S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ዓሰርተው ክልተ ሃዋርያት ሓረየ

ካብ ኣትራኖስ ቤተ ክርስቲያን - From the pulpit of the Church

አሠርገዎሙ ለሐዋርያት በሰማያት። አሠርገዎሙ፡ ወንጌለ መንግሥት አወፈዮሙ። አሠርገዎሙ፡ ሰንበተ ክርስቲያን ለዕረፍት ሠርዐ ሎሙ። አሠርገዎሙ፡ ከመ ወርቅ በእሳት ፈተኖሙ። አሠርገዎሙ፡ ወከመ ጽንሐሐ መሥዋዕት ተወክፎሙ። አሠርገዎሙ፡፡ ለሐዋርያት በሰማያት። ትርጉሙ ኣብ ሰማይ ንሃዋርያት ሸለሞም። ሸለሞም፡ ሕድሪ ወንጌል መንግስተ ሰማያት አረከቦም። ሸለሞም፡መዓልቲ ሰንበት ንዕረፍቲ ክርስቲያናት ሰራዓሎም። ሸለሞም፡ ከም ወርቂ ብሓዊ ፈተኖም። ሸለሞም፡ ከም ጽንሓ ዕጣናን መስዋዕቲ ተቀበሎም። ኣብ ሰማይ ንሃዋርያት ሸለሞም ኢሎም ኣቦታት ሊቃውንቲ ቤተ ክርስትያን መዝሙር ክዝምሩ ዝሓድሩ እዚ ዕለት ስለምንታይ እዩ፧

እዚ ዕለት እዚ፡ ብቕድስቲ ቤተ ክርስቲያንና በዓለ-ሓዋርያትተባሂሉ እዩ ዚጽዋዕ ።ካብ በዓል መንፈስ ቅዱስ ክሳዕ እዚ ዕለት እዚ ድማ ኣብቲ ቤተ ክርስቲያንናጾመ ሃዋርያትኢላ ዝሰመየቶ ጾም ኢና ተጸሚድና ጸኒሕና ነዚ ዕለት እዚ ተሰሪዑልና ዘሎ ናይ ወንጌል ንባብ ድማ፡ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብኸመይን ንኽንደይን ንመንን ንሃዋርያነት ከምዝሓረየ ዚገልጸልና እዩ።

መጽሓፍ ቅዱስና ኻብቶም ብዙሓት ደቀ መዛሙርቱ ነዞም ዓሰርተው ክልተ ሰባት ንሃዋርያት ንምሕራይ ዝተጠቕመሉ ረቛሒታት እንታይ ምንባሩ ኣይገልጸልናን እዩ። እንተዀነ ነዞም ከም ብልሓተኛታት ሃነጽቲ ዀይኖም መሰረት ቤተ ክርስቲያን ኣብ መላእ ዓለም ኪስርቱ ዝተሓርዩ ሃዋርያት ብኣዝዩ ልዑልን ክቡርን ረቛሒታት ከምዝሓረዮም ዜጠራጥር ኣይኰነን ።ምኽንያቱ፡ ንምድራዊ ዕዮ ጥራይ ዘይኰነ፡ ንፍሉይ ሰማያዊ ኽብሪ እዩ ዝመረጾም ።ኣብ ሓደ እዋን ሃዋርያ ጴጥሮስ ንሕና ዅሉ ሐዲግና ሰዐብናካ። እንታይ ኰን ክንረክብ ኢና፧ኢሉ ምስ ሓተቶ፡ ጐይታና ድማ፡ “. . .ንስኻትኩም ዝሰዐብኩምኒ፡ ብሓድሽ ልደት በታ ወዲ ሰብ ኣብ ዝፋን ክብሩ ዚቕመጠላ ጊዜ፡ ንስኻትኩም ንዓሰርተው ክልተ ነገድ እስራኤል ከም እትፈርዱ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ።ብምባል ሰማያዊ መጻኢኦም እንታይ ከምዚመስል ኣፍለጦም (ማቴ 1927,28) እዚ ጐይታ ዝሃቦ ተስፋ ልክዕ ከምኡ ምዃኑ፡ ኣብቲ ሃዋርያ ዮሃንስ ዝረኣዮ ራእይ፡ዝፋናት ድማ ርኤኹ፡ ኣባታቶም ከኣ ተቐመጡ፡ ፍርዲውን (ኪፈርዱውን) ተዋህቦም። . . . ናይ ኣምላኽን ናይ ክርስቶስን ካህናት ኪዀኑ፡ ምስኡውን ሽሕ ዓመት ኪነግሱ እዮም እምበር፡ እቲ ኻልኣይ ሞት ኣብዚኣቶም ስልጣን የብሉን።ብምባል ኣረጋጊጹ ኣሎ (ራእ 204,6) ኣስዒቡውን  ቀጽሪ እታ ኸተማ (ሰማያዊት ኢየሩሳሌም) ኸኣ ዓሰርተው ክልተ መሰረት አለዎ፡ ኣብኡ ድማ ዓሰርተው ክልተ ስም ናይቶም ዓሰርተው ክልተ ሃዋርያት እቲ ገንሸል አሎ።ኢሉ ንሃዋርያነቶም ዝተዋህቦ ኽብሪ ገለጸልና (ራእ 2114) እቲ ኣብቲ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ባዕሉ እምኒ መኣዝኑ ዝዀነ መሰረት ነብያትን ሃዋርያትን ተነዲቑን ተሰሪቱን ወዲ ዓዶም ንቕዱሳንን፡ ኣባል ስድራ ቤት ኣምላኽን ኪኸውን ዝበቕዐ ሰብ፡ እምበኣር ናብዛ ብስም ሃዋርያት ዝተሰምየ-ዓሰርተው ክልተ ዝመሰረቱ ቐጽሪ ዘለዋ ከተማ ኺኣትው ኣብዛ ምድሪ ብህይወት ከሎ ኣብ መሰረት ነብያትን ሃዋርያትን ዘይጸንዐ ሰብ ግና ፡ብደጌታት ናይዚ ቐጽሪ ሓሊፉ ናብታ ቕድስቲ ኸተማ ኺኣትው ኣይበቅዕን እዩ ስለዚ ሕርየትን ኣገልግሎትን ናይዞም ቅዱሳን ሃዋርያት ፡ኣብቲ ምድራውን ሰማያውን መጻኢ ናይ ነፍሲ ወከፍ ክርስቲያን ዓብይ ግደ ኸም ዘለዎ፡ ካብዚ ዝተጠቕሰ ክፍልታት መጽሓፍ ቅዱስ ክንርዳእ ንኽእል ኢና።

ጐይታና ቅድም ነቶም ዓሰርተው ክልተ ሃዋርያቱ ፡ብድሕሪኡ ድማ ነቶም ሰብዓን ክልተን ኣርድእቱ ኺልእኮም ከሎ፡ንኣኻትኩም ዚሰምዕ ንኣይ ይሰምዕ፡ ንኣኻትኩም ዚንዕቕ ድማ ንኣይ ይንዕቕ፡ እቲ ንኣይ ዚንዕቕ ከኣ ነቲ ዝለኣኸኒ እዩ ዚንዕቆ ብምባል ናቱ ውክልና ኸም ዝሃቦም ተጻሒፉልና ኣሎ (ሉቃ 1016 ማቴ 1040) ስለዚ ንእኡ ወኪሎም ቃሉ ናብቲ ህዝቢ የመሓላልፉ ካብቲ ህዝቢ ዚቕበልዎ ኣኽብሮት ይኹን መከራ ድማ ንእኡ የመሓላልፉ ነበሩ። ስለዚ ድማ ሃዋርያ ጳውሎስ፡

እዚ ዅሉውን ካብቲ ባዕሉ ብክርስቶስ እተዓርቀና፡ ኣገልግሎት ዕርቂውን ዝሃበና ኣምላኽ እዩ።ማለት፥ ኣምላኽ ንዓለም ምስ ርእሱ ኺዓርቃ ኸሎ፡ ኣብ ክርስቶስ ነበረ እሞ፡ በደሎም ኣይሐዘሎምን፡ ኣባና ኸኣ ቃል ዕርቂ ኣንበረ። ስለዚ ንሕና ኣብ ክንዲ ክርስቶስ ልኡኻት ኢና እሞ ኣምላኽ ብኣና ገይሩ ይምዕድ ኣሎ። ንሕና ብእኡ ጽድቂ ኣምላኽ ምእንቲ ኽንከውን፡ ነቲ ሓጢኣት ዘይፈለጠ ኣብ ክንዳና ሓጢኣት ገበሮ።ምስ ኣምላኽ ተዓረቑ፡እናበልና ኣብ ክንዲ ክርስቶስ ኴንና ንልምነኩም ኣሎና።ብምባል ጸሓፈልና (2ቈረ 518-21)።ኣብቲ ኻልኣይ ትርጉም መጽሓፍ ቅዱስ ትግርኛ፡ንሕና ናይ ክርስቶስ ኣምባሳደራት ኢናብዚብል ጽቡቕ ኣበሃህላ ኣቐሚጥዎ ኣሎ። ስለዚ ሃዋርያነት ማለት ኣገልግሎት ዕርቂ ማለት እዩ። እቲ ንኣገልግሎት ዚጥቀሙሉ ቓል ክርስቶስ ድማቃል ዕርቂ ይበሃል። ስለዚ እቲ ኣብ መሰረት ነብያትን ሃዋርያትን እተሰረተን እተነድቀን ኣገልጋልን ምእመንን ነዚ ቓል ዕርቂ ሒዙ ርእሱ ምስ ኣምላኽ ኪዓርቕን፡ ብምኽንያት ሓጢኣት ምስ ኣምላኽ ንዝተባእሱን ንዝተፈላለዩን ኵሎም ድማ ነዚ ቓል- ዕርቂ ተጠቒሙ ምስ ኣምላኽ ኪዓርቆም ይግባእ።ነዚ ናይ ኣምላኽን ናይ ሃዋርያቱን ቃል ዕርቂ ዘይዓጠቐን ዘይጥቀመሉን ኣገልጋሊ ቤተ ክርስቲያን ግናኣገልግሎት ዕርቂ እፍጽም ኣለኹ፡ኣብ መሰረት ነብያትን ሃዋርያትንየዘለኹኪብል ኣይክእልን እዩ።

ሃዋርያት ግና ኣብ ምስባኽ እቲ ቓል ዕርቂ ጥራይ ኣይኰኑን ንክርስቶስ ወኪሎም ዘገልግሉ።ንሳቶም ኪሰብኩ ኸለው ዝዀነት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዘይተመስረተትሉ፡ጣኦታት ኣብ ዜምልኹ ኣህዛብ ኣብ ዝነበሩሉ ሃገርዮም ዚሰብኩ ዝነበሩ።ስለዚ ኣዝዩ በዳሂ ዅነታት የጋጥሞም ከምዝነበረ ርዱእ እዩ። ካብ ከተማ ናብ ከተማ፡ ካብ ሃገር ናብ ሃገር እናተጓዕዙ የገልግሉ ነበሩ።ብእግሮም እናተጓዕዙ፡ ብመራኽብ ተጓዒዞም ባሕርታት እናሰንጠቑ ሽፋቱን ጉርጉር ኣራዊት ብዘለውዎ ጫኻታትን እናተጓዕዙ ወንጌል ይሰብኩ ነበሩ። ስለዚ ጥሜትን ጽማትን ዕርቃንን የሸግሮም ነበረ።ካብ መበቈል ዓዶም ተዘናቢሎም ናብ ጓና ህዝብን ሃገርን ይኸዱ ስለ ዝነበሩ፡ ርእሶም ዜጸግዑሉ ማሕደርውን ኣይነበሮምን። ነቲ ኺነብርዎን ኪሓልፍዎን ዝተሓርዩሉ ዅነታቶም ሃዋርያ ጳውሎስ፡ኣምላኽ ንኣና ሃዋርያት፡ ድሕሪ ዂላቶም (ሰባት) ኴንና፡(ተሰሪዕና) ከምቶም ሞት እተፈርዶም ከም ዝገበረና፡ ይመስለኒ። ስለዚ ንዓለምን ንመላእኽትን ንሰብን ትርኢት መስሓቒ ዄንና ኣሎና።  . . . ክሳዕ ሕጂ ንጠምን ንጸምእን ንዓርቕን ንጽፋዕን ኣሎና፡ ማሕደር የብልናን፡ ብገዛእ ኣእዳውና እናዓየና ድማ ንጽዕር ኣሎና። እናጸረፉና ንምርቕ፡ እናሰጐጉና ንዕገስ፡ እናተሐሜና ንምዕድ ኣሎና። ክሳዕ ሕጂ ኸም ጐሓፍ ዓለምን ከም ናይ ኲላቶም ጐዱፍን ኴንና ኣሎና። ብምባል ገሊጽዎ ኣሎ (1ቈረ 49,11-13)።ኣስዒቡውን ንልኡኻት ክርስቶስ እንታይ ከምዝረኸቦም፡ገሊኣቶም ድማ ብልግጫን ብመግረፍትን፡ ኣብ ልዕሊ እዚውን ብመቝሕን ማእሰርትን ተፈተኑ።ብዳርባ እምኒ ተቐትሉ፡ ተመገዙ፡ ተፈተኑ፡ ተሰይፎም ሞቱ፡ ኣጐዛ ኣባጊዕን ዲኖ ኣጣልን ተኺዲኖም ዞሩ፡ ሰኣኑ፡ ጸበቦም፡ ሓሳረ መከራ ጸገቡ፡ ዓለም ንኣታቶም ዘይትበቅዕ ኰይናስ፡ኣብ በረኻታትን ኣብ ኣኽራንን ኣብ በዓትታትን ኣብ ጐዳጕድ ምድርን ኰለል በሉ።ብምባል ገለጸ (እብ 1136-38) እዚ ድማ ንሃዋርያነት ክትሕረይ ከሎኻ፡ ንሰማያዊ ኽብሪ ጥራይ ዘይኰነስ ንኸቢድ ጻዕርን መከራውን ከም እትሕረይ ዚገልጸልና እዩ። ጐይታና፡ ብዛዕባ ንሃዋርያ ጳውሎስ ዝጸውዓሉ ዕላማ ኺገልጽ ከሎ፡. . . እዚ ሰብኣይ እዚ ኣብ ቅድሚ ኣህዛብን ኣብ ቅድሚ ነገስታትን ኣብ ቅድሚ ደቂ እስራኤልን ስመይ ኪጸውር፡ ንኣይ ሕሩይ ኣቕሓ እዩ እሞ፡ ምእንቲ ስመይ ክንደይ ብዙሕ ሓሳረ መከራ ኺጸግብ ከም ዚግብኦ ኸርእዮ እየ፡ . . .ኢሉ ንሃናንያ ተዛረቦ (ግብ 915,16)

ኣብቲ ወንጌል ማርቆስ ብዛዕባ ሕርየት ሃዋርያት ጽሒፍዎ ዘሎ ዓንቀጽ፡ምስኡ ምእንቲ ኪዀኑን፡ ኪሰብኩ ምእንቲ ኺልእኮምንከምዝሓረዮም ተገሊጹልና ኣሎ (ማር 314) ምስኡ ከይኰንካ ወንጌል ምስባኽ ከምዘሎ ይሁዳ ኣስቆሮታዊ ብግብሪ ኣረጋጊጹልና እዩ። እቶም ምእንቲ ስጋዊ ረብሓ ኢሎም ዚሰብኩ፡እቶም እናሰበኹን እናተነበዩን ካልእ ተኣምራታት እናፈጸሙን ምስኡ ግብሪ ዓመጻ ዜዘውትሩ ሰባትውን ምስ ክርስቶስ ከይኰንካ፡ወንጌል ክትሰብኽ ከምእትክእል ዘየማትእ መርትዖ ዜቕርቡልና እዮም። እምበኣር ኵሎም ሰበኽቲ ምስ ክርስቶስ ከምዘይኰኑ ፡ኵሎም እቶም ምስኡ ዝዀኑ ግና ካብ ምስባኽ ከምዘይበዅሩ ክንድምድም ንኽእል ኢና ማለት እዩ። ጐይታ ድማ፡እቲ ምሳይ ዘይኰነ መቐናቕንተይ እዩ፡ እቲ ምሳይ ኰይኑ ዘይእክብ ድማ ይዘርውብምባል ምስኡ ናይዘይምዃን ትርጉምን ውጽኢትን ገሊጹልና ኣሎ።

እምበኣር ምልስ ኢልና ንገዛእ ርእስና ንመርምር ክርስቶስ ርእሲ መኣዝና ዝዀነት፡ኣብ መሰረት ነብያትን ሃዋርያትን ኣብ ዝተሃንጸት ሃዋርያዊት ቤተ ክርስቲያን ኴንና ንክርስቶስ እንስዕብ ክርስትያን ህዝቢ ከም ምዃንና መጠን፡ኣካይዳን ዕላማን ናይ ሃዋርያት ምስቲ ናትና ብምግንዛብ ኣበየናይ ደረጃ ህይወትን ከምዘሎና ንፈትሽ። ሃዋርያት፡ኪዱተባሂሎም ምስተነግሩ ትእዛዙ ኣኽቢሮም፡ ናብቲ ወንጌል ዘይብሉ ህዝቢ ኸይዶም በቲ ዝተዋህቦም ቃል ዕርቂ ምስ ኣምላኽ ኣተዓረቕዎ። ንሕና ግና ደወል ደዊልና ጸዊዕናዮ ንዝመጸና ህዝቢ ጥራይ ነገልግል ኣሎና እምበር፡ናብቶም ወንጌል ዘይበጽሖም ህዝብታትን ሃገራትን ኬድና ንሰብኽ ኣየሎናን ።ይትረፍ ኣብ እምነት ንዘየሎ ህዝቢ ናብ ክርስቶስ ክንጽውዕ፡ ነቲ መዛግብትና ዚፈልጦ ግናኸ ናብ ቤተክርስቲያን ዘይመጽእ ህዝብና እኳ ክንእክብ ኣይከኣልናን ።ኣብ ጥምቀትን መርዓን ቀብርን እንተ ዘይኰይኑ፡ ኣብ ዝዀነት ካልእ መዓልቲ ናብ ቤተክርስቲያን ዘይቅልቀል ህዝቢ ሒዝና፡ሃዋርያዊት ቤተ ክርስቲያን ኣላትና ንሕናውን ሃዋርያዊ ኣገልግሎት ነበርክት ኣሎናኽንብል ይከኣልዶ፧ ነቲ ፈትዩ ዝመጸና፡ሓደ ሚእታዊት ናይቲ ምእመንና ዘይመልእ ህዝቢኸ ነቲ ካብ ኣምላኽ ዝተቐበልናዮቃል ህይወት ከምዚግባእ ንምህሮዶ፧ ልክዕ ከም ሃዋርያት ብዛዕባ ኣብ ትሕቲ ጕስነት ዘሎ ህዝቢ፡ኲሉ ምኽሪ ኣምላኽ ነገርኩኹም እምበር፡ ዘትረፍኩልኩም የብለይን እሞ፡ ካብ ደም ኲልኻትኩም ንጹህ ምዃነይ ሎሚ መዓልቲ እምስክረልኩም ኣሎኹ።ክንብል ትብዓት ኣሎናዶ (ግብ 2026,27) ከምቲ ጐይታና ንፈሪሳውያን፡ውሉድ ኣብርሃም እንተ ትዀኑስ ግብሪ ኣብርሃም ምገበርኩም ኔርኩም።ዝበሎም፡ውሉድ ሃዋርያት እንተ ትዀኑስ ግብሪ ሃዋርያት ምገበርኩም ኔርኩም።ደኾን ምበለና ይኸውን፧ (ዮሃ 839)ነቶምሃዋርያት ኢናዚብሉ እሞ ዘይኰኑ ተዓዚብካዮምሲ ሓሰውቲ ዀይኖም ከምዝረኸብካዮም እፈልጥ ኣሎኹከም ዝተባህለ፡ እቶም ኣብ መንበር ሃዋርያት ዝተቐመጥና፡ ኣገልግሎት ሃዋርያትውን ዝተቐበልና ዅላትና፡ዚብሉ እሞ ዘይኰኑምእንቲ ኸይንበሃል፡ተግባር ሃዋርያት ንግበር ዕላማ ሃዋርያት ንፈጽም (ራእ 22) ኣብ ልዕሊቲ ንሳቶም ከም ብልሓተኛ ሃናጺ ዀይኖም ዝሃነጽዎ መሰረት፡ ንሱ ኸኣ ክርስቶስ፡ ብሓሰርን ሳዕርን ዕንጸይትን ዘይኰነ ብኽቡር ዕንጸይትን ብብሩርን ብወርቅን ተጠንቂቕና ንህነጽ። ጾምናን ጸሎትና ብሰላም ዘፈጸመና እግዚአብሄር ክብርን ምስጋናን ይኹኖ።ኣሜን።

ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን። 

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ

ዕለት፥ ሰንበት 12 ሓምለ 2020 (ሓምለ 5 , 2012 ግእዝ)

ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባባት

ዲያቆን

ንፍቀ ዲያቆን

ንፍቀ ካህን

ወንጌል

ቅዳሴ

2ጢሞ 45-22

 

2ጴጥ 110-18

 

ግብ 141-13

 

ማቴ 101-15

ዘሓዋርያት/ ዘወልደ ነጐድጓድ

 

መዝ 18/193-4

አልቦ ነገር ወአልቦ ነቢብ ዘኢተስምዐ ቃሎሙ። ውስተ ኵሉ ምድር ወፅአ ነገሮሙ። ወእስከ አጽናፈ ዓለም በጽሐ ነቢቦሙ።

ዘረባ የልቦን፡ ምዝርራብ የልቦን፡ ድምጾምውንኣይስማዕን እዩ። ገመዶም ናብ ኲሉ ምድሪ፡ቃላቶም ድማ ክሳዕ ወሰን ዓለም ይወጽእ ኣሎ፡ንጸሓይ ከኣ ድንኳን ተኸለሎም።

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div