S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

እቲ ንርእሱ ሃብቲ ዚእክብ [6ይ ሰንበት: ቍ.9, ፱ ]

ስብከተ ወንጌል ካብ ኣትራኖስ ቤተ ክርስቲያን - Sermon from the lectern of the Church

“ኣምላኽ ግና፡ ‘ኣታ ዓሻ፡ ንነፍስኻ ካባኻ ኪወስድዋ፡ በዛ ለይቲ’ዚኣ ይደልይዋ ኣለዉ። እዚ ዝደለብካዮ ደኣ ንመን ኪኸውን’ዩ፧’ በሎ። እቲ ንርእሱ መዝገብ (ሃብቲ) ዚእክብ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሃብታም ዘይኰነ ኸምኡ’ዩ።” ሉቃ 12፡20,21

እዚ ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያንና ነዚ ዕለት ሰሪዓትልና ዘላ ንባብ ቅዱስ ወንጌል፡ ብዛዕባ ሓደ ግራቱ ዝቐደወሉ ሃብታም ሰብኣይ ኣመልኪቱ ብዝተዘርበ ምስላ ዚጅምር። እኽሊ ኻብ ግራት ዝእከበሉ ናይ ቀውዒ ወቕቲ ብምዃኑ ድማ እዋኑ ዝሓለወ ምስላን ኣስተምህሮንዩ። እቶም ነዚ ስብከተ-ወንጌል እንሰምዕን እነንብብን ዘሎና መብዛሕትና ካብ ሕርሻ ዝረሓቐ ሞያ ዘሎና ሰብ ከተማ እንተ ዀንናኳ፡ ንኣናውን ዓብይን ቀጥታውን መልእኽቲ ዚህበናዩ። እቲ ዓይነት ናይ ግራትና ደኣ ዚፈላለ ዘሎምበር፡ እቲ ንኣተኣኻኽባ ሃብትን ኣመሓድራኡን ዚምልከት መምርሒ ግን ንዅላትና ሓደ ዓይነትዩ። ብንግዲ፡ ብሕርሻ፡ ብሞያዊ ስራሕ ወዘተ ንዝተኣከበ ገንዘብ፡ ብኸመይ ብጽድቂ ተመሓድሮ ደኣ ዜገድስምበር፡ እቲ ንእኡ ዝኣከብካሉ ዓይነት ስራሕ ኣገዳሲ ኣይኰነን። ስለዚ ንሓረስቶት ጥራሕ ዚምልከት ኣርእስቲ ከም ዝዀነ ጌርና ኸይንርእዮ ኽንጥንቀቕ ይግባእ።

ኣርእስትና ኣመልኪቱና ኸም ዘሎ፡ ሕመረት መልእኽትና እቲ ገንዘብ ንመንን ንምንታይን ኢልካ ትእክቦዩ። ኣብ ዝዀነ ይኹን ዘመን፡ ኣብ ዝዀነ ይኹን ክፍሊ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሃብቲ ምእካብ ከም ሓጢኣት ተቘጺሩን ተገሊጹን ኣይፈልጥንዩ። ገለገለ ሰባት፡ ነቲ ብጐይታ ዀነ ብገሊኣቶም ነብያትን ሃዋርያትን ዝተዘርበ ቓላት ብጌጋ ብምርዳእ ዘይመልእኽቱን ዘይትርጕሙን ኬሰክምዎ ይፍትኑዮም። እቲ ጐይታና ንሓደ ሃብታም ሰብኣይ ድሕሪ ምዝርራቡ፡ ንደቀ መዛሙርቱ ዝሃቦም፡ “. . .ምእታው ሃብታም ናብ መንግስተ ሰማይ ጭንቂ ምዃኑ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ። ሃብታም ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ካብ ዚኣቱስ፡ ገመል ብዓይኒ መርፍእ ክትሓልፍ ይቐልል”1 ዚብል ዓሚቝ ትርጉምን ረዚን ትሕዝቶን ዘለዎ ቓል፡ ሃብትን ሃብታም ምዃንን ሓጢኣት ከም ዝዀነ ዚገልጽ ኣይኰነን። እቲ ንሃብትና ዘሎና ኣረኣእያ ንሃብትና እንእክበሉ ኣገባብን፡ ንሃብትና እንእክበሉ ዕላማን ደጌታት መንግስተ ሰማይ ኬጽብበልና ወይ ኬስፍሓልና ዚኽእል። ቃል እግዚኣብሔር፡ ንሰብ ሃብታም ወይ ድኻ ዚገብሮ እግዚኣብሔር እምበር ሰብ ባዕሉ ኸም ዘይኰነ፡ ብንጹር ዚነግረና።

እግዚኣብሔር ይቐትል፡ የሕዊ ኸኣ፡ ናብ ሲኦል የውርድ፡ የውጽእ ድማ። እግዚኣብሔር የድኪ፡ የሃብትም ከኣ፡ ትሕት የብል፡ ክብ ድማ የብል።” 1ሳሙ 26,7

በሊዕካ ምስ ጸገብካን ጽቡቓት ኣባይቲ ሰሪሕካ ምስ ተቐመጥካየንን፡ ኣሓኻን ኣባጊዕካን ምስ ሰሰና፡ ብሩርን ወርቅን ከኣ ምስ በዝሓልካ፡ ዘሎካ ዅሉ ድማ ምስ በዝሔ፡ ሽዑ ልብኻ ከይዕበ እሞ ነቲ ኻብ ምድሪ ግብጺ ኻብ ቤት ባርነት ዘውጽኣካ እግዚኣብሔር ኣምላኽካ ኸይትርስዕ፡. . . ብልብኻ፡ ሓይለይን ጽንዓት ኢደይን እዚ ዅሉ ሃብቲ ደለበለይ፡ ከይትብል እዩ። ከምዚ ናይ ሎሚ ነቲ ነቦታትካ ዝመሓለሎም ኪዳን ኬቕውም፡ ሃብቲ ኽትድልብ ሓይሊ ዚህበካስ፡ ንሱ እዩ እሞ፡ ንእግዚኣብሔር ኣምላኽካ ዘክር።ዘዳ 812-14,17,18

እዚ ግና ነቲ ብዘይ ቅንዕና ብሓጥእ መገዲ ዚእከብ ሃብቲ ዚምልከት ኣይኰነን። ብብላዕ (ብጕቦ) ዚርከብ፡ ዘይርትዓዊ መኽሰብ ብምርካብ፡ ብሓረጣ፡ ዚግብኣካ ግብርን ቀረጽን ብዘይምኽፋል፡ ብስርቂ ብኸትሪ ንሰራሕተኛታትካ ግቡእ ደሞዝ ብዘይምኽፋል ወዘተ ዚድለብ ሃብቲ፡ ብመሰረቱ <ሃብቲ> ኢልካ ኺስመውን ኣይግባእንዩ። ቃል እግዚኣብሔር ብኸምዚ ኣገባብ ማለት ብረብሓ ዓመጻ ወይ ረብሓ ምጭቋን ሃብቲ ንዝደለበ ሰብ ከም ሃብታም ከም ዘይፈልጦ ብንጹር ዚገልጸልና።

እቲ ብዘይ ቅንዕና ሃብቲ ዚእክብ ከምታ ንዘይወለደቶ እንቋቚሖ እትሓቊፍ ቆቛሕ እዩ። ኣብ ፈረቓ ዕድሚኡ ይሓድጎ፡ ኣብ መወዳእታኡ ኸኣ ዓሻ ይኸውን።ኤር 1711

እቲ ንቤቱ ብዘይ ጽድቂ ንውሽጢታቱ ድማ ብዘይ ፍርዲ ዚሰርሕ። ንብጻዩ ብኸምኡ ዜዕዪ፡ ደመወዙ ዘይህቦ፡ እሞ፡ ረርሒብ ክፍልታት ዘለዋ ዓባይ ቤት ክሃንጽየ፡ ዚብል ወይለኡ። መስኰት የውጽኣላ፡ ብጽሕዲ ይረባ፡ ብቐይሕ ቀለምውን ይቐብኣ። . . . ዓይንኻን ልብኻን ብስስዕትን ብምኽዓው ንጹህ ደምን ብምግባር ግፍዕን ዓመጻን ጥራይ ትሑዝ እዩ።ኤር 2213,14,17

ኣቱም ኤፋ እናኣንኣስና፣ ሲቃል እናወሰኽና: ብሓሳዊ ሚዛን እናጠበርና፣ እኽሊ ኽንሸይጥሲ፣ ሰርቂ ወርሒ መኣዝ ኰን ይሓልፍ ቆፎ ስርናይ ክንከፍትከ፣ ሰንበት መኣዝ ኰን ትሓልፍ ነቲ ድኻ ብብሩር፣ ነቲ መስኪን ከኣ ብሓንቲ ጽምዲ ሳእኒ ኽንሻየጦ፣ ጕርዲ ስርናይውን ክንሸይጥ ኢና፣ እትብሉ፣ ስኻትኩም ነቲ መስኪን ክትውሕጥዎ፣ ነቶም ሽጉራት እታ ሃገርውን ከተጥፍኡ እትደልዩ፣ እዚ ስምዑ። እግዚኣብሔር፣ኣነ ንዅሉ ግብሮም ከቶ ኣይርስዖን እየኢሉ ብኽብሪ ያእቆብ መሓለ።ኣሞ 84-7

ብኸምዚ ዝሃብተመ ሰብ ካብ ብገንዘብን ንብረትን፡ ብግፍዕን ሓጢኣትን ሃብቲሙ ምባል ዚቐልል። እቲ ብቕንዕና ሰሪሑ፡ እግዚኣብሔር ከኣ ነቲ ዋኒኑ ባሪኹሉ ዝሃብተመ ሰብ ጥራሕ ኢና ኣብዛ ምድሪዚኣ ሃብታም ኢልና ኽንጽውዖ እንኽእል። እዚ ኣብዚ እንመሃረሉ ዘለና ምስላ ሃብታም ተባሂሉ ዘሎ ሰብኣይ፡ እግዚኣብሔር ባሪኹሉስ ግራቱ ስለ ዝቐደወሉ ዝሃብተመ እምበር ብዓመጻ ኸም ዝሃብተመ ዜመልክተና ዝዀነ ሓሳብ የልቦን።

እቲ ኣዝዩ ዜሕዝን ግዳ፡ እዚ ሰብኣይዚውን ንናእዳ ብቑዕ ኰይኑ ዘይምርካቡዩ። ጐይታና ኣበሳ ናይዚ ሰብኣይ እንታይ ምዃኑ ኺገልጽ ከሎ፡ ነቲ እግዚኣብሔር ዝሃቦ ሃብትስ ንርእሱ ኢሉ ምእካቡ ምዃኑ ብንጹር ነጊሩና ኣሎ። እግዚኣብሔር ዝሃቦ ደኣ ንርእሱ ኢሉ ይእክቦ እምበር፡ንመን ኢሉ ደኣ ኺእክቦ፧ኢልና ኽንሓትት ዚቕስብውንዩ። ነዚ ሕቶዚ፡ ነዚ ቕኑዕ መልሲ ንምርካብ ብሓቂ ብቕንዕና እንተ ሓቲትናዮ፡ ናብታ ጐይታ ኺምህረናን ብእኣ ኺመርሓናን ዝደለየ መገዲ ሓቂ ዜብጽሓና ወርቃዊ ሕቶዩ። እዚ መገዲ ሓቂ ድማ ንሃብቲ ጥራሕ ዘይኰነስ፡ ንዅለንተና ናይ ህይወትና ዚምልከትውንዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ነዚ ሓቂ ብዘየማትእ ግሉጽነት ብኸምዚ ዚስዕብ ገሊጹልና ኣሎ።

ካባናስ ሓደ እኳ ንርእሱ ኢሉ ዝነብር የልቦን እሞ፡ ንርእሱ ዚመውት ከኣ ሓደ ኣኳ የልቦን። ብህይወት እንተ ነበርና፡ ንጐይታ ኢና እንነብር፡ ወይስ እንተ ሞትና፡ ንጐይታ ኢና እንመውት እሞ፡ ብህይወት እንተ ነበርና ወይስ እንተ ሞትና፡ ናይ ጐይታ ኢና። ስለዚ ኸኣ እዩ ክርስቶስ ጐይታ ምዉታትን ህያዋንን ምእንቲ ኪኸውን ኢሉ፡ ዝሞተን ህያው ዝዀነን።ሮሜ 147-9

እዚ ሃዋርያዊ ቓል ኣብሪሁልና ኸም ዘሎ፡ ይትረፍ ንርእስና ኢልና ሃብቲ ኽንእክብ፡ ዋላ ብድኽነትውን፡ ንርእስና ኢልና ኽንነብር ብመሰረቱ ኣይተፈቕደልናን፡ ዕላማ ናይ ምፍጣርናውን ኣይኰነን። ዓይነቱ ብዘየገድስ፡ ኵሉ ምንባርና ንእግዚኣብሔር ጥራሕ ኪኸውን ዚግባእ። ነዚ ዕላማ ገልቢጥካ፡ ንርእስኻ ኢልካ ኽትነብር እንተ ጀሚርካ፡ ኣብ ልዕሊ እግዚኣብሔር ኣባኻ ዘለዎ ስልጣን ዕልዋ ትፍጽም ከም ዘለኻ ከተሰተውዕል ግቡእዩ። ዋላ ብዅሉ ኣካይዳኻ መንቅብ ዘይርከበካ ፍጹም ሰብ ኵን፡ ነዛ ፍጽምቲ ህይወትካን ናብራኻንዚኣ ንርእስኻ ኢልካ ጥራሕ ትነብራ እንተሊኻ ውጹእ ዓለወኛ ኢኻ። ኣብ ኵሉ ናይ ህይወት ጕዕዞና፡ ጽድቂ ምግባር ዓቐበት ዚዀነና ምኽንያት፡ ነቲ መሰረታዊ ናይ ምፍጣርና ዕላማ ገልቢጥና ናትና ዕላማ ስለ ዝሓንጸጽና እዩ። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ንኣምላኽ ካብ ዝፋንን ስልጣንን ናይ ህይወትና ኣውጺእና፡ ንርእስና ኣብ ክንድኡ ነንግስ፡ ንርእስና ድማ ነምልኽ ኣሎና ማለትዩ። ሳጥናኤል ቅድሚ ውድቀቱ ንዝፋን ኣምላኽ ብኽንፉ ዜጽልል ኪሩብ ዝነበረ። ብማዓርጉ ድማ ሊቀ መላእኽቲ ነበረ። ኣምላኽ ኣብ ልዕሊኡ ንዝነበሮ ስልጣን ዓልዩ ንርእሱ ኣምላኽ ኪገብርን፡ ኣብ ክንዳኡ ኺነግስን ምስ ፈተነ፡ ካብ መልኣኽ ብርሃን ናብ መልኣኽ ጸልማት ተለዊጡ ናብ መዓሙቕ ሲኦል ተደርበየ2 ነቶም ኣብ ልዕሊኡ ዝዓለዉ ኪሩቤል እንተ ዘይምሒርዎም ደኣ፡ ነቶም ኣብ ልዕሌና ስልጣን ከይህልዎ ዓሊናዮስ ንርእስና ኢልና እንነብር ዘሎና ስጋ-ለበስ ፍጡራት ከመይ ጌርና ኺንሕፈና ኢልና ኽንጽበ ንኽእል። እግዚኣብሔር ንኣዳምን ንሄዋንን ገና ኻብ መጀመርታኡ ኺፈጥሮም ከሎ፡ ንእኡ ንኽብሩ ኪዀኑ ብመልክዑን ብምስሉን ብኽብሪ ዝፈጠሮም3 ንሱ ብዘልበሰካ ኣካላት፡ ንሱ ብዝሰዅዓልካ ህይወት፡ ንሱ ብዚገብረልካ ኵሉ ጸጋን ምሕረትን መጋቢነትን እናተናበርካ፡ ንእግዚኣብሔር ኣግሊልካን ጐሲኻን ንርእስኻ ኢልካ ምንባር፡ዕልወትእንተ ዘይኰይኑ ደኣ፡ እንታይ ካልእ ኣበሳ ምስ ዕልወት ኪቝጸር ይኽእል፧

እግዚኣብሔር ኣብ ልዕሌና ዘለዎ ዋንነትን ስልጣንን ግን፡ ብምፍጣሩ ጥራሕ ኣይድረትንዩ። ብሰሪ ዕልወታዊ ተግባርና ኻብኡ ርሒቕና ኣብ ትሕቲ ባርነት ሰይጣን ምስ ኣተናውን፡ ንኻልኣይ ጊዜ ኼጥርየናን ገንዘቡ ኺገብረናን ኢሉ፡ ነቲ ብመለኮት ምስኡ ማዕረ ዝዀነን ሓደን ቅዱስን ወዱ፡ እግዚኣብሔር ወልድ፡ ስጋና ለቢሱ ምእንታና ብሙማት ብደሙ ምእንቲ ኺዕድገና፡ ናብዛ ዓለምዚኣ ለኣኾ። ንሱ ድማ ክቡር ደሙ ኣፍሲሱ ተሻየጠናሞ፡ ዳግማይ ናቱ ገበረና።

ንሳቶም ከኣ፡ተሓሪድካስ ብደምካ ኻብ ብዘሎ ዓሌታትን ቋንቋታትን ህዝብን ኣህዛብን ንኣምላኽ ዚዀኑ ሰባት ዓዲግካሉ ኢኻ፡ ንኣምላኽና ዚዀኑ መንግስትን ካህናትን ገቢርካዮም፡ ኣብ ምድሪ ድማ ኪነግሱዮም እሞ፡ ንስኻ ነቲ መጽሓፍ ክትወስዶ፡ ነቲ መሓተምውን ክትፈትሖ ብቑዕ ኢኻ፡ እናበሉ ሓድሽ መዝሙር ዘመሩራኢ 59,10

ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ዓመጻ ዘበለ ምእንቲ ሓራ ኼውጽኣና፡ ንርእሱውን ንሰናይ ግብሪ ዚቐንእን ገንዘቡ ዚዀኖን ህዝቢ ምእንቲ ኼንጽህ ኢሉ፡ ነፍሱ በጃና ኣሕለፈ።ቲቶ 214

ንሕና ነቲ ተስፋ መንፈስ ብእምነት ክንቅበሎ፡ እቲ በረኸት ኣብርሃምውን ብኢየሱስ ክርስቶስ ነህዛብ ምእንቲ ኪኸውንሲ፥ኣብ ዕጸይቲ ዚስቀል ዘበለ ርጉም እዩ፡ተጽሒፉ አሎ እሞ፡ ክርስቶስ ምእንታና መርገም ኰይኑ፡ ካብ መርገም ሕጊ ተሻየጠና።ገላ 313,14

ደጊሙውን ሃዋርያ ጳውሎስ ብኽቡር ዋጋ ስለ ዝተዓደግና ናይ ርእስና ኸም ዘይኰንናን በዚ ብደም ክርስቶስ ዝተዓደገ ስጋና ጌርና ንኣምላኽ ከነኽብር ከም ዚግብኣና ብንጹር ኣፍሊጡና ኣሎ።

 ብዋጋ ተዓዲግኩም ኢኹም እሞ፡ ስጋኹም ቤተ መቕደስ እቲ ኣባኻትኩም ዘሎ፡ ካብ ኣምላኽ እተቐበልኩምዎ መንፈስ ቅዱስ ምዃኑ፡ ናይ ርእስኹምውን ከም ዘይኰንኩምዶ፡ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ ስለዚ ብስጋኹም ንኣምላኽ ኣኽብርዎ።” 1ቈረ 619,20

ካብኡ ሓሊፉውን ብህይወት ክሳዕ ዘሎና ንእንገብሮ ዅሉ ተግባርና፡ ካብ ምብላዕ ጀሚሩ ብዘይ ገለ ተረፍ ንዅሉ ተግባርና ንኣምላኽን ንኽብሪ ኣምላኽን ኢልና ክንገብሮ ከም ዚግብኣና ንዀንደዀን ብዘየሳጥሕ መገዲ ገሊጹልና ኣሎ።

እምብኣርሲ እንተ በላዕኩም፡ ወይስ እንተ ሰቴኹም፡ ወይስ ዝዀነ ይኹን እንተ ገበርኩም፡ ኵሉ ንኽብሪ ኣምላኽ ግበርዎ።” 1ቈረ 1031

ኣብዚዝዀነ ይኹን እንተ ገበርኩምዚብል ቃል ኪጠቓለል ዘይክእል ዝዀነ ተግባር የለን።እንተ ተመሃርኩም እንተ ሰራሕኩም፡ እንተ ተመርዓኹም፡ እንተ ወለድኩም፡ እንተ ኣጥረኹም፡ እንተ ሸጥኩም፡ . . .” ክንደይ ኢልካ ኺጽብጸብዩ፧ ኵሉ ስጋዊ ይኹን መንፈሳዊ ተግባርን ቃልን ሓሳባትን ናይ ሰባት ኣብዚዝዀነ ይኹንዚብል ቃል ክቱትዩ። ንእግዚኣብሔር ኢልና ኽንገብሮ ዘይንኽእል ተግባር እንተልዩ፡ ሓጢኣት ጥራሕዩ። እቲ ንኣምላኽ ኢሉ ዚገብር ሰብ ጥራሕ ናብ ጽድቅን ፍጹምነትን ኪበጽሕ ዚኽእለሉ ምኽንያት ከኣ ንሱዩ። ኣብታንመን ኢልካ ትገብርን ትነብርን፧> እትብል ሕቶ ሓንሳእ መስመር እንተ ስሒትካ ግን፡ ታሪኽ ህይወትካ ብሓጢኣት ዝተበላሸወ ዚኸውን። ሽዑ ዋላ ነቲ ብርሃጽካ ዘምጽኣካዮ ምግቢ ምብላዕውን ሓጢኣት ዚኸውን። ንሰብ ቈረንቶስ ደጊሙ ኣብ ዝጸሓፈሎም መልእኽቱ፡ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፡

ድሕሪ ሕጂ እቶም ዘለዉ ነቲ ምእንትኦም ዝሞተን ዝተንስኤን እምበር፡ ንርእሶም ምእንቲ ኸይነብሩ፡ ንሱ ኣብ ክንዲ ዅላቶም ሞተ።

ኢልዎም ኣሎ4 ምእንታኻ ኢሉ ንዝሞተልካ ምእንትኡ ኢልካ ኽትነብር ዜጸግመካ እንተ ዀይኑ፡ ካብዚ ዚኸፍእ ሕሰም ኪህሉ ኣይክእልንዩ። ነቲ ዝሞተልካ፡ ምእንትኡ ኽትመውት ሰገጥ ክትብልን ዓይንኻ ኽትሓሲን ኣይምተገብአን። ይትረፍ ምእንትኡ ኽትመውት ምእንትኡ ኽትነብር ይኸብደካ እንተልዩ፡ ኣብ መሪር ጥልመትን ዕልወትን ከም ዘለኻ ፈሊጥካ፡ ብዘይውዓል ሕደር ቀልጢፍካ ብንስሓ ኽትምለስን ክትሕደስን ይግባኣካዩ። ካብ መጀመርታኢልካ ንኣምላኽ ኢልካ ምንባር ከም ብሓድሽ ክትተሓሓዞ ይግባእ። እንተ ዘይኰነ እዚ ዓመጸኛ ዝንባለን ቅዲ ህይወትንዚ፡ ቅድሚ ምጽኣት ዀነ ድሕሪ ምጽኣት፡ ኪጽወር ዘይክእል ፍርዲ ኺፈድየካዩ። ሓደ እዋን እቶም ግቡዛት እስራኤላውያን፡ ናብ ነብዪ ዘካርያስ መጺኦም፡ነቲ ናይ ሓምሻይን ሻብዓይን ወርሒ ጾምሲ ኽንጾሞ ኽንገድፎ ንኣምላኽ ሕተተልና> ኺብልዎ ኢሎም ናብኡ መጹ። እግዚኣብሔር በቲ ነብዪ ተሓተተ ድማ፡ንዅሉ ህዝቢ እታ ሃገር ከምዚ ኢልካ ተዛረቦምበተን ሰብዓ ዓመት ኣብ ሓምሳይን ሳብዓይን ወርሒ እትጾሙን እትበኽዩን ዝነበርኩምሲ፣ ብሓቂዶ ንኣይ ኢኹም ዝጾምኩምለይ፧ ምስ እትበልዑን ምስ እትሰትዩንከ ንርእስኹምዶ ኣይኰንኩምን እትበልዑን እትሰትዩን፧ዘካ 75,6

ናይዚኣቶም ከኣ ኣዝዩ ፍሉይ እዩ፡ ዋላ ነቲ እግዚኣብሔር ዝኣዘዞ መንፈሳዊ ስነ-ምግባር ዝዀነ ጾምውን፡ ምእንትኡ ኢሎም ዘይኰነስ ምእንቲ ርእሶም ኢሎም ይገብርዎ ነበሩ። እግዚኣብሔር ከኣ ንእኡ ዘይምልከቶን ዘይብጽሖን ስለ ዝዀኑ፡ ዋላ ዓጽምን ቈርበትን ክሳዕ ዚተርፉ እንተ ጾሙ ግዶም ኣይነበሮምን። ስለዚ ንርእስኻ ኢልካ ኽትገብር ከለኻ፡ ንኣምላኽ ካብ ህይወትካኣይምልከተካን> ኢልካ ተውጽኦ ስለ ዘለኻ፡ ዝገበርካዮ ዅሉ ጽቡቕ ተግባርውን ብዕሽነትካ ናብ ሓጢኣት ትልውጦ ኣለኻ ማለትዩ። ስለዚ ኸኣ እቲ መሪሕ ጥቕስና፡ እቲ ኣብ ቅድሚ ገዛእ ኣዒንቱን ኣብ ቅድሚ ኻልኦት ሰባትሃብታም> ዝነበረ ሰብኣይ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ግን ምስ ሃብቱ እናሃለወስ ከም ሃብታም ዘይኰነ ኸም ድኻ ዝተቘጽረ። ነዚ ናይ ጐይታ ኣበሃህላ ናብ ኵሉ ማሕበራውን መንፈሳውን ተግባራትና እንተ ኣንጸባረቕናዮ፡ እቲ ንርእሱ ኢሉ ዚምርዖ ኸም ዝመንዘረ፡ እቲ ንርእሱ ኢሉ ዝወለደ ኸም ዝደቐለ፡ እቲ ንርእሱ ኢሉ ዝተማህረ ኸም ዝደንቈረ፡ እቲ ንርእሱ ኢሉ ብረሃጹ ሰሪሑ ዝበልዐ ኸም ዝሰረቐ፡ እቲ ንርእሱ ኢሉ ዘጥረየ ኸም ዝዘመተ ወዘተ ኪኸውን ማለትዩ። እዚንርእሰይ> ዚብል ዕልወታዊ ኣተሓስሳስባን ኣካይዳን፡ መበቈል ኵሉ ሓጢኣት ስለ ዝዀነ፡ ንዅሉ ጽቡቕ ተግባርና ዜበላሽወልና። አረ ብመሰረቱ ብዘይካ ሓጥእ ተግባር ጽቡቕ ዚበሃል ከይንሓስቦን ከይንውዕሎን ዚገብረና። እቲ ኣብ መልእኽቲ ናብ እብራውያን ተጻሒፉልና ዘሎ፡ኣቱም ኣሕዋተየ፡ ሎሚ ኺብሃል ከሎ፡ ኣብ ጸጽባሕ ንሓድሕድኩም ተማዓዓዱ እምበር፡ ሓደ እኳ ኻባኻትኩም፡ ሓጢኣት እናዓሸዎ ኸይተርር እሞ፡ ምናልባሽ ኣብ ሓደ ኻባኻትኩም ካብ ህያው ኣምላኽ ዜርሕቕ እኩይ ዘይኣምን ልቢ ኸይህሉ፡ ተጠንቀቑ።>” እብ 312,13

ሓደ እኳ ኻብ ጸጋ ኣምላኽ ከይጐድል፡ ንብዙሓት ዜርክስ ገለ መሪር ሱር በቝሉ ኸየጨንቐኩም፡ ተጠንቀቑ።እብ 1215

ዚብል ቃልውን ምስዚ ሱር ኵሉ ሓጢኣት ዝዀነ ሓጥእ ኣተሓሳስባን ኣካይዳን ብቐጥታ ዚዛመድዩ። ንርእስኻ ኢልካ ምንባር ምስ እትጽየፎን እተርሕቖን ግና ሽዑ ህይወትካ ኻብ ጸሓይ እትደምቕ ኰይና ስለ እትበርህ፡ ኵሉ ግብሪ-ጸልማት ካባኻ ይርሕቕ። ምኽንያቱ ነቲ ኣብ ህይወትካ ሓጢኣት ዜፍርየልካ ዝነበረ ኽፉእ ኦም ካብ ሱሩ ቘሪጽካዮን ምሒኻዮን ኣለኻ። እምበኣር ሕጂ፡ ናብቲ ብሓጢኣት ዘማሰንናዮ ስጋናን ናብራናን ምልስ ኢልና ንፈትሽ። ንገሌናስ እዚ መንፈሳዊ ሓቂ ንመጀመርታ ጊዜ እንሰምዖ ዘለና በዅሪ እዝንና ኪኸውን ይኽእልዩ። ሕሉፍ ህይወትና ብሓጢኣት ዝተበላሸወ ድማ ብሰሪ ናይ ቤተ ክርስቲያን ናይ ዘይምስትምሃር ድኻምን ብሰሪ ምትላል ናይ ሕሱም ድያብሎስንዩ፡ ግን ከኣ ክብሪ ንኣምላኽ ይኹን፡ ንስሓ ዚበሃል ሕሉፍ ታሪኽካ ደምሲሱ ንኣምላኽ ዜስምር ሓድሽ ታሪኽ ክትሰርሕ ዜኽእል ፍቱን መድሃኒት ተሰሪዑልና ኣሎ። ከምቲ እቲ ኣብ የማን ጐይታ ተሰቒሉ ዝነበረ ኸታሪ (ፈያታዊ ዘየማን) ኣብ ውዱእ ሰዓት ንኺመወት ትልኽ እናበለ ኸሎ ኻብ ወዲ ገሃነም ወዲ ገነት ናብ ምዃን ዝበቕዐ፡ ንሕናውን ብቕኑዕ ልቢ ፈቲና እንተ ተበጊስና፡ ይትረፍ ናይ ገዛእ ርእስና ናይ ብዙሓት ካልኦት ህይወት ክነድሕንውን ንኽእል ኢና። ነዛ ለካሚትና ዝዀነት፡ ሰይጣን ዘስረጸልናን ዝውረሰናን ሰይጣናዊት ጥበብ ካብ ውሽጥና ብረድኤት መንፈስ ቅዱስ በንቍርና ነውጽኣያ። ተመሊሳ ኸይትደግሰና ድማ ምስ ጐይታ ምስ ንቑሕ ሓላዊና ዄንና ርእስና ንሓሉን ነንጽህን። ክሳዕ ዕለተ ሞትና ኣብ ጸጽባሕ ብኸምዚ እንተ ተመላለስና፡ ነቲ ዝተባህለልና፡ ሎሚ ኺብጻሕ ዘይክእል ሕልሚ ዀይኑ ዚስምዓና ዘሎ ፍጹምነት ዕለታዊ ናብራናን ኣዚና እንመልኮ ጥበብናን ኪዀነልና5እምብኣርከ ኸምቲ ሰማያዊ ኣቦኹም ፍጹም ዝዀነ፡ ንስኻትኩምውን ፍጹማት ኩኑ።” “ኣነ እግዚኣብሔር ቅዱስ እየ እሞ፡ ቅዱሳን ኩኑለይ፡ ናተይ ክትኰኑ ኸኣ ካብ ህዝብታት ፈልየኩም እየ።

ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።

ዕለት፥  08/02/13 ግ 10/18/20 ፈ - 6ይ ሰንበት: ቍ.9 (፱)

ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባባት

ዲያቆን

ንፍቀ ዲያቆን

ንፍቀ ካህን

ወንጌል

ቅዳሴ

ኤፌ 6፡1-9

ራእ 12፡1-12

ግብ 7፡23-29

ሉቃ 12፡16-31

ዘእግዝእትነ (ጐሥዓ)

መዝ 102(103)፡14,15

“ተዘከር እግዚኦ ከመ መሬት ንሕነ። ሰብእሰ ከመ ሣዕር መዋዕሊሁ። ወከመ ጽጌ ገዳም ከማሁ ይፈሪ።”

“ፍጥረትና ይፈልጥ እዩ እሞ፡ ሓመድ ምዃንና ይዝክር እዩ። ሰብሲ መዓልትታቱ ኸም ሳዕሪ እዩ፡”

1 ማቴ 19፡16-25 2ህዝ 28፡12-17 ይሁ 6 2ጴጥ 2፡4 3ኢሳ 43፡6,7,21 33፡18,19 42ቈረ 5፡15 5 ማቴ 5፡48 ዘሌ 20፡26

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div