዩ። ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ንሔዋን ዘስሓተ፡ ንጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ክውሕጥ’ውን ብዙሕ ዝጸዓረ እዩ። ስለዚ ከኣ እቲ ናይ ጥንቲ ተመን ዓብዪ ገበል ተባሂሉ ይጽዋዕ እዩ። (ራ ዮሓ 12፡3-10) ኣትማን ኩሉ ጊዜ ናይ ክፉእ ነገር ኣብነት እዮም። ፈሪሳውያን ከኣ ደቂ ዲያብሎስ ምዃኖም ጎይታ ኣግሂዱ ነጊርዎም ኣሎ። ዮሓ 8፡41። ፈሪሳውያን ዋላ ጽቡቕ ክዛረቡ እንተ ዝደልዩውን ኣይኮነሎምን እዩ። ምኽንያቱ ኣፍ ካብ ምልኣት ልቢ እዩ ዝዛረብ። ሰብ ዘይብሉ ነገር ከውጽእ ወይ ክህብ ፍጹም ኣይክእል እዩ። ዝኾነ ሰብ ክፉእ ተዛሪቡ ንኽንብል፡ እቲ ዓረፍተ ነገሩ ብኽፉኣት ቃላት ዝተሃንጸ እንተ ኮይኑ ጥራይ ኣይኮነን። ከም ጠስሚ ልዙብ ከም ዘይቲ ልኡም ቃላት እናተጠቕመ’ውን እቲ መልእኽቱ ከም ዝተመስተ ሴፍ ሓደገኛ ክኸውን ዝከኣል ነገር እዩ። (ማቴ 15፡18)።


ሠናይ ፍረ ምእንቲ ክንፈሪ ብመጀመርታ ልብና ወይ ከኣ እቲ ናይ ውሽጢ ሰብነትና ክጥዒ ግድን ኣለዎ። ብጽቡቕ ፊደላት ጥራይ ዘረባኻ ክጽብቕ ዘይከኣል እዩ። ንልሳን ምቁጽጻር ማዕረ ክንደይ ከቢድ ምዃኑ፡ እቲ ንዓኣ ክመልኽ ዝኸኣለ ድማ ሕይወቱ ካብ ክፉእ ክባልህ ከም ዝኽእል ቃል እግዚኣብሔር ኣነጺሩ ኣብሪሁልና ኣሎ። ስለዚ ሕይወት ካብ ልቢ እያ እትፍልፍል እሞ ልዕሊ ኩሉ ንልብና ክንሕሉ ይግብኣና። ከምቲ ኣቦና ዳዊት “ቃላት ኣፈይን ሓሳባት ልበይን ኣብ ቅድሜኻ ብሁግ ይኹን’’ ኢሉ ዝጸለዮ ክንጽሊ የድልየና። መዝ 19፡14። ስለዚ ሰብ ብዘረባኡ ይጸድቕ፡ ወይ ከኣ ይኹነን ማለት እዩ። ስለዝኾነ እንተ ክንጸድቀሉ እንተ ክንኩነነሉ ብዛዕባ ዝተዛረብናዮ ዘረባ ኩሉ ጸብጻብ ክንህበሉ ምዃንና ኣይንዘንግዕ። ክፉእ ዘረባ ብእግዚኣብሔር ጽዩፍ ስለ ዝኾነ ንሕና እቶም ውሉድ እግዚኣብሔርን ሰዓብቲ ክርስቶስን ዝኾንና ህዝበ-ክርስቲያን ከኣ ክንጽየፎ ይግባእ። ይትረፍዶ ክፉእ ክንዛረብሲ፡ ክፉእ ክንሰምዕ ከለና እኳ ነፍስና ክትስቀቕ እዩ ዝግባእ። ብዛዕባ እዚ ሓዋርያ ጳውሎስ “እቲ ንሰማዕቱ ንበረኸት ዝኸውን፡ ከከም ዘድልዮም ከኣ ክሓንጽ ዝኽእል ሠናይ ዘረባ ደኣ ተዛረቡ እምበር ዘይጠቅም ዘረባስ ካብ ኣፍኩም ኣይውጻእ” ይብለና። ኤፈ 5፡29።


ስለዚ እምበኣር መዝገብ ልብና ኣጥዒና ካብኡ ኩሉ ጊዜ ጥዑም ቃላት ብኣፍና ክንቀድሕ ይግብኣና። ዘረባና ከኣ ኃይልን ፈውስን ጸጋን ዘለዎ ክኸውን እዩ። ጽቡቕ ጥራይ ደኣ እምበር ክፉእ ንኸይንዛረብ ኩሉ ጊዜ ደገ ከናፍርና ምስ ኣምላኽ ኴንና ክንሕሉ ይግብኣና። ብዛዕባ እዚ ኣቦና ዳዊት’ውን ‘’እቲ ንሕጊ እግዚኣብሔር ዝእዘዝ ሰብ ብፁዕ እዩ። ንሱ ከምታ በብእዋኑ ፍሬኣ እትህብ ቆጽላ ዘይነቅጽ ኣብ ወሰን ወሓዚ ማይ ዝተተኽለት ኦም እዩ” ይብል። መዝ 1፡3። ነቢይ ኤርምያስ’ውን ኣብ ትንቢቱ “ እቲ ኣባይ ኣብ እግዚኣብሔር ዝውከል፡ እወ ትጽቢቱ ኣባይ ኣብ እግዚኣብሔር ዚገብር ሰብ ብሩኽ እዩ። ንሱ ከምታ ኣብ ጥቓ ማይ ዝተተኽለት ናብ ሩባ ኣቢላ ሱራ ዘስፋሕፍሐት፡ ዋዒ እንተ መጸ ዘይትፈርህ ቆጽላ ኸኣ ለሚዑ ዚነብር ኦም እዩ። እወ! ንሱ ኸምታ ብዘመን ደርቂ ዘይትጭነቕ ካብ ምፍራይ’ውን ዘይተቋርጽ ኦም እዩ” ይብል። ኤር 17፡7። ልዑል እግዚኣብሔር ዝኸብረሉን ሕይወትና ዝባረኸሉን ሕያው ፍረ ክንፈሪ ኣምላኽ ጸጋ የብዝሓልና።

ዕዝራ ጸሓፊ

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div