S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ምእንቲ ክትረኣዩ ከይትገብሩ ተጠንቀቑ!!

ብኣቛጻጽራ ግዕዝ ካብ ሕዳር 6 ክሳብ 13 ዘሎ ዕለታት ዝዝመር መዝሙርኢተዘኪሮ ኣበሳ ዚኣነ” (በደልና ኣይትዘክሮ) ኢላ  ቤተ ክርስትያና  መዲባቶ ኣላ። ኣብዚ ሰሙን እዚ እምበኣር፡ ቤተ ክርስትያን ንምእመናን ተመሓላልፎ ትምህርቲ ከምቲ ዘማራይ ዳዊትአዚና ተዋሪድና ኢና እሞ፡ በደል ኣቦታትና ኣይትዘክረልና፡ ቀልጥፍ፡ ምሕረትካ ትቃባበለና።ዝበሎ፡ኣብቲ ጐይታ ምሕረት፡ ለዋህ ፡ዕጉስ፡ ዝገበሮ ምሕረት እንዳዘከርና፡ ከም ምሕረትካ እምበር ከም ኣበሳና ኣይኹን፡ እዳበለት ምሕረት እግዚኣብሄር ክዝክሩ ትጽዋዓሉ ሰሙን እዩ። ኣብ ህይወትና ክህልዉ ዘለዎም መሰረታውያን ሓቅታት ምሕረት እግዚኣብሄር እንታይ ምዃኑ ምርኣይ እዩ።

እዚ ናይዚ ዕለት ናይ ወንጌል ንባብ ካብ ፍቕዲ ሓሙሽተ ዚጅምር እኳ እንተ ዀነ መሰረትን ኣርእስትን ናይቲ መልእኽቲ ግና ካብ ፍቕዲ ሓደ ዚጅምር። እዚ ኣርእስቲ እዚ ካብቶም ዓበይቲ ናይ ከረን ስብከት ኣርእስትታት ሓደ እዩ። ኣብ ምዕራፍ ሓሙሽተ ነተን ሹድሽተ ሕጋጋት ወንጌል ድሕሪ ምእዋጁ፡ ካብቲ ንመንፈሳዊ ተግባራትና ዜምክንን ከንቱ ዚገብርን ግሁድ ሕማም ዚፍውስ ምስጢሩ ኺገልጸልና ፈተወ። ደቂ ሰባት ብሰሪ እቲ ውዱቕን ሓጥእን ባህርይና ካብ ኣብ ዘይርአ ናብቲ ዚርአ፡ ካብ ኣብ ናይ ርሑቕ ኣብ ናብቲ ቀረባ፡ ካብ ኣብቲ ዝዓበየ፡ ናብቲ ዝነኣሰ ኸነተኵር እዩ ዚቐልለና። ብሰሪ እዚ ድኻምናድማ ካብ ዓብይ ዓወት ተዀሊፍና ናብ ከቢድ ስዕረት ክንወድቕ ንርከብ። ከምዚካብ ንዓመታ ደርሆስ ሎም ዘበን እንቋቍሖዚብል ጸቢብን ኣርሒቝ ዘይጥምትን ኣረኣእያ እዩ ዘሎና። ከምኡ ስለ ዝዀንና ድማ፡ ካብ ነቲ ናይ ኣምላኽ ንላዕሊ ነቲ ናይ ሰብ ዝበለጸ ጌርና ናይ ምርኣይ ዝንባለ ኣሎና። ካብኡ ዝተላዕለ ድማ ንዅሉ እቲ ዘዚግብኦ ኣብ ክንዲ እንህቦ፡ ነቲ ስርዓት ኣመዛቢልና፡ ነቲ ናይ ኣምላኽ ንሰብ ክንህቦ ንረኣይ ኣሎና። ነቲ ዘይርአ ብትዕግስቲ ኽንጽበዮ ስለ ዘይከኣልናን ስለ ዘይመረጽናን ነቲ ዘለኣለማዊ ናብ ጊዝያዊ፡ ነቲ ዓብይ ናብ ንእሽቶ፡ ነቲ ኽቡር ድማ ናብ ሕሱር ኣውሪድና ኸነቓልሎ፡ በቲ ሕሱር ምርጫና ድማ ንርእስና ናይ ምጥባር ዓሻ ምርጫ ንወስድ። እቲ ናብ ከምዚ ዝበለ ሕሱር ምርጫ ዚድርኸና እንታይ ምዃኑ፡ ጐይታና፡ንስኻትኩም ካብ ሓድሕድኩም ክብረት እትቀባበሉ፡ ነታ ኻብ ሓደ ኣምላኽ እትርከብ ክብረት ዘይትደልዩ፡ ከመይ ኢልኩም ክትኣምኑ ይዀነልኩም፧ብምባል ገሊጽዎ ኣሎ (ዮሃ 544) ወንጌላዊ ዮሃንስውን ንመብዛሕትኦም መኳንንቲ ንእምነት ከይእዘዙ ዚዕንቅፎም እንታይ ምዃኑ ምስ ተዓዘበ፡ምስናይ ግና ብዙሓት ካብ መኳንንቲ ብእኡ (ብክርስቶስ) ኣመኑ። ግናኸ ካብ ናይ ኣምላኽ ክብርስ ናይ ሰብ ክብሪ ኣብሊጾም ስለ ዝፈተው፡ ካብ ቤት ጸሎቶም ምእንቲ ኸይሰጕጕዎም፡ ብሰሪ ፈሪሳውያን (እምነቶም) ኣየግሃዱንብምባል ትዕዝብቱ ኣስፈረ (ዮሃ 1242,43)

እምበኣር ክቡራት ኣንበብቲ (ሰማዕቲ) ጐይታናጽድቅኹም፡ ብሰብ ምእንቲ ኽትረኣዩ ኢልኩም ከይትገብሩ ተጠንቀቑብምባል ብዘይ ምኽንያት ከም ዘየጠንቀቐና ኣጸቢቕና ነስተውዕል። ከምዚ ኽንሰምዕ ከሎና፡ሰብ እንተ ረኣዮ እሞ እንታይ እቲ ጸገም፧ዚብል ሕቶ ኺለዓለና ዚከኣል እዩ። እንተ ዀነ፡ እግዚኣብሄር መርማሪ ዅሉ ልብታትን፡ መዛኒ ዅሉ ግብርታትን ምዃኑ ኣይንዘንግዕ። ናይቲ ተግባርና ደጋዊ ምኽንያት ዝደለየ እንተ ዀነ ብዘየገድስ፡ ኣብ ውሽጢ መዓሙቕ ልብና ዘሎ ሓቀኛ ምኽንያትን ድርኺትን ኣዝዩ ወሳኒ ምዃኑ ንዘክር። ብሰብ ክትረኣይ ኢልካ ግብሪ ጽድቂ ናይ ምግባር ስውር ዕላማ፡ካብ ክብሪ ኣምላኽሲ ክብሪ ሰብ ይበልጽ፡ ንሱ የሕሸኒዚብል እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ንኣምላኽ ካብ ሰብ ንታሕቲ ዜንእስ ድርኺት፡ ሰይጣናዊ እምበርሰብኣዊ ጥራይ እዩኽትብሎ ኣዝዩ ኣጸጋሚ እዩ። ድሕሪ ነፍሲ ወከፍ ንኣምላኽ ዜሕስር ድርኺት ይኹን ተግባር፡ ሰይጣን ከም ዘሎ ኺስወረና ኣይግባእን እዩ። ሓጢኣት ነቲ ሓሳባትናን ድርኺትናን ናይ ምርዳእን ናይ ምንባብን ዓቕምና ስለ ዜዳከም፡ ክፍኣት ናይቲ ኣብ ውሽጥና ዘሎ ሓሳብ ጽቡቕ ገይሩ ኣይርድኣናን እዩ። ነቲ ኣእምሮና ዚሓስቦ ሓሳብ ክንርድኦ ዜኽእለና እግዚኣብሄር ጥራይ እዩ። ስለዚ ድማ ነብዪ ኣሞጽ፡እንሆ፡ እቲ ኣኽራን ዚሰርሕ፡ ንፋስ ከኣ ዚፈጥር ንሰብ ድማ ሓሳቡ እንታይ ከም ዝዀነ ዚገልጸሉ፡ ንወጋሕታ ጸልማት ዚገብር፡ ኣብቲ ልዕል ዝበለ ቦታታት ምድሪውን ዚረግጽ፡ ስሙ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሰራዊት እዩ።ብምባል ጽሒፉልና ኣሎ (ኣሞ 413) ሃዋርያ ጳውሎስውን፡ “. . . ብገለ ነገር ሓሳብኩም ንበይኑ እንተ ዀይኑ ድማ፡ ንእኡውን ኣምላኽ ኪገልጸልኩም እየ።ብምባል ነቲ ሓቂ ኣብሪሁልና ኣሎ (ፊሊ 315) ስለዚ ብሰብ ምእንቲ ኽትረኣይ ኢልካ ምግባር ማዕረ ኽንደይ ኣብ ዓይኒ ኣምላኽ ጽዩፍን ፍንፉንን ከም ዝዀነ ምስትውዓል ስለ ዝተሳእነና ኢና፡ በዚኸይትገብርዎ ተጠንቀቑዝተባህለልና ሓጢኣት ክንቈማጣዕ ንነብር ዘሎና። እዚ ብሰብ ክትረኣይ ኢልካ ናይ ምግባር ድልየት ወይ ኣተሓሳስባ፡ ናይ ሰይጣን ማይ ብሑቕ እዩ። እዚ ማይ ብሑቕ ኣጋንንቲ ናብ ህይወቱ ዝኣተወ ሰብ፡ ኵሉ ተግባሩ እዩ ዚበላሸው። ንኣምላኽ ኬሓጕስ ዘይኰነስ ንሰብ ኬሓጕስ ኢሉ ስለ ዝዛረብ ኵሉ ሓሳባቱን ቃላቱን ግብዝ እዩ ዚኸውን። ሃዋርያ ጳውሎስ በዚከ ናይ ሰብ ምስጋና ድየ ዝደልይ ዘለኹ ወይስ ናይ ኣምላኽ፧ ወይስ ንሰብ ከሐጕስ ድየ ዝደልይ ዝለኹ፧ ገና ንሰብ ከሐጕስ እንተ ዝብልስ ባርያ ክርስቶስ ኣይምዀንኩን ነይረዝበሎ ቓል፡ ምስጋናን ኣድናቖትን ናይ ሰብ ምድላይ ካብ ክርስቶስ ፈጺሙ ኸም ዚፈልየና ዚገልጽ እዩ (ገላ 110) ዋላ ተግባርናውን ኵሉ እዩ ዚበላሸው። ኵሉ ተግባርና ንረኣዩለይ (ንገጽ ርአ) እዩ ዚኸውን። ምኽንያቱ ሰብ ንልቢ ኸም ዘይምርምርን ከም ዘይፈልጥን ስለ ንፈልጥ፡ ብዛዕባ እቲ ደጋዊ ተግባራትና እምበር ብዛዕባ ልብና እንጥንቀቐሉ ዋላ ሓንቲ ምኽንያት የለን። ስለዚ ኸምቶም፡ኣቱም ግቡዛት ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን፡ ወጻኢኡ ጽቡቕ ኰይኑ ዚረኣይ ውሽጡ ግና ኣዕጽምቲ ምውታትን ርኽሰትን ዝመልአ ልቕሉቕ መቓብር ትመስሉ ኣለኹም እሞ፡ ወይለኹም። ከምኡ ድማ፡ ንስኻትኩም ብላዕሊ ንሰብ ጻድቃን መሲልኩም ትረኣይዎ፡ እቲ ውሽጥኹም ግና ግብዝነትን ዓመጻን ምሉእ እዩ።ዝተባህለሎም ንኸውን ማለት እዩ (ማቴ 2327,28)

ናይዚ ኣካይዳ እዚ ስግንጢርነት ድማ፡ ኣዝዩ ብዓይነቱ ብዙሕ ብኽብደቱ ድማ ሰፍ ዘይብል እዩ።

1. ነቲ ግብሪ ጽድቂ ዝኣዘዘ እግዚኣብሄር እምበር ሰብ ዘይኰነስ ኽነሱ፡ ንምንታይ ሰብ ኪርእየልና እንደልይ፧ ጾምን ጸሎትን ምጽዋትን ምሉእ ብምሉእ መንፈሳውን ሰማያውን ጉዳይ ስለ ዝዀነ፡ ንምድራውን ስጋውን ሰብ ኢልካ ዚግበረሉ ዋላ ሓንቲ ምኽንያት የልቦን። ስለዚ ነቲ ተግባርና ናብ ግጉይ ኣድራሻ ነቕንዖ ኸም ዘሎና ነስተውዕል፡ ነቲ ነገርና ዜኽብዶ ድማ፡ ብዘይፍላጥ ብጌጋ ዘይኰነስ፡ ኰነ ኢልና ብምርጫ ንገብሮ ምዃንና እዩ።

2. ምስጋና ኻብ ሰብ ኪቕበል ዚግብኦ እግዚኣብሄር ጥራይ እዩ። ስለዚ ሰብ ምእንቲ ኼድንቐናን ኬመስግነናን ኢልና ኽንገብር ከሎና፡ ክብሪ ኣምላኽ ኽንሰርቕ ኢና ንፍትን ዘሎና ማለት እዩ። ንገዛእ ርእስና ኣብ ቦታ ኣምላኽ ከነቐምጣ፡ ኣምላኽ ክገብራ ንፍትን ከም ዘሎና ንገንዘብ። ሰባት ንጽሩብ ምስሊ ጣኦትኣምላኽናኢሎም ኪሰግዱሉ ኸለው እግዚኣብሄር ዚቝጣዕ እኮ፡ ነቲ ንእኡ ንህያው ኣምላኽ ጥራሕ ዚግብኦ ኽብሪ፡ ነቲ ግኡዝ ምስሊ ስለ ዝሃብዎ እዩ። ስለዚ ካብ ሰባት ኣኽብሮትን ምስጋናን ክትቅበል ኢልካ ክትገብር ከሎኻ፡ ንርእስኻ ክብሪ ኣምላኽ እትሻመው ትንፋስ ዘለዎ ተንቀሳቓሲት ጣኦት ትገብራ ከም ዘሎኻ ክትግንዘብ ይግባእ። እግዚኣብሄር ድማ ብኽብሩ ቐናእ ኣምላኽ ስለ ዝዀነ ኣኽቢዱ ሕነ ዚፈድይ (ኢሳ 428 4811) ብኣንጻሩ ኣብ ቅድሚ ሰባት ግብሪ ጽድቂ ኽትገብር ከሎኻ፡ ንኣምላኽ ዚኸውን ምስጋና ምእንቲ ኽተብዝሕ ኢልካ ክትገብሮ ኸም ዚግባእ ጐይታና፡ከምኡ ኸኣ ነቲ ጽቡቕ ግብርኹም ርእዮም ኣብ ሰማይ ንዘሎ ኣቦኹም ምእንቲ ኼመስግንዎ፡ ብርሃንኩም ኣብ ቅድሚ ሰብ ይብራህ።ብምባል ገሊጹልና እዩ (ማቴ 516 1ጴጥ 212)ሰብ ገበሮ፡ ምድሪ ነገሮኸም ዚበሃል፡ ተሓቢእካ ኽትሕባእ ስለ ዘይከኣል፡ ካብ ምሕባእ ንላዕሊ ነቲ እትገብረሉ ዕላማን ድርኺትን ጥዑይ ምግባር እቲ ዝበለጸ ፍታሕ እዩ። ምኽንያቱኡ ዋላ ገዛኻ ዓጺኻ እንተ ጸለኻ፡ ኣብታ ገዛኻ በይንኻ ስለ ዘይትነብር፡ ወይ እታ ዝፈረየትካ ወይ ከኣ እታ ዝፈሬኻያ ስድራ፡ ምርኣይ ባዕላ ኣመስጊና ድማ ንኣመስጋኒ ኣሕሊፋ ምሃብ ዘይተርፍ እዩ። ከይትጽምልው እናተጠንቀቕካ ብሕቡእ እንተ ጾምካ፡ ምምጋብ ምስ ኣቤኻ ስድራ ቤትኻ ኺፈልጡ እዮም። ወይውን ብዝዀነ ምኽንያት ናብ እንዳ ሰብ ምስ ከድካ ወይውን ሰብ ኪጋብዘካ ደልዩ ምስ ኣበኻ፡ ኣብ ሰራሕ ይኹን ኣብ ትምህርቲ ኣዘውቲርካ ትምገቦን ትሰትዮን ዝነበርካ ምስ ተሓሰምካ ምፍላጥካ ዘይተርፍ እዩ። ስለዚ ኽትሕባእ እንተ ዄንካ፡ ካብሰብ ምእንቲ ኼርእየለይዚብል ክፉእ ሰይጣናዊ ዕላማን ሓሳብን ኢኻ ክትሃድምን ክትሕባእን ዜዋጽኣካ።

3. ናይዚ ኽፉእ ሓሳብ ሳልሳይ መዘዝ ድማ ዘይተደላይን ዘይተኣዘዝካዮን ነገር ክትገብር ዚድርኽ ምዃኑ እዩ። ጸሎት እንተ ዀይኑ ነቲ ጸሎት ብዘይ መጠን ተንውሖ፡ ኵሉ ሰብ ኪርእየካ ኣብ ዚክእል ስትራተጂካዊ ቦታ ትመርጽ፡ ብተመስጦ ትጽልይ ከም ዘለኻ ከተመልክት ድራማዊ ምንቅስቓሳት ተብዝሕ፡ ጸሎትካ ሰብ ኪሰምዓልካ ዓው ትብል። እዚ ዅሉ ለጠፍ ተግባራት ኣካል ናይቲ ጸሎት ዘይኰነ ኽነሱ፡ ብእፍሊ ሓደስቲ ናይርኣዩለይምህዞታት፡ እቲ ቐንዲ ዛዕባ ጸሎት ምዃኑ ተሪፉ ናብ ህዝባዊ ምርኢት ይልወጥ ማለት እዩ።

4. ሰበብ ናይዚ ሰይጣናዊ ጫላ ድማ ነቲ ተዓዛቢኻ ህዝቢ ምዕንቃፍ እዩ። ብዛዕባ ተግባርካ ንኣምላኽ ሓዲጉ ንኣኻ ኬመስግን ካብ ምግባር ዚኸፍእ ዕንቅፋት የልቦን። ነቲ ናብ ኣምላኽ ኪኸውን ዚግብኦ ኣቓልቦኡ ናባኻ ገጹ ኸም ዜቕንዕ ብምግባር ካብ ኣምላኽ ትፈልዮ ኸም ዘሎኻ ምስትውዓል ይግባእ። ጽባሕ ንግሆ ኵልና ኣብ ቅድሚ መንበር ፍርዲ ክርስቶስ ደው ምስ በልና፡ ንስኻ ክብሪ ኣምላኽ ብምስራቕ ክትፍረድ ከለኻ፡ ንሱ ድማ እቲ ንኣምላኽ ጥራሕ ዚግባእ ውዳሴ ኣልዒሉ ንዘይግብኦ ሰብ ብምሃቡ ኪፍረድ እዩ።

እምበኣር ክቡራት ስድራ ቤት ኣምላኽ፡ ካብዚ ኣዕናዊ ዕሽነት እዚ ርእስና ንባልህ። ናይ ሰብ ክብሪ ምስቲ ኣምላኽ ዚህቦ ኽብረት ኪወዳደር ከሎ ውርደት እምበር ክብሪ ኸም ዘይኰነ ነስተውዕል። ነቲ እንገብሮ ሰናይ ግብሪ ብዝተኻእለ መጠን ብዘይካ ኣምላኽ ካልእ ሰብ ከም ዘይፈልጦ ጌርና ንግበር። ወዝቢ እንተ ተራእየን ክንሓብኦ ዘይከኣል እንተ ዀነን ድማ፡ ካብቲሰብ ምእንቲ ኪርእየለይኢልካ ናይ ምግባር ሰይጣናዊ ድርኺት ኣርሒቕና ንህደም። ነቲ ሰናይ ግብሪ ብርኹስ ድርኺት ብምግባር ገዛእ ርእስና ኻብ ምፍራስ ንጠንቀቕ።

ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ኤርትራ - ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜርካ

ዕለት፥ ሰንበት 17 ሕዳር 2019 (ሕዳር 7, 2012 ግእዝ)

ናይቲ መዓልቲ ስብከት

መዝ 78/798

ኢትዝክር ለነ አበሳነ ዘትካት። ፍጡነ ይርከበነ ሣህልከ እግዚኦ። እስመ ተመንደብነ ፈድፋደ።

አዚና ተዋሪድና ኢና እሞ፡ በደል ኣቦታትና ኣይትዘክረልና፡ ቀልጥፍ፡ ምሕረትካ ትቃባበለና።

ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባባት

ንባብ

ኣንባቢ

ሮሜ 510-ፍጻ

ዲያቆን

ቅዳሴ  እግዚእ (ነአኵተከ)

1ዮሃ 21-18

ንፍቀ ዲያቆን

ወንጌል ማቴ 65-17

ግብ 221-12

ንፍቀ ካህን

 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div