S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ወዲ ሰብ ጐይታ ሰንበት እዩ!!

“እምበኣርከ ወዲ ሰብ ጐይታ ሰንበት ድማ እዩ፡ በሎም።” ማርቆስ 2፡28።

ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን ሎሚ ዕለት 25 መስከረም ግእዝ ናይ ክረምቲ መወዳእታ ናይ ሓጋይ መጀመርታ ብክብሪ ውዕለት እግዚኣብሄር ትዝክሮሉ ዕለት እዩ። ዘመነ ክረምቲ ዘብቅዓሉ መስከረም 25  ስለዝኮነ ኣብዚ ብኣቦታት ሊቃውንቲ ኣብ ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን ዝዝመር መዝሙርትብሎ መርዓት ለመርዓዊሃ ወልድ እኁየ ነዐ ኀቤየ፡ ወሪደ ኢታጐነዲእዚ ማለት ከኣ መርዓት (ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን) መርዓዊ  (ወልድ ኢየሱስ ክርስቶስ) ፍትወይ ናባይ ንዓ እትብሎ። ናይዚ ምሥጢሩ ከኣ ሃዋርያት ብቃላቶም ዘይሰበክዎ ስብከት ዘይመሃርዎ ትምህርቲ፡ የሎን፡ ነቢያትውን ብቃሎም ዘይተነበይዎ ፡ትንቢት የሎን። ናይ ነቢያት ትንቢት ናይ ሃዋርያት ስብከት ናብ ኣርባዕተ መኣዝን ዓለም በጽሐ ዝብል ትርጉም ዘለዎ ኮይኑ፡ ነቲ ኣብ ማር 223-28 ጐይታ ሰንበት ሙዃኑ ነብያት ዝተነበይዎ ጉይትነትን ሃዋርያት ዘረጋገጽዎ ምስ ህይወትና ኣረጋጊጽና ክንርኢ ኢና።

ጐይታ እቲ ዝዓበየ ጻዊዒቱ ጸዊዑ ምስ ወድአ፡ ምስ ደቀ መዛምርቱ ብዝሩእ ግራውቲ ክሓልፍ ጀመረ። ደቀ መዛምርቱ ጠምዮም ብምንባሮም ካብቲ ሰዊት ክምሕውን ክበልዑን ጀመሩ። እታ መዓልቲ ከኣ ሰንበት ነበረት። ብመዓልቲ ሰንበት ነዊሕ መገዲ ምኻድ ኣይፍቀድን እዩ ኔሩ። ክትከዶ እትኽእል ርሕቀት ናይ መገዲ ብፈሪሳውያን ተወሲኑ ነበረ።መገዲ ሰንበትኢሎም ከኣ ይሰምይዎ ነበሩ (ግብ 112) ከምኡ ኸኣ ዝኾነ ስራሕ ምስራሕ ዋላ እውን መግብኻ ምስራሕ ኣይፍቀድን ነበረ። እናማሓው ክበልዑ ምስ ጀመሩ ተቓወምዎም። እቲ ኣብ ግራት ናይ እማትካ ምምሓው ሓጢኣት ኣይነበረን (ዘዳ 2324-25) እቲ ዘውቅሶም ዘሎ ብሰንበት ምንባሩ እዩ። ሰንበት ማለትምኽልካልወይምቁራጽማለት እዩ። ክትገብሮ ዘይፍቀደልካ ወይ ከተቓርጾ ዘለካ ነገር ከም ዘሎ ይሕብር። ጐይታ ከኣ ንሰንበት ዝምልከት ብዙሕ ሕጊ ሂቡ ነበረ (ዘፍ 23 ዘጸ 208-11 ነህ 1031፣ኢሳ 5813፣ኤር 1727፣ሉቃ 1314፣ሉቃ 143፣ዮሃ 510፣ዮሃ 916) ኣብዚ ጥቕስታት ኣምላኽ ብዛዕባ ሰምበት ብምድፋር ዝሃቦ ትእዛዝ ዘፍርሱ ሰባት ዝሃቦ መቕጻዕቲ ብዝርዝር ንርኢ ኢና። እንተኾነ ጐይታ ሕጊ ሰንበት ብኦሪት ክህብ ከሎ ብውሽጢ ከመሓላልፎ ዚደለየ መንፈሳዊ መልእኽቲ ነይርዎ። እዛ ሰሙናዊት ሰንበት ጽላሎት ናይታ ደሓር ክንኣትዋ ዘሎና ዘለኣለማዊት ሰንበት እያ (እብ 49-10) ኣብዛ ናይ ምድሪ ሰንበት ካብ ስጋዊ ጾርን ዕዮን ነጻ ምእንቲ ክንከውን ዝተኸልከልናዮም ነገራት ከምዘለው፡ ከምኡ ከኣ ናብታ ሰማያዊት ሰንበት ኣቲና መታን ከነዕርፍ ክንክልከሎም ዚግብኣና ነገራት ከም ዘለው ቃል እግዚኣብሄር ይሕብረና።

ጐይታ ነዚ ግብዝ ሕቶኦም ንምምላስ ነቲኣቦናእዩ ዝብልዎ ዳዊት እዩ ጠቒስሎም። ዳዊት ዝብላዕ ምስ ሰኣነ፡ ካብቲ ብዘይካ ካህን ካልእ ክበልዖ ዘይፍቀድ መግቢ (እንጌራ ምርኣይ) በልዔ (1ሳሙ 211-6) እዚ ንሓጢኣት ዘይተቖጽረሉ፡ ዳዊት ኣብ ዕለታዊ ናብርኡ ከም ልቢ ኣምላኽ ኮይኑ ይመላለስ ስለ ዝነበረ፡ ብምኽንያት እቲ ቅዱስ ህይወቱ፡ ነቲ ቅዱስ መግቢ ንምብላዕ ተፈቕደሉ። ካብቶም ነቲ እንጌራ ምርኣይ ከዳልውን ክበልዑን ዝተፈቕደሎም ካህናት ንላዕሊ ዝተቐደሰ ህይወት እንተሃልይዎ፡ ይትረፍ ከምኣቶም ካብኣቶም ንላዕሊ ናይ ምብላዕ መሰል ክህልዎ እኳ ይከኣል እዩ (ዘጸ 2530 ዘሌ 245-9)

ከምኡውን ካህናት ናይ ሰንበት ሕጊ ኣብ ህዝቢ ናይ ምሕላው ሓላፍነት ዘለዎም ንሳቶም እኳ እንተኾኑ፡ ንሳቶም ንሰንበት ኣብ ቤተ መቕደስ ይስዕርዋ ነበሩ። ዝኾነ ሰብ ብመዓልቲ ሰንበት በጊዕ ይኹን ካልእ እንስሳ ሓሪዱ ክበልዕ ኣይፍቀደሉን እዩ። እንተኾነ ንመስዋእቲ ዝኸውን እንስሳ ናብቲ ቤት መቕደስ እንተ ኣምጺኡ ግና እቶም ካህናት ሓሪዶም መስዋእቲ ይውፍይዎ፡ ካብቲ መስዋእቲ ከኣ ይበልዑ ነይሮም (ዘሁ 289-10) ስለዚ ካህናት ንሰንበት ኣብ ቤት መቕደስ የፍርስዎ ክነሶም ሓጢኣት ኣይኮኖምን እዩ። ስለዚ ብመሰረቱ እቲ ሓጢኣት ሓሪድካ ብምብላዕ ዘይኮነስ፡ እቲ እንገብሮ ግብሪ ምስ ኣምላኽ ዘይተተሓሓዘን መንፈሳውነት ዜብሉን ምዃኑ እዩ። ከምኡ እውን ንሰብ ብሰንበት ይገዝርዎ። ኣብ ጊዜ ግዝረት ዝፍጸም መስዋእቲ ዂሉ ከኣ ይፍጽሙ፡ እንተኾነ ሓጢኣት ኣይኮኖምን እዩ (ዮሃ 722-24) ጐይታ ድማ ካብ ቤት መቕደስ ይዓቢ። ስለዚ ነቶም ኣብታ ናይ ድንኳን መቕደስ ንሰንበት ዝስዓሩ ሓጢኣት ካብ ዘይኮኖም፡ ኣብቲ ካብ መቕደስ ዚዓቢ ክርስቶስ ኮይኖም ንሰንበት ዝስዕርዋ ፈጺሙ ሓጢኣት ኣይኮኖምን ነይሩ። ጐይታ ካብ ሰንበት ይዓቢ። ስለዚ ከኣ ጐይታ ሰንበት እዩ። ጐይታ ካብ ኲሎም ሰባት፡ ነገራትን ስርዓታትን ንላዕሊ የዓቢ እዩ (ማቴ 1241-42 ፊሊ 29-10 ኢሳ 814 ህዝ 1116 መዝ 275 እብ 81-7 እብ 96-14) ንፈሪሳውያን ዝጎድኦም ዘሎ ነቲ ኣብ መንጎ ምሕረትን መስዋእትን ዘሎ ዝምድና ስለ ዘይፈልጥዎ እዮም። ኣምላኽ ካብ ንመስዋእቲ ንምሕረት እዩ ዝፈቱ። ፈሪሳውያን ግና ካብ ንምሕረት ንመስዋእቲ ይፈትው። ክልቲኦም ኣይተራኸቡን መስዋእቲ ምእንቲ ምሕረት ኢልካ ትውፍዮ። ምሕረት ግን ምእንቲ መስዋእቲ ኣይውፈን እዩ። ናይ መስዋእቲ ስርዓት ምስ ሓጢኣት እዩ ተኣታትዩ። ምሕረት ግን ቅድሚ ምፍጣር ዓለም ነይሩ። ከምቲ ጐይታ ነቒፍዎም ዘሎ፡ በቲ ኣብ ሕጊ ዘሎ ኣውራ ነገር (ምሕረት፡ ፍርዲ፡ እምነት፡ ወዘተ) ዘይተገደሱ ብዛዕባ እቲ ካልኣዊ (ቀንዲ ዘይኮነ) ነገር ከም እኒ ዕሽር መባእ ወዘተ ይግደሱ (ማቴ 2223) እዚ ምስጢር እዚ ተረዲእዎም እንተዝኸውን ነይሩ፡ ካብ ምፍራድ ምምሓር ምቐለሎም (ሆሴ 66 ሚክ 66-8 ማቴ 913)

እምበኣር ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን በዚ ዕለት እዚ ትብለና ዘላ መልእኽቲ ንጹር እዩ፡ ዝተጸዋዕናሉ ረሲዕና ዝያዳ እቲ፡ ፈጣሪ ነቲ ስራሕ ፍጡር እንዳራኣና፡ ነቲ ልዕሊ ኩሉ ጐይታ ሰማይን ምድርን ረሲዕናዮ ከይንህሉ   ክንገብሮ ዝግብኣና ነገር እንተሎስ ነቲ ጐይታ ዅሉ ፍጥረት ዝኾነ ኣምላኽ ምስ ዘማራይ ዳዊት ኮይና ኣምላኽ፣ ሓሳባትካ ንኣይ ክንደይ ክቡር እዩ፣ ቊጽሩስ ክንደይ ዓብዪ እዩ። እንተ ቘጸርክዎ፣ ካብ ሑጻ ይበዝሕ፣ እንተ ነቓሕኩ፣ ገና ምሳኻ እየ።ኢልና ምስጋና እንዳሃብና ነቲ ዝተጸዋዕናሉ ዕላማ ዝበቅዕ ናብራ ክነብር ኣምላክ ይሓግዘና። ጽዋዓና ፍሉጥ እዩ ንሱ ከኣ ድሕሪ ሕጂ እቶም ዘለዉ ነቲ ምእንቲኦም  ዝሞተን ዝተንስኤን እምበር ንርእሶም ምእንቲ ኸይነብሩ፡ ንሱ ኣብ ክንዲ ዅላቶም  ሞተ” 2ቆረ 515 ነዚ ክንፍጽም ኣምላክ ጸጉኡ የብዝሓልና።

ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜሪካ።

ዕለት፥ ሰንበት ጥቅምቲ 6, 2019 (መስከረም  25, 2012 ግእዝ)

ናይቲ መዓልቲ ስብከት

ስብከት መዝሙር 138/139 17-18

ወበኀቤየሰ ፈድፋደ ክቡራን ኣዕርክቲከ እግዚኦ ወፈድፋደ ፀንዑ እምቀደምቶሙ።እኌልቆሙ እምኆፃ ይበዝኁ።

ኣምላኽ፣ ሓሳባትካ ንኣይ ክንደይ ክቡር እዩ፣ ቊጽሩስ ክንደይ ዓብዪ እዩ። እንተ ቘጸርክዎ፣ ካብ ሑጻ ይበዝሕ፣ እንተ ነቓሕኩ፣ ገና ምሳኻ እየ።

ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባባት

ንባብ

ኣንባቢ

ገላ 211-ፍጻሜ   

ዲያቆን

ቅዳሴ  ዘሓዋርያት /ዘወልደ ነጐድጓድ

ይሁዳ 117 - ፍጻሜ

ንፍቀ ዲያቆን

ወንጌል: ማር 223-ፍጻሜ

ግብ 14 8 - 18 

ንፍቀ ካህን

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div