S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ብተኣዝዞ ዚግለጽ ፍቕሪ!!

ካብ ኣትራኖስ ቤተ ክርስቲያን - From the pulpit of the Church

ድሕሪ በዓለ መንፈስ ቅዱስ፡ ኣብ ጾመ ሃዋርያት ኣብ ዘላ ቐዳመይቲ ሰንበት ተሰሪዑልና ዘሎ ንባብ ቅዱስ ወንጌል፡ ሓደ ዓብይ ምስጢር ገሊጹልና ይርከብ። እዚ ምስጢርዚ፡ ምስ ቅድስት ስላሴ ብጽኑዕ ፍቕሪ ዚጠምር ተግባርዩ። ካብኡ ሓሊፋውን ብዛዕባ ቅድስት ስላሴ ዓሚቝ ኣስተርእዮ (ምግላጽ) ዜጐናጽፍ ብሉጽ ምርጫ እዩ። ኣርእስትና ኣመልኪቱና ኸም ዘሎ፡ እዚ ኣብ ምድርን ኣብ ስማይን ክቡርን ነባርን ዓወት ዜጐናጽፍ መገዲዚ፡ ንፍቕርኻ ብስምዒት ወይ ብባዶ ቓላት ዘይኰነስ ብግብራዊ ተኣዝዞ ናይ ምግላጽ ጥበብ እዩ።

እቲ ዓወትና ዚጸልእ ሰይጣንን እዛ ንነብረላ ዘለና ውድቕቲ ዓለምን፡ ብዛዕባ ፍቕሪ ኣዝዩ ግጉይን ዝምቡዕን ዝዀነ ትርጉም እናመገቡ ኣበላሽዮምና እዮም። ፍቕሪ፡ ብስምዒታዊ ሃነይነይታን ብጠባሪ ባዶ ቓላትን እንተ ተገሊጹ ብቑዕ ፍቕሪ ከም ዚኸውን ክሳዕ ደምና ኣስሪጾምልና ይርኸቡ። ነቲፍቕሪዚብል መለኮታዊ ቓልን ባህርይን ኣብ ዘይመዓላኡ ብምውዓል፡ ናይፍትወት ስጋ ምንዝርና ዝሙትዚብል ቃል መተካእታውን ገይሮምዎ ኣለዉ። ግናኸ፡ ክብሪ ነቲ ቕዱስ ስሙ ይኹን፡ እግዚአብሔር በዚ ግጉይ ትርጉምን ርድኢትን ክንጠፍእ ኣይሓደገናን። ነቲ ንርእሱፍቕሪዝዀነ ሓደን ቅዱስን ወዱ ብምልአኽ፡ መንነትን ትርጉምን ናይ ሓቀኛ ፍቕሪ ኪገልጸልና ብሕያውነቱ ፈቐዶ።

እቲ ቕዱስ መድሓኒ ዓለም፡ጐይታና መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ከአ ንርእሱ ፍቕሪ ስለ ዝዀነ፡ ብድኻም ናይቲ ዝለበሶ ስጋ ኸይተዓንቀፈ፡ ፍቕሪ ብኸመይ ከም እትግልጽ ብቓልን ብግብርን ኣርኣየና። እዞም ብክርስቶስ ክርስትያን ዝዀንና ዅላትና ድማ፡ ነቲ ዓለም ዝመገበትና ትምዩንፍቕሪዘይኰነስ፡ ነዚ ጐይታና ዘስነቐና ሓቐኛ ትርጉም ናይ ፍቕሪ ተግቢርና ኽንመላለስ ክርስትያናዊ ሓላፍነትና እዩ።

መሪሕ ጥቕስና ኣመልኪቱና ኸም ዘሎ እምበኣር ናይ ቅድስት ስላሴ ናይ ፍቕሪ ትርጉም፡ ንትእዛዛቱ እዩ። እግዚኣብሔር ካብዚ ንዝተፈልየ ዓይነት ፍቕሪ ኣፍልጦ ኣይህቦን፡ ኣይቅበሎን፡ ኣይጻምዎን ከኣዩ። እቲ ንአምላኽ ኰነ ንሰብ ዘሎና ፍቕሪ፡ ንትእዛዛት አምላኽ ብምእዛዝ ጥራሕ ኢና ኽንገልጾን ህላውነቱ ኸነረጋግጽ እንኽእል።ጐይታና ብዛዕባ እታ ፍቕሪ እትገልጽ ተአዝዞ ኺገልጽ ከሎ፡ዘለዎ እሞ ዚሕልዎእትብል ኣገዳሲት ሓረግ ኣስፊሩ ኣሎ። እንተ ኽትእዘዞ እንተ ዘይክትእዘዞ፡ትእዛዛቱ ዘሎኻሰብ ምዃን ቀዳማይን ግድነታውን ረቛሒ እዩ። ምኽንያቱ፡ ዘይብሉ ሰብ እንታይ ኪህብ ወይ ኪገብር ይኽእል፡ ስለዚ ኽትሕልዎን ክትእዘዞን እንተ ዄንካ፡ እቲ ኽትእዘዞ ዜድልየካ ቓል ኣብ ውሽጥኻ ኪህልው፡ ንልብኻ ኪመልኦ ይግባእ። እግዚአብሔርውን፡ ፍቕሩን ምልኣት ቃሉን ዘለዎ ዝምድና፡ በቲ ንነብዩ ሙሴ ዝሃቦ ንስኻ ድማ ንእግዚአብሔር አምላኽካ ብዅሉ ልብኻን ብዅሉ ሓይልኻን ብዅሉ ነፍስኻን ብዅሉ ሓይልኻን  ኣፍቅሮ ነዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘሎዅ ቓላት ከአ ኣብ ልብኻ ዕቘሮብዚብል ትእዛዝ ገሊጽዎ አሎ (ዘዳ 65-6) ካብዚ ቓል ኸም እንመሃሮ እምበኣር፡ ቃሉ ዘሎካ ምዃንን ንአምላኽ ምፍቃርን ኣዝዩ ጥቡቕ ዝምድና ኣለዎ። ነቲ ኣብ ልብኻ ዝዓቘርካዮ ቓል ምስ ተኣዘዝካዮ ድማ ነቲ ኣብ ልብኻ ንኣምላኽ ዘሎካ ፍቕሪ ይገልጸልካ ማለትዩ። ነዚ ትእዛዝዚ ደጋጊሙ ድሕሪ ምሃቡ፡ ኣብ መወዳእታ ኸኣ ከምዚ ዚስዕብ ኢሉ ተዛረቦም።እዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘሎኹ ትእዛዝት ንኣኻ ኣዝዩ ዜሸግርን ካባኻ ዝረሓቐን ኣይኰነን እዮም፡ ናብ ሰማይ ዚደይበልናን ዜምጽኣልናን፡ ክንገብሮ ኸኣ ዜስምዓና መንዩ፧ኸይትብል፡ ኣብ ሰማይ ኣይኰነን (ዘሎ)ባሕሪ ዚሰግረልናን ዜምጽኣልናን ክንገብሮ ኸኣ ዜስምዓና መንዩ፧ ከይትብል ድማ ኣብ ስግር ባሕሪ ኣይኰነን (ዘሎ) ነቲ ቓል ምእንቲ ኽትገብሮስ፡ ኣብ ኣፍካን ኣብ ልብኻን ኣዝዩ ቕረባኻ እዩ። ብምባል ደጊሙ ኣጠንቀቖም ( ዘዳ 3012-14) ስለዚ ነቲ ዝተዋህበካ ትእዛዝ ንክትገብሮ ኣብ ውሽጢ ልብኻ ኪህልው ናይ ግድንዩ።

ከምኡ ስለ ዝዀነ ድማ እቲ ብጐይታና መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዚቐውም ሓድሽ ኪዳን ቀንድን ቀዳማይን ዕላማኡ እንታይ ምዃኑ እግዚአብሔር ኣብ ኤር 3133 “ እንሆ ምስ ቤት እስራኤልን ምስ ቤት ይሁዳን ሓድሽ ኪዳን ዝኣትወለን መዓልትታት ኪመጻየን።. . .  ድሕሪዘን መዓልታትት ዚአተን ምስ ቤት እስራኤል ዝኣትዎ ኪዳንሲ እዚ ደአ ሕገይ ኣብ ልቦም ከንብር ኣብ ልቦም ከኣ  ክጽሕፎ ኣነ አምላኾም ክኸውን ንሳቶም ድማ ህዝበይ ኪዀኑ እዮም።ብዚብል ቃል ገሊጽዎ ኣሎ። እምበኣር ኣብቲ ሓድሽ ኪዳን ዘሎናን ዘየሎናን እንፈልጥ ቃሉ ኣብ ልብና ተጻሒፉን ተነቢሩን ብምህላውን ብዘይ ምህላውንዩ። እግዚኣብሔር ንኣና አምላኽና፡ ንሕና ኸኣ ህዝቡ እንኸውን ቃሉን ትእዛዛቱን ኣብ ልብና ዘሎና ሰባት እንተ ዄንና ጥራሕዩ። እዚ ንቓሉ ኣብ ልብኻ ናይ ምጽሓፍ መስርሕ በመንን ብኸመይን ከም  ዚትግበር ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ 2 ቈረ 33 “ ንስኻትኩም ብመንፈስ ህያው አምላኽ እምበር ብቐለም ዘይተጻሕፈት ኣብ ልቢ ስጋ እምበር ኣብ ጽላት እምኒ ዘይተጻሕፈት ብምግልጋልና ደብዳቤ ክርስቶስ ምዃንኩም ግሁድዩ። ብምባል ገሊጹልና። ስለዚ እቲ እዛ ጽሕፈትዚአ ኣብ ልቡ ዘላቶ ሰብ፡ ንሱ ምስ ከርስቶስ  ሓድሽ ኪዳን ዝኣተው ክርስትያን ዚኸውን።

እምበኣር ሰብ ነቲ ኣብ ውሽጢ ልቡ ዝተጻሕፈሉ ዚመስል። ሓጢኣት ምግባር ዚቐለልናን ዜብህገናን ሰባት እንኸው ከአ እቲ ርኹስ ድያብሎስ ሕጊ ሓጢአት ኣብ ልብና ዝተጻሕፈ ሕጊ ሓጢኣት ከመይ ገይሩ ከም ዜበላሽወና ሃዋርያ ጳውሎስ ብኸምዚ ዚስዕብ ገሊጹልና ኣሎ።ስለዚ እቲ ኣባይ ሓዲሩ ዘሎ ሓጢኣት እዩምበር ኣነ ኣይኰንኩን ዝገብሮ ዘለኹ (ሰናይ ናይ ምግባር) ፍቓድሲ ኣሎኒ ምግባር እቲ ሰናይ ግና ስኢነዮ ኣሎኹ እሞ ነቲ ዘይደልዮ እከይ እገብሮ ኣሎኹ እምበር ነቲ ዚደልዮ ሰናይ ኣይኰንኩን ዝገብሮ ዘሎኹ ስለዚ ኣባይ ማለት ኣብ ስጋይ ሰናይ ከም ዘየልቦ እፈልጥ ኣለኹ፡. . . ብናይ ውሽጢ ሰብሲ በቲ ሕጊ አምላኽ ባህ ይብለኒ እዩ፡ ግናኸ ኣብ ኣካላተይ ምስ ሕጊ (አምላኸይ) ዚዋጋእ ናብቲ ኣብ ኣካላተይ ዘሎ ሕጊ ሓጢኣት ኣቢሉ ዚማርኸኒ ካልእ ሕጊ እርእይ ኣሎኹ። ይዋእ ኣነ ምግዱር ሰብ ካብዚ ናይ ሞት ስጋስ መን ኰን ኬድሕነኒ እዩ፧ ( ሮሜ 717, 22-24)” እቲ ንሕጊ አምላኽ ወይ ንሕጊ ሓጢኣት ክትግዛእ ከለካ ዝምባለ ባህጊ ወይ ምርጫ አየናይ ሕጊ ኣብ ውሽጥኻ ተጻሒፉ ኸምዘሎ ንጹር ምልክትዩ። መንፈስ ቅዱስ ንሕግታቱ ኣብ ልብኻ ዝጸሓፈልካ ምስ ክርስቶስ ሓድሽ ኪዳን ዝገበረ ክርስትያን እንተ ዄንካ፡ ምእዛዝ ከም ጻዕረ ሞት ዝሓዞ ሰብ ብኽንደይ ገድሊ እትፍጽሞ ዘይኰነስ፡ ባህሪኻ ዀይኑልካ ብሓጐስን ብምሉእ እዕረቐትን እትገብሮ ቅዲ ህይወት (lifestyle) እዩ ዚዀነልካ። ብኣንጻሩ ሕጊ አምላኽ ዘይኰነስ ብመንፈስ ሰይጣን ሕጊ ሓጢኣት ኣብ ልብኻ ዝተጻሕፈልካ ሰብ እንተ ዄንካ ድማ ንአምላኽ ምእዛዝ ኣባኻ ባህጊ ዀይኑ ጥራይ ይተርፍ እምበር ንአምላኽ እተሰምር ሓንቲ ሰናይ ግብሪ ኽትገብር ኣይከኣለካንዩ። ምኽንይቱ ኣብ ትሕቲ ባርነትን ምርኮን ናይ ሓጢአት ኢኻ ዘሎኻ። ፍተው አይትፍተው ሓጢአት ካብ ምግባር ኸተዕርፍ ኣይትኽእልን ኢኻ።

ጐይታና መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ  ግና ነቶም ናይ ብሓቂ ምስኡ ሓድሽ ኪዳን ዝአተው፡ ነቲ ንአምላኽ ከይእዘዙ ኣብ ውሽጦም ኰይኑ ዚቃወምምን ዚበአሶምን ዝነበረ ብኢድ ሰይጣን ዝተጻሕፈ ናይ ሓጢአት ጽሕፈት ዕዳ በቲ ኣብ መስቀል ዝፈሰሰ ደሙ ሓጺቡ ስለ ዝደምሰስ ሓጢአት ንምግባር ዜገድዶምን ዚጐትቶምን ዋላ ሓደ የልቦን( ቈሎ 214 ሮሜ 612-14 ሮሜ 812-13) እቶም ሰብ ሓድሽ ኪዳን፡ ብመንፈስ ቅዱስ ደብዳቤ ክርስቶስ ዝዀኑ ክርስትያን፡ሓጢአት ግበርዚብል ድፍኢት ሰይጣንን ሰባትን ኪመጾም ከሎያእ ኣይፋልናን ንሕና ኻብ ሓጢአት ቀደም ዝሞትና ከመይ ኢልና ሕጂ ኣብኡ ኽንነብር፧ ሓጢኣት ናይ ምግባር ዕዳ የብልናንኢሎም ይኣብዩ፧ንጐይታኹም ከይትእዘዝዎ” ( ሮሜ 61,15) ዚብል ሰይጣናዊ ትእዛዝ ሰይፍን ሓውን ብዝተዓጥቁ ሰባት ኪወሃቦም ከሎ ድማ፡ንጐይታና ምእዛዝ ክንሓድግ ኣይኰነልናንኢሎም ብትብዓት ደዉ ይብሉ። ህይወቶም ክሳዕ ምኽፋል ድማ ይጸንዑ ( ግብ 419,20 ግሃ 529) እቶም ናይ ብሓቂ ብምሉእ ልቦምን ብዅሉ ሓይሎምን ንአምላኽ ዜፍቅርዎ፡ ብዘይ ዝዀነ ተረፍን ፍቕሮም ብምልአት ኪገልጽዎ ዚኽእሉ፡ እዚኣቶም እዮም። እቶም ሕጊ ሓጢኣት ካብ ልቦም ብደም ክርስቶስ ዘይተደአምሰሰሎም፡ መንፈስ ቅዱስ ንሕጊ አምላኽ ኣብ ልቦም ጽሑፍ ደብዳቤ ክርስቶስ ዘይገበሮም ሰባት ግና ካብ ሓጢአት ንጊዚኡውን ይኹን ኬዕርፉ ከቶ ኣይክእሉንዮም። ናብ ቤተ ክርስቲያን ኪመላለሱ ንአምላኽ ኬታልልዎ ያኢ ብኣፎም ኬቀባጥሩሉ ይኽእሉ እዮም፡ ( መዝ 7836-37 ኢሳ 2913-14) ንሱ ግና ነቶም ናቱ ዘበሉ ጽቡቕ ገይሩ ይፈጦምዩ። ማሕተም ደሙ ኣውዲቝሎም (2ጢሞ 219 ናሆ 17) ኣብታ ንዅሉ ዘርኢ ኣዳም እተጨንቕ መዓልቲ ፍርዲ ንኣታቶም ኪንሕፎምዩ። ነቶም ከምዚ ዝበሉ ደቁ፡ደቂ ምእዛዝ ደቂ ብርሃን ኣቕሓ ምሕረት ኣቕሓ ኽብሪብዚብል መለኮታዊ ማዕርጋት ይጽውዖም ነቶም ብልሳኖምጐይታይ ጐይታይኢሎም ዜቀባጥሩሉ ንፍቓዱ ምእዛዝ ግና ነውርን ዓቐበትን ኰይኑ ዚረኣዮምክርስቲያን ኢናበሃልቲ ሰባት ግና ደቂ ዘይምእዛዝ ደቂ ጸልማት፡ ኣቕሓ ቝጥዓ፡ ኣቕሓ ውርደትኢሉ ንሰይጣን ዚግባእ መጸውዒ ይህቦም፡(1ተሰ 54 8 ሮሜ 922-25 ኤፌ 56 2ጢሞ 220-21) ኣብታ መዓልቲ ፍርዲ፡ጐይታይ ጐይታይ ክፈተልና ዀታ፡ ኢሎም ምስ ለመንዎ፡ኣቱም ገበርቲ ዓመጻ ዅላትኩም፡ ካበይ ምዃንኩም ኣይፈልጠኩምን ካባይ ርሓቝ ኪብሎምዩ፡(ሉቃ 1325-27) ጐይታና ዘይደብዳቤኡ ኣይቅበልንዩ።እቶም ብደም ክርስቶስ ኣብ ልቦም ዝነበረ ሕጊ ሓጢኣት ደምሲሶም ብመንፈስ ህያው አምላኽ ንትእዛዛት አምላኽ ኣብ ጽላት ልቦም ዘጽሓፉ፡ ነቲ ዝተጻሕፈሎም ትእዛዝ ከኣ ብዓብይ ሓጐስን ፍጥነትን ዝተአዘዙ እሞ ህያዋን ደብዳቤ ክርስቶስ ኰይኖም ኣብዛ ውድቕቲ ዓለምን ኣብ መንጎ ሓጥአንን እናነበሩ ዘገልገልዎ ክርስቲያን ሰባት፡ ምስ ክርስቶስ ኣብ የማን ኣቦ ኪቕመጡን ኪኻብሩንዮም።

እዞም ንፍቕሮም ብብቕዓት ዝገለጹ ሰባት እግዚአብሔር ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ድማ ኣዝዮም የፍቅርዎም። ኣብን ወልድን ከም ዜፍቅርዎም ኣብቲ መሪሕ ጥቕስና ተገሊጹልና ኣሎ። እግዚአብሔር መንፈስ ቅዱስ መቕደሱ ገይሩ ኣባታቶም ንዘለኣለም ብምንባሩን፡ ነቲ መለኮታዊ ቓል ኣብ ልቦም ብምጽሓፍን ነቲ ኣባታቶም ዘለዎ ፍቕሪ ብግብሪ ገሊጽዎ እዩ፡ ብፍቕሪ ስላሴ ዝተጸገወ ሰብ ካብ ምዃንካ ኣይፈልጠካንየ፡ ካባይ ርሓቕካብ ዚብል ጽልኢ ስላሴ ዚኸፍእ መርገምካ እንታይ ኣሎ፧

ነቲ ብተኣዝዞ፡ ፍቕሩ ኣብ ምግላጽ ዝዋሕለለ ሰብ ዝተኣትወ ተስፋ ኸኣ፡ ርእሰይ እገልጸሉ ዚብል መስተንክር ተስፋዩ። ቅዱሳን ሃዋርያት ንጐይታና ኻብ ዝሃብዎ መግለጺ ሓደክርስቶስ እቲ ምስጢር ኣምላኽዚብል እዩ ( ቈሎ 22) በቲ ድሮ ዝተገልጸልካን ኣብ ልብኻ ዝተጻሕፈን ምስጢራቱ ብተኣዝዞ እሙን ኴንካ ምስ ተረኸብካ፡ ካብኡ ዚዓብይ ካልእ ምስጢራት ይገልጸልካ ( ሉቃ 1610) ፍልጠት ምስጢሩ ብዝያዳ እናተገልጸልካ ምስ ከደ ድማ፡ ከም ሃዋርያ ጳውሎስ፡ ንዅሉ ዓለማውያን ስጋውን ረብሓታት ከም ጐሓፍን ከም ውጽዓን ክትቈጽሮ ዓቕሚ ትረክብ። እዚ ድማ ናብ ዝዓመቘ መንፈሳውነት እናእተወ ንምእዛዝካ ከም ዚዓብይ ብምግባር ብምልአት ንክርስቶስ ናብ ምምሳል የዕብየካ።

እምበአር ክቡራት ኣንባብቲ ርእስና ንመርምር!! ካበየኖት ወገን ኢና፧ ካብቶም ንሕጊ ሓጢአት ዚግዝኡ፡ ደብዳቤ ሰይጣን ክነሶምጐይታይ ጐይታይእናበሉ በምልሓሶም ነቲ ፈላጥ-ኵሉ ኪድልሉ (ኬታልሉ) ዚፍትኑ  ዲና፡ ወይስ ካብቶም ትእዛዛቱ ኣብ ልቦም ብመንፈስ ቅዱስ ኣጽሒፎም ደብዳቤ ክርስቶስ ናብ ምዃን ዝዓበዩ፡ ብዕዙዝ ተኣዝዞ ኸኣ ንፍቕሮም ኣብ ምግላጽ ዝተዓወቱ ደቂ ምእዛዝ ኢና፧ ነቲ ዚሓይሽን ንዘለኣለም ዜርብሕን ደኣ ንምረጽ!!

ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ

ዕለት፥ ሰንበትሰነ 14 2020    (ሰነ 7 , 2012 ግእዝ)

ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባባት

ዲያቆን

ንፍቀ ዲያቆን

ንፍቀ ካህን

ወንጌል

ቅዳሴ

1ቆሮ  121-13

1ዮሐ 41-9

ግብ 11-18

ዮሃ 1412-ፍጻሜ

ዘዴስቆሮስ

መዝ 50/5110-11 “ልበ ንጹሐ ፍጥር ሊተ እግዚኦ። መንፈሰ ርቱዐ ሐድስ ውስተ ከርሥየ። ኢትግድፈኒ፡ እምቅድመ፡ ገጽከ

ኣምላኽ፣ ጽሩይ ልቢ ፍጠረለይ፣ ጽኑዕ መንፈስ ከኣ ኣብ ውሽጠይ ሐድስ። ካብ ገጽካ ኣይትደርብየኒ፣ ቅዱስ መንፈስካውን ኣይተግድፈኒ።
ዓዲ

መዝ 50/5111-12 ወመንፈሰከ ቅዱሰ ኢታውፅእ እምላዕሌየ ።ዕሥየኒ ፍሥሓ በአድኅኖተከ። ወበመንፈስ ዓዚዝ አፅንዐኒ።

ካብ ገጽካ ኣይትደርብየኒ፣ ቅዱስ መንፈስካውን ኣይተግድፈኒ።ሓጐስ ምድሓንካ ምለሰለይ፣ ብፍቓደኛ መንፈስውን ደግፈኒ።

 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div