S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ንሓጢኣቶም ምኽንያት የብሎምን

ካብ ኣትራኖስ ቤተ ክርስቲያን - From the pulpit of the Church 

ዓርገ እግዚአብሔር በቃለ ቀርን። በይባቤ ዓርገ ወበቃለ ቀርን፡ ወንበረ ብየማነ አቡሁ።ዓርገ በስብሐት ውስተ ሰማያት ተኰነኑ ሎቱ መላእክት።አምላኽ ብእልልታ እግዚአብሔር ብደሃይ መለኸት ደየበ። ኣብ የማን ኣቡኡ ተቐመጠ። ብክብሪ ናብ ሰማይ ዓረገ፡ መላእክቲ ሰማይ አመስገንዎ።እዚ ናይዚ ዕለት ናይ ወንጌል ንባብና፡ ኣብታ ጐይታና ምስጢረ ቍርባን ዝሰርዓላን፡ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ናይ መወዳእታ  ጊዜ ሓቢሩ ዘምሰየላን ድራር ገንሸል ፋሲካ ዝበልዓላን ምሸት ዝተዛረቦ ቓላት ዝሓዘዩ። ካብዛ ቦታዚኣ ብቐጥታ ናብ ጌተ ሰማኔ ኸይዱ እናጸለየ ኸሎ ተታሒዙ ንጽባሒቱ በጃ ዅላትና ተሰቒሉ ሞተ። ካብ ወንጌል ዮሃንስ ምዕራፍ 13 ክሳዕ ምዕራፍ 17 ዘሎ ዅሉ ኣብ ሓደ ምሸትን ኣብ ሓደ ገዛን ዝተባህለን ዝተገብረዩ።

ኣርእስትና ኣመልኪቱና ኸም ዘሎ እምበኣር፡ ጐይታና ብኣዋጅ፡ ሓጢኣት ዚምኽነየሉ ዘመን ከም ዘብቅዐ ዝገለጸሉ ኣዝዩ ኽቡር መዓልቲ ምዃኑ ኽንርዳእ ንኽእል። ካብቶም ቀዳሞት ወለድና፡ ካብ ኣዳምን ሄዋንን ኣትሒዝና እንተ ረኣና፡ ሓጢኣት ኣብ ዘለዎ፡ ኵሉ ጊዜ ምኽንያት ኣሎ። ክልቲኦም ትእዛዝ ጐይታኦም ኣፍሪሶም፡ ብመንፈሳዊ ዕርቃን ተጠቒዖም፡ ውሽጦም ብሕፍረትን ብፍርሃትን ምስ መልአ፡ እግዚኣብሄር ከም ኵሉ ጊዜ ደሃዮም ኪገብር መጸ።ኣዳም፡ ኣበይ ኣለኻ፧ኢሉ ምስ ሓተተ ድማ፡ እቲ ሓጢኣት ዝወለዶ ምኽንያታት ኪውሕዝ ጀመረ። ኣዳም ንሄዋን፡ ሄዋን ድማ ንተመን ሓጢኣት ናይ ምፍጻም ምኽንያት (ጠንቂ) ከም ዝዀንዎም ጌሮም ኪካስሱን ርእሶም ሓራ ኼውጽኡን ጀመሩ። ካብታ ጊዜቲኣ ጀሚሩ ድማኣስሒቱኒ ወይ ኣስሒታትኒኢሉ ዜመኽንይ እምበር፡ስሒተኢሉ ዚእመን ሰብ ዳርጋ ናብ ዘይምህላው ገጹ በጺሑ ኺበሃል ይከኣልዩ።

ኵላትና ምልስ ኢልና ኣብ ቀረባ ይኹን ኣብ ርሑቕ ሕሉፍ ጊዜ ዝፈጸምናዮ ሓጢኣት እሞ ንዘክር፡ ብኡንብኡ እቲ ሓጢኣት ንበይኑ ጥራሕ ዘይኰነ፡ ምስናይ መመኽነይታኡ ብሓንሳእ ናብ ዝኽሪ ኣእምሮና ህሩግ ኢሉ ይመጻና። ስለዚ ሓጢኣትን ምኽንያትን ዳርጋ ዅሉ ጊዜ ኣብ ሓደ ዘምቢል (package) ተጠርኒፎም ዚኸዱ መጻምድቲዮም ኪበሃል ይከኣልዩ። ኣይነቕልበሉን ኴንና እምበር ምምኽናይ ካብ ሓጢኣት ዝበኣሰዩ። ምኽንያቱ፡ ንሓጢኣት ኬጽድቕ ወይ ቅቡል ኪገብር ዝተሃንደሰ ምህዞ ሰይጣንዩ። እዚ ተቐባልነት ግና ኣብ ኣእምሮ ናይቲ ፈጻሚኡ ሰብን ኣብ ከባቢኡ ኣብ ዚርከቡ ብምኽንያት ዚናበሩ ሓጥኣን ሰባትን እምበር፡ ኣብ እግዚኣብሄር ኣይርከብንዩ።

ወዲ ሰብ፡ ብሰሪ ሓጥእ ባህርዩ፡ ብምኽንያታት ዝተሃንጸ መንነት ዘለዎ። ስለዚ ድማ ዋላ ነቲ ንፍትሓዊ ምሕደራ ኢሉ ዝሓንጸጾ ሕግታቱኳ፡ ኣብ ምኽንያት ወይ ድርኺት (intent evidence) ዝተሰረተ ገይሩ ዚሃንጾ። ብቕዓት ናይቲ ዝቐረበ ምኽንያት፡ ኣብ ምቕላል ይኹን ኣብ ምኽባድ ናይቲ ፍርዲ ዓብይ ግደ ኣለዎ። ኣብ ኵሉ ሰብኣዊ ዝምድናታትን ምውሳኣትን (interactions) ብምኽንያት ስለ ዚሰርሕ፡ ኣብቲ ምስ ኣምላኽ ዘለዎ ዝምድናን ምውሳእንውን ኣብ ምኽንያት መሰረት ገይሩ ኼመሓድሮ ይደልይ። ነቲ ምስ ኣምላኽ ዘለዎ ብዓይነቱ ኣዝዩ ዝተፈልየ ዝምድና፡ ልክዕ ምስ ናይ ሰብ ኣመሳሲሉ ኼነባብሮ ምፍታኑ ድማ ኵሉ ጊዜ ፍሹል ኪኸውን ይገብሮ ኣሎ። ስለዚ ድማ፡ጠምየ ዝሰረቕኩ፡ ኣሕሪቑኒ ዝሃረምክዎ፡ በዲሉኒ ዝተቐየምክዎ፡ ፈቲኑኒ ዝዘመኹ፡ ውሒዱኒ ዘይሃብኩ ወዘተዚብል ምኽንያታት ኪድርድር ይነብር። እቲ ልክዕ ከምኡ ብምኽንያት ዚናበር ሰብ፡ሓቅኻ ኢኻ፡ ኣነ እንተ ዝኸውንሲ ካብኡ ዝገደደ ምገበርኩዚብል ድጋፍ ስለ ዜስምዖ፡በዲለዚብል ወቐሳ ሕልና ዘይኰነስ፡ ንርእሱ ብቑዕ መልሰ-ግብሪ ኸም ዝሃበ ጅግና ገይሩ ይቘጽራ።

ኣብ እግዚኣብሄር ግናምኽንያትዚበሃል ፈጺሙ ኣይሰርሕንዩ። ምኽንያት ወይ ምስምስ፡ ንንስሓ ሰብን ንምሕረት ኣምላኽን ዚዓግት ርእሱ ዝኸኣለ ሓጢኣትዩ። እቲ ሰብ ብዝተሰብረ ልቢ ሓቀኛ ንስሓ ኸይኣትው፡ ነቲ ኣበሳኡ ብዝተደርደረ ምኽንያታት፡ ናብቅቡል ሓጢኣትለዊጡ፡ ከም ጽድቂ ኪቘጽሮ ዚተርፎ የብሉን። ኣብ እግዚኣብሄር ከኣቅቡል ወይ ምኽኑይ ሓጢኣትዚበሃል ስለ ዘየለ፡ ብጥበራዊ ንስሓ ሕድገት ኣይገብርን፡ ምሕረቱ ኸኣ ኣይህብንዩ።

እግዚኣብሄር በቲ ሓቀኛ መገዲ ኽንመላለስ ካብ ዚገብሮ ዓበይቲ ተግባራቱ ሓደ፡ምኽንያት ምኽላእእዩ። ሃዋርያ ቕዱስ ጳውሎስ፡ ነዚ ምስጢር ንሰብ ሮሜ ብኸምዚ ዝስዕብ ገሊጹሎም ኣሎ፡ ቍጥዓ ኣምላኽ፡ ኣብ ልዕሊ ኽፍኣትን ሓጢኣትን ናይቶም ብኽፍኣቶም ንሓቂ ዚኸድንዋ ሰባት፡ ካብ ሰማይ ይግለጽዩ። ኣምላኽ ስለ ዝገለጸሎም፡ እቲ ብዛዕባ ኣምላኽ ኪፈልጥዎ ዚግባእ፡ ኣብኣቶም ግሉጽዩ። ከመይ ዜመኻንይዎ ምእንቲ ኺስእኑ፡ እቲ ዓለም ካብ ዚፍጠር ጀሚሩ ተራእዩ ዘይፈልጥ ባህርይ እግዚኣብሄር፡ ማለት ዘለኣለማዊ ሓይሉን መለኮቱን፡ ብፍጥረቱ ኣዝዩ ተጋህደ።ሮሜ 118-20

ስለዚ ዝዀነ ይኹን ሰብ፡ ዋላ ኣምላኽ መን ምዃኑ ዜፍልጦን ዚምህሮን ሰብ እንተ ዘይረኸበኳ፡ ኣምልኾት ዘይብሉ ሰብ ወይውን ኣምላኺ ጣኦት ኪኸውን ዝዀነ ይኹን ምኽንያት ኪህልዎ ኣይክእልንዩ። ዋላ ብዛዕባ እግዚኣብሄር ዜስተምህሮ ሰብን ቅዱሳት ጽሑፋትን ኣይርከብ፡ እግዚኣብሄር ብዛዕባ መንነቱን ባህርዩን ኣሉ ብዘይብሃል መገዲ ኣብ ፍጥረት ኣንጸባሪቑ ስለ ዘሎ፡ ዝዀነ ይኹን ሰብ ንእግዚኣብሄር ከይፈለጦ ኺተርፍ ምኽንያት የብሉን።

ሃዋርያ ቕዱስ ጳውሎስ፡ ካብዚ ናይ ተፈጥሮ መርትዖ ሕልፍ ኢሉውን ካልእ ዝዓበየን ዝዓመቘን ካልእ መርትዖ ንሰብ ሮሜ ኣቕሪቡሎምዩ። እቶም ሕጊ-ኣምላኽ ብጽሑፍ መልክዕ ዘይተዋህቦም ኣህዛብ፡ ማዕረቶም ሕጊ ኣምላኽ ዝተዋህቦም ኣይሁድ ከም ዘይፍረዱ ዚሓስቡ የዋሃት ሰባት ኣብ ናይ ሮሜ ቤተ ክርስትያን ስለ ዝነበሩ፡ ነዚ ምኽንያት (ምስምስ) እዚ ዚፍውስ፡ ንምኽንያት ዚኸውን ነቓዕ ዘይህብ ምስጢር ብኸምዚ ዚስዕብ ገለጸሎም፦ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ እቶም ገበርቲ ሕጊ ደኣዮም ዚጸደቁ እምበር፡ ሰማዕቲ ሕግስ ጻድቃን ኣይኰኑንሞ፡ እቶም ብዘይ ሕጊ (ሕጊ ዘይብሎም ኰይኖም)ሓጢኣት ዝገበሩ ዘበሉ ብዘይ ሕጊ ኺጠፍኡ እዮም፡ እቶም ሕጊ ኸለዎም ሓጢኣት ዝገበሩ ዘበሉ ዅላቶም ከኣ በቲ ሕጊ ኺፍረዱ እዮም። እቶም ሕጊ ዘይብሎም ኣህዛብ፡ ሕልናኦም እናመስከረሎም ሓሳቦምውን ንሓድሕዱ እናተኻሰሰ ወይስ እናተኸላኸለ፡ እቲ ግብሪ ሕጊ ኣብ ልቦም ጽሑፍ ምዃኑ የርእዩ ኣለዉሞ፡ ነቲ ኣብ ሕጊ ዘሎ ብባህርዮም ተደሪኾም ካብ ዚገብርዎስ፡ ንሳቶም ሕጊ እንተ (ዘይሃለዎም) እኳ፡ ንርእሶም ሕጊ እዮም። በታ ኸም ወንጌለይ ገይሩ፡ ኣምላኽ ንምስጢራት ሰብ ብኢየሱስ ክርስቶስ ዚፈርደላ መዓልቲ፡ ከምኡ ኪኸውንዩ።ሮሜ 212-16

ስለዚ ይትረፍ ክርስትያን ኴንካ፡ ሕጊ ዘይብሉ ኣረማዊ ዄንካ ንሓጢኣትካ ምኽንያት ኪህልወካ ኣይክእልንዩ። ኣብ ሕጊ ናይቲ ኣብ ከባቢኻ ዘሎ ተፈጥሮ፡ንኣምላኽ ፍለጦን ኣኽብሮንዚብል ትእዛዝ ብዘይ ፊደላት ተጻሒፉ ኣሎ። እቲ ዘየስተውዕል ልብኻ ጸልሚቱ፡ ሓሳብ ኣእምሮኻ ከንቱ ዀይኑ፡ ብለባምካ ዓሺኻ ነዚ መልእኽቲ ፍጥረት ከተንብቦን ከተስተውዕሎን እንተ ዘይክኢልካ ድማ፡ እተቕርቦ ምኽንያት ምእንቲ ኸይህልወካ፡ ኣብ ውሽጥኻ ሕጊ-ሕልና ተጻሒፉልካ ኣሎ። ስለዚ ድማዩ፡ ሕማቕን ጽቡቕን ኢሉ ፈላልዩ ዝመሃረካ ዘይብልካ ኽነስኻ፡ ሕማቕ ክትገብር ከለኻ ሕልናኻ ዚወቕሰካ፡ ሰናይ ክትገብር ከለኻ ድማ ዚንእደካ። ነዚ ውሽጣዊ ሕጊ ጥሒስካ ዜኽይድ ዝዀነ ይኹን ብቑዕ ምኽንያት የልቦን። ከም ኖህ፡ ኣብርሃም፡ ይስሓቅ፡ ያእቆብ፡ ዮሴፍ ዝኣመሰሉ ቕዱሳን ናይ እምነት ኣቦታትና፡ ኣብ ዘመኖም ሕጊ ኣምላኽ ኣይተዋህቦምን። ሕገ-ተፈጥሮን ሕገ-ሕልናን ብዝገለጸሎም ሓቅታት ተመሪሖም ንኣምላኽ ምስ ኣስመርዎ ግና፡ ብኣካል ተገሊጹ ተራእዮም፡ ብመንፈሱን ብቓሉን ድማ ኪመርሖም ጀመረ። እዞም ቅዱሳን ኣቦታትዚኣቶም፡ ሕጊ ኣብ ዘይተዋህበሉ ዘመን፡ ልዕሊ ሕጊ ሙሴ ጸብለል ኢሎም ብሕጊ ሓድሽ ኪዳን ዝተመላለሱ ኣርኣያና እዮም። ስለዚ ድማ እግዚኣብሄር ኣቦ፡ ነቲ ብደሙ ሓድሽ ኪዳን ዜቕውም ሓደን ቅዱስን ወዱ ብስጋ ኻባታቶም ኪውለድ በቲ ፍትሓዊ ባህርዩ ወሰነ።

እግዚኣብሄር ካብ ቀደሙ ምኽንያት ዚኸልእ ፍጹም ኣምላኽ ምዃኑ፡ ካብ ጥንቲ ኣትሒዙ ዝተፈልጠ ባህርዩ እንተ ዀነኳ፡ እግዚኣብሄር ወልድ ስጋና ለቢሱ ብኣካል ኣብ ማእከልና ድሕሪ ምምልላሱን ምእንታና ሞይቱን ተንሲኡን ኣብ የማን ኣቦ ድሕሪ ምቕማጡን ግና፡ ንምኽንያት ዘበለ ዅሉ ሓንሳእን ንሓዋሩን መኸተምታ ተገይሩሉዩ። መሪሕ ጥቕስና ድማ፡ኣነ መጺአ እንተ ዘይነግሮም ሓጢኣት ኣይምዀኖምን ነይሩ፡ ሕጂ ግና ንሓጢኣቶም ምኽንያት የብሎምን።

ኢሉ ነዚ ሓቂ ኣረጋገጸልና። ስለዚ እቲ ብክርስቶስ ክርስትያን ኰይኑ ብጥምቀትን ሜሮንን ካብ ኣብራኽ መንፈስ ቅዱስ ዝተወልደ ዘበለ ዅሉ፡ ብዝዀነ ዓይነት ምኽንያት ኣመኽንዩ ሓጢኣት ኪገብር ኣይግብኦንዩ። ናይ ሰብ ነገር ኰይኑ ኣብ ሓጢኣት ምስ ዚወድቕ ድማ፡ ብዛዕባ ሓጢኣቱ ዝዀነ ይኹን ምኽንያት ከየቕረበ ብሓቀኛ ንስሓ ብደም ክርስቶስ ኪሕጸብ ይግባእ። ነቶም ብምኽንያት ዚሓጥኡ፡ ድሕሪ ምሕጣኦም ድማ፡ ንንጽህና ንስሓኦም ብምኽንያት ዚብክሉ ዅላቶም ግና ደም ክርስቶስ ንፍርዶም እምበር ንድሕነቶም ኣይኪዀነሎምንዩ።

ድኹም ሰብ ሰለ ዝዀንኩኢልና ከይነመኽንይ፡ ክርስቶስ እታ ንሕና ዝለበስናያ ድኽምቲ ስጋ ለቢሱ ብዘይ ሓጢኣት ብምምልላስ ንምኽንያትና ቐተሎ። በደል ሰባት ንምሕጣእና ኸም ምኽንያት ከይንጥቀመሉ፡ ጐይታና ኣብ ልዕሊኡ ብሰባት ንዝወረደ ኸቢድ በደል፡ ብዜደንቕ ትዕግስትን ብመስተንክር ምሕረትን ንጽድቂ ተጠቕመሉ እምበር ንምሕጣእ ስለ ዘይተጠቕመሉ፡ ነቲ ኣብ ሓጢኣት ኣሊኹና ዚነብር ዘሎ ዝዓበየ ምኽንያት ንዘለኣለም ከንቱ ገበሮ (ሉቃ 2334 እብ 122,3) ንኣና ድማ የማናይ ምዕጕርትና ንዚወቕዓና እታ ኻልኣይቲ ኽንቅርበሉ፡ ነቶም ዚብድሉናን ዚጸልኡናን ከነፍቅር ምእንትኦም ክንጽልይ ኣዚዙ ነቲ ሰይጣን ዘዕጠቐና ናይ ምኽኒት ኣጽዋር ፈቲሑ ደርበዮ (ማቴ 538-41,43-48 1022 ሉቃ 2119) እምበኣር ድሕሪ ሕጂ ንምኽንያት ክንዋግኦን ከነጥፍኦን እምበር ከም ኣጽዋር ከይንዕጠቖን ከይንጥቀመሉን ክንጥንቀቕ ይግብኣና። ምኽንያት ዘጽዋሩ ሰብ፡ ናይ ሰይጣን እምበር  ናይ ክርስቶስ ዓቀይታይ ኪኸውን ከቶ ኣይክእልንዩ። ሓጢኣት ንምግባር ወይውን ዝፈጸምናዮ ሓጢኣት ንምኽዋል ወይ ንምቕላል፡ ሰይጣን ካብቲ ዘምቢሉ ሓደ ምኽንያት ኪቕርበልና ኸሎ፡ ነቲ ንምኽንያት ምእንቲ ኼጥፍእ ዝተገልጸን መከራ ዝጸገበን ክርስቶስ፡ሃየ እንካ በዚ ጌርካ ደጊምካ ውግኣዮኢሉ ይድርኸና ኸም ዘሎ ነስተውዕል። ምኽንያት እናኣብዛሕካ፡ ናይቲ ምኽንያት ምእንቲ ኼጥፍእ ዝተሰቕለ ክርስቶስ ወዲ መዝሙር ክትከውን ኣይከኣልንዩ። ናይ ብሓቂ ናይ ክርስቶስ ወተሃደርን ወደ መዝሙርን እንተ ዄንካ፡ ምስኡ ወጊንካ ንምኽንያት ክትዋግኦ ዚግባእ።

ሓደ ክርስትያን፡ ነዚ ናይ ክርስቶስ ምኽንያት ናይ ምኽላእ መለኮታዊ ተልእኾ ብኽልተ መገዲ ኺፍጽሞ ይኽእል። እቲ ቐዳማይ መገዲ ነቲ ናይ ምኽንያት ፍቱን መድሃኒት ዝዀነ ቕዱስ ወንጌል ኵሉ ሰብ ብዕምቈት ኪፈልጦ ብምግባርዩ። ንሓደ ሰብ ከም ዚግባእ ጌርካ ወንጌል እንተ ምሂርካዮ ንሓጢኣቱ ምኽንያት ትኸልኦ ስለ ዘለኻ፡ ብናይ ገዛእ ርእሱ ደም ሓላፍነት ወሲዱ ተሓታቲ ትገብሮ ኣለኻ ማለትዩ። እንተ ዘይምሂርካዮ ግን ባዕልኻ ምኽንያት ተዕጥቖ ስለ ዘለኻ ዕዳ ደሙ ባዕልኻ ክትጾሮ ኢኻ (ግሃ 2020,21,24-27,31 ሮሜ 114,15 1ቈረ 916,17 ) እቲ ኻልኣይ መገዲ ድማ፡ ሰባት ብኣኻ ኣመኽንዮም ዚሓጥኡሉ ምኽንያት ምኽላእዩ። ሰባት ናብ ሓጢኣት ዚወድቁሉ መዓንቀፊ ምኽንያት ትኸውን እንተ ዄንካ፡ ንሰባትምኽንያትእተዕጥቕ ናይቲ እኩይ ድያብሎስ ዓቀይታይ ኢኻ። ሃዋርያ ቕዱስ ጳውሎስ ግና፡ግናኸ በቲ ዚምክሑሉ ኸማና ዀይኖም ምእንቲ ኺርከቡ፡ ነቶም ምኽንያት ዚደልዩ ምኽንያት ምእንቲ ክኸልኦም ኢለ፡ ነቲ ዝገብሮ ኽገብሮየ።

ብምባል ንሰባት ምኽንያት ኪኸልእ ዝተዓጥቀ ዓቀይታይ ክርስቶስ ብምዃን ኣርኣያ ሓዲጉልና ኣሎ (2ቈረ 1112) ዓንቀፍቲ ግና ምኽንያት ዜፍርዩ ፋብሪካታት ስለ ዝዀኑ፡ምናዳ ነቲ ብሰሩ መዓንቀፊ ዚመጽእ ወይልኡተባህለሎም (ማቴ 187)።እምበኣር ንጠንቀቕ፡ ከምቶም ምኽንያት ዝዕጥቆም ዓቀይቶት ሰይጣን ኣይንኹን። ከምቶም ወንጌል ብምስባኽ ዕጥቂ-ምኽንያት ብዘይ ምፍታሖም ዘይግብኦም ዕዳ-ደም ዚስከሙ ዓያሱውን ኣይንኹን። ካብ ኵሉ ዝኸፍአ ግና ብልሳንናን ብመጋብርናን ንሰባት ምኽንያት ዜዕጥቑወይለኹምዝተባህለሎም ኣጋንንቲ ኣይንኹን። ከም ጐይታናን ከም ቅዱሳኑን ዕጥቂ-ምኽንያት ናይ ምፍታሕ ቅዱስ ምርጫ ደኣ ነልዕል!!

ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

 ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ

ዕለት፥  ሰንበት, 21 ሰነ 2020  (ሰነ 14 , 2012 ግእዝ)

ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባባት

ዲያቆን

ንፍቀ ዲያቆን

ንፍቀ ካህን

ወንጌል

ቅዳሴ

ኤፌ 115-ፍጻሜ

1ዮሐ 220-29

ግብ 1036-ፍጻሜ

ዮሃ 157-19

ዘዴስቆሮስ

መዝ 46/475-6 “ ዓርገ እግዚአብሔር በይባቤ። ወእግዚእነ በቃለ ቀርን። ዘምሩ ለአምላክነ ዘምሩ።

አምላኽ ብእልልታ እግዚአብሔር ብደሃይ መለኸት ደየበ። ምስጋና አምላኽ ዘምሩ፡ ዘምሩ። ምስጋና ንጉስ ዘምሩ ዘምሩ።

 

 

 

 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div