S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ንቓሉ ንስማዕን ንተኣዘዝን!!

ናይዚ መዓልቲ እዚ ናይ ወንጌል ንባብ ማእከላይ መልእኽቲ፡ እቲ ኣብ ዮሃ 524 ተገሊጹ ዘሎ፡እቲ ንቓለይ ዚሰምዖን በቲ ዝለኣኸኒ ዚኣምንን ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣላቶ። ንሱ ኻብ ሞት ናብ ህይወት ተሳገረ እምበር፡ ናብ ፍርዲ ኸም ዘይበጽሕ፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ።ዝብል እዩ። ናይ ዘለኣለም ህይወት ዚርከብ ብቓል ክርስቶስ እዩ።

መለኮታዊ ኣካልነት ናይ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ቃል እዩ። ብምኽንያት እቲ ኣቦና ኣዳምን ኣዴና ሄዋንን ዝፈጸምዎ ኣበሳ፡ ካብ ዘለኣለማዊ ህይወት ጥራይ ዘይኰነ ካብ ገነት ኤደን ከይተረፈ ምስ ተሰጕጉ፡ እቲ ቓል (Logos) ዝዀነ እግዚኣብሄር ወልድ፡ ስጋ ብምዃን ናብ ዘለኣለም ህይወት ኪመልሶም ናብ ምድሪ መጸ። ስለዚ ድማ፡ቃል ብመጀመርታ ነበረ፡ እቲ ቓል ድማ ኣብ ኣምላኽ ነበረ፡ እቲ ቓልውን ኣምላኽ ነበረ። እዚ ብመጀመርታ ኣብ ኣምላኽ ነበረ። ብእኡ ዅሉ ዀነ፡ ካብቲ ዝዀነ ዘበለ ድማ ብዘይ ብእኡ ዝዀነ የልቦን።እቲ ቓል ስጋ ዀነ፡ ጸጋን ሓቅን መሊእዎ ኸኣ ኣባና ሐደረ። ክብረቱ ድማ ከም ክብሪ ናይቲ ሓደ ወዲ ነቦኡ ርኤና።ተባህለልና (ዮሃ 11-3,14) እምበኣር ጐይታና፡እቲ ንቓለይ ዚሰምዖኺብለና ኸሎ፡ ነቲ ኻብ ኣፍ ዚወጽእ ዘረባ ማለት ጥራይ ዘይኰነ ንባዕሉ ነቲ ስጋ ዝዀነ ቓል፡ ንክርስቶስ፡ ምስማዕ ማለት ድማ እዩ። ሃዋርያ ዮሃንስ ኣብ ዝረኣዮ ራእይ፡ሰማይ ከኣ ተኸፊቱ ርኤኹ። እንሆ ድማ፡ ኣምበላይ ፈረስ፡ እቲ ተቐሚጥዎ ዘሎ ኸኣ እሙንን ሓቀኛን ይብሀል፡ ብጽድቂውን እዩ ዚዳንን ዚዋጋእን። ኣዒንቱ ኸም ሃልሃልታ ሓዊ እየን፡ ኣብ ርእሱውን ብዙሕ ዘውድታት አለዎ፡ ብጀካኡ ሓደ እኳ ዘይፈልጦ ጽሑፍ ስም ድማ አለዎ። ብደም እተዐለሰ ኽዳን ተወንዚፉ እዩ፡ ስሙውን ቃል ኣምላኽ እዩ።ብምባል ጽሒፉ ኣሎ (ራእ 1911-13) እምበኣር ቃል ኣምላኽ ማለት ክርስቶስ ማለት ምዃኑ ወርትግ ከነስተውዕል ይግብኣና። እቲ ንዜንብቦን ንዚሰምዖን ቃል ኣምላኽ ዘይእዘዞ፡ ሸለል ዚብሎ፡ ዚንዕቆ ሰብ፡ ንክርስቶስ፡ ንእግዚኣብሄር ወልድ፡ ይንዕቆ ኸም ዘሎ ኺርደኦ ይግባእ። ጐይታና ብምጽኣቱ ምስ ተገልጸ ንጻድቃንን ሓጥኣንን፡ ዝፈጸምዎን ዘጕደልዎን ኵሉ እናዘርዘረ ኸም ዚፈርዶም ተገሊጹልና ኣሎ። ነቶም ጻድቃንጠምየ ዘብላዕኩምኒ ዓሪቐ ዝኸደንኩምኒነቶም ረሲኣን ድማዓሪቐ ዘይከደንኩምኒ ጠምየ ዘየብላዕኩምኒ ኢሉ ኺጸባጸቦም ምስ ጀመረ፡ ኵላቶም ሓንቲ ዓይነት መልሲ ሃብዎ። ንሳ ኸኣኣበይ ወይስ መዓስ ርኢናካ፧እትብል እያ። ብርግጽ ኵላቶም ማለት እቶም ጻድቃን ይዅኑ እቶም ረሲኣን ብዓይኒ ስጋ ንክርስቶስ ብኣካል ኣይረኣይዎን። እቶም ጻድቓን ነቲ ንጽጉማት ኪረድኡን ኤጸናንዑን ዝኣዘዞም ቃል ብምስማዖምን ብምፍጻሞምምን ንክርስቶስ እዮም ዚሰምዕዎ።

ምስማዕ ማለት ግና ነቲ ዝተዘርበ ቓል፡ ነቲ ናይ ምስማዕ ህዋሳትና ተጠቒምና በኣእዛንና ምስማዕ ጥራይ ዘመልክት ኣይኰነን። ቃል ክርስቶስ ሰሚዑ ዝበሃል፡ እቲ ዝተኣዘዞ ሰብ ጥራይ እዩ። ነቲ ቓል ብእዛኑ ሰሚዑ፡ ወይ ኣንቢቡ ኼብቅዕ ፈጺሙ ዘይእዘዞ፡ ካብ ዘይምእዛዝ ሓሊፉውን ዚጸልኦን ዚጻረሮን ሰብ ብዙሕ ኣሎ። እቲ ቓል ኣብ ኣእዛንካ ስለ ዝበጽሐን እንታይ ከም ዝተባህለ ስለ ዝፈለጥካ ጥራይ ናይ ዘለኣለም ህይወት ዚርከብ እንተ ዚኸውን፡ ምልእቲ ዓለም ምደሓነት ነይራ። ቃል እግዚኣብሄር ግን እቶም ናብ ድሕነት ዚበቕዑ ሕሩያት-ኣምላኽ ኣዝዮም ውሑዳት ምዃኖም እዩ ዚነግረና። ምኽንያቱ እቶም ናይ ብሓቂ ዚሰምዑ፡ ማለት እቶም ዚእዘዙ ኣዝዮም ውሑዳት እዮም። ኣብቲ ምስላ ዘርእን ዘራእን ናይ ጐይታና ብንጹር ተገሊጹልና ኸም ዘሎ፡ ካብቶም ዘርኢ ቃሉ ዝተዘርኣሎም እቶም ሰለስተ ርብዒ፡ ገሊኡ ብኣዕዋፍ፡ ገሊኡ ብኸውሒ ገሊኡ ድማ ብእሾኽ ምኽንያት ናብ ፍረ (ናብ ምእዛዝ) ኣይበቅዕን እዩ (ማቴ 1318-23) ካብቶም ሰማዕቲ እቶም ሓደ ርብዒ ጥራይ ግና፡ ከምቲ ክርስቶስ ዚደልዮ ዓይነት ኣሰማምዓ ስለ ዝሰምዑ ሰላሳን ሱሳን ሚእትን ብምፍራይ ንኣምላኾም ኣኽበርዎ። ጐይታና ክምህር ኸሎ ድማ፡ ንደቀ መዛሙርቱ ዀነ ነቲ ዚሰምዖ ዘሎ ህዝቢ፡ ከም ዓቕሞም ገይሩ፡ ምስምዑን ምርድኡን ብዝኸኣሎም መጠን ይምህሮም ከም ዝነበረ ተነጊሩና ኣሎ (ማር 43) ስለዚ ድማ፡ ጐይታ መልእኽቱ ሂቡ ምስ ወድአ፡ንምስማዕ እዝኒ ዘላቶ ይስማዕ።ብትሰምዕዎ ተጠንቀቑ (ስለዚ ኸመይ ጌርኩም ከም እትሰምዑ ተጠንቀቑ)” ይብል ነበረ (ማር 423 ሉቃ 818) ካብ ዘመነ ብሉይ ኪዳን ጀሚሩ፡ እግዚኣብሄር በቶም ጸማማት ሰማዕትን ዕዉራት ረኣይትን ወርትግ ምስ ጐሃየ እዩ። ስለዚ ድማ ብኣፍ ቅዱሳት ነብያቱ፡ኣቱም ጸማማት፡ ስምዑ፡ ኣቱም ዕውራት ከኣ፡ ክትርእዩስ ጠምቱ። ባርያይ እንተ ዘይኰይኑስ፡ ዕውር መን እዩ፧ ከምቲ ዝልእኮ ልኡኸይ ጸማምከ መን እዩ፧ ዕዉር ከም ፈታውየይ፡ ዕዉር ከም ባርያ እግዚኣብሄር መን እዩ፧ ብዙሕ ነገር ርኢኻ፡ ግናኸ ኣይሐሎኻዮን፡ ኣእዛን ተኸፊቱ ነይሩ፡ ግናኸ ገለ እኳ ኣይሰማዕካን።” (ኢሳ 4218-20)ነቲ ዓይኒ ኸለዎስ ዕውር፡ እዝኒ ኸለዎስ ጸማም ዝዀነ ህዝቢ ኣውጽኣዮ፡” (ኢሳ 438)ኣታ ልቢ ዜብሉ፡ ዓይኒ ኸለዎ ዘይርኢ፡ እዝኒ ኸለዎ ድማ ዘይሰምዕ ዓሻ ህዝቢ፡ እዚ ስማዕ፡” (ኤር 521)እንሆ፡ እዝኖም ዘይተገዝረ እዩ፡ ኪሰምዑ ኸኣ ኣይኽእሉን እዮም። እንሆ፡ ቃል እግዚኣብሄር ነውሪ ዀይንዎም እዩ እሞ ባህ ኣየብሎምን። እምበኣርከ ምእንቲ ኺሰምዑስ፡ ንመን ደኣ ኽዛረብ፡ ኣብ ቅድሚ መንሲ ኽምስክር እየ፧” (ኤር 610) ብምባል ኣምሪሩ ተዛረበ። ስለዚ ኣሰማምዓና ኸነጥዕይ ከም ዚግብኣና ቓሉ የጠንቅቐና ኣሎ። ብሓቂ እንተ ንሰምዕ ግና ሰላምና ኸም ወሓዚ ጽድቅናውን ከም ማዕበል ባሕሪ ምበርተዐ ኔይሩ (ኢሳ 4818) እምበኣር ከም ነብዪ ኢሳያስ፡እግዚኣብሄር ኣምላኽ እዝነይ ከፈተለይ፡ ኣነውን ኣይኣቤኹን፡ ኣየድሓርሓርኩን። (ንሱ) ኣብ ጸጽባሕ የንቅሕ፡ ከም ተመሃሮ ኽሰምዕስ፡ ንእዝነይ የንቅሖ።ንበል (ኢሳ 504-5)

ኣብቲ ቓል ጐይታ ተገሊጹ ኸም ዘሎ፡ እቲ ኻብ ምስማዕ ዘየድሓርሕር፡ ዘይኣብይ፡ ብኣንጻሩ ንምስማዕ ዚጥንቀቕን ዝነቅሕን ብልሂ ሰብ፡ ካብ ሞት ናብ ህይወት ይሳገር፡ ካብ ፍርዲ ኸኣ የምልጥ። እምበኣር እቲ ሓቀኛ ምስማዕ፡ ሞትን ህይወትን ዚኣክል ዓብይ ፍልልይን ለውጥን እዩ ዜምጽእ። እታ ኽንሰምዓላ ዚግባእ ጊዜ ኣየነይቲ ምዃና ንኼመልክተልና፡ ጉይታ፡እቶም ምዉታት ድምጺ ወዲ ኣምላኽ ዚሰምዑላ ሰዓት ትመጽእ፡ ንሳ ኸኣ ሕጂ እያ፡ እቶም ዚሰምዕዎ ድማ ህያዋን ኪዀኑ እዮም፡ ኢለ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ።ኢሉ ኣረጋገጸልና (ዮሃ 525) እምበኣር ምስማዕ ኵሉ ጊዜ ሕጂ እዩ ኺፍጸም ዚግብኦ። ምኽንያቱ እታ መዓልቲ ምድሓን፡ እታ ቕብልቲ ግዜ፡ ኵሉ ግዜ ሕጂ እያ (ኢሳ 498,9 2ቈረ 62) እቲ ሎሚን ሕጂን ሰሚዑ ዘይተዳለወ፡ እቲ ኣብ ጊዜ ምጽኣት ዚኸውን ጭራሕምራሕ ምስምዑን ዕሽነቱ ምግሃዱን ኣይክተርፍን እዩ። ድምጺ ወዲ ኣምላኽ ዘይሰምዕ ሰብ ኵሉ ጊዜ ምዉት እዩ። ብስጋ እኳ ብህይወት እንተ ሃለወ፡ ብመንፈስ ግና ምዉት ስለ ዝዀነ፡ ተንቀሳቓሲ ሬሳ እዮ እምበር ህያው ኣይኰነን። ህይወት ብመንፈስ እምበር ብስጋ ኣይኰነትን እትንበር። እቲ ቓል ክርስቶስ ብምስማዕ መንፈሳዊ ህይወት ዘየጥረየ ሰብ፡ ኵሉ ግዜ ኣብ ሞትን ኣብ ቍጥዓ ኣምላኽን እዩ ዚነብር።

እቲ ልዕልን ቅድምን መቓብር ከሎ ንቓል ክርስቶስ ዚሰምዕ ሰብ፡ ንሱ ዋላ ብሞት ስጋ ኣብ መቓብር እንተ ሰፈረ እኳ፡ ነፍሱ ኣብ ገነት ኣብ ሕቍፊ ኣብርሃም እተዕርፍ ህያው ሰብ እያ። እቲ ኣብ መቓብር ከሎ፡ ኣብ ግዜ ምጽኣት ዚሰምዖ ድምጺ ናይ ጐይታ፡ ንሓጐሱን ንኽብረቱን እዩ ዚኸውን። እቲ ልዕሊ መቓብር  ከሎ ንቓል ክርስቶስ ምስማዕ ዝኣበየ ግና፡ ኣብ መቓብር ኰይኑ ምስምዑ ዘይተርፍ ግዴታ እዩ። ስለዚ ድማ ጐይታና፡ኣብ መቓብር ዘለዉ ዅላቶም ድምጺ ዚሰምዑላ ሰዓት ክትመጽእ እያ፡ ሰናይ ዝገበረ ናብ ትንሳኤ ህይወት፡ እኩይ ዝገበሩ ኸኣ ናብ ትንሳኤ ፍርዲ ኺወጹ እዮም እሞ፡ በዚ ኣይትደነቑ።ኢሉ ኣግሃደልና (ዮሃ 528-29) ናብ መቓብር ቅድሚ ምእታውካ ንቓል ክርስቶስ ከም ዝሰማዕካዮ ርግጸኛ እትኸውን እምበኣር፡ ኣካይዳኻ ተለዊጡ ኵሉ ግዜ ሰናይ ግብሪ ምግባር ዚቐልለልካ ሰብ ምዃንኻ ብምርኣይ ኣዩ። እቲ ቕድሚ መቓብር ንድምጺ ጐይታ ዝተሓሰሞ፡ ኻብኡ ዝሃደመ ሰብ ግና፡ ድምጺ ናይቲ ኽፉእ ሰይጣን ጥራይ ስለ ዚሰምዕ ኵሉ ተግባራቱ እኩይ እዩ ዚኸውን። እምበኣር እትሰምዕ እዝኒ ዘሎካን ዘይብልካን፡ ብዛዕባ እቲ እትሰምዖ ትጥንቀቕ ምዃንካን ዘይምዃንካን፡ ጸማም ሰማዒ ምዃንካን ዘይምዃንካ እትፈልጥ ብፍሬኻ እዩ። ቀደሙውን እቲ ፍቍር ወልድ፡ ኵሉ ነገር ብፍሪኡ ጥራይ ከም ዚልለይ ኣረጋጊጹልና እዩ (ማቴ 717-20) እምበኣር ፍሬና ምእንቲ ኺበዝሕን ኪጽብቕን፡ ካብቲ ጕንዲ ተቘሪጽና ናብ ሓዊ ካብ ምድርባይ ምእንቲ ኽንድሕንን፡ እሰማምዓና ነጸብቕ። ንኣምላኽ ጸማማት ሰማዕቲ ኣይንዅኖ ምኽንያቱ ቃል እግዚኣብሄር፡ንእግዚኣብሄርሲ ዚሐርር መስዋእትን መስዋእቲ ሕሩድን ከም ምስማዕ ደሃይ እግዚኣብሄር ገይሩዶ የሐጕሶ እዩ፧ እንሆ፡ ምስማዕ ካብ መስዋእቲ፡ ጽን ምባል ድማ ካብ ስብሒ ደዓውል ይበልጽ።ኢሉ ኣረጋጊጹልና እዩ (1ሳሙ 1522) እምበኣር ነቲ ዝበለጸን፡ ንኣምላኽ ድማ ባህ ዜብልን ምርጫ ንምእዛዝ ንምረጽ!!

ብጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

 ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ኤርትራ መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜሪካ

ዕለት፥ ሰንበት ሕዳር 19, 2017   ( ሕዳር 10, 2010 ግእዝ) 

ናይቲ መዓልቲ ስብከት

መዝ 79፡8

ኵሎ ዘፈቀደ ገብረ እግዚኣብሔር። በሰማይኒ ወበምድርኒ። በባሕርኒ ወበኵሉ ቀላያት።

ኣምላኽናስ አብ ሰማያት ኣሎ፣ ዝደለዮ ዅሉ ይገብር እዩ።

ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባባት

ንባብ

ኣንባቢ

ቆሎ 1፡12-ፍጻሜ

ዲያቆን

ወንጌል፡ ዮሃ 5፡16-28

1ጴጥ 2፡13-21

ንፍቀ ዲያቆን

ቅዳሴ፡ ዘኣትናቴዎስ

ግሃ 19፡21-ፍጻሜ

ንፍቀ ካህን

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div