S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ሰናይ ዝገበሩ ናብ ትንሳኤ ሕይወት - ቊ.14 (፲፬)

ስብከተ ወንጌል ካብ ኣትራኖስ ቤተ ክርስቲያን - Sermon from the lectern of the Church

ኣብ መቓብር ዘለዉ ዅላቶም ድምጹ ዚሰምዑላ ሰዓት ክትመጽእያ። ሰናይ ዝገበሩ ናብ ትንሳኤ-ሕይወት፡ እኩይ ዝገበሩ ኸኣ ናብ ትንሳኤ-ፍርዲ ኺወጹ እዮምሞ፡ በዚ ኣይትደነቑ።ዮሃ 528,29

እዚ ነዚ ዕለት ተሰሪዑልና ዘሎ ንባብ ቅዱስ ወንጌል ካብ ዘልዓሎም ኣገደስቲ ኣርእስትታት ሓደ፡ ዓይነት ግብርን ኣብ ትንሳኤ-ሙታን ዚህልዎ ጽልዋን ዚምልከትዩ። እዚ መግለጺ በቲ ብምጽኣቱ ምስ ተገልጸ ንዅሉ ሰብ ዚፈርድ፡ ንገዛእ ርእሱ ድማወዲ-ሰብኢሉ ዝሰመየ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተዋህበዩ። እቲ ንዅሎም ምዉታት ሕይወት ሰዅዑ ምስ ኣተንስአ፡ ንነፍሲ ወከፍ ከከም ግብሩ ዚፈርድ ጐይታ ዝሃቦ ቓል ስለ ዝዀነ፡ እቲ ገና ብሕይወት ዘሎ ክርስቲያን ብዛዕባ ቓል ኣዕሚቑ ኺሓስብን ንትንሳኤ-ሙታን ናብ ረብሓኡ ዚልውጠሉ ኣካይዳ ኺመርጽን ናይ ግድንዩ። ነዚኣ ኺገብር ዘይመረጸ ሰብ፡ ትንሳኤ ሙታን ንእኡ ኻብ ሓደ ስቓይ ናብ ዝመረረ ስቓይ ዜሳግር ዜባህርር ፍጻመዩ። ነቲ ትንሳኤ ሙታን እናሓሰበን እናናፈቐን ንምድራዊ ሕይወቱ ብጽድቂ ዝመርሐን ዝጓሰየን ሰብ ግና፡ ትንሳኤ ሙታን ካብ ሕይወት ናብ ሕይወት፡ ካብ ክብሪ ናብ ክብሪ ዜሰጋግሮ ኽቡር ትዕድልትን ፍጻመን ኪዀነሉ1 ጐይታና ባዕሉ፡ ቅዱሳን ሃዋርያትን ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያንና ንትንሳኤ ሙታን ሓደ ኻብቶም ኣዕኑድ ምስጢራት ገይሮም ዘቘሙሉ ምኽንያት ከኣ ነዚ ምስጢር ኸም ዚግባእ ፈሊጥና ንሕይወትና ኸነማእዝነሉ ዘለኣለማዊ መጻኢና ምእንቲ ኸነቕንዓሉዩ።

ኣብዛ ዓለምዚኣ ሕይወትና ብሓጢኣት ኣበላሺና እንመላለሰሉ ምኽንያት እንታይዩ፧ ብመሰረቱ ብትንሳኤ ሙታን ስለ ዘይንኣምንዩ፡። እዚ ኣበሃህላ ነቶም ብክርስቶስ ዘይኣመኑ ኣረማውያን ዚምልከት ጥራይ ኣይኰነን። ዋላቶም ትንሳኤ ሙታን መሰረተ እምነትና ዝዀነ መብዛሕትና ኣገልገልትን ምእመናንንውን ብትንሳኤ-ሙታን ኣይንኣምንን ኢና። እዚ ኣበሃህላ ሓቂ ምዃኑ ዜረጋግጸልና፡ እቲ ኣብዚ ምድሪ ኽንመላለሰሉ እንመርጾ ዘለና ሓጥእ ኣካይዳን ቅዲ-ሕይወትንዩ። ልብኻ ነፊሕካ፡ኣነ ብትንሳኤ-ሙታን ዝኣምን ክርስቲያንእናበልካ፡ ብግብሪ ግን ኣብ ትንሳኤ ሙታን ጽቡቕ ዘይፈድየካ ኣካይዳ ትኸይድ እንተሊኻ፡ ብዛዕባ እምነትካ ተላግጽ ኢኻ ዘለኻምበር፡ኣብ እምነት ኣለኹክትብል ኣይትኽእልን ኢኻ። ኣብ ቅድሚ መንበር ፍርዲ ደው ምስ በልና፡ ብዛዕባ ምስጢረ ትንሳኤ ሙታንን ካልኦት ኵሎም ምስጢራትን ናይ ቃል ፈተና (oral examination) ኣይኰነን ዚወሃበና። ብኣንጻሩ ብዛዕባ ግብርናን ኣካይዳናን ጸብጻብ ክንህብ ኢና ኽንሕተት። ስለዚ ኢና ኸምቶም፡ይብሉ ደኣምበር ኣይገብሩንዮምዝተባህለሎም ፈሪሳውያን ንዘይምዃን ክንጥንቀቕ ዚግብኣና2 ከመዮ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፦

ንኣምላኽ ከም ዚፈልጥዎ ባዕሎም ይብሉ፡ ፍንፉናትን ዘይእዘዙን ንሰናይ ግብሪ ዘበለ ዅሉ ዘይጠቕሙን ብምዃኖም ግና በቲ ግብሮም ይኽሕድዎ አለዉ።

ዝበሎ፡ ብኣፍና ተኣሚንና ብግብሪ እንኽሕድ፡ኣፋውያን ኣመንቲወይ ከኣግብራውያን ከሓድቲከይንኸውን፡ ሓቀኛታት ክርስቲያን ምዃንና ኸነረጋግጽ ይግባእ3 ንትንሳኤ ሙታን ክንኣምኖ ጥራሕ ዘይኰነ ኽንገብሮን ክንነብሮን ንሕተት ኣለና።

ሰይጣን ንትሳኤ ሙታን፡ እንተ ዀነ ብቓልውን ከይንኣምኖትንሳኤ ሙታን ዚበሃል የልቦንኢልና ኽንክሕድ፡ እንተ ዘይኰነሉ ግና፡ ብቓል ኣሚንና ብግብሪ ኽንክሕዶ ዚጋደለና። እቲ ቐዳማይ ምርጫኡ ኣብቶም ብህላውነት ኣምላኽን ብክርስቶስ ዘይኣምኑ ሰባት ኪስርሓሉ ኸሎ፡ እቲ ኻልኣይ ምርጫኡ ኸኣ ኣብቶም ስማውያን ክርስቲያን ዚስርሓሉ። ነገሩ ድማመለሳ ቆሎ ጥጥቆ”’ ዚኸውን። ዓተር ኣብ መቕሎ እንተ ቐለኻዮን ኣብ ማይ እንተ ጠጠቕካዮን፡ ኵሉ ጊዜ ዓተርዩ። ንትንሳኤ ሙታን ድማ ብቓል ኰነ ብግብሪ እንተ ኸሓድካዮ መለሳ የብሉን። ክልቲኡ ዓይነት ክሕደት ናብ ገሃነም ዚነቍት። ኣብዛ ምድሪ ኽሳዕ ዘለዉ ግና፡ ካብ ነቲ ብግብሪ ዚኽሕድ ነቲ ብቓል ዚኽሕድ ዝቐለለዩ። ምኽንያቱ እቲ ብግብሪ ዚኽሕድ፡ በቲ ናይ ቃል እምነቱ ስለ ዚጥበር፡ኣለኹእናበለ ብኸንቱ ዚጠፍእ።

እምበኣር፡ ኣቦታትናከበሮን እግርን በበይኑኸም ዚብሉ፡ እምነትናን መጋብርናን መጻርርቲ ዀይኑ ኸይፈላለየና ኽንጥንቀቕ ይግብኣና። ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ነቶም እምነቶምን ግብሮምን ኣሳንዮም ግርማ ብዘለዎ ኣሳጕማ ዚስጕሙ ሰዓብቱ፡ ዚበቕዖምን ደስ ዜብልን ስም ሂብዎም ኣሎ። ንሱ ኸኣውሉድ ትንሳኤዚብልዩ። እምበኣር፡ እቲ ብትንሳኤ ዚረብሕን ዚኸብርን ኵሉ፡ ውሉድ ትንሳኤ4 እቲ ብትንሳኤ ዚጕዳእ ዘበለ ዅሉ ግና ጸላኢ ትንሳኤ ኪስመዩ። ስለዚ ትንሳኤ፡ እምነትና ጥራይ ዘይኰነስ፡ መንነትናውንዩዶ ኣየስምዕን፧ ንሓደ ሰብወዲ እከለወይጓል እከለኢልና ኸም መለለዪ መንነቱ ጌርና ከም እንጥቀመሉ፡ ዝዀነ ክርስቲያንውንወዲ ትንሳኤወይጓል ትንሳኤብዚብል መለለዪኡ ኪጽዋዕ ይኽእልዩ። ነዛ መለለዪትዚኣ ግን ብዘይካ ክርስቶስ ካልእ ኪጥቀመላ ኣይክእልንዩ። ምኽንያቱ፡ ንሱ ንጉስ ትንሳኤዩ። ስለዚ ኸኣዩ፡

““ትንሳኤን ሕይወትን ኣነ እየ። እቲ ብኣይ ዝኣምን እንተ ሞተ እኳ፡ ብሕይወት ኪነብር እዩ። ነፍሲ ወከፍ ብሕይወት ዘሎ እሞ ብኣይ ዚኣምን ከኣ ንዘለኣለም ኣይኪመውትን እዩ። እዚዶ ትኣምኒ ኢኺ፧በላ።

ዝበለና5 እቲ ኣብዛ ምድሪዚኣ ብሕይወቱ ኸሎ፡ ንእኩይ ግብሪ ምዉት፡ ንሰናይ ግብሪ ግና ሕያው ኰይኑ ዝተመላለሰ ሰብ፡ ገና ኣብዚ ምድሪ ኸሎ ኣትሒዙ ስሙውሉድ ትንሳኤ”’ዩ። ስለዚ ኸኣዩ፡

ደጊም ምስ ክርስቶስ ተንሲእኩም እንተ ዄንኩምሲ፡ ነቲ ክርስቶስ ኣብ የማን ኣምላኽ ተቐሚጥዎ ዘሎ፡ ነቲ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ድለዩ። መዊትኩም ኢኹም፡ እታ ሕይወትኩም ድማ ምስ ክርስቶስ ኣብ ኣምላኽ ተሰዊራ ኣላ እሞ፡ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ሕሰቡ፡ ኣብ ምድሪ ዘሎ ኣይኰነን።

ዝተባህለልና6 እቲ ሰናይ ዚገብር ሰብ፡ እቲ ድሮ ምስ ክርስቶስን ብክርስቶስን ካብ ምዉት ግብሪ ዝተንስአ ሰብዩ። ከምኡ ኻብ ኰነ፡ ትንሳኤ ድሕሪ ምጽኣት ዘይኰነስ ሕጂ ዚጅምር ማለትዩ።

ሰናይ ግብሪ ግና ንምንታይ ኽሳዕ ክንድ ኣገዳሲ ዀይኑ፧ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ነዚ ሕቶ ብምልኣት ዜዕግብ መልሲ ሂቡና ኣሎ። ንሱ ድማ ከምዚ ዚስዕብ ብምባል ናይ ምፍጣርና ዕላማ ሰናይ ግብሪ ንምግባር ምዃኑ ዚገልጽዩ።

ከመይ ንሕና ነቲ ኣምላኽ ኣቐዲሙ ዘዳለወልና ሰናይ ተግባራት እናፈጸምና ምእንቲ ኽንነብር ብክርስቶስ ኢየሱስ ዝፈጠረና ፍጡራት ኣምላኽ ኢና።ኤፌ 210 .

በዚ ኣገላልጻ ናይዚ ሃዋርያዊ ቓል መሰረት፡ ወዲ ሰብ ቅድሚ ምፍጣሩ፡ እቲ ንሱ ኺመላለሰሉ ዚግባእ ሰናይ ግብሪ ተፈጢሩ። ሰብ ደኣ ምእንቲ ሰናይ ግብሪ ተፈጢሩምበር፡ ሰናይ ግብሪ ምእንቲ ሰብ ኣይተፈጥረን። ስለዚ ሰናይ ግብሪ ኻብ ሰብ ኣዝዩ ዝዓበየን ዝኸበረንዩ። ምኽንያቱ ሰናይ ግብሪ ብቐንዱ ናይ እግዚኣብሔር ግብሪዩ። ስለዚ እግዚኣብሔር ካብ ዝነበረሉ ጊዜ ጀሚሩ ዝነበረ ስለ ዝዀነ፡ ሰናይ ግብሪ ልክዕ ከም እግዚኣብሔር ዘለኣለማዊዩ። እቶም ዚገብርዎ፡ ዘለኣለማዊ ሕይወትን ክብርን ዚረኽቡሉ፡ እቶም ዚግህስዎ ድማ ንዘለኣለማዊ ስቓይን ውርደትን ዚምጠዉሉ ምኽንያት ከኣ ንሱዩ። እቲ ንሰናይ ግብሪ ዚድርቢ፡ ንኣምላኽ ዚድርቢ። ምኽንያቱ ሰናይ ግብሪ መለኮታዊ ባህሪዩ። ስለዚዶ ኣይኰነን፡እግዚኣብሔር ሰናይዝተባህለ7 ቅዱስ ዳዊት እቲ ሰናይ ባህሪ ናይ እግዚኣብሔር፡ በቲ ሰናይ ግብሩ ኸም ዚግለጽ ንኼመልክተና ድማ፡

ንስኻ ሰናይ ኢኻ እሞ፣ ሰናይ ትገብር ኣሎኻ፣ ስርዓታትካ ምሃረኒ።

ኢሉ ዘመረ8 ብእኡ ጥራሕ ከየብቅዐ፡ ንኣናውን ሰናይ ንምግባር ስለ ዚድርኸና፡ ንዅላትና፡

እግዚኣብሔር ሰናይ ምዃኑ ጥዓሙን ርኣዩን፣ ኣብኡ ዚውከል ሰብ ብጹእ እዩ።

ብምባል ክቡር ዕድመ ኣቕረበልና9 እግዚኣብሔር ሰናይ ብምግባር ዚሕጐስ ስለ ዝዀነ፡ ብዛዕባቶም ብሓጢኣቶም ዘትከኽዎ ቤት እስራኤል፡ሓጐሰይሲ ሰናይ ክገብረሎምኢሉ ተዛረበ።

ንኣታቶም ሰናይ ካብ ምግባር ከይዘሓጥሲ፡ ናይ ዘለኣለም ኪዳን ክአትወሎም፡ ካባይ ከይዘብሉ ኸኣ፡ ፍርሃተይ ኣብ ልቦም ከሕድር እየ። ሓጐሰይሲ ሰናይ ክገብረሎም እዩ። ብዅሉ ልበይን ብዅሉ ነፍሰይን ብሓቂ ኣብዛ ሃገር እዚኣ ኽተኽሎም እየ።ኤር 3240,41

ንሕና ደኣ ከኒብና ኣቢናዮምበር፡ እግዚኣብሔር ካብ ብፍርዱን ብቝጥዓኡን ንላዕሊ በቲ ሰናይ ባህርዩን ግብሩን ኪፍራህ ዚመርጽ።

ንሳ ኸኣ ኣብ ቅድሚ እቶም ነቲ ዝገብረሎም ዘሎኹ ዅሉ ሰናይ ዚሰምዑ ዅላቶም ህዝብታት ምድሪ ንስም ደስታን ንምስጋናን ንኽብርን ክትኰኑኒ እያ። ብምኽንያት እቲ ኣነ ዝህባ ዅሉ ሰናይን ኵሉ ሰላምን ድማ ኪፈርሁን ራዕራዕ ኪብሉንዮም።"” ኤር 339

ንሕናውን ሰናይ ብምዃንን ሰናይ ብምግባርን ምእንቲ ኽንመስሎ፡ ብመልክዑን ብምስሉን ፈጠረና። ብምስትውዓል ምእንቲ ኽንገብሮ፡ኣእምሮ ብምሃብ ካብ እንስሳታት ኣብሊጹ ፈጠረና። ፈቲና ኽንመርጾን ፈቒድና ኽንገብሮን ምእንቲ ኽንክእል ዓስብና ምእንቲ ኺበዝሕን ኪኸብርን፡ ናይ ነጻ ፍቓድ ስልጣን ሃበና።

ርአ፡ሎሚ ሕይወትን፡ ሞትን: ጽቡቕን ክፉእን ኣብ ቅድሜኻ ኣንቢረልካ ኣሎኹ።. . . ሕይወትን ሞትን፡ በረኸትን መርገምን ኣብ ቅድሜኻ ኣንቢረልካ ኸም ዘሎኹ፡ ኣባኻ ንምስክር ሎሚ ሰማይን ምድርን ጸዊዐ ኣሎኹ። እምበኣርሲ ንስኻን ዘርእኻን ብሕይወት ምእንቲ ኽትነብር፡ ሕይወት ሕረ።"” ዘዳ 3015,19

ስለዚ ሰናይ ግብሪ ምርጫና ዀይኑ ናይ ወርትግ ኣካይዳና ኪኸውን ጐይታ ብቓሉ ደጋጊሙ ይድርኸና ኣሎ። ሰናይ ዘይምግባርካ ኣብ መወዳእታ ቕጽዓት ዜውርደልካ እንተ ዀይኑ፡ ብኻልእ ኣዘራርባ ሰናይ ግብሪ ግዴታ ድማምበር ፍታው ጥራሕ ኣይኰነን ማለትዩ። ከምኡ ስለ ዝዀነ ኸኣ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፦

 እቶም ናትናውን ብዘይ ፍረ ኸይኰኑ፡ ነቲ ብግዲ ዜድሊ ነገር ሰናይ ግብሪ ኺገብሩ ይምሃሩ።

ብምባል ገለጸልና10ብግዲ ዜድሊዚብል ዘሎ ግና ነቶም ትንሳኤ- ሕይወት ኪወርሱ ዚደልዩምበር ንኻልኦት ነቶም ምድራዊ ሕይወቶም ጥራሕ ዜገድሶም ሰባት ዚምልከት ኣይኰነን። ሓደ ሰብ ናብ ሓደ ዩኒቨርሲቲ 

ኣትዩ ኺመሃር ወይ ኣብ ሓደ ስራሕ ተቘጺሩ ኺሰርሕ ምስ ዚድሊ፡ ኬማልኦ ዚግባእ ግዴታዊ ረቛሒታት በቲ ትካላት ይወሃቦዩ። ኣብቲ ከተማ ንዘሎ ዅሉ ሰብ ግና፡ነዚ ረቛሒታት ኣማሊእኩም ብግዲ ናብዚ ትካልና ኣቲኹም እንተ ዘይሰራሕኩም ወይ እንተ ዘይተመሃርኩምኢሉ ኣየገድድንዩ። ነቶም ዘለኣለማዊ ሕይወት ኪወርሱ፡ ናብ መንግስተ ሰማያት ኪኣትዉ፡ ውሉድ ትንሳኤ ኪዀኑ ዚደልዩ፡ ሰናይ ግብሪ ግድነታዊ ረቛሒ (obligato¬ry or manadatory criterial) እዩ። ስለዚ ኸኣ ሃዋርያ ጳውሎስ፡ ከምዚ ዚስዕብ ኢሉ ጸሓፈልና።

ንሱ ንነፍሲ ወከፍ ከከም ግብሩ ኺፈድዮ እዩ። ማለት፡ ነቶም ሰናይ እናገበሩ ተዓጊሶም ግርማን ክብርን ዘይምጥፋእን ዚደልዩ፡ ናይ ዘለኣለም ሕይወት ኪህቦም እዩ። ነቶም ንዓመጻ ዚእዘዙ እምበር፡ ንሓቂ ዘይእዘዙ መሻረውቲ ግና ቊጥዓን መዓትን ኪወርዶም እዩ። እከይ ንትገብር ዘበለት ኵላ ነፍሲ ሰብ፡ ጭንቀትን ጸበባን ኪወርዳ እዩ፡ ቅድም ንኣይሁዳዊ ኸምኡ ኸኣ ንጽርኣዊ። ሰናይ ንዚገብር ዘበለ ዅሉ ግና ግርማን ክብርን ሰላምን ኪውሃቦ እዩ፡ ቅድም ንኣይሁዳዊ ኸምኡ ኸኣ ንጽርኣዊ። ኣብ ኣምላኽሲ ኣድልዎ ገጽ የልቦን።ሮሜ 26-11

ካብዚ ጽሑፍ ኸም እንርድኦ እምበኣር፡ ንዓይነት ግብርኻ ዚውስኖ እቲ ዓይነት ናይ ዘለኣለማዊ ምርጫኻዩ። እቲ ዜሕዝን ግና፡ እቶም እከይ ዚገብሩ ብዛዕባ ዘለኣለማዊ ምርጫ ዘይሓስቡ ምዃኖምዩ። ብዛዕባ ዘለኣለማዊ መፈጸምታኦም፡ ዚሓስቡ እንተ ዚዀኑ፡ ነቲ እከይ ናይ ምግባር ምርጫኦም ምተጸየፍዎን ምደርበይዎን፡ ገሃነም ድማ ጥራያ ምተረፈት ነይራ። መወትቲ ምዃንና ብግብሪ እናረኣናዮ ኸለና፡ ኣብዛ ዓለምዚኣ ንዘለኣለም ከም እንነብር ሰባት ኴንና ምምልላስና፡ ማዕረ ኽንደይ ኣብ ጸልማት ንነብር ከም ዘለና ግሁድ ምልክትዩ። ሰናይ ግብሪ ዚመርጽ ድማ እቲ ኣብዛ ዓለምዚኣ ንሓጺር ጊዜ ዚነብር ጋሻን ስደተኛን ምዃኑ ዚፈልጥ ሰብ ጥራሕዩ። እቲ ነቲ ድሕሪ ሞት ዘሎ ሕይወት ዚናፍቕ ሰብ እንታይ ኪገብር ከም ዚግብኦ፡ ቅዱስ ዳዊት ብኸምዚ ዚስዕብ ገሊጹልና

ሕይወት ዚፈቱ፣ ጽቡቕ መዓልትታት ኪርኢ ዚደሊ ሰብ መን ኣሎ፧ መልሓስካ ኻብ እከይ፣ ከናፍርካውን ካብ ምዝራብ ጥልመት ሓሉ፣ ካብ እከይ ርሓቕ፣ ሰናይ ከኣ ግበር፣ ንሰላም ድለያ ስዓባውን።መዝ 3412-14

ኣዒንቲ እግዚኣብሔርሲ ናብ ጻድቃን እየን ዚርእያ፡ ኣእዛኑውን ናብ ጸሎቶም እየን፡ ገጽ እግዚኣብሔር ግና ነቶም ገበርቲ እከይ ይጻረሮም እዩ እሞ፡ እቲ ሕይወት ዚፈቱ ጽቡቓት መዓልትታት ከኣ ኪርኢ ዚደሊ፡ ልሳኑ ኻብ ክፉእ፡ ከናፍሩውን ተንኰል ከይዛረባ ይኸልክል። ካብ እከይ ይዝበል ሰናይ ከኣ ይግበር፡ ንሰላም ይድለያ ይስዓባውን።” 1ጴጥ 310-12

ሰናይ ግብሪዚበሃል ግና ኣየኖት ግብርታትዩ፧ መብዛሕትና፡ ሰናይ ግብሪ ወይ ግብረ-ሰናይ ኪበሃል ከሎ ንስኡናት ምምጽዋት፡ ንሕሙማት፡ እሱራት፡ ሕዙናት ምብጻሕ ወዘተ ዝኣመሰሉ ግብርታት ጥራሕ ዚመስለና። ንሱ ጥራሕ ግን ኣይኰነን። እቶምፍረ መንፈስብዚብል ስም ዚጠቓለሉ ባህርያትን ግብርታትንውን እቶም ብቐዳምነት ዚጥቀሱ ሰናይ ግብርታት ምዃኖም ከነስተውዕል ይግባእ። እዞም ግብርታትዚኣቶም እቶም ኣብ ገላ 522 ከምኡውን ኣብ ካልእ ክፍልታት መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሶም ዘለዉን ዜጠቓልልዩ።

እቲ ፍረ መንፈስ ግና ፍቕሪ፡ ሓጐስ፡ ዕርቂ፡ ዓቕሊ፡ ለውሃት፡ ሕያውነት፡ እምነት፡ ህድኣት፡ ይአኽለኒ ምባል እዩ።ገላ 522

ምሕረት ልቢ፡ ትሕትና፡ ቅንዕና፡ ሓቅነት፡ ፍትሓውነት፡ ገርህነት፡ እሙንነት፡ ርዝነት፡ ትብዓት፡ ሰላማውነት፡ ልኡምነትን፡ ትግሃት፡ ቅድስና፡ ልቦና (ለባምነት) ወዘተ ዝኣመሰሉ ባህርያትን ግብርታትንውን ሰናይ ግብሪ ምዃኑ ኺስትውዓል ይግባእ11 ፍቕሪ ዘይብሉ ሰብ፡ ብዘሎ ንብረቱ ንድኻታት እንተ ሃበ ከም ገባር ሰናይ ኪቝጸር ኣይክእልን12 ዓቕልን ትዕግስትን ዘለዎ ሰብ ይኣኽለኒ ዘይብል ስሱዕ እንተ ዀይኑ፡ ኣብ ዓይኒ ኣምላኽ ገንዘብ ዝኣምላኹ ኣምላኺ ጣኣት13 ስለዚ ሰናይ ግብሪ ኺበሃል ከሎ፡ ነቲ ኣብ ሕይወትና ዚንጸባረቕ ባህሪን ግብርን፡ ከምኡውን ነቲ በዚ ባህርያት ተደሪኽና ኣብ ልዕሊ ኻልኦት ሰባት እንገብሮ ዅሉ ተግባራትን ማለትዩ። ከምቲ ግቡእ ነፍሲ ወከፍ ኣገልጋልን ምእመንን፡ ናይቲ ኼዘውትሮ ዚግባእ ሰናይ ግብሪን፡ ኬወግዶ ዚግባእ እኩይ ግብርን ዝርዝር ኣብ ኢዱ ኺህልዎ ዚግባእ። እታ ንሰባት ብሰናይ ግብሪ ናይ ምህናጽ ሓላፍነት ዝተሰከመት ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያንውን፡ ነቲ ኣብ ትሕቲ ጽላላ ዘሎ ምእመንን ኣገልጋልን ዜገልግል መመልከቲ ወይ መፈተሺ ዝርዝር (check list) ናይ ኵሉ እኩይን ሰናይን ግብርታት ከተዳሉ ይግባእዩ። ንነፍሲ ወከፍ ሰናይ ግብሪ ብኸመይን መዓስን ከም ዚገብሮ ንነፍሲ ወከፍ እከይ ግብሪውን ብኸመይ ከም ዜወግዶ ምስትምሃርን መምርሒ ጽሑፋት ምድላውን ኣብ ኣተገባብራኡ ክትመርሕን ግቡእዩ። ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያንን ኣገልገልታን ነዚ ንምግባር እንተ ዘንግዑኳ፡ እቲ ሕይወትን ጽቡቕ ዘለኣለምን ኪርኢ ዚድሊ ኵሉ ምእመንውን ሕይወቱ ዚምርምረሉ ዝርዝርን ፈተሽቲ ሕቶታትን ኬዳሉ ይግብኦዩ።

ብዛዕባ ኣገዳስነት ሰናይ ግብርን ዓይነት ትንሳኤና ኣብ ምውሳን ዘለዎ ዓብዪ ግደን ድሕሪ ምራኣይና፡ ዚተርፈና ነገር እንተልዩ፡ ነናትካ ውልቃዊ ሕይወት ምፍታሽዩ። ከመይሲ፡ ካብ ሰናይካ ንላዕሊ እከይካ ዚበዝሕ ሰብ ኴንካ እናሃለኻ፡ ብኸምቲ ዘለኻዮ ንዕለተ-ሞትካን ንዕለተ-ምጽኣት ጐይታናን ምጽባይ ኣዝዩ ኸቢድን ቀታልን ዕሽነትዩ። “‘እናበሉኻዶ ትጋገ፧ኸም ዚበሃል፡ ነዚ መልእኽቲ እናሰማዕካን እናንበብካን ኢድካ ኣጣሚርካ ጥፍኣትካ ምጽባይ ዝበኣሰ ዕሽነት ከይኰነና፡ ካብዛ ህሞትዚኣ ጀሚርና መፈጸምታና ንምጽባቕ ንተዓጠቕ። እዚ ተግባርንጽባሕ፡ ንዓመታ፡ ምስ ሽምገልኩ፡ ነዚ ስራሕ ፈጺመ ምስ ወዳእኩ፡ኢልካ ኺሰጋገርን ኪደናጐን ዚግብኦ ኣይኰነን። ምኽንያቱ እቲ ናይ መጻኢ ጊዜን ዕድልን ኣብ ኢድ ኣምላኽ ዘሎ። እቲ ሕሉፍን ኪዕረን ዘይክእልን ጊዜ ኸኣ ኣብ ዝኽሪ ዓያሱ ጥራሕ ዘሎ። እዛ ሕጂ ኣብ ኢድና ዘላ፡ ንሕሉፍና ብንስሓ ኽንፍውሰላ፡ ንመጻኢና ድማ ብሰናይ ግብሪ ኸነጸብቐላ እንኽእል መዓልቲ ድማ ኣብ ኢድና እንሃ። እግዚኣብሔር ብነብዪ ሙሴ ገይሩ፡

እዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘሎኹ ትእዛዛት፡ ንኣኻ ኣዝዩ ዜሽግርን ካባካ ዝረሓቐን ኣይኰነን እሞ፡ ናብ ሰማይ ዚድይበልናን ዜምጽኣልናን፡ ክንገብሮ ኸኣ ዜስምዓና መን እዩ ከይትብል፧ ኣብ ሰማይ ኣይኰነን። ባሕሪ ዚሳገረልናን ዜምጽኣልናን ክንገብሮ ኸኣ ዜስምዓና እሞ መን እዩ፧ ከይትብል ድማ፡ ኣብ ስግር ባሕሪ ኣይኰነን። እቲ ቓል፡ ምእንቲ ኽትገብሮስ፡ ኣብ ኣፍካን ኣብ ልብኻን ኣዝዩ ቐረባኻ እዩ። ርአ፡ሎሚ ሕይወትን፡ ሞትን: ጽቡቕን ክፉእን ኣብ ቅድሜኻ ኣንቢረልካ ኣሎኹ።

ከም ዝበለና፡ ነቲ ኣብ ኢድናን ኣፍናን ልብናን ዘሎ ሰናይ ግብሪ ብምዝውታር ብትንሳኤ ምእንቲ ኽንረብሕ፡ ውሉድ ትንሳኤ ንኹን!!14

ብወዲ ንዝኣምን ናይ ዘለኣለም ሕይወት ኣላቶ።

ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።

ዕለት፥ ሕዳር 13, 2013 ግዕዝ (22 ሕዳር 2020)  - 10ይ ሰንበት: ቊ.14(፲፬)

ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባባት

ዲያቆን

ንፍቀ ዲያቆን

ንፍቀ ካህን

ወንጌል

ቅዳሴ

ቈሎ 1፡12-ፍጻ

1ጴጥ 1፡13-21

ግብ 19፡21--ፍጻ

ዮሃ 5፡16-28

ዘአትናቴዎስ

መዝ፡ 134(135)፡6 “ኵሎ ዘፈቀደ ገብረ እግዚአብሔር በሰማይኒ ወበምድርኒ በባህርኒ ወበኲሉ ቀላያት”

“እግዚኣብሄር ኣብ ሰማይን ምድርን፡ ኣብ ባሕርን መዓሙቝን ዝደለዮ ዘበለ ይገብር እዩ።” 

 1ማቴ 25፡31-46 2ማቴ 23፡3,4 3ቲቶ 1፡16:  4ሉቃ 20፡34-38 5ዮሃ 11፡25,26 6ቈሎ 3፡1-3:  7መዝ 118፡1 8መዝ 119፡68 9 መዝ 34፡8 10 ቲቶ 3:14:11 ቈሎ 3፡12 1ጢሞ 3፡2,3 ቲቶ 1፡6-8 121ቈረ 13፡3 13ኤፌ 5፡5 ቈሎ3፡5 14ዘዳ 30፡11-15

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div