S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ዚሰምዑ ምውታት

ብኣቛጻጽራ ግዕዝ ካብ ሕዳር 13 ክሳብ ሕዳር 19 ዘሎ ዕለታት ዝዝመር መዝሙር  "ሎቱ ስብሐት ወሎቱ ኣኵቴት። ለዘቀደሳ ለሰንበት።” (ንሰንበት ንዝቀደሳ ንዕኡ ፍጹም ምስጋና ይግብኦ) ኢላ ቤተ ክርስትያ መዲባቶ ኣላ። ኣብዚ ሰሙን እዚ እምበኣር፡ ቤተ ክርስትያን ንምእመናን ተመሓላልፎ ትምህርቲ ከምቲ ዘማራይ ዳዊትእግዚኣብሄር ኣብ ሰማይን ምድርን፣ ኣብ ባሕርን መዓሙቚን ዝደለዮ ዘበለ ይገብር እዩዝበሎ፡ኣብቲ ጐይታ ምሕረት፡ ለዋህ፡ዕጉስ፡ ዝደለዮ ዘበለ ዝገብር፡ ዕብየቱን ከኣልነቱን እንዳዘከርና፡ ከም ምሕረቱ ኣብ ዕድሜና እዚ ዕለት ዝሃበና፡ ካብ ፍቃዱ ከይንወጽእ፡ እቲ ንሱ ኣዳልዩልና ዘሎ በረኸት ከይንስእን፡ ግዳይ ዘልኣለማዊ ሞት ከይንኸውን እዩ። ኣብ ህይወትና ክህልዉ ዘለዎም መሰረታውያን ርድኢት ነቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ዘይምፍጻም፡ዘስዕቦ ሞትን ናይ ዘልኣለም ስቓይን ከምኡውን ንሞት ብመሰረት ቃል እግዚኣብሄር እንታይ ምዃኖም ምርኣይ እዩ እዚ ጽሑፍ ተዳልዩ ዘሎ።

ጐይታና ነዚ ኽፍሊ ወንጌል እዚ ዝመሃረ፡ ነቲ ንሰላሳን ሸሞንተን ዓመታት ዚኣክል መጻጕእ ዝነበረ ሰብኣይ ኣብ ሰንበት መዓልቲ ፈዊሱ ዓራቱ ጸይሩ ኪኸይድ ምስ ኣዘዞ እዩ። በቲ ግብሩ ሓሪቖም ክሳዕ ንምቕታሉ ሓሰቡ። ጐይታ ድማ  ሓሳቦም እዚ ስለ ዝተረድኦ፡ እግዚኣብሄር ኣቦኡ ዝገበሮ ኸም ዝገበረ ኣስፊሑ ገለጸሎም። ኣብዚ ትምህርቱ ድማ ብዛዕባ ሰለስተ ዓይነት ሞት ዜገርም መግለጺ ሃበ። እቲ ቐዳማይ ዓይነት ሞት ገና ብኣካለ-ስጋ ብህይወት ከለኻ እትሞቶ ናይ ልዕሊ መቓብር ሞት ኪኸውን ከሎ፡ እቲ ኻልኣይ ሞት ድማ ብኣካል ስጋ ሞይትካ ናብ መቓብር እትወርደሉ ሞት እዩ። እቲ ሳልሳይ ሞት ግና፡ በቲ ልዕሊ መቓብር ዀለኻ እትምቶ መንፈሳዊ ሞት እዩ ዝውሰን።

እቲ ቐዳማይ ሞት፡ ብስጋ ብህይወት ከለኻ ብሰሪ ሓጢኣት እትምቶ መንፈሳዊ ሞት እዩ። ሓጢኣት ሞት ከም ዚወልድ፡ እግዚኣብሄር ኣብቲ ንኣዳምን ሄዋንን ዝሃቦ፡ካብታ ጽቡቕን ክፉእን እተፍልጥ ኦም፡ ካብኣ ምስ እትበልዕ ግና ሞት ክትመውት ኢኻ እሞ ካብኣ ኣይትብላዕብምባል ገሊጹ እዩ። (ዘፍ 217) ኣዳምን ሄዋንን ነቲ ትእዛዝ ጥሒሶም ምስ በልዑ፡ ስጋዊ ሞት ኣይሞቱን። ስለዚ እቲ እግዚኣብሄር ዝተዛረበሉ ሞት፡ ኣካላዊ ዘይኰነስ መንፈሳዊ ሞት ምዃኑ ኢና እንርዳእ። እቲ ብንጉስ ሰለሞን ገይሩ፡እቲ ኣብ ልዕለይ ዚእብስ ግና (ንስጋኡ ዘይኰነ) ንነፍሱ ይጐድኣ፡ እቶም ዚጸልኡኒ ዅሎምሲ ሞት ይፈትው።ዝበሎ ቓልውን፡ ነዚ ሓቂ እዩ ዜረጋግጸልና። (ምሳ 836) ስለዚ ድማ፡እቲ ሓሳብ ስጋ ሞት እዩ፡ተባህለልና (ሮሜ 86) ብህይወት እናሃለኻ እቲ ኣብ ኣእምሮኻ እትሓስቦ ሓሳብ ስጋዊ ምስ ዚኸውን፡ ምውት ምዃንካ ዜመልክት። ኣብቲምስላ ጥፉእ ወዲተገሊጹልና ኸም ዘሎ፡ እቲ ወዱ ተጣዒሱ ምስ ተመልሰ፡ ኣቦኡ ተሓጕሱ፡እዚ ወደይ ሞይቱ ነይሩ ሓውዩ፡ ጠፊኡ ነይሩውን ተረኺቡ እዩበለ። (ሉቃ 1523,24,32) እዚ ወዲ ብስጋ ሞይቱ ናብ መቓብር ኣይኣተወን። ስለዚሞይቱኢሉ ዝገለጾ፡ ነቲ ብምንዝርናን ስኽራንን ዝርጋንን ዝርወትን ዘስዓቦ መንፈሳዊ ሞት ማለት ምዃኑ ንጹር እዩ። ሃዋርያ ጳውሎስውን ንሰብ ኤፌሶን፡ንስኻትኩም . . . ብበደልኩምን ብኣበሳኹምን ምውታት ዝነበርኩም፡ ንኣኻትኩም ህያዋን ገበረኩም። . . . ንኣና፡ ብበደልና ምውታት ከሎናስ፡ ምስ ክርስቶስ ህያዋን ገበረና፡ ብጸጋ ኢኹም ዝደሓንኩም።ዝበሎ፡ ኣስዒቡውን ንሰብ ቈሎሴ፡ንብዘሎ ኣበሳና ይቕረ ኢሉ፡ ብዘይ ምግዛርኩምን ብኣበሳኹምን መዊትኩም ንዝነበርኩም፡ ንኣኻትኩም ምስኡ ህያዋን ገበረኩምብዝበሎ ቓል፡ ሓጢኣት መንፈሳዊ ሞት ከም ዜስዕብ ዜረጋግጸልና እዩ (ኤፌ 21,2,5 ቈሎ 213) ስለዚ ድማ፡ኣታ ደቂስካ ዘለኻ፡ ንቓሕ እሞ፡ ካብ ምውታት ተንስእ፡ ክርስቶስ ከኣ ኬብርሃልካ እዩዚብል ደብዳበ ተጻሕፈሎም (ኤፌ 514) ናይ ብሓቂ ናብ መቓብር ዝወረዱ ምውታት እንተ ዝዀኑ ነይሮም ግና ኪጸሓፈሎምውን ኣይመድለየን ነይሩ። ጐይታና ንሓደ ሰብ፡ስዓበኒምስ በሎ፡ እቲ ሰብ ድማ፡ጐይታይ፡ ቅድም ከይደ ነቦይ ክቐብሮ ፍቐደለይኢሉ መለሰሉ። ጐይታ ግናምውታት ንምውታቶም ይቕበሩ ሕደጎም። ንስኻ ግና ኪድ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንገርኢሉ ኣዘዞ (ሉቃ 959,60) እዚ ኣበሃህላ እዚ፡ምውታት ደኣ ከመይ ጌሮም ንኻልኦት ምውታት ኺቐብሩ ይኽእሉ፡ዚብል ሕቶ ዜልዕል እዩ። እዚ ድማ ዝተፈላለየ ዓይነት ሞት ከም ዘሎ ዜመልክተና እዩ። እምበኣር መልእኽቲ ናይ ጐይታ፡እቶም ብስጋ ህሉዋት ብመንፈስ ግና ምውታት ዝዀኑ ሰባት፡ ነቶም ብስጋ ዝሞቱ ሰባት ይቕበርዎምዚብል እዩ። እቲስዓበኒዝተባህለ ሰብ ግና ብመንፈስ ህያው ስለ ዝነበረ፡ ጊዜኡ ምውታት ኣብ ምቕባር ኬቃጽል ዘይኰነስ፡ ነቶም ብመንፈስ ምውታት ዝዀኑ ሰባት ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ብምስባኽ ህይወት ኪዘራሎም ኣዘዞ።

እምበኣር እዞም ኣብ ዮሃ 525 ምውታት ዚበሃሉ ዘለው፡ ገና ብህይወት ዘለው ግን ከኣ መንፈሳዊ ሞት ዝሞቱ ሰባት ምዃኖም ካብ ተረዳእና፡ ካብ መንፈሳዊ ሞት ተንሲኦም ህያዋን ዚገብሮም እንታይ ምዃኑ በቲ ጐይታና ዝገለጾ ምስጢር መሰረት ንመሃር። ጐይታ ገሊጹልና ኸም ዘሎ፡ ብመንፈስ ምውታት ዝዀኑ ሰባት ድምጺ ወዲ ኣምላኽ ሰሚዖም ብምእዛዝዮም ህያዋን ዝዀኑ። ንቓል እግዚኣብሄር ብእዝንኻ ስለ ዝሰማዕካዮ ጥራይ ህያው ምዃን ኣይከኣልን እዩ። ስለዚ እቲምስማዕዚብል ቃል፡ሰሚዕካ ምእዛዝዚብል መልእኽቲ ምዃኑ ኸነስተውዕል ይግብኣና። እቲ ኻብ መንፈሳዊ ሞት ተንሲኡ ህያው ኪኸውንን፡ ካብቲ ድሕሪ ትንሳኤ ሙታን ዘሎ ኻልኣይ ሞት ኪድሕንን ዚደልይ ሰብ እምበኣር፡ ሓንቲ መድሃኒት ጥራይ እያ ዘላቶ። ንሳ ድማ፡ ንድምጺ ወዲ ኣምላኽ ሰሚዕካ ምእዛዝ ጥራይ እያ። እዚ ተግባር እዚ ህያዋን ምስ ገበረና፡ ብድሕሪኡ ኢና ግብሪ ህያዋን ክንገብር እንኽእል። ስለዚ ድማ ኣብ ደብረ ታቦር ጐይታና መለኮታዊ ኽብሩ ገሊጹ፡ ካብ ብሄረ ሙታን ንሙሴ፡ ካብ ብሄረ ህያዋን ድማ ንኤልያስ ጸዊዑ እናኣዘራረቦም ከሎ፡ እግዚኣብሄር ኣቦ ብብሩህ ደበና ተገሊጹ፡ብእኡ ዝሰመርኩ ፍትዊ ወደይ እዚ እዩ፡ ንእኡ ስምዕዎብምባል ተዛረበና (ማቴ 175) በቲ ንነብዪ ሙሴ ዝተዋህበ፡ከም ዝኸማይ ዝበለ ነብዪ ኻብ ኣሕዋትኩም ከተንስኣልኩም እዩ እሞ፡ ንሱ ዚብለኩም ዘበለ ዅሉ ስምዑ። ኪኸውን ከኣ እዩ ነቲ  ነብዪ እቲ ዘይትሰምዕ ዘበለት ነፍሲ፡ ካብ ህዝባ ክትምንቈስ እያ።ዚብል ትንቢትውን ንክርስቶስ ምስማዕን ምእዛዝን እምበር ካልእ ኣማራጺ ኸም ዘይብልና ተገሊጹልና እዩ (ዘዳ 1815,18,19 ግብ 322,23) እግዚኣብሄር መስዋእትን ህያባትን ኣገልግሎትን ከም ምስማዕ ደሃዩ ገይሩ ኸም ዘየሐጕስ ኣነጺሩ ገሊጹ እዩ (1ሳሙ 1522) እቲ ገና ብህይወቱ ኸሎ ንወዲ ኣምላኽ ብምስማዕ ካብ መንፈሳዊ ሞት ተንሲኡ ህያው ዝዀነ ሰብ፡ ብስጋዊ ሞት ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት እዩ ዚሰግር። ኣብታ ኣብ መቓብር ዘለው ምውታት ድምጺ ናይቲ ብምጽኣቱ ብኽብሪ ዝተገልጸ ክርስቶስ ሰሚዖም ዚትንስኡላ መዓልቲ ናብ ዓብይ ክብሪ ኺኣትው እዩ። እቲ ነቲ ድምጺ ወዲ ኣምላኽ ዝዀነ ቃል ወንጌል ሰሚዑን ተኣዚዙን ምኻድ ዝኣበየ ሰብ ግና ዘመኑ ምሉእ ኣብ ሞት እዩ ዚነብር። ካብ መንፈሳዊ ሞት ናብ ኣካላዊ ሞት፡ ካብ ኣካላዊ ሞት ድማ ናብቲ ኻልኣይን ዘለኣለማውን ሞት ኪስግር እዩ (ራእ 218 206 211)

ድሕርዚ ዚስዕብ ሕቶ፡ሓደ ሰብ ንክርስቶስ ብምስማዕን ብምእዛዝን ህይወት ከም ዝረኸበ፡ ካብ መንፈሳዊ ሞት ተንሲኡ ህያው ምዃኑ ብምንታይ እዩ ዚፈልጥ፧ዚብል እዩ። ምኽንያቱ ህያው ዝዀነ እናመስሎ፡ ገና ምውት ኰይኑ ዚጸንሕ ብዙሕ እዩ። እዚ ድማ ንተራ ምእመናን ጥራይ ዘይኰነ ንመንፈሳውያን መራሕትን ንምርኡያት ኣገልገልትን ከይተረፈ ኼጋጥሞም ዚኽእል ሓደገኛ ክስተት እዩ። ናይ ቤተ ክርስቲያን ሳርዴስ መራሒ ዝነበረ ሰብ እቶም ምእመናንን መገላግልቱን ኰነ ንሱ ባዕሉ ንርእሱ ኸም ህያው ይፈልጣ ነበረ። ጐይታ ግን ንሃዋርያ ዮሃንስ ብራእይ ተገሊጹ፡ ነቲ መራሒ ቤተ ክርስቲያንህያው ተባሂልካ ትስመይ ኣሎኻ ግናኸ ምውት ኢኻ፡ ንግብርኻ ኣብ ቅድሚ ኣምላኸይ ምሉእ ዀይኑ ኣይረኸብኽዎን እሞ፡ ንቑሕ ኩን። . . . ደጊም ከመይ ጌርካ ኸም ዝተቐበልካን ከም ዝሰማዕካን ዘክር፡ (ነቲ ዝሰማዕካዮ) ሓልዎ ተነሳሕውን።ኢሉ ኺጽሕፈሉ ኣዘዞ። (ራእ 31-3) ህያው ዝዀነ እናመሰሎ ምውት ኪኸውን ዝገበሮ፡ ግብሩ ምሉእ ዘይኰነስ ጐደሎ ዀይኑ ብምርካቡ እዩ። ስለዚ ካብ መንፈሳዊ ሞት ትንሳኤ ረኺብካ ህያው ምዃንካ ዘረጋገጽ በቲ እትገብሮ ግብሪ፡ እትነብሮ ናብራ፡ እተንጸባርቖ ባህርያት እዩ። እቶም ብክርስቶስ ኣሚኖም፡ ጸጋ መንፈስ ቅዱስ ተቐቢሎም፡ ብዓበይቲ ውህበታት ጸጋ፡ ብትንቢትን ብምውጻእ ኣጋንንትን ዓበይቲ ግብርታት ሓይልን ዜገልገሉ ግን ከኣ ካብ ግብሪ ዓመጻ ዘይተናገፉኣገልገልቲ ክርስቶስጐይታና ብኽብሩ ምስ ተገልጸ፡ኣቱም ገበርቲ ዓመጻ፡ ከቶ ኣይፈለጥኩኹምን፡ ካባይ ርሓቑኢሉ ሰጐጎም። (ማቴ 723) ብኣፎም ድኣጐይታይ ጐይታይይብሉ ይሰብኩ ነይሮም እምበር፡ ንፍቓድ ኣምላኽ ግና ይጥሕስዎን ይግህስዎን ነበሩ። ስለዚ እዞም ሰባት ህያዋን ዚመስሉ ምውታት ከም ዝነበሩ ግሉጽ እዩ። (ማቴ 721) ሓንቲ ኦም ከም ዝጸደቐት እትፈልጣ ምስ ጠጥዐትን በቝጽልቲ ምስ ማዕረገትን እዩ። ከምታ ጐይታ ዝረገማ ኦም በለስ፡ ቈጽሊ እምበር ፍረ ዘይብላ ዀይና እንተ ተረፈት ግና ድራር ፋስን ሓውን ኰይና እያ እትተርፍ። (ማቴ 2118,19) ብእምነት ጸዲቕካ ከተብቅዕ፡ ፍረ-ጽድቂ ዘይትፈርይ እንተሊኻ እምበኣር በዓል ምውትቲ እምነት ስለ ዝዀንካ፡ እትቝረጸሉ ማሕጸ ድሮ ኣብ እግርኻ ተነቢሩልካ ኸም ዘሎ ኣይትዘንግዕ። ስለዚ ድማ እዩ እቲ ቕዱስ ሃዋርያ፡እዚ ቓል እሙን እዩ። ነቶም ብኣምላኽ ዝኣመኑ፡ ሰናይ ግብሪ ንምግባር ምእንቲ ኪቐንኡ በዚ (ሓቂ) ኣጸቢቕካ ኸተረድኦም እደልይ ኣለኹ። እዚ (ሰናይ ግብሪ) ጽቡቕን ንሰብ ዚጠቅምን እዩ፡ . . . እቶም ናትናውን ብዘይ ፍረ ከይኰኑ ነቲ ብግዲ ዜድልይ ነገር ሰናይ ግብሪ ኺገብሩ ይመሃሩ።ኢሉ ዝኣዘዘ (ቲቶ 38,14) ምኽንያቱ ንሕና ነቲ ኣምላኽ ኣቐዲሙ ዘዳለወልና ሰናይ ተግባራት እናፈጸምና ምእንቲ ኽንነብር ብክርስቶስ ኢየሱስ ዝፈጠረና ፍጡራቱ ኢና። (ኤፌ 210) እምበኣር ብዛዕባና፡ንኣምላኽ ከም ዚፈልጥዎ ባዕላቶም ይዛረቡ፡ ፍንፉናትን ዘይእዘዙን ንሰናይ ግብሪ ዘበለ ዅሉ ዘይጠቕሙን ብምዃኖም ግና በቲ ግብሮም ይኽሕድዎ ኣለው።ኸይበሃል ንጠንቀቕ። (ቲቶ 116) ሰናይ ግብሪ ዘይምግባር ኣሉ ዘይበሃሎ ግሁድ ክሕደት እዩ። ግብሪ ኻብ ቃላት ንላዕሊ ርዝነት ስለ ዘለዎ፡እምነት ኣሎኒእናበልካ እቲ ናይ ግድነት ኪህልወካ ዘለዎ ሰናይ ግብሪ እንተ ዘይብልካ ከንቱ ዄንካ ኢኻ ትተርፍ። ይትረፍ ምእማንካ፡ ዋላ ምፍጣርካውን ንሰናይ ግብሪ እንተ ዀይኑ እቲ ዝዓበየ እቲ ሰናይ ግብሪ እዩ። ምድሓን ማለት፡ ካብ እከይ ግብሪ ተናጊፍካ ብሰናይ ግብሪ ምንባር ማለት እዩ። እምነትካ ናብዚ ምስግጋር እዚ እንተ ዘየብቂዓትካ፡ እምነትካ ዘይተድሕን እምነት እያ። ስለዚ ድማ እዩ ጐይታና፡ “. . . ሰናይ ዝገበሩ ናብ ትንሳኤ ህይወት፡ እኩይ ዝገበሩ ኸኣ ናብ ትንሳኤ ፍርዲ (ሞት) ኺወጹ እዮም እሞ፡ በዚ ኣይትደነቑዝበለና (ዮሃ 528,29) እምበኣር ንድምጺ ወዲ ኣምላኽ ብምእዛዝ ብሰናይ ግብሪ ኻብ መንፈሳዊ ሞት ከም ዝተናገፍና፡ ናይ ምጽኣቱ ዕጫና ድማ ትንሳኤ-ህይወት ምዃኑ ነረጋግጽ።

ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን። 

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ኤርትራ - ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜርካ

ዕለት፥ ሰንበት 24 ሕዳር 2019 (ሕዳር 14, 2012 ግእዝ)

ናይቲ መዓልቲ ስብከት

መዝ 134/1356 “ኵሎ ዘፈቀደ ገብረ እግዚኣብሔር። በሰማይኒ ወበምድርኒ። በባሕርኒ ወበኵሉ ቀላያት።” “እግዚኣብሄር ኣብ ሰማይን ምድርን፣ ኣብ ባሕርን መዓሙቚን ዝደለዮ ዘበለ ይገብር እዩ።

ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባባት

ንባብ

ኣንባቢ

ቈሎ 112-ፍጻ፣

ዲያቆን

ቅዳሴ  ዘኣትናቴዎስ።

1ጴጥ 113-21

ንፍቀ ዲያቆን

ወንጌል ዮሃ 516-28

ግብ 1921-ፍጻ፣

ንፍቀ ካህን

 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div