S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ካብ ነብያት ሓሶት ተጠንቀቑ !!!

ካብ ኣትራኖስ ቤተ ክርስቲያን - From the pulpit of the Church

ንጉሥ ውእቱ ክርስቶስ። ንጉሥ ውእቱ ክርስቶስ። መሐሪ ውእቱ ይሁብ ዘርአ ለዘራኢ።ንጉሥ ውእቱ ክርስቶስ። ያሠምር እክለ ለሲሳይ ያነሥኦ እምድር ለነዳይ።ንጉሥ ውእቱ ክርስቶስ። ዘኢየኀይድዎ ሥልጣኖ፡ዘይኤዝዝ ትፍሥሕተ ለጻድቃኒሁ።ንጉሥ ውእቱ ክርስቶስ። ወሠርዐ ሰንበተ ለሰብእ ዕረፍተ ገባሬ ሕይወት፡ ያርኁ ክረምተ በበዓመት።ንጉሥ ውእቱ ክርስቶስ። ንጉሥ ውእቱ ክርስቶስ።” ትርጉሙ ከአ“ክርስቶስ ንጉሥ'ዩ። መሓሪ'ዩ ንዘራኢ ዘርኢ ይህብ: እኽሊ ንምግቢ የሥምር: ንድኻ ካብ ሓመድ የልዕሎ። ሥልጣኑ ዘይተመርማሪ ንጻድቃኑ ሓጐስ ይእዝዘሎም። ንደቂ ሰብ ሰንበት ንዕረፍቲ ሠርዐ፡ ፈጣሪ ሕይወት፡ በብዓመቱ ክረምቲ ይህብ። ክርስቶስ ንጉሥ ኢዩ: ክርስቶስ ንጉሥ ኢዩ።ዝበል መዝሙር ምስጋና እዩ በዚ ዕለት እዚ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ብኣገልገልቱ ዝበጽሕ። ምስዚ ዘሎናዮ ወቅቲ ክረምቲ ዝኸይድ ንባባት ከም ዝሕብሮ፡ ምስ ህይወትና እንዳ ኣጋናዘብና ሎሚ ካብ ዝተነበበልና ወንጌል ብዛዕባ ኣብ ጽኑዕ ዝኮነ ክርስቶስ ዘይምጽናዕ ህቦብላ ዝኾነ ስሑት ትምህርቲ ንዕንወት ህዝቢ ዓለም ይኸውን ከምዘሎ ካብ ቃል እግዚአብሄር መበገሲ ጌርና ክንርእይ ኢና።

ካብ ነብያት ሓሶት ክንጥንቀቕ ከም ዜድሊ ሐበሬታ ይጽናሓለይ ዘየድልዮ ነገር እዩ። ምጥንቃቕ ዜድልየሉ ምኽንያት ከኣ እቲ ሓሶት ሓቂ መሲሉ ኪቐርብን ከደናግርን ስለዝኽእል እዩ። ነቢይ ሓሶት ብውሽጡ ሓደገኛ ክነሱ ብደጊኡ ግን ደሓን መሲሉ ክረአይ ይኽእል ።ማለት ቆርበት በጊዕ ዝተኸድነ ተኹላ ኮይኑ ይመጸካ። ስለዚ ቆርበቱ ሕልፍ ኢልካ ዉሽጡ ክትምርምር የድሊ። ንሓሰውቲ ነብያት ብኸመይ ከም እንፈልጦምን፡ ብኸመይክን ርእዮምን ከምዝግብኣና ቃል እግዚኣብሄር ብንጹር ይገልጸልና እዩ።

ዘፍ 34-5 “እቲ ተመን ድማ ነታ ሰበይቲ፡ ኣይፋልኩም፡ ኣምላኽ ደኣ ካብኣ ምስ እትበልዑ መዓልቲ ኣዒንትኹም ከም ዚኽፈታ፡ ከም ኣምላኽውን ከም እትዀኑ፡ ጽቡቕን ክፉእን ከኣ ከም እትፈልጡ፡ ስለ ዝፈለጠ እዩ እምበር፡ ከቶ ኣይትሞቱን ኢኹም፡ በላ።

ዘዳ 135 “ካብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኽትከዳ ዝአዘዘካ መገዲ ኼግልሰካ፡ ካብቲ ኻብ ምድሪ ግብጺ ዘውጽኣኩም፡ ካብ ቤት ባርነት ድማ ዘድሐነኩም እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኬዕልወኩም ተዛሪቡ እዩ እሞ፡ እቲ ነብዪ እቲ ወይ እቲ ሓላም ሕልምታት እቲ ይሙት። በዚ ኸምዚ ነቲ ኽፉእ ካብ ማእከልካ ኣርሕቆ።

ኤር 28 “ካህናት፡ እግዚኣብሄር ኣበይ ኣሎ፧ ኣይበሉን፡ ሕጊ ዝሐዙ ድማ ኣይፈለጡንን፡ ጓሶት ጠለሙኒ፡ ነብያት ብስም በዓል ተነበዩ፡ ደድሕሪ እቶም ዘይጠቕሙ ኸኣ ሰዐቡ።

ኤር 1414ሽዑ እግዚኣብሄር፡ እቶም ነብያትሲ ብስመይ ሓሶት ይንበዩ ኣለው። ራእይ ሓሶትን ጥንቈላን ከንቱነትን ናይ ልቦም ጥበራን ደኣ እዮም ዚንበዩልኩም ዘለው እምበር፡ ኣነስ ኣይለኣኽክዎምን፡ ኣይኣዘዝክዎምን፡ ኣይተዛረብክዎምን ድማ፡ በለኒ።

ሚል 35ኣነ ንፍርዲ ክቐርበኩም እየ፣ ኣንጻር ኣስማተኛታትን ዘመውትን ኣንጻር እቶም ብሓሶት ዚምሕሉን ነቲ በዓል ዓስቢ ዓስቡ ዝዕምጽዎን ንመበለትን ዘኽታምን ዚገፍዕዎምን ንስደተኛ መሰሉ ዚጠውዩሉን ንኣይ ከኣ ዘይፈርሁን ቅልጡፍ ምስክር ክዀኖም እየ፣ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት።

ማቴ 2411 “ብዙሓት ነብያት ሓሶት ኪትንስኡ፡ ንብዙሓትውን ኬስሕቱ እዮም።

ማር 1322 “ናይ ሓሶት ክርስቶሳትን ናይ ሓሶት ነብያትን ኪትንስኡ እዮም እሞ፡ እንተ ተኻእሎምሲ፡ ነቶም ሕሩያትውን ኬስሕቱ፡ ትእምርትን ተኣምራትን ኪገብሩ እዮም።

እቲ ቀንዲ መለለይኦም ከኣ ፍሪኦም እዩ ፍረ ከኣ ቀልጢፍካ ክትሪ ስለ ዘይትኽእል ብትዕግስቲ ምምርማር የድሊ። እቲ ዝዛረቦን ዘፍርዮን ነገር ከተዛምዶ ይግብኣካ ሓሶት እናሰበኸ ኣብ ህይወቱ ናይ ሓቂ ፍረ ኬፍሪ ኣይክእልን እዩ። ምናልባት ጽቡቕ ፍረ ዝመስሉ ነገራት ኣብ ህይወቱ ኪረኣዩ ይኽእሉ ይኾኑ። ግን ከምዝተመስርሐ (artificial) ፍረ ክትምገቦም ዘይከኣል፡ ህይወት ዘይብሎም እዮም። ስለዚ ከምቲ ኣምላኽ ንሓቂ ኣብ ዉሽጢ ዝደልያ፡ ንሕና እውን ብኣምሳሉ ኢና ተፈጢርና እሞ ከምኡ ኴንና ንሓቂ ኣብ ውሽጢ ክንደልያ ይግባእ (መዝ 516 1ሳሙ 166-10)

ጽቡቕ ኦም ኲሉ ጊዜ ጽቡቕ ፍረ እዩ ዝፈሪ ክፉእ ኦም ከኣ ከምኡ ስለዚ ካብ ተኾርባ በለስ ክንጽበ የብልናን። ምናልባት እቲ ፍረ በለስ ኣብኡ ተጣቢቑ እንተ ጸንሔእውን ስቕ ኢልና ክንቅበሎ ኣይግባእን። ሽዑ ኢና ብዝያዳ ክንጠራጠር ዚግብኣና (ማቴ 1233-36፣ምሳ 12141ሳሙ 2419፣ማቴ 38፣ሉቃ 137፣ዮሃ 158፣ፊሊ 417)

 “ጐይታይ ጐይታይብምባል ወይከኣ ብስሙ ኣብ ኻልኦት ሰባት ሓይሊ ስለዝገበርካ ናይ ጐይታ ኢኻ ማለት ኣይኮነን። ንኻልኦት ካብቲ ዓማጺ ድያብሎስ ገላጊልካ፡ ንርእስኻ ግን ዓመጻ እምበር ፍቓድ ኣምላኽ ዘይትገብር እንተኾንካ ትርጉም የብሉን። እቲ ስም ጐይታ መጀመርያ ኣባኻ ከይሰርሔ ኣብ ኻልኦት እንተ ሰራሕካሉ እንታይ ይጠቅም። እዚ ስም እዚ ክንሰርሓሉ ጥራይ ዘይኮነስ ኣባና ክሰርሕ እሞ ካብ ግብሪ ዓመጻ ከላቕቐና እዩ ተዋሂቡ። ክንድሕንን ምስኡ ንዘለኣለም ንኽንነብርን ከኣ ፍቓድ ኣምላኽ  ክንገብር ናይ ግድን እዩ (መዝ 408 መዝ 14310፣ዮሃ 434 ዮሃ 717 ግብ 2214,25፣ሮሜ 122 ኤፌ 66፣ዮሃ 931 1ዮሃ 217፣ማቴ 1250 እብ 1321) ኣምላኽ ከኣ ፍቓዱ ንዚገብር ነቲ ናቱ ድኣ እምበር ንገባር ዓመጻ ኣይፈልጥን እዩ (2ጢሞ 219)

እቲ ፍቓድ ኣምላኽ ዝገብር፡ ፍረ ዘለዎ ንዜብሉን ሰብ ዝፍለየሉ መገዲ ከኣ ፈተና ኣብ ዝገጥመሉ እዋን እዩ። እቲ ምስላ ብኽልተ ኣባይቲ ዝሃንጹ ሰባት እዩ ተመሲሉ። ክልቲኦም ከነነጻጽሮም ከለና ሓደ ዝገብሮም ነጥቢ ክልቲኦም ቤት ኪሰርሑ ምኽኣሎም እዩ።እቲ ኣብ ሑጻ ዝሰረተ ቅድሚ እቲ ኣብ ከውሒ ዝሰረተ ኪውድእን ቀልጢፉ ኺዕቆበላን ከምዝኽእል ርጉጽ እዩ። ዝወሓደ ጉልበት ከኣ ይውድእ።እቲ ኣብ ከውሒ ዝሰረተ ከኣ ብዙሕ ይጽዕር፡ ብዙሕ ጊዜ ይወስደሉ ደንጒዩ ከኣ ንቤቱ የጽልለላ። እንተኾነ እቲ ዉሒዝ ናይ ፈተና ምስ መጸ ፍሪኦም ርኢኻ መን ከምዚ ሓይሽ ኬተለሊ ትኽእል። እቲ ብዓል ሑጻ ቤቱ ለኪማቶ ትጠፍእ፡ እቲ ብዓል ከውሒ ግን ንርእሳ ደው ኢላስ ንእኡ ከኣ ካብቲ ዝዘንም ዘሎ ዝናምን ካብቲ ዝውሕዝ ዘሎ ውሒዝን ትሰትሮ። እቲ ከውሒ ክርስቶስ እዩብዘይ እቲ ስሩት መሰረት፡ ንሱ ኸኣ ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ካልእ መሰረት ሓደ እኳ ኺስርት ዚኽእል የልቦን እሞ፡ ኣነ ኸምቲ እተዋህበኒ ጸጋ ኣምላኽ ብልሓተኛ ሃናጺ ዀይነ ነቲ መሰረት ሰረትኩ፡ ሓደ ኻልእ ከኣ ኣብ ልዕሊኡ ይሃንጽ። ነፍሲ ወከፍውን ከመይ ገይሩ ኸም ዚሃንጽ ይጠንቀቕ።” (1ቆረ 311) ካብ ክርስቶስ ወጻኢ ኮይኑ መንፈሳዊ ቤትና ክንሰርሓሉ እንፍትን ዂሉ ከኣ ሑጻ እዩ። ስለዚ ዉድቀትና ከይዓቢ ነቲ ካብ ዉድቀት ክሕልወና ዝከኣሎ ጐይታ ክንፈልጦን ኣብኡ ክንስረትን የድሊ።

ጐይታ ንቓሉ ብስልጣን ድኣ እምበር ከምቶም ጸሓፍቲ ብስክፍታ ይሰብኮ ኣይነበረን ።ብስልጣን ይሰብኽ ነይሩ ማለት እቲ ቃል ኣብ ኣፉን ኣብ ህይወቱን ሓቂ ከምዝኾነ ይንጸባረቕ ከምዝነበረ ንርዳእ።ጐይታ ብስልጣን ይሰብኽ ከምዝነበረ ግን ከኣ ዘይጭድር ምንባሩ ኢና ንፈልጥ። ስልጣን ብዓይነት ድምጺ ዘይኮነስ ብዓይነት ህይወት እዩ። ጐይታ ግን ብትምህርቱ ንዂሉ ሰብ ኲሉ ጊዜ የገርሞ ነበረ (ማቴ 1354፣ማቴ 2233፣ማር 122፣ማር 62፣ማር 1118፣ሉቃ 432፣ዮሃ 746)

እዚ ኩሉ ክንርእዮ ዝጸናሕና ምስቲ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዝዝመር ክርስቶስ ንጉሥዩ፡ ዝብል መሪሕ ቃል ካልእ ኣብ ህይወትና ንጉሥ ክኸውን ዝመጽእ በቲ ዝተነግረ ቃል ተማሂርና ኣብ ጽኑዕ ሰረት ዝኮነ ክርስቶስ ክንጽጋዕ ካብ ዝመጽእ ከቢድ ዝናብ ህቦብላ ዝተሓወሶ መሰረትና ዘናውጽ ብዘይ ስከፍታ ክንሓልፎ ቤተ ክርስቲያን ሎሚ ኣበይ ተዓቁብኩም ኣሎኹም ትብል ኣላ እሞ ዓይንተ ልቦናና በሪሁ መገድና ከነጽንዕ እግዚአብሄር ይሓግዘና።

ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ

ዕለት፥   ሰንበት,  ሓምለ 19 2020 (ሓምለ 12 , 2012 ግእዝ)

ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባባት

ዲያቆን

ንፍቀ ዲያቆን

ንፍቀ ካህን

ወንጌል

ቅዳሴ

2ቆሮ 95-15

 

ያቆብ 313-18

 

ግብ 2718-26

 

ማቴ 721-29

ዘእግዚእነ

 

መዝ 135/13625-26

ዘይሁብ ሲሳየ ለኵሉ ዘሥጋ ፤እስመ ለዓለም ምሕረቱ ።ግነዮ ለአምላከ ሰማይ

እቲ ንዅሉ ስጋ ዚምግብ፣ ምሕረቱ ንዘለአለም ይነብር እዩ እሞ፣ ንኣምላኽ ሰማይ ኣመስግንዎ።

ዓዲመዝ 103/1048-9

ዘያበቍል ሣዕረ  ለእንስሳ ፡፡ ወሐመልማለ ለቅኔ እጓለ እመሕያው። ከመ ያውፅእ እክለ እምድር

ካብ ምድሪ ምግቢ ምእንቲ ኼውጽእ፣ ንእንስሳስ ሳዕሪ፣ ንጥቕሚ ሰብ ከኣ ተኽሊ ኣብቈልካ።

 

 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div