S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ኢየሱስ ድማ፥ ማይ ኰታ ኣስትይኒ፡ በላ!!

ካብዚ ዝርርብ እታ ሳምራዊት ሰበይትን ጐይታና ኢየሱስን፡ ካብዚ ሎሚ ኣብ ቅዳሴ ዝተነበበልና ወንጌል ዮሃንስ ምዕራፍ 4 እንተኣስተውዒልና ፡ምድሪ ሰማርያ ኣብ መንጎ ምድርታት ይሁዳን ገሊላን ዝርከብ ስለዚ ክርስቶስ ይኹን ካልእ ሰብ ካብ ይሁዳ ናብ ገሊላ ክኸይድ ብሰማርያ ኣቢሉ ክሓልፍ ግድንዩ። እንተኾነ ንክርስቶስ ብእኡ ምሕላፍ ግድን ዝኾኖ በዚ ዝተጠቕሰ ጂኦግራፊያዊ ምኽንያት ጥራይ ዘይኮነ ሓደ ካልእ መለኮታዊ ምኽንያት ነበሮ።

እታ ከተማ ሲካር ትብሃል። ያእቆብ ነቲ ዘፍቅሮ ወዱ ዮሴፍ ዘረስተዮ መሬትያ። ኣብታ ቦታቲኣ፡ ያእቆብ ዝኾዓታ ዒላ ነበረት። ኣብ መንጎ ያእቆብን ክርስቶስን ዝነበረ ናይ ዓመታት ፍልልይ ኣዝዩ ብዙሕ ነበረ። እታ ዒላቲኣ ክሳዕ ሎሚ ዘይምንጻፋ ወይ ከይተደብየት ምጽናሓ ዜገርምዩ። በዚ ምኽንያት ይኸውን እዛ ሰበይትን እቶም ህዝብን፡ ነታ ዒላ እቲኣ ኣኽቢሮም ዝርእይዋ ዝነበሩ።

መምህራን ቤተ ክርስትያን ክዝምርዎ ዝሓደሩ ምስ እዚ ወንጌል ዝሳማማዕ እዩ፡ወስእኑ ከሢቶታ ለእብን እምአፈ ዓዘቅት እስከ ይመጽእ ያዕቆብ።ንሱ ከኣ ኣብ ዘፍጥረት 291-11 ዘሎ ዛንታይ ኣቦና ያእቆብ  “. . . ኣብኡ ሰለስተ መጓሰ ኣባጊዕ ደቂሰን ነበራ። ኣብ ኣፍ እቲ ዔላ ዝነበረ እምኒ ኸኣ ዓብዪ ነበረ።  ንዅለን መጓሴታት ድማ ናብኡ ይእክብወን ነበሩ. . . ።ንሳቶም ድማ፡ ኵለን መጓሴታት ከይተኣከባ፡ ነቲ እምኒ ኸኣ ካብ ኣፍ እቲ ዔላ ከይገልበጥዎ ከነስትዮን ኣይንኽእልን፡ ሽዑ ነተን ኣባጊዕ ነስትየን በሉ። . . . ያእቆብ ንራሄል ጓል ላባን ኣኮኡን ነባጊዕ ኣኮኡ ላባንን ምስ ረአየ፡ ቀሪቡ ነቲ እምኒ ኻብ ኣፍ እቲ ዔላ ገልበጦ፡ ነባጊዕ ኣኮኡ ላባን ድማ ኣስተየን። ያእቆብ ከኣ ንራሄል ሰዐማ፡ ቃሉ ዓው ኣቢሉውን በኸየ።ይብል እቲ ጽሑፍ።

እታ ሳምራዊት ከኣ እዚ ዂሉ ስለ እትፈልጥ፡ ክርስቶስ ንኣኣ ማይ ምሕታቱ ገረማ። ጐይታ ግን ንሳ ማይ ከተስተዮ ዘይኮነስ፡ ዘየጽምእ ማይ ነኸስትያ ይልምና ከም ዘሎ ሓበራ። ስለዚ ነት ዝዛረብ ዘሎ ሰብ ከም ማይ ዝጸመአ ተጓዓዛይ ወይ ሓላፊ መገዲ ዘይኮነስ ከም ነፍሲ ዝጸመአ ሰብ ክትፈልጦ ደልዩ። ንሳ ከኣ ክንድዚ ዝኣክል ማይ ኪህብ ዚኽእል ሰብ፡ ምስቲ ማዪ እናሰተየት ብህይወት ዝጸነሐትሉ ዒላ ዝኾዓተ ያእቆብ ከተነጻጽሮ ጀመረት። ጐይታ ኣብ መንጉኡን ኣብ መንጎ ያእቆብን ዘሎ ፍልልይ ክገልጸላ ከሎ፡ ኣብ ዓይነት ናይቲ ማይ ዘሎ ፍልልይ ነገራ። ናይ ያእቆብ ግዝያዊ፡ ናቱ ግን ዘለኣለማዊ ምዃኑ መሃራ።

እዚ ኣብ ዘፍጥረት ምዕራፍ 29 ተጠቂሱ ዘሎ ሚስጥር እንታይ እዩ፧ ምስ እዚ ወንጌል ናይ ሎሚከ ብከመይ ይትሓሓዝ፧ እተን ሰለስተ መጓሰ ኣባጊዕ ደቂሰን ዝነበራ ነቲ ኣብ ኣፍ ዒላ ዝነበራ ዓቢ እምኒ ገምጢሉ ማይ ዘስትየን እየን ዝጽበያ ዝነበራ። ያእቆብ ከም ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ተመሲሉ ዘሎ፡ እቲ ናብ ሓቀኛ ራሄል (ቤተ ክርስትያን) ናይ ሓድሽ ኪዳን ከም መርዓቱ፡ ናቱ ግራት ዝኮነት መጸ፡ ንሳ ከኣ እዛ ንነብረላ ዘለና ዓለም እያ። እዛ ማይ ዘለዋ ዒላ፡ ግን ከኣ ዕጽው መጠመቂት ጋብላ እያ፡፡ ከም ያቆብ ኮይኑ ነቲ ዓቢ እምኒ ካብ ኣፍ ዒላ ዘንከራርው፡ ብምምጽኡ ናብኡ ከኣ እቲ ሚስጥር ኮይኑ ዝነበረ ተጋህደ። እተን ሰለስተ መጓሰ ነቲ ማይ ዝጽበያ ዝነበራ፡ኣቦታት ቤተ ክርስትያን ብኸምዚ ይገልጽወን፡ 

1.  ቅድሚ ሕጊ ሙሴ፡ ቅድሚ ሕጊ ሙሴ ዝነበሩ ኣቦታት ከም ኣቤል ሄኖክ ኣብርሃም ያዕቆብን ዮሴፍን ናታቶም እምነት ዝስዕቡ ዝነበሩን፡

2. ሕጊ ሙሴ፡ ንሕጊ ሙሴ ዝክተሉን ነቲ ተስፋ ምድሓን ምስ ምልክታትን ትእዛዛትን ዝገብሩ ዝነበሩ።

3. ነብያት፦ ነብያት ብተስፋ ኣዒንቶም ከፊቶም ነቲ ሓቀኛ ያዕቆብ ዝኮነ ክውለድ ብተስፋ ትንቢት ዝጽበዩ ዝነበሩ እዩ ዘመልክት።

ብካልእ ኣዛራርባ እዘን ሰለስተ መጓሰ ኣባጊዕ ደቂሰን ዝነበራ ኣብቲ ኣፍ ዒላ ነቲ መሲሕ ዝጽበያ ዝነበራ ብተፈጥራዊ ሕጊ ልቦና፡ ብሕጊ ሙሴ ምስ ምልክታቱን ከምኡውን ብትንቢታትን እየን። እዚ ኩለን ኣብ ጎድኒ እቲ ዒላ ንከባቢኡን ንደቂ ሰባት ጸጋ ጥምቀት ወሲዶም መሰል ውልድነት እግዚኣብሄር ክረኽቡ መንግስተ ሰማያት ክወርሱ ይዕድሙ ኔሮም፡ ግን ከኣ ኣይከኣሉ ከምቲ እቶም ጓሶት ዘይከኣሉ። ብሓቂ ኩሎም ናብቲ መንግስቲ እግዚኣብሄር እዮም ዘመልክቱ ኔሮም። ብኣእዳዎም ናብ መንግስቲ እግዚኣብሄር እዮም ዝእምቱ ኔሮም፡ ማለት ምምጻእ መድሓኒ ነቲ ተስፋ ኩሎም ዝኮነ፡ ነቲ ሰማያዊ መርዓዊ ክጽበዩ የመልክቱ ኔሮም፡፡

ያእቆብ ገና ምሳታቶም (ጓሶት) ኪዛረብ ከሎ፡ እንሃ፡ ራሄል ምስ ኣባጊዕ ኣቦኣ መጸት። ኰነ ኸኣ፡ ያእቆብ ንራሄል ጓል ላባን ኣኮኡን ነባጊዕ ኣኮኡ ላባንን ምስ ረአየ፡ ቀሪቡ ነቲ እምኒ ኻብ ኣፍ እቲ ዔላ ገልበጦ፡ ነባጊዕ ኣኮኡ ላባን ድማ ኣስተየን።ያእቆብ ነቶም ጓሶት ከዛርቦም ከሎ እቲ ዓቢ እምኒ ኣብ ኣፍ እቲ ዒላ እዩ ኔሩ፡ እዚ ዘመልክተና ከኣ ቃል እግዚኣብሄር ነቶም ናይ ብሉይ ኪዳን ሰባት ብዝተፈላለየ መገዲ ማለት ብነገራት፡ ብምልክታት፡ ብትንቢታት ክሳብ እቲ ጊዜ ምእካል ናይ ሓዲሽ ኪዳን (ቤተ ክርስትያን) ዝመጽእ ይእምተሎም ከምዝነበረ እዩ ዘረዳኣና። ያዕቆብ ነቲ ዓቢ እምኒ ካብ ኣፍ እቲ ዒላ ስለ ዘንከራረዎ፡ ንቤተ ክርስትያን በቲ ቅዱስ ሚስጥራት ክትጽገው ገበራ። ምግምጣል ናይዚ እምኒ ካልእ ዘዘክረና ነገርውን ኣሎ፡ ንሱ ከኣ ኣብ ጊዜ ትንሳኤኡ፡ ክርስቶስ ክትንስእ ከሎ፡ እቲ እምኒ ኣብ ኣፍ ደገ እቲ መቃብር ከሎ፡ እግዚኣብሄር መልኣክ ልኢኹ ነቲ እምኒ ገምጠሎ ምእንቲ ማይ ትንሳኤኡ ከስትየና፡ ማለት ምስኡ ብምቕባር፡ ምስኡ ብምትንሳእን፡ ከምቲ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ዝበሎ: “ብጥምቀትውን ምስኡ ተቐበርኩም፡ ብግብሪ እቲ ኻብ ምዉታት ዘተንስኦ ኣምላኽ ድማ ምስኡ ተንሳእኩም።”(ቆሎሴ 2: 12) ነዚ ሚስጥር እምበኣር ቤተ ክርስትያን ክንርድኦን ከነስተውዕሎን ትደልየና ኣላ።

ከምቲ ኣብ ቅዳሴ ሎሚ ዝተነበበልና፡ ኣብ ዘበንና ልዕሊ ኩነታትና ዝኮነ፡ ሕማም፡ጭንቀት፡ ስደት፡ሞት፡ ማእሰርቲ፡ ምፍታሕ ዝኣበየና፡ ቃል እግዚኣብሄር ሎሚ ይነግረና ኣሎ። ኣብ ውሽጢ እዚ ኩሉ ኩነታት አምላክናዩ ዘንብረናን ዝሕልወናን ዘሎ፡ ካብ ንሓልፎ ኩሉ ኩነታት ዝዓቢ ኣምላክ ብቃሉ ከምዚ ይብለና ኣሎደቀየ፡ ሓጢኣትኩም ስለ ስሙ ተሐዲጉልኩም እዩ እሞ፡ እጽሕፈልኩም አሎኹ። ኣቱም ኣቦታት፡ ነቲ ኻብ መጀመርታ ዝነበረ ፈሊጥኩምዎ ኢኹም እሞ፡ እጽሕፈልኩም አሎኹ። ኣቱም ኣጕባዝ፡ ነቲ እኩይ ስዒርኩምዎ ኢኹም እሞ፡ እጽሕፈልኩም አሎኹ። ኣቱም ቈልዑ፡ ነቦ ስለ ዝፈለጥኩምዎ፡ ጽሒፈልኩም አሎኹ።ኣቱም ኣቦታት፡ ነቲ ኻብ መጀመርታ ዝነበረ ፈሊጥኩምዎ ኢኹም እሞ፡ ጽሒፈልኩም አሎኹ። ኣቱም ኣጕባዝ፡ ብርቱዓት ስለ ዝዀንኩም ቃል ኣምላኽ ኣባኻትኩም ይነብር ስለ ዘሎን፡ ነቲ እኩይውን ስዒርኩምዎ ኢኹም እሞ፡ ጽሒፈልኩም አሎኹ።ንዓለም ወይስ ነቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ኣይትፍተዉ። ሓደ እኳ ንዓለም እንተ ፈተዋ፡ ፍቕሪ ኣቦ የብሉን። ኵሉ እቲ ኣብ ዓለም ዘሎ፡ ፍትወት ስጋን ፍትወት ኣዒንትን ንብረት ትዕቢትን፡ እዚ ኻብ ዓለም እዩ እምበር፡ ካብ ኣቦስ ኣይኰነን። ዓለም ትሐልፍ እያ፡ ፍትወታ ኸኣ፡ እቲ ንፍቓድ ኣምላኽ ዚገብር ግና ንዘለኣለም ይነብር።(1ዮሃ 212-19) ነዚ ኣብ ጸገምና ዘይጥንጥነና ኣምላክ ክብሪ ንሃቦ እምበር ከምታ ሰምራዊት ሰበይቲንስኻዶ ኻብቲ ነዚ ዔላ እዚ ዝሃበና፡ኣቦና ያእቆብ፡ ትዓቢ ኢኻ፧ ኢልና ንአምላክና ምስ ንሓልፎ ምስ ኩነታትና ኣይነማዓራርዮ። እግዚኣብሄር፡ ንዂሉ ተግባርና ንስኻ ኢኻ እትፍጽመልና እሞ፡ ሰላም እትህበና ንስኻ ኢኻ ድኣ ንበሎ። ክቡር ኣንባቢ ነቲ ዘይተንከራረወ ነገርና ሎሚ ዘንከራርው  ዓቢ ኣምላክ ኣሎናሞ፡ በዚ ባህ ይበለናን ንተሓጎስን።

ክብርን ምስጋናን ንዕኡ ይኹን። ኣሜን።

ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ኤርትራ - ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜርካ

 

ዕለት፥ ሰንበት 16 ለካቲት 2020 (የካቲት 8, 2012 ግእዝ)

 

ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባባትን ስብከትን

 

መዝ 46/47፡3-4 “ ኣግረረ ለነ አሕዛበ ወሕዝበ ታሕተ እገሪነ። ወኀረየነ ሎቱ ለርስቱ። ሥኖ ለያዕቆብ ዘአፍቀረ።” 

“ንሱ ንህዝብታት ኣብ ትሕቴና፣ ነህዛብ ከኣ ኣብ ትሕቲ ኣእጋርና የግዝኦም። ንኽብሪ ያእቆብ፣ ፈታዊኡ፣ ርስትና ኪዀነልና ይሐርየልና”

 

 

 

ኣንባቢ

ንባብ

 

ዲያቆን

 ሮሜ 9፡1-16

 

ንፍቅ (ተሓጋጋዚ) ዲያቆን

 1ዮሐ 2፡12-19

 

ንፍቅ (ተሓጋጋዚ) ካህን

 ግሃ 7፡6-16

 

ካህን 

ወንጌልዮሐ 4፡1-27

 

ቅዳሴ ዘድዮስቆሮስ

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div