S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ንኢየሱስ ክትራኸቦ ወጸት!!

ብኣቛጻጽራ ግዕዝ ካብ ሕዳር 20 ክሳብ ሕዳር 26 ምኵራብ ይባሃል።ኣብዚ ዕለታት ዝዝመር መዝሙር ከኣኣምላክ ፍጹም በህላዌሁ”(ብህልውንኡ ፍጹም ዝኾነ ኣምላኽ) ኢላ  ቤተ ክርስትያና  መዲባቶ ኣላ። ኣብዚ ሰሙን እዚ እምበኣር፡ ቤተ ክርስትያን ንምእመናን ተመሓላልፎ ትምህርቲ ከምቲ ዘማራይ ዳዊትናብኡ ዚጥምቱ የንጸባርቑ፡ ገጾምውን ከቶ ኣይሐፍርን። እዚ መስኪን እዚ ኣእወየ፡ እግዚኣብሄርውን ሰምዖ፡ ካብ ኵሉ ጸበባኡ ኣድሐኖ።ዝበሎ፡ ኣብቲ ጐይታ ምሕረት፡  ምጽባይ ክብረት እምበር ውርደት ከምዘይብሉ፡ ምክንያቱ ጽጉማት ኣእውዮም ቅድሚ ሕጂ ዘየሕፈረ ኣምላኽ ህላውነቱ ኣይተለወጠን ኣብ ህይወትና ክህልዉ ዘለዎም መሰረታውያን  ርድኢት ኣብ እግዚኣብሄር ምውካል መዓልቲ መዓልቲ ንዕኡ ክንረክብ ሃረር ምባል ዘለዎ በረኸት ብመሰረት ቃል እግዚኣብሄር እንታይ ምዃኖም ምርኣይ እዩ፡ እዚ ጽሑፍ ተዳልዩ ዘሎ እሞ ሰናይ ንባብ ይግበረልና።

ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብዘይ ምኽንያት ናብ ዝዀነ ቦታ ከም ዘይከይድን፡ ዝዀነ ተግባር ከም ዘይገብርን ዝተረጋገጸ ሓቂ እዩ። ስለዚ ድማ ምስ ደቀ መዝሙርቱ ብጃልባ ተሳጊሩ ናብ ምድሪ ጌርጌሴይን ከደ። ካብ ጃልባ ምስ ወረደ ድማ፡ ኣጋንንቲ ዝሓደርዎም ክልተ ሰባት ካብ መቓብር ወጺኦም ተጓነፍዎ። ሓደ ሰብ እኳ በታ መገዲ እቲኣ ምሕላፍ ክሳዕ ዚስእን። ኣዝዮም ክፉኣትን ሕሱማትን ነበሩ። (ወንጌላውያን ማርቆስን ሉቃስን እኳ ሓደ ሰብ ከም ዝነበረ እዮም ዚትርኹ) ከምቲ ወንጌላዊ ማርቆስ ተሪኽዎ ዘሎ መቝሕ እኳ ኼጽንዖ ዝኽእለ ኣይነበረን። ብመቝሕን ብሰንሰለትን ብዙሕ ሳዕ ይእሰር ነበረ። እንተ ዀነ ንመቝሕ ይሰብሮ ንሰንሰለትውን ይበትኮ ስለ ዝነበረ፡ ኬሕምቕ ዝኸአለ ሓደ እኳ ኣይነበረን ኵሉ ሳዕ ድማ ለይትን መዓልትን ኣብ መቓብርን ኣብ ኣኽራንን ኰይኑ የእውይ፡ ስጋኡ ድማ ብጽንጽሕለ ይበጥሕ ነበረ (ማር 53-5) መቸም እዞም ሕሱማት ኣጋንንቲ ኣብ ልዕሊ እቲ ግዳዮም ኣብ ከባቢኡ ዘሎ ህዝብን ዜውርድዎ ስቓይ ኣዝዩ ኸቢድ እዩ።

ክብሪ ነቲ ቕዱስ ኣምላኽ ይኹን ግና፡ እቲ ብቓሉን ብስሙን ኣጋንንቲ ዚመልኽ ጐይታ ምስ ተገልጸ፡ እዚ ሓይሊ እዚ ኸንቱ ዀነ፡ እዚ ናይ ሓጺን መቝሕን ሰንሰለት ኬጽንዖ ዘይከኣለ ጋኔን፡ ንጐይታ ምስ ረኣዩ፡ ከይተጸውዐ ጐይትነትን ኣምላኽነት ንእናተኣመነ ኣብ ቅድሚኡ መጺኡ ብገጹ ተደፍአ።ኢየሱስ ወዲ ልዑል ኣምላኽ ምሳኻ እሞ እንታይ ኣሎና፧ ቅድሚ ጊዜኡ ኽትሳቕየናዶ ናብዚ መጻእካ፧እናበሉ ጨርሑ። ጐይታ ኺወጹ ምስ ኣዘዞም ድማ ናብቲ ኣብ ከባቢኦም ዝነበረ ብርቱዕ መጓሰ ሓሰማታት ኪኣትው ኪፈቕደሎም ፍቓድ ሓተቱ ፍቓድ ረኺቦም ነቲ መጓሰ ሓሰማ ሒዞም ናብቲ ባሕሪ ጠሓሉ። ፍቁራት ኣንበብቲ /ሰማዕቲ/ ነቲ ስግደቶምን ነቲ፡ምሳኻ እሞ እንታይ ኣሎና፧ዝበልዎ ቓል ግና ከቶ ኣይትረስዕዎ።

እታ ነዚ ዜና ዝሰምዐት ዓዲ ድማ ንክርስቶስ ክትራኸቦ ወጸት። ጐይታ ድማ ነዞም ክልተ ሰባትን ነዛ ዓድን ካብ ስቓይን ማእሰርትን ናይዞም ሕሱማት ኣጋንንቲ ኬዕርፎም እዩ ዝመጸ። ብዘላ እታ ዓዲ ናብኡ ምስ ተኣከበት፡ ዋላ እንተ ዘይተጻሕፈልና እኳ፡ ጐይታና ብስራት ወንጌል ከም ዘበስሮም ዘየጠራጥር እዩ። ነቲ ንሳቶም ብናይ ሓጺን መቝሕን ሰንሰለትን ኪመልክዎ ዘይከኣሉ ጋኔን ዘርሓቐሎም፡ ክልተ ግዳያቶም ዝፈወሰሎም ጐይታ መጺኦም ኣይሰገዱሉን። ኢየሱስ ወዲ ልዑል ኣምላኽ ምዃኑ ኣይተኣመኑን። ብኣንጻሩ፡ምሳኻ እሞ እንታይ ዘራኽብ ኣሎና፧ብዝዓይነቱ መልሰ ግብሪ፡ ካብ ምድሮም ኬልግስሎምለመንዎ እቲ ልመናኦም ግና ብኣንጻሩ ኪኸውን ምተገብኦ ነይሩ። ካብ ከምዚ ዝሓለፈ ስቓይ ምእንቲ ኺሕልዎም፡ ቤት ኣዳልዮም ምሳታቶም ኪነብር ብገጾም ተደፊኦም ብእግሩ ሒዞም ኪልምንዎ ምተገብአ ነይሩ። እዚ ድማ፡ ዋላ ኣጋንንቲ ብኣካል እንተ ዘይሓደርዎም፡ እቲምሳኻ እሞ እንታይ ኣሎና፧ዚብል ኣጋንንታዊ ሓሳብ ግና ኣብ ልቦም ኣሳፊሑ ይገዝእ ነበረ። እቲ ኻብ ኣጋንንቲ ሓራ ዝወጸ ሰብ ግና፡ ዋላ ኻብዛ ኣጋንንታዊት ሓሳብ እዚኣውን ተናጊፉ ስለ ዝነበረ፡ ጐይታ እታ ዓዲ ሰጕጓቶ ናብ ጃልባኡ ኺድይብ ከሎ ምስ ረኣዮ፡ ጐይታይ፡ምሳኻ ክኸውን ክስዕበካ ፍቐደለይኢሉ ለመኖ። ጐይታ ግና ናብታ ስድራኡ ዘለውዎ ኸተማ ከይዱ ግብርን ምሕረትን ናይ ኣምላኽ ኪሰብከሉ መረጾ። ስለዚ ድማ፡ናብ ቤትካ ናብ ስድራኻ ኪድ፡ እግዚኣብሄር ከመይ ዝበለ ዓብዪ ግብሪ ኸም ዚገበረልካን ከም ዝመሓረካላን ንገሮም።ኢሉ ዓብይ ተልእኾ ሃቦ። ንሱ ድማ ብዜገርም ምእዛዝ ንጐይታ ውሬታ መለሰሉ። ዴካፖሊስ (ዓሰርተ ኸተማ) ናብ እትበሃል ከተማ ከይዱ፡ ብዛዕባ ክርስቶስ፡ ብዛዕባ መስተንክር ግብርታቱን ምሕረቱን ብምስባኽ ንዅሉ ሰብ ኣደነቖ። (ማር 518-20)

ብኣንጻሩ ናይ ሓንቲ ሽዱሽተ ሰብኡት ዝተመርዓወት፡ ታሪኻ ኵሉ ሰብ ዚፈልጣ ኣመንዝራ ሰበይቲ ስለ ዝፈለጠ ጥራሕ ምልእቲ ኸተማ ሳምራውያን ንኢየሱስ ክትራከቦ ዝወጸትሉ ኣጋጣሚውን ነይሩ እዩ። ነቲ ህያው ቃሉ ሰሚዖም ብእኡ ምስ ኣመኑ፡ እቲ ወንጌላዊ፡እቶም ሳምራውያን ናብኡ መጺኦም፡ ምሳታቶም ኪቕመጥ ለመንዎ ኢሉ መስኪሩሎም ኣሎ (ዮሃ 439-42) ኣብ ገሊላ ኣብ ዝነበራ ዓድታት ወንጌል መንግስቲ ኣምላኽ እናሰበኸ ኪዘውር ከሎውን፡ ምድሪ ምስ ወግሐ ወጺኡ ናብ ጽምዊ ቦታ ኸደ። እቲ ነቲ ምቝር መልእኽቱን ተኣምራቱን ዝለመደ ህዝቢ ድማ፡ ብዛዕባኦም፡እቶም ህዝቢ ኸኣ ይደልይዎ ነበሩንእኡ (ናብቲ ጽምዊ ቦታ) መጺኦምውን ካባታቶም ከይከይድ ሓዝዎተባሂሉ ተመስከረ (ሉቃ 442-43) ጐይታ ኣብዚ እዋን እንታይ ከም ዚስምዖ ነስተውዕል። ጐይታ ኣብታ ዝዓበየላ ከተማ ናዝሬት ናብ ቤት ጸሎት ኣትዩ ምስ መሃረ፡ ኵሎም መስከሩሉ፡ በቲ ኻብ ኣፋ ዚወጽእ ዘረባ ጸጋ ድማ ኣዝዮም ተደነቑ። እንተዀነ፡ ካብ ቍልዕነቱ ዚፈልጥዎ ወዲ ዓዶም ስለ ዝነበረ፡እዝስ ወዲ ዮሴፍዶ ኣይኰነን፧እናበሉ ኼስተናዕቕዎ ምስ ጀመሩ ጐይታ ብኸቢድ ሓይለ ቃል ምስ መለሰሎምኣዝዮም ኰረዩ። ተንሲኦም ድማ ካብ ማእከል ከተማ ናብ ወጻኢ ኣውጽእዎ። ኬጽድፍዎ ኸኣ ናብ ገምገም ናይታ ዓዶም ተሰሪሓትሉ ዝነበረት ከረን ወሰድዎ (ሉቃ 422,29)

እምበኣር ፍቁራት ምእመናን ናብ ርእስና ምልስ ንበል እሞ ልብናን ኣካይዳናን ንመርምር። ንሕናኸ ምስቶምምሳኻ እሞ እንታይ ኣሎና፧ዚብል ኣጋንንቲ ሓሳብ ዝወረሶም እሞ ኬልግሰሎም ኪርሕቀሎም ዚሓትትዎዶ ምተሰራዕና ወይስ ምስቶም ካባታቶም ከይከይድ ኣጥቢቖም ዚሕዝዎን ምሳታቶም ኪቕመጥ ዚልምንዎን ምተሰራዕና ንኸውን፧ እዚ ምርጫና እዚ፡ ነቲ ዘለኣለማዊ መፈጸምታና ዚውስን ኣዝዩ ወሳኒ ምርጫ እዩ። ከምቲ ኣብቲ ዘመን እቲ፡ ብኣካል ስጋ ምሳና ኸም ዘሎ ኽንርእዮ ብዘይምኽኣልና፡ እዚ በዳሂ ሕቶ ዘየጋጥመናዶ ይመስለና ይኸውን፧ ኣይንዓሽው! እዚ ምርጫ እዚ ኵሉ ጊዜ ኣብ ቅድሜና ሓሊፉ ይጸንሓናን ናብ ዝኸድናዮ ድማ ደድሕሬና ይስዕበናን ኸም ዘሎ ነስተውዕል!! መፈጸምታና ድማ በዚ መዓልታዊ እንወስዶ ምርጫታት ኪውሰን እዩ። እንተ ብናትና ውልቃዊ ውሳኔ፡ እንተ ብወለድና ጸኒሑና ተረስቲናዮ፡ ብስም ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን እንኣምን ክርስትያን ህዝቢ ምዃንና ፈጺሙ ዘየጠራጥር እዩ። ኣብቲ ዕለታዊ ናብራና ምስኡ ዝተተሓሓዘ ህይወት ዘይብልና እንተ ዄንና ግና፡ ካብቲምሳኻ እሞ እንታይ ኣሎና፧ዚብል ኣጋንንታዊ ኣተሓሳስባ ርሑቓት ከም ዘይኰንና ዘየማትእ ሓቂ እዩ። እቶም ኣጋንንቲ ብወግዒ ብኣንደበት ናይቲ ግዳዮም ገይሮም እዮም ዝገለጽዎ። ንሕና ብግብሪ ኸምኡ ንብል እንተሊና፡ ናትና ኻብ ናታቶም ዝኸበደ እምበር ዚሓይሽ ኣይኰነን። ምኽንያቱ ሰይጣንን ኣጋንንቱን ንክርስቶስ ወግዓውያን ጸላእቱ እዮም። ክርስትያን ህዝቢ ግና ሰዓቢ ክርስቶስ ስለ ዝዀነ፡ምሳኻ እሞ እንታይ ኣሎና፧ዚብል ኣጋንንታዊ ቕዲ ህይወት ዘይኰነስ፡ካባኻ ሓሊፍና ናበይ ክንከይድ ኢና፧ዚብል ሃዋርያዊ መትከል ኪህልዎ እዩ ዚግባእ (ዮሃ 668,69) ሓሳባትና፡ ቃላትና ዀነ ተግባርና፡ ነቲ ናይ ክርስቶስ ዘይመስል እንተ ዀይኑ፡እዚ ኣብ እእምሮይ ዜሽከርክር ዘሎ ሓሳባት፡ ከምቲ ናይ ክርስቶስ ሓሳብ ድዩ፧ሓሳብ ክርስቶስ ኣሎኒ ድዩ፧ኢሉ ዘይሓትት ኣእምሮ ሒዝና ንመላለስ እንተሊና፡ምስኡ ዀይነ ዜሕሰብ እንታይ ኣሎኒ፧ዚብል መርገጺ ሒዝና ከም ዘሎና መግለጺ ዘየድልዮ ሓቂ እዩ። እቲ ሃዋርያዊ ቓል ግና፡እቲ ኣብ ክርስቶስ ኢየሱስ ዘሎ ሓሳብ ኣባኻትኩምውን ይሃሉኹምኢሉ ብወግዒ ኣዚዙና እዩ (ፊሊ 25 1ቈረ 215,16 ሮሜ 155,6)እቲ ዝዛረቦ ቓላት ከምቲ ናይ ክርስቶስ ድዩ፧ እዛ ሕጂ ኣነ ኽዛረባ ዝደልይ ዘለኹ ዘረባ ክርስቶስ ጐይታይ ኪዛረባ ምፈቐደዶ፧ኢልና ዘይንሓትትን፡ ቅዱሱን ርኹሱን ከይመመይና ናብ ኣፍና ዝመጸልና ቓላት ንድርጕሖ እንተ ዄንና ከምቶም ቅዱስ ዳዊት፡ ከም ዚምንቈሱ ዝነገረና፡ሳላ መልሓስና ንብርትዕ ኣሎና፡ ከናፍርና ናትና እየን፡ መንዩኸ ጐይታና፧ዚብሉ ደረቐኛታት ኴንና ኣሎና ማለት እዩ (መዝ 123,4) ብኻልእ ኣዘራርባ፡ምስ ክርስቶስ ኰይነ ዜዛርብ እንታይ ኣሎኒ፧ ኢልና፡ ኣርኣያ ኣጋንንቲ ዚስዕቡክርስትያንኴንና ኣሎና። ጐይታና ባዕሉ፡ኣነ ግና ብዘረባካ ኢኻ እትጸድቕ፡ ብዘረባኻውን ኢኻ እትዀነን እሞ፡ ሰባት ዚዛረብዎ ዘበለ ዘይጠቅም ኵሉ ቓል ብመዓልቲ ፍርዲ ጸብጻብ ኪህቡሉ እዮም፡ እብለኩም ኣለኹኢሉ ኣጠንቂቑን ሃዋርያት ድማ እቲ ንሰማዕቱ ንበረኸት ዚኸውን፡ ንምህናጽውን ዜድልይ ሰናይ ዘበለ ዘረባ ደኣ ተዛረቡ እምበር ዘይጠቅም ዘረባስ ካብ ኣፍኩም ኣይውጻእ። . . . ንኣምላኽ ምስጋና እንተ ዘይኰይኑ፡ ዜሕንኽ ወይ ዜነውር ዘረባ ወይ ብዕሉግ ዋዛ ካባኻትኩም ኪስማዕ ኣይግባእን እዩ።ብምባል ምዒዶም እዮም (ማቴ 1237 ኤፌ 429 54) ብዛዕባ ዕለታዊ እንፍጽሞ ተግባራትውን፡ክርስቶስ ጐይታይ ዝገበሮ ድየ ዝገብር ዘለኹ፧ ነዛ ኣነ ኽገብራ ዝደልይ ዘለኹ ንሱ ምገበራዶ፧ኢልና ርእስና እናሓተትና ንግበር። ቅዱስ ዳዊት ኣቦና፡ እቶም ብጾቱ ንሽምዒ ሕኒኡ ንምፍዳይ ኪቐትሎ ምስ ደፋፍእዎ፡ኣቱም ደቂ ጽሩያ፡ ምሳካትኩም ኰይነ ዝገብሮ እንታይ ኣሎኒ፧ ኢሉ ብዘረባኡ ዓገቶም (2ሳሙ 1610) ምኽንያቱ፡ ንሱ ነቲ ዚገብሮ ዅሉ ምስ ኣምላኽ ኰይኑ ጥራይ ኪገብር ብምውሳኑ፡ እግዚኣብሄርዝኸምልበይዝበሎን፡ ናብ ደረጃ ቕድስና ዝበቕዐን ኣቦ እዩ። እምበኣር ንሕናውን ኣሰር ናይዞም ቅዱሳን ኣቦታትና ንስዓብ። ምስቶም ምሳታቶም ኪቕመጥ ዝለመንዎ፡ ካባታቶም ከይከይድ ኣጥቢቖም ዝሓዝዎ ሰባት እምበር፡ ምስቶምምሳኻ እሞ እንታይ ኣሎና፧ኢሎም ዘርሓቕዎ ዀነ ዝተጻብእዎ ኣጋንንትን ሰባትን ኣይንሰራዕ። ምኽንያቱ እቲ ኣብ ቅድሜና ሓሊፉ ዚጸንሓና ዘለኣለማዊ ዳኛ ንሱ እዩ። ነቶም ኣብዚ ምድሪርሓቐልናዝበልናዮ፡ ንሱውን፡ኣቱም ገበርቲ ዓመጻ፡ ካበይ ምዃንኩም ኣይፈለጠኩምን እየ ኪዱ ካባይ ርሓቝ ነቶም ኣብ ህይወቶም ዜግዝእዎ ድማ፡ኣቱም ናይ ኣቦይ ብሩኻት፡ ንዑ መንግስተይ ውረሱኺብል እዩ ኣይንዓሽው።

ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ዕለት፥   ሰንበት 1 ታሕሳስ 2019 (ሕዳር 21, 2012 ግእዝ)

ናይቲ መዓልቲ ስብከት

መዝ 131/13213 “እስመ ሐረያ እግዚአብሔር ለጽዮን። ወአብደራ ከመ ትኩኖ ማኅደሮ። ዛቲ ይእቲ ምዕራፍየ ለዓለም።

እግዚኣብሄር ንጽዮን ሐርይዋ እዩ እሞ፡ መሕደሪኡ ኽትከውን በሀጋ፡ እዚኣ ንሓዋሩ መዕረፊተይ እያ፣ ብሂገያ እየ እሞ፣ ኣብዚኣ ኽነብር እየ። ወይ

መዝ 33/345,6 “ቅረቡ ኀቤሁ ወያበርህ ለክሙ። ወኢይትኀፈር ገጽክሙ። ዝንቱ ነዳይ ጸርሐ ወእግዚኣብሔር ሰምዖ።

ናብኡ ዚጥምቱ የንጸባርቑ፡ ገጾምውን ከቶ ኣይሐፍርን። እዚ መስኪን እዚ ኣእወየ፡ እግዚኣብሄርውን ሰምዖ፡ ካብ ኵሉ ጸበባኡ ኣድሐኖ።

ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባባት

ንባብ

ኣንባቢ

እብ 1221-ፍጻ/

2ቆረ 612-ፍጻሜ

ዲያቆን

ቅዳሴ  ዘእግዝእትነ/ዘእግዚእነ (ነአኵተከ)

ያእ 34-13/1ጴጥ 25-11

ንፍቀ ዲያቆን

ወንጌል ማቴ 823-ፍጻ/ማቴ 2142-ፍም

ግብ 2127-ፍጻ፣/ግሃ 744-59

ንፍቀ ካህን

 

 

 

 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div