S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ኣታ ወደይ! ንእግዚኣብሔር ከተገልግል እንተ ደኣ ኴንካ፥ ገዛእ ርእስኻ ንፈተና ኣዳሉ (ሲራክ 2፡ 1)።  ርሑስ ሓድሽ ዓመት ይግበረልና! ነዚ ንጅምሮ ዘሎና ፳፻፬ (2004) ዓ.ም ዘመን ሰላምን ቅሳነትን ኣዋጅ ናይ ምሕረትን በረኸትን ጥዑም ብሥራትን ኣምላኽ ከስምዓና ቅዱስ ፍቓዱ ይኹን። ከም ውሉድ እግዚኣብሔር መጠን ንእግዚኣብሔር ምግልጋል ኣብዛ ምድሪ መወዳድርቲ ዘይርከቦ ዓቢይ

 መንፈሳዊ ጸጋ እዩ። እዚ ግና ነቶም ብጽኑዕ እምነትን ተስፋ ሰማያትን ዝጽበዩ ሓቀኛታት ኣመንቲ ደኣ እምበር፥ ንስሱዓትን ጎደሎ እምነትን ዝምልከት ጉዳይ ኣይኮነን። ምኽንያቱ እቲ ከገልገል ዝመደብ ሰብ ንባዕሉ ብሥጋን ነፍስን ክረብሕ ደኣ እምበር፡ እግዚኣብሔርሲ በቶም ረቂቕቲ መላእኽትን ቅዱሳን ሰባትን ወትሩ ዝተመስገነ “ምሉእ በኩለሄ” ምዃኑ ንምርዳኡ ዘጸገም ኣይኮነን። ኣብ ኣርእስቲ እዚ ጽሑፍ ብንጹር ተጻሒፉ ከም ዘሎ፡ እቶም ኣብ ዕዮ እግዚኣብሔር ክሳተፉን ዓስቢ ቅዱሳን ክቕበሉን ሠናይ ድሌት ዘለዎም ሰባት፡ ቅድም ገዛእ ርእሶም ንፈተና ከዳልዉ ከም ዝግብኦም ኣብሪሁልና ኣሎ። ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስውን ነቶም 12 ሓዋርያት ሓርዩ “ርኹሳት መናፍስቲ ከውጽኡ፥ ንብዘሎ ሕማምን ድናሰን ከሕውዩ፥ ሥልጣን ምስ ሃቦም “እንሆ ኣነ ከም ኣባጊዕ ናብ ማእከል ተዃሉ እሰደኩም ኣሎኹ” ኢሉ ከም ዝኣዘዞም ኣብ ቅዱስ ወንጌል ተጻሒፉ ንርኽቦ መሠረታዊ ሓቂ እዩ። ስለዚ እምበኣር ከምቲ ሕልሚ ፈሪሕካ ከይደቀስካ ዘይሕደር፡ ንሕና ኦርቶዶክሳውያን ኣመንቲውን ንፈተና ዓለም ፈሪሕና ንእግዚኣብሔር ካብ ምግልጋል ከነቛርጽ ፍጹም ዝግባእ ኣይኮነን።


ፈተና ዝብል ቃል ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብተደጋጋሚ ኢና ንረኽቦ። ኣብ ዕለታዊ ሕይወትናውን ዝተፈላለዩ ፈተናታት የጋጥሙና እዮም። ይኹን እምበር ብመሠረቱ ምፍታን ኃጢኣት ኣይኮነን። እግዚኣብሔር ከኣ ንዓና ፈተና ከርሕቐልና መብጽዓ ኣይኣተወልናን። ከመይሲ ኢየሱስ ክርስቶስውን ተፈቲኑ እዩ። ኣብ ግዜ ፈተና ድማ ኣምላኽ ጸጋን ትዕግሥትን ሂቡ ብቅኑዕ መገዲ ንኽመርሓካ ብጸሎት ምንቃሕ እምበር፡ ካብ ፈተና ክትሃድም ምፍታንን ተስፋ ምቝራጽን ግቡእ ኣይኮነን። ፈተና ነቶም ኣብ ሓቂ ዝጸንዑ ምኽንያት ንዓወት፥ ነቶም ዝሰነፉ ድማ ምኽንያት ንወድቀት ክኸውን ዝመጸእ ናይ ሕይወት መርመራ እዩ። ስለዚ እምበኣር ብፈተና ተሳዒርካ እንተ ወዲቕካ እዩ ኃጢኣት ዝበሃል። ንኣብነት ኣዳምን ሔዋንን ብፈተና ሰይጣን ተሳዒሮም ኣብ ሓጢኣት ክወድቁ ከለዉ፥ ብኣንጻር እዚ ከኣ እሙን ዮሴፍን ኢዮብን ጻድቕ ግና ወላኳ ብከቢድ ፈተና እንተ ሓለፉ፡ ንሕማቕ ፈተና ብጸሎትን ትዕግሥትን ስለ ዝሰገርዎ እምነቶም ናብ ዝበለጸ ዓወትን ዘለዓለማዊ ሕይወትን ኣብጺሕዎም እዩ (ዘፍ 37)


እምበኣር ናብ ኣርእስትና ክንምለስ እሞ ስለ ምንታይ እዩ መጽሓፍ ቅዱስ “ንእግዚኣብሔር ከተገልግል እንተ ደኣ ኴንካ ገዛእ ርእስኻ ንፈተና ኣዳሉ” ዝበለ ኢልና ክንሓትትን መልሱ ክንረክብን ግዴታ ናይ ኩልና ኣመንቲ ክርስትና እዩ። ኣምላኽ ንፈተና ክንዳሎ ዘጠንቀቀና ምኽንያት ኣብ ልዕሊ ኩሉ ፈተና ክንዕወትን ኣኽሊል ሕይወትን ክንቅበልን ኢሉ ደኣ እምበር ኣብ መፈንጠራን መከራን ልዕሊ ዓቅምና ኣብ ዝኾነ ጸበባን ክንእቱ ደልዩና ኣይኮነን። እኳ ደኣ ኣምላኽ “ካብ ዓቕምኹም ንላዕሊ ክትፍተኑ ኣይሓድገኩምን ኢዩ። ምጽዋሩ ምእንቲ ክትክእሉ ግና ኣብቲ ፈተናኹም መዋጽኦ ገይሩልኩም ኣሎ” ዝብል እሙን ቃል ምኽሪ ኢዩ ሂቡና ዘሎ። 1ቆሮ 10፡13። ብሓፈሻ ግና ነቶም ንኣምላኽ ዘገልግሉ ሰባት ስለ ምንታይ ፈተና ይወርዶም ንዝብል ሓታቲ እዚ ዝስዕብ መብርሂ መልሲ ክኾነና ይኽእል።

  • ኢየሱስ ክርስቶስ “ዓለም እንተ ጸልኣትኩም ቅድሜኹም ንዓይ ከም ዝጸልኣትኒ ፍለጡ” ስለ ዝበለና፥ ዮሓ 15፡18።
  • ንሕና ናይ ኣምላኽ ስለ ዝኾንና፡ ብዘላ ዓለም ግና ኣብ ትሕቲ ግዝኣት እቲ ክፉእ (ሰይጣን) ከም ዘላ ንፈልጥ ኢና” ዝብል ጽሑፍ ስለ ዘሎ። 1 ዮሓ 5፡19።
  • ጎይታ ባዕሉ “ብርሃን ናብ ዓለም መጸ ደቂ ሰብ ግና ግብሮም ክፉእ ስለ ዝኾነ፡ ካብ ብርሃን ጸልማት ፈተዉ” ኢሉ ስለ ዝነገረና። ዮሓ 3፡19 ።

v  ኣቦታትና ሓዋርያት “ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ክንኣቱ ዝግብኣና ብብዙሕ ጸበባ እዩ” ዝብል ኃይለ ቃልን ግሩም ማዕዳን ስለ ዝሓደጉልና ነቶም ብሓቅን ጽድቅን ንእግዚኣብሔር ዝስዕቡ ዘገልግሉን ሰባት ዝተፈላለየ ፈተና ክገጥሞም ግድን እዩ። ግሓ 14፡22 ።

ብመሠረቱ ኣብዛ ምድሪ ዓለም ጽቡቕ ዝገበረ ጽቡቕ ዝፍደ እንተ ዝኸውንሲ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ዕንጨይቲ መስቀል ኣይምተሸንከረን። ንሞትውን ኣሕሊፎም ኣይምሃብዎን ነሮም። ኣብ ምስላ ሃገርናውን “ገባሪ ጽቡቕ ከም ኢዱ እንተ ዝፍደሲ ብዕራይ ድቋ ምሰተየ” ዝብል መልእኽቲ ሓዘል ማዕዳ ይወሃበና ኢዩ። እምበኣርከስ መነንቲ መነኮሳት ይኹኑ ኣገልገልቲ ካህናት፥ መዘምራን ይኹኑ ዲያቆናት፥  ኣንስቲ ይኹና ወይ ሰብኡት፥ ኩሎም ክርስቶሳውያን ኣመንቲ ብግዜ ራህዋ ይኹን ብጊዜ ፈተና ኩሉሳዕ ኣብ ኦርቶዶክሳዊት እምነትና ጸኒዕና፡ ከም ሓዋርያ ጳውሎስ “ካብ ፍቕሪ ክርስቶስ ዚፈልየና መን እዩ? …….. መከራዶ፥ ጸበባዶ፥ ስደትዶ፥ ጥሜትዶ፥ ዕርቃንዶ፥ ድንገትዶ ወይስ ሞት፥ …….. መላእኽቲ ኾኑ ገዛእቲ፥ ዘሎ ኮነ ዚመጽእ፥ ኃይልታት ላዕለዋይ ኮነ ታሕተዋይ፥ ካልእ ፍጥረትውን እንተ ኾነ፡ ካብታ ኣብ ክርስቶስ ኢየሱስ ጎይታና ዘላትና ፍቕሪ ኣምላኽ ከቶ ኺፈልየና ዚኽእል ከም ዘየልቦ ኣረጋጊጸ ኣሎኹ” ዝብል ክቡር መንፈሳዊ ዕላማ ሒዝና  ክሳብ ሞት እሙናት ክንከውን ብሓቂ ይግብኣና እዩ። ሮሜ 8፡35-39።  

ብሓፈሻ ናይዚ ዘሎና ዘመን ክርስቲያና መብዝሕትና “ናብራና ከም ነዌ ዓስብና ከም ኣልኣዛር” ክኸውን እንደሊ ሰባት ብዙሓት ኢና። እዚ ግና ክልተ ዘይሰማማዕ መጻርርቲ ድሌት ምዃኑ ከነስተውዕል ይግባእ። ኣብዚ ዓለም ብሥጋና ኣዝዩ እንተ ጥዒሙና ብነፍስና ግና ደኺምና ከም ዘሎና ክርዳእ የድሊ። ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስውን ኣብዚ ዓለም ክጥዕመኩም እዩ ዘይኮነስ ኣብዚ ዓለም መከራ ኣሎኩም ኢሉ እዩ ኣጠንቂቑና። ካብዚ ሓሊፉውን “እቲ መስቀሉ ፀይሩ ደድሕረይ ዘይስዕብ ንዓይ ኣይበቅን እዩ። ንሕይወቱ ዝረኽባ ኬጥፍኣ እዩ፥ ንሕይወቱ ምእንታይ ዜጥፍኣ ኸኣ ኪረኽባ እዩ” ኢሉውን ሓቢሩና ኣሎ። ማቴ 10፡38። ካብዚ መሠረታዊ ሓቂ ተበጊስና እምበኣር ንፍርሕን ምጥርጣርን፥ ንጥልመትን ስስዕትን ካባና ኣርሒቕና ጻዕርና ብኣምላኽ ከንቱ ከም ዘይኮነ ተረዲእና ኣብ ሃይማኖትና ጽኑዓትን ዘይንነቓነቕን ብዕዮ ጎይታ ወትሩ ምሉኣት ክንከውን ኦርቶዶክሳዊ ሓላፍነትና ምዃኑ ኣይንዘንግዕ።

ልዕሊ ኹሉ ድማ እታ ብክቡር ደም ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ተመሥሪታ፡ ብስብከትን ሓዋርያትን ብደም ሰማታትን ብጸሎት ቅዱሳንን ዝፈረየት ቅድስት ቤተ ክርስቲያን፡ ብሰንሰለታዊ ሕድሪ እምነት ኣብ ዘመንና ምስ በጽሓት ንሕሜታን ጸርፍን፡ ፈተናን ስደትን ፈሪሕና ካብቲ መገድን ሓቅን ሕይወትን ዝኮነ ኣሰር ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ክንዘብል ብፍጹም ዝግባእ ኣይኮነን። ኣምላኽ ድማ መንፈስ ኃይልን ፍቕርን ገዛእ ርእስኻ ምግታእን እምበር መንፈስ ፍርሓት ኣይሃበናን። 2ጢሞ 1፡7። ኣብ መደምደምታ እምበኣር ካብ ቅዱስ ወንጌል ነቲ “ኣብ ቅድሚ ሰብ ንዝተኣመነኒ ኩሉ ኣነ ኸኣ ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ክእመኖ እየ። ኣብ ቅድሚ ሰብ ንዝኸሓደኒ ግና ኣነ ድማ ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ክኽሕዶ እየ” ዝብል ናይ ክርስቶስ መልእኽቲ ብምዝኽኻር፡ ኣብ ቅኑዕ መገዲ እምነት ኣሎና እናበልና ኣብ ጉጉይ ጎደና ዓለማውነት ከይንህሉ ነፍሲ ወከፈና መገድና ክንዕዘብን ኣካይዳና ክንምርምር በዚ ኣጋጣሚ ክሕብር ይፈቱ። ነቲ  ኣብ ኣርእስቲ ጽሑፍና ተጠቒሱ ዘሎ “ወልድየ ለእመ ፈቀድከ ትትቀነይ ለእግዚኣብሔር፡ ኣድሉ ርእሰከ ለምንዳቤ ! ዝብል ክቡር ማዕዳ ድማ ዕለታዊ መምርሒና ክንገብሮ ሠናይ ምዃኑ ክንፈልጦ የድሊ። ልዑል ኣምላኽ ንኹሉ ፈተና ንዕወተሉ ሰማያዊ ጸጋ ይዓድለና።

ቀሲስ ሓለፎም ዓንደማርያም

ቅዱስ ሚካኤል ቤተ ክርስቲያን ሻርሎት

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div