S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

መጸናንዒ ኽሰደልኩም’የ!!

ካብ ኣትራኖስ ቤተ ክርስቲያን - From the pulpit of the Church

ዘምሩ ለእግዚአብሔር ጻድቃኑ።እስመ ተንሥአ ክርስቶስ እሙታን። ትርጉምጻድቃኑ ንእግዚአብሔር ዘምሩ፡ ክርስቶስ ካብ ምውታት ተንሲኡዩሞ።ብዚ ቅድስቲ ቤተ ክርስትያና ነዚ ዕለት ሰሪዓቶ ዘላ ናይ ቅዱስ ወንጌል ንባብ፡ ጐይታና ነቶም ሽዑ ብኣካል ምስኡ ዝነበሩ ደቀ መዛሙርትን ነቶም ድሕሪኦም እንኣምን ኵላትናን፡ ኣዝዩ ዓብይ ተስፋ ሂቡና ኣሎ። ንሱ ኸኣ፡ መጸናንዒ ኸም ዚሰደልና ዚገልጽ ተስፋዩ። ዳርጋ ዅላትና ብጓህን ሓዘንን ስለ እንሓልፍ፡ መጸናንዒ ምርካብ ማዕረ ኽንደይ ከም ዜገድሰና ዚስሕቶ ሰብ ኪህልው ኣይክእልንዩ። እቲ ንልባትና ኻባና ንላዕሊ ዚፈልጦ ጐይታ ድማ፡ ኣድላይነት ምጽንናዕ ጽቡቕ ገይሩ ስለ ዚርዳእ፡ መጸናንዒ ኸም ዚሰድደልና ባዕሉ ኣተስፈወና። እዚ ቓል ተስፋ ድማ ኣብ ልብና ሓዲሩ፡ ኣርእስቲ ጸሎት ይዀነልና እሞ፡ እግዚኣብሄር ኬጸናንዓና ኽንጽልይ ይድርኸና።

እዚ፡መጸናንዒተባሂሉ ዘሎ ድማ፡ እቲ ሳልሳይ ኣካል ቅድስት ስላሴ ዝዀነ እግዚኣብሄር መንፈስ ቅዱስዩ። ከም ፍጹም ኣምላኽ መጠን ኵሉ ዚፈልጥ፡ ልብን ኰላሊትን ከኣ ዚምርምር ኣምላኽዩ። ጐይታና ገሊጹልና ኸም ዘሎ፡ እዚ መንፈስ ሓንሳእ ኣብ ውሽጥና ምስ ሓደረ፡ ንዘለኣለም ምሳና ዚነብርዩ1 ኣብ ጊዜ ሓጐስና ዀነ ኣብ ጊዜ ሓዘንና ኻባና ፈጺሙ ስለ ዘይፍለይ፡ ብቑዕን ሓቀኛን መጸናንዒዩ። ሰብ፡ ንውሽጥና ስለ ዘይፈልጥ፡ እቲ ኣብ ውሽጥና ተሓቢኡ ዜሳቕየናን ዜሕዝነናን እንታይ ምዃኑ ኺርድኣልና ኣይክእልንዩ። ስለዚ ንጊዜኡ ኼደዓዕሰና እምበር ብምልኣት ኬጸናንዓና ኣይክእልንዩ። እቲ ብረድኤትን ምርሒትን ናይ መንፈስ ቅዱስ ዜጸናንዕ ሰብ እንተ ዘይኰይኑ፡ እቲ ዝተረፈ ኻልእ ኵሉ ሰብ ግና ዘይጠቅም መጸናንዒዩ።

እግዚኣብሄር መንፈስ ቅዱስ ግና፡ ብዘይካ ባዕሉ ብውሽጥና ዚህበና ምጽንናዕ፡ ንምጽንናዕ ዚዀኑ ኻልኦት ምንጭታት ኪጥቀም ዚኽእል ምዃኑ እቲ ዝበለጸ መጸናንዒ ይገብሮ። ንሰባት፡ ንዅነታት፡ ንቓል-እግዚኣብሄር ተጠቒሙ ዓብይ ምጽንናዕ ኪህበና ይኽእልዩ። ሰባት፡ ብቓል ይኹን ብግብሪ ዜጸናንዕ ተግባር ኪፍጽሙ ኼለዓዕሎም፡ ኪድርኾም፡ ኬወሃህዶም ይኽእልዩ። ብሓደ ዅነታት ዓሚቝ ጓሂ ኣብ ዝተሰምዓካ እዋን፡ ነቲ ጓሂኻ ውሒጡ ዜጥፍእ፡ ዜጕድል ወይውን ክትቅበሎ ዜኽእል ካልእ ኵነታት ብምፍጣር ምጽንናዕ ይህብዩ። (ዮሃ 1416,17)

ኵሉ ጊዜ ግና፡ እቲ ነጻ ፍቓድን ምስትውዓልን ናይ ወዲ-ሰብ ወሳኒ ተራ ኸም ዘለዎ ኺዝንጋዕ ኣይግባእንዩ። ሓደ ሰብ፡ ነቲ መንፈስ ቅዱስ ካብ ጓሂኡ ኼጸናንዖ ኢሉ ዚገብሮ ገድሊ ኼስትውዕሎ ወይውን ዘይከስተውዕሎ ዚከኣልዩ። ዋላ እንተ ኣስተውዓሎውን፡ ኪቕበሎ ወይ ዘይኪቕበሎ ኣብቲ ናቱ ነጻ ፍቓድ ዚምርኰስዩ። ወዲ ሰብ ካብ ንምጽንናዕ ንላዕሊ ነቲ ጓሂ ኺመርጾ ብዙሕ ጊዜ ተራእዩ እዩ። እቲ ወሳኒ እምበኣር፡ እቲ ናይ መንፈስ ቅዱስ ምጽንናዕ ናይ ምሃብ ጽቡቕ ፍቓድን ብቕዓትን ዘይኰነስ፡ እቲ ናይቲ ውልቀ ሰብ ድልየትን ምቕባልን እዩ። እግዚኣብሄር መንፈስ ቅዱስ ኣመንጊጉ ኣየጸናንዕንዩ። ነቶም ንእኡ ዜፍቅሩ፡ ንእኡ ዜሐጕስ ጥራሕ ዚሓርዩ፡ ብእኡ ዚምርሑ፡ ንፍቓዱ ዚፍጽሙን ዜኽብሩን ዜጸናንዕ። እቶም ከምዚ ዝዓይነቱ ህይወት ዘለዎም ሰባት፡ ንምጽንናዕ ብዘይካ ኻብቲ ወሃቢ መንፈስ ቅዱስ ካብ ካልእ ኣይደልይዎን፡ ኣይጽበይዎን ከኣዮም። ነቲ ንሱ ብረቂቕ ጥበቡ ዚገብረሎም ግብሪ ምጽንናዕ የለልይዎን የስተውዕልዎን እምበር ኣይስሕትዎንዮም። ካብ ፍቓዶም ንላዕሊ ንፍቓዱ ስለ ዜኽብሩ፡ ነቲ ብፍቓዱ ዚሓልፍዎ ዘለዉ ዅነታትን ነቲ ናቱ ምርጫ ናይ ምጽንናዕን፡ ብጸጋን ብሓጐስንዮም ዚቕበልዎ።

እቲ ኣብ ኵሉ ገጻት ናይ ህይወቱ፡ ንማለቱ ዘይዝክሮ፡ ንገዛእ ርእሱ እምበር ንመንፈስ ቅዱስ ዜሐጕስ ዘይሓርይ፡ ፍቓድ ናይቲ ዝሓደሮ ኽቡር መንፈስ ኪግህስን ኬፍርስን ዚነብር፡ ዜሕዝን ኵነታት ኣብ ዘጋጠሞ እዋን ጥራሕ ንመንፈስ ቅዱስ ዚደልዮን ናቱ ምጽንናዕ ዚብህግን ሰብ ግና፡ መንፈስ ቅዱስ ኬጸናንዖ ኪጽበይ ኣይግብኦንዩ። ብኣንጻሩ እቲ ኣብ ውሽጡ ሓዲሩ ዘሎ መንፈስ ቅዱስ ምጽንናዕ ዜድልዮ። ከምኡ ጌርና ምእንቲ ኸይንብድሎ ድማዩ፡ ሃዋርያ ቕዱስ ጳውሎስ፦ነቲ ንመዓልቲ ምድሓን እተሓተምኩምሉ ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ኣይተጕህይዎ።ብምባል ዘጠንቀቐና (ኤፌ 430) ነቶም ንእኡ ንምጕሃይ ዝተዓጥቁ ሰባት እንታይ ከም ዚገብሮም ድማ፡ንሳቶም ግና ዓለዉ፡ ንቕዱስ መንፈሱ ኸኣ ኣጕሃዩ፡ ስለዚ ጸላኢኦም ኰነ፡ ባዕሉውን ተዋግኦም።ብምባል ነብዪ ኢሳይያስ ገሊጹልና ኣሎ (ኢሳ 6310) እምበኣር፡ ንባዕሉ ነቲ መጸናንዒ እናኣጕሃኻ፡ ካብኡ ምጽንናዕ ምጽባይ ድርቅናን ላግጽን እምበር ጥዕና ዘለዎ ትጽቢት ኣይኰነን።

ቅድስቲ ቤተ ክርስትያን ብምስጢረ ሜሮን ምልኣት መንፈስ ቅዱስ ካብ ዘጸገወትና ዕለት ጀሚርና እምበኣር፡ ነቲ ምንጪ ምጽንናዕ ዝዀነ መንፈስ ቅዱስ ብዜኽብር ህይወት ክንነብር ይግብኣና። ንዘለኣለም ኣብ ውሽጥና ኺነብር ዝተዋህበና መንፈስ እንተ ዀነ፡ ሉኣላዊ ፍቓድን ስልጣንን ዘለዎ መለኮታዊ ኣምላኽ ምዃኑ ኸኣ ኺዝንጋዕ ኣይግባእንዩ። መስፈር ሓጢኣትና መሊኡ፡ ኪኖ ደረት-ንስሓ እንተ ሓሊፍና ንሓዋሩ እንተ ቐቢጹና፡ ሓዲጉና ኺወጽእን ንሓዋሩ ኺፍለየናን ይኽእልዩ። ንጉስ ሳኦል፡ ናይዚ ዜሕዝን ታሪኽ፡ ዓይነታዊ ኣብነትዩ። ካብ ምድላይ ዝጠፍኣ ኣእዱግ ወሲዱ ንንግስነትን ንነብዪነትን ምስ ቀብኦ፡ ዘይነበሮ ኻልእ ሓድሽ ልቢ ሃቦ። ሳኦል ግና፡ መን ልዕል ከም ዘበሎ ግዲ ዘንጊዑ ዀይኑ፡ ንፍቓድ ናይቲ ዘኽበሮ መንፈስ ቅዱስ እናረገጸ፡ ከም ፍቓድ ርእሱ ምግባር ስርሐይ ኢሉ ተተሓሓዞ። እግዚኣብሄር መንፈስ ቅዱስ ኪፍለዮ ኸም ዝመረጸ ኸኣ፡ ቃል እግዚኣብሄር፡መንፈስ እግዚኣብሄር ድማ ካብ ሳኦል ረሓቐ፡ ካብ እግዚኣብሄር ከኣ ክፉእ መንፈስ ይሳቕዮ ነበረ።ብምባል ገሊጹልና ኣሎ (1ሳሙ 1614)  ስለዚ ጸላኢ መንፈስ ቅዱስ ክትከውን እንተ መሪጽካ፡ ምጽንናዕ ዘይኰነስ ብቕዛነትን ብጭንቀትን ክትሳቐይ፡ ንዜሳቕዩ ርኹሳት መናፍስቲ ኣሕሊ ዚህበካ። ስለዚ ድማ፡መንፈስ ቅዱስ ኣይተጥፍኡ።ተባሂልና ተማዒድና ኣሎና (1ተሰ  519) 

ንጉስ ዳዊት ኣብ ባትሴባን ኡርያን በዓል ቤታን ዜነውር ዓመጻ ድሕሪ ምፍጻሙ፡ እቲ ዝወዓሎ ኣበሳ ንመንፈስ ኣምላኽ ዜርሕቕ ከቢድ ኣበሳ ምዃኑ፡ ቀልጢ ተገንዘበ። ከይደንጐየ ድማ ናብ ኣምላኽ፦ ኣምላኽ ጽሩይ ልቢ ፍጠረለይ፡ ጽኑዕ መንፈስ ከኣ ኣብ ውሽጠይ ሓድስ። ካብ ገጽካ ኣይትደርብየኒ፡ ቅዱስ መንፈስካውን ኣይተግድፈኒ። ሓጐስ ምድሓንካ ምለሰለይ ብፍቓደኛ መንፈስውን ደግፈኒ።ብምባል ጸለየ (መዝ 5110-12)

ኣጸቢቕና ኸነስተውዕለሉ ዚግብኣና ሓደ ነጥቢ ግን ኣሎ። ንሱ ኸኣመንፈስ ቅዱስ ንኸመይ ዝበለ ጓሂ ዜጸናንዕ፧ዚብልዩ። ኣብ መስርሕ ህይወት ንሰባት ዜጋጥምዎም ዜጕህዩ ዅነታት ብዓይነቶም ኣዝዮም ብዙሓትዮም። ገሊኡ ዓይነት ጓሂ፡ ብባህርዩ ዓለማውን ካብ ጽድቂ ዚዕንቅፍን ዘይተደላዪ ጓሂዩ። እቲ ዝተረፈ ድማ ንኣምላኽ ዜሐጉስ፡ ጻማን ምጽንናዕን ዚግብኦ ተደላዪ ጓሂዩ። ጐይታና፡ምስላ ዘርእን ዘራእንኬስተምህር ከሎ፡ ቃል ወንጌል ኣብ ህይወትና ፍረ ኸየፍርይ ዚሓንቆ ዓይነት ጓሂ ኸም ዘሎ፡ ገሊኡ ኣብ እሾዅ ወደቐ። እቲ እሾዅ ድማ ዓበየ ሓነቖውን።  . . .እቲ ኣብ እሾዅ እተዘርአ ኸኣ፡ ነቲ ቓል ዚሰምዖዩ፡ ጓሂ ዓለምዚኣን ምዕሻው ሃብትን ግና፡ ነቲ ቓል ይሓንቆ፡ ከይፈረየውን ይተርፍ።

ብምባል ገለጸልና (ማቴ 137,22) ሃዋርያ ቕዱስ ጳውሎስውን ተመሳሳሊ ሓሳብ ጽሒልና ኣሎ። ኣብ መንጎ ቕቡልን ዘይቅቡልን ጓሂ ዘሎ ፍልልይን ውጽኢቱንውን ገሊጹ ኣሎ፦ከም ፍቓድ ኣምላኽ ምጕሃይ ናብ ድሕነት ዜብጽሕ ንስሓ የስዕብ፡ ኣየጣዕስን ከኣዩ። ጓሂ ዓለም ግና ሞት የስዕብ። እንሆ፡ እዚ ኸም ፍቓድ ኣምላኽ ዝጐሃኹምዎ ኽትጽዕቱን ካብ በደል ንጹሃት ምዃንኩም ከም እተረድኡን ገበረኩም። ጽልኢ ሓጢኣትን ፍርሃት እግዚኣብሄርን ከም ዚህልወኩምን ንኣይ ከም እትናፍቑን መንፈሳዊ ቕንኣት ከም ዚሓድረኩምንብቕንዕና ኸም እትፈርዱንውን ገበረኩም። በዚ ነገር (በዚ ጓሂ)ብዅሉ ንጹሃት ከም ዝዀንኩም ገለጽኩም።(2ቈረ 710,11 .)

እምበኣር ካብዚ ዝተጠቕሰ ቓላት፡ መንፈሳውን ዘለኣለማውን ሞት ዜስዕብ ዓለማዊ ጓሂ፡ ከምኡውን ከም ፍቓድ ኣምላኽ ዝዀነ ንኣምላኽ ዜሐጕስ ኣብ ህይወትካውን ብዓይነቱ ዀነ ብመጠኑ ኣገደስቲ መንፈሳዊ ፍረታት ከተፍርይ ዚረድእ መንፈሳዊ ጓሂውን ከም ዘሎ ተገንዚብና ኣሎና። እምበኣር ኣስዒብና፡እቲ መጸናንዒ መንፈስ ቅዱስ ነየናይ ዓይነት ጓሂ ዜጸናንዕ፧ኢልና ኽንሓትት ይግብኣና። ብርግጽ ነቲ ኸም ፍቓድ ኣምላኽ ዝዀነ ጓሂ እምበር ነቲ ንመንፈሳዊ ህይወትካ ሓኒቑ ዚቐትል፡ እሾዅ ነፍሲ ዝዀነ ዓለማዊ ጓሂ ኸም ዘየጸናንዕ ርዱእ ሓቂ እዩ።

እቲ ዓለማዊ ጓሂ (ጓሂ ዓለም) ንምንታይ ሞት ዜስዕብ፧ ባዕሉ እቲ ጓሂ ዓለም ሓጢኣት ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ዝበኣሰ ሓጢኣት ክትገብር ዚደፍእ ብምዃኑ እዩ። ምንዝርና ወይ ዝሙት ናይ ምፍጻም ውጥኑ ስለ ዘይሰለጦ፡ ብሕርቃን ዚቃጸል ብጓሂ ዚሓርር ሰብ ማእለያ የብሉን። ዋኒኑ ስለ ዘይተዓወተሉ፡ ዚብህጎ ዓይነት ትምህርትን ስራሕን ስለ ዘይረኸበ፡ ብርኹስ ረብሓ ኺብለጽ ብዘይ ምኽኣሉ፡ ካብ መዛኑኡ ድሕሪት ስለ ዝተረፈን ስለ ዝተበልጸን፡ ስለ ዘይተመርዓወት፡ ስለ ዝደኸየ፡ ስለ ዘይጠዓየ፡ ስለ ዘይወለደ ኣዝዩ ዚሓዝን ሰብ ኣሎ። ብሞት ዜፍቅሮም ሰባት ክሳዕ ሞት ዚሓዝን ሰብውን ብዙሕዩ። ሰብ ስለ ዝበደሎ ኣዝዩ ዚጕህይ ዳርጋ ዅሉ ሰብዩ። እዚ ዅሉ ጓሂ ዓለማዊ ጓሂዩ። ዓለማዊ ዀይኑ ነቲ ሰብ ዚቐትሎ ምዃኑ ጥራይ ዘይኰነ፡ እቲ መቕደሱ ዝዀነ ሰብ በዚ ጓሂ ምብካሉን ምሕናቑን ንባዕሉ ንመንፈስ ቅዱስ ዜጕህዮ ጓሂዩ። ድሕሪዞም ዝዘርዘርናዮም ዓይነታት ጓሂ፡ ከም ፍትወት ስጋ፡ ስስዐ፡ ቅንኢ፡ ኣንነት ወዘተ ዝኣመሰሉ ሓጥእ ባህርያት ኣለዉ። እዚ ዓለማዊ ጓሂ ብሓጢኣት ዝተደረኸ ምዃኑ ጥራይ ከይኣኽሎ ናብ ዝኸፍአ ሓጢኣት ዚደፍእ ምዃኑ ዝበኣሰ ይገብሮ። ናብ ቅትለት፡ ስርቂ፡ ጽልኢ፡ ሕነ ምፍዳይ፡ ዝሙት፡ ምረት ምጕርምራም ወዘተ ዝኣመሰሉ ዝበኣሰ ሓጢኣት ኪደፍእ ይኽእልዩ። መብዛሕትኦም ካብዞም ብደረጃ ኣብነት ዝጠቐስናዮም ዓይነት ጓሂ፡ፍቓዱ ይኹንብዚብል መንፈሳዊ ብስለት ኪፍወሱ ዚኽእሉ እዮም። እቶም ብስስዐ ዝተደረኹ ጓሂታት ከኣ፡ይኣኽለኒብዜብል ናይ መንፈስ ቅዱስ ፍረ ዚፍወሱዮም።ተበዲለዚብል ኣንነት ዚወልዶ ጓሂ ድማ ካብ ኣብቲ ናትካ ጊዝያዊ ጕድኣት ምትኳር፡ እቲ በደል ኣብቲ በዳሊ ዜስዕቦ ዘለኣለማዊ ጕድኣት ኣብ ግምት ብምእታው፡ ነቲ ጓሂ ዓለም ናብ መንፈሳዊ ጓሂ ብምቕያር ኪፍወስ ዚኽእልዩ።

እቲ ከም ፍቓድ ኣምላኽ ዝዀነ ጓሂ ድማ፡ ሓቀኛ ዘየጣዕስ ንስሓ ኽትኣትው፡ መንፈሳዊ ቕንኣት ኪህልወካ ንኣምላኽ ክትፈርህ፡ ንሓጢኣት ክትጽየፍ፡ ንጽድቂ ኽትናፍቕ፡ ወንጌል ክትሰብኽ፡ ይቕረ ኽትብል፡ ተጊህካ ኽትጽልይ፡ ለጊስካ ኽትህብ፡ ህይወትካ ኽትከፍል፡ ጸኒዕካ ኸተገልግል ወዘተ ዜኽእለካ ጓሂዩ። ሃዋርያ ቕዱስ ጳውሎስ ብዛዕባ ሕማሙ፡ ድኽነቱ፡ መሪር መከራኡ፡ ዝተበደሎ በደላት ከም ዝተሓጐስ እምበር ከም ዝጐሃየ ዚገልጽ ጽሑፍ ኣይንረክብን ኢና። ብዛዕባቶም ዘይኣመኑ፡ ዝስሓቱ፡ ዝሓጥኡ፡ ዝደኸሙ ብብኽያት ዝተሰነየ ብዙሕ ጓህን ዘየባትኽ ስቓይን ኣብ ውሽጡ ኸም ዝነበሮ ገሊጹ ኣሎ (ሮሜ 91,2) ነብዪ ኤርምያስውን ብዛዕባቶም ብሓጢኣትን ብሰይፍን ተወጊኦም ዝሞቱ ህዝቡ ምእንቲ ኺበክይ ርእሱ ኸም ዒላ ማይ ኪዀነሉ ዝተመነየ ነብዪ እዩ (ኤር  91)  ጐይታና፡እቶም ዚጕህዩ ምጽንናዕ ኪረኽቡ እዮም እሞ ብጹኣንዮም

ዝበለ፡ ነቶም ከም ፍቓድ ኣምላኽ ዚጕህዩ እምበር ነቶም ብጓሂ ዓለም ነፍሳዊ ርእሰ ቕትለት ንዚፍጽሙ ሰባት ኣይኰነን (ማቴ 54) ጓሂ፡ ወደቓ ዘይኰነስ ምርጫዩ። ስለዚ እግዚኣብሄር መንፈስ ቅዱስ ንምጽንናዑ ዚተግሃሉ ኸም ፍቓድ ኣምላኽ ዝዀነ ጓሂ ደኣ ንምረጽ እምበር፡ ነቲ መጸናንዒ ዜጕህይ ከም እሾዅ ሓኒቑ ዚቐትል ክርስቶስ ዘውገዞ ዓለማዊ ጓሂ ኣይንጕሃይ። ሓጢኣት ዝወለዶን ሓጢኣት ዚወልድን ዓይነት ጓሂ ኣወጊድና፡ ስላሴን ቅዱሳንን ዚጕህይዎ ዓይነት ቅዱስን ቅዱይን ጓሂ ንጕሃይሞ፡ እቲ መጸናንዒ መንፈስ ንምጽንናዕና ኺተግሃልናዩ።

ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ

ዕለት፥ ሰንበት,  ሰነ 28 2020    (ሰነ 21 , 2012 ግእዝ)

ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባባት

ዲያቆን

ንፍቀ ዲያቆን

ንፍቀ ካህን

ወንጌል

ቅዳሴ

ኤፌ 41-14

2ጴጥ 11-11

ግብ 814-25

ዮሃ 1625-33

ዘዴስቆሮስ

መዝ 673-4

ሰብሕዎ ለእግዚአብሔር ወዘምሩ ለስሙ። ፍኖተ ግብሩ ለዘ ፡ዐርገ፡እንተ፡ዐረብ፤ እግዚአብሔር ስሙ። ወተፈሥሑ በቅድሜሁ

መዝ 683-4

ንኣምላኽ ቃንዩሉ፣ ንስሙ ኣመስግኑ፣ ነቲ ብበረኻ ዚሐልፍ መገዲ ጽረጉሉ፣ ስሙ እግዚኣብሄር እዩ። ኣብ ቅድሚኡ ደስ በሉ።

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div