S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ሎሚ ንኹሉ ህዝቢ ዝኸውን መድሓኒ ንሱ ከኣ ክርስቶስ ጐይታ ተወሊዱልኩም ስለ ዘሎ ተሓጐሱ።     ሉቃ 211

መእተዊ፣- ልደትን ቅንያቱን

ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ህዝበ ክርስትያን ንልደት ብዝተፈላለየ ኣገባባት የብዕልዎ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሃገር፣ ንብዓል ልደትን ቅንያቱን ዝግበር ምድላዋት ካብ መዓስ ጀሚሩ ክሳብ መዓስ ይጸንሕ፧ እንታይ ይግበር፧ ዝብሉ ሕቶታት መልሱ ኣብ ነፍሱ ወከፍ ሃገር ንዝቅመጥ ኣማኒ ንገድፎ።

ንልደት ጐይታና ብርግጽ ነዊሕ ትጽቢትን ሃንቀውታን ተገይሩሉ እዩ። ኣብዚ ቅንያት እዚ ከነንብቦም፣ ክንመሃሮም ከነስተትኖምን ክንነብረሎምን ዘሎና ጽሑፋት ክኾኑ ይኽእሉ እዮም። ብመንጽር እዞም ጽሑፋት እዚኣቶም ድማ ንኣበዓዕላ ቅንያት ልደት እንኽተሎም ኣብነታት ኣንፈት ክህቡና ይኽእሉ እዮም። ኣብ ቅንያት ልደት ካብ ዘጋጠሙ ቀንዲ ፍጻሜታት እስከ ነዞም ዝስዕቡ ኣብነታት ንመልከት፣-

1. ትንቢት ነብያት። 2. ብስራት ገብርኤልን ሕቶ ኣዴና ቅድስቲ ድንግል ማርያምን። 3. መንፈሳዊ ምስክርነት ኤልሳቤጥን። 4. ሃቀና ዮሴፍን መልሱንን። 5. ትንቢት ካህን ዘካርያስ። 6. ብስራት መልኣኽን ምስጋና መላኣኽትን።    7. ምምጻእ ሰብ ጥበብን ውህበቶምን። 8. ምስጋናን ልመናን ትንቢትን ስምኦን ኣረጋዊ። 9. ምስክርነት ሃና ጓል ፋኑኤል። 10. ብጓሶት እተነግሮም ብስራትን ንሳቶም ዝገበርዎን፡

እዚ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ዝርዝራት ሓደን ቀንድን ማእከላይ ሓሳብ ኣለዎ። እቲ ሓደን ቀንድን ማእከላይ ሓሳብ ከም ቀስቲ ኮይኑ ዘመልክቶ ከኣመድሓኒ ክርስቶስ ጐይታ’’ ከም እተወልደልና ንምሕባር እዩ። እቲ ዕዙዝ ሓበሬታ ነቲ ብጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝመጸ ዘልኣለማዊ ምድሓን ረኺብካዮዶ፧ ነቢርካሉዶ፧ እዩ። ዓለም ብኸመይ ኣብዒላቶ ካብ መዓስ ክሳብ መዓስ እንታይ ጌራ ኣብዚ ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስናዮ መን እንታይ ኢሉ ዝብል ትንተና ኣይንኣቱን፡ እቲ ሕቶ ነቲ ብክርስቶስ ዝርክብ ዘልኣለማዊ ሓጐስ ወኒንናዮ ኣሎና እዩ ዘገድሰና። ነቲ መድሓኒ ምርካብ ከኣ እዩ፣ ካብ ባህላዊ ሃይማኖታዊ ስያመ ጥራሕ ዝሓዘ ስጋውን ምድራውን ኣበዓዕላ ሓራ ከውጽኣና ዝኽእል። ነፍሲ ወከፍ እቲ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ዝርዝራት ብልጫን ዕብየትን ናይቲ ብክርስቶስ ዝመጽእ ምድሓን ኣብ ዘዘበኑ ዝነበሩ ሕሩያቱ (ኣሞ 27) ብመንፈሱ ብኸመይ ከም ዝገለጸሎም ዘብርህ እዩ። እዚ ብዙሓት ነብያት ጻድቃንን ክርእይዎን ክሰምዕዎን እተመነዩ ግና ዘይሰምዑን ዘይርኣዩን፣ (ሉቃ 1023-24) ንሕና ንክርስቶስ ብምርካብና ኣብ ከመይ ዝዓይነቱ መንፈሳዊ ኩነታት ኣሎና ክንርኢ ብጣዕሚ ኣገዳሲ እዩ።

ዓለምና ከይተረፈት ካብቲ ልደት ክርስቶስ ጀሚሩ ዝመጸ ምድሓን መቑጸሪኣ ጀሚራ፡ ዓመተ ምሕረት እናበለት ትቆጽር ኣላ። ሎሚ እዚ ልደት እዚ ብክርስቶስ ዘመን ምሕረትካ ዘፍልጠካ ድዩስ፧ ወይስ ዘመን ምሕረትካ ብባህሊ ብፍትወት ስጋን ዕሽሽታን ገና ኣብ ዓይንኻ ተኸዊሉ ኣሎ፧ ሃይማኖት ሰብ ብሃውሪ ብባህሊ ዘስዓበ ደድሕሪ ብዙሓት ምስዓብ ኣይኮነን። ሃይማኖት ብልብኻ እንተ ኣሚንካ ብኣፍካ እንተመስከርካ ብግብሪ እንታይ ዝግባእ ግብሪ መልሲ ሂብካ ክምልስ ኢዩ ዘለዎ፣ (ሮሜ 109-11) ክርስትና ናይ ጃምላ ጉዕዞ ኣይኮነን መዓልቲ ልደት ውን ብልብኻ ዘይትኣምነሉ ኣምላኽካ ዘይከብረሉ ባህሊ ዘምጽኦ ባርያ ናይ ከብድኻን ጎረሮኻን ኮይንካ ምውዓል ኣይኮነን። እዚ ጥራሕ እንተ ድኣ መሊኹካ ኣሎ፣ ገና እቲ ንኹሉ ህዝቢ መድሓኒ ዝኾነ ክርስቶስ ጐይታ ኣይረኸብካዮን ኣሎኻ ማለት እዩ። ክርስቶስ ካብ ሓጢኣት፡ ስጋውን ምድራውን ባህላውን ጸቅጢ ሓራ ከውጽኣና፡ ካብ ጻዕርን ከቢድ ጾርን ከዕርፈና ፡እዩ መጺኡ። (ማቴ 1128) ንልደት ኣመኽኒኻ ዝግበር ጽንብል ትልሂትን፡ ስኽራንን ንስጋዊ ድሌታትካ ንምዕጋብ ዝግበር ገዚፍ ወጻኢታትን ምንጩ ስጋ፣ ዓለም ሰይጣን እምበር ፡ምስ ልደት ብዝኾነ መገዲ ዝተአሳሰር የብሉን። እዚ ጸላኢ ሰናያት ንሰናይና ክብርዝ፡ ነቲ ብክርስቶስ ጐይታና ዝመጸ ድሕነት፡ ብመንፈሳዊ ኣምልኾን ብምስጋናን ከይነብዕሎ ኣብ ማእከል እቲ ስርናይ ዝተዘርእ ክርዳድ እዩ እሞ ንምሓዎ።

ውሉድ ኣምላኽ ዘበልና ኩላትና ኣብ ቅንያት ልደት ምእንቲ ክንመሃረሉ ነቲ ኣብ ላዕሊ ካብ 1-10 ተጠቂሱ ዘሎ ገለ ዝርዝራት ሓደ ብሓደ ንመልከት፣-

1. ንነብያት እቲ ብክርስቶስ ጐይታና ዝመጽእ ምድሓን ከም እተገለጸሎም፣-

ኣብዚ ነፍሲ ወከፍ ነብይ ዝተገልጸሉ ትንቢት ኣይንዝርዝርን ካብ ትንቢት ኢሳይያስ እዘን ኣብ ታሕቲ ዘለዋ ሰለስተ ሓሳባት ጥራሕ ንርኣ።

  • vእንሆ ድንግል ክትጠንስ ወዲ ኸኣ ክትወልድ እያ ስሙ ከኣ ኣማኑኤል ክትሰምዮ እያ። ኢሳ 714
  • vእቲ ኣብ ጸልማት ዝመላለስ ህዝበይ ዓቢ ብርሃን ረኣየ። ነቶም ኣብ ምድሪ ድነሞት ዝነበሩ ብርሃን ኣብርሃሎም። ኢሳ 92
  • vህጻን ተወሊዱልና ወዲ ተዋሂቡና እዩ እቲ ግዝአት ኣብ መንኮቡዩ። ስሙ ውን ግሩም መካር፣ ብርቱዕ ኣምላኽ፣ ኣቦ ዘልኣልም፣ መስፍን ሰላም ክስመ እዩ። ኢሳ 96

ነቢዩ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ዝሃቦ ትንቢት ናይ ድንግል ምጥናስን ምውላድን ኣብ ኣእምሮ ሳይንስ ከይኣተወ ካብ ኣምላኽ ንእተቐበሎ ትንቢት ብእምነት ተቐቢሉን ተነብዩን ጽሒፉን ካብዛ ዓለም ሓለፈ። ብድንግልና ምጥናስን ምውላድን ካብ ኣእምሮ ሳይንስ ዝወጸ እኳ እንተኾነ፣ ናይ ኣምላኽ ሰባት ብሓቂ ናይ ኣምላኽ ዘብሎምን፣ ብቑዓት ኣገልገልቲ ዝኾኑን ንቃል ኣምላክ ብእምነት ምስ ዝቕበሉዎን እዩ። ነብይ ኣብ ሳይንሳዊ ፍልጠት እንተዝኣቱ ድንግል ከመይ ጌራ ትጠንስ፣ ድንግል ከመይ ጌራ ትወልድ ዝብል ሕቶ ሒዙ ነቲ ካብ ኣምላኽ ዝተዋህቦ ምልክት ክቅበሎ ኣይምኸኣለን። ሳይንስ ኣብ ዓለም ዘሎ ሰባት ዝበጽሕዎ ውሱን ፍልጠት እዩ። ኣምላኽ ግና ልዕሊ እቲ ሰባት ዝበጽሕዎ ፍልጠትን ኣእምሮን ክበጽሖ ዝኽእልን ልዑል ሓይልን ተኣምራትን ይገብር።

ጐይታ ነቲ 38 ዓመት ኣብ ዓራት ዝወደቐ መጻጉዕ፣ ሓጢኣትካ ተሓዲጉልካ ምስ በሎ እዚ ከመይ ጌሩ ሓጢኣት ክሓድግ ይኽእል፧ ኢሎም ብልቦም ተቓወሙ። ጐይታ ድማ ሓጢኣት ከም ዝሓድግ በቲ ዓራትካ ኣልዒልካ ተንስእ ዝብል ቃል ኣርእይዎም። (ሉቃ 524) ካህን ዘካርያስ በቲ ኣምላኽ ዝሃቦ ክዉን ቃል ከይኣምን ንኹነታት እርግንኡን መዓልቲ ዝሓለፋ በዓልቲ ቤቱን ብምጥማት ነቲ ቃል ኣምላኽ ብእምነት ስለዘይተቐበሎ ኣብ ጸገም ወዲቑ። ኣብ ግዜና ውን እንተኾነ ኣምላኽ ንዝሃበና መልእኽቲ ካብ ኣምላኽ ምዃኑ እንተ ኣረጋጊጽና ወላ ንኣእምሮ ቅቡል ኣይኹን ከምቲ ዝሃበና ንቀበሎ ኣምበር ኣይንንጸጎ፣ ከምቲ እተነግረና ነሕልፎ እምበር ኣይንዕበጦ። ኣምላኽ ንዝሃበና መልእኽቲ ንኣእምሮ ቅቡል ብዝኾነ መገዲ ከነመሓላልፎ ኣይንፈትን። ብኸመይ እፍጸም፣ መዓስ እፍጸም ንኣምላኽ ንግደፎ። ካብ ነብይ ኢሳያስ ንመሃሮ ዓቢ ነገር ነቲ እግዚኣብሄር ብግዚኡ ዝፍጽሞ ትንቢት ከም ዘለዎ ምቕባሉ እዩ። ስለዚ ነቲ መዓሙቅ ኣምላኽ ከይተረፈ ዝምርምር መንፈስ ኣምላኽ ለቢስና ንመልእኽቲ ኣምላክ ንቀበሎ።

እታ ካልኣይቲ ጥቅሲ ካብ ልደት ክርስቶስ ኣትሒዙ ኣምላኽ ካብ ከመይ ኩነታት ከም ዘምጽኣና ተመልክት።ጸልማትንድነ ሞትንከበድትን ዘፍርሃን ቃላት እየን። ኣምላኽ ብምምጻእ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብወንጌሉ ጸልማትን ድነ ሞትን ቀንጢጡ ብርሃን ህይወት ኣልቢሱና። ቃሉ ‘‘ህይወት ኣብኡ ነበረት፣ እታ ህይወት ውን ብርሃን ሰብ ነበረት ብርሃንውን ኣብ ጸልማት የብርህ፣ ጸልማት ድማ ነቲ ብርሃን ኣይሓዞን’’ (ዮሓ 14-5) ‘‘ህይወት ድማ ተገልጸት ነታ ምስ ኣቦ ዝነበረት ንዓና ውን ኣተገልጸት ናይ ዘልኣለም ህይወት ንምስክር ንነግረኩም ውን ኣሎና’’ (1ዮሓ 12) ክብል ይገልጸልና፣፣ ጐይታና ውን ባዕሉ ‘‘ኣነ ብርሃን ዓለም እየ። እቲ ብኣይ ዝኣምን ድማ ብርሃን ህይወት ክረክብ እምበአር ኣይክጠፍእን እዩ’’ ይብለና (ዮሓ 812) እምበኣርከስ ኣብዚ ናይ ልደት ቅንያት ነቲ ብርሃን ህይወት ዘልብሰካ ጐይታ ዘለካ ተወፋይነትን ፍቅርን ገምጊምካ ህይወትካን ናብራኻን እተሐድሰሉ ግዜ እዩ። ዓመት መጸ ልደት ከም ኩሉ ሰብ ብብልዕን መስተን ክዳንን ጥራሕ ምኽባር ነቲ ብክርስቶስ ዝረኸብካዮ ብርሃን ህይወት ዘፉኹስ እዩ። ‘‘ መንግስቲ ኣምላኽሲ ብመንፈስ ቅዱስ ጽድቅን ሰላምን ሓጐስን እያ እምበር ብብልዕን መስተን ኣይኮነትን እሞ፣ ነቲ ሰናይኩም ኣይተጽርፍዎ’’ (ሮሜ 1417) ከም እተባህለ ብቀዳምነት ነቲ ዝረኸብናዮ ብርሃን ህይወት ኩሉ ግዜ ክንዕቅቦ ክንውልዖ ክነሐድሶ እዩ እቲ ዕለት ተሰሪዑ። (ነህ 89-10)

እታህጻን ተወሊዱልና ወዲ  ተዋሂቡናእትብል ሳልሰይቲ ሓሳብ ክርስቶስ እቲ ዝዓበየ ኣምላኽ፣ ዝሃበና ውህበት ኣምላኽ ምዃኑ እያ ተብርሃልና። ክርስቶስ ህጻን ከሎ ኣቦ ዘለኣለም፣ ገዛእን መስፍንን እኳ እንተኾነ ግዝኣቱ ኣብ መንኵብ ሰባት ዘይኮነ ኣብ መንኲቡ ዝሕንግር፣ ግሩም ምኽሪ ዝህብ መስፍን ሰላም እዩ። ሓይሊ ኣምላኽነቱ ከቢድ ኣርዑት ዘስክም ዘይኮነ` ከቢድ ጾርን ኣርዑትን ዝቕንጥጥ እዩ። ብሓቂ ብኡኡ ክንሕጎስን ባህ ክብለናን ይግባእ። ኣምላኽ ቀጻዒ፣ ተቘጣዒ፣ ምሕረት ዘይብሉ ናብ ሲኦል ዝድርቢ ጨካን ኣይኮነን። ብትዕግስቱ፣ ብፍቅሩ፣ ብምሕረቱ ዘሽካዕለለ፣ ግና ድንጋጸ ዘይብሉ ዘለኣለማዊ ፍርዲ ገሃነም እሳት ክወርዶ እዩ። ኣታ ሰብ ንምንታይ ብኣምላኽ ክቡር ከለኻ ትሓስር፧ ሃብታም ከለኻ ብዘይ ምእዛዝ ትደኪ፧ ልቡስ ከለኻ ብሓጢኣት ትዓርቅ፧ ምኽሪ እቲ ግሩም ኣምላኽ ስማዕ። በቲ ብዙሓት ብፍትወቶም ዝጐዓዝዎ መገዲ ጥፍኣት ዘይኮነስ፣ በቲ ውሑዳት ብፍቃድ ኣምላኽ ዝጐዓዝዎ ጸባብ መገዲ ናብ ዘልኣለማዊ ህይወት ክትጐዓዝ እዩ እቲ መድሓኒ ክርስቶስ ጐይታ እተገልጸ። ኣብዚ ቅንያት እዚ ብዛዕባ እዞም ኣብ ታሕቲ ዘለዉ ጽሑፋት እንታይ ትብል።

2. ብስራት ገብርኤል መልኣኽን ሕቶ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያምን (ሉቃ 126-38)

ኣብዚ ብዛዕባ ነፍሲ ወከፍ ቃል ገብርኤል መልኣኽን ድንግል ማርያም ዝመለሰቶን ንኣኻትኩም ሓዲግና፣ እቲ እግዚኣብሄር ንምድሓንና ዝሃበና ምልክትድንግል ከም እትጠንስን፣ ድንግል ከም እትወልድን እዩ እዚ ውን ንባዕሉ ምልክት ድኣ እምበር እቲ ቀንዲ ቱክረትሲ እቲ ብድንግልና እተወልደን እተጠንሰን ገባሪ ትኣምራት ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኢዩ። ሓይሊ ልዑል ኣጽሊሉ፣ መንፈስ ቅዱስ ወሪዱ፣ በዚ መንፈሳዊ መስርሕ ግብሪ ኣምላኽ፣ ብድንግልና እተወልደ ቅዱስ፣ ወዲ ኣምላኽ ንኣና እንኮ ቀዳሲና እዩ። ንዕኡ ብምቅባልን ንስሙ ብምእማን ጥራሕ ድማ ኢና ውሉድ ኣምላኽ ምዃን መሰል እንረኽብ። ሕቶ ኣዴና ቅድስቲ ድንግልን መልሲ ገብርኤል መልኣኽን ነቲ ምልክት ድሕነት ማለትንሕዝቡ ካብ ሓጢኣቶም ከድሕኖም እዩ እሞ ኢየሱስ ክትሰምዮ ኢኻዘድምቕ እዩ (ማቴ 121)ክሳብ ቦኽሪ ወዳ እትወልድ ኣይፈለጣንነቲ ብነብዩ እተነግረ ቃል ትንቢት ክርስቶስ ብድንግልና ተጠኒሱ፣ ብድንግልና ከም እተወልደ፣ ሓቅነት ናይቲ ትንቢት ዘረጋግጽ ፍጻሜ እዩ። እቲ ቀንዲ ቁምነገር፣ ኣብቲ ምልክት ዘይኮነ፣ ኣብቲ እቲ ምልክት ዘመልክቶ መድሓኒ ክርስቶስ ጐይታ ምጥማት እዩ። ነቲ ምልክት ዕሽሽ ኣይንበሎ። እንተኾነ ግን ኣብቲ ምልክት ደው ዝበልና ከይንህሉ ድማ ንጠንቐቕ። ዝያዳ ሓጎስና፣ በቲ ንኹሉ ህዝቢ ዝኾነን ዝኸውን ዘሎን ዓቢ ሓጐስ መድሓኒ ንሱ ከኣ ክርስቶስ ጐይታ ቅድሚ 2000 ዓመት ምውላዱ እዩ። ንሕቶ ድንግል፣ እቲ መስርሕ ናይቲ ዘጨንቆ ዘይብሉ፣ ዘጽልል ሓይሊ ልዑልን፣ ናይቲ ዝወርድ መንፈስ ቅዱስን፣ ምዃኑ ምስ ተነግራ እኔኹ ባርያ እግዚኣብሄር ከም ዘረባኻ ይኹነለነይ በለት።  ናታ መደብ፣ ናታ ድሌት ባህግን ዘይኮነ፣ ነቲ ኣምላኽ ቅድሚ ዘመናት ዝመደቦ መድሓኒ ካብኣ ንኽውለድ ብፍቓድ ጐይታ ግዝእትን እዝዝትን ምዃና ገለጸት። ንሕና ድማ ነቲ ኣምላኽ ብወዱ ኢየሱስ ክርስቶስ ንኹሉ ህዝቡ ምድሓን ክኸውን ዝመደቦ፣ ንኻልኦት ብወንጌል ኣፍደገ ምድሓን ክንከፍተሎም ከም ፍቓድ ኣምላኽ ባሮት ንኹን። ንኹሉ ክንረብሕ፣ ንርእስና ባሮት ኣምላኽን ቅዱስ ትእዛዛቱን ንግበራ። ሎሚ እኔኹ ባርያኻ ጐይታይ ክንብለሉ ዝግብኣና ብዙሕ ነገር ኣሎ። ባርያ ኣምላኽን ባርያ ኣሕዋትናን ሰብናን ንምዃን፣ ጽባሕ ምስ ክርስቶስ መድሓኒና ኣብ መንግስተ ሰማያት ንዘልኣለም ክንነግስ ኣፍደጊኡ ክኸፍተልና እዩ። በዚ ቅንያት እዚ ከም ለባማት ውሉድ አምላኽን ከም እዴና ድንግል ማርያምን ንኹሉ ፍቓድ ኣምላኽ፣ እኔኹ ባርያኻ ንበል። ካብ ሎሚ ጀሚርና ባሮት ሓጢኣት ዘይኮነስ ባሮት ጽድቂ ንምዃን ንወስን። መንፈስ ኣምላኽ ድማ ንምድጋፍናን ውሳኔና ንምጽንናዕን እተዳለወ እዩ።

3. መንፈሳዊ ምስክርነት ኤልሳቤጥ (ሉቃ 139-45)

ማርያም ነቲ ኣምላኽ፣ ዝጨንቆ ስለዘይብሉ፣ ብኣዘራርባ ሰብ ኣብታ ንኽትወልድ ዕለታ ዝሓለፈ ውሉድ ከምዝህብ እተዋህበ መረጋገጺ ክትርኢ ተቀላጠፈት። ማርያም ኣብ ቤት ዘካርያስ ድምጺ ሰላምታ ኣብ ዘስምዓትሉ፣ ብቀዳምነት ብዛዕባ እቲ ዝተነግራ ብስራትኣደ ጐይታ ምዃና መንፈስ ቅዱስ ብዝመልኣት ኤልሳቤጥ ደጊሙ ተረጋገጸላ እቲ ቃል ምስክርነትኣደ ጐይታይ ንስኺ ናባይ ክትመጽኢ እዚ ካበይ ኮነለይ’ (ሉቃ 143) ዝብል ነበረ። ክብሪ ማርያም ኣደ ጐይታ ብምዃና እዩ። ብጽእናኣ ነቲ ብእግዚኣብሄር እተነግረላ ቃል ብምእማና ምዃኑ መንፈስ ቅዱስ መስከረላ።

ከምቲ ልዕል ኢሉ ዝተጠቅሰ፣ ማርያም ናብ ኤልሳቤጥ ተቀላጢፋ እተላዕለትሉ፣ ነቲ ዝጨንቆ ዘይብሉ ስራሕ ኣምላኽ ኣብ ኤልሳቤጥ ምርኣይ ነበረ። መንፈስ ቅዱስ ውን ሕቶን ትዕዝብትን ማርያም ከይተጸበየ፣ ብልሳን ኤልሳቤጥእንሆ ድምጺ ሰላምታኺ ምስ ሰማዕኩ ህጻን ብሓጐስ ኣብ ከርሰይ ተሰራሰረ’ (ሉቃ 144) ክብል ገለጸላ። ማርያም ድማ ካብታ መንፈስ ቅዱስ እተመልአት ኤልሳቤጥ፣ ብዛዕባ እቲ ኣብ ገዛእ ርእሳን ኣብ ኤልሳቤጥን እተፈጸመ፣ ዓቢ ግብሪ ኣምላኽ ሰሚዓ ኣብ ምስጋና ኣተወት። ምስጋና ማርያም ብቀዳምነት ንእግዚኣብሄር ኣምላክ ምዕባይን፣ በቲ እግዚኣብሄር ዝፈጸሞ፣ ዝበለቶን ዝርዝር ናይ ነፍሲ ወከፍ ቃል ምስጋና ብግልና ነስተንትኖ። ኣሕዋተየ ከም ናይ ሰብ ሓሳብ ግዜኻ ኣብ ዝሓለፈሉ ዝውለድ ውላድ፣ ንዕኡ ኣብ ትሕቲ ወለዱ ንኽዓቢ ዘለዎ ዕድልን፣ ነቲ ወላዲ ውን ብውላዱ ክድገፎ ዘለዎ ተኽእሎን ጸቢብ እዩ ዝገብሮ። ነፍሲ ወከፍና ንምንታይ ውላድ ከም እንደሊ ነናትና ምኽንያት ክህልወና ይኽእል እዩ። ብዛዕባ ውሉድ ንእስነትን ብዙሓት ውሉድ ምውላድን፣ ፈራይት ሰበይትን ኣብ ቃሉ ዘሎ ሓቅታት ንፈልጦ ኢና (መዝ 1274 1283-4) እዞም ካብ ሓቂ ሓሊፎም ንኣምላኽ ዘፍቅሩን እተኣዘዙን ኣቦና ኣብርሃምን፣ ካህን ዘካርያስን ነዚ ትዕድልቲ እንታይ ክንብል ኢና፧ ኣብ ግዜ ንእስነቶም ዘይኮነስ ኣብ ግዜ እርጋኖም፣ ብዙሓት ውሉድ ዘይኮኑስ ሓሓደ ምርካቦም እንታይ እዩ ምስጢሩ፧

ጥበብ ቅዱሳን ንፍቓድ ኣምላኽ ኣብ ምእዛዝን ዝሃበካ ኩሉ ብምምስጋንን ጥራሕ እዩ ዝፍጸም። ኣብ መንፈሳዊ ዓለም ኣብስለምንታይዝብል ሕቶ ዝተመስረተ ህይወት መልሲ ዘይትረኽበሎም ብዙሓት ስለምንታይ ክውለድ ይኽእል እዩ። ኣምላኽ ብምውላድ ይባርኽ። ብዘይ ምውላድ ውን ይባርኽ እዩ። እቲ ከም ኣመንቲ ኣብ ኪዳንናን ሓዳርናን ክንርእዮ ዘለና ነዚውን ከም ፍቓድ ኣምላኽ ክንቅበሎ ከድልየና ኣዩ። ዘይምውላድ እንተ ኣጋጠመውን፣ ናብቲ ዘይምውላድና ዘይኮነስ ናብቲ ንኣምላኽ ዘሐጉስ ህይወትን ንኺዳን ኣምላኽ ብምጽንናዕ ናብ ዝበለጸ ዘልኣለማዊ በረኸት ዘብጽሓና ድኣ ነቕልብ።እቲ ስሉብ ድማ እንሆ ንቑጽ ኦም እየ ኣይበል፣........ ነቶም ሰናብተይ ዝሕልዉ፣ ንዓይ ዝሕጉስ ዝሓርዩ፣ ኪዳነይ ድማ ዘጽንዑ ስሉባት፣ ንዓኣቶም ኣብ ቤተይን ኣብ ውሽጢ ደምበይን ስፍራ፣ ካብ ኣወዳትን ኣዋልድን ዝበልጽ ስም ክህቦም እየ፣ ዘይጠፍእ ዘልኣለማዊ ስም ክህቦ እየ፣ (ኢሳ 564-5) ብምባል ኣብቲ ንሕና እንደልዮ ዘይኮነስ ኣብቲ ንሱ ዝደልዮ ፍቓዱ ዝዓዘዘ በረኸት ኣለዎ።

ሎሚ ብዙሓት ኣብ ክንዲ ምስጋና፣ ኣዋልድ ጥራሕ ኮይነናና፣ ኣወዳት ጥራይ ኮይኖምና፣ ሓንቲ ኮይና ጓልና፣ ሓደ ኮይኑ ወድና፣ ኢልካ ምግሩምራም ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቅቡል ኣይኮነን። ኣይወለደትን ኣይወለደን ኢልካ ቃል ኪዳን ምፍራስ መርገም እምበር በረኸት ዘምጽእ ኣይኮነን። እዚ ካብ ፍቓድ ኣምላኽ ዝወጸ ዓለማውነት እምበር ቅዱሳን ኣመንቲ ፈጺሞም ክሓስብዎ ዘይግባእ ጽዩፍ ሓሳብ ኢዩ። እዚ ንፍቓድ ኣምላኽ ዘይኮነ ንፍቓድ ርእስኻ ምንባር፣ ነቲ መደቀሲ ኣሚን ዘርክስ ስለዝኾነ መርገም ኣለዎ (እብ 134) ሰለዚ በቲ ኣምላኽ ዝሃበና ኩሉ ብምስጋናን ከም ፍቃድ ኣምላኽ ብምንባርን እምበር፣ ንቃል ኪዳንና ብዓመጽ ምኽዳንን ነተን ካብ ንእስነትና ይኹን ካብ ዕቤትና ብጾትናን ሰብ ቃልኪዳንናን ኣሓት ከይነጉሂ ከይንጠላለም መንፈስና ንሓሉ (ሚል 213-16) ኣሕዋተየ ጽድቂ ኣብ ኩሉ መዳይ ህይወትና ኣሎ። ኣዚ ከኣ ኣብ ኩሉ በቲ ኣምላኽ ከሕልፈና ዝፈተወ ብዕላማ፣ ከም ፍቓድ ኣምላኽ ብምግባር እዩ ዝርከብ እምበር፣ ግድን ምምርዓውን ዘይምምርዓውን ምውላድን ዘይምውላድን፣ ጥዕና ምርካብን ዘይምርካብን፣ ምርካብን ምስኣንን፣ ወጻኢ ምኻድን ኣብ ዓድኻ ምንባርን ኣይኮነን። ዕዉት ህይወት ኣብ ኩሉ እትሓልፎ ብፍቓድ ኣምላኽ ምንባር እዩ።

4. ሃቐነ ዮሴፍን መልሱን (ማቴ 118-24) 

ዮሴፍ ሕጽይቱ ማርያም ምጥናሳ ምስ ሰምዐ፣ ብሕቡእ ክሓድጋ እምበር ከጋልጻ ኣይፈተወን። ብዛዕባዚ፣ ዝርዝር ሊቃውንቲ ብዙሕ ክኸውን ይኽእል እዩ። ንዮሴፍ ሕጽይቱ ማርያም ከይተራኸቡ ብምጥናሳ፣ ሕጊ ብሉይ ኪዳን ዘፍቅደሉ ብዙሕ ቀጻዒ ነገራት ከብጽሕ ዘፍቅድ መሳልል ነይርዎ። እንተኾነ ግን ጻድቃን ናብ ከምዚ ኣይህወኹን እዮም። ብስቱር ብሕቡእ ከየዋዓወዐ ክገድፋ ኣብ ሓሳብ ነበረ። እቲ ንጻድቃን ምስጢሩ ዝገልጽ ኣምላኽ ብሕልሚዮሴፍ ወዲ ዳዊት እቲ ሕጽይትኻ ማርያም ጠኒሳቶ ዘላ ካብ መንፈስ ቅዱስ እዩ ንምውሳዳ ኣይትፍራህ። ወዲ ክትወልድ እያ ንሱ ኸኣ ንህዝቡ ካብ ሓጥያቶም ከድሕኖም ኢዩ ስሙ ኢየሱስ ክትሰምዮ ኢኻ’ (ማቴ 120-21) ካብቲ ብስቱር ክወስዶ ዝሓሰበ መንገዲ መለሶ። ጻድቕ ዮሴፍ ውን ንፍቓድ ጐይትኡን ነቲ እተነግሮ ቃልን ተአዘዘ። ሎሚ ነዚ ነገር እዚ ኣብ ኣእዛንና ክንሰምዖ ከለና፣ ዘይክገርመና ይኽእል ይኽውን። እቶም ፍሉያት ናይ ኣምላኽ ሰባት ኣብ ሓሳብ ስጋ ከይኣተዉከመይ ኢሉ ከምዚ ይፍጸም፧ እንታይ ማለት እዩ እዚ፧ከይበሉ ብፍቓድ ኣምላኽ ይእዘዙ። ዮሴፍ ነቲ ብእግዚኣብሄር ዝተዋህቦ ዓቢ ምሕጽንታ ተኣዚዙ ነዴናን ንጐይታ ኢየሱስን ኣብ ልደት፣ ኣብ ስደት፣ ካብ ስደት ኣብ ምምላስን ኣብ ምዕባይን ጐይታ ዓቢይ ተራ ነይርዎ (ማቴ 213-23 ሉቃ 241-51) እግዚኣብሄር ንዝሃቦ ኣገልግሎት ኣሜን ኢሉ ተቀበለ። ሎሚ ኣብ ዘዝመረጽናዮ ኣገልግሎት ንነጥፍ ኢና። ንሕና ንዘይንደልዮ ኣገልግሎት ከይንልኣኽ ከም ዮናስ ዝኣበናውን ኣይንስኣንን። ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ፣ እቲ ዝዓበየ ኣገልግሎት፣ ነቲ ኣምላኽ ዚሃበካ ተቐቢልካ ከም ፍቓዱ ምፍጻሙ እዩ።

እስከ ንርእስና ንገምግም፣ ናይ ዮሴፍ ምእዛዝ ክሳብ ክንደይ ከቢድ ምዃኑ ይረኣየካዶ፧ ጽድቂ ዋጋ የኽፍል እዩ። እዙዛት ኣገልገልቲ ኣምላኽ፣ ዋጋ ክኸፍሉ ድልዋት እዮም። እምበኣርከስ ኣብዚ ቅንያትዚ ኣምላኽ ብዝመረጾ ኣገልጋሊኡ ክትከውን ጥበብ ጻድቃን ተዓጠቕ። ብመንፈስ ኣምላኽ ድማ ጥበበኛን መስተውዓልን ኴንካ ፍቓዱ ከተለሊ ንምርሒት ኣምላኽ እንተ ብሕልሚ እንተ ብቃሉ ንዝብለካ ኩሉ ብጽሞና ተኸታተል። ካብ ጻድቕ ዮሴፍ እንመሃሮ ዓብዩ ነገር ኣምላኽ ንዝሃበኻ መልእኽቲ ተኣዚዝካ ዚሓትተካ ኩሉ ዋጋ ምኽፋል እዩ።

5. ትንቢት ካህን ዘካርያስ (ሉቃ 267-79)   

ካህን ዘካርያስ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ፣ ጻድቅ ብኹሉ ትእዛዛትን ሕጋጋትን ኣምላኽ መንቅብ ዘይብሉ ሰብ ምንባሩ ተገሊጹልና ኣሎ። እቲ ብናቱ ግዜ ሰሌዳ፣ ንጸሎት ዝምልስ ኣምላኽ ጸሎቱ ሰሚዑ፣ ውላድ ጥራሕ ዘይኮነ ብዕየቱን ኣገልግሎቱ ባህሪኡን ፍሉይ ኣገልጋሊ ዝኾነ ውሉድ ከም ዝህቦ፣ መልኣኹ ልኢኹ ኣበሰሮ (ሉቃ 117) ካህን ዘካርያስ ኣብ ኣእምሮ ስለዝኣተወ፡ ነቲ ካብቲ ዚጨንቆ ዘይብሉ ኣምላኽ ዝተላእከ መልኣኽ፣ኣነ ኣሪገ እየ በዓልቲ ቤተይ ከኣ መዓልታ ሓሊፉ እዩክብል መለሰሉ። ብሰሪ ዘይምእማኑ ድማ ክሳብ እቲ መልኣኽ እተዛረቦ ሓቂ ዝፍጽም ዓባስ ኮነ። (ሉቃ 119) ኣብ ግዝረት ዮሃንስ መጥመቅ ግና ልሳኑ ተፈቲሑ፣ መንፈስ ቅዱስ ውን መሊእዎ ብዛዕባ እቲ ዝውለድ ክርስቶስ ዓበይቲ ምስጢራት ተነበየ። ኣብ ትንቢቱ ከምዚ ኣብ ታሕቲ ተዘርዚሩ ዘሎ ብክርስቶስ ኣብ ህይወትና ክንክተሎም ዘለና ዓበይቲ ፍጻሜታት ሓቢሩና ኣሎ።

  • vእግዚኣብሄር ብክርስቶስ ንዓና ንህዝቡ ስለዝበጽሓናን እተበጀወናን ንኣምላኽና ኩሉ ግዜ ከየባተኽና፣ ንባርኾን  ነመስግኖን።
  • vነቲ ዝበጽሓናን እተበጀወናን ኣምላኽ ብኹሉ ዘመን ህይወትና፣ ብቅድስናን ብጽድቅን ብዘይ ፍርሓትን ነምልኮ።

ብኹሉ ዘመን ህይወትና ንኣምላኽ ከነምልኾ፣ እቲ ካብ ቤት ዳዊት ብክርስቶስ እተረኽበ ቀርኒ (ሓይሊ) ምድሓን ካብ ጸላእትናን ካብ ኢድ ኩሎም ዚጸልኡና (ስጋን ዓለምን ሰይጣንን) ኬድሕነና ክእለት ኣለዎ። ከምኡውን እቲ ‘‘ብዘርእኻ ኩሉ ኣህዛብ ምድሪ ክባረኹ እዮም’’ ዚብል ተስፋ ኣቦና ኣብርሃም (ዘፍ 122 2218) በቲ ኣብ ቤት ዳዊት ዝተወልደ ኢየሱስ ክርስቶስ ከም ዝተፈጸመ መንፈስ ቅዱስ ብኣፍ ካህን ዘካርያስ ገሊጹልና ኣሎሞ ብክርስቶስ ኣእጋርና ናብ መንገዲ ሰላም ነቕንዕ፣ ውሉድ ኣምላኽ ምእንቲ ክንበሃል ብኹሉ ገበርቲ ሰላም ንኹን። ሓንቲ ካብ እታ ክርስቶስ ዝሃበናን ዝሓደገልናን፣ ሰላም እያ እሞ ንሰላም ምስ ኩሉ ሰብ ንውርሳን ነውርሳን (ዮሃ 1427) ሰላም ብምግባርን ብፍቅርን ካብ ኩሉ ጸልማትን ድነ ሞትን ንውጻእ። ብስራት ወንጌሉ ነቶም ገና ኣብ  ጸልማትን ስኽራንን ዕብዳንን፣ ርኽሰትን ዝሙትን፣ ጥንቆላን ማእሰርቲ ሰይጣንን ዘለዉ ወገናትናን እሕዋትናን ሓርነት ነውጽእ። ሰይጣን ብዘሳወሮን ዘሳውሮ ዘሎን ጽልእን ቅርሕትን ንሓድሕድና ብምፍልላይን ብምጽላእን ግዳይ ኣይንኹን። ነቲ ኬጥፍኣና ብተንኮልን ብሓሶትን ኣብ መንጎ ኣሕዋት ሓዊ ዚዘርእ ሰይጣን ውዲቱ ኣለሊና፣ ብፍቅርን ብሓቅን ነቒሕና ንቃወሞ።

6. ብስራት መልኣኽን ምስጋና መልኣኽትን፣ (ሉቃ 29-14)

‘‘መልኣኽ እግዚኣብሄር ኣብ ጥቅኦም ደው በለ፣ ክብሪ እግዚኣብሄር ኣብ ዙርያኦምኣብርሀ፣ ብዙሕ ፍርሃት ከኣ ፈርሁ። እቲ መልኣኽ ድማ እንሆ ሎሚ መድሓኒ ኣብ ዓዲ ዳዊት ተወሊዱልኩም ስለ ዘሎ ንሱ ኸኣ ክርስቶስ ጐይታ እዩ። ንኹሉ ህዝቢ ዝኸውን ዓቢ ሓጐስ ኤበስረኩም ኣለኹ እሞ ኣይትፍርሁ። ...... ብዙሓት ሰራዊት ሰማይ ብድንገት ምስቲ መልኣኽ ተጸንቢሮም ክብሪ ንኣምላኽ ኣብ ላዕሊ፣ ሰላም ድማ ኣብ ምድሪ ኣብ መንጎ እቶም ስምረት ኣምላኽ ዘለዎም ሰባት እናበሉ ንአምላኽ ኣመስገኑ’’ (ሉቃ 29-11 14)

ጐይታ ኣብ እተወልደሉ፣ እቲ ብዓለም ብዓቢ ትኹረት እተገብረሉ ቈጸራ ህዝቢ ነበረ (ሉቃ 21) እዚ ትእዛዝ እዚ ኣዝዩ ጽኑዕ ግዲ ነይሩ ብጹሓት ኣዋርሕውን ነቲ ሕጊ ክእዘዛ ተገዲደን። ኣዴና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ሓንቲ ካብኣተን ክትከውን እያ (ሉቃ 24-7) እቲ ልዕሊ ምድራውያን ነገስታት ዝኾነ ጐይታ፣ ናብቲ ቅድሚ ነዊሕ ዘበናት ብትንቢት፣ ቦታ ምውላዱ ብነቢይ ሚልክያስ ናብ ዚገለጾ ቤተ ልሄም ምድሪ ኤፍራታ (ሚክ 52) ኣምርሐ።እቲ ብመለኮቱ ሰማይን ምድርን ዝመልእ ሰማያዊ ንጉስ ኣብ መብልዕ ማል ተወልደ (ሉቃ 27) እዚ ልደት ኣዚ፣ ብመላእኽቲ ግሁድ፣ ንጓሶት እተበሰረ፣ ንሰብ ጥበብ እተገልጸ ዓቢ ምስጢር ነበረ። መላእኽቲ ደለይቲ ምድሓን፣ ንስሓ፣ ዕርቂ ደቂ ሰባት ስለዝኾኑ፣ እንኳን ንኹሉ ህዝቢ ዚኸውን ምድሓን ተረኺቡ፣ ብሓደ ዚንሳሕ ሓጥእ ክሳብ ክንደይ ከም ዝሕጎሱ ቃሉ መስኪሩ ኣሎ። (ሉቃ 157) መላእኽቲ ብጉዳይና ንኣምላኽ ካብ ወደሱ፣ በቲ ንኹላትና ህዝቢ ኣምላኽ ክኸውን እተወልደ መድሓኒ ዝኾነ ክርስቶስ ጐይታ ብጉዳይ ድሕነትና ክሳብ ክንደይ ከነመስግን፣ ክንውድስ ክንዕልል ዘይግብኣና! እቲ ቀንዲ ከነተኩረሉ ዝግብኣና፣ ታሪኽ ምትንታን ዘይኮነስ ነቲ ምድሓን ወሪስናዮ ነቲ ጐይታ ወኒንናዮዶ፧ ዝብል እዩ። በዛ ቅንያት እዚኣ ንሰብ ምስ ሓው ዘተዓርቑ፣ ንባዕሎም ውን ዝዕረቁ ገበርቲ ሰላም፣ ናይ ብሓቂ ውሉድ ኣምላኽ እዮም። ከምቲ ኣምላኽ ብወዱ እተዓርቀና፣ ንሓና ውን ምስ ኣምላኽን ምስ ብጾትናን ብምትዕራቕ ልኡኻት ሰላም ንኹን። ልደት ስራሕ ኣምላኽ ብግብሪ ክንሰርሕ እዩ ዚምህረና፣፣

7. ምምጻእ ሰብ ጥበብን ውህበቶምን (ማቴ 112)

ሰብ ጥበብ፣ ንጉስ ኣይሁድ ብምውላዱ፣ ንዕኡ ክሰግዱን ገጸበረከት ክህቡን ነዊሕ መገዲ ተጓዒዞም። በቲ ካብ ምብራቕ ኣትሒዙ ዝመርሖም ኮኮብ፣ ክሳብ እታ ክርስቶስ ዘለዋ ቦታ መሪሑ፣ ኣብታ ክርስቶስ ዘለዋ ቦታ ምስ በጽሐ ደው በለ። ኣብታ ደው ዝበላ ነቲ ህጻን ምስ ማርያም ኣዲኡ ምስ ረኸብዎ፣ ኣዝዮም ብዙሕ ታሕጓስ ተሓጐሱ። ንጉስ ተወሊዱ፣ ኮኾብ ተራእዩ ተባሂሉ ብባዕዳውያን ኣብ ግዜ ልደቱ፣ እተሰግደሉ ብታሪኽ ኣይተሰምዐን። ንጉስ ክንሱ ኣብ መብልዕ ማል እተወልደ ውን ኣይተሰምዐን፣ ናይቲ ንጉስ ሰማይን ምድርን ትሕትናን ታሪኽን ኣዝዩ ፍሉይ እዩ። ነዚ ፍሉይ ጐይታ፣ ሰብ ጥበብ ህጻን ክንሱ፣ ኣብ ምድሪ ፍግም ኢሎም ሰገድሉ። ብሓቂ ሰብ ጥበብ ናይ ኣምላኽ እምበር ናይ ሰብ፣ ዘይርኢ ሰማያዊ ጥበብ። ሳጹኖም ከፊቶም ድማ ወርቅን ዕጣንን ከርበን ገጸበረኸ ሃብዎ (ማቴ 21-12) እዚ ኮኾብ እዚ ከም ቀስቲ ኮይኑ፣ ካብ ምብራቕ ክሳብ እታ ንክርስቶስ ዝረኸብዎ ግዜ፣ ዕላማ ናይቲ ነዊሕ ጉዕዞ፣ ዕላማ ናይቲ ስግደት ናይቲ ብዙሕ ሓጐስን ክርስቶስ ከም ዝነበረ ኣመልከተ። ሎሚ ዕላማ ጻዕርና፣ ወንጌልና፣ ስግደትና፣ ህያብና፣ ሓጐስና፣ ማህሌትናን ዝማሬናን ክርስቶስ ኮይኑ ኣሎ፧

እዚ ፍቅሪ እዚ ማለት ብክርስቶስ ዝረኸብዎ ድሕነት እናዘከሩ፣ ኣብዛ ፍልይቲ ቅነ እዚኣ ብሕቡእ ቤተ ቤት እናኸዱ ኣብ ድኻታት ኣሕዋቶም ኢዶም ዚዝርግሑ ክንደይ ብጹኣን እዮም! ኣብዛ ቅነ እዚኣ ዝባን ዕሩቃት ኣሕዋቶም ዘልብሱ ኣምላኽ ልብሲ ምድሓን ከልብሶም ብመርግፍ ጽድቂ ውን ኬጐልብቦም ኢዩ እሞ ዕድለኛታት እዮም (ኢሳ 6110 ማቴ 2534-35) ስለዚ ነቲ ኣምላኽ ብልግሲ ዝሃበና ገንዘብ ብልግሲ መማቐልቲ ብምዃን ነፍሳት ስኡናት ኣሕዋት ንበጆ። ጽድቂ ብዘረባ ኣይኮነን። ጽድቂ ካብ ርህሩህ ልቢ ብዝነቀለ፣ ብግብሪ ብሓጐስ ካብ ዘለካ ነቶም ዘይብሎም ምክፋል እዩ። እዚ ምስ ገበርካ ተሓጒስካ፣ ብዓልካ ኣብዕል፣ ነፍስኻውን በቲ ኣምላኽ ዝሃበካ ጥዕም ብልዕን መስተን ምስ ስድራኻ ባህ ይበላ።

ከም ሄሮድስ ጨካንን ቀናእን ኣይትኹን። እዚ ናብ ዝገደደ በደል ጥራሕ እዩ ዘብጽሕ። ብቅንኢ ዝጀመረ ሕማም ናብ ቅትለትን ደም ንጹሃት ምፍሳስን እዩ ዘብጽሕ። ከም ሊቃውንቲ ካህናት ብሉይ ኪዳን፣ መጽሓፍ ቀሊዕካ ኣብ ቤተልሄም እዩ ዝውለድ ምባል እኹል ኣይኮነን። እቲ ዝገደደ መግደራ ወኪል ኣምላኽ ኴንካ፣ ኣብ መንበር ሙሴ ተቐሚጥካ ንኣምላኽ ሙሴ ኣብ ቤት ኣምላኽ ክትስእኖ ከለኻ እዩ። ኣገልጋሊ ኣምላኽ፣ ንፍቃድ ሄሮድስ ምንባርን፣ ሄሮድስ ንዝሓቶ መልሲ ንምሃብን ጥራሕ፣ ኣብ ምድራዊ ቤት መቅደስ ከቐምጠካ ይኽእል ይኸውን። ኣብ ሊቃውንቲ ካህናት ኣይሁድ፣ ዘጋጠመ ዑረት መንፈስ፣ ክሳብ ነቲ ዚውከሎም ኣምላኽ ብቅንኣት ሰቐልቱን ቀተልቱን ምዃን የብጽሕ። ታሪኽ ኣባና ከይድገም ኣዚና ክንፈርህን ክንጥንቐቕን፣ እንበር ኣብ ርእሲ ኣይሁድ ክንወራዘ ኣይኮነን ዝግብኣና። ኩሉ ግዜ ስለ ርእስናን ኣገልግሎትናን ብጾምን ብጸሎትን ብመንፈስ ክንምራሕ ወትሩ ኣብ እግሪ እቲ ንኹሉ ሰብ መድሓኒ ኮይኑ እተወልደ ኢየሱስ ክርስቶስ ብትሕትና ክንወድቕ ግድን ከድልየና እዩ። ከምቲ ዘይእዙዛት ደቂ መንግስቲ ንወጻኢ እተደርበዩ፣ ተገውትን ሓጥኣንን ድማ ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ዝቐደሙ፣ ሎሚ ውን እንተኾነ ንፍራህን ኣብ ትሕቲ እታ ጽንዕቲ ኢድ ኣምላኽ ብመንፈስ እናተመላለስና ትሕት ንበል። (1ጴጥ 5:6)

ኣምላኽ ሕጂውን ነቶም ኣብ ዝሙት፣ ዕብዳን ጽልእን ባእስን ዘለዉ ዝያዳ ኩሉ ይደልዮምን ይጽውዖምን ኣሎ። ንሓጥኣን ንንስሓ እምበር ንጻድቃን ክጽውዕ ከምዘይመጸ ኣብ ቃሉ ደጋጊሙ ገሊጹልና ኣሎ። እዚ ከኣ ነቲ ሓጢኣት ስለዝፈትዎ ዘይኮነስ ነቲ ኪንሳሕ፣ ካብ ሓጢኣቱ ውን ክምለስ ዝደሊ ሓጥእ የፍቅሮ፣ ይድንግጸሉን ይምሕሮን እዩ። ሎሚ ካብ ማእሰርቲ ሓጢኣት ተመሊሱ፣ ናብቲ ንኹሉ ህዝቢ ዝኸውን መድሓኒ ክርስቶስ ጐይታ ዝመጸ፣ እዚ ወደይ ጠፊኡ ነይሩ ሕጂ ግና ተረኺቡ። ሞይቱውን ነይሩ ሕጂ ግና ሓውዩ ኢሉ ይሕጎስ፣ በዓል ይገብር (ሉቃ 151-32) ኣብ ግዜኻ ነቲ ኣምላኽ ዝሃበካ ዕድል ተጠቀመሉ። ኣብ ጉብዝናኻ፣ ጥዕናኻ ሃብትኻን ስልጣንካን ኣይትተኣመን። ናብ ኣምላኽ ብምምላስን፣ ንንስሓ ዝበቕዕ ፍረ ብምፍራይን ጥራሕ መንፈሳዊ ሰላምካን ሰላም ቤትካን ይጸንዕ፣ ኣብ ምድርን ሰማይን ድርብ ረብሓ ይህልወካ። በዚ እትረብሖ ኣምበር እትኸስሮ ክሳራ የብልካን።

8. ምስጋና፣ ልመናን ትንቢትን ስምኦን ኣረጋዊ (ሉቃ 225-35)

ብዛዕባ ስምዖን ኣብ ኣፈ ታሪኽ ብዙሕ እተጻሕፈ ኣሎ። ኣብ ወንጌል ድማ እዚ ሰብኣይ ኣዚ ‘‘ጻድቅ፣ ንኣምላኽ ዝፈርህ፣ ምጽንናዕ እስራኤል ዝጽበ፣ መንፈስ ቅዱስውን ዝነበሮ፣ ነቲ ጻድቅ ከይርኣዮ ድማ ሞት ከምዘይመውት ተገሊጽሉ ነበረ’’ (ሉቃ 225-26) ንጐይታና ስርዓት ምንጻህ ኪገብርሉ፣ ናብ ቤት መቅደስ ምስ ኣምጽእዎ፣ ስምዖን ድማ ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሑ ናብቲ ጐይታ ዝነበሮ ቤት መቅደስ መጸ። ንጐይታ ሓቚፉ ድማ ሓጻርን መልእኽቲ ዝመልኣ መግለጽን ልመናን ከምዚ ክብል ኣቕረበ። ‘‘ ጐይታይ፡ ነቲ ንምብራህ ኣህዛብ ብርሃን፡ ንህዝብኻ እስራኤልውን ክብረት ምእንቲ ኪኸውን፡ ኣብ ቅድሚ ዂሉ ህዝቢ ዘዳሎኻዮ ምድሓንካ ኣዒንተይ ካብ ረኣያስ፡ ሕጂ ኸምቲ ዘረባኻ ንባርያኻ ብሰላም ተፋንዎ ኢኻ፡ በለ’’ (ሉቃ 229-32)

ስምዖን ነቲ ኣህዛብ ብርሃን ንእስራኤል ድማ ክብረት ዝኾነ ኢየሱስ ክርስቶስ ብምርኣዩ፣ ንነፍሱ ክሳብ ክንደይ ዕድለኛ ጌሩ ከም ዝቖጸራ ንመልከት። ምኽንያቱ ከምቲ ጐይታ ዝበሎ ነቲ ብዙሓት ነብያትን ጻድቃንን ክርእይዎ እተመነዩ ግና ዘይርኣዩ፣ ስምዖን ግና ክርእዮ ዕድል ስለዝረኸበ፣ ንኣምላኽ ኣመስጊኑ፣ ሰላማዊ ስንብታ ናብ ኣምላኹ ኣቕረበ። ሎሚ ንሕና ብስራት ወንጌሉን ተበጃውነቱን ዝጠዓምና ክሳብ ክንደይ ንኣምላኽ ከነመስግኖ ዘይግብኣና! ብዙሕ ጊዜ መሪሕነት ሰጋ የደንዝዝ፣ የባዕዝዝ ድማ። ብመንፈኣ ኣምላኽ ምስ እንምራሕ ግና ምስጢር ኣምላኽ ነለልይሞ፣ ብመንፈስ ንምምስጋንን ንምሕጓስን ንኽእል። ከም ስምዖን መሪሕነት መንፈስ ቅዱስ ኣዚና ንድለ። ስምዖን፣ ጐይታ ንኣህዛብ ብርሃን ንእስራኤል ድማ ክብረት ከም ዝኸውን ጥራሕ ኣይኮነን እተገልጸሉ። ሓሳብ ልቢ ብዙሓት ንገለ ብምጽራሮም ንውድቀት ንገሊኦምውን ብምቅባሎም ንምትንሳእ ኮይኑ ክሳብ ዝግሃድ ናብ ነፍሲ ድንግል ማርያም ሰይፊ ከም ዝኣቱ እዩ ተራእይዎ።

ክርስቶስ ኣብ ልዕሊኡ ዝወረደ መከራ መስቀል ንእኡ ጥራሕ ዘይኮነ ነዲኡ ማርያምውን ሰይፊ ኮይንዋ እዩ። ሎሚውን ነቲ ናይ ሓቂ ወንጌል ቀዳምነት ሂቦም ንዝዓዩ ኣገልገልቲ፣ በቲ ካብ ዓለም ዝወርዶም ተነጽሎ፣ ማእሰርትን ጸለመን፣ ንስድርኦምውን ከምኡ ዓይነት ናይ ጓሂ ሰይፊ ክኣትዎምን ክኣትወናን ይኽእል እዩ። ናይ ብሓቂ ሰዓብቲ ክርስቶስ ብምዃና ግና ብምኽንያት ኣብ ወለዲ፣ ወይ ኣሕዋት ዝበጽሕ ጓሂ ሰይፊ ኣገልግሎትናን ዕላማናን ክንቅይር ኣይንኽእልን ኢና።

9. ሃና ጓል ፋኑኤል (ሉቃ 236-37)

እዛ መበለት እዚኣ ድሕሪ ሞት ብዓል ቤታ፣ ካብ ቤት ኣምላኽ ከይወጸት ብጾምን ጸሎትን ንኣምላኽ ተገልግል ከም ዝነበረት ወንጌላዊ መስኪሩላ ኣሎ። ከምዚኣተን ዝኣመሰላ ብተወፋይነት ንኣምላኽ ዘገልግላ ናይ ብሓቂ ደናግል መበለታት፣ ቤት ኣምላኽ ክትኣልየንን ከተኽብረንን ከም ዝግብኣ ጽሑፍ ኣዚዙ ኣሎ። እዚ ነታ ቤት ኣምላኽ ዓቢ ደገፍ እዩ። እግዚኣብሄር ምስጢሩ ኣብ ምግላጽ ናይ ጾታ ኣድልዎ የብሉን። በቲ ጽሑፍ ዝእዝዞ መሰረት ተወፍየን ንኣምላኽ ንዘገልግላ ናይ ብሓቂ መበላሉ፣ ኣምላኽ ብመንፈሱ ምስጢሩ ከምዝገለጸለን ሃና ጓል ፋኑኤል ምስክር እያ። ስለዚ ከኣ ኣምላኽ ነተን ተወፍየን ለይትን መዓልትን ብጾምን ጸሎትን ዘገልግልኦ ድማ ኣገልግሎተን ዝርስዕ ገፋዒ ኣምላኽ ኣይኮነን። ሃና ብምኽንያት ምውላድ ክርስቶስ ንኣምላኽ ኣመስገነቶ ነቶም ንምድሓን እስራኤል ዝጽበዩ ዝነበሩ ድማ እቲ መድሓኒ ክርስቶስ ጐይታ ምዃኑ ተዛረበቶም።

10. ብጓሶት እተነግሮም ብስራትን ንሳቶም ዝገበርዎን (ሉቃ 215-20)

ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ንኹሉ ነገር ኣብ ልባ ተዋህልሎ ከም ዝነበረት ወዘተ ክንመሃረሉ እንኽእል ብዙሕ ነጥብታት ኣሎ። ከምቲ ኣቐዲምና ዝበልናዮ ግን ናይዚ ኩሉ ቀንዲ ነጥቢ እቲ እተወልደ ንኹሉ ህዝቢ መድሓኒ ዝኾነ ክርስቶስ ጐይታ እዩ። ስለዚ ናይዚ ትሽዓተ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ መደምደምታ ብክርስቶስ ንእተረኽበ ድሕነት ክትለብሶ ክትነብረሉ ዝዓበየ ውሳኔ ህይወትካ ክትገብሮን ንኻልኦት ኣብቲ ብክርስቶስ እተረኽበ ምድሓንን ህይወትን ተኻፈልቲ ንምዃን ምዕዳም እዩ። ናብዚ ንምብጻሕ፣ በዚ ቅንያት እዚ ነቲ እተወለደ መድሓኒ ማለት ክርስቶስ ጐይታ ዝበቅዕ ህይወት ክትነብር፣ ናይዚ ጽሑፍ ዕላማ እዩ።

እምበኣርከስ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ነቲ ንኹሉ ሰብ መድሓኒ ክኸውን ንወዱ ናብ ዓለም ዝለኣኸልና ምስ ኩላትና ደቂ ሰባት ጉዳይ ኣለዎ። ከምቲ ቀደም ምስ ሰብ ጥበብ ሎሚ ውን ምስ ኩላትና ምሁራትን ሰብ ሞያትን ጉዳይ ኣለዎ። እዚ ምድራዊን ግዝያውን ውሱንን ሞያና፣ ጥበብናን ፍልጠትናን ብፍርሃትን ብፍቅሪ ኣምላኽን ጥራሕ ክስነ ከሎ እዩ ውሕስነት ዘለኣለማዊ ድሕነት ዝኾነና። ኣምላኽ ገንዘብኩምን ህያብኩምን ዘይኮነ ህይወትኩም እዩ ዝደሊ። ነዚ መጺኡ ምእቲ ውን ተወሊዱ ኣብዚ ስምረት ኣምላኽ እዚ ክንሰምር ከሎና እዩ እቲ ዝበለጸ ምርጫ። ብውሽጡ ንዝደልየኩም ኣምላኽ ብሓቅን ብልብን ኣጽኒዕኩምን ኣጥቢቅኩምን ድለይዎ። ኣብ መንጐኹምን ኣብ መንጎ ኣምላኽኩምን ጥቡቕ ሕብረት ምስ ተመስረተ እቶም ብምድሓንኩም ዝሕጐሱ ቅዱሳን መላእኽቲ ሕጅን ኩሉሳዕን ክብሪ ንኣምላኽ ኣብ ላዕሊ ዝብል ምስጋንኦም ቀጻሊ ይኸውን። ኣብታ ንሰማይ እትጓዓዙላ ድማ ብእኦም ተዓጂብኩም ነቲ ብክርስቶስ ዝተዳለወልኩም ዘለኣለማዊ  ህይወት ትወርሱ። ኣብ ጉስነት ዘለኹምውን እዚ መልእኽቲ ብስራት ብቐዳምነት ንዓኹም እዩ ተነጊሩ። እግዚኣብሂር ንዳዊት፣ ንሙሴ፣ ንኻልኦት ዓበይቲ ኣቦታት ኣብ ጉስነት ከለዉ ተገሊጽሎም። ሎሚውን ኣብ በረኻ ንሃሉ ኣብ ገዛ፣ ኣብ ሃገርና ንሃሉ ኣብ ወጻኢ ኣብ ፋብሪካ ንሃሉ ኣብ ንግዲ፣ እግዚኣብሄር ክንድሕነሉ ኣዝዩ ይደሊ። ስለዚ ኸኣ እዩ ነቲ ሓደ ክቡርን ቅዱስን ወዱ ዝለኣኸልና። ነዚ ናይ ክብሪ ዕድመ፣ ሕጂ ብኽብሪ ምቕባል ይሕሸና። ወሓዚ ፍቕሩ፣ ኣባታዊ ሓልዮቱ፣ ካብቲ ዘለኣለማዊ ጥፍኣት ክንመሉቕ ይደልየናን ይጽበየናን ኣሎ። ጓሶት ነፍሳትውን ከምቶም ብለይቲ ማሎም ክሕልዉ ነቂሖም ኣብ መሮር ዝሓደሩ እሞ ብስራት እቲ መልኣኽ እተቐበሉ፣ ከምኡውን ምስጋና እቶም ብዙሓት ሰራዊት መላእኽቲ ዝሰምዑ ብለይቲ ምእንቲ መጓሴና ንንቃሕ እምበር ኣይንደቅስ። ነቲ ምሳና ዘሎ መጓሰ ኣምላኽ ኣብነት እናዀንናን ብፍታውና ከም ፍቃድ ኣምላኽ እንተጓሲናዮ፣ እቲ ሓለቃ ጓሶት ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ተገልጸ ዘይጽምሉ ኣኽሊል ክብሪ ክንቅበል ኢና (1ጴጥ 51-4)

ኣምላኽ ነተን ከም ብዓል ኤልሳቤጥ ዝኣመሰላ፣ ኣብ ገዛ ዝውዕላ ሰብ ሓዳር፣ ነተን ከም ብዓል ሃና ብጾምን ጸሎትን ኣብ ቤት መቅደስ ዘገልግላ ሓዳር ዘይብለን፣ ነተን ኣብ ሓዳር ዘይኣተዋ ከም በዓል ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ንጹሃት ደናግል፡ ዝገበረለን ሰናይ ነገር ኩሉ ኣንቢብናዮ ኣሎና። ከም ኣዴና ቅድስቲ ድንግል ንፍቃድ ኣምላኽ እኔኹ ባርያኻ ከም ዘረባኻ ይኹነለይ ዝበለቶ ንሕናውን ንፍቓድ ኣምላኽ ባሮት ንኹን እግዚኣብሄር ነንዘመኑ ዝኸውን ጸጋ ኣለዎ። ስለዚ ኣብ ዘመንና ንፍቓዱ ቀዳምነት ዝሰራዕክን ደቂ ኣንስትዮ እግዚኣብሄር ድማ ኣብቲ መንግስቱ ቀዳምነት ክሰርዓክን እዩ። ኣብ ኣምላኽ ብናይ ጽድቅን ምድሓንን ኣድልዎ ጾታ የለን። ምድሓን ኣምላኽ ንኹሉ ፍጡራቱ ማዕረ እዩ። ስለዚ እቲ ንኹሉ ህዝቢ ዝኸውን ናይ ሓጐስ ብስራት ሕጂ ውን መድሓኒ ንሱ ከኣ ክርስቶስ ጐይታ መጺኡ ተወሊዱ ኢዩ።

ክብሪ ንኣምላኽ ኣብ ሰማይ ኣብ ላዕሊ፡ ሰላም ከኣ ኣብ ምድሪ ምስ እቶም ስምረት ኣምላኽ ዘለዎም ሰባት ይኹን። ኣሜን።

ርሑስ በዓል ልደት ይግበረልና! 

ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ኤርትራ መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜሪካ

ዕለት፥   ሰንበት ጥሪ 7,  2017            (29 ታሕሳስ 2010 ግእዝ)

ናይቲ መዓልቲ ስብከት

መዝ 72 (71)፡15

“የሐዩ ወይሁብዎ እምወርቀ ዐረብ ወዘልፈ ይጼልዩ በእንቲሁ።”

“ብህይወት ኪነብር፣ ካብ ወርቂ ሸባ ድማ ኪህብዎ፣ ኵሉ ጊዜውን ናብኡ ኺጽልዩ፣ . . .እዮም።” 

ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስንባባት

ንባብ

ኣንባቢ

ገላ 4፡1-12 

ዲያቆን

ወንጌል፡ ሉቃስ 2:5-21

 1ዮሃ 4፡9-ፍጻሜ 

ንፍቀ ዲያቆን

ቅዳሴ፡ ጎርጎርዮስ ካልእ

ግሃ 13፡16--22 

ንፍቀ ካህን

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div