S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ለይቲ ትመጽእ ኣላ - ቊ.16(፲፮)

ስብከተ ወንጌል ካብ ኣትራኖስ ቤተ ክርስቲያን - Sermon from the lectern of the Church

መዓልቲ ኸላ፡ ግብሪ ዝለኣኸኒ ኽገብር ይግብኣኒዩ፡ ሓደ ኺዓየላ ዘይከኣሎ ለይቲ ትመጽእ ኣላ፧ ዮሃ 94

እዚ ናይ ዕለት ኣርእስትና፡ ብስራታዊ ኣይመስልንዩ። ምኽንያቱ ኣብ ለይቲ፡ ዓመጽ፡ ዕብዳን፡ ድቃስ ዚዓዝዝ። ኣብ ለይቲ ስግኣት፡ ፍርሃት፡ ፍትወት፡ እትሰርሖ ዘይብልካ ምዃን (idleness) ዚነግሰሉ እዋንዩ። ኣብ ለይቲ ስራሕ ዚበዝሓሎም ኣካላትውን ኣለዉ። ንሳቶም ከኣ ኣመናዝር፡ ዘመውቲ፡ ሰረቕቲ፡ ከተርቲ፡ ቀተልቲ ነፍሲ፡ ሰኽራማት፡ ሓለውቲ (ዋርድያ፡ ፖሊስ ወዘተ) ወተሃደራት (ኣብ ውግእ፡ ሓለዋ፡ ልምምድ ዝተጸምዱ) ወዘተ ዜጠቓልሉዮም። እዞም ኣብ ላዕሊ ዝዘርዘርናዮም ተግባራት ብብርሃን መዓልቲ ኣይግበሩንዮም ማለት ኣይኰነን ብቐትሪውን ኪግበሩ ዚኽእሉን ዚግበሩን እንተ ዀኑ ብዝያዳ ዚዝውተሩሉ እዋን ግን ለይቲዩ።

ጐይታና፡ለይቲ ትመጽእ ኣላኺብለና ኸሎ እንታይ ማለትዩ፧ ነቲ ዕራብ-ጸሓይ እትወልዶ ለይቲ ኼመልክት ከም ዘይኰነ ግን ርዱእዩ። ብመንፈሳዊ ኣገላልጻ፡ለይቲንሞት ኬመልክት እንጥቀመሉ ቓላትዩ። ጐይታ ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ ኣመልኪቱ ኺዛረብ ከሎ፡ ብዛዕባታ ናብኡ ገጻ ትግስግስ ዝነበረት መዓልቲ ሞቱ ዘመልከተ። ንሱ፡ ሞት ኣጽኒዑ ኺሕዞ ዘይክእል ራእሲ-ሕይወት እንተ ዀነ፡ እቲ ኸም ፍጹም ሰብ መጠን ብኣካለ ስጋ ኣብዛ ምድሪ ዀይኑ ኺገብሮ ዚኽእል ኵሉ ግብሩ፡ ኣብታ ኣብ መስቀል ኰይኑተፈጸመዝበለላ ሰዓት ኣብቂዑ1 እቲ ኻልኣይ ናይ ለይቲ መንፈሳዊ ትርጉም ድማ፡ እቲ ብሓጢኣት እንመላለሰሉ፡ ሰይጣን ዚገዝኣሉ ናይ ጸልማትን ጥፍኣትን ጊዜ ዜመልክትዩ። ጐይታና፡ ነዚ ሓቂ ንምብራህ ከምዚ ዚስዕብ ኢሉና ኣሎ።

ሕይወት ኣብኡ ነበረት፡ እታ ሕይወት ከኣ ብርሃን ሰብ ነበረት። ብርሃንውን ኣብ ጸልማት የብርህ፡ ጸልማት ግና ኣይሓዞን።ዮሃ 14,5

እቲ ፍርዲ እዚ እዩ፡ብርሃን ናብ ዓለም መጸ፡ ሰብ ግና፡ ግብሮም ክፉእ እዩ እሞ፡ ካብ ብርሃንሲ ጸልማት ፈተዉ። ክፉእ ዚገብር ዘበለ ብርሃን ይጸልእ እዪ እሞ፡ እቲ ግብሩ ምእንቲ ኸይዝለፍ፡ ናብ ብርሃን ኣይመጽእን። እቲ ሓቂ ዚገብር ግና፡ ብኣምላኽ እተገብረ እዩ እሞ፡ ግብሩ ምእንቲ ኺግለጽ፡ ናብ ብርሃን እዩ ዚመጽእ።ዮሃ 319-21

“. . .“ኣነ ብርሃን ዓለም እየ። እቲ ዚስዕበኒ ብርሃን ሕይወት ኪረክብ እምበር፡ ብጸልማት ኣይኪኸይድን እዩ፡ኢሉ ኸም ብሓድሽ ተዛረቦም።ዮሃ 812

መዓልትስ ዓሰርተው ክልተ ሰዓት ደይኰነትን፧ እቲ ብመዓልቲ ዚኸይድ፡ ብርሃን እዛ ዓለም እዚኣ ዚርኢ ስለ ዝዀነ፡ ኣይዕንቀፍን። እቲ ብለይቲ ዚኸይድ ግና፡ ብርሃን ስለ ዜብሉ፡ ይዕንቀፍ እዩ፡ኢሉ መለሰ።ዮሃ 119,10

ገና ንቕሩብ መዓልቲ ብርሃን ኣብ ማእከልኩም አሎ፡ ጸልማት ከየርከበኩም፡ ብርሃን ከሎኩም ተመላለሱ። እቲ ብጸልማት ዚመላለስ ናብ ዚኸዶ ኣይፈልጥን እዩ። ደቂ ብርሃን ምእንቲ ኽትኰኑስ፡ ብርሃን ከሎኩም፡ ብብርሃን እመኑ፡በሎም። ኢየሱስ እዚ ተዛሪቡ ኻባታቶም ከይዱ ተሓብአ። . . . ‘እቲ ብኣይ ዚኣምን ዘበለ ኣብ ጸልማት ምእንቲ ኸይነብር፡ ኣነ ብርሃን ኰይነ ናብ ዓለም መጺአ አሎኹ።’” ዮሃ 1235,36,46

በዚ ናይ ጐይታ ኣገላልጻ መሰረት እቲ ብክርስቶስ ዚኣምንን ንእኡ ዚስዕቦን ኣብ ብርሃን ኣብ መዓልቲ ዚነብር ሰብዩ። እቲ ዘይስዕቦን ዘይኣምኖን ግና፡ ኣብ ጸልማት፡ ኣብ ለይቲ፡ ዚነብር ሰብዩ። ነብያት፡ ክርስቶስ ነቲ ኣብ ጸልማት ለይቲ ዘሎ ሕዝቢ ብርሃን ኰይኑ ኸም ዚመጽእ ነጊሮምዮም2 ብግብሪ ድማ ባዕሉ ክርስቶስ ፈጺምዎ3

ከምቲ ጐይታና ብዛዕባ ብርሃን መዓልትን ጸልማት ለይትን ዝበሎ፡ ቅዱሳን ሃዋርያትውን ነዚ ሓቂ ደጋጊሞም ኣብሪሆምልናዮም። ብፍላይ ሃዋርያ ጳውሎስ፡ ነቲደቂ ብርሃን፡ ደቂ መዓልቲዚብል ኣገላልጻ ብንጹር ኣስፊሩልና ይርከብ።

ንስኻትኩም ግና፡ኣሕዋተየ፡ ኵላትኩም ደቂ ብርሃንን ደቂ መዓልትን ኢኹም እሞ፡ እታ መዓልቲቲኣ ኸም ሰራቒ ኸይትመጻኩምሲ፡ ኣብ ጸልማት ኣይኰንኩምን ዘሎኹም፡ ንሕና ናይ ለይትን ናይ ጸልማትን ኣይኰንናን። ደጊም ንንቃሕን ንጠንቀቕን እምበር፡ ከምቶም ካልኦት ኣይንደቅስ። እቶም ዚድቅሱስ ብለይቲዮም ዚድቅሱ፡ እቶም ዚሰኽሩውን ብለይቲዮም ዚሰኽሩ። ንሕና ግና ደቂ መዓልቲ ኻብ ኰንናስ፡ ድርዒ እምነትን ፍቕርን፡ ነታ ተስፋ ምድሓንውን ከም ቍራዕ ርእሲ ጌርና፡ ተኸዲንና ንጠንቀቕ።” 1ተሰ 54-8

ፍረ ብርሃን ብሰናይ ዘበለን ብጽድቅን ብሓቅን እዩ፡ ቀደም ጸልማት ኔርኩም ኢኹም እሞ፡ ብጐይታ ግና ሕጂ ብርሃን ኢኹም፡ ንጐይታ ዜሓጕሶ እናመርመርኩም፡ ከም ደቂ ብርሃን ኴንኩም ተመላለሱ። ግንሕዎም ደኣ እምበር፡ ነቲ ፍረ ዜብሉ ግብሪ ጸልማትሲ ኣይትሕበርዎ። እቲ ብኣታቶም ብሕቡእ ዚግበር ንምዝራቡ እኳ ነውሪ እዩ። ግናኸ እቲ ግሁድ ዘበለ፡ ንሱ ብርሃን እዩ እሞ፡ ኵሉ ዚግናሕ ዘበለ በቲ ብርሃን ይገሃድ እዩ። ስለዚ ኸኣ፡ኣታ ደቂስካ ዘሎኻ፡ ንቓሕ እሞ ካብ ምዉታት ተንስእ፡ ክርስቶስ ከኣ ኬብርሃልካ እዩ፡ይብል።ኤፌ 58-14

ምድሓን ካብቲ ዝኣመንናሉ ጊዜስ ሕጂ ኣዝዩ ናባና ቐሪቡ ኣሎ እሞ፡ ሕጂ ኻብ ድቃስ ኣትባራበሩሉ ጊዜ ኸም ዝበጽሐ፡ ነዛ ዘመን ፍለጥዋ። ለይቲ ሓሊፋ፡ መዓልቲ ቐሪባ እያ እሞ፡ ግብሪ ጸልማት ካባና ደርቢናስ፡ ኣጽዋር ብርሃን ንልበስ። ከም ብመዓልቲ ብቕንዕና ንመላለስ፡ ብጓይላን መስተን ኣይኰነን፡ ብምንዝርናን ዕብዳንን ኣይኰነን፡ ብባእስን ቅንኣትን ኣይኰነን። ንጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ደኣ ልበስዎ እምበር፡ ነቲ ሓልዮት ስጋስ መለዓዓል ትምኒት ኣይትግበርዎ።ሮሜ 1311-14

ብመሰረት ኣገላልጻ ናይዚ ቕዱስ ሃዋርያ፡ ብርሃን ናብራዩ፡ ኣጽዋርዩ፡ መንነት ከኣዩ። መንነት ስለ ዝዀነብርሃን ኢኹም፡ ደቂ መዓልቲ ደቂ ብርሃን ኢኹምተባህለልና። ናብራ ስለ ዝዀነ ድማብብርሃን ተመላለሱ፡ ኣብ ብርሃን ንበሩተባህለልና። ኣጽዋር ስለ ዝዀነ ኸኣ፡ኣጽዋር ብርሃን ንልበስተባህለልና። ኣብቲ ናይ ለይቲ ጸልማት እንነብር እንተ ዄንና ኸኣ፡ ልክዕ ከምቲ ናይ ብርሃን፡ እቲ ጸልማትውን መንነትናን ናብራናን ኣጽዋርናን ይኸውን ማለትዩ። ሃዋርያ ቕዱስ ዮሃንስውን ነዚ ፍልጠት-ሓቂ ብኣብነት-ሓዘል ኣገላልጻ ደጋጊሙ ጠቒሱልና ኣሎ።

እግዚኣብሔር ብርሃን ምዃኑን ኣብኡ ኸኣ ሓንቲ እኳ ጸልማት ከም ዜብሉን፡ እታ ኻብኡ ዝሰማዕናያ ንኣኻትኩምውን እንነግራ ዘሎና መልእኽቲ እዚኣ እያ። ምስኡ ሕብረት አሎና፡ ኢልናስ ኣብ ጸልማት እንተ ተመላለስና፡ ንሕሱ፡ ሓቂውን ኣይንገብርን ኢና ዘሎና። ከምቲ ንሱ ኣብ ብርሃን ዘሎ፡ ኣብ ብርሃን እንተ ተመላለስና ግና፡ ንሓድሕድና ሕብረት አሎና፡ ደም ኢየሱስ ክርስቶስ ወዱውን ካብ ኵሉ ሓጢኣት የንጽሃና እዩ።” 1ዮሃ 15-7

ከም ብሓድሽ ብእኡን ብኣኻትኩምን ሓቂ ዝዀነ ሓድሽ ትእዛዝ እጽሕፈልኩም አሎኹ። ጸልማት ሓሊፉ እዩ እሞ፡ እቲ ብርሃን ሓቂውን ድሮ እኳ የብርህ አሎ። ኣብ ብርሃን አሎኹ፡ ዚብል፡ ንሓዉ ኸኣ ዚጸልእ፡ ክሳዕ ሕጂ ኣብ ጸልማት እዩ ዘሎ። እቲ ንሓዉ ዜፍቅሮ ኣብ ብርሃን እዩ ዚነብር፡ መዓንቀፊውን ኣብኡ የልቦን። እቲ ንሓዉ ዚጸልእ ግና ኣብ ጸልማት እዩ ዘሎ፡ ኣብ ጸልማትውን ይመላለስ፡ ጸልማት ነዒንቱ ስለ ዘዕወሮ ድማ፡ ናበይ ከም ዚኸይድ ኣይፈልጥን እዩ።” 1ዮሃ 28-11

ብዛዕባ መዓልትን ለይትን፡ ከምኡውን ብዛዕባ ብርሃንን ጸልማትን ክንድ ኻብ በልና እምበኣር፡ ናብቲ መሪሕ ጥቕስና ንመለስ፡ ጐይታና፡ ብርሃን መዓልቲ ኸላ ግብሪ ናይቲ ዝለኣኾ ኣቦ ኺገብር ከም ዚግብኦ ኺገልጽ ከሎ እንታይ ኪብል ስለ ዝደለየዩ፧። ከም ፍጹም ሰብ መጠን ንኣና ኣርኣያ ኪዀነና ደኣ ኸምኡ ኢሉናምበር፡ ንመለኮትሲ መዓልትን ለይትን፡ ብርሃንን ጸልማትን ዚበሃል የብሉን። ነዚ ሓቂ ኣቦና ዘማራይ ንጉስ ዳዊት፡

ንኣኻስ ጸልማት እኳ ኣይጽልምተካን፡ ለይቲ ኸኣ ከም መዓልቲ ትበርህ፣ ጸልማትን ብርሃንን ንኣኻ ሓደዮም።

ብምባል ኣብሪህዎ4 እምበኣር፡ እቲ ግብሪ ኣምላኽ ክንገብረሉ ዝተዋህበና ምዱብ ጊዜ፡ ንሱ መዓልትና ምዃኑ ኸነስተውዕል ይግብኣና። መዓልትና ብሞት-ስጋ ምስ ዚዛዘም፡ ከምኡ ድማ ገና ብሕይወት እናሃለና እቲ ግብሪ ኣምላኽ እንፍጽመሉ ምዱብ ጊዜ ምስ ዜብቅዕ፡ ናይ ለይቲ ጊዜ መጺኡ ማለትዩ። ጐይታና፡ ክሳዕ ኣይሁድ ዚሕዝዎ ዘሎ ጊዜ መዓልቱ ዝነበረት። ኣብዛ ናይ መዓልቲ ጊዜኡ፡ ብዙሕ ጊዜ ኺሕዝዎ ተበጊሶም ክነሶም፡ ኢዶም ዘርጊሖም ወስ ኪብልዎ ግን ኣይከኣሉን5 ኣብ መወዳእታ እታ ናቱ ናይ ለይቲ ጊዜ ምስ መጸት ግና፡ ኣብ ጌተሰማኔ እናጸለየ ተጸበዮም፡ ኪሕዝዎ ኸለው ድማ፡

ኢየሱስ ነቶም ናብኡ ዝመጹ ሊቃውንቲ ኻህናትን ሓላቑ ሓለውቲ ቤተ መቕደስን ዓበይትን፥ከም ናብ ከታሪዶ ኣስያፍን ኣባትርን ሒዝኩም ወጻእኩም፡ ኣብ ቤተ መቕደስ ኵሉ መዓልቲ ምሳኻትኩም ነይረ፡ ኣእዳውኩም እኳ ወስ ኣየበልኩምለይን። እዚኣ ግና ጊዜኹምን ስልጣን ጸልማትን እያ፡በሎም።

ብምባል፡ እታ ናይ ጸልማት፡ ናይ ለይቲ ጊዜን ስልጣንን ጊዜ ኸም ዝኣኸለት ንፈተውቱን ንጸላእቱን ነገረ6

ንኣናኸ፡ ክንዓየሉ ዘይንኽእል ናይ ለይቲ ዘመን ተሰሪዑልና ኣሎ ድዩ፧ መዓስ ኽንፈልጦ ንኽእል ዲና፧ ብርግጽ ተመዲቡልና ኣሎ፡ ምኽንያቱ ንዅላትና ዘይተርፍ ዕጫዩ። ካብ ሞት ዜምልጥ ሓደ የብልናን። ሞት ስጋ ኸይጠዓሙ ዚሰግሩ፡ እቶም ገና ብሕይወቶም ከለዉ፡ ምጽኣት ጐይታ ዜርክቦም ጥራሕዮም። መዓልቲ ሞቱ ዚፈልጥ ድማ የብልናን። ብዘይምሕር ጽኑዕ ሕማም ዝተታሕዘ፡ ብዕድመ ዝሸምገለ፡ ሞት ዝተፈርደ፡ ኣብ ውግእ ዘሎ ወተሃደር ወይ ህዝቢ፡ ወዘተ ለይቱ ትቐርብ ከም ዘላ ኺግምትን ኪጽበያን ይኽእልዩ። ኣይተጠቕመሉን ደኣ እምበር፡ ከምቲ ንንጉስ ህዝቅያስ ዝተገብረሉ፡ መዓልቲ ሞቶም ዚንገሮም ሒደት ሰባትውን ኣይስኣኑንዮም7 መብዛሕትና፡ አረ ዳርጋ ዅላትና፡ ግና፡ ለይትና መዓስ ከም እትመጽእ ኣይንፈልጥን ኢና። ስለዚ፡ ልክዕ ከም ጐይታና፡ መዓልትና ኣብ ኢድና ኸላ ግብሪ ናይቲ ዝፈጠረና ኣምላኽ ንምግባር ክንተግህ ይግብኣና። ጐይታና፡ ነታ መዓልቱ ኸም ዚግባእ ስለ ዝተጠቕመላ፡ ኣብታ ምስጢረ ቊርባን ዝሰርዓላ፡ ድሮ ስቕለቱ ዝነበረት ምሸት፡

ኣነ ነቲ ኽገብሮ ዝሃብካኒ ግብሪ ፈጺመ፡ ኣብ ምድሪ ኣኽበርኩኻ። ኣቦይ፡ ሕጂ ድማ በቲ ዓለም ከይተፈጥረት ኣባኻ ዝነበረኒ ኽብሪ ኣባኻ ኣኽብረኒ።

ኪብል ዝኸኣለ ኣርኣያና8 እቲ ኺገብሮ ዚግብኦ ስለ ዝገበረ፡ በቲ ዚግብኦ ኽብሪ ኪኸብር ተጸበየ። ዚግብኦ ዘይገበረ፡ ካብ ግብሩ ዝበዀረ ግና ክብሪ ዘይኰነስ ቊጥዓ ዚጽበ። ንጐይታና ዝመሰሎ ክርስቲያን፡ ነዛ ጐይታ ዝተኣመና ቓል ኪደግማ ይኽእልዩ። ንሞት ምስ ቀረበን ምስ ተዋልአን ጥራሕ ዘይኰነ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ናይ ሕይወቱ፡ ናይታ ኣብታ መዓልቲቲኣ ዝገበሮን ዘይገበሮን ግብሪ ኣምላኽ ጸብጻብ ከይገበረ ኣይድቅስንዩ። ስለዚ ኸኣ ኺዕወት ዚኽእል። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስና፡ ኣብታ ዝተዋህበቶ ዘመን ሕይወትን፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልትን ኪገብሮ ዝተዋህቦ ግብሪ ኣምላኽ ናይ ምግባር ሓላፍነቱ ብዓወት ዝፈጸመ ሰብ ኣብነታት ተጠቒሱልና ኣሎ። ብቐዳምነት ዚጥቀስ ድማ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስዩ። ሞት ተፈሪድዎ መዓልቲ ሞቱ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዀይኑ ይጽበ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ነቲ ናይ መንፈስ ወዱ፡ ንጢሞቴዎስ፡ ኪገብሮ ዝተዋህቦ ግብሪ-ኣምላኽ ከም ዝፈጸመን ዓስቡ ይጽበን ከም ዘሎን፡

ኣነስ ድሮ ኽስዋእ ቀረበ ኣለኹ። መዓልቲ ሞተይውን በጺሓ እያ። ሰናይ ገድሊ ተጋዲለ እየ። ጕያይ ወዲአ እየ፡ ነታ እምነትውን ሓልየያ እየ። ደጊም እቲ ቕኑዕ ፈራዲ ዝኾነ ጐይታ በታ መዓልቲ እቲኣ ዚህበኒ ኣኽሊል ጽድቂ ተነቢሩለይ ኣሎ። እዚ ግና ነቶም ንምግላጹ ሃረር ዚብሉ ዅላቶም 

ድማ እዩምበር ንኣይ ጥራይ ኣይኮነን።

ብምባል ጸሓፈሉ9 ጢሞቴዎስ፡ ነታ ናቱ ኣርኣያ ስዒቡ ንጐይታኡ ክርስቶስ ኪመስል ድማ፡

ንስኻ ግና ብኵሉ ተጠንቀቕ፡ መከራ ጽገብ፡ ግብሪ ወንጌላዊ ግበር፡ ኣገልግሎትካ መልእ።ብምባል መዓዶን ኣተባብዖን10

እቶም ብደረጃ ምስላታት ተጠቒሶም ዘለዉ ኣገልገልቲ ድማ ነቲ ኺገብርዎ ዝተዋህቦም ግብሪ ኣብ ውሽጢ ዝተዋህቦም መዓልቲ ብምፍጻምን ብዘይ ምፍጻምን ብኣብነት ተጠቒሶም ኣለዉ። እቲ ብቐዳምነት ኪጥቀስ ዚግብኦ፡ እቲ መጋቢ ናይ ስድራ ቤት ጐይታኡ ኪኸውን ዝተመዘዘ ኣገልጋሊዩ። እዚ ሰብ ኺገብሮ ዝተዋህቦ ግብሪ፡ ነቶም ስድራ ቤት እቲ ግቡእ ምግቢ ኣብ ገጊዚኡ ሂብካ ምምጋብ ዝነበረ። እዚ ኣገልጋሊ ጐይታኡ ኺምለስ ከሎ ነቲ ዝተዋህቦ ግብሪ ኸም ዚግባእ ተግቢርዎ ስለ ዝጸንሐ፡እሙንን ኣስተውዓልንተባሂሉ ተናእደ፡ ብጽእና ድማ ተዋህቦ። ንዝዓበየ መጋቢነት ድማ ተሾመ11 እቲ ኻልእ ከምቲ ናቱ ስልጣንን ግብርን ዝተዋህቦ መጋቢ ግና፡ ዝተዋህቦ ናይ ምምጋብ ግብሪ ገዲፉ፡ ዘይተዋህቦ ናይ ተድላ ምስትምቓርን ምውቓዕን ነቲ ስድራ ቤት በብጊዚኡ ምግቢ ካብ ምሃብን ስለ ዝበዀረ፡ እቲ ጐይታኡ ብሰይፊ ቘራሪጹ ናብ ሓዊ ገሃነም ደርበዮ። እታ ኺዓየላ ዘይክእል ለይቲ ብሃንደበት ክትመጾ ኸም እትኽእል፡ ወይውን ጐይታኡ ኣብ ዘይተጸበያ ሰዓት ብሃንደበት ከም ሰራቒ ኪመጾ ኸም ዚኽእል ዝሓስብ፡መዓልቲ ሞተይ፡ ወይ መዓልቲ ምጽኣት ጐይታ መዓስ ኰን ክትከውን ትኽእል፧ኣብ ዚብል ሕቶ ጊዜኡ ኸየቓጸለ፡ ነቲ ዝተዋህቦ ግብሪ ኣብ ምፍጻም ጥራሕ ስለ ዘተኮረ፡ ዓብዪ ዓወትን ክብርን ተጐናጸፈ። እቲ ዘይተዋህቦ፡ ጊዜ ናይ ምግማት ግብሪ ኺገብር ዝመረጸ ኽፉእ ኣገልጋሊ ግንኪድንጒናብ ዚብል ግጉይ መደምደምታ ስለ ዝበጽሐ፡ ካብቲ ኺፍጽሞ ትጽቢት ዝተገብረሉ ግብሪ ሓንቲ ኸየስለጠ ናብ ዜሰክሕ ፍርዲ ተመጠወ12

እቶም ከከም ዓቕሞም መክሊት ዝተዓደሎም ካልኦት ዓየይቲ ድማ፡ በቲ ዝተዋህበካ መክሊት ነጊድካ ዝበዝሐ መክሊት ንጐይታኻ ናይ ምርካብ ግብሪ ተዋሂብዎም ነበረ። እቶም ክልተ፡ ነቲ ኺገብርዎ ዝተዋህቦም ግብሪ ከም ዚግባእ ብምፍጻም ንመክሊቶም ብዕጽፊ ኣብዝሕዎ። ጐይታኦም ምስ ተመልሰ ድማ ነቲ ዝተቐበልዎ መክሊት ምስቲ ዘፍረይዎ (ዝረብሕዎ) መክሊት ደሪቦም ስለ ዘረከቡ፡እሙንን ሕያዋይንተባሂሎም ተናእዱ። ስለዚ እቲ ኺገብርዎ ዝተዋህቦም ግብሪ ኣምላኽ፡ እሙንነትን ሕያውነትን ነይሩ። ዝለዓለ ማዕርግን ሓላፍነትን ተጐናጺፎም ድማ በቲ ጐይታኦም ዚሕጐሰሉ መጠን ኪሕጐሱ ድማ፡ናብ ሓጐስ ጐይታኻ እቶተባህለሎም13 እቲ ሳልሳዮም ግና ነታ መክሊት ቀቢሩ፡ ብዛዕባ ባሕርይን ዓቕምን ስልጣንን ናይ ጐይታኡ ባሕርያዊ ትንተና ኣብ ምሃብ ኣሕለፎ። ነቲ ዝተዋህቦ መክሊት ናይ ምርባሕ ግብሪ ቀበሮን ኣወንዘፎን። ነቲ ኺገብሮ ዝተዋህቦ ግብሪ ስለ ዘይፈጸሞ ድማሃካይን ክፉእንዚብል ናይ ጥፍኣት ሰይጣናዊ ማዕርግ ድሕሪ ምቕባሉ፡ ዘለዎ ዅሉ ተሓዲጉ ባዶ ዀነ። ብእኡ ኸይኣክል ድማ፡ ብስቓይን ጣዕሳን ጓህን እናተዀምተረ፡ ብብኽያትን ምሕርቃም ኣስናንን ናብ ዚነብረሉ ገሃነም ተደርበየ14

ነተን ዓሰርተ ደናግል ዝተዋህበን ግብሪ ድማ ዜብርህ ቀንዴልን ዚኣክል ዘይትን ኣዳሊኻ፡ ነቲ መርዓዊ ብናይ ብርሃን ክብሪ ምቕባል ዝነበረ። እታ ዝዀነ ሰብ ኪዓየላ ዘይክእል ለይቲ ምስ መጸተን፡ ሽዑ ዘይቲ ኼዳልዋ ኸም ዘይክእላ ርዱእዩ። ከውታ ለይቲ ተዳልዩ ዝጸንሐ ቐንዴል ዚበርሃሉምበር፡ ዘይቲ ዚዳለወሉን ዚዕደገሉን እትልቅሓሉን ጊዜ ኣይኰነን። መዓልቲ ኸላ ግብሩ ኻብ ምግባር ዝበዀረ ሰብ ግና፡ ዓቕሉ ምስ ጸበቦ ዝዀነ ነገር ኪግበር ኣብ ዘይከኣለሉ ጸልማት ጊዜ ፈንጠርጠር ካብ ምባል ወጻኢ ኻልእ ኣማራጺ የብሉን። ለይቲ ምድሪ ኣብ ዘየለ ዕዳጋ ኺሽምታ ምስ ከዳ፡ እቲ ትጽቢት ዝተገብረሉ መርዓዊ ብሃንደበት መጺኡ፡ ንሳተን ነዛ ገጹ ኸይረኣያኦ ናብ ዳሱ ኣተወ። እቲ ጽሑፍ ዘይቲ ምርካበንን ዘይምርካበንን ኣይነገረናን። ምኽንያቱ ኼምጽኦ ዚኽእል ዝዀነ ይኹን ለውጢ የልቦን። ቀንዴልን ብርሃንን ኪዳለወሉ ዚግባእ ጊዜ ሓሊፉዩ። ንጉስ ሰለሞን፡ኣነ ብልበይ ንኹሉ ነገርን ንኹሉ ተግባርን ኣብኡ ጊዜ ተመዲብዎ እዩ እሞ፡ ኣምላኽ ነቲ ጻድቕን ነቲ ረሲእንሲ ኪፈርዶም እዩ፡በልኩ።ኸም ዝበለ፡ ጊዜኡ ዘይሓለወ ግብሪ የፍርድምበር ኣየመጒስን፡ ኣየጻምውን ከኣ15 እተን ነቲ ኺገብራኦ ዝተዋህበን ግብሪ ኣብቲ ዚግብኦ ጊዜ ንምግባር ዝነቕሓ ደናግልለባማትኪስየማ ኸለዋ፡ እተን ንመዓልተን ብዋዛን ብድንዛዘን ዘሕለፋኦ ኸኣ ንምድሓን ዘይለበማ ስለ ዝዀና፡ዓያሱዚብል ናይ ውርደት ማዕርግ ተሰኪመን ናብ ዘየባትኽ ብኽያትን ምሕርቃም ኣስናንን ተሰናበታ16

እምበኣር ሓደ ክርስቲያን ነታ ምምጽኣ ዘይተርፋ ዚጽበያ ዘሎ ለይቲ ብሓጐስን ብኽብርን ኪቕበላ እንተ ዀይኑ፡ እንታይ ኺገብር ዜድልዮ፧

ቀዳማይ ተግባሩ፡ ኣብታ ዝተዋህበቶ መዓልቱ፡ ኺገብሮ ዝተዋህቦ ግብሪ ኣምላኽ እንታይ እንታይ ምዃኑ ዘርዚሩ ብንጹር ኪፈልጦ ይግብእ። እቲ ግብሪ ኣምላኽ ከኣ ኣብቲ መጽሓፍ ናይ ኣምላኽ ተዘርዚሩ ስለ ዘሎ ብዘይ ዝዀነ ጸገም እትረኽቦዩ።

ካልኣይ ኣገዳሲ ተግባሩ ድማ እቲ ዚጸባጸቦ ጐይታ ሎሚ ኸም ዚመጽእ እናሓሰበ፡ ነቲ ነናይ ዕለቱ ተግባሩ ኸይፈጸመ ናብ ድቃስን ዋዛን ዘይምኻድዩ። እቲ ዚጸባጸቦ ጐይታ ኸይመጾ ኸሎ፡ ባዕሉ ንሕይወቱን ንዕዮኡን ኪምርምርን ጸብጻቡ ኼዳልውን ይግብኦ።

ሳልሳይ ወሳኒ ተግባሩ ድማ ነቲ ዚፍጽሞ ዘሎ ዕዮ ብብቕዓት ዚዓዪ ፍቱን ዓያዪን ብልሓተኛ ሃናጽን ኰይኑ ይሰርሖ ኸም ዘሎ፡ ናይንግበሮን ኣይነጸብቆንዝዓይነቱ ዕዮ ይዓዪ ኸም ዘየሎ ምርግጋጽዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ነቲ ዝተዋህቦ ዕዮ ብኸመይ ይዓዮ ኸም ዝነበረ ብንጹር ገሊጹ ኣሎ። እቶም ካብ ጐይታ ኣገልግሎት ዝተቐበሉ መዓይይቱ ድማ ዝተዋህቦም ግብሪ ብብቕዓት ኪፍጽሙ ይምዕዶምን ይምሕጸኖምን ነበረ።

ጒያይን ብጐይታና ኢየሱስ እተቐበልክዋ መልእኽተይን ክፍጽም፡ ወንጌል ጸጋ ኣምላኽ እናመስከርኩ ሕይወተይውን ብኣይሲ ኸም ክብርቲ ገይረ ኣይርእያን እየ።ግብ 2024

ንኣርኪጶስ ድማ፡ነታ ብጐይታ እተቐበልካያ ኣገልግሎት ንምፍጻማ ተጠንቀቕ፡በልዎ።ቈሎ 417

ንርእስኻ እቲ ቓል ሓቂ ብቕንዕና ዜማቕል፡ ዜሕፍር ዜብሉ ፍቱን ዓያዪ ጌርካ፡ ንኣምላኽ ከተርእዮ ጽዓር።” 2ጢሞ 215

ብዘይ እቲ ስሩት መሰረት፡ ንሱ ኸኣ ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ካልእ መሰረት ሓደ እኳ ኺስርት ዚኽእል የልቦን እሞ፡ ኣነ ኸምቲ እተዋህበኒ ጸጋ ኣምላኽ ብልሓተኛ ሃናጺ ዀይነ ነቲ መሰረት ሰረትኩ፡ ሓደ ኻልእ ከኣ ኣብ ልዕሊኡ ይሃንጽ። ነፍሲ ወከፍውን ከመይ ገይሩ ኸም ዚሃንጽ ይጠንቀቕ።” 1ቈረ 310,11

እምበኣር ርእስና ንፈትሽ። ደቂ መዓልትን ደቂ ብርሃንን ዲና ደቂ ለይትን ጸልማትን፧ ግብሪ ብርሃን ክንገብር ተዋሂቡና ኽነሱ፡ ብመዓልትና እናተጣላዕና ግብሪ ጸልማት ደዀን ነዘውትር ንህሉ፧ እንተ ደንጒያ ወይስ እንተ ቐልጢፋ፡ እታ ለይትና ሓደ መዓልቲ ብሃንደበት ደበኽ ክትብልያ። እቶም ቀትሪ ምድሪ፡ ገና ብርሃን ከሎ ግብሪ ጸልማት ነዘውትር ዝነበርና፡ ለይቲ ቐሪቡ ዓይኒ ኺሕዝ ምስ ጀመረ ግብሪ ብርሃን ከነዘውትር እንተ ደለናኳ፡ ናይ ብርሃን ኣእምሮን ተመክሮን ስለ ዘይጸንሓና ክንደናገርን ከነደናግርን እምበር ኣይኪሰልጠናንዩ። ከምቶም ኣብቲ ናይ ብርሃን መዓልቲ ግብሪ ጸልማት ዜዘውትሩ፡ ኣብ ናይ ጸልማት ለይቲ ግብሪ ብርሃን ኪገብሩ ዚትስፈዉ ግርምቢጥ፡ ወይ ጊንጢ ሰባት ኣይንኹን። እቲ ዝጽበየና ዘሎ ኣምላኽ፡ ንርእሱ ብርሃን ስለ ዝዀነ፡ ነቶም ብርሃናዊ መንነት ዘጥረዩን ኣጽዋር ብርሃን ዝተዓጥቁን ጥራሕ ዚቕበል። ምኽንያቱ ንብርሃን ምስ ጸልማት እንታይ ሕብረት ኣለዎ፧!17

ሰማይን ምድርን ክሓልፍ፣ ቃለይ ግና ኣይከሓልፍን እዩ።

ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።

ዕለት፥ ሕዳር 27, 2013 ግዕዝ (6 ታሕሳስ  2020)  - መበል 12 ሰንበት: ቊ.15(፲፭)

ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባባት

ዲያቆን

ንፍቀ ዲያቆን

ንፍቀ ካህን

ወንጌል

ቅዳሴ

1ቈረ 21-ፍጻ

1 ዮሃ 51-6

ግብ 534-ፍጻ

ዮሃ 91-ፍጻ

ዘእግዚእነ(ነኣኩተከ)

መዝ፡ 4፡2

ደቂቀ ዕጓለ እመሕያው እስከ ማእዜኑ ታከብዱ ልብክሙ ለምንት ታፈቅሩ ከንቶ ወተሐሱ ሐሰተ ኣእምሩ ከመ ተሰብሐ እግዚኣብሄር በጻድቁ።

ኣቱም ደቂ ሰብ፣ ክብረይስ ኮን ክሳዕ መዓስ እዩ ዚሓስር፧ ክሳዕ መኣስከ ንኸንቱነት ትፈትዉ፣ ሓሶትውን ትደልዩ።

 1ግብ 2፡23,243፡15 ዮሃ 7፡33-3614፡916፡16-22 2ኢሳ 8፡229፡1,2 3ማቴ: 4መዝ 139፡12 5ዮሃ 5፡16,18 7፡25,26,30,44 8፡20,40,44,59 10፡24,31,33,39 11፡47-53,56,57 ማቴ 26፡55 ማር 14፡49 6ሉቃ 22፡52,53 7ኢሳ 38፡1-8 8ዮሃ 17፡4,5:  92ጢሞ 4፡6-8 ካ.ት 102ጢሞ 4፡5 11ማቴ 24፡45-47 ሉቃ 12፡41-44 12ማቴ 24፡48- 51 13ማቴ 25፡16-23 14ማቴ 25፡18,24-30: 15መክ 3፡17 16ማቴ 25፡1-13 172ቈረ 6፡14

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div