S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ቀዳሞት ምሁራት ኣቦታት ቤተ ክርስቲያን ከም በዓል ስዉእ ጃስቲን፡ ቶርቲልያን፡ ቅዱስ ሂፖሊተስ፡ ኦርጀን፡ ቅዱስ ኣምበረም፡ ቅዱስ ቄርሎስ በዓል ዮሮሳሌም፡ ቅዱስ ሜሮን ከመይ ኢሉ ዳግም ብሓዋርያት ከም ዝተሰርሔ፡ ኣስፊሖም ጽሒፎሞ ኣለዉ። ብፍላይ እቲ ኣዝዩ ፍሉጥ ዝነበረ

መምህር ኦርጂን፡ እዚ ቅዱስ ቅብኢ እዚ፡ ከመይ ገይሩ ካብ ሓዋርያት ከም ዝመጸ፡ ኣስፊሑ ጽሒፉ ኣሎ። ቅዱስ ቄርሎስ በዓል ኢዮሩሳሌምውን፡ ጸጋ መንፈስ ቅዱስ ከመይ ገይሩ ብሜሮን ከም ዝዕደለና ኣብታስምካ ቅቡእ እዩ ኣብ ልዕለይ ድማ ተኻዕወ፡ Your name is ointment poured upon me." (Canticle 1: 3) እትብል ጽሕፉ ክገልጽ ከሎ፡ንሜሮን ከም ታራ ዘይቲ ጌርና ከይንሓስቦ ኣዚና ክንጥንቀቕ ይግብኣና። ከመይሲ ሜሮን ክርስቶስ ባዕሉ ስለ ዝዀነ። መንፈስ ቅዱስ ድማ ብሙሉእ መለኮታዊ ሥልጣኑ ኣብኡ ስለ ዘሎእናበለ ክንጥንቀቕ ይምዕደና። እዚ ቅዱስ ጽሑፍ እዚ ከም ዝገልጾ፡ ኣብ ቅዱስ ሜሮን ህላውነት መንፈስ ቅዱስን ህላውነት ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ህላውነት እግዚኣብሔር ኣብን ከም ዘሎ እዩ ዝምስከር ዘሎ። እምብኣርከስ ሜሮንሲ ቅዱስ ቅብኣ እዩ ኢልና ንሓልፎውን ኣይኰነን። ሜሮን ማሌትሲ ንጐይታ ባዕሉ ድማ ምልባስ ማለት እዩ።

ካብቶም ኣብ መበል 14 ክፍለ ዘመን ዝነበሩ ምሁራት ደቂ ቤተ ክርስቲያን፡ ኣቡ ባራካት ኢባን ከቢር ዝተባለ ቀሺ፡ ኣብቲ ምጽባሕ ኣዝ-ዙልማህ ኣዳህ ኣል-ክሂድማህ (መብራህቲ ኣብ ጸልማት ንኣገልጋሊ የብርሃሉ) ዝተባህለ መጽሓፉ ከም ዝብሎ። ነዚ ቅዱስ ቅብኢ እዚ፡ ካብቲ ንሬሳ ጐይታ ዝቐብእሉ ተረፍ ዝነበረ ቅዱሳት ሓዋርያት፡ ኣብ ልዕሌኡ ሓዱሽ ወሲኾም፡ ጽሩይ ዘይቲ ኣውሊዕን ቀመማቱን ገይሮም፡ ኣብታ ዝነበሩዋ ላዕለወይቲ ደርቢ ኰይኖም ጸልዮም ከም ዝሰርሕዎ ይዛረብ። እዛ ቦታ እዚኣ ድማ፡ እታ ንመጀመርታ ግዜ ተኣኪቦም ከለዉ መንፈስ ቅዱስ ብልሳነ ሓዊ ዝወረደላ፡ ብላዕለዋይ ደርቢ እትፍለጥ ቤት ማርቆስን ኣዲኡን ከም ዝነበረት፡ መጽሓፍ ቅዱስ ይዛረብ። ድሕሪ እዚ ድማ እዮም ሓዋርያት ነዚ ቅዱስ ቅብኢ እዚ፡ ኣብ ነሓድሕዶም ተማቒሎም ዝወሰድዎ። ነቶም ኣሚኖም ዝተጠመቑ ድማ፡ በዚ ሜሮን እዚ ይቐብኡዎም ከም ዝነበሩ ይዛረብ።

እተን ብፓትሪያርክ ዝምርሓ ሓዋርያውያን ኣብያተ ክርስቲያናት ዘበላ፡ ሜሮን ክሰርሓ ምሉእ ሥልጣን ኣለወን። እቲ ኣብ ኢደን ዘሎ ተረፍ ክውዳእ ምስ ቀረበ፡ ከምቲ እግዚኣብሔር ንሙሴ ዝኣዘዞ ገይረን፡ ሓዱሽ ሰሪሔን ምስቲ ቀዳማይ እናሓውሳ ይሰርሕኦን ይጥቀማሉን ኣለዋ። ብፍላይ ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን እስክንድርያ ከም ዝነግረና፡ ኣብ እስክንድርያ ብተደጋገሚ ከም ዝተሰርሔ ይዛረብ። ብዓቢኡ ድማ ኣብ ሃገርና ኤርትራ ቅዱስ ፓትሪያክ ሺኖዳ ፓትሪያርክ ዘሃገረ እስክንድርያን፡ ቅዱስ ፓትሪያክ እንጠንዮስ ፓትሪያርክ ዘሃገረ ኤርትራን፡ ብስምምዕ ናይ ክልቲኣተን መንበረ ጵጵስናታት 2005 . መሮን ኣብ ኤርትራ ተሰሪሑ ኣሎ። ከምኡውን ኣብ ኢትዮጵያ ካብ 1959 .. ኣቢሉ ሜሮን ይስራሕ ኣሎ።

እዚ ንዉሉድ ወለዶኹም ዘይቲ ቅዱስ ቅብኢ ይኹነለይ

ንሜሮን ከመይን ካበይ ክስራሕ ከም ዝግብኦ ዝገለጸ እግዚኣብሔር ባዕሉ ኣዩ። በዚ መሰረት ድማ፡ እቶም ብግዜ ኦሪት ዝነበሩ ንኣገልግሎት እግዚኣብሔር ዝተመደቡ ካህናትን ነብያትን ነገስታትን ምእንቲ ክቕደሱ፡ ብሜሮን ይቕብኡ ከም ዝነበሩ ቓል እግዚኣብሔር ይዛረብ። ከምኡውን እቶም ንቤተ እግዚኣብሔር ዘገልግሉ ኣቓሑ ቤተ መቕደስን፡ ንባዕሉ ቤተ መቕደስን፡ ድንኳን እግዚኣብሔርን ምቕባእ፡ ዝውቱር ከም ዝነበረ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ባዕሉ ከምዚ ኢሉ ይዛረብ፡


እግዚኣብሔር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ። ካብ ዝበለጸ ጥዑም ጨና ንኣኻ ውሰድ፥ ሓሙሽተ ሚእቲ ሲቓል ዚነጥብ ከርበ፡ ፈረቓኡ ኸኣ፡ ማለት ክልተ ሚእትን ሓምሳን ሲቓል፥ ካብ ጥዑም ዝጨናኡ ቓርፋ ካብ ጥዑም ዝጨናኡ ቓንጫ ዶሪራ ድማ ክልተ ሚእትን ሓምሳን ሲቓል። ሓሙሽተ ሚእቲ ሲቓል ብሲቓል መቕደስ ኸኣ ካብ ሳናመኪ፥ ሓደ ሂን ዘይቲ ኣውልዕ ድማ።  ንእኡ ኸም ብብልሓት ገባር ቅብኢ እተገብረ ቕብኢ፥ ቅዱስ ዘይቲ ቕብኣት ግበሮ። ንሱ ቅዱስ ዘይቲ ቕብኣት ይኹን። ብእኡ ድማ ነቲ ድንኳን ምርኻብን ንታቦት ምስክርን ቅባእ፥ ነቲ ሰደቓን ዅሉ ኣቓሑኡን ንቐዋሚ ቐንዴልን ኵሉ ኣቓሑኡን ንመሰውኢ ዕጣን ኸኣ፥ ንመሰውኢ ምሕራርን ዅሉ ኣቓሓኡን፥ ነቲ ገበራን ኣእጋሩን ቅባእ። ቅድስተ ቅዱሳን ኪኸውን ድማ ቀድሶ። ዚትንክዮ ዘበለ ኹሉ ኸኣ ይቕደስ። ንኣሮንን ንደቁን ድማ ካህናት ኪዀኑኒ ቅብኣዮምን ቀድሶምን። ንደቂ እስራኤል ኸኣ ከምዚ ኢልካ ተዛረቦም፥ እዚ ንውሉድ ወለዶኹም ዘይቲ ቅዱስ ቅብኢ ይኩነለይ። ኣብ ሥጋ ሰብ ኣይኵዖ፥ ካልእውን ከምቲ ኣገባብራኡ ኣይትግበሩ። ንሱ ቅዱስ እዩ እሞ፡ ንኣኻትኩም ኸኣ ቅዱስ ይኹን። እቲ ኸምኡ ዝበለ ቕብኢ ዝገበረን፥ እቲ ካብኡ ንኻልእ ሰብ ዝለኸየን ንሱ ኻብ ህዝቡ ይመንቆስ” (ዘጽ. 3022-33 1ነገ. 1916 1ሳሙ. 916 101) ናይቲ ዝተዋህበ ብሚዛንን መስፈርን ናይ ሎሚ ዕቅን፡ ከምዚ ስዕብ እዩ።

  1. ሓሙሽተ ሚኢቲ ሲቓል ዚነጥብ ከርበ  (מר דרור) ማለት ዳርጋ 6 ኪሎ ግራም እዩ።
  2. ክልተ ሚእትን ሓምሳን ሲቓል፥ ካብ ጥዑም ዝጨናኡ ቓርፋ (קנמן בשם) 3 ኪሎ ግራም እዩ።
  3. ካብ ጥዑም ዝጨናኡ ቓንጫ ዶሪራ ድማ ክልተ ሚእትን ሓምሳን ሲቓል። (קנה בשם) 3 ክኢሎ ግራም እዩ።
  4. ሓሙሽተ ሚእቲ ሲቓል ብሲቓል መቕደስ ኸኣ ካብ ሳናመኪ፥ (קדה)  6 ኪሎ ግራም እዩ።
  5. ሓደ ሂን ዘይቲ ኣውልዕ ድማ። (שמן זית) ሓደ ሄን ሓሙሽተ ኣበሴንቲ ኣቢሉ እዩ።
  6. ከምኡ’ውን ካልኦት ንልዕሊ ኣርባዓ ዝዀኑ ምኡዝ ዕምባባት ከም ዝነበረ ይዛረብ።

ብሜሮን ንቅድስና ክንሕተም ተጸዋዕና።

ሜሮን በዒንቲ ዝረኤ ብኢድ ዝድህሰስ፡ ቅዱይ ቅብኢ ክነሱ፡ ከምቲ ኣገባብራኡ፡ ብዝተገብኦም ኣገልገልቲ ጥራይ ኣምበር፡ ብኻልእ ከይስራሕ ብእግዚኣብሔር ዝተኸልከለ እዩ። እዚ ቅብኢ እዚ፡ ኣብ ኦሪት ከም ህላውነት ጸጋ መንፈስ ቅዱስ ኰይኑ የገልግል ነበረ። ንኣብነት ዳዊት ክነግሥ ከሎ፡ሳሙኤል ናይ ዘይቲ ቕርኒ ወሲዱ ኣብ ማእከል ኣሕዋቱ ቐብኦ። ካብታ መዓልቲ እቲኣ ንነጀው ድማ መንፈስ እግዚኣብሔር ኣብ ልዕሊ ዳዊት መጸ እቲ ኣቐዲሙ ዝተቐብኤ ሳኦል ግና፡ ነቲ ዝተቐብኣሉ ቅዱስ ቅብኣ ስለ ዘርከሰ፡መንፈስ እግዚኣብሔር ድማ ካብ ሳኦል ረሓቐ ይብለና (1ሳሙ፡ 1613-14) እዚ ቅብኢ እዚ ነቶም ቀዳሞት ጥራይ ዘይኰነንዉሉድ ወለዶኹም ዘይቲ ቅዱስ ቅብኢ ይኹነለይስለ ዝበለ፡ ንዓና ኣብ ዳሕረዋይ ዘመን ዘሎና፡ ናይ ሓዱሽ ኪዳን ጸጋ መንፈስ ቅዱስ ዘውህበና፡ ቅዱስ ቕብኣት ኰነልና። ሜሮን ኣብ ማይ ተጠሚቕና ካብ ኣዳማዊ ሓጢኣት ምስ ነጻህና፡ ብመንፈስ ቅዱስ ክንሕተም ምእንቲ፡ ብሃዋርያዊ ቅብኣ ዘለዎ ካህን ኣብ ግምባርና እንቕብኦ ዓቢ ምሥጢር እዩ። ጐይታ ካብ ሩባ ዮርዳኖስ ተጠሚቑ ክወጽእ ከሎ፡ መንፈስ ቅዱስ ብኣምሳል ርግቢ ኣብ ልዕሌኡ ከም ዝወረደን ናይ ባህርይ ውልድነት ከም ዘረጋገጸን። ከምኡ ድማ ሎሚ፡ ተጠመቕቲ በቲ ዝረኤን ዝቕባእ ሜሮን ኣቢሎም፡ ነቲ ዘይረኤ ጸጋ መንፈስ ቅዱስ ከም ዝቕበሉን ብጸጋ ምሥጢረ ሜሮን ውልድነት እግዚኣብሔር ከም ዝረኽቡን ንውልድነት እግዚኣብሔር ከም ዝሕተሙን ዘረጋገጽ ዓቢ ምሥጢር እዩ። ኣመንቲ ንምድምሳር ጥንተ ኣብሶ፡ ካብ ማይ ተጠሚቖም ምስ ወጹ፡ ከም ክርስቶስ ካብ ማህጸን ዮርዳኖስ ከም ዝተወልዱ ይፈልጡ። ንሱ ቅዱስ እዩ እሞ፡ ንኣኻትኩም ኸኣ ቅዱስ ይኹን ከም ዝበለ፡ ብኡ ንብኡ ሜሮን ክቕብኡ ከለዉ ድማ፡ ካብ ሕያው ዝዀነ መንፈስ ቅዱስ፡ ንድሕነትን ንቕድስናን ከም ዝተሓትሙ የረጋግጹ። ካብዚ ንደሓር ኣመንቲ ኩሉ ኣርኣያ ክርስቶስ ይኽተሉ። ስለዚ ኣመንቲ ብምሥጢረ ጥምቀት ኣቢሎም ካብ ጥንተ ኣብሶ ሓራ ኰይኖም ድሕነት ከረጋግጹ ከለዉ፡ ንምስክር ድሕነቶም ብምሥጢረ ሜሮን ንቕድስና ብመንፈስ ቅዱስ ይሕተሙ።ንስኻትኩምውን ብእኡ ቓል ሓቂ፡ ናይ ምድሓንኩም ወንጌል ምስ ሰማዕኩም ብእኡውን ምስ ኣመንኩም፡ ብናይ ተስፋ መንፈስ ቅዱስ ተሓተምኩም። ንሱ ንምድሓን ጥሪቱ፡ ንውዳሴ ኽብሩ፡ ዕርቡን ርስትና እዩከም ዝተባህለሎም (ኤፈ፡113-14)  ብምንፈስ ቅዱስ ኣቢሎም ድማ ምስ ክርስቶስ ሓዱሽ ክርስቲያናዊ ህይወት ይጅምሩ።


ካብ ማይን መንፈስን እንተዘይ ተወለድካ ንመንግሥቲ ኣምላኽ ክትኣቱ ኣይትኽእልን ኢኻ (ዮሃ፡ 3: 3) ኣብ ዝሓለፈ ጽሑፍና ከም ብሓዱሽ እንተዘይ ተወለድካ ንመንግሥቲ ኣምላኽ ክትኣቱ ኣይትኽእልን ኢኻ ኢልና ከም ዝነበርና ኣንቢብና ኣሎና። ጐይታ ባዕሉ ንመእተዊ መንግሥቲ ኣምላኽ ዝኸውን፡ ብቕድሚ ኵሉ ዝስራዕ ማይ ንድሕነት ካብ ጥንተ ኣብሶ ከም ዝዀነ፡ ቅብኣ ሜሮን ድማ ማሕተም መንፈስ ቅዱስ ከም ዝዀነ ገሊጹልና ኣሎ። እቲ ቅድሚ ክልተ ሽሕን ሸውዓተ ሚኢትን ዓመታት ዝነበረ ነብይ ህዝቂኤልውን ኣብ ትንቢቱ ብዛዕባ ማሕተም ሜሮን ከም ዝረኣዮ ከምዚ ኢሉ ይዛረብ።እግዚኣብሔር ከኣ፡ ብማእከል ኢየሩሳሌም ሕለፍ እሞ ነቶም ብዛዕባ እቲ ኣብ ማእከላ ዚነብር ዘሎ ጽያፍ ዚጕህዩን ዚትክዙንሲ ኣብ ግምባሮም ማሕተም ግበረሎም፡ በሎ። ኣነ እናሰማዕኩ ኸኣ ነቶም ካልኦት በሎም፡ ደድሕሪኡ በታ ኸተማ ሓሊፍኩም ውቕዑ፡ ዓይንኹም ንሓደ እኳ ኣይትንሓፍ ኣይትራሕርሑውን። ካብ መቕደስይ ጀሚርኩም ንኣረገውትን ነጕባዝን ንጐረዙን ንቐለውዕን ንኣንስትን ቅተሉ፡ ኣጽንቱ። ነቶም ማሕተም ዘለዎም ግና ኣይትቕረብዎም። ንሳቶም ከኣ በቶም ኣብ ቅድሚ እታ ቤት ዘለዉ ኣረገውቲ ጀመሩ።ክብል ብዛዕባ እቶም ብሜሮን ዝተሓትሙ ተነበየ። (ህዝ፡ 94-6)

እቲ ብሜሮን ኣቢልና ዝተቐባእናዮ ቅብኣት ኣባና ይነብር።

ቅዱስ ዮሃንስ መጥምቅ፡ ብመንፈስ ቅዱስን ሓውን ዘጠምቕ ክርስቶስ እዩ ኢሉ ከም ዝመስከረ፡ ኣንቢብና ኣሎና (ሉቃ፡ 316) እቲ ዮሃንስ መጥምቕ ዝረኣዮ ራእይ ክፍጸም ምእንቲ፡ ጐይታ ዘጽንዕን ዘጸናንዕን ብሓዊ ዘጠምቕን መንፈስ ቅዱስ፡ ንሓዋርያት ከም ዝለኣኸሎም ተስፋ ሃቦም (ዮሃ፡ 1426 167-15) ብድሕሪ ዕርገቱ፡ ከም ቓሉ ኣብ ዓሰራይ መዓልቱ ብበዓላት ሓምሳ መንፈስ ቅዱስ ለኣኸሎም። ብሓዊ መንፈስ ቅዱስ ድማ ኣጠመቖም (ግብ፡15 21-4) እዛ ኣጠመቖም እትብል ቓል፡ ሓጸቦም፡ ኣጽረዮም፡ ኣንጽሆም ሓተሞም ከተስምዕ ግድን እዩ። እንተዀነ መንፈስ ቅዱስ ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ልዕሊ ደቂ ሰባት ብምልኣት ክሓድር ዝወረደ፡ ንመጀመርታ ግዜ ስለ ዝነበረ፡ በዒንቲ ዝረኤ ዝምስከር ሓይሊ ከም ዝነበረ፡ ዘጠራጥር ኣይኰነን። ስራሕ መንፈስ ቅዱስ በብዓይነቱ ስለ ዝዀነ፡ ንዓና ብሓይሊ ክርስቶስ ካብ ሞት ናብ ህይወት ዝተሰጋገርና፡ ብዝረኤ ቅብኣት ክንቅባእ፡ እግዚኣብሔር ቀደም ኣዳለወልና።


ሎሚውን ከምቲ ኣብ ልዕሊ ሓዋርያት ብተምሳል ሓዊ ዝወረደ ድኣ ኣይንርእዮን እምበር፡ ብምሥጢረ ሜሮን ኣቢሉ፡ ነንብሕትና ብበዓላት ሓምሳ ኢና ንጥመቕ ዘሎና። ኣሰራርሓ ድኣ ተቐየረ እምበር፡ እቲ ንሓዋርያት ዝተዋህበ ጸጋ መንፈስ ቅዱሲ ኣይተቐየረን ንሱ እዩ። ስለዚ ድማ እዩ ሓዋርያ ጳውሎስግናኸ እቲ ብክርስቶስ ገይሩ ምሳኻትኩም ዘጽንዓናን ዝቐብኣናን  ዝሓተመናን ኣብ ልብናውን ዕርቡን መንፈስ ዝሃበናን ኣምላኽ ንሱ እዩዝበለና (2ቆረ፡ 122-23) ሓዋርያ ዮሃንስውንንስኻትኩም ድማ ቅብኣት ካብቲ ቅዱስ ኣሎኩም፡ ንኹሉውን ትፈልጥዎ ኢኹምንስኻትኩምሲ ከምቲ ቕብኣቱ ብዛዕባ ዅሉ ዚምህረኩም ዘሎ፡ ሓቂውን እዩ፡ ሓሶት ኣይኰነን፡ እሞ ከምቲ ንሱ ዝመሃረኩም ኴንኩም፡ ኣብኡ ክትነብሩ ኢኹም። ኣምብኣርሲ እቲ ካብኡ እተቐባእኩምዎ ቕብኣት ኣባኻትኩም ይነብር ኣሎ እሞ፡ ሓደ እኳ ኺምህረኩም ኣየድልየኩምን ኣዩዝበለና (1ዮሃ፡ 220-27) ሓዋርያት ብዛዕባ ኣየናይ ቅብኣት እዮም ዝዛረቡ ዘለዉ፧ ቅድም ከም ዘንበብናዮ እዚ ቅዱስ ቅብኢ እዚ ንሓዋሩ ይኹነለይ ተባሂሉ ከም ዝተዋህበና ኣንቢብና ኣሎና። ደጊሙ በቲ ግዜ እቲ ንቕድስና ዝቕብኡ ዝነበሩ ካህናትን ነገስታትን ጥራይ ከም ዝነበሩ ኣንቢብና ኣሎና። እዚ ንሓዋሩ ህላውነት መንፈስ ቅዱስ ኣባና ከርኢ፡ ዝተዋህበና ዝቕድስ ቅብኢ እዚ፡ ነቶም ካብ ክርስቶስ ንደሓር ንሓደ ጐይታን ንሓንቲ እምነትን ንሓንቲ ጥምቀትን ዝተቐበልና ዘበልና፡ ምስ ክርስቶስ ካህናትን ነገሥታትን ክንከውን ከም ዝተቐባእናዶ ኣይኰነን ዝምስክረልና ዘሎ፧ እንተዘይ ኰነ ካልእ ቅዱስ ቅብኢ ዝብሃል፡ ብዘይ እቲ ብሙሴ ተሰሪሑ ዝተዋህበ፡ ብሓዋርያት ዝተደግመ፡ ኣብ ግዜ ሓዱሽ ኪዳን ዝተሰርሔዶ ነይሩ እዩ፧ ያእ ኣይነበረን። እምብኣርከስ እዞም ሓዋርያት እዚኣቶም፡ ካብቲ ቅብኣቱ ኣሎኩም ክብሉና ከለዉስ፡ ብዛዕባ እቲ ንሙሴ ዝተዋህበ፡ ብሓዋርያት ዝተደግመ ድኣምበር፡ ካልእ ሜሮን ከም ዘይዀነ ዘጠራጥር የልቦን።


ሓዋርያት ብሓዊ መንፈስ ቅዱስ ድሕሪ ምጥማቖም፡ ቅድሚኡ ተመኺሮሞ ዘይፈልጡ ሓዱሽ ምጽንናዕን ሓይሊን ረከቡ እሞ፡ ሓዱሽ ህይወት ጀመሩ። ብመንፈስ ቅዱስ ሓይልን ተኣምራትን ምስ ተዋህቦም ድማ። ነቶም ንበዓላት ሓምሳ ዝተኣከቡ ህዝቢ በብቛንቛኦም ገይሮም ወንጌል ጥዑም ዜና ሰበኸሎም። እቶም ህዝቢ “..እዚ ምስ ሰምዑ፥ ልቦም ተወግኤ እሞ፥ ንጴጥሮስን ነቶም ካልኦት ሓዋርያትን፥ ኣቱም ኣሕዋትና፥ እንታይ ንግበር፥ በልዎም። ጴጥሮስ ከኣ፥ እቲ ተስፋ ንኣኻትኩምን ንደቅኹምን ነቶም ኣብ ርሑቕ ዘለዉ ዂሎም፥ እግዚኣብሔር ኣምላኽና ዚጽውዖም ዘበሉን እዩ እተዋህበ እሞ፥ ተነስሑ ነፍሲ ወከፍኩም ከኣ ብስም ኢየሱስ ክርስቶስ ንሕድገት ሓጢኣት ይጠመቕ፥ ህያብ መንፈስ ቅዱስውን ክትቅበሉ ኢኹም በሎም” (ግብ፡ 237-39 ግብ፡816-17 ግብ፡ 196) ካብዚ ጥቅሲ እዚ እንመሃሮ ሓዋርያት፡ እና ኣጠመቑ መንፈስ ቅዱስ ዘውህቡ መስመር ከም ዝነበሩ ኢና እንመሃር። ሎሚ ቤተ ክርስቲያን ምሥጢረ ጥምቀት ምሥጢረ ሜሮን ምሥጢረ ቁርባን ኣትፍጽም፡ ብመሰረት ግብሪ ሓዋርያትን ሓዋርያዊ ትውፊትን ብምኽታል እያ እምበር፡ ካብ መሬት ኣልዒላ ከም ዘይኰነት፡ ቁኑዕ ልቢ ዘለዎ ዘበለ ከስተውዕሎ ይግባእ።

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div