S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ሜሮን ህላውነት ጸጋ መንፈስ ቅዱስ ኣባና ማለት እዩ (8ይ ክፋል )

እቲ ዝቕድስ እግዚኣብሔር ኣምላኽ፡ኣነ እግዚኣብሔር ኣምላኽኩም እየ፡ ስለዚ ንስኻትኩም ተቐደሱ ቅዱሳት ድማ ኵኑ። ሕጋጋተይ ሓልዉ፡ ግበርዎውን። ዝቕድሰኩም ኣነ እግዚኣብሔር እየ” (ለዋ፡ 207-8) ከም ዝበለ፡ እቲ ሳልሳይ ኣካል ቅድስቲ ሥላሴ ዝዀነ መንፈስ ቅዱስ ብዝደለዮ፡

ብመገዱ ንዝደለዮን ዝደለየን ዝቅድስ ንሱ እዩ። ንሱ እንተደለየ ከምቲ ንሓዋርያት ብሓዊ ዝተገልጸሎም፡ ብሓዊ ክቕድሰና ይኽእል እዩ። እንተደለየ ከምቲ ጐይታ ንሓዋርያት ኡፍ ምስ በለሎም መንፈስ ቅዱስ ተቐበሉ ተባሂሉ ዝተጻሕፈ፡ ብእስትንፋስ ክቕድሰና ይኽእል እዩ። እንተደለየ ብኣንብሮተ ኢድ ቅዱሳን ክቕድሰና ይኽእል እዩ። እንተደለየ ብኣምሳል ርግቢ ክቕድሰና ይኽእል እዩ። እንተ ደለየ ድማ ሓንሳብ ንሓዋሩ በቲ ዘይልወጥ ህላዌኡ ንዘኣለማዊ ቅድስናኡ ብሜሮን ክሓትመና ይኽእል እዩ። ሜሮን ዝልከን ዝተሓዝን በዒንቲ ዝረኤን ኣብ ኣካላት ዝቕባእን ቅዱስ ቅብኢ እዩ። ነዚ ቅብኢ እዚ እግዚኣብሔር ባዕሉ፡እዚ ንዉሉድ ወለዶኹም ዘይቲ ቅዱስ ቅብኢ ይኹነለይስለ ዝበለ፡ ሜሮን፡ ንህላውነት ጸጋ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ህይወትና ዝትርጕም ቅዱስ ቅብኢ እዩ። እንተ ኵነ ሓዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባ እዚ ቅዱስ ሕትመት እዚ ክዛረብ ከሎ፡ ነቲ ንመዓልቲ ምድሓን እተሓተምኩምሉ ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ኣይተጕህይዎ (ኤፈ፡430) ከም ዝበለ፡ ነቲ ንመዓልቲ ምድሓን ብጸጋ መንፈስ ቅዱስ ዝተሓተምናሉ ቅዱስ ቅብኣ እንታይ ንገብሮ ኣሎና፧ ምስኡዶ ንመላለስ ኣሎና፧ ወይስ ብሥጋዊ ትምኒትና ተመሊኽና ብዘይ መገድና እናኸድና ነጕህዮ ኣሎና፧ ናይ ሎሚ ትምህርትና ድማ ብዛዕባ እዚ ኣብ ቤተ ክርስቲያና ኩሉ ግዜ እንርእዩ ኩላትና ብእኡ ንድሕነት ዝተቐባእናን ዝተሓተምናን ዘገርም ዝዀነ ንህላውነት መንፈስ ቅዱስ ዝትርጕም፡ ሜሮን እዩ።

መንፈስ ቅዱስ ብብዙሕ መገዲ ክሓትም ይከኣል እዩ።

  1. ብኣምሳል ህላውነት ሓዊ ንድሕነት ይሓትም (ዘህ፡ 3121-23 ግብ፡2)
  2. ብኣምሳል ህላውነት ማይ ንድሕነት ይሓትም (ዘህ፡31 23)
  3. ብትንፋስ ቅዱሳን ንድሕነት ይሓትም (ዮሃ፡ 1923)
  4. ብኣንብሮተ ኢድ ቅዱሳን ንድሕነት ይሓትም (ግብ፡ 816)
  5. ብኣምላል ርግቢ ንድሕነት ይሓትም (ዘፍ፡12  ዮሃ፡ )
  6. ብቕብኣ ሜሮን ንድሕነት ይሓትም (ዘጽ፡3022-32)

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ንሜሮን ካባይ ኣምጽኣቶ፧

እስራኤል ነቲ ናታ ምስ ተሓሰመቶ ቤተ ክርስቲያን ኣልዓለቶ።

ከመዮ እቲ ጽሑፍእቲ ቐዳማዩ ቅዱስ እንተ ዀነ፥ እቲ ብሑቝ ከኣ ቅዱስ እዩ። እቲ ሱር ቅዱስ እንተ ዀነ ኸኣ፥ ጨንፈርውን ቅዱስ እዩ። ካብቶም ጨነፍር ሓያሎ እንተ ተሰብሩ እሞ ንስኻ፥ ኣውሊዕ በረኻ ክነስኻ፥ ኣብ መንጎኦም እንተ ተተኸልካ፥ ካብቲ ሱርን ማራ ኣውልዕን ድማ ተማቓሊ እንተ ዀንካ፥ ኣብቶም ጨነፍር ኣይትከበር (ሮሜ 1115-18) ከም ዝበለ። እስራኤል ነቲ ካብ እግዚኣብሔር ዝተዋህበ ቅዱስ ዘበለ ጸጋ፡ ናተይ ስለ ዘይበለቶ፡ ብሰንኪ ውድቀታ፡ እታ ብመሰረታ ኣብቲ ጕንዲ ዘይነበረት፡ በብሓደ ካብ ኣህዛብ ዝተጸውዔት ቤተ ክርስቲያን፡ ብክርስቶስ ኣቢላ ኣብ ማእከል ስለ ዝተተኽለት፡ ንጸጋ እግዚኣብሔር ወናኒቱ ኰነት። እዚ ማለት ድማ፡ እስክንድርያዊት ቤተ ክርስቲያን ንክርስቶሳዊ መሰላ ተጠቒማ፡ ነቲ ዝቕድስ ጸጋ፡ ቅድም ከምቲ ሓዋርያት ንተጠመቕቲ መንፈስ ቅዱስ ምእንቲ ክቕበሉ፡ ብኣንብሮተ ኢድ ዝሓትምዎም ዝነበሩ፡ ብኣንብሮተ ኢድ መንፈስ ቅዱስ ትሓትም ነበረት። ዳሕራይ ግና እቲ ዕዮ እናዓበየን እናሰፍሔን ናብ ኩሉ ገጠራትን ከተማታትን ስለ ዝበጽሔ፡ ማለት ኣመንቲ እናበዝሑ ምስ ከዱ፡ ሓዋርያዊ ተልእኾኣ ናብ ኩሉ ክባጻሕ ኢላ፡ ንተጠመቕቲ ኣብ ክንዲ ብኣንብሮተ ኢድ፡ ብሜሮን መንፈስ ቅዱስ ክቕበሉ ገበረት።

ኣመጻጽኣ ሜሮን ናብ ቤተ ክርስቲያን

ታሪኽ እቲ ቀዳማይ ሜሮን ግብጻዊት ቤተ ክርስቲያን ዝረኸበቶ፡ ከምዚ ይብል፡ ጐይታ ኣብ ቢታንያ ኣብ ቤት ስምኦን፡ እቲ ለምጻም፡ ኣብ መኣዲ ተቐሚጡ ኸሎ፡ ሓንቲ ሰበይቲ ብዙሕ ዝዋግኡ ጽሩይ ቅብኢ ናርዶስ ዝመላኤ ቢልቓጥ ሒዛ መጸት። ነቲ ቢልቓጥ ሰቢራ ኸኣ ኣብ ርእሱ ኣፍሰሰቶ እሞ ደቀ መዛምርቱ ኣጕረምረሙ (ማር፡ 14: 3-4) ጐይታ ግና ሕደጉዋ ንቐብረይ ከተዳልወኒ ደልያ እያ ክብል መለሰሎም። እንደገና ብዛዕባ እቲ ጐይታ ንቐብረይ ከተዳልወኒ ደልያ ዝበሎ ኣብ ግብሪ ክፍጸም ከሎሰንበት ምስ ሓለፈት፡ ማርያም ብዓልቲ መግደላን ኣደ ያኢቆብን ሰሎሜን ከይደን ኪለኽያኦ ቕዲት ዓደጋ” (ማር፡ 161 ሉቃ፡ 241) እዚ ዝምህረና ኣይሁዳውያን ዝሞተ ሰብ ሓደ መዓልቲ ብግዜ ትንሳኤ ሙታን መንፈስ ቅዱስ ከተንሥኦ እዩ ኢሎም ይኣምኑ ስለ ዝነበሩ፡ ንሬሳ መዋቲ፡ ሜሮን ይቐብእዎ ከም ዝነበሩ፡ ታሪኽ ኣይሁዳውያንን መጽሓፍ ቅዱስን ብግሁድ ይዛረብ። ጐይታ ብህይወቱ ከሎ ድማ፡ ሓያሎ ኣንስቲ ይስዕብኦ ነበራ እሞ፡ ጐይታ ሞይቱ ምስ ተቐብረ፡ እተን ኣንስቲ ካብዚ ትውፊት እዚ ተበጊሰን፡ ንሬሳ ጐይታ ብሜሮን ክቐብእኦ ኢለን፡ ናብ መቓብር ይኸዳ ነበራ። ጐይታ ምስ ተንሥኤ ግና፡ ነቲ ሒዘንኦ ዝነበራ ተረፍ ሜሮን፡ ኣብታ ላዕለወይቲ ደርቢ ተባሂላ እትጽዋዕ ቤተ ማርቆስን ኣዲኡን፡ ኣቐሚጠንኦ ነበራ። ድሕሪ መንፈስ ቅዱስ ብኣምሳል ልሳነ ሓዊ ኣብ ልዕሊ ሓዋርያት ምውራዱ፡ ሓዋርያት ዅሉ ጐይታ ዝፈጸሞ፡ ብመሰረት ብሉይ ኪዳን ከም ዝዀነን፡ ሓደ ካብቲ መዕደል ጸጋ መንፈስ ቅዱስ ድማ፡ ሜሮን ከም ዝዀነ ስለ ዘስተውዓሉ፡ ነቲ ብግዜ ሙሴ ዝተስርሔ እተን ኣንስቲ፡ ኣብ ላዕለዋይ ደርቢ ኣቐሚጠንኦ ዝነበራ ጐይታ ዝተቐብኣሉ ሜሮን ሓዊሶም፡ ከም ኣሰራርሓ ሙሴ፡ ጽሩይ ዘይቲ ኣውሊዕን ዘድሊ ቀመማትን ሓዋዊሶም፡ ነቲ ጸኒሕ ሙሴ ዝሰርሖን፡ ነቲ ንሳቶም ከም ብሓዱሽ ዝሰርሕዎን ሓዊሶም ንሓድሕዶም ተማቐልዎ ክብል ትውፊት ቤተ ክርስቲያንን ሓያሎ ጸሓፍትን ይዛረቡ።


ኣብ ግዜና ሜሮን ድሕሪ ጥምቀት ንሓዱሽ ትንሳኤን ንህላዌ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ህይወትና ዝቐብኣ ቤተ ክርስቲያናት፡ እተን ብቀጥታ ሰንሰለታዊ ኣመጻጽኣኤን ካብ ሓዋርያት ዝዀና ኦሮንታል ኦርቶዶክሳውያን ትባሂለን ዝጽውዓ፡  እስክንድርያ፡ ኤርትራ፡ ኢትዮጵያ፡ ማላባር (ህንዲ) ሶርያ፡ ኣርመንያ፡ ክዀና ከለዋ፡ ናይ ምብራቕ ኦርቶዶክሳውያንን ኩላተንን፡ ሮማን ካቶሊክን፡ ምብራቅ ኣሲርያን፡ ኣንገሊካንን ከምኡውን ካብ ፕሮተስታንት ከም ሉተራውያን ክዀና ከለዋ። እተን ካልኦት ፕሮተስታንት ግና፡ ገለ ክጥቀማሉ ከለዋ፡ ገለ ድማ ብኻልእ ኣገባብ ጌረን ይጥቀማሉ።

ካብተ ኣብቲ ግዜ እቲ ዝተሰረታ ሓዋርያዊ ሰንሰለት ዘለውን፡ ብውሕዱ ኣርባዕተ ዝዀና ዓበይቲ ቤተ ክርስቲያናት፡ ክሳዕ ሕጂ ኣብ ኣርባዕቲኡ መኣዝናት ዓለም ዝነብራ ዘለዋ፡ እንተ ተወከስና፡ እዚ ቅዱስ ቅብኢ እዚ ብኢድ ሓዋርያት ከም ዝመጸን ዝምስክራ። 

  1. ቤተ ክርስቲያን ማላባር ህንዲ ሓዋርያ ቶማስ ቅዱስ ሜሮን ከም ዘምጽኣላ ታሪኻ ይምስክር።
  2. ቤተ ክርስቲያን ኣርመን ሓዋርያ ታዴዎስ ቅዱስ ሜሮን ከም ዘምጽኣላ ታሪኻ ይምስክር።
  3. ቤተ ክርስቲያን ኣሲርያ ሓዋርያት ነቶም ሽዑ ዝነበሩ ኣቦታት ማር ኣዲ፡ ማር ማሪ፡ ማር ቱማ፡ ከም ዝሃብዎም፡ ታሪኻ ይምስክር።
  4. ቤተ ክርስቲያን ግብጺ ብወንጌላዊ ማርቆስ ካብ ኢዮሩሳሌም ከም ዘምጽኣላ ታሪኻ ይምስክር።

ማርቆስ ኣምጽኤ ኣትናቴዎስ ቀጸለ።

ጀማሪ ቤተ ክርስቲያን እስክንድርያ ወንጌላዊ ማርቆስ ስለ ዝዀነ፡ ንእስክንድርያ ክመጽእ ከሎ፡ ካብቲ ድሮ ብሓዋርያት ኣብ ቤቱ ዝተዳለወ ቅዱስ ቅብኢ ሒዙ፡ ናብ ግብጺ ከም ዝመጸ ታሪኻ ይዛረብ። ቅዱስ ማርቆስ ንምዕዳል መንፈስ ቅዱስ ይጥቀመሉ ከም ዝነበረውን ይንገር። ብድሕሪኡ ዝመጹ ፓትሪያርክታት እስክንድርያውን ይጥቀሙሉ ከም ዝነብሩ ብሰፊሑ ይዝንቶ። እቲ ቅብኣ እቲ ክሳብ ቅዱስ ኣትናቴዎስ ሓዋርያዊ መበል 20 ፓትሪያርክ እስክንድርያ ዝነበረ ቀጸለ። ኣብ ግዜ ፓትሪያርክ ኣትናቴዎስ ግና እቲ ዝነበረ ሜሮን፡ ክቕንስ ስለ ዝጀመረ፡ ፓትሪያርክ ኣትናቴዎስ፡ ከምቲ እግዚኣብሔር ንሙሴ ዝኣዘዞ ኣብ ዘጽኣት ምዕራፍ 30 ዘሎ፡ ጽሩይ ዘይቲ ኣውሊዕን ኩሉ ካልእ ቀመማትን ኣዳለወ። ካብቲ ቅድም ሙሴ ዝስርሖ፡ ሬሳ ጐይታ ዝተቐብኣሉ፡ ሓዋርያት ኣብ ልዕሌኡ ጸልዮም ዝወሰኹሉ፡ ቅዱስ ማርቆስ ዘምጽኦ፡ እንደገና ምስኡ ሓዊሱ ኣብ እስክንድርያ ክስራሕ ድማ ፈቐደ። ንባዕሉ ቅዱስ ኣትናቴዎ ኣብ መንበረ ፓትሪያርክ ክቕመጥ ከሎ ድማ፡ በዚ ሜሮን ኢዚ ተቐብኤ።

ቅዱስ ኣትናቴዎስ ነቲ እንደገና ብጸሎት ጉባኤ ጳጳሳት ዝሰርሖ ሜሮን፡ ናብ ኩላተን ቤተ ክርስቲያናት ማለት ንመንበረ ጵጵስና ሮማን፡ ቁስጥንጢንያን ኣንጾክያን ምስ ምሉእ ዶኩሜታዊ ትሕዝቶኡ ኣተሓሒዙ ለኣኸሎም። እንተዀነ እቶም ሽዑ ዝነበሩ ፓትሪያርክታት ኣይተቐበልዎን ይበሃል።

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div