S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

መዓልቲ ዕንወትን ጥልመትን!

ዕለት 11 ሓምለ 1997 ዓ.ም ግእዝ (18 ሓምለ 2005 ኣ.ፈ) ኣብ ታሪኽ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ብፍሉይ ፈተና ትዝከር መዓልቲ እያ። ቁሩብ ዓመታት ንድሕሪት ምልስ ኢልና እንተ ዘኪርና እቲ በዛ መዓልቲ

እዚኣ ኣብ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ዝተፈጸመ ከቢድ ጥልመት ግህሰት ሕግን ብሓቂ ዘስደምምን ንኽትኣምኖ ዘጸግም ኮይኑ ትረኽቦ። ምኽንያቱ ሰንበት 10 ሓምለ 1997 ዓ.ም ግእዝ ብሓባር ቀዲስካ፥ መኣዲ እግዚኣብሔር ተሳቲፍካ፥ 2ተ ጳጳሳት ክትቀብእ ውዒልካ፥ ንጽባሒቱ ብኢድ መሣርሕትኻ ጳጳሳት ናይ ክሲ ወረቐት ኣብ ኢካ ክወሃበካ ብጣዕሚ ዘገርም ነገር እዩ። ኣቦታት ከም ዝምስልዎ “ልቢ ብጻይካስ ከምዚ ናትካ እንተ ዝኾነልካ ክንደይ ምጠዓመ” ዝበሃል “ልቢ ኣቦታት ጳጳሳት ከምቲ ልቢ መራሒኦም ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ እንተ ዝሓስብን ኣርሒቆም እንተ ዝጥምቱን ኔሮም ክንደይ ሠናይን ጥዑምን ምኾነ” ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያንናውን ኣብዚ ሕጂ እዋን ዘላቶ ከቢድ ፈተናን ኵነታትን ኣይምበጽሐትን ኔራ።

እወ! ብ2005 ኣ.ፈ ኣብ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ክትሰምዖ ዘሕዝን ንኽትፈትሖ ከኣ ዘጸግም ከቢድ ምጥሓስ መንፈሳዊ ሕጊ ቤተ ክርስቲያን ተፈጺሙ እዩ። እቲ ዝተፈጸመ ህዉኽ ናይ ዓመጽ ስጉምቲ ከኣ ን3ይ ፓትርያርክ ሃገረ ኤርትራ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ “ኣብ ምምሕዳር ቤተ ክርስቲያን ዕንቅፋት ስለ ዝኾንኩም፥ ካብ 11 ሓምለ 1997 ግእዝ (18ሓምለ 2005 ኣ.ፈ) ጀሚሩ ካብ ዝኾነ ይኹን ንጥፈታት ምሕደራ ቤተ ክርስቲያን ክትግለሉ ቅዱስ ሲኖዶስ ብውሳኔኡ የፍልጥ” ይብል። ዘገርም እዩ! ንሕጋዊ ፓትርያርክ ካብ መንፈሳዊ ምምሕዳር ኣሊኻ፥ ንጭዋ ኣቶ ዮፍታሄ ዋና ኣማሓዳሪ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ክትብል ንሰማዒኡ ዘሕዝን፥ ጥልመትን ተንኮልን ዘለዎ ዘይክርስቲያንዊ ውሳኔ ምዃኑ ዘስተውዕል ልቢ ዘለዎ ሰብ ዝሰማማዓሉ ጉዳይ እዩ።

ቀጺሉውን ብዕለት 5 ጥሪ 1998 ዓ.ም ግእዝ (13 ጥሪ 2006 ኣ.ፈ) ናብ ቅዱስ ፓትርያርክ ኣቡነ እንጦንዮስ “ካብ ማዕርግ ፓትርያርክ ወሪድኩም ኣሎኹም” ዝብል ናይ ዓመጽ ደብዳቤ ተላእከሎም። ብድፍረት ድማ ቤት ጽሕፈቶም ተዓሺጉ፡ ካብ ቅዱስ መንበሮም ተኸልኪሎም፥ ብተወሳኺውን ብክለተ ካህናትን 3ተ ወተሃደራትን ልብሲ ማዕርጎም ከም ዝቕንጠጡን ቅዱስ ንብረቶምን ከም ዝዝመቱን ተገብረ። ከምኡውን ካብ ዝነብርሉ ዝነበሩ ቦታ ብምግዓዝ ምስ ዝኾነ ሰብ ከይራኸቡ፥ ብሓፈሻ ገዳሞም ከይከዱ፥ ቤተ ክርስቲያን ከይሳለሙ፥ ምስ ቤተ ሰቦምን ደለይቶምን ከይዛረቡ ብጽኑዕ ክሕየሩ ተወሰነ። ኩልና ከም ንፈልጦ ዝኾነ ኣካል ኣብ መንፈሳዊ ይኹን ሥጋዊ ጉዕዞ ኃይሊ ዝጥቀምን ንሕጊ ዝሕሰምን እንተ ደኣ ኮይኑ ሓቂ ዘይሓዘን ሰላም ዘይደልን ጥራይ ምዃኑ ዘጠራጥር ኣይኮነን።

እዝከረኒ ኣብቲ ቅንያት ናይ ሓምለ 2005 ኣብ ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ ንዅልና ሠራሕተኛታትን ውሉደ ክህነትን እቲ ፍጻመ ብጣዕሚ ስለ ዘሕዘነና ዝተፈላለየ ሓሳባትን ከምዚ እንተ ዝግበር ዝብል ምኽርታት ንዘራረብ ነበርና። ገለ ሰባት ከኣ እንታይ ገደሰና ባዕላቶም ጳጳሳት ዘፍርስዎ ዘሎዉ ሕጊ ደኣ እንታይ ሱቕ ዘይንብል ይብሉ ነበሩ። ገሊኦም ድማ እቲ ሕማቕ ኩነታት ብግቡእ ስለ ዝተረድኦም ናብ ኣምላኽ ይጽልዩን ይምህለሉን ነበሩ። ብድሕሪ እዚ ብዕለት 19 ሓምለ 1997 ዓ.ም ግእዝ፡ ብኣቶ ዮፍታሄ ድሜጥሮስ ንኹልና ሓለፍቲ ክፍልታት ቤት ጽሕፈትን ኩሎም ሠራሕተኛታት መንበረ ፓትርያርክን ኣብ መኣከቢ ኣዳራሽ ክንርከብ ትእዛዝ ተመሓላለፈልና ። ሰዓት ምስ ኣኸለ ኣቶ ዮፍታሄ ምስ ኣባ ሽኖዳን ቀሺ ሃብቶም ርእሶምን ናብ መኣከቢ ኣዳራሽ  መጺኦም ኣብ ቅድሚ ኩሉ ሠራሕተኛ መንበረ ፓትርያርክ ኮፍ በሉ። ብድሕሪ እዚ “ዘመኑ ዝሃቦ” ከም ዝበሃል በዓል ግዜ ኣቶ ዮፍታሄ “ሎሚ ኣብዚ ተኣኪብናሉ ዘሎና ቀንዲ ምኽንያት፥ “ነቲ ኣብ ደገ ሰላም ይኩን ኣብ ካልእ ቦታታት ቡንን ስዋን እናሰተኹም “መንግሥቲ ንኣቦና እንጦንዮስ ኣውሪድዎም” “ዮፍታሄ ንፓትርያርክ ሥልጣኖም የሕዲግዎም” ወዘተ ….. እናበልኩም ተዕልልዎ ከንቱ ዘረባ ተረዲእና እቲ ሓቅን ውሳኔ ናይ ቅዱስ ሲኖዶስን ሕጂ ከነፍልጠኩም ኢና፥ ብድሕሪ እዚ መብርሂ ግና ኣፍኩም ዝሃበኩም እንተ ደኣ ተዛሪብኩም ኣብ ልዕሌኹም ዝውሰድ ስጉምቲ ከም ዘሎ ክገልጸልኩም ይደሊ” ኢሉ ኮፍ በለ።

ብድሕሪ እዚ ንቀሺ ሃብቶም ርእሶም ዝበሃል ቀንዲ ኣማኻሪኡን ተሓጋጋዚኡን ዝኾነ ምዱብ ሥርሑ ግና ፍሉይ ጸሓፊ ቅዱስ ፓትርያርክ ተባሂሉ ዝፍለጥ፥ ነቲ ውሳኔ ቅዱስ ሲኖዶስ ዝበሎ 2 ገጽ ዝሓዘ ክሲ (ክልቲኦም ዘዳለዉዎ ናይ ክስታት) ጽሑፍ ከንብበልና ሓበሮ። ቀሺ ሃብቶም ርእሶም ድማ ነተን ድሮ ኣቐዲምና ሰሚዕናየን ዝነበርና 6ተ ክስታት ናይ ፓትርያርክ ኣቡነ እንጦንዮስ በብሓደ ዘርዚሩ ኣንበበልና። ካብቲ ብሓቂ ዘሕዝን ነገር ከኣ ወላኳ እቲ ተኣኪብናሉ ዝነበርና ቦታ ኣብ ኣሥመራ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ተባሂሉ ዝፍለጥ መንፈሳዊ ሥፍራ እንተ ነበረ፥ ልክዕ ከም ኣብ ከቢድ ወተሃደራዊ መዓስከር ወይ ከኣ ኣብ ዘይንፈልጦ ምድሪ ጓና (ቤት ማእሰርቲ) ከም ዝተኣከብና ብውሽጥና ከቢድ ሓዘንን ተስፋ ምቑራጽን ተሰሚዑና ብዘይ ወላ ሓደ ሕቶ ወይ ርኢቶ እቲ ኣኼባ ብጓሂ ተዛዘመ።

ብድሕሪ እዚ ቅንያት እዚ ኣቶ ዮፍታሄን ኣማኸርቱን ነቶም ክገብሩ ይኽእሉ ኢዮም ዝበሃሉ ለባማትን በላሕትን ውሉደ-ክህነት ደቂ ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና ገሊኦም ካብ ምዱብ ሥርሖም ክባረሩ፥ ገሊኦም ክእሰሩ፥ ገሊኦም ክድስክሉ፥ ገሊኦም ከኣ ቀጽሪ ቤተ ክርስቲያን ከይረግጹ ክኽልከሉ ንገለውን ብሜላ ከፈራርሕዎም ሥርሓይ ኢሎም ተተሓሓዝዎ። እቲ ሽዑ  ብምውራድ 3ይ ፓትርያርክ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስን ዝጀመረ ዕግርግርን  ዕንወትን ከኣ ነዚ ንህላዌ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያንና ኣብ ከቢድ ፈተና ዘእተወ ፈተናን ስደትን ኣኸቲሉ፥ ብዓቢኡ ከኣ ሎሚ ኩላትና በብዘሎናዮ ንፍደዮ ዘሎና መርገምን ሕንፍሽፍሽን ወሪዱና ንርእዮ ኣሎና።

እምበኣር እቲ ጥንታዊ ሕግን ቀኖናን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያንና ክፈርስ ከሎ 3ይ ፓትርያርክ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ንከሰስቶም ጳጳሳት ዝበልዎ “ኣነ ብሕድሪ ዝተቀበልክዋ ሓላፍነት ሃይማኖት ንሓደ ጭዋ ሰብ ኣሕሊፈ ኣይህብን” ንስኻትኩም ግና ነዚ ሕጂ ትግበርዎ ዘሎኹም ብመንፈሳዊ ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ቅድሚ ሰብን እግዚኣብሔር ተሓተቲ ኢኹም ብምባል ኣብቲ መገድን ሓቅን ሕይወትን ኣነ እየ ዝበለ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ሕይወቶም ኣማዕቆቡ። ነቲ ዝቐረበሎም ናይ ዓመጽ ክሲ ድማ ንዘመናት ተኸቢሩ ዝጸንሐ መንፈሳዊ ሕግን ቀኖናን ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያንና ተታሊልኩም ተፍርስዎ ስለ ዘሎኹም “ሕጊ እንተ ረጊጽካዮ ተመሊሱ እዩ ዝረግጸካ” ብዝብል ኃይለ ቃል መልእኽቶም ደምደሙ።

እታ ጎይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብደሙ ዝመሥረታ፥ ሓዋርያት ዝተኸልዋ፥ ሰማዕታትን ቅዱሳንን ዘስፍሕዋ፥ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን “ደገታት ሲኦልውን ኣይክሕይልዋን እዮም” ዝብል ጽሑፍ ስለ ዘሎ በዚ እዋናዊ ፈተና ፍጹም ኣይክትጠፍእን እያ። ግናኸ ከምቲ ሓዋርያ ያዕቆብ “ኃጢኣት ትጠንሱ ሞት ትወልዱ” ዝበሎ ሰብ ነቲ ዝዘርኦ ስለ ዝዓጽድ፥ እቶም ገበርቲ ክፉእ ድማ ሥጋዊ ይኹን ሕልናዊ ዕረፍቲ ስኢኖም ብእህህታ ክነብሩ ንዕዘቦም ኣሎና። ኣምላኽ ካብ ከምዚ ዝበለ ዑረት ልቢ ይሰውረና።

ኣብ መደምደምታ “ሕማቕ መዓልትስ መተዓዛዘቢት” ከም ዝበሃል ነታ መዓልቲ ክስን ወቕስን፥ እታ መዓልቲ ሓሶት ጥልመትን፥ እታ መዓልቲ በደልን ዓመጽን ክንዝክራ ግቡእ እዩ። ኢየሱስ ክርስቶስ ባዕሉ “እቲ ዕርፊ ሒዙ ንድሕሪት ዝጥምት ንዓይ ኣይበቅዕን እዩ” ኢሉ ከም ዘጠንቀቐና ካብ ፍቓድ ሰብ ፍቓድ ኣምላኽ፥ ካብ ኣብ ኢድ ሰብ ኣብ ኢድ ኣምላኽ ምውዳቕ ይሓይሽ፥ ካብ ንሰብ ድማ ንእግዚኣብሔር ምግልጋል ዝበለጸ ምዃኑ ኣይንዘንግዕ። እምበኣር “እቲ ገፋዒ ይግፋዕ፥ እቲ ርኹስ ይርከስ፥ እቲ ጻድቕ ጽድቂ ይግበር፥ እቲ ቕዱስ ይቀደስ” ዝብል ጽሑፍ ስለ ዘሎ ሠናይ ክንገብር ኽቡር ሓሳብ ክንሓስብን ኣብ ክቡር ነገር ክንጸንዕን ኣምላኽ ብጸጋኡ ይደግፈና።

ልዑል እግዚኣብሔር ብምሕረቱ ይተዓረቐና!

ቀሲስ ሓለፎም ዓንደማርያም 

ቀሲስ ሓለፎም ኣብ መንበረ ፓትርያርክ ሓላፊ ቤት መዝገብ ኮይኖም ንሓያሎ ዓመታት ዘገልገሉ ካህን እዮም።

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div