S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ምስ ዓለም ኣይንጸናበር

"እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ናብታ ኽትወርሳ እትኣትዋ ዘሎኻ ምድሪ ምስ ኣእተወካ፣ ብዙሓት ህዝብታትውን ካብ ቅድሜኻ ምስ ሰጐገልካኪዳን ኣይትተኣታተዎም። ኣይትዋሰቦም፣ ጓልካ ንወዱ ኣይትሃቦ፣ ጓሉ ኸኣ ንወድኻ ኣይትውሰድ። ንደቕኻ፣ ካልኦት ኣማልኽቲ ምእንቲ ኼምልኹ ካብ

ምስዓበይ ይመልሰኦም እሞ፣ ኵራ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሌኻ ይነድድ፣ ቀልጢፉ ኸኣ የጥፍኣካ። ከምዚ ደኣ ግበርዎም፣ መሰውኢታቶም ኣፍርሱ፣ ሓወልትታቶምውን ሰባብሩ፣ ጣኦታቶም ኣውድቑ፣ እተጸርበ ምስልታቶም ከኣ ብሓዊ ኣንድዱ። ንስኻስ፣ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ቅዱስ ህዝቢ ኢኻ’ (ዘዳ 7፣ 1-6)


እግዚኣብሄር፣ ብሕግታቱን ፍርድታቱን ብቕድስና ክንመላለስ፣ ንዕኡ ከነኽብሮ፣ ብዓቢኡ ድማ ናብታ ዘዳለወልና ዘልኣለማዊት ቤት ንኸእትወና፣ ኢሉ እዩ ንኹቡር ዕላማ ጸዊዕና። ስለዚ፣ ብኣዘራርባና ይኹን ብኣተሓሳስባናን፣ ብኣካይዳናን ድሌትናን ተግባራትናን፣ ምስ ዓለም ተጸናቢርና ካብዚ ዓቢ ምኽሪ ኣምላኽ ምእንቲ ከይንተርፍ ኣዚና ክንጥንቀቕ ይግብኣና እዩ። ብዙሓት ብሰንኪ ኣብ ኣካይዳኦም ዘርኣይዎ ሸለልትነት ኣብ ህይወቶም ዓቢ ጕድኣት ዘምጽኡ ከም ዘለዉ፣ ብዙሓት ካልኦትውን ህይወቶም ኵሉ ጊዜ ብፍርሃት እግዚኣብሄር ብምምራሕ ካብቲ እግዚኣብሄር ዝፍንርፍኖ ሓጢኣት ኩሉ እናረሓቑ፣ ጉዕዞኦም ብዓወት ዝዛዘሙ ከም ዘለዉ፣ ካብቲ ንመለበሚና ዝተጻሕፈ መጽሓፍ ቅዱስ ጽቡቕ ትምህርቲ ንረክብ ኢና።


ንኣብነት፣ ናይ ሲምሶን ታሪኽ እንተ ርኢና፣ ህይወቱ ብጽቡቕ እዩ ጀሚሩ፣ ንሱ ገና ከይተወልደ እንከሎ መልኣኽ እግዚኣብሄር ዝተዛረበሉ፣ ብህጻንነቱ መንፈስ እግዚኣብሄር ዝተመልአ ኮይኑ፣ ነንበሳ ከም ንምራኽ ገይሩ ዝሰላልዐ፣ ንፍልስጤማውያን ብዙሕ ሳዕ ዝቀጽዐ፣ ኮታ ንዕዮ እግዚኣብሄር ከምቲ ዝግባእ ዝትግብር ሰብ እዩ ነይሩ። እንተኾነ ግን ካብቲ ምኽሪ እግዚኣብሄር ወጺኡ ልቡ ናብ ምንዝርና ምስ ከደ፣ እቲ ዕላማ እግዚኣብሄር ምስ ዓለም ምስ ጸናበሮ፣ እግዚኣብሄር ሓዲግዎ፣ ኣምሳይኡ ድማ ብፍልስጤማውያን ተሳዒሩ።


ንዓለም ወይስ ነቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ኣይትፍተዉ፣ ሓደ እኳ ንዓለም እንተ ፈተዋ ፍቕሪ ኣቦ የብሉን። ኵሉ እቲ ኣብ ዓለም ዘሎ፣ ፍትወት ስጋ፣ ፍትወት ኣዒንትን ንብረት ትዕቢትን፣ እዚ ካብ ዓለም እዩ እምበር ካብ ኣቦስ ኣይኮነን።’ (1ዮሃ21516) ክርስትና ክንጅምሮ ከለና ብብዙሕ ጸጋ፣ መንፈስ እግዚኣብሄር ተመሊእና ከኣ ብዙሕ ዓበይቲ ኣገልግሎታት ንጐይታ ነገልግሎ ዝነበርና፣ ሕጂ ግን ከም ሲምሶን ንኣምላኽ ገዲፍና ምስታ ብሰይጣን ትመሓደር ዓለም ተጸናቢርና ክንህሉ ዝከኣል እዩ። ቃል እግዚኣብሄር፣


ብምሕዳስ ሓሳብኩም ተለወጡ እምበር ነዛ ዓለም እዚኣ ኣይትምሰልዋ።’ (ሮሜ 122) ይብለና። ሰይጣን ናይ ምዝንጋዕ መደባት፣ ዕላል፣ ጸወታ፣ ካልእ ሓጢኣት ዘይመስሉ ነገራት ገይሩ ነቲ ኣብ ውሽጥና ዘሎ መንፈስ እግዚኣብሄር ብምድኻም ብናይ ዓለም መንፈስ እዩ ከምልኣና ዝጽዕር። ከምቲ እግዚኣብሄር ንማሕበር ሰርዴስ ‘…ህያው ተባሂልካ ትስመ ኣሎኻ፣ ግናኸ ምዉት ኢኻ። ንግብርኻ ኣብ ቅድሚ ኣምላኸይ ምሉእ ኮይኑ ኣይረኸብኩዎን እሞ፣ ንቑሕ ኩን፣ ነቶም ክሞቱ ኢሎም ዘለዉ ካልኦትውን ኣበርትዓዮም።’ (ራእ 3፣ 1-2) ዝበላ፣ ስምና መንፈሳዊ ተባሂሉ ይጽዋዕ፣ ግብርናን ናብራናን ግና ዓለማዊ ይኸውን ኣሎ። ክንጽሊ ሓይሊ ንስእን፣ ቃል ኣምላኽ ከነንብብ ንታኸስ፣ ከም ሳዕቤኑ ድማ እቲ ክንረኽቦ ዝግብኣና በረኸት ኣምላኽ፣ ማለት ሰላም፣ ሓጐስ፣ ዕረፍትን ካልእ ፍረ መንፈስ ከምቲ ዝግባእ ክንረክብ ኣይከኣልናን ዘለና። ክሳብ ክንደይ ካብ ጸጋ ጐዲልና ከም ዘሎና ንሕሰብሞ ናብ እግዚኣብሄር ንመለስ።ደጊም ከምቲ ጐይታ ክርስቶስ የሱስ እተቐበልኩምዎ፣ ከምኡ ኢልኩም ብእኡ ተመላለሱ። ኣብኡ ተሰሪትኩምን ተሃኒጽኩምን ብምስጋና መሊእኩም፣ ከምቲ እተማሃርኩምዎ ዀይንኩም ብእምነት ጽንዑ።’(ቆሎ 2፣ 6-7)


ናብ ዮሴፍ ታሪኽ እንተ ርኢና ግና፣ ንእግዚኣብሄር ኵሉ ጊዜ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ገይሩ ይመላለስ ስለ ዝነበረ፣ ናይ ሓጢኣት ዕድመ ምስ ቀረበሉ፣ከመይ ገይረኸ እዚ ዓቢ ክፍኣትን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ከኣ ሓጢኣትን ክገብር እኽእል’ (ዘፍ 39 9) ብምባል ብፍርሃት እግዚኣብሄር ካብ ርኽሰት ክሃድም ከሎ ንርእይ። ዳኒኤልን ብጾቱን ከኣ ምእንቲ ከይረኽሱን፣ ምስቶም ካልኦት ኣህዛብ ከይጸናበሩ እሞ፣ ኣምላኾም ከይጕሂ፣ ብምሕላን፣ ነቲ ጥዑም ብልዒ ንጉስ ተሓሲሞም፣ ጥረታት ብምብላዕ ካብቶም ካልኦት ጸብለል ክብሉ ክኢሎም እዮም። ንካልኦት ኣማልኽቲ ክሰግዱን ከምልኹን ንዝቀረበሎም ዕድመ ንኣምላኾም ኣሚኖም ተሓሲመሞ። ንሱ ከኣ ፈጺሞ ኣየሕፈሮምን፣ ካብ ሃልሃልታ ሓውን ካብ ጉድጓድ ኣናብስን ብህይወት ኣውጺእዎም። ክብሪ ንእግዚኣብሄር ይኹን። ንእግዚኣብሄር ኣሚኑ ዝሓፈረ የለን፣ ስለዚ ንሕናውን ዝተፈላለየ ናይ ዓለም ጻውዒት፣ ናይ ርኽሰትን፣ ንኣምላኽና ባህ ዘየብል ነገር እንተ ኾይኑ፣ ዋላ ንጊዚኡውን ጥዑም እንተ መሰለ፣ ካብቲ ዘልኣለማዊ በረኸት ከትርፈና ስለ ዝኽእል ክንሕሰሞ ይግብኣና።


ከምኡውን፣ ናይ ካሌብ ታሪኽ እንተ ርኢና፣ ኣብቲ ኵሉ ህዝቢ እስራኤል ዘጕረምርመሉ ዝነበረ ጊዜ፣ ‘…ነቲ ህዝቢ ኣብ ቅድሚ ሙሴ ኣህደኦ፣ ኣጸቢቕና ንኽእላ ኢና እሞ፣ ንደይብ ደኣ ነታ ምድሪ ንውረሳ፣’ (ዘሁ 13፣ 30) በሎም። እቶም ምስኡ ክስልዩ ዝኸዱ ከምኡ ኢድ እግዚኣብሄር ዝረኣዩ ሰባት እዮም ነይሮም፣ እንተኾነ ንሳቶም ነቲ ዝረአ ጥራይ ዝርእዩ፣ በተሓሳስብኦም ይምርሑ ስለ ዝነበሩ፣ ንባዕሎም ተጨኒቖም ነቲ ህዝቢ ድማ ኣብ ጭንቀትን ኣብ ሓጢኣትን ኣውዲቖሞ። ካሌብ ግን ካልእ መንፈስ ስለ ዝነበሮ  ብትእምርትን ተኣምራትን ካብ ግብጺ ዘውጽኣቶም ኢድ እግዚኣብሄር ዘኪሩ ንርእሱ ዓሪፉ ከዕርፎም ክጽዕር እንከሎ ንርእይ። ሎሚ ክንደየኖት ኢና ከም ካሌብ በቲ ንርእዮ ዘለና ጊዚያዊ ሽግር፣ ኩነታት መነባብሮን ካልእን ከይተረበሽና ነቲ ምሳና ዘሎ ሰብ/ህዝቢ ከነህድኦ ንፍትን? እስከ ንርእስና ንመርምር እሞ ናብ እግዚኣብሄር ንመለስ፣ ከም ካሌብ ዲና ዘለና ወይስ ከምቶም ካልኦት ዓሰርተ ሰለይቲ! ሎሚ መብዛሕትና በቲ ዘጋጥመና ኩነታት ንርእስና ተረቢሽና ንካልኦት ሰባት ኣብ ጭንቀት ከነእቱ ኢና ንውዕል ዘሎና። ካሌብ ነዚ ካልእ መንፈስ ተባሂሉ ተጻሒፉ ዘሎ መንፈስ እግዚኣብሄር ካብ ገዛእ-ርእሱ ዘምጽኦ ክእለት ኮነን፣ እንታይ ድኣ ኣብ እግዚኣብሄር ብትሕትና ብምቕራብ ዝረኸቦ ጸጋ እዩ።


ቃል እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ‘..ዝጸምኤ እንተሎ፣ ናባይ ይምጻእ እሞ ይስተ። ብኣይ ዚኣምን፣ እቲ ጽሑፍ ከም ዝበለ፣ ካብ ከብዱ ርባታት ማይ ህይወት ኪውሕዝ እዩ።’ (ዮሃ 738) እቲ ወሳኒ ሕቶ ክሳብ ክንደይ ንእግዚኣብሄር ጽምኣት ኣለና እዩ። ንእግዚኣብሄር ቅረብዎ፣ ንሱ ኸኣ ክቐርበኩም እዩ ዝብል ጽሑፍ ስለዝኾነ፣ ብመጠን ንእግዚኣብሄር ዝቐረብናዮ፣ መንፈሱን ሓይሉን መሊእና ካብ ውሽጥና  ባታት ማይ ህይወት ማለት፣ ንኻልኦት ንህይውትን ንበረኸትን ምኽንያት ክንከውን ንኽእል ኢና። ስለዚ፣ ጊዜ እንከለና ጊዜ ዓዲግና ከም ለባማት፣ ነቲ ኣዝዩ ዘድሊ መንፈሳዊ ህይወትና ቀዳምነት እናሃብና ንሓቐኛ ጸሎትን ንቓል ኣምላኽን ርእስና ንወፊ። ከምቲ ጳውሎስ ንጢሞቲዎስ ዝመዓዶ፣ ‘…ንነገር ቅለትን ንዕላል ኣንስትን ካባኻ ኣርሕቖ። ንርእስኻ ግና ኣምልኾ ኣልምዳ።... እዚ ኣጸቢቕካ ሕሰብ፣ እናወሰኽካ ትኸይድ ከምዘለኻ፣ ኣብ ዅሉ ምእንቲ ክግለጽ፣ ነዚ ነገርዚ ብምሉእ ርእስኻ ወፊ።’ (1 ጢሞ 4፣ 7-14) ስለዚ፣ ጢሞቲዎስ ብቓል፣ በካይዳ፣ ብፍቕሪ፣ ብእምነት፣ ብንጽህና፣ ኣርኣያ ምእንቲ ክኸውን፣ ኣብ ምንባብን ምምዓድን ምምሃርን ከቕልብን፣ ካብቲ እግዚኣብሄር ዝሃቦ ጸጋ ምእንቲ ከይጐድል ከኣ ኩሉ ሳዕ ክጋደልን፣ ብምሉእ ልቡ ናብ እግዚኣብሄር ክቐርብን፣ ከም ዘለዎ ጳውሎስ ምዒድዎ። እዚ ማዕዳዚ ንዓናውን ብማዕረ ይምልከተና እዩ፣ ህይወትና ብመጠን ንጐይታ ዝወፈናያ፣ ብእኡ መጠን ክንረኽባ ኢና።ምድሓን ነፍሱ ዝደሊ ከጥፍኣ እዩ እሞ፣ እቲ ንነፍሱ ምእንታይ ዜጥፍኣ ግና፣ ንሱ ከድሕና እዩ። ሰብከ ብዘላ ዓለም ረቢሑስ፣ ነፍሱ እንተ ጐድኣ ወይስ እንተ ኣጥፈኣ፣ እንታይ ይጠቕሞ።’ (ሉቃስ 8፣ 24-25) ስለዚ ከም ሲምሶን ንኣዝዩ ጊዝያዊ ተድላ፣ ንምዝንጋዕ፣ ንገንዘብ፣ ንካልእ ናይ ዓለም ነገራት ክንብል ነቲ ኣዝዩ ክቡር ነገር ከይነጥፍኦ ኣዚና ክንጥንቀቕ ይግብኣና። ብኣንጻሩ ከም ዮሴፍ፣ ዳኒኤል፣ ካሌብን ነቲ እግዚኣብሄር ዘፍቕሮ ከነፍቅር፣ ነቲ እግዚኣብሄር ዝጸልኦ ከኣ ክንጸልእ፣ ንእግዚኣብሄር ኵሉ ጊዜ ኣብ ቅድሚ የዒንትና ክንገብሮ፣ ብብርሃን ክንመላለስ፣ እቲ መብረሲ ከይድይበና እሞ ድሓርውን ምውራድ ከኣይኣብየና፣ ኵሉ ጊዜ ኣብ ስፍራ ጸሎትና ክንርከብ ይይግብኣና።

እግዚኣብሄር ይደግፈና። ኣሜን።

                      መዝሙር

እቲ ክቡር ካብ ሕሱር ክፈልዮ ርድኣኒ

እቲ ቡር ካብ ሕሱር ክፈልዮ የሱሰይ ርድኣኒ 

ናይ ዛቤል መንፈስ ከየሰምብደኒ

ከይደክም ኣብ ሞንጐ ድቃስ ከይወስደኒ

ከምቲ ንኤልያስ ባርያኻ ዝመገብካዮ

ብሓይልኻውን ዘተንሳእካዮ

ኣምላኸይ መግበኒ ናይ ኢዛቤል መንፈስ ከየርክበኒ

ኣምላኸይ ሓግዘኒ ጸጋኻ ኣብዝሓለይ

ክቡር ካብ ሕሱር ክፈልዮ ርድኣኒ የሱሰይ

ምስ ደሊላ ክጻወት ጸጋይ ከየጥፍኦ

እቲ ምስ ሸውዓት ሽልበት መፋልስ ከይዘርጐ

ከም ዮሴፍ ባርያኻ ንዅሉ ሓዲገ

ጸጋይ ንኽዕቕብ ካብ ርኽሰት ሃዲመ

ኣምላኸይ ሓይሊ ሃበኒ እቲ ናይ ውሽጢ ሰበይ ከይደኽመኒ

ኣምላኸይ ሓግዘኒ ጸጋኻ ኣብዝሓለይ

ክቡር ካብ ሕሱር ክፈልዮ ርድኣኒ የሱሰይ

ከምቲ ዓለወኛ ልቡ ቀጥ ዘይበለ

መንፈሱውን ናብ ኣምላኽ ዘይተኣመነ

ወለዶ ከይኸውን ተሪር ዝኽሳዱ

ከም ካሌብ ባርያኻ ንህይወተይ ሓሉ

ኣምላኸይ ኣጽንዓኒ ብተስፋ መንፈስካ ኣሀብትመኒ

ኣምላኸይ ሓግዘኒ ጸጋኻ ኣብዝሓለይ

ክቡር ካብ ሕሱር ክፈልዮ ርድኣኒ የሱሰይ

ኣብዚ ክፉእ ዘመን ምስትውዓል ዘድልዮ

ብኸመይ ከም ዝመላለስ ኣርጊጸ ክፈልጦ

ምስ ዝመጽእ ንፋስ ንየው ነጀው ከይብል

ኣባኻ ሓቀኛ ኣምላኽ ጸኒዐ ደው ክብል

 ኣምላኸይ ሓግዘኒ

  ክቡር ካብ ሕሱር ክፈልዮ ርድኣኒ የሱሰይ

 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div