S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ዘምሩ ብእትሰምዕዎ ተጠንቀቑ!

ካብ ኣትራኖስ ቤተ ክርስቲያን - From the pulpit of the Church 

ደምፀ እገሪሁ ለዝናም። ሶበ ይዘንም ዝናም፡ ይትፌሥሑ ነዳያን። ሶበ ይዘንም ዝናም ይጸግቡ ርኁባን። ወሠርዐ ሰንበተ ለሰብእ ዕረፍተ። ደምፀ እገሪሁ ለዝናም። ትርጉም ንዝናባት ድምጺ እግሩ እዮም፡ ማያት ይሃርም ድካታት ይሕጎሱ፡ ዝናም ይሃርም ጥሙያት ይጸግቡ ንዕረፍቲ ደቂ ሰባት ሰንበት ሰርዐ። ከም ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና፡ ብኣቈጻጽራ ግእዝ ካብቲ ክረምቲ ዚጅምረሉ (በኣተ ክረምት) ሰነ 25 ክሳዕ ሓመለ 15 (ቂርቆስ) “ዘርዕ ደመናተባሂሉ ዚጽዋዕ። በዚ መሰረት ድማ፡ እቶም ኣብዚ ቕንያት ዚንበቡ ክፍልታት ሓድሽ ኪዳን ምስ ዘርኢ ዝተታሓሓዘ ትሕዝቶ ዘለዎም እዮም ዚዀኑ። ስለዚ ድማ ናይዚ ዕለት ናይ ወንጌል ንባብ እቲ ጐይታ ዝመስሎ፡ምስላ ዘርእን ዘራእንምስናይ ትርጕሙ እዩ።

ኣብዚ ምስላ እዚ፡ እዚ ዘራኢ ጐይታ ባዕሉን ኵሎም ልኡኻት ወንጌልን እቲ ዘርኢ ድማ እቲ ዚስበኽ ቃል ኣምላኽ እዩ። እቲ ነቲ ዘርኢ ዚቕበል ግራት ድማ ልቢ ሰብ እዩ። ብመሰረት እዚ ምስላ እዚ ሰባት በቲ ንቓል ኣምላኽ ዘለዎም ኣሰማምዓን ኣቀባብላን ኣብ ኣርባዕተ እዮም ዚኽፈሉ። ሃዋርያ ጳውሎስ፡ንሕና መዓይይቲ ኣምላኽ ኢና፡ ንስኻትኩም ከኣ ግራት ኣምላኽ፡ ህንጻ ኣምላኽ ኢኹም።ብምባል፡ ብመንጽር ቃል ኣምላኽ ከም ግራት ከም እንግለጽ ኣረጋጊጹልና ኣሎ (1ቈረ 35-9) ጽቡቕ ወይ ሕማቕ ግራት ምዃንና ዚፍለጥ ድማ በቲ ኣሰማምዓናን ፍሬናን እዩ። ክትፈርይ ዘይክትፈርይ ዚውስኖ ኸኣ ነቲ ቓል ዘሎካ ኣሰማምዓን ኣቀባብላን እዩ። እቲ ቐዳማይ ዓይነት መሬት ነቲ ኣብ ልዕሊኡ ዝተዘርአ ዘርኢ ናብ ውሽጡ ስለ ዘየእተዎ፡ ነቲ ዘርኢ ኣዕዋፍ መጺኣን ለቐማኦ። እቲ ንዝሰምዖ ቓል ናብ ልቡ ኣእትዩ ኣብኡ ዘይዓቘሮ ሰብ፡ ናብ እምነትን ናብ ድሕነትን ምእንቲ ኸይበጽሕ ሰይጣን ንዅለን እተን ዝሰምዐን ቃላት ለቒሙ፡ ፈጺሙ ከም ዘይሰምዐ ሰብ ይገብሮ። ዚበዝሕ ካብቲ ቓል እግዚኣብሄር ዚሰምዕ ህዝቢ ኣብዚ ምድብ ዚኣትው እዩ።

እቲ ኻልኣይን ሳልሳይን ዓይነት ግራት ግና ነቲ ዘርኢ ተቐቢሎም ናብ ውሽጦም ዘእተውዎ፡ እቲ ዘርኢ ኣብታቶም ኪበቍል ዕድል ዝሃብዎ እዮም። እቲ ኻልኣይ ግራት እቲ ዘርኢ ሱር ከይሰድድ ዚኽልክል ከውሒ ኣብ ውሽጡ ዘለዎ ዀይኑ፡ ብሒደት ማይ ዚበቝል ብሒደት ጸሓይ ድማ ዚሓርር እዩ። ከምዚ ዝዓይነቱ ሰብ፡ ነቲ ዝሰምዖ ቓል ቀልጢፉ ተቐቢሉ ብቐሊሉ ዚኣምን እዩ። ነቲ ኣብ ውሽጡ ዘሎ ኸውሒ ዋላ ሓደ ዚፈልጦ የልቦን። በቲ ዘርኣዮ ቕልጡፍ ለውጢ ንሱ ዀነ እቲ ኣገልጋሊኡ እናተሓጐሰ ኸሎ፡ ኣብ መንፈሳዊ ዀነ ኣብ ማሕበራዊ ህይወቱ ዝዀነ መከራ (ወይ ፈተና) ምስ ዜጋጥሞ ግና፡ እቲ ነቲ ቓል ዝነበሮ እምነትን ምእዛዝን ብኡንብኡ ይመውት። ፈጺሙ ንኣምላኽ ዘይፈልጥን ነቲ ቓል ዘይስምዐን ሰብ ክሳዕ ዚመስል ኣብ ክሕደት ይወድቕ። እቲ ሳልሳይ ግና ነቲ ዘርኢ ዜብቍል እኹል መሬት እናሃለዎ፡ ብዘይካ ነቲ ዘርኢ ንኻልኦት ዘርእታትውን ዜአንግድ ምዃኑ እቲ ዝዓበየ ጸገሙ እዩ። ልክዕ ከምቲ ኽልተ እግሪ ኣለኒ ኢሉ ናብ ክልተ ኣእዋም ብሓንሳእ ኪሓኵር ዚደልይ ሰብ እዩ። ናብ ክልተ ወገን ይሕንክስ (1ነገ 1821) ብሓንሳእ ንኽልተ ጐይቶት ኪግዛእ ይደልይ (ማቴ 624) ዘርኢ እሾኽን ዘርኢ ስርናይን ከኣ መጻርርቲ ስለ ዝዀኑ ክልቲኦም ኣብ ሓደ ግራት ኪእንገዱ ኣይከኣልን እዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ነዚ ሓቂ እዚ፡ኣነስ፡ብመንፈስ ተመላለሱ እሞ ትምኒት ስጋ ኣይክትፍጽሙን ኢኹም እብለኩም ኣለኹ፡ ስጋ  ነቲ ምስ መንፈስ ዚጻረር ዚምነይ፡ መንፈስውን ነቲ ምስ ስጋ ዚጻረር ዚምነይ። ነቲ እትደልይዎ ምእንቲ ኸይትገብሩ፡ እዚኣቶም (ንሓድሕዶም) መጻርርቲ እዮም። ብመንፈስ እንተ ተመራሕኩም ግና ትሕቲ ሕጊ (ስጋ) ኣይኰንኩምን።ብምባል ገሊጹልና ኣሎ (ገላ 516-18) ስለዚ ኣብ ሓደ ስጋ (ሰብነት) ዘርኢ ስጋን ዘርኢ መንፈስን ከተአንግድ ኣይከኣልን እዩ። ነታ እሾኽ እተአንግድ ግራት እንታይ ከም ዚረኽባ፡ ቃል እግዚኣብሄርእታ ብዙሕ ጊዜ ነቲ ኣብኣ ዝወረደ ዝናም ዝሰተየት ምድሪ ነቶም ንረብሓኦም ዚሓርስዋ ዚጠቅም ፍረ እንተ ሃበቶም፡ ካብ ኣምላኽ በረኸት ክትቅበል እያ። እሾኹን ዳንዴርን እንተ ኣብቈለት ግና፡ መርገም ኣብ ልዕሊኣ ዘንጠልጠለ፡ ጥቕሚ ዘይብላ ምድሪ እያ እትኸውን። መወዳእታኣ ኸኣ (ብሓዊ) ምንዳድ እዩ።ኢሉ ገሊጹልና ኣሎ (እብ 67,8) ናብ እምነት ከይትበጽሕ፡ እንተ በጻሕካ ድማ ብእምነት ከይትቕጽልን ከይትዓብይን  ዚዕንቅፈካ እቲ ዘርኢ ሰይጣን ዝዀነ ሓጢኣት እዩ። ቃል እግዚኣብሄር ምስ ሰማዕካን ምስ ተቐበልካን፡ ብኡንብኡ ንስሓ ኽትኣትው ዚንገርካ ድማ ብእኡ ምኽንያት እዩ። ነቲ ዕለታዊ ዚጠብቀና ሓጢኣት ብዕለታዊ ንስሓ ኽንነቕሎ ይግብኣና። ምኽንያቱ ሓጢኣት ኣብ ዘለዎ፡ ቓል እግዚኣብሄር ሱር ኪስድድን ኪፈርይን ኣይክእልን እዩ። ብዛዕባ እቲ እንሰምዖ ቓል እግዚኣብሄር ጥንቁቓት ክንከውን ኪንገረና ኸሎ እምበኣር፡ ነተን ዝሰማዕካየን እርይ-ልቕም ኣቢልካ ሓንቲ ቓል እኳ ከየምለጠትካ ምስማዕ ማለት ጥራይ ኣይኰነን። ነቲ ኣብ ውሽጥኻ ዘሎ ዓንቃፊ ኸውሕን፡ ነቲ ኣብ ልዕሌኻ ዘሎ ሓናቒ እሾኽን ኣጽሪኻን ኣውጺእካን ስማዕ ማለት ድማ እዩ። ሓረስታይ ነቲ ምሩጽ ዘርኡ ምጽእ ኢሉ ኣብ ልዕሊ እቲ ግራት ኣይንስንሶን እዩ። ኣብቲ ግራት ንዝጸንሖ ዅሉ ቘጥቋጥን ጻህያይን ቈጥቍጡን ጐልጕሉን እዩ ዚኣልዮ። ነቲ ግራት ደጋጊሙ ብምሕራስ ኣቐዲሙ የለስልሶን የዳልዎን። ብድሕሪኡ እዩ ንዘርኡ ናብቲ ግራት ብእምነት ዚብትኖ። እቲ ዘራእቲ ድሕሪ ምብቋሉ ድማ፡ ነቲ ብቝሊ ኺሓንቖ ንዚኽእል ኵሉ ጻህያይ በብእዋኑ ይጻህዮ። ንኣና ንህዝበ ክርስትያን እዚ ተግባር እዚ ዓብይ ትምህርቲ እዩ። ቃል እግዚኣብሄር ንምስማዕ ናብ ቤተ ክርስቲያን ክንከይድ ከሎና ባዕላትና መጽሓፍ ቅዱስ ከፊትና ኸነንብብን ከነጽንዕን ከሎና ወይ ድማ በዚ ዘመን ኣምጽኦ ቴክኖሎጂ ተሓጊዝና ካብ ተለቪዝን፡ ቪድዮ ወይ ..ዲ፡ ሬድዮ ኢንተርነት ቃል እግዚኣብሄር ንምስማዕ ክንብገስ ከሎና፡ ንልብና ካብ እሾኽ ሓጢኣት ብግብራዊ ንስሓ ኸነጽርዮን ክንቍጥቍጦን ይግባና። ንልብና ኻብ እሾኽን ካብ ከውሕን ከየጽረና፡ ኣብ ልዕሊኡ ቓል እንተ ኣዝራእናሉ፡ ንፍርዲ እምበር ንፍረ ኸም ዘይኰነልና ርዱእ እዩ። ነፍሲ ወከፍና ብዝሰማዕናዮ መጠን ናይ ቃል ኣምላኽ ፈሪና እንተ ንኸውን ሎሚ ኣብ ደረጃ ቕድስናን ፍጹምነትን ምበጻሕና ኔርና። ሓጢኣት ኣብ ዝመልኦ ሰብነት ይዝራእ ስለ ዘሎ ግና፡ ተሓኒቝ እናተረፈ፡ ፍረ-ኣልቦ ዄንና ንርከብ ኣሎና። እታ ብዘይካ እሾኽ ካልእ ዚጠቕም ፍረ ዘይትህብ ግራት (ነፍሲ) ግና መወዳእታኣ ብሓዊ ምንዳድ እዩ። መወዳእታኻ እንታይ ከምዚመስል ብቕሉዕ ብግህዶ እንተነግረካ፡ ምስ እሾኽካ ክትቅጽል ምውሳን ድማ፡ መዳርግቲ-ኣልቦ መንፈሳዊ ድንዛዘ እዩ።

እቲ ብጽቡቕ ግራት ዝተመሰለ ለባምን መንፈሳውን ግራት ግና፡ ኣብ ውሽጡ ዝተሓብአ ኸውሒ ወይ ትሪ ልቢ ፈጺሙ የብሉን። ንልቢ ዜትርሮ ሓጢኣት ምዃኑ፡ ቃል እግዚኣብሄር፡ሓደ እኳ ኻባኻትኩም፡ ሓጢኣት እናዓሸዎ ኸይተርር. . .” ብምባል ኣረጋጊጹልና ኣሎ (እብ 312,13) እቲመሪርን መርዝን ዜብቍል ሱርተባሂሉ ዘሎውን ሓጢኣት እዩ (እብ 1215 ዘዳ 2918) ስለዚ እቲ በዓል ጽቡቕ ልቢ ዚበሃል ሰብ ንቓል እግዚኣብሄር ንምስማዕ ኪዳለው ከሎ፡ ኻብዞም ዓንቀፍቲ ነገራት ኣቐዲሙ ንልቡ ዜጽርይ ሰብ እዩ። እቲ ሕሱም ጸላኢ ደጋጊሙ እሾኽን ዳንዴርን ምዝርኡ ስለ ዘይተርፍ ንልቡ ነቒሑ ዚሕልው፡ ነቲ ዘንጊዑ ኸሎ ዝተዝርአ ድማ ቀቀልጢፉ ዚለቕም ሰብ፡ እቲ በዓል ጽቡቕ ልቢ ዝዀነ ሰብ እዩ።

እቲ ንቓል እግዚኣብሄር ዚበቅዕ ጽቡቕ ልቢ ዘለዎ ሰብ፡ ግና ኣብ ምስማዕን ኣብ ምዕቋርን ጥራይ ከም ዘይድረት፡ ጐይታና፡ነቲ ቓል ሰሚዖምሲ፡ ኣብ ቅኑዕን ጽቡቕን ልቢ ዚዓቝርዎ፡ ብትዕግስቲውን ፍረ ዚፈርይ እዮምብምባል ገሊጽዎ ኣሎ (ሉቃ 815) ፍረ ምፍራይ ትዕግስቲ ዚሓትት እንተ ዀይኑ፡ ክትጻወሮ ዚግብኣካ መከራን ፈተናን ኣለዎ ማለት እዩ። ንኣብነት ፍቕሪ ኸተፍርይ እንተ ዄንካ፡ ነቶም ንኸይተፍቅር ዚዕንቅፉኻ ኵሎም ፈተናታት ክትዕገሶም ናይ ግድን እዩ። ስለዚ ድማ ሃዋርያ ጳውሎስ እቲ ዜፍቅር ሰብ ኬንጸባርቖ ዚግባእ ባህርያት፡ ዓቃል እያ፡  ለዋህ እያ፡ ኣይትቐንእን፡ ኣይትጀሀርን ኣይትንፋሕን፡ ኣይተስተሐፍርን፡ናታ ኣይትደልን፡ ኣይትምረርን፡ ኣይትቕየምን እያ፡ ብሓቂ ትሕጐስ እምበር፡ ብዓመጽ ባህ ኣይብላን። ኲሉ ትጸውር፡ ኲሉ ትኣምን፡ ኲሉ ተስፋ ትገብር፡ ኵሉ ትዕገስ።

ብምባል ገለጸልና (1ቈረ 134-7) እዚ ዝተዘርዘረ ባህርያት-ፍቕሪ ቐሊል ጻዕርን ዋጋን ኣይኰነን ዚሓትት። ነቲ ኣባኻ ዝተዘርአ ቓል ንኻልኦት ኣካፊልካ ብዙሓት ነፍሳት ክትፈርይ እንተ ዄንካውን፡ ብዙሕ ማሕበራውን ቍጠባውን ዋጋታት፡ ክሳዕ ህይወትካውን ክትከፍል ክትሕተት ትኽእል ኢኻ። ስለዚ ድማ እዩብትዕግስቲ ፍረ ዚፈርዩዝተባህለ።

በቲ ሃዋርያ ማቴዎስ ተሪኽዎ ዘሎ መሰረት ድማ፡ እቲ በዓል ጽቡቕ ልቢ ክርስትያን፡ሰላሳ፡ ሱሳ፡ ሚእቲ’’ ኸም ዚፈርይ ገሊጹልና ኣሎ። ኣብ መንጎ እዚ ዝተጠቕሰ ኣሃዛት ኣዝዩ ዓብይ ፍልልይ እዩ ዘሎ። ካብ ሚእቲ ሚእታዊት ክሳዕ 230 ሚእታዊት ፍልልይ ኣለዎ። ስለዚ እቲ ሰላሳ ዘፍረየ ሚእቲ ኽሳዕ ዜፍርይ ኪዓግብ ኣይግብኦን እዩ። ገና ኺጸርዮ ዚግባእ ዓንቃፊ ነገር ተሪፍዎ ከም ዘሎ ዜመልክት እዩ። እቲ ጐይታናነቲ ኣባይ ዘሎ፡ (ፈጺሙ) ፍረ ዘይፈርይ ዘበለ ኵሉ ጨንፈር (ኣቦይ) የርሕቖ፡ ነቲ ፍረ ዚፈርይ ዘበለ ጨንፈር ግና፡ ኣዝዩ ምእንቲ ኺፈርይ፡ (ኣቦይ) የጽርዮ።ዝበሎ ቓል፡ እቲ መጠን ፍሬና፡ ነቲ ናይ ምጽራይ ደረጃና ኸም ዜንጸባርቕ ዜመልክተና እዩ (ዮሃ 152)አቡሃ ለምሕረት ያርኁ ክረምተ በበዓመትኣቦ ምሕረት በብዓመቱ ክረምቲ የምጽእ፡ ዘተባህለ አምላክ ኣብዚ ንአትዎ ዘሎና ክረምቲ እምበኣር ፍሬና ምእንቲ ኺበዝሕ ክልተ ኣገደስቲ ነገራት የድልየና ኣሎ። እቲ ቐዳማይ ብኣሰማምዓና ምጥንቃቕ ማለት ግቡእ ኣሰማምዓ ኻብ ምስማዕ ዚዕንቅፉና ነገራት ምውጋድ ኪኸውን ከሎ፡ እቲ ካልኣይ ድማ ነቲ ዝሰማዕናዮ ብትዕግስቲ ናብ ፍረ ምልዋጥ፡ ነቲ ፍሬኻ ድማ ኣዝዩ ኽሳዕ ዚበዝሕ እናጸሬኻ ምኻድ እዩ። ስለዚ ንርእስና ኻብቶም ዘይፈርዩ ሰለስተ ዓይነት ሰባት ካብ ምዃን ኣድሒንና፡ ከምቲ ራብዓይ ብጥንቃቐ ዚሰምዕን፡ ብትዕግስቲ ንፍሪኡ ዜብዝሕን ሰብ ክንገብራ ንጋደል። ምኽንያቱ፡በታ ጸባብ ደገ ንምእታው ተጋደሉተባሂቡልና ኣሎ። እግዚኣብሄር ንፍሬና የብዝሕ፡ ኣሜን!!

ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ

ዕለት፥ ሰንበት,  ሓምለ 5 2020 (ሰነ 28 , 2012 ግእዝ)

ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባባት

ዲያቆን

ንፍቀ ዲያቆን

ንፍቀ ካህን

ወንጌል

ቅዳሴ

ዕብ 6፡7- 20

ያቆብ 5፡12-20

ግብ 27፡6-15

ሉቃስ 8፡1-21

ዘኤጲፋንዮስ

መዝ 146/147፡8

ዘይገለብቦ ለሰማይ በደመና ።ወያስተዴሉ ክረምተ ለምድር።ዘያበቍል ሣዕረ ውስተ ኣድባር።

“ነቲ ንሰማያት ብደበና ዜጐልብብ፡ ንምድሪ ዝናም ዜዳሉ፡ ናብ ኣኽራን ሳዕሪ ዜብቊል፡”

 



Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div