S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ሕያዋይ ጓሳ

ብኣቛጻጽራ ግዕዝ ካብ ታሕሳስ 21 ክሳብ ታሕሳስ 27  “ኖላዊ” ተባሂሉ ይጽዋዕ።ኖላዊ ዘመጽአ ውስተ ዓለም ( ናብ ዓለም ዝመጸ ሕያዋይ ጓሳ) ማለት እዩ። እዛ ሰንበት እዚኣ ሳልሰይቲ ሰንበት ኮይና፡ ኖላዊ ማለት ሓላዊ ጓሳ ኮይኑ ነብያት ሓቀኛ ጓሳ ኮይኑ ወዲ እግዚኣብሄር ክመጽእ እዩ፡ ኢሎም ምንባዮምን፡ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ከኣ ሓቀኛ ጓሳ ምኳኑን እንዳዘከረት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያን ትዝምሮን፡ ትቅድሶን፡ ተመስግኖን መዓልቲ እዩ። ኣብዚ ሰሙን እዚ እምበኣር፡ ቤተ ክርስትያን ንምእመናን ተመሓላልፎ ትምህርቲ ከምቲ ዘማራይ ዳዊት ጓሳ እስራኤል፡ ጽን በል። ንዮሴፍ ከም መጓሰ እትመርሖ፡ ኣታ አብ ልዕሊ ኪሩቤል እትቕመጥ፣ በሪህካ ተገለጽ።እዚ ማለት እቲ ነብያት ዝተነበይዎ ትማልን ሎምን፡ ንዘልኣለም ህያው ዝኮነ፡ ሓቀኛን እሙንን ጓሳ ጐይታ፡ ብርሃንን ሓቅን ኮይኑ ይምርሓና፡ከምቲ ንህዝብካ ኣብ ዘመናት ዝመራካ ምርሓና፡ በሪህካ ተገለጽ ንምባል እዩ። ሎሚ እቲ ንዓና ዝተዋህበና ሕያዋይ ጓሳ ኣነ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ህይወትና ከመይ ከም ዘሎ፡ ብመሰረት ቃል እግዚኣብሄር ንህወትና ምርኣይ ኣገዳሲ ስለዝኮነ እዩ፡ እዚ ጽሑፍ ተዳልዩ ዘሎ እሞ ሰናይ ንባብ ይግበረልና።

ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝገለጽናዮ ፡እዚ ቕንያት እዚ ክሳዕ ታሕሳስ 27 (ብግእዝ) ዘሎ ቕንያት፡ ብቕድስቲ ቤተ ክርስትያንና፡ኖላዊማለትጓሳ፡ ሓላዊተባሂሉ ዚጽዋዕ። እግዚኣብሄር ብጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ልዕሌና ዚፍጽሞ ጕስነትን፡ ናይ ነፍሲ ወከፍ ሰዓብን ኣገልጋልን ናይ ጕስነት ሓላፍነትን እነስተንትነሉን ርእስና እንምርምረሉን ጊዜ እዩ። ጕስነት ተወራሲ መለኮታዊ ባህርይን ተግባርን እዩ። ስለዚ ድማ እግዚኣብሄር ብቓሉ ሕያዋይ ጓሳ ምዃኑ ደጋጊሙ ነጊሩና ኣሎ። ብመልክዑን ብምስሉን ስለ ዝፈጠረና ድማ፡ ካብቲ ጕስነታዊ ባህርዩ ኣካፊሉና እዩ። እግዚኣብሄር ነዚ ጕስነታዊ ባህርዩ ገና ሰብ ከይተፈጥረ ኸሎ እዩ ኣንጸባሪቕዎ። ገና ንሰብን ንኻልእ ኵሉ ህያው ፍጥረትን ከይፈጠረ ኸሎ፡ ቅድም ንምድሪ ንዅሎም ህያዋን ከም እትኸውን ገይሩ ፈጠራ። ካብ ማይን ብርሃንን ጀሚርካ ንእንስሳ ንኣትክልቲ ልዕሊ ዅሉ ድማ ንሰብ፡ ዚከውን ኵሉ ኣዳለወ። ዚነባበሩሉ ሕጊ ሰርዐ። እዚ ድማ ናይቲ ጕስነታዊ ባህርዩ ነጸብራቕ እዩ። እቲ ሽዑ ዘዳለዎ ዅሉ፡ እንሆ ፍጥረታት ንዓሰርታት ኣሽሓት ዓመታት ዚኣክል ተጠቒሞምሉ ኽነሶም ክሳዕ ሕጂ ኣይተወድአን። ብፍላይ ወዲ ሰብ ብዜሰክሕ መጠን ንፍጥረት እናመዝመዞ ኽነሱ፡ ገና ግን እቲ ሃብቲ ኣምላኽ ኣይተጸንቀቐን።

ቅዱስ ዳዊት፡እዚኣቶም ኵሎም (ፍጥረታት) ምግቦም በብጊዜኡ ኽትህቦምሲ፡ ንኣኻ ይጽበዩ ኣለው። ንስኻ ትህቦም ይእክቡ፡ ንስኻ ኢድካ ትዝርግሕ፡ ብጸጋውን ይጸግቡ ኣለው። . . . ኣዒንቲ ዅሎም ንኣኻ ይጽበያ፡ ንስኻውን በብጊዜኡ ምግቦም ትህቦም፡ ኢድካ ትኸፍት እሞ ንህያው ዘበለ ዅሉ ብበረኸት ተጽግቦ።ብምባል ንናይ እግዚኣብሄር ሕያውነትን መጋቢነትን ብዜደንቕ ቓላት ገሊጽዎ ኣሎ (መዝ 10427,28 14515,16) ዳርጋ ዅላትና፡ ባዕላትና ጽዒርና ርእስና እንምግብ እዩ ዘመስለና። ርእስና ኽንምግብ ዘኽኣለና እግዚኣብሄር ስለ ዝሃበና እምበር፡ ባዕላትና ስለ ዘምጻእናዮ ኣይኰነን። እግዚኣብሄር ብዝሃበና ኣእምሮን ኣካላትን ህይወትን፡ ንሱ ብዝሃበና ሓይልን ጥበብን፡ እግዚኣብሄር ኣዳልዩ ብዝሃበናን ብዝሰርዓልናን ተፈጥሮኣዊ ጸጋታት ኢና ርእስና ኽንጓስይ ንኽእል ዘሎና። እግዚኣብሄር ኣዝርእትን ማይን መሬትን እንተ ዘየዳልወልና ነዚ ኽንፈጥሮን ኽንጥቀመሉን ምኸኣልናዶ፡ ወዲ ሰብ በቲ ድሮ እግዚኣብሄር ፈጢሩ ዝሃቦ ደኣ ጽዒሩ ተመራሚሩ ዚምህዝ እምበር፡ ዘይነበረ እሞ ንሱ ኻብ ዘይምህላው ኣምጺኡ ዝተጠቕመሉ ነገር ፈጺሙ የብሉን። እምበኣርይኹንብምባል ብዝፈጠሮ ኵሉ ነገርን ብዝሰርዖ ዘለኣለማዊ ሕግታት ተፈጥሮን ንዘለኣለም ይጓስየና ኣሎ።

ንዅሉ ዓለም ብማዕረ ዚጓስይ ኣምላኽ እንተ ዀነ እኳ፡ እዚ ጕስነት እዚ ብውክልና እስራኤል እዩ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተገሊጹ ዘሎ። እቲ ንህዝቢ እስራኤል ዝገበረሉ ስጋውን መንፈሳውን ጕስነት፡ ብደረጃ ህዝብታት ንዅሎም ኣህዛብ ዓለም፡ ብደረጃ ውልቀ ሰብ ድማ ንዅሎም ኣብ ምድሪ ብህይወት ዘለው ሰባት ዚፍጽሞ። ስለዚ ድማ ሃገር ዜመሓድሩ ሰባት፡ ከም እኒ ንጉስ ዳዊት ዝኣመሰሉ እናኣተንስአ፡ መንፈሳዊ ህይወት ዚመርሑ ካህናትን ነብያትን እናመዘዘ ብዜደንቕ መገዲ ጓሰየ። እምበኣር ሊቀ መዘምራን ኣሳፍ፡ ጓሳ እስራኤል ጽን በል፡ ንዮሴፍ ከም መጓሰ እትመርሖ፡ ኣታ ኣብ ልዕሊ ኪሩቤል እትቕመጥ፡ በሪህካ ተገለጽንዝበሎ ቓል ኢና ሎሚ ናይዚ ዕለት እዚ ምስባክ ተሰሪዑልና ዝዘመርናዮ (መዝ 801) ቅዱስ ዳዊት ድማ፡ ብደረጃ ህዝቢ፡ንሱ ኣምላኽና እዩ ንሕና ድማ ህዝቢ መጓሴኡ ኢዱ እትኽብክበን ኣባጊዑ ኢና። ብዛዕባ ውልቃዊ ህይወቱ ድማ፡እግዚኣብሄር ጓሳይየይ እዩ ዚጐድለኒ የብለይን። ኣብ ልሙዕ ሸኻ የውዕለኒ፡ ናብ ዝዓርፈሉ ማይ ይመርሓኒ።ብምባል ብዛዕባ ጕስነት እግዚኣብሄር ተኣመነ።

ጕስነት ናይ ኣምላኽ ባህርይ ስለ ዝዀነ ድማ እዩ፡ እግዚኣብሄር ወልድ፡ ብኣካል ስጋ ተገሊጹ፡ ብሓጺር ቍመትን ብጸቢብ ደረትን ኣብ ማእከል ቈይሙ ነቲ ዜገርም መለኮታዊ ጕስነቱ ዘርኣየና። ብወግዒ ድማ፡እቲ ሕያዋይ ጓሳ ኣነ እየ።ኢሉ ኣፍለጠና። ንዓለምን ኣብኣ ዝሎ ኵሉን ዝፈጠረ ንሱ ባዕሉ እግዚኣብሄር ወልድ፡ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ (ዮሃ 13 ቈሎ 116 እብ 12) ናይቲ ኣብ ብሉይ ኪዳን ዝተገብረ ዅሉ ተግባር ገባሪኡ ድማ ንሱ ባዕሉ እዩ። ምኽንያቱ እቲ ህያው ቃል፡ኵሉ ብኡ ዀነ፡ ካብቲ ዝዀነ ዘበለ ድማ ብዘይ ብእኡ ዝዀነ የልቦን።ብምባል ኣረጋጊጹልና እዩ (ዮሃ 13) እምበኣር ኣብ ብሉይ ኪዳን ጓሳ ዀይኑ ህዝቡ ዝጓስየን ዝመርሐን ንሱ እዩ። ሕጅን ንዘለኣለም ዚጓስየናውን ንሱ እዩ። እቲ ብስጋ ተገሊጹ ኣብ ማእከልና ምንባሩ ግና፡ እቲ ናይ ሕያውነት ጕስነቱ በሪሁ ኸም ዚረኣየና ገበረ። ማዕረ ኽንደይ ሕያዋይ ጓሳ ምዃኑ ዝተጋህደልና፡ ርእሱ ከም ኣባጊዑ፡ ሰብ ክሳዕ ምዃን ብምትሓቱ፡ ካብኡ ሓሊፉውን ኣበሳ ኵላትና ኣብ ዝባኑ ተሰኪሙ ህይወቱ በጃና ኼሕልፍ ምፍቃዱ እዩ። ጓሳኻ ሕይወቱ ክሳዕ ምሃብ እንተ ኣፍቂሩካስ፡ እንታይ ካልእ ከይከላኣካ ኽትስከፍ ይከኣል፧ ስለዚዶ ኣይኰነን ሃዋርያ ጳውሎስእምበኣርሲ ብዛዕባ ነገር እንታይ ክንብል ኢና፧ ኣምላኽ ምሳና ካብ ኰነኸ፡ መን እዩ ዚቃወመና፧ እቲ ንወዱ እኳ ምእንታና ኣሕሊፉ ዝሃቦ እምበር ዘይነሓፎ፡ ከመይ ደኣኸ ምስኡ ዅሉ ዘይህበና፧ብምባል ብጉስነት ኣምላኽ ዝተመክሐ፧ (ሮሜ 831,32) ጐይታና ንሕያውነት ጕስነቱ፡ ኣብዚ ዘንበብናዮ ክፍሊ ወንጌል ነዞም ዚስዕቡ ኣገደስቲ ነጥብታት ገሊጹ ኣሎ።

1. ነባጊዑ በታ ቕንዕቲ መእተዊት ኣፍ ደገ የእትወን እምበር፡ ካብኡ ወጻኢ ብኻልእ ኣማራጺታት ኬእትወን ወይ ኬሕኵረን ኣይፍትንን እዩ። እቲ ነቲ ግቡእ ኣፍ ደገ ሓዲጉ፡ ብኻልእ ወገን ኪሓኵር ዚፍትን፡ ብኣገላልጻ ናይ ጐይታ ኺሰርቕን ኬጥፍእን ኢሉ ዝመጸ ሰራቒ እምበር ጓሳ ኣይኰነን (ዮሃ 101,10)

2. ነተን ኣባጊዕ ብጅምላ ኰብኵቡ ኣየውፍረንን እዩ። ንነፍሲ ወከፈን በብስመን እናጸውዐ እዩ ዜውፍረን። ስለዚ ብስመን ጸዊዑ ኬውፍረን ከሎ፡ ዘላን ዘየላን ኪፈልጥ፡ ምሕማምን ምጥዓይን ምዕባራ፡ ምሕንካሳ ወዘተ ጽቡቕ ገይሩ ኺርእይ ይሕግዞ እዩ (ዮሃ103)

3. ህላውነተን ኣረጋጊጹ ምስ ኣውጽአን፡ ቀቅድሚአን እዩ ዚኸይድ። ስለዚ ንሳተን ኣሰሩን ኣርኣያኡን ርእየን እየን ዚስዕባኦ። ከምዚ ናይ ዓድና ጕስነት እንተ ዀይኑ ግና፡ እተን ኣባጊዕ ናበይ ኪኸዳ ኸም ዝተደልየ ዘይፈልጣ፡ ናብቲ ቕኑዕ መሲሉ ዝተራእየን እየን ዜምርሓ፡ ሽዑ እቲ ጓሳ ብበትሪ እናደሰቐ፡ እምኒ እናወርወረን እዩ ዚመልሰን። ብኸምዚ ዚጓስያ ኣባጊዕ ካብ ብኣራዊትን ብኻልእ ሓደጋን፡ ብገዛእ ጓሳአን ዚጕድእኦ እዩ ዚበዝሕ። ኣብዚ ናይ ተዋህዶና ጕስነት ግና ዚምህርን ዚመርሕን የለን። ብሰሪ ሕማቕ ጕስነት ዚጋገይ እንተ ተረኺቡ ድማ፡መናፍቕዚብል ቅጽል እናኣጥበቕካ ንኸተውግዝ ምጕያይ ዝዓይነቱ ጕስነት ይኸውን ማለት እዩ (ዮሃ104)

4. ሕያዋይ ጓሳ ብድምጹ እምበር ብበትሩ ኣይጓስይን እዩ። ስለዚ ነተን ኣባጊዑ ቐጻሊ እዩ ድምጺ ዜስምዐንን ዜልምደንን። ናይ ካልኦት ድምጺ ከመይ ምዃኑ ኼስተምህረን ኣየድልዮን እዩ። ነቲ ናቱ ድምጺ ዋላ ኻብ ናይ ኣሽሓት ካልኦት ሰባት ድምጺ ኬለልያኦ ኽሳዕ ዚኽእል ገይሩ ስለ ዜጽግበን። መንነቱ ብዘየገድስ ናይ ካልእ ሰብ ድምጺ ኺሰምዓ ከለዋ፡ ካብኡ ጋሊበን ይሃድማ እምበር ፈጺመን ኣይስዕባኦን እየን። ነቲ በትሪ ነቶም ኣባጊዑ ኺዘምቱ ዚመጹ ኣይስዕባኦን እየን። ነቲ በትሪ ነቶም ኣባጊዑ ኺዘምቱ ዚመጹ ጸላእቱ ኺወቕዓሉ እምበር፡ ነባጊዑ ኺወቕዓሉ ኣይኰነን ዚሕዞ። ስለዚ ድማ እቲ በጊዕ-ኣምላኽ ዝዀነ ቅዱስ ዳዊት፡በትርኻን ምርኵስካን የጸናንዓኒ እዩ፡ ንስኻ ምሳይ ኢኻ እሞ፡ ብርባርባ ድነ ሞት እኳ እንተ ኸድኩ፡ ክፉእ ኣይፈርህን እየ።ኢሉ ዘመረ (መዝ 234) እቲ እግዚኣብሄር ብኣፍ ነብዪ ዘካርያስ፡ሽዑ ነተን ኣባጊዕ መጓሰ ጓሴኽወን፡ እወ፡ ነተን መሳኺን ናይቲ መጓሰ ኣባጊዕ ጓሴኽወን፡ ክልተ በትሪ ድማ ወሰድኩ። ነታ ሓንቲጸጋነታ ኽልኣይቲውንስምረትኢለ ሰሜኽወን፡ ነተን መጓሰ ኣባጊዕውን ጓሴኽወን።ዝበሎ  ቓል፡ እቲ ኣብ ኣባጊዕና እንጥቀመሉ በትሪ እንታይ ኪኸውን ከም ዚግብኦ ኣመልኪቱና እዩ (ዘካ 117) እምበኣር እቲ ብጸጋ ጓስዩ ንመጓሴኡ ብስምረት፡ ብሓድነት ኪጓስይ ዘይክእል ጓሳ፡ ንሱ ጓሳ ዘይኰነ ኣራዊት እዩ። ልዕል ኢሉ ነብዪ ዘካርያስ፡ እቶም ብጸጋን ብስምረትን ዘይጓስዩ ጓሶት ኪኖ ኪጓስይወን ዝተዋህባኦም ኣባጊዕ፡ ይሸጥወንን ይሓርድወንን ከም ዝነበሩ ከምኡ ብምግባሮምኣነስ ሃብቲመ፡ እግዚኣብሄር ይመስገንይብሉ እምበር  ንርእሶም ከም በደልቲ ይቘጽሩ ከም ዘይነበሩ ገሊጹልና ኣሎ (ዘካ 114,5) እቲ ሕያዋይ ጓሳና ግና፡እቲ ቓል ስጋ ኰነ፡ ጸጋን ሓቅን መሊእዎ፡ ኣባና ሓደረ። . . . ጸጋን ሓቅን ግና ብኢየሱስ ክርስቶስ መጸ። እምበኣርሲ ንሕና ዅላትና ኻብ ምልኣቱ ጸጋ ኣብ ልዕሊ ጸጋ ተቐበልና።ተባሂሉ ዝተመስከረሉ እዩ (ዮሃ 114,16,17) እቲ ሕያዋይ ጓሳ እምበኣር ንርእሱ ብጸጋ ዝመልአ ዀይኑ፡ ንመጓሴኡ ጸጋ ዜጽግብ እዩ (ግብ 1927)

5. ሕያዋይ ጓሳ ነባጊዑ ኣጸቢቑ ይፈልጠን ንሳተን ከኣ ይፈልጣኦ (ዮሃ1014) ድኻምን ብርታዐን ኣባጊዑ ጽቡቕ ገይሩ ይፈልጥ፡ ከከም ዓቕመን ድማ ይናብየን። ኣጸቢቐን ከም ዚፈልጣኦን ከም ዚስዕባኦን ድማ ይገብር።

6. ሕያዋይ ጓሳ ኣባጊዕ ኣየጥፍእን ኣይምንዝዕን እዩ (ዮሃ1028,29) ከምቲ ቕዱስ ዳዊት፡ ነባጊዑ ካብ ኣንበሳን ድብን መንዚዑ የድሕን። ኣራዊት ኪመጽእ ከሎ፡ ከም ጓሳ ዓሰባ ነተን ኣባጊዕ በጃ ነፍሱ ጌርወን ኣይሃድምን እዩ። ኣብ መንጎ እተን ኣባጊዕን እቲ ኣራዊትን ደው ኢሉ ይገጥሞ እምበር ኣይሃድምን እዩ። ንህይወቱ ደኣ በጃ ኣባጊዑ ይገብራ እምበር፡ ነባጊዑ በጃ ህይወቱ ኣይገብረንን እዩ። ሕያዋይ ጓሳ፡ካብቲ ንሱ ዝሃበኒ ዘበለ . . .  ሓደ እኳ ኸየጥፍእ፡ እዚውን ፍቓድ እቲ ዝለኣለኒ እዩ።” . . .  “ብዘይ እቲ ሓደ ወዲ ጥፍኣት ካባታቶም ዝጠፍአ የልቦን።እዩ ዚብል (ዮሃ 639,40 1712)

ንሕናውን ንምስሊ ክርስቶስ ክንመስል ክልተ ጊዜ ዝተፈጠርና ኢና እሞ፡ ብዛዕባ ኣባጊዕና ነዚ ክርስቶስ ዝበሎ ኽንፍጽሞ ሓላፍነትና እዩ። ሓንቲ፡ ኣማኢት ወይ ኣሽሓት ኣባጊዕ እንጓስይ ጓሶት ክንከውን ንኽእል ኢና። ቍጽሪ መጓሰኢና ብዘየገድስ ነዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ረቛሒታት ብምምላእ፡ ሕያዎት ጓሶት ምዃንና፡ ነቲ ብሕያውነት ዝጓስየና ሓለቓ ጓሶት ምምሳልና ነረጋግጽ። ነዚ ኣርኣያ እዚ ሓዲግና፡ ብሸለልትነትን ጭካነን ብኣቕሑት ዓሻ ጓሳ ንጓስይ እንተሊና ግና፡ እቲ ሓለቓ ጓሶት ኪፈርደና እዩ። ብኽብሩ ምእንቲ ኽንከብር፡ ነቲ ሕያዋይ ጓሳ ንምሰሎ።

ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ኤርትራ - ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜርካ

ዕለት፥ ሰንበት 5 ጥሪ 2020 (ታሕሳስ 26, 2012 ግእዝ)

ናይቲ መዓልቲ ስብከት

መዝ 79/801

ኖላዊሆሙ ለእስራኤል ኣጽምዕ። ዘይርዕዮሙ ከመ ኣባግዐ ዮሴፍ። ዘይነብር ላዕለ ኪሩቤል ኣስተርአየ።

ጓሳ እስራኤል፡ ጽን በል። ንዮሴፍ ከም መጓሰ እትመርሖ፡ ኣታ አብ ልዕሊ ኪሩቤል እትቕመጥ፣ በሪህካ ተገለጽ።

ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባባት

ንባብ

ኣንባቢ

እብ 1316-ፍጻ፣  

 

ዲያቆን

ቅዳሴ  ዘእግዚእነ

1ጴጥ 221-ፍጻ

ንፍቀ ዲያቆን

ወንጌል ዮሃ 101-22

ግብ 1122-ፍጻ፣

ንፍቀ ካህን

 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div