S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ስብከተ ወንጌል ካብ ኣትራኖስ ቤተ ክርስቲያን - Sermon from the lectern of the Church

ኢየሱስ ከኣ በሎም፡ <እቶም ነደቕቲ ዝነዓቕዎ እምኒ፡ ንሱ ርእሲ መኣዝን ኰነ፡ እዚ ኻብ እግዚኣብሔር ኰነ፡ ኣብ ኣዒንትናውን ግሩምዩ፡> ዚብል ጽሑፋትዶ ከቶ ኣየንበብኩምን፧> ማቴ 2142

ኣብዚ ናይዚ ዕለት ንባብ ቅዱስ ወንጌል ዝተነበልና ዝተጠቕሰ ምስላ ናይ ጐይታና፡ <ምስላ ዓየይቲ ኣታኽልቲ ወይኒ>’ ዚበሃል። እዚ ምስላ ኣብቲ ጐይታ ኣብ ጻዕብ ኣድጊ ተወጢሑ ብሕዝቢ ኢየሩሳሌም ተዓጂቡ ብዓብዪ ኽብሪ ዝኣተወሉ ሆሳእና መዓልቲ ዝተነግረ ምስላዩ። እቶም ኣዝዮም ዚጸልእዎ ኣይሁድ፡ እቲ <ናትና> ኢሎም ዚኣምንዎ ሕዝቢ ኢየሩሳሌም ንክርስቶስ ብኽብሪ ዓጂቡን፡ <ሆሳእና ንወዲ ዳዊት፡ ብስም እግዚኣብሔር ዚመጽእ ብሩኽ> ኺብልን ንምድሪ ኼንደቕድቕን ምስ ሰምዕዎ፡ ብቕንኢ ተቓጺሎም ብጽኑዕ ኪቃወምዎን ኬፈራርሕዎን ይጋደሉ ነበሩ። እቶም ነዚ ርእሲ መኣዝን ዝዀነ ጐይታ ዝነዓቑ <ነደቕቲ> ወይ <ዓየይቲ> ዝተሰምዩ፡ ንሳቶምዮም። ኵላትና ኸም እንፈልጦ፡ ርእሲ መኣዝን ወይ እምኒ-ዅርናዕ ተባሂሉ ዝጽዋዕ እምኒ፡ ክልተ መናድቕ ኣብ ዚራኸቡሉ ዅርናዕ ዚቕመጥ ኣብ ክልቲኡ መናድቕ ተዘርጊሑ፡ ንኽልቲኡ ጠሚሩ ዚሕዝ ኣገዳሲ እምኒዩ። ብእምኒ ዅርናዕ ዘይተጠምረ (ዘይተሃንጸ) መንደቕ፡ ካብ <መንደቕ> ክትብሎ <ኳና> ኽትብሎ ዚቐልል። ኳና ድማ ብኸቢድ ዝናብ፡ ብብርቱዕ ንፋስ ወይውን ብዘይ ዝዀነ ምኽንያት ዛዝዩ ባዕሉ ኺወድቕ ዚኽእል ዓይነት ህንጻዩ። ብዃና መጽለሊኻ ዘይኰነስ ጸቓጢኻ መንደቕ ኢኻ እትሃንጽ። ነቶም ኣብ መንጎ ኽልተ ርእሲ-መኣዝን እትነድቑ ኣእማን ብኽልቲኡ ተማእዚንካ ኢኻ ኣብ ግቡእ ቦትኦም እተቐምጦም። ሓደ ነዳቓይ ከም ብልሓተኛ ሃናጺ (ክኢላ ነዳቓይ) ኪግለጽ ዚኽእል፡ ካብቲ ተዀሚሩ ዘሎ ኣእማን ከም እምኒ መኣዝን ኰይኑ ኼገልግሎ ዚኽእል እምኒ ኣብ ምልላይን ኣብ ምጥቃምን ብቑዕ ምስ ዚኸውንዩ። ነቲ ብሉጽ ርእሲ መኣዝን ዚንዕቕ ነዳቓይ፡ ንጥፍኣት ዚኸውን ፈራሲ ህንጻ ዜቕውም።

እቲ ነብያት ብትንቢት ዝተዛረብሉ፡ ሃዋርያት ብልሓተኛታት ሃነጽቲ ዀይኖም ዝሰበኽዎ፡ እቶም ነደቕቲ ድማ ዝነዓቕዎ እምኒ-መኣዝን ድማ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስዩ። ሃዋርያ ቅዱስ ጴጥሮስ፡ ድሕሪ በዓል-ሓምሳ ኣብ ዋዕላ-ኣይሁድ ቈይሙ ምስ ተሓተተ፡ ብድርኺት ናይቲ ዝመልኦ መንፈስ ቅዱስ፡

<እቲ ንስኻትኩምነደቕቲ ዝነዓቕኩምዎ እሞ ርእሲ መኣዝን ዝዀነ እምኒ፡ ንሱዩ።ብእኡ ኽንድሕን ዚግባእ ካልእ ስም ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንሰብ ኣይተዋህበን እሞ፡ ምድሓን ብሓደ ኻልእ ከቶ የልቦን።>

ብምባል፡ ነቶም ነዓቕቲ ነዳቖ ነቲ ምስጢር ገለጸሎም1 ቅዱሳን ነብያት ብዛዕባ እምኒ መኣዝን ብግህዶ ተነብዮም፡ ብሰሪ ንዕቀቶም ድማ ብዙሓት ብእኡ ኺዕንቀፉ፡ ኪወድቁን፡ ኪስበሩውን ምዃኖም ገሊጾምዮም2

<ስለዚ እግዚኣብሔር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡እንሆ፡ ኣብ ጽዮን እምኒ መሰረት፡ ፍቱን እምኒ፡ ድልዱል ዝመሰረቱ፡ ክቡር እምኒ ዅርናዕ አንብር ኣሎኹ፡ ብእኡ ዚኣምን ኣይኪሃድምን እዩ።" ኢሳ 2816

<ንሱ ኸኣመቕደስ ኪኸውንዩ፡ ነተን ክልተ ቤት እስራኤል ግና እምኒ ምዕንቃፍን ከውሒ ምንስታትን፡ ነቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ዚነብሩውን መድፈናን መፈንጠራን ኪዀኖምዩ። ብዙሓት ካባታቶም ከኣ ኪዕንቀፉን ኪወድቁን ኪስበሩን ኪፍንጠሩን ኪተሓዙን እዮም።> ኢሳ 814,15

ኣብቲ ንጉስ ነቡካድነጸር ዝረኣዮ ናይ ግዙፍ ምስሊ ሰብ ሓወልቲ ሕልሚ እቲ ኢድ ከይተንከዮ ተንፈንቂሉ ዝወረደ ነቲ ናይ ሜታል ሓወልቲ ዳዕሚኹ ብቝብቝ ገይርዎስ ንርእሱ ዓብዪ ኸረን ዝዀነ እምኒ፡ ንሱ ክርስቶስ ምዃኑ ነብዪ ዳንኤል ገሊጹ3

ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፡ ንሰብ ኤፌሶን እቲ መሰረት ነብያትን ሃዋርያትን፡ መሰረት ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን ዝቘመ እምኒ-መኣዝን ክርስቶስ ባዕሉ ኸም ዝዀነ፡ እቲ ህንጻውን እቶም ብእምነት ኣካል ናይቲ ህንጻ ኪዀኑ ዝበቕዑ ህዝበ-ክርስቲያን ምዃኖም፡ ኣዝዩ ብዚምስጥ ኣገባብ ብኸምዚ ዚስዕብ ገሊጽዎ ኣሎ።

<እምብኣርሲ ንስኻትኩም ኣብቲ ኢየሱስ ክርስቶስ ባዕሉ እምኒ መኣዝኑ ዝዀነ መሰረት ነብያትን ሃዋርያትን እተነደቕኩም፡ ደጊም ደቂ ዓዶም ንቕዱሳንን ስድራ ቤቱ ንኣምላኽን ኢኹም እምበር፡ ኣጋይስን መጻእተኛታትን ኣይኰንኩምን። ኣብኡ ብዘሎ እቲ ህንጻ ብጐይታ ቅድስቲ ቤተ መቕደስ ምእንቲ ኪኸውን፡ እናተኣሳሰረ ይዓቢዩ። ንስኻትኩምውን ኣብኡ ማሕደር ኣምላኽ ብመንፈስ ክትኰኑ ሓቢርኩም ትህነጹ አሎኹም።> ኤፌ 219,22

<ድሕሪ ሕጂ ንሕና በቲ ኻብቲ ብምጥባር ሰብን ንምፍሓስ ስሕተት ዚኸውን ተንኰልን ዚመጽእ ናይ ትምህርቲ ዅሉ ንፋስ ንየው ነጀው እንድፋእን እንኽብከብን ቈልዑ ምእንቲ ኸይንኸውንሲ፡ ብፍቕሪ ንሓቂ እናሰዓብና፡ ናብቲ ርእሲ ዝዀነ ክርስቶስ ንዕበ። ብዘሎ እቲ ስጋ ብደገፍ እቲ መመላገቢኡ እናተታሓሐዘን እናተኣሳሰረን፡ ብመጠን እቲ ነንኽፍሉ እተመደበሉ ግብሪ ብፍቕሪ ምእንቲ ኺህነጽሲ፡ ካብ ክርስቶስ እዩ ምዕባይ ዚረክብ።> ኤፌ 414-16 

<እምኒ-መኣዝን ንኽልቲኡ ብኣንጻር መኣዝን ዝመጸ መናድቕ ዜተኣሳስር> ኢልና ኣቐዲምና ኸም ዝገለጽና፡ ንዅሎም ካብ ብዙሓት ህዝብታት ዝመጹ ኣመንቱ ኣተኣሳሲሩ ቕድስቲ ቤት-መቕደስ ዚሃንጽ፡ ጐይታ ምዃኑ፡ በዚ ናይ መልእኽቲ ኤፌሶን ጥቕስታት በሪሁ ኣሎ። ሃዋርያ ቅዱስ ጴጥሮስ ገሊጽዎ ኸም ዘሎ ድማ፡ እቲ ኽቡርን ፍቱንን እምኒ-መኣዝን፡ ህያው እምኒ እምበር ግኡዝ እምኒ ኸም ዘይኰነ፡ እቲ ኣካል ናይቲ በዚ ህያው እምኒ ዝቘመ ህንጻ-መቕደስ ኪኸውን ፈትዩን ኣሚኑን ዝመጸ ኣእማን ኵሉ ድማ ልክዕ ከምቲ እምኒ-መኣዝን ህያው ኣእማን ከም ዚኸውን፡ ከምዚ ዚስዕብ ገይሩ ገሊጹልና ኣሎ፡

<ናብቲ ብሰብ ንዑቕ፡ ብኣምላኽ ግና ሕሩይን ክቡርን ዝዀነ ህያው እምኒ እናቐረብኩም፡ ንስኻትኩምውን፡ ከም ህያዋን ኣእማን ኴንኩም፡ ነቲ ብኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ኣምላኽ ቅቡል ዝዀነ መንፈሳዊ መስዋእቲ ኸተቕርቡ፡ ንቕዱስ ክህነት ዚኸውን፡ መንፈሳዊ፡ ቤት ተሃነጹ። ስለዚ ኸኣ፡እንሆ፡ ኣብ ጽዮን ሕሩይን ክቡርን እምኒ መኣዝን አንብር አሎኹ፡ ብእኡ ዚኣምን ከኣ ኣይኪሓፍርንዩ፡ዚብል ኣብቲ ጽሑፍ አሎ። ስለዚ ንኣኻትኩም እትአምኑ፡ ክቡርዩ፡ ነቶም ዘይኣምኑ ግና፡ ነደቕቲ ዝነዓቕዎ እምኒ፡ ንሱ ርእሲ መኣዝን ኰነ፡ እምኒ መዓንቀፍን ከውሒ ምንስታትን ድማዩ። ብዘይ ምእዛዞም በቲ ቓል ይዕንቀፉ፡ ነዚ ድማ ምዱባትዮም” 1ጴጥ 24-8

እቲ ነዚ ህያው እምኒ ኣሚኑ ናብኡ ዚቐርብ ኵሉ ሰብ፡ ንስጋኡ ህያውን ቅዱስን ንኣምላኽ ባህ ዜብልን ቅቡል መስዋእቲ ገይሩ ኬቕርበሉ ዚኽእል ኣድማሳዊ (universal) ዝዀነ ቕዱስ ክህነት ይቕበል። እዞም ኣድማሳውን ቅዱስን ክህነት ዝተቐበሉ ዅሎም ተኣኪቦም ድማ፡ ንቕድስቲ መቕደስ ዚኸውን መንፈሳዊ ቤት ይህነጹ። እዚ ዅሉ ተግባር ድማ ናይቲ ንዅሉ ዜተኣሳስር ህያው እምኒ-መኣዝን ዝዀነ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ4 ብዛዕባ ንዅሎም ምእመናን ብክርስቶስ ዝተዋህበ ኣድማሳዊ ክህነት፡ ኣብቲ <ምስጢረ-ክህነት> ዚብል መሰረተ እምነት ናይ ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያና ኸም ዚግባእ ተገሊጹን ተማሂርናዮን ኣለና።

እቲ ነቲ ህያው እምኒ መኣዝንን ነቶም ናብኡ ብምቕራቦም ህያዋን ኣእማን ዝዀኑ ዅሎምን ኣራኺቦም ንቕዱስ መቕደስ ዚኸውን መንፈሳዊ ቤት ዚሃንጹ ድማ፡ እቶም ጐይታ መዓይይቱ ኪዀንዎ ዝሓረዮምን ዝቐብኦምን ኣገልገልቲ ቤተ ክርስቲያን እዮም። እዞም ኣገልገልቲዚኣቶም ብልሓተኛታት ሃነጽቲ ወይ ክኢላታት ነደቕቲ ዀይኖም ኣብ ኣገልግሎቶም ዕዉታት ኪዀኑ እንተ ኸይኖም፡ ነቲ ህያው እምኒ ጽቡቕ ገይሮም ዚፈልጥዎን ዜለልይዎን ኪዀኑ ይግባእ። ንዅሉ ህንጻኦም ኣብ ልዕሊ ህያው እምኒ መኣዝን ኪርስተይዎ፡ ብሓዊ ብዘይነድድ ወርቅን ብሩርን ህያው ክቡር እምንን እምበር፡ ብዕንጸይትን ሳዕርን ሓሰርን ከይሃንጹ፡ ነቲ ዚሃንጽዎ መንደቕ ድማ ምስቲ መሰረትን እምኒ-መኣዝንን ኣተኣሳሲሮም ብጥንቃቐ ኪሃንጽዎ ይግብኦም። ነቲ ብህያው እምኒ ዝተሰረተ መሰረት ንዒቖም ካልእ መሰረት ከይስርቱ ብሓዊ ነዲዱ ዚህመዅን ዚፈርስን ህንጻ ኸይሃንጹ ኺጥንቀቑ ይግባእ።

<ብዘይ እቲ ስሩት መሰረት፡ ንሱ ኸኣ ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ካልእ መሰረት ሓደ ኺስርት ዚኽእል የልቦን እሞ፡ ኣነ ኸምቲ እተዋህበኒ ጸጋ ኣምላኽ ብልሓተኛ ሃናጺ ዀይነ ነቲ መሰረት ሰረትኩ፡ ሓደ ኻልእ ከኣ ኣብ ልዕሊኡ ይሃንጽ። ነፍሲ ወከፍውን ከመይ ገይሩ ኸም ዚሃንጽ ይጠንቀቕ። ሓደ እኳ ኣብ ልዕሊ እዛ መሰረት እዚኣ ወርቂ፡ ብሩር፡ ክቡር እምኒ፡ ዕጨይቲ፡ ሳዕሪ ወይስ ሓሰር እንተ ሰርሓ፡> 1ቈረ 310-12

ነቲ ህያው እምኒ ዘይምፍላጥን ፈሊጥካዮ ኽነስኻ ምንዓቕን፡ ንመስበርትን ምጭፍላቕን ንዘይጽወር ሕፍረትን ዜቃልዕ ሓደገኛ ምርጫዩ። ምኽንያቱ ንዅሉ ንስኻ ዘኽበርካዮ ሓወልትታት ብቝብቝ ገይሩ፡ ንርእሱ ግና ዓብዪ ኸረን ኰይኑ ዚቐውም ህያው እምኒዩ። ዋላ ብሰብ እንተ ተናዕቀ፡ ብኣምላኽ (ብእግዚኣብሔር ኣቦኡ) ግን ሕሩይን ክቡርን እምኒዩ። ኣብ መብልዕ ማል እንተ ተወልደ፡ ኣብ ናዝሬት እንተ ዓበየ፡ ወለዶኡ እንተ ተናዕቀ፡ ብዓይኒ ስጋ ኽትርእዮ ኸለኻ ብሕማም ዝላደየ ዜብህግ ትርኢት ዘይብሉ እንተ መሰለ፡ ሕብረቱን መኣዱን ምስ ድኻታትን ሓጥኣንን እንተ ገበረ፡ ንርእሱ ኺከላኸልን ኬድሕንን ዘይክእል ድኹም እንተ መሰለ፡ ንኣና ምእንቲ ኼልዕል ብሓጺር ቁመትን ብጸቢብ ደረትን እንተ ተገልጸ፡ ንምንዓቑ ከይንፍተን፡ እቶም ነደቕቲ ዀንና እቶም ተነደቕቲ ዅላትና ኽንጥንቀቕ ይግብኣና5

ንዕቀት ግና ብኸመይ ዚግለጽ፧ ንክርስቶስ፡ ነቲ ህያው እምኒ ናይ ምንዓቕ ኣበሳ ዜንጸላልዎም እንመንዮም፧ ብመሰረቱኸ ንዕቀት ካብ ምንታይ ዚብገስ፧ እዚ ኻብ ሓደጋ ዜድሕን ፈታሺ ሕቶታትዚ፡ ካብቲ ዝለዓለ መራሒ ቤተ ክርስቲያን ክሳዕ ዝተሓተ ተራ ምእመን፡ ኣብ ውሽጢ ዓመት ወይ ወርሒ ዘይኰነ፡ መዓልታዊ ኺሓቶን ርእሱ ኺፍትሸሉን ዚግባእ ሕቶታትዩ። ምኽንያቱ ነዓቒ ወይ መስተናዓቒ ንኽትከውን፡ ከምቲ ኣይሁድ ዚጥቀሙሉ ዝነበሩ ንኽትሰምዖ ዀነ ንኽትዕዘቦ ዜሰቅቕ ሕማቕ ናይ ጽልኢ ስምዒታት ከተንጸባርቕ፡ <ዕቡድ፡ ጋኔን ዝሓደሮ፡ መስሓቲ> ወዘተ ዚብሉ ቓላት ከተዘውትር ኣድላዪ ኣይኰነን6 ካብ ንዕቀት ናይ ዘይኣማኒ ኣይሁዳዊ፡ ንዕቀት ናይቲ <እኣምኖ> ዚብል ክርስቲያን ኣዝዩ ኸም ዚኸፍእን ከም ዚመርርን ትንተና ዘየድልዮ ግሁድ ሓቂዩ። ነዚ ሓቂ ንምርዳእ፡ እግዚኣብሔር <ተናዒቐ> ዝበለሉ ኣጋጣሚታት ምልስ ኢልና ምርኣይ ኣዝዩ ሓጋዚዩ። እስራኤላውያን ታፍላ ሒዝዎም፡ <ነቲ ኣብ ማእከሎም ዝነበረ ሕውስዋስ እኽብካብ ሕዝቢ ታፍላ ሐዞ። ደቂ እስራኤል ድማ መሊሶም በኸዩ በሉ ኸኣ፡እንበልዖ ስጋ መን ይህበና።" ዘሁ 114

እናበሉ ምስ ኣዕዘምዘሙ፡ እግዚኣብሔር ክሳዕ ዚዕፍትዉ ንወርሒ ምሉእ ተረካቢ ብዘይኰነ ናይ ብርኒጎ ስጋ ኼጽግቦም ወሰነ። ከምኡ ኢሎም ብምጕርምራሞም ኣብ ልዕሊኡ እንታይ ዓይነት ስምዒት ከም ዘንጸባረቑ፡ ብኣፍ ነብዪ ሙሴ ገይሩ <ሓደ መዓልቲ ኣይኰነን ወይ ክልተ መዓልቲ ወይ ሓሙሽተ መዓልቲ ወይ ዓሰርተ መዓልቲ ወይ ዕስራ መዓልቲ ኣይኰነን እትበልዑ፡ ብኣፍንጫኹም ክሳዕ ዚወጽእ እሞ ክሳዕ እትመንውዎ፡ ወርሒ ምሉእ እምበር፡ እዚ ኸኣ ነቲ ኣብ ማእከልኩም ዘሎ እግዚኣብሔር ስለ ዝነዓቕኩምዎን ስለምንታይ ካብ ግብጺ ወጻእና፧ እናበልኩም ኣብ ቅድሚኡ ስለ ዝበኼኹምን እዩ።> ብምባል ገለጸሎም7 ናይቲ ኣዝዩ ዘጕሃዮ ንዕቀቶም ዓስቢ ኸኣ፡ ብኣዝዩ ብርቱዕ መቕዘፍቲ ወቕዖም8 ስለዚ ኣብ ልዕሊ እግዚኣብሔር ምጕርምራም፡ ናይ ንዕቀት ተግባር ምዃኑ ብግሁድ ተንጸባሪቑልና ኣሎ።

እስራኤላውያን እቶም ንምድሪ ኸንኣን ኪስልዩ ዝኸዱ ሰለይቲ ተመሊሶም ብዛዕባቶም ኣብኡ ዝነበሩ ንጉዓት ኣህዛብ ጸብጻቦም ምስ ነገርዎም፡ ብጭንቀትን ብፍርሃትን ምሉእ ለይቲ ኪበኽዩ ሓደሩ። ነቶም ኬጸናንዕዎምን ኬትብዕዎምን ዚጋደሉ ዝነበሩ ኣርባዕተ ናይ ኣምላኽ ሰባት (ኣሮን፡ ሙሴ፡ ካሌብ፡ እያሱ) ቀቲሎም፡ ሓደስቲ ሓላቑ ሸይሞም ናብ ናይ ግብጺ ባርነት ኪምለሱ ወሰኑ። በዚ ተግባሮም እንታይ ዝዓይነቱ መልእኽቲ ኸም ዘሕለፉሉ ኸኣ፡ ብኸምዚ ዚስዕብ ቃላት ገለጾ። <እግዚኣብሔር ድማ ንሙሴ፡እዚ ሕዝቢ እዚ ኽሳዕ መኣዝ እዩ ዚንዕቀኒ፡ ክሳዕ መኣዝከ እዮም በቲ ዅሉ ኣብ ማእከሎም ዝገበርክዎ ትእምርትታት ዘይኣምኑኒ፧ ብፌራ ኽወቕዖምን ከጥፍኦምን እየ፡ ንኣኻ ግና ካባታቶም ዚዓብን ዚብርትዕን ሕዝቢ ኽገብረካ እየ፡ በሎ">9 ምኽንያቱ እግዚኣብሔር ምስ ግብጻውያን ኰነ ምስ ካልኦት ኣህዛብ ብኸመይ ባዕሉ ኸም ዝተዋግኣሎም ብዓይኖም ዝረኣዩ ሕዝቢዮም። ነዚ መስተንክር ተግባር ርእዮም ኬብቅዑ፡ ብዛዕባዞም ንጉዓት ደቂ ዓናቕ ግን ኪኣምንዎ ብዘይ ምፍቃዶምም ብዓብዪ ንዕቀት ኣዋረድዎ።

ቆራሕ ሌዋውን፡ ሮቤላውያን ዝዀኑ ዳታንን ኣቢራምን ኣብ ልዕሊቶም እግዚኣብሔር ዝሓረዮምን ዝቐብኦምን ሙሴን ኣሮንን ብድፍረት ምስ ተላዕሉ፡ ናይዚ ምልዕዓሎም መልእኽቲ እንታይ ምዃኑ፡ ነብዪ ሙሴ ብኸምዚ ዚስዕብ ገሊጽዎ ኣሎ።ስለዚ ንስኻን ብዘሎ ኣኼባኻን ኣብ ልዕሊ እግዚኣብሔር ኢኹም እተኣከብኩም። ኣሮንከ፡ ኣብ ልዕሊኡ እተጕረምርሙ፡ ንሱ እንታይ እዩ፧....እዞም ሰባት እዚኦም ከም ኣማውታ ዅሉ ሰብ እንተ ሞቱ፡ ወይ ንዅሉ ሰብ ዚበጽሕ ጥራይ እንተ በጽሖም፡ ሽዑ እግዚኣብሔር ኣይለአኸንን። እግዚኣብሔር ሓድሽ ነገር እንተ ገበረ ግና፡ እዚኣቶም ምስ ዅሉ ዘለዎም ብህይወቶም ናብ ሲኦል ኪወርዱ፡ ምድሪ ኣፋ ኸፊታ እንተ ወሓጠቶም፡ ሽዑ እዞም ሰባት እዚኦም ንእግዚኣብሔር ከም ዝነዓቕዎ ኽትፈልጡ ኢኹም፡ በለ።>10 ኣሮንን ሚርያምን ብተመሳሳሊ ናይ ቅንኢ ስምዒት ኣብ ልዕሊ ሙሴ ምስ ተላዕሉ፡ እግዚኣብሔር <ተደፊረ፡ ተናዒቐ> ኢሉ ኣብ ልዕሊ ኽልቲኦም ኵራኡ ዝነደደ11

እስራኤላውያን ነቲ እግዚኣብሔር ዝመደበሎም መራሒ ንዒቖም፡ <ከም ኵሎም ህዝብታት ክንከውን፡ ዚፈርደልና ንጉስ ኣንግሰልና> ኢሎም ንነብዪ ሳሙኤል ኣጨነቕዎ12 ነብዪ ሳሙኤል ብጓሂ ናብ እግዚኣብሔር ምስ ጸለየ እግዚኣብሔር ዝሃቦ መልሲ፡ ሳሙኤል ዘይኰነስ እግዚኣብሔር በቲ ሕዝቢ ኸም እተናዕቀ ዜረጋግጽ መልሲዩ። <እግዚኣብሔር ድማ ንሳሙኤል በሎ፡ኣነ ኸይነግሶም፡ ንኣይ እዮም ዝነዓቑ እምበር፡ ንኣኻ ኣይኰኑን ዝነዓቑ እሞ፡ እዞም ሕዝቢ ብዝበሉኻ ዅሉ ቓሎም ስማዕ13

ሳኦል ኣብ ልዕሊ ኣማሌቃውያን ዝተኣዘዞ ትእዛዝ ከይፈጸመ ምስ ተረፈ ዝተነግሮ ቓልን፡ ንጉስ ዳዊት ኣብ ልዕሊ ባትሴባን ኡርያን ግፍዒ ምስ ፈጸመ ዝተነግሮ ቓልን፡ ኣብ ልዕሊ ንእግዚኣብሔር ዘሎና ንዕቀት ብኸመይ ከም ዚግለጽ ዜመልክተናዩ።

<ሳሙኤል ንሳኦል፡ቃል እግዚኣብሔር ስለ ዝነዓቕካ፡ እግዚኣብሔር ከኣ ኣብ እስራኤል ከይትነግስ ንዒቑካ እዩ እሞ፡ ምሳኻ ኣይምለስን እየ፡ በሎ”14 

<“ስለምንታይ ኢኻ እቲ ኣብ እግዚኣብሔር ክፉእ ኰይኑ እተራእየ ኽትገብርሲ፡ ቃሉ ዝነዓቕካ፡ ንኡርያ ሔታዊ ብሴፍ ቀቲልካስ፡ ንሰበይቱ ሰበይትኻ ኽትከውን ወሰድካያ። ንእኡ ግና ብሴፍ ደቂ ዓሞን ቀተልካዮ። እምበአርስኸ ስለ ዝነዓቕካኒ፡ ንሰበይቲ ኡርያ ሔታዊ ድማ ሰበይትኻ ኽትከውን ስለ ዝወሰድካያ፡ ሴፍ ካብ ቤትካ ንዘለአለም ኣየግልስን።" 2ሳሙ 129-10

ንሕና ኸኣ ከምዞም እስራኤላውያን፡ ንእግዚኣብሔር ናይ ምንዓቕ ተኽእሎን ሓደጋን ዘንጸላልወና ሰባት ምዃንና ብኣሉታ ኽንክሕዶ ዘይንኽእል ሓቂዩ። ምልስ ኢልና ህይወትና ብመንጽር ዝጠቐስናዮ ኣብነታት እንተ ፈቲሽና፡ ብምጕርምራም፡ ብዘይምእማን፡ ብዘይምእዛዝ፡ ብምቕናእ ኣብ ልዕሊ እግዚኣብሔርን ቃሉን ዘሎና ንዕቀት ዘንጸባረቕናሉ ውሑድ ዘይኰነ ኣጋጣሚታት ከም ዘሎ ፈጺሙ ዘየጠራጥርዩ። ብዅሉ ኣካይዳና ብንዕቀት ኣዋሪድናዮ ኽነስና፡ ከምኡ ኸም ዝገበርና ኸየስተውዓልና፡ ንስሓ ከይኣተና እንመላለስውን ውሑዳት ኣይኰንናን። ንነፍሲ ወከፍ ትእዛዙ እተርእዮ ዘይምእዛዝ፡ ናብ ቃላት፡ ናብ ስሩዕ ዓረፍተ ነገር ለዊጥና እንተ ነንብቦ ኣዝዩ ዜስምብድ ከም ዚዀነና ርዱእዩ። ነቶም ኣገልገልቲ እቶም መገላግልትና፡ ነቶም ምእመናን ከኣ እቶም ኣገልገልትና፡ ዝዀነ በደል ክንፍጽም ኪርእዩና ኸለዉ <ንኣምላኽ ትንዕቆ ኣለኻ> ኢሎም ኣይብድሁናንዮም። ነቲ <ኣይትጽላእ፡ ኣይትቀየም፡ ኣይትበቀል፡ ኣይትቕናእ ኣይትሓሱ ወዘተ> ዚብል ትእዛዙ ጥሒስናዮ ኸነብቅዕ፡ ዋላ ሓንቲ ኣበር ከም ዘይፈጸመ ሰብ መሺኡና ቐሲንና ኽንመላለስ ከለና፡ ኣብ ልዕሊ እግዚኣብሔር ግብራዊ ንዕቀት ንርኢ ከም ዘሎና ኽንክሕድ ንደፍር ደዀን ንኸውን፧ <ምሕረት ግበር> እናበልካ ክትቅየምን ሕነ ክትፈዲ እንተ ወሲንካ፡ ብግብራዊ ቛንቋ፡ <ባዕሉ ይፈልጥ፡ ዝደለዮ ይግበር፡ ንስምዒተይ እምበር ንቓሉ ዜኽብረሉ ዋላ ሓንቲ ምኽንያት የብለይን> ዚብል ሱር ዝሰደደ ውሽጣዊ ንዕቀት ዝመልኦ መልእኽቲ ተሕልፍ ከም ዘለኻ ኽትዝንግዖ ኣይግባእንዩ። ዋላ ሕጂ ብመንፈሳዊ ዑረት ተጠቒዕካ ኸምኡ ዀይኑ እንተ ዘይተራእየካ፡ ጽባሕ ንግሆ ብምጽኣቱ ኣብ ቅድሚ መንበር ፍርዲ ናይቲ ዝነዓቕካዮ ጐይታ ደው ምስ በልካ ግና ከም ጸሓይ በርቂ ደሚቑ ኪረኣየካዩ። ሽዑ ኻብ ቅድሚ ኣዒንቱ ኣየናይ ከረን ኰን ኺሓብኣካ፧!!

ካብቲ መዓት ኽትድሕነላ እትኽእል እንኮ መገዲ፡ ነፍሲ ወከፍ እተጋህሰት ሕጊ፡ ነፍሲ ወከፍ እተፈጸመት ሓጢኣት፡ ናይ ውህሉል ንዕቀት ነጸብራቕ ምዃና ምርዳእዩ። ንዅሉ ዓይነት ንዕቀት ብደረጃ ኣብነት እናዘርዘርና ኽንጠቅስ ዚከኣል ኣይኰነን። ምስቲ ህያው እምኒ፡ ምስቲ ሕሩይን ክቡርን እምኒ፡ ምስቲ ድልዱልን ፍቱንን እምኒ፡ ምስቲ እምኒ-መኣዝን፡ ርእሲ መኣዝን፡ እምኒ ዅርናዕ ዝዀነ እምኒ ብንዕቀት ዘይምውሳእን ዘይምርጻምን ግን ብልህታት ጥራሕ ዚመርጽዎ ብልሂ ምርጫዩ። በዚ እምኒ መዓንቀፊ ምዕንቃፍ ዘይትሓውየሉ መስበርቲ ጻማኡ። ንሱ ባዕሉ ኽሳዕ ዚወድቀካ ናብኡ ኽትቀርብ ዘይምምራጽውን፡ ኣብ መወዳእታ ምጭፍላቕ ዓስቡ። ብእኡ ምእማን ናብኡ ምጽጋዕ ግን ካብ ዘለኣለማዊ ነውርን ሕፍረትን ጥፍኣትን ዜድሕንዩ። ስለዚ ናብኡ ናብዚ ህያው እምኒ ብምጽጋዕ ንርእስኻ ህያው እምኒ ዄንካ ኣብቲ ህያው መቕደስ ምስኳዕ ዚሓይሽ። ከምቶም <ንሱ ኺነግሰና ኣይንደልን ኢና> ዚብሉ ነዓቕቲ ኣይንኹን። ምኽንያቱ ጽቡቕ ኣይረኸቡን፡ መወዳእታኦምዮም ዘበላሸዉ15 እቶም ዘኽበርዎ በቲ ዝሃቦም መኽሊትን ምናን ኪሰርሑን ኪረብሑን ዝፈተኑ ግና ክብሪ ተጐናጺፎም እዮም ከምኣቶም ደኣ ንኹን16 ካብ ምንዓቑ፡ ምኽባሩን ምንጋሱን ዚሓይሽ ንዕቀት ነወግድ!!

ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።

ዕለት፥ ጥቅምቲ 29, 2013 ግዕዝ (8 ሕዳር 2020)  - 9ይ ሰንበት: ቊ.12(፲፪)

ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባባት

ዲያቆን

ንፍቀ ዲያቆን

ንፍቀ ካህን

ወንጌል

ቅዳሴ

ሮሜ 1113-25

ራእ 1213-ፍጻ

ግብ 111- 12

ማቴ 2133-ፍጻ

ዘእግዝእትነ (ጐሥዓ)

መዝ 79(80)8,9

ዐፀደ ወይን ኣፍለስከ እምግብጽ ሰደድከ አሕዛበ ወተከልከ ኪያሃ ወፄሕከ ፍኖተ ቅድሜሃ።

ጒንዲ ወይኒ ኻብ ግብጺ ኣውጻእካ፡ ኣህዛብ ሰጒጒካውን ተኸልካያ። ኣብ ቅድሚኣ ቦታ ኣዳሎኻላ፡

1ግብ 4፡11,12 2 መዝ 118፡22,23 ኤር 6፡21 ዘካ 4፡6,7: 3 ዳን 2፡34,35 4 ሮሜ 12፡1 ራእ 5፡9,10: 5ኢሳ 53፡1-9 ማቴ 13፡54-58 27፡27-31,38-44 ዮሃ 7፡50-52: ማቴ 7፡12,20,41,52 8፡48,52 9፡16,24,29 10፡20 12፡37,38:7 ዘሁ 11፡19-20 8 ዘሁ 11፡33 9 ዘሁ 14፡11,12 10 ዘሁ 16፡11,29,30 11 ዘሁ 12፡1-15 121ሳሙ 8፡5,19-20 131ሳሙ 8፡7: 14 1ሳሙ 15፡26 15 ሉቃ 19፡14,27 16 ሉቃ 19፡11-26 ማቴ 25፡14-30

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div