S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ብጐይታኦም ዚምስገኑ ባሮት - ቊ.17 (፲፯)

ስብከተ ወንጌል ካብ ኣትራኖስ ቤተ ክርስቲያን - Sermon from the lectern of the Church

ሓቛቝኹም ዕጡቕ፡ መባርህትኹም ብሩህ ይኹን። . . .እቶም ጐይታኦም ኪመጽእ ከሎ ነቒሖም ዚረኽቦም ባሮት እቲኦም ብጹኣንዮም። ተዓጢቑ ኣብ መኣዲ ኸም ዜቐምጦም፡ ቀሪቡውን ከም ዜገልግሎም፡ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ።ሉቃ 1235,37

ኣብ ታሪኽ ወዲ ሰብ፡ ጐይታ ብባርያኡ ኺግልገልምበር፡ ጐይታ ንባርያኡ ኼገልግል ተራእዩ ኣይፈልጥንዩ። ነቲ ሰብ ዝዀነ ዅሉ ኺገብሮ ዘይከኣለ ብምግባር ኣርኣያ ምእንቲ ኪዀነና ግና፡ እቲ ጐይታ-ጐይቶት መልክዕ ባርያ ወሲዱ ሰብ ኰነ። ልዕል ምእንቲ ኼብለና፡ ናብ ታሕቲ ወረደ። ወዲ ሰብ፡ ኪገብሮ ዚግባእ ግብርን ኪነብረሉ ዚግባእ ባሕርን ተዋሂብዎ ዝተፈጥረ። ምስልን መልክዕን ናይ ኣምላኽ ዝተዋህቦ፡ ነቲ ኣብ ሰማይ ኣብ መንጎ ኣካላት ቅድስት ሥላሴ ዘሎ ባሕርን ግብርን እናፈጸመ፡ ነቲ ስዉር ኣምላኽ ምእንቲ ኼግህድዩ። ምስጢረ ሥላሴ ብስፍሓትን ብዕምቈትን ከም ዚገልጸልና፡ ኣካላት ሥላሴ ምብልላጽ ዘይብሎም ሓደን ማዕረን ዝዀኑ ኣካላትዮም። እዚ ማዕርነቶም ግን፡ እቲ ሓደ ለኣኺ እቲ ኻልእ ተላኣኺ፡ እቲ ሓደ ወሃቢ እቲ ኻልእ ድማ ተቐባሊ ካብ ምዃንን ካብ ምግዝዛእን ኣይዓንቀፎምን። እግዚኣብሔር ወልድ፡ ናቱ ፍቓድን ቃልን ግብርን ፈጺሙ ዘይነበሮን ዘይብሉን ክሳዕ ዚመስል፡ ርእሱ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ኣቦ ኣዝዩ ኣትሓተ። እዚ ብምግባሩ ድማ ምስ ኣቦ ዘለዎ ማዕርነት ዝጐደሎ ወይ ዝተመንዝዐ ዀይኑ ኸይተሰምዖ፡ ሓጐስን ክብርን እናተሰምዖ ፈጸሞ1።። እቲ ብኣርኣያ ሥላሴ ዝተፈጥረ ሰብ ድማ፡ ነዛ ናብራ ሥላሴዚኣ ኣብ ምድሪ ምእንቲ ኺነብራ ዝተፈጥረን፡ ድንኳን (ስጋ) ለቢሱ ዝተደኰነን። ሰብ፡ ካብቲ ናይ ሕይወቱ ተልእኾ ምስ በዀረ፡ ነቲ ዝጐደለ ኺምልእ፡ ነቲ ዝጠፍአ ኺመልስ፡ ነቲ ዝተሰወረ ኼግህድ፡ ነቲ ዝሓሰረ መንነት ሰብ ናብቲ ዝተኣመመሉ ኽብሪ ኺመልስ፡ ኣምላኽ ሰብ ኪኸውን ኣድለየ።

ከምቲ ዝመደቦን ዝተመደበሉን ድማ፡ ጐይታ ኽነሱ ነቶም ንርእሶም ባሮት ሓጢኣትን ሰይጣንን ዝገበሩ ደቂ ሰብ ብቓልን ብግብርን ኣገልገለ። ጾር ጐይታኡ ኸም ዚጸውር ባርያ ዀይኑ መርገምናን ሓጢኣትናን ድኻምናን ጾረልና። ነቲ ብነብያት ዝተገልጸ፦

ብሓቂ ንሱ ንሕማምና ጾሮ፡ ንስቓይና ኸኣ ኣብ ነፍሱ ጸዓኖ፡ ንሕና ግና ከም እተወቕዐን ብእግዚኣብሔር ከም እተቐዝፈን ከም እተዋረደን ጌርና ኣቋጸርናዮ።. . . ኵላትና ኸም ኣባጊዕ ተባረርና፡ ነፍሲ ወከፍ ነናብ መገዱ ዘምበለ፡ እግዚኣብሔር ከኣ ኣበሳ ዅላትና ኣብኡ ኣውደቖ።. . . ነፍሱ ንሞት ስለ ዝወፈያ፡ ምስ በደለኛታት ከኣ ስለ እተቘጽረ፡ ስለዚ ግዲኡ ምስ ዓበይቲ ኽመቕሎ እየ፡ ምርኮውን ምስ ሓያላት ኪመቅልዩ። ግናኸ ሓጢኣት ብዙሓት ጾረ፡ ምእንቲ በደለኛታት ከኣ ለመነ።

ዝተባህለሉ ግብሩ ብብቕዓት ፈጸሞ2 ቀደሙውንኮ፡ እግዚኣብሔር ጸዋር ጾርና። ንጾርና ጥራሕ ዘይኰነ ንኣና ንርእስና ዚጾረናውን ንሱዩ።

ኣብ ጽምዊ ባድማ በረኻ፣ ኣራዊት ዜድህዩሉ፣ ኣብ ምድሪ በረኻ ረኸቦ። ከበቦን ተኸናኸኖን፣ ከም መርዓት ዓይኑ ሓለዎ። ንስሪ ጨጨውቱ ኸም ዜንፍር ኣብ ልዕሊኦም ከኣ ከም ዚዝምቢ፣ ኣኽናፉ ዘርጊሑ ወሰዶ፣ ኣብ ክንቲቱ ኸኣ ጾሮ። ኣወጢሑ ብበረኽቲ ምድሪ ኣሕለፎ፣ እቶት ግራሁ በልዐ፣ ካብ ከውሒ መዓር ኣምጸዮ፣ ካብ ተሪር ከውሒ ኸኣ ዘይቲ።ዘዳ 3210-13

እወ ካብ ኩሉ ጸበባኦም ኣድሓኖም፣ መልኣኽ ልኢኹ ዘይኮነስ ባዕሉ ኣድሓኖም ብፍቕሩን ብለውሃቱን ተበጀዎም ብዝሓለፈ ዘመናት ኹሉ ሓብሓቦምን ተኸናኸኖምን ኢሳ 639 ..

እግዚኣብሔር ይባረኽ፣ ነንመዓልቲ ጾርና ይጸውር ኣሎ፣ ንሱ ኣምላኽ ምድሓንና እዩ።መዝ 6819

እቶም ናይ ግኡዛን ጣኦታት ኣማልኽቲ፡ ነቲ ድኹም መጽዓኛ (ኣድገ-በቕሊ) ከቢድ ጾር ኰይኖምዮም ዚጸዓንዎ3 ንሕና ግን ካብ ማህጸን ወላዲትና ጀሚርና ኽሳዕ ዘለኣለም ብእኡ ተጼርና ኢና ንነብር። ብሓጐስ ባህ ኢልዎ ፈትዩ ስለ ዚጸውር ድማክጸውርን ከድሕንንእናበለ ዘይዕጸፍ መብጽዓ ይኣትወልና።

ኣቱም ቤት ያእቆብ፡ ኣቱም ዝተረፍኩም ቤት እስራኤል ኵላትኩም፡ ካብ ከርሲ ጀሚርኩም ኣባይ እተጸዓንኩም፡ ካብ ማሕጸን ጀሚርኩም ብኣይ እተጾርኩም፡ ስምዑኒ፡ክሳዕ እርግናኹም ኣነ እየ፡ ክሳዕ ትሽይቡ ድማ ክጾረኩም፡ ኣነ ገበርኩ ኣነውን ክድግፍ እየ፡ ክጸውርን ኸድሕንን እየ።ኢሳ 463,4

ኣቱም ኵልኹም እትጽዕሩን ጾር ዝኸበደኩምን፡ ኣነ ኸዕርፈኩም ናባይ ንዑ። ኣነ ለዋህ እየ፡ ልበይውን ትሑት፡ ኣርዑተይ ፈኵሽ፡ ጾረይውን ቀሊል እዩ እሞ፡ ኣርዑተይ ጹሩ ኻባይውን ተምሃሩ፡ ንነፍስኹም ከኣ ዕረፍቲ ኽትረኽቡ ኢኹም።ማቴ 1128-30

ስለዚምበኣር፡ ጐይታ እግዚኣብሔር ካብ ቀደሙ ናይ ባሮቱ ኣገልጋሊዩ። ነዚ ባህሩ ድማ ንወዲ ሰብ ብመልክዑን ምስሉን ኪፈጥሮ ኸሎ፡ ኣብ ውሽጡ ኣሕዲሩሉ ነበረ። እንተ ዀነ፡ ነቲ ንጐይታኻ ናይ ምእዛዝን ንሓድሕድካ ናይ ምትእዝዛዝን ባሕሪ ደርቢና፡ ነቲ ናይ ሰይጣን ጐይታን ኣምላኽን ናይ ምዃን ትዕቢት ስለ ዝመረጽና፡ ይትረፍ ጐይተት ኴንና ንባሮትና ኸነገልግል፡ ባሮት ኴንና ንጐይተትና ምግልጋል ዘይውዳእ ዓቐበት ይዀነና ኣሎ። እቲ ዝፈጠረና እግዚኣብሔር ወልድ ኸኣ ነቲ ዝጠፍኣና ንዚንእስካ ናይ ምግልጋል ተወራሲ መለኮታዊ ባሕሪ ምእንቲ ኺመልሰልና፡ ደድሕሪ ዝጠፍአት በጊዑ ኸም ዚስዕብ ሕያዋይ ጓሳ ዀይኑ፡ ናብቲ ዘለናዮ ናይ ጥፍኣት መዓሙቝ እግሪ እግርና ስዒቡ፡ ሰብ ኰነ። ሓጢኣትና፡ መርገምና ዀነ ድኻምና ኣብ ዝባኑ ብምጻር ድማ፡ ነቲ ኣብ ሰማይ ዝነበረን ዘሎን ፍቓዱ፡ ኣባና ኣብዛ ምድሪ ዓመጻ ፈጸሞ፡

ንሓጢኣት መዊትናስ ንጽድቂ ምእንቲ ኽንነብር፡ ንሱ ባዕሉ ንሓጢኣትና ኣብ ስጋኡ ኣብ ዕንጨይቲ ጾሮ፡ ብቝስሉ ኢኹም ዝሓዌኹም።” 1ጴጥ 224

ንሓድሕዶም ምእንቲ ኺገዛዝኡ ድማ፡ ንሱ መምህርን ጐይታን ክነሱ ሕቜኡ ተዓጢቑ ብብርኩ ተደቢሩ ኣእጋሮም ሓጸበ4 ኣብ መንጎ ደቀ መዛሙርቱ ኸም ባርያ ዀይኑ ኣገልገለምበር ኣይተጐይተተን።

መኖም ዓብዪ መሲሉ ኸም ዚርኤ ኸኣ፡ ኣብ ማእከሎም ክርክር ኰነ። ሽዑ ንሱ በሎም፥ ነሕዛብ ነገስታቶም እዮም ዚገዝእዎም፡ እቶም ምልኪ ዘለዎም ከኣ ሕያዎት ይብሃሉ። ንስኻትኩም ግና ከምኡ ኣይትኹኑ፥ እቲ ኣባኻትኩም ዓብይስ ከም ንእሽቶ፡ እቲ ጐይታውን ከም ግዙእ ደኣ ይኹን። እቲ ኣብ መኣዲ ዚቕመጥን እቲ ዜግልገልንከ ኣየናዮም ይዓቢ፧ እቲ ኣብ መኣዲ ዚቕመጥ ደይኰነን፧ ኣነ ግና ኣብ ማእከልኩም ከም ኣገልጋሊ እየ5

ወዲ ሰብ ድማ፡ ኬገልግልን ሕይወቱ ምእንቲ ብዙሓት በጃ ኼሕልፍን እምበር፡ ኬግልግልዎ ኢሉ ኣይመጸን።ማቴ 2028

ቅዱሳን ደቀ መዛሙርቲ ጐይታ፡ ሓደ መዓልቲጸሎት ምሃረናኢሎም ሓተትዎ፡ኣቡነ ዘበሰማያት (ኣብ ሰማይ እትነብር ኣቦና)” ዚበሃል ንሕናውን ሕጂ እነዘውትሮ ጸሎት መሃሮም6 ኣብዛ ጸሎትዚኣ ዝተገልጸ ኣዝዩ ኣገዳሲ ሓሳብ ግን ኣሎ። እቲ “. . .መንግስትኻ ትምጻእ፡ ፍቓድካ ከምቲ ኣብ ሰማይ፡ ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ ይኹን።ዚብል ቃል፡ ጸሎትና ጥራይ ዘይኰነ ናይ ሕይወትና ተልእኾውን ኪኸውን ዚግባእዩ።መንግስቱ መጺአ ኣብ ምድሪ ትገዝእ ከም ዘላ፡ እቲ ኣብ ሰማይ ወርትግ ዚፍጸም ፍቓዱ ድማ ኣብ ምድሪውን ይፍጸም ከም ዘሎ ብኸመይ ኢና እንፈልጥ፧እንተ ኢልና፡ ከምቲ ጐይታ ንደቀ መዛሙርቱ ዝመሃሮም፡ ባዕሉውን ኣብ ማእከሎም ዝገበሮ፡ ጐይታን ባርያን፡ ዓብይን ንእሽቶን፡ ብርቱዕን ድኹምን ዝዀኑ ሰባት ንሓድሕዶም ኪገዛዝኡን ኪገላገሉን ከለዉዩ።

ጐይታ ግና ንባሮቱ ኣብ ምድሪ ጥራሕ ድዩ ኣገልጊሉ፧ ኣይፋሉን። መሪሕ ጥቕስና ገሊጹልና ኸም ዘሎ፡ ነቶም ኣብዛ ምድሪዚኣ ሓቛቑ ልቦም ተዓጢቖም መብራህቶም ኣብሪሆም ለይትን ቀትርን ንቑሓት ኰይኖም ተጊሆም ንዘገልገልዎን ንዘስመርዎም ኵሎም እሙናትን ሕያዎትን ኣስተውዓልትን ባሮቱ፡ ተዓጢቑ፡ ናባታቶም ቀሪቡ ኣብ መኣዲ ኸም ዜገልግሎም ባዕሉ ኣረጋገጸሎም። ኣብዛ ምድሪዚኣ ኼገልግሎም ከሎ፡ ከማታቶም መልክዕ ባርያ ወሲዱ ሰብ ኰይኑ ዘገልገሎም። ነብዪ ኢሳይያስ ገሊጽዎ ኸም ዘሎ፡ ኣብ ማእከሎምመልክዕን ውቃበን ዘይነበሮ፡ ምስ ረኣኻዮ ዜብህገካ ትርኢት ዘይብሉ፡ ንዑቕን ብሰብ ድርቡይን፡ ብዓል ስቓይ፡ ብሕማም ልዱይ፡ ኣብ ቅድሚኡ ገጾም ከም ዚጕልበቡሉ እተዋረደ ሰብ፡ ሰባትውን ከም ገለ ዘየቋጽርዎ ሰብኰይኑ ዘገልገሎም። ኣብ ሰማያት ንባሮቱ ኼገልግል ከሎ ግን ብዝተፈልየ ግርማ፡ ሓዋርያ ቅዱስ ዮሓንስ ብራእይ ምስ ረኣዮ ብዝገለጾ መሰረት፡ኣብ መንጎ ሾብዓተ ቐወምቲ ቐንዴል ወርቂ ዚቐውምን ዚመላለስ፡ ክሳዕ እግሩ እተኸድነ፡ ብቕናት ወርቂውን ክሳዕ ኣፍ ልቡ እተዓጥቀ፡ ርእሱን ጸጕሩን ጻዕዳ ኸም ጸምሪ ጻዕዳውን ከም ኣሳሓይታ ዝዀነ፡ ኣዒንቱ ኸም ሃልሃልታ ሓዊ ኣእጋሩ ኣብ ሓጐዶ ኸም ዝረሰነ ዜንጸባርቕ ኣስራዚ ሊባኖስ፡ ድምጹውን ከም ደሃይ ብዙሕ ማያት፡ ትርኢቱ ኸምታ ብሓይሊ እተብርህ ጸሓይ ዝዀነ ጐይታ ጐይቶት፡ ንጉስ ነገስታትኰይኑ ኼገልግሎም7 ብኸምዚ ዝበለ ጐይታን ኣምላኽን ክትግልገል ምብቃዕ ኣዝዩ ዓብዪ ኽብሪዩ። ኣብ ሕጊ-ምድርን ኣብ ባህሊ ሰብን፡ ዋላ መዳርግቲ ዘይብሉ ብሉጽ ኣገልግሎት ዘገልገለ ባርያ፡ ብጐይታኡ ኽሳዕ ዚግልገል ኪኸብር ኣይረኣይንዩ። ጐይታ ግና ነቶም ዘስመርዎ ባሮቱ፡ መዋርስቱ ኽሳዕ ምዃን ዜኽብሮም እምበር ኣብ መኣዲ ተዓጢቑ ብምግልጋል ጥራሕ ኣይኰነን 8

ብጐይታኦም ኪግልገሉ ዚበቕዑ ኣገልገልቲ ግን ከመይ ዝበሉዮም፧ እቲ መሪሕ ጥቕስና ዀነ ብምሉኡ ትሕዝቶ ናይቲ ዝተነብበልና ወንጌል፡ ዓይነት ሕይወቶምን ኣገልግሎቶምን ብንጹር ዚገልጸልና። እቲ ቐዳማይ መለለዪኦም ሓቛቝኦም ዕጡቕ ምዃኑዩ። ብዛዕባ መንፈሳዊ ነገር ንዛረብ ስለ ዘለና፡ እቲ ሕቘውን ናይዚ ለቢስናዮ ዘለና በስባሲ ስጋ ሕቘ ዘይኰነስ፡ መንፈሳዊ ሕቘ ከም ዜመልክት ርዱእዩ። ሓዋርያ ጴጥሮስ ነዚ ሓሳብ ዜብርህ፡ስለዚ ሓቛቝ ልብኹም ተዓጢቕኩም እናተጠንቀቕኩም፡ ነቲ ብምግሃድ ኢየሱስ ክርስቶስ እትረኽብዎ ጸጋ ምሉእ ተስፋ ግበሩ።ዚብል ሓጋዚ መልእኽቲ ሂብቡና ኣሎ9 ስለዚ ብዛዕባ ሕቘ ስጋ ዘይኰነስ ብዛዕባ ሕቘ ልቢ (ሕቘ መንፈስ፡ ሕቘ ሕልና) ኢና ንዛረብ ዘለና። ተምሳልያዊ ኣዘራርባ ስለ ዝዀነ ብዛዕባ ሕቘ ዚብል ቃል ዘይኰነስ፡ ብዛዕባዕጣቕኽንሓስብ ዚግባእ። ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ኵሉ ኣጽዋር ኣምላኽ ክንለብስ ከም ዚግብኣና ኼስተምህር ከሎ፡ስለዚ በታ እክይቲ መዓልቲ ምቅዋም ምእንቲ ኽትክእሉ፡ ኵሉ ምስ ኣስለጥኩምውን ደው ክትብሉስ፡ ብዘሎ ኣጽዋር ኣምላኽ ኣልዕሉ። ደጊም ሕቜኹም ብሓቂ ተዓጢቕኩም ድርዒ ጽድቂውን ተኸዲንኩም ቁሙ።ብምባል እታ ዕጣቕና ሓቂ ምዃና ገሊጹልና ኣሎ10

ሓቂ ዘይተዓጥቀ ክርስቲያን ነቲ ናይ ሰይጣን ናይ ሓሶት ኣጽዋር ኪምክቶን ኪስዕሮን ኣይክእልንዩ። ኬስልጦ ዚኽእል ዕዮውን የብሉን። ስለዚ ጐይታ በቲ ዜርዕድ ክብሩ ኺግለጽ ከሎ ኣብ ቅድሚኡ ኪቘመሉ ዚኽእል ትብዓትን ብቕዓትን ኣይህልዎንዩ። ክርስቶስ ንርእሱ ሓቂዩ። ሓቀኛን ብዓል ሓቅንዩ። ምእንቲ ሓቂ ዝተወልደን ናብ ዓለም ዝመጸንዩ። ንሓቂ ኺምስክር ድማ ተገልጸ። ወንጌላዊ ዮሓንስ፡ ጸጋን ሓቅን መሊእዎ ናባና ኸም ዝመጸ ነጊሩና ኣሎ11 ስለዚ ኸነገልግሎ፡ ከነምልኾ እንተ ዄንና፡ ኵሉ ጊዜ ሓቂ ኽንዕጠቕ ይግብኣና። ብመንፈስን ሓቅን ከነምልኾ፡ ቃልናን ግብርናን ሓቂ ኪኸውን፡ ንሓቂ ኽንሰብካን ከነስፍሓን፡ ፍልጠት ሓቂ ኽንዕጠቕን ከነዕጥቕን፡ ምእንቲ ሓቂ መስዋእቲ ኽንከውን ትጽቢት ይግበረልና12 ሓቂ፡ ነቲ ዝተቐበላን ዝተዓጥቃን፡ ካብ ማእሰርቲ ሰይጣንን ሓጢኣትን ሓራ ዜውጽእ ሓይሊ ኣለዋ13 ኣብ ልብና ዕዙዝ ፍቕሪ ናይ ሓቂ ኺህልወና ይግባእ14 ስለዚ ንሕቘና ብሓቂ ነደልድሎ15

እቲ ኻልኣይ መለለዪ ናይቶም ብጐይታኦም ኪግልገሉ ዚበቕዑ ኽቡራት ባሮት ከኣ፡ መብራህቶም ኵሉ ጊዜ ብሩህ ዝዀነ፡ ንጸልማት ስፍራን ዕድልን ዘይህቡ ሰባት ምዃኖምዩ። ጐይታና፡ ንደቀ መዛሙርቱ በቲ ናይ ከረን ስብከቱ ኼስተምህሮም ከሎ፡ መብራህትኻ ምብራህ እንታይ ማለት ምዃኑ፡

ንስኻትኩም ብርሃን ዓለም ኢኹም። ኣብ ከረን ዘላ ኸተማ ኽትክወል ኣይከኣላንዩ። መብራህቲ፡ ኣብ ቤት ንዘሎ ኹሉ ኼብርህ፡ ኣብ ቀዋሚ ቐንዴል ኪሰቕልዎ እምበር፡ ኣብ ትሕቲ ኸፈር ኬንብርዎ ኣየብርሁንዮም። ከምኡ ኸኣ ነቲ ጽቡቕ ግብርኹም ርእዮም፡ ኣብ ሰማያት ንዘሎ ኣቦኹም ምእንቲ ኼመስግንዎ፡ ብርሃንኩም ኣብ ቅድሚ ሰብ ይብራህ።

ብዚብል ቃል ገሊጹሎም ኣሎ16 ጐይታና፡ ንሱ ብርሃን ዓለም ምዃኑ ባዕሉ ደጋጊሙ መስኪሩ17 ቅዱሳን ነብያትን ሓዋርያትንውን መስኪሮምሉዮም18 ናይ ክርስቲያን ጽውዓ ድማ ንክርስቶስ ምምሳል ስለ ዝዀነ፡ ኣብዛ ዓለምዚኣ ብርሃን ኰይኑ ኺመላለስ ከም ዚግብኦ ርዱእዩ። እቲ ንዓለም እነብርሃላ ብርሃንና ድማ እቲ ኣብ ማእከል እንነብሮ ሕዝቢ እነዘውትሮ ሰናይ ግብርና (ኣካይዳና) እዩ። ሰናይ ግብሪ፡ ኣሉ ዘይበሃል ግብሪ ብርሃንዩ። ነቶም ከም ገበርቲ እከይ ገይሮም ብስዉር ዚሓምዩናን ብግህዶ ዚቃወሙናን ዚኸስሱናን ጸላእትና እነሕፍረሉ ብርሃንና፡ ስናይ ኣካይዳናዩ።

“. . . እቶም ከም ገበርቲ እከይ ገይሮም ዚሓምዩኹም ዘለዉ፡ ንሰናይ ግብርኹም ርእዮም በታ መዓልቲ ሓተታ ንኣምላኽ ምእንቲ ኼመስግንዎ፡ ኣብ ማእከል ኣህዛብ ኣኻይዳኹም ኣጸብቑ። ከምዚ ሰናይ እናገበርኩም፡ ዕሽነት እቶም ዘይፈልጡ ሰባት ክትዓብሱ፡ ፍቓድ ኣምላኽ እዩ እሞ፡ . .” 1ጴጥ 212-15

ስለዚ ኸኣ ሰናይ ግብሪ፡ብግዲ ዜድሊተባሂሉ ዝተገልጸ19 ናይ ሰናይ ግብሪ ውጽኢታውነት ድማ፡ ነቲ ኣርኣያኻ ርእዮም ብእኡ ምስ ተመሰጡ፡ ንሳቶምውን ከምኡ ብክርስቶስ ኣሚኖም ሰናይ ግብሪ ኼዘውትሩ ኣብ ውሽጦም ቅንኣት ዜለዓዕል ምዃን20 ኵሉ ነገርና፡ ማለት እምነትና፡ ንስሓና፡ ወዘተ ሓቀኛ ምዃኑ ዚረጋገጽ፡ በቲ እነዘውትሮን እነፍርዮን ሰናይ ግብሪዩ። ምኽንያቱ፡ ካብ ወይኒ በለስ ኪቕንጠብ ከም ዘይከኣል፡ ካብ ክፉእ ሰብ ድማ ሰናይ ግብሪ ኪርከብ ኣይክእልንዩ። ጐይታና ነዚ ሓቂ ደጋጊሙ ኣረጋጊጹልናዩ21 እግዚኣብሔር ሰብ ነነዌ ሓቀኛ ንስሓ ኸም ዝተነስሑ ንምርግጋጽ፡ ናብ ንብዓት ኣዒንቶም፡ ናብቲ ዝተኸድንዎ ኸሊ ዀነ ማቕ፡ ናብቲ ዝተነጸፍዎ ሓመዅሽቲ ዘይኰነስ፡ ናብ ግብሮም ከም ዝረኣየ፦ ኣምላኽ ከኣ ካብ እኩይ መገዶም ከም እተመልሱ፣ ግብሮም ረኣየ፣ ኣምላኽውን ነቲ ኼውርደሎም ኢሉ እተዛረቦ መዓት ተጣዕሰሉ፣ ኣይገብሮን ከኣ።ብዚብል ቃል ዝተገልጸ22

ሳልሳይ መለለዪ ባሕሪኦም ድማ ኵሉ ጊዜ ንቑሓት ምዃኖምዩ። እቲ ዜገርም ድማ ኣብቲ ድቃስ ኣዝዩ ዚብርትዓሉ፡ ዳርጋ ኵሉ ሰብ ተሰኒፉ ዓሚቝ ድቃስ ዚድቅሰሉ ጊዜ ኸይተረፈ፡ ንሳቶም ገና ብንቑሓቶምዮም ንጐይታኦም ዚጽበዩ። ከም ናይቲ ሽዑ ዝነበረ ሮማዊ ወተሃደራዊ ስርዓት፡ ለይቲ ኣብ ኣርባዕተ ሕልዋ ለይቲ፡ ናይ ሓለዋ ኽፍለ-ጊዜ (shift) ትከፋፈል ነበረት። ነናይ ሰለስተ ሰዓት ንውሓት ጊዜ ዘለዎ ዀይኑ፡ እታ ኻልኣይቲ (9-12) ብፍላይ ግን እታ ሳልሰይቲ ሕልዋ ለይቲ (12-3) ንሓላዊ ኣዝየን ፈተንቲ ሰዓታት እየን። ካብቲ ብደገ ዚመጾ ጸላኢ ንላዕሊ፡ እቲ ኣብ ውሽጡ ዘሎድቃስዚብልዎ ጸላኢ ብዝያዳ ዚፈታተኖን ዜግድዖን። ንቑሕ ሓላዊ ወይ ንቑሕ ተጸባዪ ድማ፡ በቲ ንድቃሱ ናይ ምግታእን ምስናፍን ዓቕሙ ዚምዘን። ኣብቲ ዅሉ ሰብ ዚነቕሓሉ ሓለፋ ሰብካ ንቑሕ እንተ ዄንካ፡ እትነኣደሉን እትጻመወሉን ዋላ ሓንቲ ምኽንያት የልቦን። ኣብቲ ዅሉ ሰብ ብድቃስ ስነፈሉ እዋን ብንቝሕ ኣእምሮ መብራህትኻ ናይ ምቕሃም ምልክት ከየርኣየ፡ ጢናኻ ክሳብ ኣፉ ብዘይቲ መሊኡ እንተ ጸናሕካ ግን፡ ንስኻ ብርግጽ ብጐይታኻ ክትግልገል ዚግብኣካ ብቑዕ ኣገልጋሊ ኢኻ። እቶም ሰለስተ ምርኡያት ሓዋርያትእዚኣቶም ብጸሎት ምሳይ ነቒሖም ኪሓድሩ ዚኽእሉ ብቑዓትዮምኢሉ ኣሚኑ ጐይታ ናብ ጌተሰማነ እንተ ተማልኦም ሓሳቡ ኣይሰመረሉን። ጕዳይ ጸሎቱ ኸይገብር ግዳ፡ ናታቶም ደሃይ ንምግባርን ንምንቃሖም ኪጋደልን ካብ ጸሎቱ ይዕንቅፍዎ ነበሩ። ስለዚ ድማ እታ ናይ ፈተና ሰዓት ምስ ኣኸለት፡ ምስ ጐይታ ደው ዚብሉሉ ትብዓት ስኢኖም ብዜሕፍር መገዲ ሃደሙ። ኵሉ ጊዜ ንቑሕ ዘይምዃን ከምዚ ገይሩ ዜበላሽወልካ።

ምንቃሕ ማለት እንታይ ማለትዩ፧ ምንቃሕ ማለት ከየባተክካ ምጽላይ ማለት23 ምንቃሕ ማለት ከየቋረጽካ ከየጕደልካን ወርትግ ምፍራይ ማለት24 ኵሉ ጊዜ ምምጻእ ጐይታኻ እትናፍቕ ፈቃር ባርያ ምዃን ማለት25 ኣባጊዕ ጐይታ ብተዃሉን ብሰረቕትን ከይጠፍኣ መዓልትን ለይትን ተጠንቂቑ ዚሕሉ እሙን ጓሳ ምዃን ማለት26 ብዘይሃስስ ኣርኣያ ብዘይንቀፍ መንነት መንቅብ ዘይብልካን ዘይርከበካን ኴንካ ምምልላስ ማለት27 ብሓጺሩ ምንቃሕ ማለት ኵሉ ጊዜ ንጐይታኻ ንክርስቶስ መሲልካ ምንባር ማለት28

ብጐይታኦም ዚምስገኑ ባሮት ናይ ምዃን ባህጊ ይህልወናዶ ይኸውን፧ መጠን ባህግና ምስ ዓይነት ሕይወትና ኣዝዩ ተመጣጣኒዩ። ንጐይታና ዘሎና ባህግና ኣዝዩ ልዑል እንተ ዀይኑ፡ ኵሉ ናብራናን ኣካይዳናን ድማ በቲ ባህግና መጠን ንክርስቶስ ይመስልሞ፡ ባህግና ንፈትሽ ኣካይዳና ንምዘን። ብኸምዚ ተዘርዚሩ ዝተገልጸ ንሓቂ ተዓጢቕናያ፡ ብሰናይ ግብሪ ብርሃንና ኣድሚቕና፡ ብዅለንተናና ወርትግ ንቑሓት ዄንና ንጐይታና እናገልገልና ምድራዊ ሕይወትና ብዓወት እንተ ዛዚምና፡ እቲ ጐይታ ጐይቶትን ንጉስ ነገስታት ምስቲ ዜፍርህ ግርማ ተዓጢቑ ኣብ ዜገልግሎ መኣዲ ኽንስራዕ ኢና። ንሱ ብኣና ንሕናውን ብእኡ እናተሓጐስና ንዘለኣለም ክንነብር ኢና። እምበኣር ሃየ ምርጫና ነጸብቕ፡

ሰማይን ምድርን ክሓልፍ፣ ቃለይ ግና ኣይከሓልፍን እዩ።

ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።

ዕለት፥ ታሕሳስ 4, 2013 ግዕዝ (13 ታሕሳስ  2020)  - መበል 12 ሰንበት: ቊ.17 (፲፯)

ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባባት

ዲያቆን

ንፍቀ ዲያቆን

ንፍቀ ካህን

ወንጌል

ቅዳሴ

1ቈረ 15-12-33

2ጴጥ 3፡10-ፍጻ

ግብ 20፡28-ፍጻ

ሉቃ 12፡32-ፍጻ

ዘአትናቴዎስ

መዝ 131(132)፡15,16

“ለነዳያኒሃኒ አጸግቦሙ እክለ። ወለካህናቲሃኒ አለብሶሙ ሕይወተ። ወጻድቃኒሃኒ ትፍሥሕተ ይትፌስሑ።”

“ንሲሳያ ኣጸቢቐ ኽባርኾ፡ ንድኻታታ እንጌራ ኸጽግቦም እየ። ንኻህናታ ምድሓን ከልብሶም እየ፡ ቅዱሳና ኸኣ ብሓጐስ እልል ኪብሉ እዮም።”

1ፊሊ 2፡6፣ ዮሃ 5፡30፣ 6፡38፣ 7፡16፣ 7፡28,29፣ 8፡40,42,49፣ 10፡18,32,37,38፣ 12፡ 48-50፣ 14፡10,24 2ኢሳ 53፡4,6,12:3 ኢሳ 46፡1 4ዮሃ 13፡4-17 5ሉቃ 22፡24-27:6ሉቃ 11፡1-4፣ 6 ኢሳ 53፡2,3 7ራእ 1፡12-16 8ሮሜ 8፡17 91ጴጥ 1፡13 10ኤፌ 6፡13,14: 11ዮሃ 1፡14,16,17፣ 8፡13,16,46፣ 14፡6፣ 18፡37,38 12 ዮሃ 4፡23,24፣ 1ዮሃ 3፡18 13ዮሃ 8፡31,32 142ተሰ 2፡9-13፣ ኤፌ 4፡15 15ናሆ 1፡1,2 16ማቴ 5፡14-16 17ዮሃ 8፡12፣ 12፡35,36፣ 3፡19-21 18ዮሃ 1፡7-10 19ቲቶ 3፡14 20ቲቶ 2፡8 21ማቴ 7፡ 16-21፣ 12፡33-3: 22ዮና 3፡10 23ሉቃ 21፡34-36፣ ሮሜ 12፡12፣ 1ተሰ 5፡17፣ ኤፌ 6፡18-20 24ማቴ 3፡10-12፣ 7፡17-21፣ 21፡41,43፣ ሉቃ 13፡6-9 252ጴጥ 3፡11,12፣ 2ቈረ 5፡1-5፣ ፊሊ 1፡20-24፣ 1ተሰ 1፡9,10፣ 1ጴጥ 1፡13 26ዮሃ 10፡11-13፣ 21፡15-17፣ ግብ 20፡26-31፣ 1ጴጥ 5፡1-4 27 271ቈረ 1፡8፣ ኤፌ 5፡25-27፣ ፊሊ 1፡9-11፣ ቈሎ 1፡10፣ 1ተሰ 2፡10 281ቈረ 11፡1፣ ሮሜ 8፡29፣ 2ቈረ 3፡18፣ 1ዮሃ 3፡2

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div