S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

እተዳለኹም ኩኑ!!

ካብ ኣትራኖስ ቤተ ክርስቲያን - From the pulpit of the Church

በቀዳሚ ገብረ እግዚአብሔር። ሰማየ ወምድረ ወኵሎ ፈጺሞ አዕረፈ በሰንበት ወይቤሎ ለኖኅ አመ አይኅ ግበር ታቦተ በዘትድኅን። አነ አቀውም ኪዳንየ ዘምስሌከ ለዓለም፡ ከመ ዳግመ ለምድር ኢያማስና በአይኅ፡፡ ከመ አሀባ ለምድር ሣዕረ ሐመልማለ፡ ክረምተ ወሐጋየ ዘርአ ወማእረረ። ዝኬ ውእቱ ጸጋሁ ለእግዚአብሔር። በአማን ኢይሔሱ ቃሎ ዘነበበ። ትርጉሙ ከአ “ብመጀመርታ እግዚአብሄር ሰማይን ምድርን ገበረ፡ ብሰንበት ካኣ ካብ ኩሉ ስርሑ አዕረፈ፡ ንኖህ በሎ ምእንቲ ክትድሕን ንዓካ ታቦት ግበር በሎ።ኪዳነይ ከኣ ምሳኻትኩም ንዘልአለም ኤቕውም አሎኹ።ድሕሪ ደጊም ንምድሪ ዜጥፍእ ማይ ኣይሂ ድማ መሊሱ ኣይኸውንን። ንምድሪ ብሳዕር ከለምልማ እዩ፡ ከምኡውን ክረምትን ሓጋይን ከአ ንዘርእን ንብቁልን ገበረ። እዚ ከአ ጸጋ እግዚአብሄር እዩ። ዝበሎ ቃሉ ከኣ ኣይሕሱን እዩ።”

ሎሚ ዝተነበበልና ንባብ ወንጌል ማቴ 24፡36-ጻሜ ብፍላይ ከአ ቁጽሪ 44 “ስለዚ ወዲ ሰብ ብዘይሐሰብኩምዎ ጊዜ ኺመጽእ እዩ እሞ፡ ንስኻትኩም ድማ እተዳሎኹም ኩኑ። ”ከምቲ “ጥቡዕ ልቡ ለሕፃን” ትርጉሙ “ልቢ ናይቲ ቈልዓ ንጹህ” ዝተበህለ ቅዱስ ቂርቆስን ኣዲኡ ቅድስቲ ኢየሉጣን ብሓፈሻ ኵሎም ቅዱስን ንክርስቶስ ዝነበሮም ፍቅሪ ዘፍርሖ ዘይነበረ፡ ካብቲ ኵሉ ካብ ክርስቶስ ክፈልዮም ኣብ ዘመነ ሰማዕታት ንርእሶም ድሉዋት ኮይኖም ንብዙሓት ናብ እምነት ዘምጽኡ እዚ ካብ ሎሚ ሓምለ 19 ክሳብ ነሐሴ 10 ዘሎ “በርቂ፡ ነጐዳ፡ ባሕሪ ወሓይዝ፡ ጠሊ” ተባሂሉ ይጽዋዕ። በዚ ከአ ወቅትታት በርቂ ነጐዳ ባሕሪ ጠሊ ዝፍጠሩ ብእግዚአብሄር ፍቓድ ምዃኖም ብምርዳእ ኣብ ቅዳሴ ዝንበቡ ጽሑፋት ነዚ ዝተጠቅሰ ዘመልክቱ እዮም። ከምቲ ብርቱዕ ክራማት ዘፍርሕን ዘርዕድን ሎሚ ኣብ ህይወት ክርስትናና ንዝመጽእ መብረቅን፡ ነጐዳን ከመይ ተዳሊናሉ ኣሎና፧

ጐይታና ኣብታ ተታሒዙ ዚስቀለላ ናይ መወዳእታ ፋሲካ ኣይሁድ ናብ ኢየሩሳሌም ምስ ኣተወ፡ ደቀ መዛሙርቱ ብዛዕባ ጽባቐ ናይቲ ቤት መቕደስ ኬዛርብዎ ናብኡ ቐረቡ። ንሱ ግና ነቲ ሓሳባቶም ገና ብቓላት ከይገለጽዎ ኸለው ኣብ ልቦም ከሎ ኣስተውዒልዎ ነበረ። ከምቲ ቕዱስ ዳዊት፡ “ጐይታየ፡ ንስኻ መርመርካኒ ፈለጥካኒ’ውን ንምቕማጠይን ምትንሳአይን ትፈልጦ፡ ንሓሰበይ ካብ ርሑቕ ተስተውዕሎ። ጐይታየ ሓንቲ ቓል ኣብ መልሓሰይ ከየላስ፡ እንሆ ዅሉ ትፈልጥ ኢኻ እሞ፡ ምኻደይን ምድቃሰይን ትምርምር፡ ንብዘሎ መገደይ’ውን ኣጸቢቕካ ትፈልጦ ኢኻ።” ዝበሎ፡ ጐይታና ኢየሱስ’ውን ከም ኵሉ ዚፈልጥን ልብን ኰላሊትን ዚምርምር ፍጹም ኣምላኽን መጠን፡ ነቲ ኺብልዎ ዝደለዩ ሓሳብ ኣስተውዒልዎን ፈሊጥዎን ነበረ (መዝ 139፡1-4)። ስለዚ ገና ኸይተዛረብዎ ኸለው፡ ንሱ ብዛዕባ መጻኢ ናይቲ ቤት መቕደስ፡ “እዚ ዅሉስ ትርእይዎዶ ኣለኹም፧ ‘ኣብዚ (ቦታ’ዚ) ዘይፈርስ እምኒ ኣብ ልዕሊ እምኒ ኣይኪተርፍን እዩ።’ እብለኩም ኣለኹ።’ ኢሉ ነገሮም (ማቴ 24፡2)። እቶም እዚ ዘረባ’ዚ ዝገረሞም ደቀ መዛሙርቱ፡ ኣብ ደብረ-ዘይቲ ተቐሚጡ ኸሎ፡ ብሕት ኢሎም፡ “እዚ (ምፍራስ ናይ ቤት መቕደስ) መኣዝ ኪኸውን እዩ፧ ትእምርቲ ምምጻእካን መወዳእታ ዓለምንከ እንታይ እዩ፧” ኢሎም ድርብ ሕቶ ሓተትዎ (ማቴ 24፡3)። ንሱ ድማ ብዛዕባ እቲ ኣብ 70 ዓ.ም ብሮማዊ ጀነራል ቲቶስ ዝተፈጸመ ምፍራስ ቤት መቕደስን፡ ዕንወት ኢየሩሳሌምን፡ ህልቂት ኣይሁድን (ማቴ 24፡15-28) ከምኡ ድማ ብዛዕባ ኻልኣይ ምጽኣቱን እቲ ሽዑ ዚፍጸም መወዳእታ ዓለምን ገለጸሎም። እዚ ኣብዛ ዕለት እዚኣ ዚንበብ ክፋል ወንጌል ድማ ብዛዕባ ኻልኣይ ምጽኣቱ ዚገልጽ እዩ።

ጐይታና ብዛዕባ ዕለት ምጽኣቱ፡ “ነታ መዓልቲ እቲኣን ነታ ሰዓት እቲኣን ግና፡ ብዘይካ ኣቦ በይኑ፡ ናይ ሰማይ መላእኽቲ ዀኑ ወልድ ኰነ ሓደ እኳ ዚፈልጣ የልቦን።” ዝበሎ ቓል ብዙሓት የዋሃት ጐይታና ኢየሱስ ብዛዕባ ምጽኣቱ ፈጺሙ ኸም ዘይፈልጥ ገይሮም ይርድእዎ እዮም። ኣብቲ እግረ ጽሑፍ ናይቲ ኻልኣይ ትርጉም መጽሓፍ ቅዱስ ትግርኛ ተመልኪቱ ኸም ዘሎ፡ ኣብ ገሊኡ ብራናታት ግሪኽ “ወልድ ዀነ” ዚብል ቃል ከም ዘየለ ተመልኪቱልና ኣሎ። ዋላ እንተ ሃለወ’ውን፡ ከም ኣካል ናይቲ ንርእሱ ብምትሓት ንኣቦኡ ድማ ብምዕባይ ኣርኣያ ኪዀነና ዝበሎ እምበር ስለ ዘይፈልጦ ኣይኰነን። ኣብ ምስጢረ ስላሴ ኸም እንመሃሮ፡ ሰለስቲኦም ኣካላት ስላሴ ብመለኮት፡ ብህልውና፡ ብስልጣን ብፍቓድ፡ ብባህርይ ሓደን ማዕረን እዮም። ክርስቶስ ድማ ፍጹም ኣምላኽን ፍጹም ሰብን እዩ። ከም ፍጹም መለኮት መጠን ድማ ኵሉ እቲ መለኮታዊ ባህርያት ኣለዎ። እዚ ማለት ድማ ኵሉ ይፈልጥ፡ ኵሉ ይኽእል፡ ኣብ ሓደ ጊዜ ኣብ ኵሉ ቦታ ይርከብ ወዘተ ማለት እዩ። ስለዚ እቲ ኣቦ ዚፈልጦ ዅሉ እቲ ወዲ’ውን ይፈልጦ እዩ። መልክዕ ባርያ ወሲዱ ርእሱ ብምትሓቱ “ኣቦይ ካባይ ይዓብይ” እኳ እንተ በለ፡ መለኮታዊ ባህሪኡን ስልጣኑን ከም ዘይሓደገ፡ ብዅለንትናኡ ምስ ኣቦ ማዕረ ምዃኑ ኬመልክት ድማ፡ “ኣነን ኣቦን ሓደ ኢና” ኢሉ እዩ (ዮሃ 14፡28 10፡30)። “ብዘሎ (ኵሉ) መዝገብ ጥበብን ፍልጠት ኣብኡ (ኣብ ክርስቶስ) ተሰዊሩ ኣሎ” ዝተባህለሉ ስለ ዝዀነ ኣብ ክርስቶስ ዘየለ ፍልጠት ኪህልው ኣይክእልን እዩ (ቈሎ 2፡3)። ንሕና ንእግዚኣብሄር እንፈልጠሉ ምንጭን መርሖን ፍልጠትና’ውን ንሱ እዩ (ማቴ 11፡27)።

እቲ ንዓለም ዚፈርድ ዳኛ ክርስቶስ ባዕሉ እዩ። ኣሽንኻይ እቲ ሰማያዊ፡ እቲ ምድራዊ ዳኛ እኳ ናብ መጋባእያ ቐሪቡ ፍርዲ ዚህበሉ ዕለት ይፈልጥ እዩ። “ኵሉ ብእኡ ዀነ፡ ካብቲ ዝዀነ ዘበለ ድማ ብዘይ ብእኡ ዝዀነ የልቦን” ዝተባህለሉ ጐይታ ስለ ዝዀነ፡ ምውሳን ዕለተ ፍርዲ’ውን ብእኡ እያ እትኸውን (ዮሃ 1፡3)። ምኽንያቱ ጐይታ ባዕሉ’ውን፡ “ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ኵሉ ስልጣን ተዋሂቡኒ ኣሎ” ብምባል ብቓል ሃዋርያቱ ኣረጋጊጹልና እዩ (ማቴ 28፡18፣ 11፡27፣ ሉቃ 10፡22፣ ዮሃ 3፡35፣ 13፡3፣ 17፡2፣ 1ቈረ 15፡27፣ ኤፌ 1፡20-22፣ ፊሊ 2፡9,10)። ብፍላይ “ፍርዲ” ድማ ምሉእ ስልጣን ናቱ ምዃኑ “ኵሉ ሰብ ከምቲ ነቦ ዜኽብሮ ገይሩ ንወዲ ምእንቲ ኬኽብሮስ፡ ፍርዲ ዘበለ ንወዲ ሃቦ እምበር፡ ኣቦ ንሓደ እኳ ኣይፈርድን እዩ።” ብዚብል ቃሉ ኣፍሊጡና ኣሎ (ዮሃ 5፡22,23)። ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ኵሉ ስልጣን ከም ዝተዋህቦ፡ ኵሉ ድማ ብእኡ ኸም ዚኸውን፡ ኵሉ ፍልጠት ድማ ኣብኡ ተሰዊሩ ኸም ዘሎ እናተነግረካ፡ በዛ “ወልድ ዀነ” እትብል ሓንቲ ቓል ወሲድካ፧ “ክርስቶስ ዕለተ ምጽኣቱ ኣይፈልጥን እዩ” ኢልካ ምድምዳም ኣርዮሳውያን ንክርስቶስ ንምንእኣስን፡ ኣምላኽነቱ ንምኽሓድን ዚጥቀሙሉ፡ ናብ ገሃነም ዚነቍት ናይ ጥፋት መገዲ ምምራጽ እዩ ዚኸውን።

ድሕሪ እዛ ክንዛረበላ ዝጸናሕና ጥቕሲ ዚርከብ ኵሉ ትሕዝቶ ናይቲ ንባብ ግና ብዛዕባ ንምጽኣት ጐይታ ኪህልወና ዚግብኦ ምድላዋት ዚገልጽ እዩ። እቲ ዝዀነ ክርስትያን ኪገብሮ ዚግባእ ቀዳማይ ምድላው፡ ብዛዕባ ናይቲ ኺመጸሉ ዚጽበዮ ዘሎ ጐይታ መንነት፡ ግቡእን ቅኑዕን ኣፍልጦ ምሓዝ እዩ። ከምኡ ስለ ዝዀነ ድማ ጐይታ ንደቀ መዛሙርቱ፡ “ሰባት መን እዩ ይብሉኒ ኣለው፧” ኢሉ ሓተቶም። ንሳቶም ነቲ እቲ ህዝቢ ብዛዕባ መንነት ክርስቶስ ዝነበሮ ግጉይ ርድኢት ዘርዚሮም ድሕሪ ምንጋሮም፡ ጐይታ ናባታቶም ተመሊሱ፡ “ንስኻትኩምከ መን እዩ ትብሉኒ ኣለኹም፧” ኢሉ ሓተቶም። ብድሕር’ዚ ሃዋርያ ጴጥሮስ፡ “ንስኻ ክርስቶስ ወዲ ህያው ኣምላኽ ኢኻ” ኢሉ መለሰ እሞ፡ ጐይታ ፍሉይ ናእዳን ምስክርነትን ሃቦ። ከምዚ ዝበለ ከም ከውሒ ጽኑዕ ርድኢት ንዘለዎ ሰብ፡ ደጌታት ሲኦል ከም ዘይሕይልዎ መርሖታት መንግስተ ሰማያት ድማ ከም ዚወሃቦ ተገልጸሉ፡ (ማቴ 16፡13-18)። እቶም ብዛዕባ መንነት ክርስቶስ ግጉይ ርድኢት ዘለዎም ግና፡ ኣብ ደጌታት ሲኦል እምበር፡ ኣብ ደጌታት መንግስተ ሰማያት ዚሰልጦም ዋላ ሓንቲ ነገር የልቦን። ስለዚ እቲ መርሖታት መንግስተ ሰማያት ተኸፊቱ ኺኣትው ዚደልይ ኵሉ ክርስትያን ኪገብራ ዚግብኦ ቐዳመይቲ ምድላው እምበኣር፡ ብዛዕባ’ዚ እግዚኣብሄር ኣቦ ማዕሪኡ ገይሩ ዘኽበሮ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እቲ ቃል እግዚኣብሄር ብዛዕባኡ ዝገለጾ ሓቀኛ መንነትን ስልጣንን ከም ዚግባእ ምርዳእን ምፍላጥን እዩ።

ብዛዕባ ክርስቶስ ወርቃዊ ርድኢት ሃልዩካ፡ ነቲ ዚግባእ ናይ ህይወት ምድላዋት እንተ ዘይጌርካ ግና፡ እቲ ቕኑዕን ልዑልን ፍልጠት ዋላ ሓንቲ ዚዓብሶ የለን። ስለዚ ድማ በየነይቲ ሰዓትን መዓልትን ከም ዚመጽእ ስለ ዘይንፈልጥ ኵሉ ጊዜ ተዳሊና ኽንነብር ከም ዚግባና ነገረና። ኣብ ዘመን ኖህን ኣብ ዘመን ሎጥን ብዘይካ ኖህን ሎጥን ካልእ ምድላዋት ዝገበረ ዋላ ሓደ እኳ ኣይነበረን። ናይ ክልቲኦም ምድላዋት ድማ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዕለት ብጽድቂ ምምልላስ እምበር ካልእ ኣይነበረን። ብዛዕባ ኖህ እግዚኣብሄር መንፈስ ቅዱስ፡ “ኖህ ካብቶም ወለዶታቱ ጻድቕን እንታ ዘይብሉን ሰብኣይ ነበረ። ኖህ ምስ ኣምላኽ ተመላለስ።” ኢሉ ዝሃቦ ምስክርነት፡ ነቲ ንመዓልቲ ኣምላኽ ተዳሊኻ ምጽናሕ ዚብል ሓሳብ እንታይ ምዃኑ ጽቡቕ ገይሩ ዜብርሃልና እዩ (ዘፍ 6፡9)። እምበኣር እተዳሎኻ ምዃን ማለት፡ ካብቲ እትነብረሉ ዘለኻ ቄናን ወለዶ ብኣካይዳኻ ተፈሊኻ ብጽድቅን እንታ ብዘይብሉ ህይወትን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ምምልላስ ማለት እዩ። ሃዋርያ ጴጥሮስ ኣብ በዓለ መንፈስ ቅዱስ ምስ ሰበኸ፡ እቲ ብመልእኽቱ ልቡ ዝተወግአ ህዝቢ፡ “ኣቱም ኣሕዋትና፡ እንታይ ንግበር፧” ኢሉ ምስ ሓተቶ፡ “ካብዚ ቔናን ወለዶ’ዚ ድሓኑ” ኢሉ መለሰሎም (ግብ 2፡37-40)። እቶም ህዝቡ ኪኹኑ ዝተሓርዩ ቤት እስራኤል መገዶም ምስ ጸየቑ፡ ብዛዕባኦም፡ “ንሳቶም ተበላሸው፡ ደቁ ኣይኰኑን፡ ነውራማት እዮም፡ ሓረመኛን ቄናንን ወለዶ እዮም።” ተባሂኡ ኣሎ (ዘዳ 32፡5)። ስለዚ ካብቲ ኣብ ማእከሉ ዘሎኻ ቄናን ወለዶ ብዅለንተናኻ ዝተፈሌኻ እንተ ዘይኴንካ፡ ካብቲ ንእኡ ዝተመደበ ፍርድን ስቓይን ክትፍለይ ኣይከኣልን እዩ። ብኸመይ ካብዚ ወለዶ እዚ ኸም እንፍለይ፡ ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ከምቲ ከዋኽብቲ ኣብ ዓለም ዜብርሁ፡ ንስኻትኩም ከኣ ኣብ ማእከል እዚ ቔናንን ጠዋይን ወለዶ እዚ እንታ ዘይብሎም ንጹሃትን ኣበር ዘይብሎም ውሉድ ኣምላኽን ኴንኩም ኣብርሁ። እዚ ኸኣ ነቲ ህይወት ዚህብ ቃል ኣጽኒዕኩም ብምሓዝ እዩ። በታ ክርስቶስ ዚመጸላ መዓልቲ ኸኣ ብኸንቱ ስለ ዘይጐየኹን ስለ ዘይጸዓርኩን ክምካሕ እየ።” ብምባል ገሊጹልና ኣሎ (ፊሊ 2፡15)። ሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባኦም እንተ ተመኪሑ፡ ንሳቶም ማዕረ ኽንደይ ኪሕጐሱን ኪምክሑን’ዮም ማለት እዩ።

ሎጥ’ውን እንተ ዀነ፡ “ነቶም ፍርሃት እግዚኣብሄር ዘይብሎም፡ መሰክሒ ምእንቲ ኪዀና፡ ንሰዶምን ጎሞራን ሓሙዅሽቲ ኽሳዕ ዚዀና ኪቃጸላ ፈረደን። ነቲ ብኣበሳኦምን ርኹስ ንብረቶምን ዜስካሕክሕ ዝነበረ ጻድቕ ሎጥ ኣድሓኖ። እቲ ጻድቕ መዓልቲ መዓልቲ ኣብ ማእከሎም ኪነብር ከሎ፡ በቲ ዚርእዮን ዚሰምዖን ዝነበረ ግብሪ ዓመጻኦም። እታ ጻድቕ ነፍሱ ትሳቐይ ነበረት።” ተባሂሉ ተመስኪሩሉ እዩ (2ጴጥ 2፡6-8)። ይትረፍ ኪሳተፍ፡ ነቲ ርኹስ ግብሮም ብምርአይን ብምስማዕን ይሳቐይ እንተ ነይሩ፡ ኣብ ማእከል እቲ ቔናንን ጠዋይን ወለዶ እናነበረ ኸሎ፡ ካባታቶም ተሓልዩን ድሒኑን ይመላለስ ከም ዝነበረ ርዱእ እዩ። ከማታቶም ካብ ምዃን ኣቐዲሙ ርእሱ ስለ ዘድሐነ ድማ፡ ካብቲ ድሒሩ ንኣታቶም ኬጥፍእ ዝመጸ ፍርድን መዓትን ደሓነ። እምበኣር፡ ንምጽኣት ጐይታ እተዳለኻ ምዃን ማለት፡ መዓልቲ መዓልቲ ኻብቲ ዘለኻዮ ወለዶን ግብርታቱን ምድሓን ማለት እዩ። ካብ ግብርታትን ባህርያትን ናይቲ ዘለኻዮ ወለዶ ኣባኻ እንተ’ልዩ ንምድሓን ዘይኰነስ ንጥፍኣት ተዳሊካ ትጽበይ ከም ዘሎኻ ኣስተውዕል። እቲ ልብሲ ምድሓንካ ብርስሓት ናይዚ ወለዶ እንተ ተጸዩቝ፡ ገጽ እቲ ንኼንጽሃካ ክቡር ደሙ ዘፍሰሰ ገንሸል ክትርእይ ኣይክትበቅዕን ኢኻ። ስለዚ ነፍስናን ስጋናን መንፈስናን ካብ ጽያፍ ናይዚ ኣብ ማእከሉ ዘሎና ቄናንን ጠዋይን ክፉእን ዘማውን ወለዶ ርእስና ብንጽህና ንሓልው። ባህርያዊ ሕጊ ዀይኑ፡ እዚ ጽያፍ ብዘይ ፍቓድና እንተ ጠበቐና ድማ ብንስሓ ብደም ክርስቶስ ክዳውንትና ሓጺብና ኣጻዕዲና፡ ንምቕባል እቲ መርዓዊ ገንሸል እተዳሎና ንኹን።

ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ

ዕለት፥   ሰንበት,  ሓምለ 26 2020 (ሓምለ 19 , 2012 ግእዝ)

ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባባት

ዲያቆን

ንፍቀ ዲያቆን

ንፍቀ ካህን

ወንጌል

ቅዳሴ

ዕብ 11፡1-10

2 ጴጥ 2፡1-9

ግብ 17፡21-34

ማቴ 24፡36-51

ግሩም

መዝ 64/65፡9

“ሐወጽካ ፡ለምድር ፡ ወአርወይካ ።ወአብዛኅኮ ፡ ለብዕላ ።ፈለገ ፡ እግዚአብሔር ፡ምሉእ ፡ማያት።”

“ንምድሪ ትበጽሓን ዕልቕልቕ ተብላን፣ ኣዚኻ ተሀብትማ፣ ርባ ኣምላኽ ማይ መሊኡ እዩ። ንምድሪ ኸምዚ ጌርካ ምስ ኣዳሎኻያ፣ እኽሊ ተዳልወሎም።”

ዓዲ/ወይ መዝ 146/147፡8-9

“ዘያበቍል ፡ ሣዕረ ፡ ውስተ ፡ አድባር ፡፡ወሐመልማለ ፡ ቅኔ ፡ ለእጓለ ፡ እመሕያው ። ዘይሁቦሙ ፡ ሲሳዮሙ ፡ ለእንስሳ።”

“ነቲ ንሰማያት ብደበና ዜጐልብብ፣ ንምድሪ ዝናም ዜዳሉ፣ ናብ ኣኽራን ሳዕሪ ዜብቊል፣ ነቲ ንእንስሳን ንዚምህለሉ ጨጫዊት ኳዃትን ዚምግብ ዘምሩሉ፣”

 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div