S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ንጽባሕ ኢልኩም ኣይትጨነቑ!

ብኣቛጻጽራ ግዕዝ ካብ ጥቅምት 18 ክሳብ 23 ዘሎ ዕለታት ዝዝመር መዝሙርበጊዜሁ ኃለፈ ክረምት” (ጊዜኡ ሓልዩ ክረምቲ ሓሊፉ) ኢላ  ቤተ ክርስትያና  ትሰምዮ። ኣብዚ ሰሙን እዚ ቤተ ክርስትያን ንምእመናን ተመሓላልፎ ትምህርቲ ነቲ ዕቤቱ ብኣሰር ኣሰር ዘይብጻሕ ዕቤቱ ኣብ ኣርያም ዝነብር፡ እቲ ብደበና ተጋሪዱ ዝነበረ ሰማይ ኣብ ጊዜ ክረምት ብዝናብ ንመሬት ዘጥልል፡ ኩሉ ኣብ ኢዱ ሙኻኑ ከምቲ ዘማራይ ዳዊት ዝበሎመዓልቲ ናትካ እያ፡ ለይቲውን ናትካ እያ። ንብርሃን ንጸሓይን ገበርካየን። ንብዘሎ ወሰናት ምድሪ ንስኻ ኣጽናዕካዮ፡ ንሓጋይን ክረምትን ፈጠርካዮም።ግብሩ ክንጥምት ኢዩ። ዝኸበርኩም ህዝቢ ኣምላክ ኣብዚ ጽሑፍዚ ሓቢርና ንርእዮ፡ ነቲ ዘፍርሕ ዝነበረ፡ ክረምቲ ወቅቱ ሓልዩ ክሓልፍ ካብ ገበሮ፡ ነቲ ኣብ ማዕልታዊ ህይወትና ዘይሓልፍ ዝመስል ዝገጥመና ዘሎ ጭንቀት፡ከመይ ኢልና ክንሰግሮ ከም ዝግባእና ክንርኢ ኢና።

ጐይታ ኣብ ወንጌል ካብ ዝመሃሮ ማእለያ ዘይብሉን ዓበይትን ትምህርትታት፡ ንዕለታዊ ናብራን ኵለንተናዊ ዅነታትን ናይ ወዲ ሰብ ዚጸልው ነዚ ኣርእስቲ እዚ ዚዳረግ ኣሎ ኽትብል ኣጸጋሚ እዩ። ምኽንያቱ ጭንቀት ዳርጋ ኻብቲ መሰረታዊ ድልየታትና ንላዕሊ እነአንግዶ ካብ ውሽጥና ዘይፍለይ ኣዕናዊ ስምዒት እዩ። ወዲ ሰብ እንተ በዝሐ ኣብ መዓልቲ ሰለስተ ወይ ኣርባዕተ ጊዜ ዚምገብ። ጭንቀት ግን ዳርጋ ምሉእ መዓልቲ ኣይፍለዮን እዩ ኺበሃል ይከኣል እዩ። ዋላ እናሰሓቕናን  እናተጻወትናን እናበላዕናን እናሰቴናን እኳ ኣብ ውሽጥና ከም ዝተደጐለ ሓዊ ተቐሚጡ ኬቃጽለና እዩ ዚውዕል። ጭንቀት ኪበሃል ከሎ ዚበዝሕ ጊዜ፡ ኣዚኻ ምርባሽ ዓቕሊ ምጽባብ፡ እትጭብጦን እትሓድጎን ክሳዕ ዚጠፍኣካ ምዃን ማለት ጥራይ እዩ ዚመስለና። ከምዚ ዝዓይነቱ ጭንቀት፡ ናይ ሞት ሕደጋ ኣብ ዜንጸላልወሉ ኣብ ውግእን ህውከትን ጊዜ ጥራይ ዚገሃድ። እቲ ኣብ ኩሉ ሰብ ዚረኣይ ሓባራዊ ጭንቀት ግና ካብዚ ኣዝዩ ዝተፈልየ እዩ። ጭንቀት ናይ ሓያሎ ኣሉታዊ ስምዒታት ደምር ወይ ውሁድ እዩ። ንጭንቀት ካብ ዚወልድዎ ኣሉታውያን ስምዒታት ሓደ፡ይኣኽለኒዘይምባል እዩ። ስለዚ ድማ እዩ ጭንቀት ናይ ስኡናት ሰባት ስምዒት ጥራይ ዘይኰነ። ንጭንቀት ድኽነት ጥራይ ዚወልዶ እንተ ዚኸውን፡ ኵሎም ሃብታማት ካብ ጭንቀት ሓራ ምዀኑ ነይሮም። መጽናዕትታት ሊቃውንቲ ስነ ልቦና ኸም ዜረጋግጾ ግና፡ ካብ ኣብ ስኡናት ንላዕሊ ኣብቶም ማሕበራዊ ውሕስነቶም ዘረጋግጹ ሰባት ዘሎ ጭንቀት ዝበዝሐን ዝኸፍአን እዩ። ምኽንያቱ እቶም ስኡናት ነቲ ዜጨንቖም ኵነታት ኣትዮምዎን ለሚዶምን ስለ ዝዀኑ ካብቶም ካብ ድኽነት ወጻኢ ዘለው ሰባት ዝወሓደ እዮም ዚጭነቑ። እምበኣር፡ ሃብታማን ድኻን ካብ ጭንቀት ሓራ ዘይኰኑ እንተ ዀይኖም፡ ንጭንቀት ዚወልዶ ኻልእ ሓባራዊ ሱር ከም ዘሎ ዜመልክተና። ንሱ ድማ እቲ ናይ ዘይምዕጋብ ወይ ይኣኽለኒ ናይ ዘይምባል ባህርይ እዩ። እቲ ይኣኽለኒ ዘይምባልውን ናይ ገዛእ ርእሱ ህላወ የብሉን። ነዚ ስምዒት እዚ ዚወልዶ ድማ ብቐንዱ ሓጢኣት እዩ። ዓለምን ኣብኣ ዘሎ ዅሉ ሃብትን ኣብ ኢዱ ዝተዋህቦ ሰብ፡ ካብ ሓጢኣት ሓራ ኽሳዕ ዘይኰነ፡ ካብ ጭንቀት ፈጺሙ ሓራ ኪኸውን ኣይክእልን እዩ። ነቲ ውጽኢት (effect) ከተወግዶ እንድሕር ደሊኻ፡ ነቲ ጠንቂ (cause) ናይ ግድን ክትኣልዮ ኣለካ ማለት እዩ። ጭንቀት ቀጥታዊ ውጽኢት ናይ ሓጢኣት እዩ። ስለዚ ዋላ ንዓለም ምሉእ ዜግዝእ፡ ዋላ ሽሕ ወለዶታትካ ዘይውድእዎ ገንዘብ እንተ ሃለወካ ካብ ሓጢኣት ክሳዕ ዘይተናገፍካ ካብ ጭንቀት ነጻ ኽትከውን ኣይትኽእልን ኢኻ። ክርስቶስ ነቶም ብጽድቂ ዚስዕብዎ ቕዱሳኑ ሰላሙ ከም ዜውሕዘሎም፡ ሰይጣን ነቶም ብሓጢኣት ዜገልግልዎ ባሮቱ ዜበርክተሎምን ዜውርሶምን ዓስቡ፡ ጭንቀት እዩ። ስለዚ ድማ እግዚኣብሄር እስራኤላውያን ኪብድልዎ ኸለው፡ እቲ ንስጋ ዜድልዮም ከይከልአ፡ንስኻትኩም በላዕኩም ኣይጸገብኩምን፡ ሰቴኹም ኣይረዌኹምን ተኸዲንኩም ኣይሞቝኩምንብምባል፡ ነቲ ዜድልዮም ከይከልአ፡ ብዘይምዕጋብን ብጭንቀትን ከም ዝቐጽዖም ገለጸልና (ሃጌ 16 ሚክ 612-16)

ብኣንጻሩ እቶም ንኣምላኽ ብምፍራህ ብጽድቂ ዚመላለሱ ቕዱሳኑ ግና፡ ኣብቲ ዝኸፍአ ንህይወት ዚፈታተን ናይ ስእነት ጊዜ እኳ፡ኦም በለስ ኣይክትዕምብብን፡ ኣብ ኣታኽልቲ ወይኒ ፍረ ኣይኪህሉን፡ ፍረ ኣውሊዕ ኪጠልም፡ ግርሁ ምግቢ ኣይኪህብን እዩ። ኣባጊዕ ኻብ ደምበ ኺጠፍኣ፡ ኣሓውን ኣብ ደም ቤታት ኪስኣና እየን። ኣነ ግና ብእግዚኣብሄር ባህ ክብል፡ ብኣምላኽ ምድሓነይ እልል ክብል እየ። እግዚኣብሄር፡ እቲ ጐይታ ሓይለይ እዩ፡ ንሱ ነእጋረይ ከም ናይ እራብ (ፈጣናትን ሓያላትን) ይገብረን፡ ኣብቲ በሪኽ ቦታይውን ኬመላልሰኒ እዩክሳዕ ዚብሉ እዩ ብሰላሙን ብሓጐሱን ዚመልኦም (ኣን 317-19) ኣብ ምድሪ ብህይወት ንዘሎ ሰብ፡ ካብዚ ነብዪ ኣንባቆም ዘርዚርዎ ዘሎ ኵነታት ንላዕሊ ዜርዕዶ ኻልእ ኵነታት ኪህልው ኣይክእልን እዩ። እንተ ዀነ፡ እዚ ነብዪ ጭንቀት ዚበሃል ኣይተሰምዖን። ምኽንያቱ ጭንቀት፡ ባህርያዊ ሰብኣዊ ስምዒት ዘይኰነስ፡ ሓጥእ ስምዒት እዩ። እምበኣር ጭንቀት ካብ ጥሜት ዕርቃን፡ ማዕበል፡ ሕማም፡ ውግእ፡ ድርቂ ወይ ካልእ ዓይነት ኵነታት ኣይኰነን ዚመጽእ። ቅዱስ ዳዊት፡ ኣዝዩ ሓደገኛ ዅነታት ኣንጸላልይዎ ኸሎ፡እግዚኣብሄር ብርሃነይን ምድሓነይን እዩ፡ ካብ መን ደኣ እየ ዝፈርህ፧ እግዚኣብሄር ሓይሊ ህይወተይ እዩ፡ ካብ መን ደኣ ዝስምብድ፧ ገበርቲ እከይ ንስጋይ ኪውሕጡ ሓደጋ (እንተ) ወደቝኒ . . . ኪቃወመኒ ኢሉ እኳ ሰራዊት እንተ ዚሰፍር፡ ልበይ ኣይፈርህን እዩ። ኵናትውን እንተ ዚለዓለኒ፡ እምነት ኣሎኒ።ክሳዕ ምባል ተብዐ (መዝ 2713) ብዘይቀል ዓለም ግደ ሓቂ ኽንዛረብ እንተ ዄንና፡ እዚ ንጉስ ዳዊት ዝዘርዘሮ ዅነታት ኣዝዩ ኣጨናቒ እዩ ዚመስል። ንእግዚኣብሄር ሓይሉን ምድሓኑን ዝገበረ ሰብ ግና፡ ልዕሊ እቲ ሓደገኛ ኵነታት ልዕል ኢሉ ነቲ ዅነታት ብዓይኒ እግዚኣብሄር ስለ ዚርእዮ ፍርሃትን ጭንቀትን ዘይኰነስ ሰላምን ዕረፍትን እዩ ዚስምዖ። እቲ ብናይ ዘይምእዛዝ ሓጢኣት ካብ እግዚኣብሄር ዝረሓቐ ንጉስ ሳኦል ግና፡ ልክዕ ከምዛ ንጉስ ዳዊት ዝዘርዘራ ኵነታት ምስ ኣጋጠሞ፡ ኣብ ሰለስቲኡ ኣጋጣሚታት ብጭንቀት ዓቕሊ ጸቢብዎ፡ ንሓንሳእ፡ ከይተገብኦ ባዕሉ ዚሓርር መስዋእቲ ይስውእ፡ ንሓንሳእ ናብተን ባዕሉ ዘሳደደን ጠንቈልቲ ከይዱ ኪምብርከኽ፡ ካብ ኵሎም እስራኤላውያን ዝነውሐን ዝጐልበተን ክነሱ፡ምስ ጐልያድ ንዝገጠመ ጓለይ ክህቦ እየእናበለ ዚሕፍር ልመና ኺልምን ተራእየን ተሰምዐን (1ሳሙ 135-14 171-11 281-19) ሓደ ንእግዚኣብሄር ዚፈርህን ብጽድቂ ዚመላለስን ንእሽቶ ቘልዓ ግና ካብ ጕስነት መጺኡ፡ ንሳኦልን ንምልእቲ እስራኤልን ካብ ጭንቀት ኣዕረፈ። ገሓዚ ዝተባህለ ረድኢ ናይ ነብዪ ኤልሳእ፡ እልቢ ዘይብሉ ሰራዊት ሶርያ ከቢቦምዎም ምስ ረኣየ ኣዝዩ ተጨነቐ። እግዚኣብሄር ነዒንቱ ከፊቱሉ፡ ነቲ ንሓለዋኦም ሓጺርዎም ዝነበረ ሰራዊት መላእኽቲ ምስ ረኣየ ግና፡ ካብ ጭንቀት ተናጊፉ ልቡ ዓረፈ (2ነገ 6 15-17) ሃዋርያ ጳውሎስ ከም ሰቡ ኣብታ መርከብ ብማዕበል ይናወጽ ነይሩ ኽነሱ፡ ንርእሱ ኻብ ጭንቀት ሓራ ኰይኑስ፡ ነቶም ልዕሊ 200 ዝቝጽሮም ሰባት ካብ ጭንቀት ኬናግፍ ይጋደል ነበረ (ግብ 2710-44)

እምበኣር ክቡራት ኣንበብቲ/ ሰማዕቲ፡ ከምቲ ኣብ መሪሕ ጥቕስና ተመልኪቱ ዘሎ፡ ጐይታናውን ካብ ጭንቀት እንዓርፈሉ ፍቱን መድሃኒት ገሊጹልና ኣሎ። ጭንቀትና ዚዓርፍን ዚለቅቀናን፡ ነቲቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ድለዩዚብል ቃል ምስ እንእዘዞ ጥራሕ እዩ። ንጭንቀት ካብዚ ወጻኢ ኻልእ መድሃኒት ከቶ የብሉን። ምኽንያቱ ነቲ ንሓጢኣት ስጋዊ ትምኒትን ሓዲጉ፡ ቅድሚ ዅሉን ንዅሉ ጊዜን መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ዝደለየ ሰብ፡ እቲ ዚደልዮ ዅሉ ኪውስኸሉ እዩ። እቲ ዚውሰኽ ግና እቲ ምድራዊ ሃብትን ስጋዊ ጥዕናን ከባብያዊ ሰላምን ጥራይ ኣይኰነን። ዚውሰኽለና፡ እቲ ሃብትን ጥዕናን ጸጥታን ኬውሕሰልና ዘይክእል ሰላምን ዕረፍትን ሓጐስን እዩ። ነቲ ዝጐደለና ስጋዊ ነገራት ኪመልኣልና ዋላ ሓንቲ ጸገም የብሉን። ንሱ ግና እቶም ንነፍሲ ዜዕርፍዋ መንፈሳውያን ሃብታት ብምሃብ ኪባርኸና እዩ ዚመርጽ። እታ መበለት ሰራጵታ ነቲ ናይ ኣምላኽ ነብዪ ካብቲ ዘይብላ ትሕዝቶ ኽትቅልቦ ኽትእዘዝ ከላ፡ ምስ ወዳ ኰይና እትበልዐን፡ ንሓደ ጊዜ ጥራይ ዝዀና ሒደት ሓርጭ ኣብ ዕትሮ ሒደት ዘይቲ ደኣ ኣብ መቐርሰሚቶ እየን ዝነበራኣ። ነብዪ ኤልያስ ዚብላዕ ከተምጽኣሉ ኺእዝዛ ኸሎ፡ኪዲ፡ ከምቲ ዝበልክዮ ሰንክቲ ቅድም ግና  ካብኡ ንኣይ ንእሽቶ ቕጫ ሰንኪትኪ ኣምጽእለይ፡ ድሕሪኡ ድማ ንኣኽን ንወድኽን ሰንክቲበላ (1ነገ 1713) ቅድም ንርእሳን ንወዳን ሰንኪታ ምስ ተመገበት፡ ብድሕሪኡ ንእኡ እንተ ኣምጽኣትሉውን በዲላ ወይ ግፍዒ ፈጺማ ማለት ኣይኰነን። እቲ ፈተና ግን፡እቲ ኣብ ህይወትካ ቐዳምነት ሂብካ ትሰርዖ መን እዩ፧ዚብል እዩ። እዛ ሰበይቲ ነቲ ዝተዋህባ ቐዳምነት ስለ ዘኽበረቶ፡ ብድኻኣ ሓንቲ መዓልቲ ኸይጠመየት፡ ብዜገርም ተኣምራት ነቲ ናይ ጥምየት ዘመን ብበረኸት ሓለፈቶ። ጐይታ ነዚ ምስጢር እዚ ንሃዋርያቱ ምእንቲ ኼለማምዶም፡ በብኽልተ ኺልእኮም ከሎ፡ ዋላ ሓንቲ ነገር ከይማልኡ ኸልኪሉ ባዕሉ ኣድከዮም። ብሞት ካባታቶም ቅድሚ ምፍላዮ ድማ፡እቲ ብዘይ ማሕፉዳ ብዘይ ስንቂ፡ ብዘይ ሳእኒ ምስ ለኣኽኩኹምሲ፡ ገለዶ ጐዲሉኩም፧ኢለ ሓተቶም። ንሳቶም ድማ፡ሓንቲ እኳ ኣይጐደለናንኢሎም መለሱ (ማቴ 109,10 ሉቃ 2235) ጐይታ፡ ነዚ ዝገበረ ንሓዋሩ ኻብ ጭንቀት ምእንቲ ኼናግፎምን፡ ኣብ ጥራይ ኢዶም ንኣምላኽ ኣሚኖም ብሰላም ሃዲኦም ኪነብሩ ስለ ዝደለየ እዩ። ኣብ መወዳእታ ድማ፡ “. . . ከም ዝሞትና እንሆ ኸኣ ህያዋን ኢና፡ ከም ቅጹዓት ንሞት ግና ኣይተወፌናን፡ ከም ጉሁያት፡ ግናኸ ኵሉ ሳዕ ሕጉሳት ኢና። ከም ድኻታት፡ ንብዙሓት ግና ነጸጕ ኢና፡ ዅሉ ኸሎናስ፡ ሓንቲ ኸም ዘይብሎም ኴንና ንረኣይ ኣሎና።ክሳዕ ምባል በጽሑ (2ቈረ 69,10) ስለዚ ድማኣነስ በቲ ዘሎኒ ይኣኽለኒ ምባል ተምሂረ እየ እሞ፡ ስኢነ ስለ ዘሎኹ ኣይኰንኩን እዚ ዝብሎ ዘሎኹ ትሕት ምባል እፈልጥ፡ ሕልፍን ትርፍን እፈልጥ እየ። ጽጋብን ጥሜትን ምስትርፉ ምህላውን ስእነትን፡ ኣብ ኲሉን ብዂሉን ልሙድ እየ። በቲ ሓይሊ ዚህበኒ ንዂሉ እኽእሎ እየ።” “ግናኸ ኣምልኾ ምስ ይኣኽለኒ ምባል ዓብዪ ረብሓ እዩ። ማለት፡ናብ ዓለም ሓንቲ እኳ ኣየምጻእናን እሞ ሓንቲ ኽንወስድ ኣይከኣለናን እዩ። ቀለብናን ክዳንናን እንተኣሎናስ፡ ንሱ ይኣክለና።እቶም ኪህብትሙ ዚደልዩ ግና ኣብ ፈተናን መፈንጠራን፡ ኣብ ብዙሕ ንሰብ ናብ ምብራስን ጥፍኣትን ዜስጥሞ ናይ ዕሽነትን ጒድኣትን ትምኒት እዮም ዚወድቁ። እቲ ፍቕሪ ገንዘብሲ ሱር ኲሉ ኽፍኣት እዩ እሞ፡ገሊኦም ንእኡ እናተመጣጠሩ ኻብ እምነት ዘምበሉ፡ ናብ ርእሶምውን ብዙሕ ስቓይ ኣምጽኡ።ኢሎም ብተመክሮኦም መዓዱና (ፊሊ 411-13 1ጢሞ 66-10) እምበኣር ብዛዕባ ጽባሕ ኰነ ብዛዕባ ዅሉ መጻኢና ምእንቲ ኸይንጭነቕ ኣብ ናብራና ንመንግስቲ ኣምላኽን ንጽድቁን ቀዳምነት ሂብና፡ ንሓጢኣት ንየው ንበሎ። እቶም ንኣምላኽ ዘቐደሙ ዅሎም ኣብ ጊዜ ስእነቶም እኳ ልቦም ብጐይታ እዩ ዚሕጐስን ካብ ጭንቀት ዚዓርፍን እሞ፡ ነቲ ኣብ ፊሊ 44-7 “ብጐይታ ዂሉሳዕ ተሐጐሱ፡ ደጊመ፡ ተሐጐሱ፡ እብል ኣሎኹ። እቲ ለውሃትኩም ኣብ ኲሉ ሰብ ይፈለጥ፡ እግዚኣብሄር ቀረባ እዩ። ድሌትኩም ዘበለስ ብጸሎትን ልማኖን ምስ ናይ ምስጋና ኣብ ኣምላኽ ይፈለጥ እምበር፡ ብገለ እኳ ኣይትጨነቑ። እቲ ኻብ ኲሉ ኣእምሮ ዚበልጽ ሰላም ኣምላኽ ድማ ንልብኹምን ሓሳብኩምን ብክርስቶስ ኢየሱስ ኪሕልዎ እዩ።ዚብለና ቃል ተኣዚዝና ንነፍስና ካብ ጭንቀት ነዕርፍ።

ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ኤርትራ - ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜርካ

ዕለት፥  ሰንበት 3 ሕዳር 2019 (ጥቅምቲ 23፣ 2012 ግእዝ)

ናይቲ መዓልቲ ስብከት

መዝ 73/74፡16, 17

“አንተ ፈጠርከ ፀሐየ ወወርኀ። ወአንተ ገበርከ ኣድባረ ወምድረ ኵሎ። ክረምተ ወሐጋየ ዘአንተ ፈጠርከ”

መዓልቲ ናትካ እያ፡ ለይቲውን ናትካ እያ። ንብርሃንን ጸሓይን ገበርካየን።ንብዘሎ ወሰናት ምድሪ ንስኻ ኣጽናዕካዮ፡ ንሓጋይን ክረምትን ፈጠርካዮም።

ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባባት

ንባብ

ኣንባቢ

ሮሜ 7፡1-14

ዲያቆን

ቅዳሴ፡ ዘእግዝእትነ (ጐሥዓ)።)

ራእ 21፡21-ፍጻ

ንፍቀ ዲያቆን

ወንጌል፥ ማቴ 6፡25-ፍጻ

ግብ 22፡1-7

ንፍቀ ካህን

 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div