S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ኣነ’ውን እልእከኩም ኣለኹ!’

ካብ ኣትራኖስ ቤተ ክርስቲያን - From the pulpit of the Church

ወረደ መንፈስ ቅዱስ። ላዕለ ሐዋርያት ከመ ዘእሳት። ወተናገሩ በነገረ ኲሉ በሐውርት። ዓርገ እምኀቤሆሙ ወይቤሎሙ ጰራቅሊጦስሃ እፌኑ ለክሙ። ዘይሄሉ ዘልፈ ምስሌክሙ ኢየኀድገክሙ ዕጓለ ማውታ ትኩኑ። ዘኢይክል ዓለም ነሢኦቶ። ትርጉም “ መንፈስ ቅዱስ ወረደ፡ ከም ብርቱዕ ህቦብላ ንፋስ ካብ ሰማይ ደሃይ መጸ፡ ኣብ ልዕሊ ነፍሲ ወከፎም ከኣ ተቐመጠ። ብኵሉ ቋንቋታት ኪዛረቡ ጀመሩ። ንሱ ኺዐርግ ከሎ መንፈስ ቅዱስ ናባኻትኩም ክሰደልኩም እየ፡ እቲ ዝሰዶ መንፈስ ቅዱስ፡ ዘክታማት ክትኮኑ አይሐድገኩምን እየ፡ ዓለም ነቲ መንፈስ ክትቅበሎ አይኮነላን እዩ።”

ኵላትና ኸም እንፈልጦ፡ ሎሚ በዓለ-መንፈስ ቅዱስ (ጰራቅሊጦስ) እዩ። ቅዱሳን ደቀ መዛሙርቲ ጐይታ ፡ በቲ ሓይሊ ኽሳዕ ዚለብሱ፡ ነቲ ተስፋ-ኣቦ ዝዀነ መንፈስ ቅዱስ ክሳዕ ዚቕበሉ፡ ካብ ኢየሩሳሌም ከይወጹ ኺጽበዩ ዝኣዘዞም መሰረት፡ ኣብታ ደርባዊት ህንጻ ደዪቦም ከይብኰሩ ሓቢሮም እናጸለዩ ተጸበይዎ (ሉቃ 24፡49 ፣ ግብ 1፡4,5)። እቲ እሙንን ሓቀኛን ጐይታ ድማ፡ ነቲ “እቲ ኣነ ኻብ ኣቦ ዝሰድደልኩም ፡ ካብ ኣቦ ዚወጽእ መንፈስ ሓቂ” ኢሉ ዝገለጾ መንፈስ ቅዱስ ለኣኸሎም (ዮሃ 15፡26)። ኵላቶም ሓቢሮም ብሓንሳእ ከለው ድማ፡ ብድንገት ብርቱዕ ህቦብላ ንፋስ ዚጥዕም ድምጺ ካብ ሰማይ መጸ። መንፈስ ቅዱስ መጺኡ ንዅላ’ታ ቤት መልአ። እተመቓቐለ ልሳን ሓዊ መሲሉ ድማ ኣብ ልዕሊ ነፍሲ ወከፎም ተቐሚጡ መልኦም (ግብ 2፡1-4)

ጐይታና፡ መንፈስ ቅዱስ ኪምልኡ ዚድለየሉ ዕላማ እንታይ ምዃኑ፡ “መንፈስ ቅዱስ ናባኻትኩም ምስ ዚወርድ ግና፡ ሓይሊ ኽትቅበሉ፡ ኣብ ኢየሩሳሌምን ኣብ ኵላ ይሁዳን ኣብ ሰማርያን ክሳዕ ወሰን ምድሪ ምስክር ክትኰኑኒ ኢኹም።”  ብምባል ፡ ንሓደ ዓብይን መለኮታውን ተልእኾ ምዃኑ ገሊጹ እዩ (ግብ 1፡8)። ኣብቲ ዝተነበበልና ናይ ወንጌል ንባብን ፡ ኣብ ኣርእስትናን መሪሕ ጥቕስናን ተገሊጹ ኸም ዘሎን፡ ከምቲ ንሱ ንቕዱስ ኣቦኡ ተላኢኹ ዝመጸ፡ ንሱ’ውን ከም እግዚኣብሄር ኣቦ፡ ንሕሩያት ደቀ መዛሙርቱ ተልእኾ ሃቦም። እዚ ተልእኾ’ዚ ድማ ካብ ኢየሩሳሌም ጀሚርካ ንምልእቲ ዓለም ወንጌል ብምስባኽ ምስክር ጐይታ ምዃን እዩ። እቲ ኡፍ ኢሉ ዝሃቦም ስልጣነ ኽህነት ድማ ነዚ ተልእኾ’ዚ ብዓወት ኪፍጽምዎ ዝተዋህቦም’ዩ። 

ካብዚ ቕዱስ ጽሑፍ’ዚ ኸም እንርድኦ እምበኣር፡ ብዘይ መንፈስ ቅዱስ ተልእኾ ከም ዘየልቦ፡ መንፈስ ቅዱስ ዝተቐበለ ዅሉ ድማ በዓል ተልእኾ ምዃኑ እዩ። ሃዋርያ ቕዱስ ጳውሎስ ፡ ብዛዕባ ተልእኾኡ ኺገልጽ ከሎ፡ “ስለዚ ንሕና ኣብ ክንዲ ክርስቶስ ልኡኻት ኢና እሞ፡ ኣምላኽ ብኣና ገይሩ ይምዕድ ኣሎ። . . .’ምስ ኣምላኽ ተዓረቑ’ እናበልና፡ ኣብ ክንዲ ክርስቶስ ኴንና ንልምነኩም ኣሎና።” ኢሉ ጸሓፈልና (2ቈረ 5፡20,21)። ስለዚ እቲ ብስልጣን መንፈስ ቅዱስ ማዕርግ ክህነት ዝተቐበለ ዅሉ፡ ልኡኽን ምስክርን ናይ ክርስቶስ ምዃኑ ኺፈልጥን፡ እታ ክርስቶስ ብኣካለ-ስጋ ኣብ ምድሪ ኸሎ ዝገበሮ፡ ብድሕሪኡውን ቅዱሳን ሃዋርያት ዝገበርዎ ኣገልግሎት ስብከተ-ወንጌል ኪፍጽም ይግብኦ። ነዚኣ ብምፍጻም እሙን ምስክርን መልእኽተኛን ናይ ክርስቶስ እንተ ዘይኰይኑ፡ እቲ ዝተቐበሎ መንፈስ ቅዱስ ኪፈርዶ ምዃኑ ኺፈልጥ ይግብኦ። 

እግዚኣብሄር ወልድ፡ ጐይታና መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ንእግዚኣብሄር ኣቦኡ ተላኢኹ ምስክሩ ኪኸውን’ዩ ዝመጸ (ዮሃ 3፡32,33)። ነታ ብዛዕባ ኣቦ ዝመስከራ ምስክር ዝተቐበለ ኲሉ ድማ ኣምላኽ ሓቀኛ ምዃኑ የረጋግጽ። ክርስቶስ ብዛዕባ ሓቂ ኪምስክር ናብዛ ዓለም’ዚኣ ኸም ዝመጸን፡ ሓደ ኻብ ዚጽውዓሉ ስማት ድማ፡ “እሙንን ሓቀኛን ምስክር” ዚብል ምዃኑ የረጋግጸልና እዩ (ዮሃ 18፡37)። እግዚኣብሄር ኣቦ ብዛዕባ ወዱ ጐይታና መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ተደጋጋሚ ምስክርነት ብምሃብ ሓቀኛን እሙንን ምስክር ምዃኑ ኣርእዩና እዩ (ዮሃ 5፡37 ፣ 8፡18)። እግዚኣብሄር መንፈስ ቅዱስ’ውን ብዛዕባ ክርስቶስ ጐይታና ኺምስክር ከም ዝመጸ ተገሊጹልና ኣሎ (ዮሃ 15፡26)። ስለዚ መንፈስ ቅዱስ ናባና ዝወረደ፡ ተኻፈልቲ ናይዚ ተወራሲ መለኮታዊ ባህርይ ኪገብረና መጺኡ ኣሎ ማለት ምዃኑ እቲ መልእኽቲ ብሩህ’ዩ።

ጐይታና ነቶም ብእኡ ዝኣመኑ ደቀ መዛሙርቱ ብተደጋጋሚ ዝተዛረቦም መልእኽቲ ነይራቶ፡ ጓሳ ድማ፡ “ካብ ዓለም እንተ ትዀኑስ፡ ዓለም ነቲ ናታ ዝዀነ ትፈትዎ እያ’ሞ፡ ምፈተወትኩም  ነይራ። ኣነ ደኣ’የ ካብ ዓለም ዝሓሬኹኹም እምበር ካብ ዓለም ኣይኰንኩምን፡ ስለዚ ዓለም ትጸልኣኩም’ያ።” እትብል’ያ (ዮሃ 15፡19)። ናብ እግዚኣብሄር ኣቦ ኣብ ዝጸለዮ ጸሎት’ውን፡ “ከምቲ ኣነ ኻብ ዓለም ዘይኰንኩ ንሳቶም’ውን ካብ ዓለም ኣይኰኑን” ብምባል፡ ክርስትያን ኣብ ዓለም ብግሽነት ዚነብር ጓና እምበር፡ ወዲ ዓዲ ኸም ዘይኰነ ገሊጹልና ኣሎ (ዮሃ 17፡16)። እቲ ኣብዛ ምድሪ ግሽነት ምንባርና ድማ፡ ልክዕ ከም ጐይታና፡ ካብቲ ናይ ስላሴ ባህርይ ብመንፈስ ቅዱስ ልኡኻትን ምስክርን ናይ ክርስቶስ ምእንቲ ኽንከውን’ዩ። ስለዚ ካብ ኣብራኽ መንፈስ ቅዱስ ዳግም ተወሊዱ ብክርስቶስ ክርስትያን ዝዀነ ሰብ፡ ኣብዛ ዓለም’ዚኣ ብህይወት ክሳዕ ዘሎ ልኡኽን ምስክርን ናይ ክርስቶስ ምዃኑ ኺዝንግዕ ኣይግብኦን’ዩ። ነዛ ተልእኾ’ዚኣ ሸለል እንተ ኢልዋ ግና፡ ወዲ’ዛ ዓለም’ዚኣ ዀይኑ፡ ምስ’ዛ ዓለም’ዚኣን ምስቲ ዚገዝአ ዘሎ ድያብሎስን ተሰማሚዑ ኣሎ ማለት’ዩ።

ኣብቲ “ምስጢረ ክህነት” ዚብል ትምህርቲ ቤተ ክርስትያና ኸም እንመሃሮ፡ ብዘይካ’ቶም ብምስጢራተ ቤተ ክርስትያን ኬገልግሉ ብቤተ ክርስትያን ዝተቐብኡ ኻህናት፡ ኵላትና ጕባኤ ምእመናን፡ ካብ ክርስቶስ ብመንፈስ ቅዱስ “ኣድማሳዊ ኽህነት” ተቐቢልና ኢና (1ጴጥ 2፡5,9 ፣ ራእ 5፡9,10)። ምስጢራተ ቤተ ክርስትያን ክንፍጽም እኳ እንተ ዘይተቐባእና፡ እቲ ልኡኻትን ምስክርን ናይ ክርስቶስ ናይ ምዃን ሓላፍነት ግን ኣብ ዝባንና እዩ። ብልሳንናን ብግብርናን ምስክሩ ኽንከውን ልኡኻት ኢና። እቶም ኣብ ቤተ ክርስትያን ዜገልግሉ ኻህናትን ዲያቆናትን ንበይኖም ነቲ ኣብቲ ሃገር ዘሎ ዅሉ ህዝቢ ገዛ ገዛ እናኣተዉ ኺሰብክዎን ምስክር ኪዀንዎን ኣይክእሉን’ዮም። ነፍሲ ወከፍ ክርስትያን ምእመን ግና ኣብ ማእከል’ቲ ህዝቢ ስለ ዚነብር፡ ናይ ወንጌል ምስክር ብምዃን ነቲ ብመንፈስ ቅዱስ ዝተዋህቦ ተልእኾ ኪፍጽም ይግብኦ።

ነዚ ብቑዕ ምስክር ናይ ምዃን ተልእኾኡ ከም ዚግባእ ኪፍጽም እንተ ዀይኑ ግና፡ ብዛዕባ’ቲ ዝተዋህቦ ተልእኾ ብቑዕ ፍልጠት ኪህልዎ ይግባእ። ምኽንያቱ እቲ እኹል ፍልጠት ዘይብሉ ሰብ፡ ምስክር ኪኸውን ኣይክእልን’ዩ። ጐይታ ነቲ ቕዱሳት ጽሑፋት ኬስተውዕልዎ ኣእምሮኦም ዝኸፈተሉ ምኽንያት ከኣ ንሱ እዩ። ስለዚ እቲ ምስክር ኣምላኽ ናይ ምዃን ተልእኾ ዝተዋህቦ ካህንን ምእመንን፡ ቃል እግዚኣብሄር ከም ዚግባእ ዝተመገበ ኪኸውን ይግብኦ። ስለዚ ድማ፡ “ንርእስኻ እቲ ቓል ሓቂ ብቕንዕና ዜማቕል፡ ዜሕፍር ዘይብሉ ፍቱን ዓያዪ (ምስክር) ጌርካ፡ ንኣምላኽ ከተርእዮ ጸዓር።” ተባህለልና (2ጢሞ 2፡15)። እቲ ኣብ ውሽጢ ቤቱ፡ ኣብ ጐረባብቱ፡ ኣብ ስርሑ ፡ ኣብ መገዱ፡ ነቲ ክርስቶስ ዝሰበኾ ቓል ሓቂ ዘይነግርን ዘየብጽሕን ሰብ፡ ነቲ ብደሙ ዝዓደጎ ክርስቶስን፡ ነቲ ብምልኣቱ ዝቐደሶ መንፈስ ቅዱስን ዝጠለመ ሰብ’ዩ።

እቲ ቐዳማይ ሰማእት፡ ቅዱስ እስቲፋኖስ ዝተሰውኣሉ እዋን፡ ሰይጣን ኣብ ልዕሊ ቤተ ክርስትያን ከቢድ ስደት ኣውሪዱ፡ ንዅላቶም ደቀ መዛሙርቲ በተኖም። እቶም ዝተበተኑ ዅሎም ግና ብዛዕባ’ቲ ዝወረዶም ከቢድ ማሕበራዊ ቅልውላው  ኬስቈርቍሩ ኣይመረጹን። ብኣንጻሩ ነቲ መንፈስ ቅዱስ ዘሰከሞም ልኡኻት ክርስቶስ ናይ ምዃን ተልእኾኦም ንምፍጻም፡ ቃል ወንጌል እናነገሩ ዞሩን ተሰደዱን (ግብ 8፡1,4 ፣ 11፡9)። እቲ ሰይጣን ንምድምሳስ ቤተ ክርስትያን ዘለዓዓሎ መከራ ድማ፡ ንምስፋሕ መንግስቲ ኣምላኽ ኣዝዩ ጠቐመ። ኣቐዲሞም ፈሪሳውያን ንሃዋርያት፡ ብስም ኢየሱስ ንሓደ ሰብ’ኳ ወንጌል ከይነግሩ ጽኑዕ ትእዛዝ ምስ ሃብዎም፡ ንሳቶም ከኣ ፡ “ንሕናስ ነቲ ዝረኣናዮን ዝሰማዕናዮን ምዝራቡ ኽንሓድግ ኣይኰነልናን እዩ’ሞ፡ ካብ ንኣምላኽ ንኣኻትኩም ምእዛዝ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቅኑዕ እንተ ዀይኑስ፡ እስኪ ባዕላትኩም ፍረዱ” ኢሎም ብትብዓት መለሱ (ግብ 4፡18-20)። እቲ ዘይሕለል ሰይጣን በዚ ጐነጻዊ ትእዛዝ ምስላጥ ምስ ኣበዮ ድማ፡ ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስትያን ብኣድልዎ ዕግርግር ብምእታው፡ ኣሰለፍቲ እኽለ-ማይ ገይሩ ኬባዅሮም ተጣበበ። ንሳቶም ድማ ነቲ መንፈስ ቅዱስ ዘዕጠቖም ጥበብ ተጠቒሞም፡ “ንሕና ቓል ኣምላኽ ሓዲግናስ ኣብ መኣዲ ኸነገልግል ዚግባእ ኣይኰነን።”  ብምባል ብጽኑዕ መርገጺኦም ኣሕፈርዎ። ሾብዓተ ዲያቆናት መሪጾም ነዚ ሓላፍነት’ዚ ምስ ኣሰከምዎም ድማ፡ “ንሕና ግና ጸሎትን ኣገልግሎት እዚ ቓል’ዝን ከየብኰርና ንሓዝ” ብምባል ዕብየትን ክብርን ናይቲ ዝተዋህቦም ተልእኾ ዜንጸባርቕ መልሲ ሃቡ (ግብ 6፡1-6)። 

እምበኣር ኣብዚ ክቡርን ቅዱስን በዓል ጰራቅሊጦስ፡ መልእኽቲ ቤተ ክርስቲያን ንጹር እዩ፡ ነቲ ጐይታ ዝሃበና ምስክሩ ናይ ምዃን ተልእኾ ብኸመይ ሒዝናዮ ኸም ዘሎና ኽንምርምርን ጽውዓና ደጊምና ኸነሐድስን ይግብኣና። ኣብ መሰረት ነብያትን ሃዋርያትን ኣብ ዝተሰረተት ቅድስትን ሃዋርያዊትን ቤተ ክርስትያን ከም ዘጽለልና ኣገልገልትን ምእመናንን መጠን፡ ኣሰሮም ክንስዕብን ተልእኾና ኸነጽንዕን ሓላፍነትና እዩ። ከምታ ቕዱሳን ኣቦታትና ኣብ ጐይታ ዘሰከሞም ሕድሪ ጸኒዖም ብዓወት ናብ ሕቝፉ ዝሰገሩ፡ ንዅላትና’ውን እዛ ኽብሪ’ዚ ትጽበየና ኣላ። እቲ ኻብቲ ኺበኵር ዘይግብኦ ተልእኾኡ ዝበዀረ ሰብ፡ ካብቲ ክርስቶስ ዘዳለወሉ ሰማያዊ ኽብሪ ኺበኵር’ዩ። ክርስቶስ ጐይታና ፡ ተልእኾ ኪህበና ዝፈተወ፡ ባዕሉ ኺገብሮ ስለ ዘይከኣለ ዘይኰነስ፡ ካብቲ መለኮታዊ ባህርዩን ዕዮኡን ኣካፊሉ፡ ካብቲ መለኮታዊ ኽብሩ ናይ ምክፋል ዕድልና ኼስፍሖ ስለ ዝደለየ እዩ። ስለዚ ነዚ ኽቡር ትዕድልቲ’ዚ ኣይንኽሰሮ። ከምቲ ንሱ ተልእኾኡ ብምፍጻም ናብ ክብሪ ዝዓረገ፡ ንሕና’ውን ብትንሳኤን ብምጽኣቱን ናብቲ ናቱ ኽብሪ ኽንዓርግ ኢና!! ሃየ ንትጋህ እምበኣር!!

ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ

ዕለት፥   ሰንበትሰነ 7 2020        (ግንቦት 30, 2012 ግእዝ)

ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባባት

ዲያቆን

ንፍቀ ዲያቆን

ንፍቀ ካህን

ወንጌል

ቅዳሴ

1ቆሮ  1520-41

1ጴጥ 315-22

ግብ 222-36

ዮሃ 201-18

ዘዴስቆሮስ

መዝ 77/78 65-66ወተንሥአ እግዚአብሔር ከመ ዘንቃሕ እምንዋም። ወከመ ኃያል ወኅዳገ ወይን። ወቀተለ ፀሮ በድኅሬሁ።

ሽዑ እግዚአብሄር ከም ደቂሱ ዝነበረ፣ ከምቲ ብወይኒ ሰኺሩ ዚጭድር ጅግና ዀይኑ ተንስኤ።ንጸላእቱ ድማ ኣብ ድሕሪኦም ወቕዖም፣ ንዘለአለማዊ ነውሪ ሀቦም።

ዓዲ

(መዝ 117/11824-25) “ዛቲ ዕለት እንተ ገብረ እግዚአብሔር። ንትፈሣሕ ወንትኃሠይ ባቲ። እግዚኦ ኣድኅንሶ።

እታ እግዚኣብሄር ዝገበራ መዓልቲ እዚኣ እያ፣ ብእኣ ንተሐጐስን ባህ ይበለናን።  እግዚኣብሄር፣ ኣድሕን ኰታ፣ ኣታ እግዚኣብሄር፣ ኣሰልጥን ኰታ።

ካህን ክርስቶስ ተንሥአ እሙታን

ሕዝብ ብዓቢይ ኃይል ወሥልጣን

ካህን ኣሠሮ ለሰይጣን

ሕዝብ ኣግዓዞ ለኣዳም፡

ካህን፦ ሰላም

ሕዝብ እምይእዜሰ 

ካህን፦ኮነ

ሕዝብ ፍሥሓ ወሰላም

ካህን ክርስቶስ ካብ ሙውታት ተንሲኡ

ህዝቢ ብዓብይ ሓይልን ስልጣን

ካህን ኣሰሮ ንሰይጣን

ህዝቢ፡ ንኣዳም ፈተሖ

ካህን፦ ሰላም

ህዝቢ፦ ካብ ሕጂ ንዳሓር

ካህን፦ ይኹን

ህዝቢ፡ፍስሓን ሰላምን

Priest: Christ is risen from the dead

People: In great power and authority  

Priest: He bound Satan

People: And freed Adam

Priest: Peace

People: Henceforth

Priest: Let there be

People: Joy and Peace

 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div