S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

መሰል ውልድነት

ብኣቛጻጽራ ግዕዝ ካብ  ታሕሳስ 14 ክሳብ ታሕሳስ 20  ብርሃን  ተባሂሉ ይጽዋዕ። ኣብዚ ዕለታት ዝዝመር መዝሙር ከአ፡ዘብርሃን አቅዲሙ ነገረ በኦሪት” (እቲ ብርሃን ብኦሪት ኣቐዲሙ ተነግረ) ዝብል እዩ። እዚ ካብቲ ዘመነ ስብከት ተባሂሉ ዘሎ ካልኣይ ሰንበት እዩ። ኣብ ኦሪት ነብያት ናይ ነብሶም ብርሃን ዝኮነ ክወርድ ክውለድ እዩ ኢሎም ስለ ምስባኮም፡ ሓቀኛ ብርሃን ክመጽእ እዩ፡ ኢሎም ስለ ምንባዮም፡ ዝዝከረሉ መዓልቲ ኮይኑ ፡ኢየሱስ ክርስቶስ ሓቀኛ ብርሃን ሙዃኑ ብመዛሙር ይስብክን ይምስገን ኣብዚ ሰሙን እዚ እምበኣር፡ ቤተ ክርስትያን ንምእመናን ተመሓላልፎ ትምህርቲ ከምቲ ዘማራይ ዳዊት ዝበሎብርሃንካን ሓቅኻን ልአኽ፡ ንሳተን ይምርሓኒ፡ ናብ ቅድስቲ ኸረንካን ናብ ማሕደራትካን የብጽሓኒ። ሽዑ ናብ መሰውኢ ኣምላኽ፡ ናብ ኣምላኽ ደስታይን ታሕጓሰይን ክአቱ እየ።እዚ ማለት እቲ ነብያት ዝተነበይዎ ትማልን ሎምን፡ ንዘልኣለም ህያው ዝኮነ፡ ብርሃን ሓቂ ጐይታ፡ ብርሃንን ሓቅን ኮይኑ ይምርሓና፡ ናብቲ ሰማይ ዘእትዋ ንሳተን እየን እሞ ንምባል እዩ። ሎሚ እቲ ንዓና ዝተዋህበና ብርሃን ዝኾነ መሰል ውልድነት ነብያትን ሃዋርያትን ኩሉ ኣብ ዘመናት ዝሓለፉ ኣገልግልቲ ኣምላክ ዝመሃርዎ፡ ኣብ ህይወትና ከመይ ከም ዘሎ፡ ብመሰረት ቃል እግዚኣብሄር ንሂወትና ምርኣይ ኣገዳሲ ስለዝኾነ እዩ፡ እዚ ጽሑፍ ተዳልዩ ዘሎ እሞ ሰናይ ንባብ ይግበረልና።

እግዚኣብሄር ብወዱ ብጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ገይሩ ንዘርኢ ሰብ ካብ ዝሃቦ ዝዓበየ ሓለፋን ክብርን ሓደ፡ መሰል ውልድነት እዩ። ካብ ወለድና ብስጋ ስለ ዝተወለድና እንረኽቦ ሓለፋታት ማእለያ የብሉን። ፍቕሪ፡ ክንክን፡ ሓለዋ፡ ሓልዮት ርስቲ ወዘተ ዝኣመሰሉ፡ ንህላወናን ድሕነትናን (safety) ኣገደስቲ ዝዀኑ ተግባራት ውጽኢት ናይ ውልድነት እዮም። ካልእ ሰብ፡ ካብቲ ገዛ ዘይተወልደ ሰብ፡ ነቶም ወለድን ስድራኦምን ዋላ ካብ ደቆም ንላዕሊ ጽቡቕ እንተ ገበርሎም ከም ሕያዋይ ፈታዊ እምበር ከም ውላዶም ተቐቢሎም መሰል ውልድነት ኣይህብዎምን እዮም። ብስም እቲ ወላዲ ኣይጽዋዕን፡ ኣይወርስን ከኣ እዩ። ስለዚ እዚ ሓላፊ ምድራዊ ውልድነት ክሳዕ ክንድ ኻብ ከበረ፡ እቲ ሰማያዊ ውልድነትከ ደኣ ማዕረ ኽንደይ ክብሪ ኣለዎ ማለት እዩ፧ ነቲ ሕያውነት ኣምላኽ ኣዝዩ ዜጕልሖ ድማ፡ ብሰሪ ሓጢኣት ውሉድ ዲያብሎስ ንዝነበሩ ዅሎም ውልድነት ኪህቦም ምፍቃዱን፡ ነዛ ውልድነት እዚኣ ምእንቲ ኺህበና ድማ ነቲ እንኮ ናይ ባህርይ ወዱ ኺስውእ ምፍቃዱን እዩ።

እግዚኣብሄር፡ ውልድነት ብዘይ ዝዀነ ኣፈላላይ ንዅሉ ሰብ ብማዕረ እዩ ሂብዎ። ጾታ፡ ዕድመ፡ ዓሌት፡ስልጣን ትሕዝቶ፡ ከይበለ ንዅሉ ሰብ ውሉድ ኪኸውን ፈቐደሉ። ስለዚ ውልድነት ከይተቐበለ ምስ ዚተርፍ፡ ብናቱ ምኽንያት እምበር ብናይ እግዚኣብሄር ምኽንያት ኪኸውን ኣይክእልን እዩ። ገሊኡ ሰብ ነቲ ውልድነት ብመሰረቱ ኣይደልዮን፡ ገሊኡ ይደልዮ ግን ድማ ኣይቅበሎን፡ እቲ ዝተረፈ ኸኣ ነቲ ዝተቐበሎ ውልድነት ዜጥፍእ እዩ። ስለዚ ካብቲ ንውልድነት ዝተጸውዐ ምሉእ ህዝቢ ዓለም፡ እቲ ዝወሓደ እዩ ናብ ሕቝፊ ኣምላኽ ክሳዕ ዚኣትው፡ ውልድነቱ ዓቂቡ ዚነብር።

እታ ንዝዀነ ሰብ ናብ ውልድነት እተብቅዖ እንኮ ረቛሒት ድማ፡ ከምቲ መሪሕ ጥቕስና ገሊጽዎ ዘሎ፡ንክርስቶስ ምቕባልእያ። ናቱ ዝነበሩ እስራኤላውያን ምቕባል ምስ ኣበይዎ፡ ዘይናቱ ዀይኖም ተረፉ። እቶም ዘይናቱ፡ ነታ ኺዳን ተስፋ ኣጋይሽ ካብ ኣምላኽ ትጽቢት ዘይነበሮም፡ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ብዘይ ኣምላኽ ዚነብሩ ዝነበሩ ኣህዛብ ግና፡ ንክርስቶስ ስለ ዝተቐበልዎ፡ ውሉድ ኣምላኽ ኪዀኑ መሰል ሃቦም። እቲ ካብ ኣምላኽ ውልድነት ዘይተቐበለ ዅሉ ድማ፡ ናይ ግድን ውሉድ ዲያብሎስ እዩ ዚኸውን። ወላዲ ዘይብሉ እቲ ህላወ ዘይብሉ ጥራይ እዩ። ኣብዛ ዓለም እዚኣ ኽልተ ገዛእቲ ጥራይ እዮም ዘለው። ንሳቶም ከኣ እግዚኣብሄር ሰይጣንን እዮም። እቲ ውልድነት ኣምላኽ ዘይብሉ ሰብ፡ ውሉድ ዲያብሎስ ምዃኑ ዝዀነ መረጋገጺውን ኣየድልዮን እዩ። እቶም ህላውነት ኣምላኽን ሰይጣንን ዚኽሕዱ፡ ከይተረፉ ካብ ሰይጣን ውልድነት ኣለዎም። በቲ ናይ ክሕደት ባህርዩ የገልግልዎ ስለ ዘለው፡ሰይጣን ዚበሃል የልቦንእንተ በሉ ንእኡ ሓጐሱ እዩ። ምኽንያቱ ምስ ኣምላኽ ምብታኾም እዩ ዜገድሶ እምበር፡ ህላውነቱ ምኽሓድ ናብ ዘይምህላው ስለ ዘየምጽኦ፡ ዚጐድሎ ነገር የብሉን።

ንክርስቶስ ምቕባልማለት ግን እንታይ ማለት እዩ፧ ንሱ ፍጹም ኣምላኽን ፍጹም ሰብን ምዃኑ ምእማን፡ ንሱ በይኑ መድሓኒ ምዃኑ ምቕባል፡ ነቲ ንሱ ክትስዕቦ ክትእዘዞ ክትለኣኾ ዘቕረበልካ ጽውዓ ምቕባል፡ ብዘይካኡ ኻልእ ኣማራጺ ኸይህልወካ ምውሳን ማለት እዩ።ክርስቶስ ኣምላኸይ መድሓኒየይ እዩኢሉ ዝኣመኖ ሰብ፡ ነቲ ዝተዋህቦ ትእዛዝ፡ ይኽበድ ይቕለል ብዘየገድስ፡ ዘይእዘዞን ዘየተግብሮን እንተ ዀይኑ፡ ብኣንጻሩሓጢኣት ዘዘውትር እንተ ዀይኑ፡ እዚ ሰብ ውልድነቱ ኸም ዜጥፍእ ርጉጽ እዩ። ስለዚ ተቐቢለዮ ማለት ተኣዚዘዮ ማለት እዩ። ንኣብነት እቶም ንክርስቶስ ዚስዕብዎ ዝነበሩ ደቀ መዛሙርቲ፡ ጐይታና፡ስጋይ ዘይበልዐ ደመይውን ዘይሰተየ ናይ ዘለኣለም ህይወት የብሉንምስ በለ፡እዚ ዘረባ እዝስ ጭንቂ እዩ፡ መን ኪሰምዖ ይክእል፧ኢሎም ኣጕረምረሙ። ኣይደንጐዩን ድማ ብዙሓት ካብ ደቀ መዛሙርቱ ንድሕሪት ተመልሱ፡ ምስኡውን ኣይከዱን (ዮሃ 660,66) ጐይታ ነዚ ቓል እዚ ዘይተቐበለ፡ ንእኡ ኸም ዘይተቐበለ ንምርግጋጽ፡ ዋላ ነቶም ዓሰርተው ክልተ ሃዋርያቱ ከይተረፈ፡ንስኻትኩምከ ኽትከዱዶ ትደልዩ ኣለኹም፧ኢሉ ሓተቶም። እቲ ርእሲ ሃዋርያት ዝዀነ ሃዋርያ ጴጥሮስ፡ ግና፡ጐይታይ፡ ንስኻ ናይ ዘለኣለም ህይወት ቃል ኣሎካ ናብ መን እሞ ኽንከይድ፧ ንሕናስ ንስኻ ክርስቶስ ወዲ ህያው ኣምላኽ ምዃንካ ኣሚንናን ፈሊጥናን ኣሎና።ኢሉ መለሰሉ (ዮሃ 663,69) ዋላ እቲ ትምህርቲ ይኽበዶ ይቕለሎ ብዘየገድስ፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት ቃል ምዃኑ ስለ ዝተቐበሎ ካብ ክርስቶስ ሓሊፉ ዚመርጾን ዚኸዶን ከም ዘይብሉ፡ ንኵላቶም ብጾቱ ሃዋርያት ወኪሉ ተኣመነ።

ንክርስቶስ ዝኣመነን ዝተቐበለን ኵሉ፡ ንዅሉ ትእዛዛትን ኣርኣያን ናይ ክርስቶስውን ኪቕበሎን ኪስዕቦን ዚግባእ። ነቲ ጐይታ ኣብ ናይ ከረን ስብከቱ፡የማነይቲ መልትሕካ ንዚወቕዓካ ግና፡ እታ ኻልኣይቲውን ምለሰሉ። ነቲ ኺማጐተካ ቐምሽካ ኸኣ ኪወስድ ዚደልይ እታ ኽዳንካውን ሕደገሉ። ሓደ ምዕራፍ ንዝስሓበካ፡ ክልተ ምዕራፍ ምስኡ ኺድ።ኢሉ ዝኣዘዞ ትእዛዝውን ይቕበሎን ይትግብሮን እዩ (ማቴ 539-41) ከምኡኽትገብር ዚብድሃካ ዅነታት እንተ ኣጋጠመካ፡ ነቲ ክርስቶስ ዝሃበካ ትእዛዝ ክትትግብሮ ፍቓደኛ ዄንካ እንተ ፈጸምካዮ፡ ናይ ብሓቂ ንክርስቶስ ተቐቢልካዮ ኣሎኻ ማለት እዩ። ብልሳንካ፡ጐይታይ፡ ጐይታይእናበልካ፡ ነቲ ኽትገብሮ ዝኣዘዘካ ፍቓዱ ብቕሉዕ ትጥሕሶ እንተ ዄንካ ግና ከምቶምእዚ ህዝቢ እዚ ብኸናፍሩ የኽብረኒ፡ ልቡ ግና ካባይ ርሑቕ እዩዝተባህለሎም ትኸውን ኣሎኻ ማለት እዩ። ብዛዕባ እቶም ኣብ ዘመን ነብዪ ህዝቅያስ፡ ኣብ ምርኮ ዝነበሩ ኣይሁድ፡ እግዚኣብሄር፡ንሓድሕዶም ነፍሲ ወከፍ ንሓው፡እስከ ንዑናይ፡ ካብ እግዚኣብሄር ዚወጽእ ቃል እንታይ ከም ዝዀነ ስምዑ ይበሃሃሉ ኣለው። ከም ኣመጻጽኣ ህዝቢ ድማ ኣባኻ ይመጹ፡ ከም ህዝበይ ከኣ ኣብ ቅድሜኻ ይቕመጡ። ቃላትካውን ይሰምዑ ኣለው፡ ግናኸ ኣይገብርዎን እዮም። ብኣፎም ፍቕሪ የርእዩ ኣለው፡ ልቦም ግና ደድሕሪ ረብሓ ርእሶም እዩ ዚኸይድ። እምበኣርሲ ንስኻ ከም ቅኔ ፍቕሪ (ዚቕነይ) ከምቲ ጥዑም ድምጺ ዘለዎ፡ ምህራም መሰንቆ ዚኽእል ሰብ ኰንካዮም። ቃልካውን ይሰምዑ ኣለው ግናኸ ኣይገብርዎን እዮም።ኢሉ ዝገለጾ ቓል፡ ነቶም ምስ ኣምላኽ ናይ ውልድነት ዝምድና ዘለዎም ዚመስሉን ዜምስሉን ግናኸ ብኣንጻሩ ብግብሪ ግና ጸላእቲ ኣምላኽ ዝዀኑ ሰባት ዚገልጽ እዩ (ህዝ 3330-32) ውልድነት ብምፍጻም ምስጢራት ቤተ ክርስቲያን ማለት ብንስሓን ብጥምቀትን ብምልኣት መንፈስ ቅዱስን ከም ዚርከብ ዝተረጋገጸ ሓቂ እዩ (ዮሃ 33,5) ንስሓ ድሕሪ ምእታውካ፡ ንንስሓ ዚግባእ ግብሪ (ንንስሓ ዚበቅዕ ፍረ) እንተ ዘይገበርካ፡ ውልድ ኢሉ ብኡንብኡ ኸም ዝሞተ ናጽላ ኢካ እትኸውን (ማቴ 38 ግብ 2619,20) ብዛዕባ ጥምቀትውን እቲ፡ብክርስቶስ ኢየሱስ እተጠመቕና ዘበልና ዅላትና ብሞቱ ኸም እተጠመቕናዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ . . . ሞትና ንሞቱ መሲሉ ሕቡራቱ እንተ ዄንናስ፡ ከምኡ ኸኣ ብትንሳኤኡ ክንሓብሮ ኢና። እምበኣርሲ ኸምቲ ክርስቶስ ብኽብሪ ኣቦኡ ኻብ ምውታት ዝተንስአ፡ ከምኡ ኸኣ ንሕና (ካብ ናይ ሓጢኣት ሞት ተንሲእና) ብሓዳስ ህይወት ምእንቲ ኽንመላለስ፡ ናብ ሞት ብጥምቀት ምስኡ ተቐበርና። እቲ (ብጥምቀት) ዝሞተ ኻብ ሓጢኣት ሓራ ወጺኡ እዩ እሞ፡ እዚ (ሰብ) ደጊም ንሓጢኣት ከይግዛእ፡ እቲ ናይ ሓጢኣት ስጋ (ባህርይ) ምእንቲ ኺጠፍእ፡ እቲ ኣረጊት ሰብና (ብጥምቀት) ምስኡ ከም እተሰቕለ፡ ፈሊጥና ኣሎና። እቲ ኻብ ምውታት ዝተንስአ ክርስቶስ ከም ዘይመውት፡ ሞትውን ኣብኡ ከም ዘይመልኽ ፈሊጥና፡ ንሕና ምስ ክርስቶስ (ብጥምቀት) ካብ ሞትናስ ምስኡ ድማ (ዳግማይ ብሓጢኣት ከይሞትና) ብህይወት ከም እንነብር፡ ንኣምን ኣሎና። ማለት ሞቱ ሓንሳእ ንኵሉ ጊዜ ኻብ ሓጢኣት እዩ ዝሞተ፡ ህይወቱ ግና ንኣምላኽ እዩ ዚነብር፡ ከምኡ ድማ ንስኻትኩም፡ ካብ ሓጢኣት ከም ዝሞትኩም፡ ብክርስቶስ ኢየሱስ (ብጽድቂ ብምንባር) ንኣምላኽ ህያዋን ከም ዝዀንኩም ርእስኹም ቍጸሩ።ዚብል ሃዋርያዊ ቓል ትርጉም ጥምቀት እንታይ ምዃኑ ብንጹር ኣፍሊጡና እዩ (ሮሜ 63-11) ክርስቶስ ንሓጢኣትና ጸይሩ ኣብ መስቀል ዝሞተ፡ንሕና ንሓጢኣት ሞይትና፡ ንጽድቂ ምእንቲ ኽንነብርእዩ (1ጴጥ 224) ካልእ ዝሓየለ ትርጉም ናይ ጥምቀት ድማ፡ብክርስቶስ እተጠመቕኩም ዘበልኩም ንክርስቶስ ለበስኩምዎ እሞ፡ ብእምነት ብኢየሱስ ክርስቶስ ኵላትኩም ውሉድ ኣምላኽ ኢኹም።ብዚብል ሃዋርያዊ ቓል ተገሊጹልና ኣሎ (ገላ 327) ብምስጢረ ሜሮን ኰነ ብኣንብሮ ኢድ ምልኣት መንፈስ ቅዱስ ዚወሃበና ድማ፡ ነቲ ኺምለሰናን ኺጠብቀናን ዚደልይ ሓጢኣት ብቘራጽነት መኪትና፡ ህይወት ክርስቶስ ክንለብሳን ክንነብራን ምእንቲ ኬኽእለና እዩ። ማሕተምን ዕርቡንን ውሉድነትናውን ንሱ እዩ (2ቈረ 121,22 55 ኤፌ 113) ብደም ክርስቶስ ተሓጺብና፡ ብመንፈስ ቅዱስ ድሕሪ ምሕታምና፡ ነቲ ብጥምቀት ዝቐንጠጥናዮ ኣረጊት ናይ ሓጢኣት ሰብነት መሊስና እንተ ለበስናዮ፡ ነቲ ብጸጋ ዝተቐበልናዮ ውልድነትን መሰላቱን ብፍታውና ንድርብዮ ኸም ዘሎና ኣይንዘንግዕ። እቲ ሃዋርያዊ ቓል ግና፡ንጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ደኣ ልበስዎ እምበር፡ ነቲ ሓልዮት ስጋስ መለዓዓል ትምኒት ኣይትግበርዎ።ኢሉ ኣዚዙና ኣሎ (ሮሜ 1314) ብጥምቀት ንክርስቶስ ለቢስና ውልድነትን እቲ ኽቡር መሰላቱን ድሕሪ ምቕባልና፡ ብሓጢኣት ነቲ ኽቡር ልብስና ክርስቶስ ቀንጢጥና፡ ነቲ ኣብ መስቀል ዝተሰቕለ ሓጥእ ባህርይ ዝዀነ ኣረጊት ልብስና ኽንለብሶ እንተ መሪጽና፡ እዚ ርእሱ ዝኸኣለ መንፈሳዊ ርእሰ ቕትለት እዩ። ስለዚ ነቲ ዘይግብኣና ውልድነት ብዋጋ ኽቡር ደም ወዱ ዝዓደለና ኣምላኽ ንዘክሮ። ነቲ ዝተቐደስናሉ ደም ኪዳን ኣይነርክሶ፡። ብሓቂ ተወሊድና እንተ ዄንና፡ ነቲ ዝወለደና ንምሰል። ከምቲ ጐይታ፡ደቂ ኣብርሃም እንተ ትዀኑስ፡ ግብሪ ኣብርሃም ምገበርኩም ኔርኩም፡ኢሉ ዝተዛረቦም፡ ንኣናውን፡ውሉድ ኣምላኽ እንተ ትዀኑስ ግብሪ ኣምላኽ ምገበርኩም ኔርኩምከይበሃለና፡ ንውልድነትና ንንበሮን ንዓቕቦን።

ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ኤርትራ - ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜርካ

ዕለት፥ ሰንበት  29 ታሕሳስ 2019 (ታሕሳስ 19, 2012 ግእዝ)

ናይቲ መዓልቲ ስብከት

መዝ 42/433,4

ፈኑ ብርሃነከ ወጽድቀከ። እማንቱ ይምርሓኒ ወይሰዳኒ ደብረ መቅደስከ። ወውስተ ኣብያቲከ እግዚኦ።

ብርሃንካን ሓቅኻን ልአኽ፡ ንሳተን ይምርሓኒ፡ ናብ ቅድስቲ ኸረንካን ናብ ማሕደራትካን የብጽሓኒ።ሽዑ ናብ መሰውኢ ኣምላኽ፡ ናብ ኣምላኽ ደስታይን ታሕጓሳይን ክአቱ እየ።

ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባባት

ንባብ

ኣንባቢ

ሮሜ 1311-ፍጻ፣

ዲያቆን

ቅዳሴ  ዘኣትናቴዎስ

1ዮሃ 11-ፍጻ

ንፍቀ ዲያቆን

ወንጌል ዮሃ 11-19

ግብ 2612-19

ንፍቀ ካህን

 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div