S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ብሓቂ ሰብ እንተ ደኣ ኮንካ!

ኩሉ ወዲ ኣዳም ናይ ባሕርይ ስሙ ሰብ ከም ዝበሃል ዘካትዕ ኣይኮነን። ይኹን እምበር ናይ ግብሪ ስሙ ግና ዝተፈላለየ ክኸውን ዝከኣል ነገር እዩ።ምኽንያቱ ገለ ኣብ ሥራሕ ጽድቂ ገለ ድማ ኣብ ሥራሕ ጸይቂ፥ ገለ ኣብ ህንጸት፥ ገለ ድማ

ኣብ ዕንወት፥ ገለ ኣብ ሓቂ ገለ ድማ ኣብ ሓሶት ….. ወዘተ ስለ ዝዋፈሩ በብሥርሖም፡ ጥዑምን ሕሱምን፥ ርህሩህን ጨካንን፥ ጻድቃን ኃጥኣን እናተባህሉ ስም ይወሃቦም እዩ። ስለዚ እምበኣር ወዲ ሰብ ብክቡር መልክዕን ምስልን ልዑል እግዚኣብሔር ዝተፈጥረ ስለ ዝኾነ፡ ከምቲ መልክዕና ንኣምላኽ ዝመስል፡ ግብርናውን ንኣምላኽ ዘኽብር ክኸውን ሠናይ ነገር እዩ። እምበኣርከስ ነዚብሓቂ ሰብ እንተ ደኣ ኮንካብዝብል ኣርእስቲ ቀሪቡ ዘሎ ሓጺር ጽሑፍ ዕላማ መልእኽቱ ተረዲእና ንሠናይ ግብሪ ንተዓጠቕ። 

. ንሕያውነትካ + ወስኸሉ፡              

. ንተንኮልካ - ኣጉድለሉ፡

. ንፍቕርኻ X ኣርብሓዮ፡

. ንዘሎካ -- ኣማቕለሉ፡

ንኣተሓሳስባኻ ኣመዓራርዮ፡                                                                                      

ነዚ ዝስዕብ ዝርዝር መብርሂ ንከታተል፡-

. ንሕያውነትካ + ወስኸሉ፡- ናይ ሕያውነት መሠረት እቲ ሕያዋይ ኣምላኽ ምዃኑ ክንፈልጦ የድሊ። ኢየሱስ ክርስቶስ ብሕያውነቱ ንልቢ ብዙሓት ሰባት ለዊጡን መሲጡን እዩ። ሕያውነት ከኣ እቲ ዝዓበየ ውህበት ጸጋ መንፈስ ቅዱስ ንደቂ ሰባት እዩ። ሕያውነት እቲ ኣብ ባሕርይ ደቂ ሰባት ክርኣ ዝግብኦ ኣገዳሲ ጠባይ ምዃኑ ክንዝንግዖ ኣይግባእን። ብመሠረት መንፈሳዊ ሕግን ትእዛዝን ናይ እግዚኣብሔር እንተ ደኣ ኮይኑ ኩሉ ሰብ ሕያዋይን ንሕድሕዱ ዘይጓዳእን ክኸውን ከም ዝግብኦ ብንጹር ተሓቢሩና ኣሎ። ኩልና ንቓል እግዚኣብሔር ኣኽቢርና ሕያዎትን ጥዑማትን እንተ ንኸውን ከኣ፡ ኣብዚ ምድሪ ዓለም ባእስን ክስን፡ ሓሶትን ኃጢኣትን፡ ኵናትን ሞትን፡ ፈጺሙ ኣይምሃለወን ነይሩ። ስለዚ እምበኣር ዝኾነ ኣማኒ ክርስቲያን ሕያዋይ ክኸውን ባህ ዘብል ጸጋ እዩ። ሓዋርያ ጴጥሮስ ብዛዕባ እዚ ኣብእምነትኩም ሕያውነት ወስኹእናበለ ይምዕደና። ስራሕ ናይቲ ሕያዋይ ሳምራዊ ክንዝክር ከሎና ብሓቂ ዘሐጉስን ንኹሉ ሰማዒ ባህ ዘብልን ሠናይ ግብሪ ምዃኑ ኣይንስሕቶን ኢና። ንሱ ነቲ ዘይፈልጦ ሰብ፡ ኣብ መገዲ ወዲቑ ምስ ረኣዮ ደንገጸሉ፡ ናብኡ ቀሪቡ ኣቝሳሉ ሰፈፈሉ፥ ዘይትን ወይንን ከኣ ኣፍሰሰሉ፥ ኣብ ኣድጉ ኣወጢሑውን ናብ ማኅደር ኣጋይሽ ወሲዱ ተኸናኸኖ። …. ክልተ ዲናር ኣውጺኡውን ከፈለሉ። እምበኣር እዚ እዩ እቲ ልባዊ ርህራሄን መንፈሳዊ ሕያውነትን ዝበሃል። ሉቃ 1033 እሞ ንሕናኸ ንሕያውነትና ንውስኸሉዶ ኣሎና?

. ንተንኮልካ - ኣጉድለሉ፡- ተንኮለኛ ምዃን ናብቲ ኣምላኽ ዝደልዮ ቅኑዕ ሕይወት ኣየብጽሕን እዩ።ብኣንጻሩ ግና ካብ ኣምላኽ ዘርሕቅ ሕማቕ ስራሕ ኃጥኣን እዩ። ናይ ተንኮል ፍሕሶ ከኣ ካብቲ ቀናእ ሰይጣን ዝምንጩ ከም ዝኾነ ምፍላጡ የድሊ። ኣብ ኦሪት ዘፍጥረት እንተ ኣንበብና ካብ ኩሉ ኣራዊት መሮር ተመን ኣዝዩ ጎራሕ ነበረ ይብለና። በዚ ምኽንያት ከኣ ካብ ኩሉ እንስሳ ዘቤትን ኣራዊት መሮርንርጉም ኩንተባሂሉ ተረግመ። ዘፍ 31,14 ካብ ተንኮል ዝርከብ ክሳራ እምበር ረብሓ ዝበሃል የሎን። ነቢይ ኤርምያስልቢ ወዲ ሰብ ኣዝዩ ሕሱምን ተንኮለኛን እዩ፡ መንከ ክርድኦ ይኽእል? እናበለ ብዛዕባ ኣብ ልቢ ዘሎ ተንኮል የጠንቅቕ። ኤር 179 ኣብ ምስላ ሃገርናውንምስ ጎራሕ ኣይትመራራሕ፡ እቲ ቀዳማይዶ ወይስ ዳሕረዋይ ከይብሉኻይበሃል።ስለዚ እምበኣር ነቲ በብግዚኡ ዲያብሎስ ኣብ ልብና ዝዘርኦ ተንኮል ከነውጽኦ የድሊ። ብተወሳኺ ሓዋርያ ጳውሎስ ነቲ ኤሊማስ ዝበሃል ጠንቋሊኣታ ኩሉ ተንኮልን ኩሉ ክፍኣትን ዝመልኣካ ወዲ ዲያብሎስ ነቲ ቅኑዕ መገዲ እግዚኣብሄር ካብ ምጥዋይሲ ካንዶ ኣይትዓርፍን ኢኻ?” ኢሉ ገንሖ።ግ.ሓዋ 1310 ካብዚ እንመሃሮ ድማ ተንኮለኛ ምዃን እግዚኣብሔር ዝጸልኦን መርገም ዝምጽእን ሕማቕ ጠባይ ምዃኑ ክንዝክር ይግብኣና። እሞ ንሕናኸ ንተንኮልና - ነጉድለሉዶ ኣሎና?

. ንዘሎካ -- ኣማቕለሉ፡- ወዲ ሰብ ኣብዚ ዓለም ብህይወት ከሎ ካብ ምሃብ ንላዕሊ ዘሐጉሶ ነገር የሎን። ካብ ህቡኻ ክትህብ፥ ካብ ከፍቅሩኻ ዝያዳ ከተፍቅር ምድላይ ከኣ ዓቢይ ጸጋ እዩ። ብዛዕባ እዚ ሓዋርያ ያዕቆብ እቲ ንጹህን ርኽሰት ዘይብሉን ኣምላኾንገዛእ ርእስኻ ካብ ርኽሰት ዓለም እናሓሎኻ ንዘኽታማትን መበለታትን ኣብ ጊዜ ጸባባኦም ምርዳእ እዩይብል። ያዕ 127።እቲ ቅዱስ ጽሑፍውንካብቲ ዝቅበልሲ እቲ ዝህብ ኣዝዩ ይባረኽእዩ ዝብለና። ሓዋ 2035 ስለዚ እምበኣር እንተ ሃብና ኢና ኣዚና ንባረኽ።ምእንቲ ክትርዳእ ንኻልኦት ክትረድእ፥ ምእንቲ ክትወሃብ ንኻልኦት ክትህብ ከኣ ብሓቂ ክርስቲያናዊ ሥራሕ ቅዱሳን እዩ።ሃቡ ወይትወሃበክሙዝብል መንፈሳዊ ምኽሪ ከም ዘሎውን ክንዝክር ይግብኣና። ንዘሎካ ኣማቕለሉ ክንብል ከሎና፡ ነቲ ትፈትዎ ሰብ ጥራይ ሃቦ ማለት ኣይኮነን። እንታይ ደኣ ከምቲ ቅዱስ ጽሑፍ ዝብሎጸላኢኻ እንተ ጠመየ እንጌራ ኣብልዓዮ፡ እንተ ጸምአውን ማይ ኣስትዮዝብል ትእዛዝ ብሓቂ ክንትግብሮ ይግብኣና። 1ዮሓ 317 ብተወሳኺ ንዘሎካ ኣማቕለሉ ማለት ከኣ ነቲ እግዚኣብሔር ዝሃበካ ሓላፊ ሃብትን ምድራዊ በረኸትን ተኻፊልካ ብልዓዮ፥ በቒቕካ ንጻጸን ቁንቍነን፡ ንሰረቕትን ዓመጽትን፥ ኣይትዕቆሮ ማለት ምዃኑ ኣይንዘንግዕ ሓዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባ እዚእቶም ኣመንቲ ገበርቲ ሠናይ ክኾኑ፥ ብሠናይ ግብሪ ኪህብትሙ፡ ለጋሳትን መማቐልትን ኪኾኑ ኣዝዝይብል። 1ጢሞ 618 እሞ ንሕናኸ ንዘሎና-- ነማቕለሉዶ ኣሎና?

. ንፍቕርኻ X ኣርብሓዮ:- ፍቕሪ ናይ ኩሉ ሠናይ ነገር መሠረት እያ። እግዚኣብሔር ማለት ከኣ ፍቕሪ ማለት እዩ። ብዛዕባ ፍቕሪ ሓዋርያ ጳውሎስኩሉ ገንዘበይ ንድኻታት እንተ ዝዕድል፥ ሰብነተይ ከኣ ንምንዳድ ኣሕሊፈ እንተ ዝህብ፥ ግና ፍቕሪ እንተ ዘይህልወኒ ሓንቲ እኳ ኣይጠቕመንን እዩይብል። 1ቆሮ 133 ስለ ዝኾነ እምበኣር ንሕና ንሕድሕድና ክንፋቐር ኢየሱስ ክርስቶስ ብሕድሪ ዝሃበና ክቡር መልእኽቲ ሰላም እዩ። ሓቀኛ ፍቕሪ ኣብ ልቢ ኩሉ ሰብ እንተ በዚሑን እንተ ሰፊሑን ከኣ ሰላም ዝሰፈኖ ሕጉስ ሕይወት ንረክብ። በዚ ምኽንያት ንሕናውን ነቲ ካብ ኣምላኽ ዝተቐበልናዮ ጸጋ ፍቕሪ ከነስፍሖ ክርስቲያናዊ ግዴታ ከም ዘሎና ኣይንዘንግዕ። ካብ ውልቀሰብ ጀሚሩ ክሳብ ስድራ-ቤትን፥ ሃገርን፥ ብደረጃ ቤተ ክርስቲያንን ንፍቕሪ ኣምላኽ እንተ ኣስፊሕናዮ፡ እቲ ቀንዲ ጸላኢና ዝኾነ ሰይጣን ንጽልኢ ዝኸውን ቦታ ከቶ ኣይክረክብን እዩ። እዚ ብዓይንና ንርእዮን ብእዝንና ንሰምዖን ዘሎና ናይዛ ዓለም ሥጋውን መንፈሳውን ዕንወት ከኣ ፈውስን ምሕረትን ብቕልጡፍ ከም ዝርከብ ዘጠራጥር ኣይኮነን። ምኽንያቱ ንፍቕርኻ ኣርብሓዮ ማለት ተወሳኺ መልእኽቱ ንጽልኢ ካብ ልብኻ ኣውጽኣዮ ማለት ምዃኑ ንርዳእ። ፍቕሪ ከኣ ዓቃል እያ፥ ፍቕሪ ለዋህ እያ፥ ፍቕሪ ኣይትቐንእን እያ፥ ፍቕሪ ኣይትጀሃርን እያ፥ ኣይትዕበን እያ። ፍቕሪ ስዲ ኣይኮነትን፥ ንዓይ ይጥዓመኒ ብዚብል ኣይትምራሕን እያ። ፍቕሪ ኣይትቝጣዕን፥ ኣይትቕየምን እያ።ብሓቂ ትሕጎስ፥ ንኹሉ ትጸውር፥ ንኹሉ ትኣምን ብኹሉ ተስፋ ትገብር፥ ንኹሉ ትዕገስ። 1ቆሮ 134 ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ፥ እቲ ኣብ ፍቕሪ ዚነብር ከኣ ኣብ ኣምላኽ ይነብር፥ኣምላኽውን ኣብኡ ይነብር። 1ዮሓ 416 እሞ ንሕናኸ ንፍቕርና X ነርብሖዶ ኣሎና?

. ንኣተሓሳስባኻ = ኣመዓራርዮ፡- ዝተመዓራረየ ሓሳብ ክንብል ከሎና። ሚዛናዊ ዝኾነ ወይ ቅኑዕ ዝኾነ ሓቀኛ ሓሳብ ማለት እዩ። ሓሳባት ኣብ ኣእምሮና ተጠኒሶም ኣብ ስራሕና ዝውለዱ ወይ ዝትግበሩ ፍጻመታት እዮም። ንኣተሓሳስባና ኣንተ ኣመዓራሪናዮ ዝጠቅምን ዝጎዳን፥ ሕማቅን ጽቡቕን፥ ጽድቅን ኃጢኣትን፥ ሓቅን ሓሶትን፥ ተረዲእና ነቲ ክቡር ዝኾነ ሓሳብ ክንትግብር ይሕግዘና። ኣብ ትንቢት ኢሳይያስክቡር ሰብ ክቡር ሓሳብ ይሓስብ፡ ኣብ ክቡር ነገር ከኣ ይጸንዕይብለና። ኢሳ 328 ብኣንጻሩ ድማእቲ ክፉእ ካብ ክፉኣት እዩ ዝወጽእዝብል ጽሑፍ ኣሎ። በዚ መሠረት ዘይተመዓራረየ ሓሳባት ናብ ርኽሰትን ኃጢኣትን፡ ናብ ውድቀትን ሞትን ዝወስድ ጎደና ጸልማት ምዃኑ ክበርሃልና ኣለዎ። ሓዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባ ዝተመዓራረየ ሓሳብኣሕዋተየ ሓቂ ዘበለ፡ ርዝነት ዘለዎ ኩሉ፥ ቅኑዕ ዘበለ፥ ንጹህ ዘበለ፥ ተፈታዊ ዘበለ፥ ሠናይ ዜና ዘለዎ ኩሉ ….. ብዛዕባ ነገርዚ ሕሰቡይብለና። ፊሊ 48 ስለዚ እምበኣር ንዕለታዊ ሥራሕናን መንፈሳዊ ሕይወትናን ብመስትያት እምነት ርኢና፡ ሓንቲ ሓሳብ ብምሕሳብ፥ ብሓንቲ ፍቕሪ ብምትእስሳር፥ ብሓደ መንፈስ ንሓደ ዕላማ ብምዕያይ ኣብ ሠናይን ክቡርን ነገር ክንጸንዕ ልዑል እግዚኣብሔር ጸጋኡን መንፈሱን የሕድረልና።

ዕዝራ ጸሓፊ

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div