S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ክልተ ዝልቡ ሰብ!!

ብኣቛጻጽራ ግዕዝ ካብ ጥቅምት 30 ክሳብ ሕዳር 05 ዘሎ ዕለታት ዝዝመር መዝሙርክርስቶስ ሠርዐ ሰንበተ ክርስቶስ ሰንበት ፈጠረ (ሰርዔ) ኢላ  ቤተ ክርስትያና  መዲባቶ ኣላ። ኣብዚ ሰሙን እዚ እምበኣር፡ ቤተ ክርስትያን ንምእመናን ተመሓላልፎ ትምህርቲ ከምቲ ዘማራይ ዳዊትንሱ ኸምቲ ፍሬኣ በብጊዜኣ እትህብ፡ ቈጽላ ኸኣ ዘይረግፍ፡ ኣብ ወሰን ወሓዚ ማይ እተተኽለት ኦም ይኸውን። ዚገብሮ ዂሉውን ይሰልጦ።ዝበሎ፡ኣብቲ ጐይታ ሰንበት ዝዀነ፡ ዘይነጽፍ ፈልፋሊ ማይ ህይወት ድማ ዘለዎ ናይ ሓቂ ጉንዲ ወይኒ ክርስቶስ ጠቢቕና ብዙሕን ነባርን ፍረ ምእንቲ ክንፈሪ ኣብ ህይወትና ክህልዉ ዘለዎም መሰረታውያን ሓቅታት እንታይ ምዃኖም ምርኣይ እዩ።

ናይዚ ዕለት እዚ ንባብ ወንጌል፡ ካብቲ ኣብ ፍቕዲ 24 ተጠቒሱ ዘሎ፡ንኽልተ ጐይታት ኪግዛእ ዚኽእል የልቦን። ወይ ነቲ ሓደ ጸሊኡ፡ ነቲ ሓደ ይፈትው። ወይ ከኣ ነቲ ሓደ ተኣዚዙ፡ ነቲ ሓደ ይንዕቕ። ንኣምላኽ ንገንዘብን ክትግዝኡ ኣይኰነልኩምን እዩዚብል ሓሳብ እዩ ዚብገስ። እቲ ገንዘብ ዝጐይታኡ ሰብ፡ ብዛዕባ ዚምገቦን ዚኽደኖን እዩ ዚጭነቕ። እቲ ኣምላኽ ዝጐይታኡ ድማ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ደኣ ይሓልይን ይግደስን እምበር ብዛዕባ ስጋዊ ድልየታቱ ኣይጭነቕን እዩ። እቲ ዜሕዝን ግና ንሓደ ጐይታ ጥራይ ምግዛእ ዕሽነት ኰይኑ ተሰሚዕዎም፡ ብሓንሳእ ንኽልተ ተጻረርቲ ጐይቶት ኣብ ሓደ ሰብነት ኬአንግዱ ዚደልዩ ሰባት ምብዛሖም እዩ። እዚ ተግባር እዚ፡ ልክዕ ነቲኽልተ እግሪ ኣለኒኢሉ ብሓንሳብ ናብ ክልተ ኣእዋም ኪድይብ ከም ዚደልይ ሰብ እዩ ዚመስል። ካብታ ንኽልተ ሰብኡት እተአንግድ ሰበይትን፡ ካብቲ ንኽልተ ኣንስቲ ዜአንግድ ሰብኣይን ንላዕሊ፡ ንኽልተ ጐይተት፡ ማለት ንኣምላኽን ንሰይጣንን ብሓንሳእ ኣብ ህይወቱ ኼአንግድ ዚፍትን ሰብ ኣዝዩ ዝኸፍአ እዩ። ምኽንያቱ እዚ ተግባር መንፈሳዊ ምንዝርና እዩ። ኣብ ሓደ ኣካል ክልተ ልቢ ሒዙ ዚመላለስ ኣብ ኣመንዝራ እዩ። እግዚኣብሄር ምስ ውልቀ ሰብ ይኹን ምስ ህዝቢ ዘለዎ ዝምድና፡ ኪዳናዊ ዝምድና እዩ። ስለዚ ድማ ኣብ ብሉይ ኪዳን፡ፈጣሪኺ ሰብኣይኪ እዩ እሞ፡ ስሙ ከኣ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት እዩዚብል ቃል ሰፊሩልና ኣሎ (ኢሳ 544,5) ኣብ ሆሴ 217,19 ድማ፡በታ መዓልቲ እቲኣ . . . ሰብኣየይ ኢልኪ ኽትጽውዕኒ ኢኻ፡ . . . ንዘለኣለም ንኣይ ክሕጸየኪ እየ። ብጽድቅን ብፍርድን (ብፍትሕን) ብሳህልን ብምሕረትን ናይ ክሕጸየኪ እየ። ብእምነት (ብእሙንነት) ንኣይ ክሕጸየኺ እየ፡ ንስኺውን ንእግዚኣብሄር ክትፈልጥዮ ኢኹዚብል ቃል ተጻሒፉልና ኣሎ ኣብ ሓድሽ ኪዳን እንተ ዀነውን ጐይታና ንቤተ ክርስቲያን ማለት ንህዝበ  ክርስትያን ብሓፈሻ ከም መርዓት ገይሩ እዩ ዚገልጸ (ማቴ 915) ቅዱስ ዮሃንስ መጥምቕውን ንክርስቶስን ንቤተ ክርስቲያን ከም መርዓውን መርዓትን ገሊጽዎም ይርከብ (ዮሃ 329) ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ መንጎ ሰብኣይን ሰበይትን ንዘሎ ዝምድና፡ ምስቲ ኣብ መንጎ ክርስቶስን ቤተ ክርስቲያን ዘሎ ኪዳናዊ ዝምድና ኣነጻጺሩ ኣብሪሁልና ኣሎ (ኤፌ 532) ንክርስቶስ ሓዲግና ንሰይጣን ክንእዘዝ ከሎና፡ ተግባርና ብመንፈሳዊ ምንዝርና ዚግለጸሉ ምኽንያት ከኣ ንሱ እዩ፡ ስለዚ ድማ እስራኤላውያን ንእግዚኣብሄር ሓዲጎም ንጣኦታት ኬምልኹ ከለው ምስ ረኣዮም፡እታ ሃገር ካብ እግዚኣብሄር ርሒቓ ዓብዪ ምንዝርና ትምንዝር ኣላ፡ . . . ኣዴኹም ሰበይተይ ኣይኰነትን፡ ኣነውን ሰብኣያ ኣይኰንኩንብምባል ትርጉም ምንዝርና እንታይ ምዃኑ ገሊጹልና ኣሎ (ሆሴ 12 22) መብዛሕትና ብስጋዊ ኣካልና ምንዝርና ዘይፈጸምና ኽንከውን ንኽእል ኢና። እንተ ዀነ ንኣምላኽና ብጽድቂ ምኽባር ሓዲግና፡ ንሰይጣን ብሓጢኣት ከነገልግል ክንመርጽ ከሎና፡ ተረዲኡና ይኹን ከይተረድኣና፡ ናብ መንፈሳዊ ምንዝርና ንወድቕ ከም ዘሎና ኸነስተውዕል ይግብኣና።

ሃዋርያ ጳውሎስ ካብ መንፈሳዊ ምንዝርና ንምድሓን ዚረዳኣና፡ “. . . ንጽድቅን ንሓጢኣትን እንታይ ኣራኺብዎ፧ ወይስ ንብርሃን ምስ ጸልማት እንታይ ሕብረት ኣልይዎ፧ ክርስቶስከ ምስ ብልያል እንታይ ምስምማዕ ኣለዎ፧ ንመቕደስ ኣምላኽከ ምስ ጣኦታት እንታይ ስምምዕ ኣለዎ፧ዚብል በዳህቲ ሕቶታት ጽሒፉልና ኣሎ (2ቈረ6 14-16) ክልተ ዋላ ሓንቲ ዜራኽብ ዘይብሎም፡ መጻረርቲ ዝዀኑ ኣካላት፡ ተግባራት፡ ኣተሓሳስባታትን ቃላትን ኣብ ሓደ ሰብነት ኪእንገዱ ኸለው፡ ከምዚ ዝተጠቕሰ ዓይነት ንህይወት ኣዳቒቝ ዚፍትሽ ሕቶታት ኬለዓዕለልና እዩ ዚግባእ ረሳሕ ማይ ዚኸደሉን ጽሩይ ማይ ንምርካብ እንጥቀመሉን ቱቦ ወይ መትረብ ሓደ እንተ ዚኸውን እንታይ ምዀንና፧ እንታይከ ምገበርና ኔርና፧ ከምኡ ጌርካ ብህይወት ኪንበር ስለ ዘይከኣል፡ ንኽልቲኡ መስመራት ፈጺሙ ኸም ዘይራኸብ ጌርና ኢና እንሰርሖ። እቲ ዜሕዝን ግና እዚ ኣብ ስጋዊ መነባብሮና ዘርኣናዮ ጥበብን ጥንቃቐን ኣብቲ መንፈሳዊ ህይወትና ኽንጥቀመሉ ዘይምፍቃድና እዩ። ስለዚ ድማ ብሓደ ኣፍ ኣዝዩ ኣነዋሪ ናይ ጸርፍን ሕሜትን መርገምን ዋዛን ቃላት ክንዛረብ ጸኒሕና፡ በእኣ በታ ኣፍ እቲኣ ድማ፡ ቁም ነገር ዘለዎ ቓላትን ቃል እግዚኣብሄር ጸሎትን ምርቓን ክንዛረብ ንረኣይ። ሃዋርያ ቕዱስ ያእቆብ ከምዚ ዝበለ ግርምቢጥ ህይወት ኣብቶምክርስትያን ኢናዚብሉ ህዝቢ ምስ ተዓዘበ፡ብልሳንና ጌርና ንጐይታናን ነቦን ነመስግን። ብእኡ ጌርናውን ነቶም ብኣምሳል ኣምላኽ ዝተፈጥሩ ሰባት ንረግም። ካብ ሓደ ነፍሲ ምስጋናን መርገምን ይወጽእ። ኣሕዋተየ፡ እዚ ከምዚ ኪኸውን ኣይግባእን እዩ። ዔላዶ ኻብ ሓንቲ ዓይኒ፡ ጥዑም ማይን መሪር ማይን ትፍልፍል እያ፧ ኣቱም ኣሕዋተይ፡ ኦም በለስ ፍረ ኣውልዕ ተኽሊ ወይኒኸ ፍረ በለስ ክትፈሪዶ ይከኣኣላ እዩ፧ ከምኡ ኸኣ እታ ማይ ጨው እትፍልፍል ዔላ፡ ጥዑም ማይ ክትፍልፍል ኣይከኣላን እዩ። ብምባል ጸሓፈሎም (ያእ 39-12) ኣብቲ ግኡዝ ፍጥረትን፡ ኣብቶም ህይወት ዘለዎም እንስሳታትን ኣትክልትን ከምዚ ዝዓይነቱ ስግንጢር ክስተት ፈጺሙ ተራእዩ ኣይፈልጥን እዩ። ኣብዞም ትሑት ተፈጥሮ ዘለዎም ፍጥረታት ምድሪ ኸምዚ ዘይተራእየን፡ ኣብቲ ብመልክዕን ምስልን ናይ ኣምላኽ ዝተፈጥረ ወዲ ሰብ ከምዚ ዝበለ ንልቢ- ፈጣሪኡ ዜሕዝንን ዜጐድእን ተግባርን ባህርይን ምርኣይ ኣዝዩ ዜሕዝንን ዜሕፍርን እዩ። ነዚ ኣንጻር ተፈጥሮና ዝዀነ ህይወት ብፍቓድናን ብምርጫናን ንገብሮ ምዃንና ድማ እዩ ነቲ ዅነታትና ኣዝዩ ዜግድዶን ዜኽብዶን ዘሎ። እምበኣር ነቲ በዓል ክልተ ልቢ፡ በዓል ክልተ ጐይተት ኴንካ ብመንፈሳዊ ምንዝርና ምምልላስ ኣዝዩ ከቢድ ዚገብሮ እዚ እዩ።

ኣብ ዘመነ ደርግ ኣብ ጽፍሕታት ስልጣን ደዪቦም ዚሰርሑ ሓያሎ ኤርትራውያን ሰበ ስልጣን ከም ዝነበሩ ዅላትና ንዝክሮ ኢና። ገሊኣቶም ብምሉእ ልቦም ነቲ ስርዓት ኬገልግሉ ኸለው፡ ገሊኣቶምን ግና ብሕቡእ ናይ ህዝባዊ ግንባር ውዱባት ኰይኖም፡ ንኽልተ ጸላእቲ የገልግሉ ነበሩ። ሓደ ብዕድመ ዝዓበዩ በዓል ስልጣን ብምሉእ ልቦም ንደርግ ጥራሕ ከገልግሉ ጸኒሖም ነጻነት ምስ ኰነ፡ እቶም ምስኦም ኰይኖም ንደርግ ዜገልግሉ ዝነበሩ ሰባት ብረት ዓጢቖም ናብ ማእሰርቲ ኺወስድዎም ምስ መጹ ኣዝዮም ተገረሙን ሰንበዱን። ናብ ሰማይ ኣንቃዕሪሮም ድማ፡ኣቲ ማርያም ኣስመረይቲ፡ ነዚ ዅሉ ሰብ ሰሰለስተ ኣረርባዕተ ልቢ ኽትዕድልዮ ኸለኽስ፡ ንዓይ ሓንቲ ጥራይ ክትዕድልኒኢሎም እናነብዑ ናብ ማእሰርቶም ከዱ ይበሃል። ናይ መብዛሕትና ናብራ ክርስትና ድማ ነዚ ይመስል ከም ዘሎ ኣሉ ክንብሎ ዝከኣል ኣይኰነን። ብኣካላትናን ብትሕዝቶናን ኣምላኽ ካብ ዚግልገሎ ንላዕሊ ሰይጣንን ሰራዊቱን ዚግልገልዎ ይበዝሕ ኣሎ። መቸም ሰይጣን ከም ዘይፈጠረና ንሱ ህይወት ከም ዘይሃበና፡ ጽቡቕ ጌርና ንፈልጥ ኢና። እንተ ዀነ ነቲ ዝፈጠረናን ብህይወት ዜንብረናን፡ ክንስረሕን ከነጥርን፡ ኽንወልድ ክንዝምድን ዝፈቐደልናን ዘኽኣለናን፡ ብሓጢኣት ምስ ወደቕና ድማ ምእንቲ ድሕነትና ኢሉ ነቲ እንኮ ወዱ ንመስዋእቲ ኣሕሊፉ ብምሃብ ብኽቡር ደም ወዱ ንዝዓደገና ኣምላኽ ሓዲግና ንሰይጣን ነቲ ሕሱም ጸላኢእና፡ ብዘይፈጠሮ ሰብነት ብዘይዓደሎ ህይወት ክንዲ ጉድ ክንግዝኦን ከነገልግሎን ክንመርጽ ከሎና፡ ኣዝዩ ዜስካሕክሕን ንኽፉእ ፍርዲ ዚምጥውን ተግባርዶ ኣይኰነን፧ ምስ ኣእምሮኡን ምስ ቀልቡን ዘሎ ሰብ ነዚ ተግባርን ህይወትን ፈጺሙ ኣይውዕሎን ኣይመርጾን ድማ እዩ። ነቲ ከም መሪሕ ጥቕሲ ኣብቲ ትሕቲ ኣርእስትና ኣስፊሕናዮ ዘሎን ጥቕሲ ምልስ ኢልና ነንብቦ።

በዓል ክልተ ልቢ፡ ልክዕ ከምቲ ንፋስ ናብ ዝደለዮ መኣዝን ዚኽብክቦ ማያት ባሕሪ እዩ።እዝስ ኣኺልዎ ጥፉእ እዩኢልካ ኽትቀብጾ ከሎኻ፡ ጽባሕ ድማ ክንፊ ዘለዎ መልኣክ መሲሉ ይጸንሓካ።እዝስ ናይ ብሓቂ ንኣምላኽ ዜፍቅርን ዚፈርህን ቅዱስ ሰብ እዩእናበልካዮ ከለኻ ድማ፡ ህጻን ብጽያፍ ኸም ዚጻወት ብሓጢኣት ኪጻወትን ኣብ ነውሩ ኼንገርግርን ይጸንሓካ። ነብዪ ኤልያስ ህዝቢ እስራኤል ንኣምላኽንበዓልንዝተባህለ ጣኦትን ሓዋዊሶም ኬምልኹ ምስ ረኣዮም ኣዝዩ ደንጽይዎ፡ክሳዕ መዓስ ኢኹም ናብ ክልተ ወገን እትሕንክሱ፧ እግዚኣብሄር እንተ ዀይኑ ኣምላኽ፡ ደድሕሪኡ ስዓቡ፡ በዓል እንተ ደኣ ዀይኑ ኸኣ ንእኡ ስዓቡ።ኢሉ መዓዶም (1ነገ 1821) ንሕናውን ናብ ክልተ ወገን ካብ ምሕንካስ ርእስና ነድሕን። ኣብ ረሳሕ ማይ፡ ጽሩይ ማይ እንተ ወሰኽካሉ፡ እቲ ዝወሰኽካዮ ጽሩይ ማይ ደኣ ዚበላሾ እምበር፡ እቲ ኣብቲ ኣቕሓ ዝጸንሐ ረሳሕ ማይሲ ኣይጸርይን እዩ። ኣብቲ ሓጥእ ናብራኻ ገለገለ ግብርታት ጽድቂ እንተ ወሰኽካሉ፡ እቲ ጽድቅኻ ከም ጽዩቕ ጨርቂ ዀይኑ ይበላሾ እምበር፡ ነቲ ውህሉል ሓጢኣትካ ኣየጥፍኣልካን እዩ። ኣብ ሃገርና፡ ናብ ቤተ ክርስትያን ዜዘውትራን፡ ንቤተ ክርስቲያን መባእ ንድኻታት ምጽዋት ዚህባ፡ ኣዘውቲረን ዝክር ዚገብራ ኣመናዝር እየን። ነቲ ምንዝርና ሓዲገን እንተ ዚገብራኦ ኣመናዝር እየን። ነቲ ምንዝርና ሓዲገን እንተ ዚገብራኦ፡ ቅቡል ምኾነለን ነይሩ። ናይ መብዛሕትና ህይወት ድማ ካብዚ ዝተፈልየ ኣይኰነን። ንሓጢኣትና ሓጺብና ኸነርሕቖ ዘይኰነስ፡ ገለ ገለ መንፈሳዊ ተግባራት ኣብ ልዕሊኡ ብምውሳኽ ከነቃጥኖን ከነጸባብቖን ኢና እንመርጽ። በዓል ክልተ ልቢ ምዃን ንኸምዚ ዝበለ ዓሻ ምርጫ ኣሕሊፉ ዚህበካ። እምበኣር ንለብም እሞ፡ ነታ ንሰይጣን እነአንግደላ ኻልኣይትን እክይትን ልቢ ካብ ውሽጥና ነቒልና ነውጽኣያ። ብሓንትን ምልእትን ልቢ ነቲ ዝፈጠረናን ዘድሓነናን ጐይታ፡ ነቲ እንኮ ወናኒና፡ ንእግዚኣብሄር ጥራይ ንገዛእ። ውሉድ ኣምላኽ ወይ ድማ ውሉድ ዲያብሎስ ምዃንና ብኣካይዳና ነረጋግጽ።

ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ኤርትራ - ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜርካ

ዕለት፥ ሰንበት 10 ሕዳር 2019 (ጥቅምቲ 30, 2012 ግእዝ)

ናይቲ መዓልቲ ስብከት

ምስባኽ ዘቅዳሴ፦ መዝ 13

ወይከውን ከመ ዕፅ እንተ ትክልት ኅበ ሙኃዘ ማይ። እንተ ትሁብ ፍሬሃ በበጊዜሃ ወቈጽላኒ ኢይትነገፍ።

ንሱ ኸምቲ ፍሬኣ በብጊዜኣ እትህብ፡ ቈጽላ ኸኣ ዘይረግፍ፡ ኣብ ወሰን ወሓዚ ማይ እተተኽለት ኦም ይኸውን። ዚገብሮ ዂሉውን ይሰልጦ።

ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባባት

ንባብ

ኣንባቢ

ቈሎ 11-19

ዲያቆን

ቅዳሴ  ዘእግዝእትነ። (ጐሥዓ))

ያእ 11-13

ንፍቀ ዲያቆን

ወንጌል ማቴ 625-ፍጻ

ግብ 137-11

ንፍቀ ካህን

 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div