S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ሓደ ወዱ ኣግሃዶ - ቊ.19 (፲፱)

“ነቶም እተቐበልዎ ዘበሉ ዅሎም ብስሙ ንዚኣምኑ ግና ውሉድ ኣምላኽ ኪዀኑ መሰል ሃቦም። ሓደ ንኣምላኽ ዝረኣዮ የልቦን፡ እቲ ኣብ ሕቚፊ ኣቦኡ ዘሎ ሓደ ወዲ፡ ንሱ ኣግሃዶ።ዮሃ 112,18

 እዚ ናይዚ ዕለት ንባብ ቅዱስ ወንጌል ካብ ዚድህስሶም ኣገደስቲ ኣርእስትታት ሓደ፡ ንዕላማ ናይ ውልድነት ዚምልከትዩ። እግዚኣብሔር ሓደ ናይ ባሕሪ ውሉድ ጥራሕ ዘለዎ። ንሱ ከኣ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስዩ። ፍቕሪ ኣምላኽ ኣዝያ ዝተጋህደትልና ድማ፡ ነዚ ሓደ ወዱ ምእንቲ ኼድሕነና ኢሉ ስጋ ለቢሱ ሰብ ኪኸውንን ሞት-መስቀል ኪመውትን ኣሕሊፉ ብምሃቡዩ። ነቶም ንወዱ ተቐቢሎም ብእኡ ዝኣመኑን ንእኡ ዝሰዓቡን ኵሎም ድማ መሰል ውልድነት ሃቦም። ናይ መንግስቱን ናይ ሃብቲ ኽብሩን ወረስቲ፡ ምስ ክርስቶስ ድማ መዋርስቱ ኪዀኑ ብሕያውነቱ ፈቐደ። እዚ መሪሕ ጥቕስናን ኣርእስትናን ብንጹር ኣመልኪቱና ኸም ዘሎ ድማ፡ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ናብዛ ምድሪዚኣ ብስጋ ዝመጸሉ ዕላማ፡ ነቲ ሓደ ዝረኣዮ ዘይብሉ እግዚኣብሔር ኣቦ ምእንቲ ኼግህዶን ኪገልጾንዩ። እግዚኣብሔር ረቂቕ መንፈስ ስለ ዝዀነ፡ ብዓይኒ ስጋ ኺረአ ኣይክእልንዩ። ኣብቲ ብኣካል ዚግለጸሉ እዋን ድማ ካብ ክብሩን ሓይሉን እተላዕለ ምድሪ ተንቀጥቅጥን ትነድድንያ። ምኽንያቱ እግዚኣብሔር ዚባላዕ ሓዊ1 ኣብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል ኣብ ከረን ሲና ምስ ተገልጸውን ከምኡ ዝተራእየ2 ብዙሓት ናይ ኣምላኽ ሰባት፡ ክብሪ ናይ እግዚኣብሔር ኣብ ዙርያኦም ምስ ተገልጸ፡ ብዓቕሚ ስጋ ኺጻወርዎ ስለ ዘይከኣሉ ብገጾም ይወድቁ ነበሩ። ነብዪ ህዝቅኤል፡ ነብዪ ዳንኤል፡ ሓዋርያ ዮሓንስ ገለ ኻብኣቶምዮም3 ነብዪ ሙሴ፡ ካብቲ ምስ እግዚኣብሔር ዝነበሮ ቕርበት ዝተላዕለ፡ ብዓይኒ ስጋኡ ንእግዚኣብሔር ኪርእዮ ባህጊ ኣሕዲሩ ምስ ለመኖ፡ ንእኡ ርእዩ ብሕይወት ኪነብር ዚኽእል ስለ ዘየለ፡ ከም ዘይከውን ኣፍለጦ4 ስለዚ እግዚኣብሔር ንሕዝቡ ብምስሊ እምበር ብኣካል ይረአ ኣይነበረን። ይትረፍ ስጋ ለበስ ሰብ፡ መላእኽቲ ገጹ ኺርእይዎ ኣይክእሉንዮም። ስለዚ ኸኣ እቶም ንዝፋኑ በኽናፎም ዜጽልሉ ኪሩቤል ብኣኽናፎም ገጾም ዚሽፍኑ፡ መጽሓፍ ቅዱስና ኣነጺሩ ኸም ዚነግረና፡ ኪሩቤል፡ ነፍሲ ወከፍ ሸሽዱሽተ ኣኽናፍ ዘለዎም። በቲ ኽልተ ይነፍሩ፡ በቲ ኻልእ ክልተ ገጾም ይሽፍኑ፡ በቲ ይተረፈ ኽልተ ድማ ኣካላቶም ይኸድኑ ነበሩ5

እግዚኣብሔር ግና ኣብ ማእከል ሕዝቡ ኺነብር ዚደሊ ኣምላኽ ስለ ዝዀነ፡ በቲ ኣካሉን ናይ ባሕሪ ወዱን ዝዀነ እግዚኣብሔር ወልድ ኪግለጽ ፈተወን መደበን። ክብሪ እግዚኣብሔር ወልድ ልክዕ ከም ክብሪ እግዚኣብሔር ኣቦ ስለ ዝዀነ ግና፡ ስጋ ለቢሱ እምበር ከም ዘለዎ ብመለኮቱ ኺግለጽ ዚከኣል ስለ ዘይኰነ፡ እቲ ዘይቅረብ መለኮት ከም ብመጋረጃ ብስጋ ተጋሪዱ ኣብ ማእከል ሰብ ተጋህደ። ኣብ ናይ ብሉይ ኪዳን ቤት መቕደስ፡ እቲ መንበር ታቦት ዝነበሮ ቅድስተ-ቅዱሳን ካብቲ ቐዳማይ ክፋሉ ዝዀነ ቅድስት ብመጋረጃ ይፍለ ነበረ። እዚ መጋረጃ ናይ ስጋ ክርስቶስ ምስልን ጽላሎት ዝነበረ። ስለዚ ኸኣ መጋረጃ ስጋ ክርስቶስ ኣብ መስቀል ኣብ ዝሞተላ ህሞት፡ እቲ ኣብ ቤት መቕደስ ዝነበረ መጋረጃ ድማ ካብ ላዕሊ ኽሳዕ ታሕቲ ዝተተርተረ6 ስጋ ክርስቶስ፡ መጋረጃ ናይቲ ኣብኡ ዝሓደረ ምልኣት መለኮት ምዃኑ፡ ኣብ እብ 101019,20 ተገሊጹልና ኣሎ። ነቲ ዘይረአ መለኮት በዒንትና ኽንርእዮን በእዛንና ኽንሰምዖን በእዳውና ኽንርምስሶ ምእንቲ ኽንክእል ስጋ ብምልባስ ኣማኑኤል ኰነልና። ኣማኑኤል ማለትኣምላኽ ምሳናማለት7

ካብዚ ኣብ ላዕሊ ዝዘርዘርናዮ ሓሳብ እምበኣር፡ ክርስቶስ ብስጋ ዝተገልጸ፡ ነቲ ብዓይኒ ዘይርአ ኣቦ ንኼግህድ ምዃኑ ብመጠኑ ኣስተውዒልና ኣሎና። ስለዚ ኸኣ ጐይታና ደጋጊሙ፡ንኣይ ዝረኣየ ነቦ ረኣየይብለና ነበረ8እግዚኣብሔር ኣቦ፡ ስጋ (ወይ ሰብ) ስለ ዘይኰነ፡ ክርስቶስ ብኸመይ ብስጋ ተገሊጹ ነቦ ዜግህዶ፧ኢልና ኽንሓትት ግቡእዩ። ባሕሪ ኣቦ ብምንጽብራቕን ግብሪ ኣቦ ብምግባርን ነቦ ኼግህደልና እምበር፡ ብኣካል ንኼርእየና ኣይኰነን ዝተጋህደ። ስለዚ ድማ ነቶም ንመልእኽቲ ቓሉ ዀነ ንመልእኽቲ ግብሩ ምስትውዓል ዝሰኣኑ ኣይሁድ ደጋጊሙግብሪ ኣቦይ እንተ ዘይገበርኩ፡ ኣይትእመኑኒ። እንተ ገበርኩ ግና፡ ኣቦ ኣባይ ምህላዉ፡ ኣነውን ኣብ ኣቦ ምህላወይ ምእንቲ ኽትፈልጡን ከተስተብህሉንሲ፡ ንኣይ እኳ እንተ ዘይኣመንኩምኒ፡ ነቲ ግብረይ እመንዎ።ይብሎም ነበረ9 እቶም ምስኡ ዝነበሩ ደቀ መዛሙርቱ፡ ነቲ ንሱ ዜግሃዶ ኣቦ ኸየስተውዓልዎ ተሪፎም፡ጐይታይ፡ ነቦ ኣርእየና ይኣኽለናምስ በልዎ፡ ነቲ ኣግሂዱ ኸምኡ ዝበሎ ፊሊጶስ፡ “. .“ፊልጶስ፡ እዚ ኽንድዚ ዚኣክል ዘመን ምሳኽትኩም ክነብር ከሎኹስ፡ ኣይትፈልጠንን ዲኻ፡ እቲ ንኣይ ዝረኣየ ነቦ ረኣዮ። ከመይ ኢልካኸ፡ ነቦ ኣርእየና፡ ትብል አሎኻ፧ኣነ ኣብ ኣቦ ኸም ዘሎኹ፡ ኣቦውን ኣባይ ከም ዘሎዶ ኣይትኣምንን ኢኻ፡ እቲ ኣባይ ዘሎ ኣቦ ባዕሉ እዩ ግብርታቱ ዚገብር ዘሎ እምበር፡ እዚ ንኣካትኩም ዝነግረኩም ዘሎኹ ዘረባስ ካብ ርእሰይ ኣይኰነኩን ዝዛረቦ ዘሎኹ። ኣነ ኣብ ኣቦ ምህላወይ፡ ኣቦውን ኣባይ ምህላዉ እመኑኒ። እንተ ዘይኰነስ፡ ስለቲ ግብርታት እኳ እመኑኒ።ብምባል መለሰሉ10 እምበኣር ክርስቶስ ጐይታና፡ ንኣመንቱ ዀነ ንጸላእቱ ግሁድ መልእኽቲ ዝነበረ። እቲ ንሱ ዝዛረቦ ዝነበረ ዅሉ ቃል፡ ናይ እግዚኣብሔር ኣቦ እንተ ዀይኑ፡እግዚኣብሔር ኣቦ ኺዛረብ ከሎ ሰሚዐዮ ኣይፈልጥንኺብል ዚኽእል ሰብ የልቦን ማለትዩ። ከምኡ ስለ ዝዀነ ድማ ጐይታና፡ እቲ ንሱ ዝዛረቦ ዝነበረ ዅሉ ቓላት ናይ ኣቦምበር ናቱ ኸም ዘይኰነ ደጋጊሙ ይዛረብ ነበረ11 ካብ ናይ ኣቦ ዝተፈልየ ፍቓድ ዘይብሉ ኽነሱ፡ እቲ ዚገብሮ ዝነበረ ዅሉ ናይ ኣቦምበር ናቱ ፍቓድ ከም ዘይኰነ ካብ ገለጸ፡ ንፍቓድ ኣቦኣይፈልጦንኺብል ዚኽእል የልቦን12 ብዛዕባ ዚገብሮ ዝነበረ ዅሉ ግብርታቱ ድማ ሓደ ዓይነት መደምደምታ ዚህልወና13 ስለዚ እቲ ንክርስቶስ ከም ዚግባእ ዘይፈለጦ ሰብ፡ ነቦ ኺፈልጦ ኣይክእልንዩ፡ ከምኡ ስለ ዝዀነ ድማ ጐይታና ኸምዚ ዚስዕብ ኢሉ ኣረጋጊጹልና።

ካብ ኣቦይ ኵሉ ተዋሂቡኒ አሎ። ንወዲ ብጀካ ኣቦ ሓደ እኳ ዚፈልጦ የልቦን፡ ነቦ ኸኣ ብጀካ ወድን እቲ ወዲ ኺገልጸሉ ዚፈቱን፡ ዚፈልጦ የልቦን።ማቴ 1127

ኢየሱስ ከኣ፡መገድን ሓቅን ሕይወትን ኣነየ። ብዘይ ብኣይ ሓደ ናብ ኣቦ ዚመጽእ የልቦን። ንኣይ እንተ ትፈልጡንስ፡ ነቦይውን ምፈለጥኩምዎ ኔርኩም። ካብ ሕጂ ትፈልጥዎን ርኢኹምዎን አሎኹም፡በሎ።ዮሃ 146,7 ንሓደ ብመጋረጃ ዝተኸለለ ቦታ፡ ነቲ መጋረጃ ገሊህካ (ቀሊዕካ) ኽትርኢ እንተ ዘይክኢልካ፡ ኣብቲ ዝተጋረደ ቦታ ንዘሎ ዅሉ ኸም ዝረኣኻዮ ኽትዛረብ ኣይከኣልንዩ።ንክርስቶስ ፈሊጠዮኺብል ዚኽእል ድማ፡ ኪኖ መጋረጃ ስጋኡ ሓሊፉ ነቲ መለኮታዊ መንነቱን ነቦኡን ኪርእይ እንተ ኽኢሉ ጥራሕዩ። ነቲ ዘርኣዮ መለኮታዊ ባሕርያትን ዝፈጸሞ መለኮታዊ ግብርታትን ምስትውዓል ገዲፉ፡ ከም ኣይሁድ በቲ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቱ ዚርእዮ ስጋ ዚዕንቀፍን ብእኡ ዚጋረድን ሰብ ድማ፡ ንክርስቶስ ኪፈልጦ ኣይክእልንዩ። ካብ ዘመን ኣርዮስ ጀሚሮም ክሳዕ ዘለናዮ ዘመን፡ ብዙሓት ሰባት ነቲ ፍጹም መለኮታዊ መንነቱ ምርኣዩ ተሳኢንዎም፡ ገሊኣቶም ከምሰብ ጥራሕ” (ዕሩቕ ብእሲ) ገሊኣቶም ድማ ለውጢ ዝገበሩ ዘመሓየሹ መሲልዎምመንፈሳዊ ፍጡርኽሳዕ ምባል ሃጺጾምዮም። ኵላትና ካብ ከምዚ ዝዓይነቱ ናይ እምነት ህጸጽ ንርእስና እናሓለውና፡ ንክርስቶስ ጥራሕ ካብ ምፍላጥ ሓሊፍና፡ ነቲ ብእኡ ብክርስቶስ ዝተጋህደ እግዚኣብሔር ኣቦ ብዕምቈት ክንፈልጦ፡ ክንስዕቦ፡ ከምኡውን ክንእዘዞን ከነኽብሮን ይግብኣናዩ።

ኣብቲ መሪሕ ጥቕስና ሰፊሩ፡ ኣብ መእተዊ ናይዚ ትምህርትና ድማ ተገሊጹ ኸም ዘሎ፡ እግዚኣብሔር ነቶም ነቲ ሓደ ወዱ ብእምነት ዝተቐበልዎ ዅሎም ውሉድ ኣምላኽ ኪዀኑ መሰል ሂብዎምዩ።ንምንታይ ነዚ መሰል ኺህቦም ኣድለየ፧ኢልና ኽንሓትትውን ግቡእዩ። መልሱ ድማ ኣብቲ ናይ ክርስቶስ ግብሪ-ውልድነት ኢና እንረኽቦ። ክሳዕ ሕጂ ኸም ዝረኣናዮ፡ ናይ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ግብሪ ውልድነት፡ ነቲ ሓደ ዘይረኣዮ፡ ብሕጂውን ሓደ ዘይርእዮ ስዉር ኣቦ፡ ንሰባት ከም ዚረአን ከም ዚገሃድን ምግባርዩ። እምበኣር ናይቶም ንኣቦ ወረስቱ ንክርስቶስ ድማ መዋርስቱ ምእንቲ ኪዀኑ፡ ካብ ኣብራኽ መንፈስ ቅዱስ ተወሊዶም መሰል ውልድነት ዝተቐበሉ ዅሎም ተግባር ድማ፡ ኣብ ኵሉ ሕይወትካን ብዅሉ ባሕሪኻን ግብርኻን እግዚኣብሔር ንዅሉ ሰብ ከም ዚገሃድ ምግባርዩ። ከም ክርስቶስ ውሉድ ኣምላኽ ኴንካ ኸተብቅዕ፡ እግዚኣብሔር ኣቦ ብኣኻ ንሰባት ዘይገሃድ እንተ ዀይኑ፡ ውሉድነትካ ንኣኻ ዀነ ነቲ ብመንፈስ ቅዱስ ዝወለደካ ኣቦ ዋላ ሓንቲ ረብሓ የብሉን ማለትዩ። ብዓቕሚ ስጋኻ ጥራሕ ከነግህዶ ኸም ዘይንኽእል ስለ ዝፈለጠ ድማ፡ ንናይ ኣቦ ዚመስል ባሕሪን ግብርን ከነግህድ ኪረድኣና ንመንፈሱ ኣብ ውሽጥና ኣሕዲሩ ንስጋና መቕደሱ ገበሮ። መንፈስ ቅዱስ ማሕተም ውልድነትናን ዕርቡን ርስትናን14 ናይ ውልድነት ማሕተም ዝተቐበለ ሰብ፡ ናይ ውልድነት ግብሪ ኺገብር ናይ ግድንዩ። ክርስቶስ ብገዛእ ርእሱ ዅሉ ኺገብር ዚኽእል ፍጹም ኣምላኽ ክነሱ፡ ካብታ ኣብ ማህጸን ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዝሓደረላ ኻልኢት ጀሚሩ መንፈስ ቅዱስ ፈጺሙ ኣይተፈልዮን። እዚ ሕብረት እግዚኣብሔር ወልድን መንፈስ ቅዱስን ንኣና ኣዝዩ ዓብዪን ግብራውን መልእኽቲዩ። ግብሪ ውልድነት ክንፍጽም ዜኽእለና መንፈስ ስለ ዝዀነ ኸኣመንፈስ ውልድነትዝተባህለ። ስለዚ ጽውዓን ተልእኾን ናይ ነፍሲ ወከፍ ክርስቲያን፡ ብናይ ክርስቶስ ኣርኣያነትን ብናይ መንፈስ ቅዱስ ኣኽኣልነትን፡ እግዚኣብሔር ኣቦ ኣብ ሕይወትና ኸም ዚረአ ምግባርዩ። ካብዚኣ ዝበዀረ ክርስቲያን፡ ዕርቡን ርስቱ ዝደርበየ፡ ማሕተም ውልድነቱ ዘጥፍአ፡ ካብ ናይ ሕይወት ተልእኾኡ ዝበዀረ፡ ደም ክርስቶስ ዝተዓድየ ወዲ ጥፍኣት ዚኸውን።

ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብታ መዓልቲ ምጽኣቱን ፍርዱን፡ ንዚበዝሑ ሰባት፡ኣቱም ገበርቲ ዓመጻ፡ ከቶ ኣይፈለጥኩኹምን ካባይ ርሓቑ!!” ኢሉ ናብ ገሃነም ኬርሕቖም15 ንምንታይ፧ ምኽንያቱ ንእኡን ነቦኡን ኣይመስሉንዮም፡ ከምኡ ውሉድ ኣይነበሩን። በቲ ዝመረጽዎ ኣካይዳኦም ንድያብሎስ ኪመስሉን ኬግህዱንዮም መሪጾም። ስለዚ ኻብ ከምዚ ዘመሰለ ጥፍኣትን ውርደትን ርእስና ንምድሓን ንተልእኾ ናይ ሕይወትና፡ ንዕላማ ናይ ውልድነትና ንፍለጦን ነተግብሮን።

ክርስቶስ ብኸመይ ንተልእኾን ዕላማን ናይ ውልድነቱ ዚተግበረ፧ ኣቐዲምና ከም ዝጠቐስናዮ፡ ብውሑድ ብሰለስተ መገድታት ኣተግቢርዎ ኣሎ።

1. ፍቓድ ርእስኻ ሓዲግካ ፍቓድ ኣቦኻ ጥራሕ ብምፍጻም፦ ክርስቶስ ጐይታና፡ ካብ ናይ እግዚኣብሔር ኣቦኡ ዝተፈልየ ዝዀነ ይኹን ፍቓድ ኣይነበሮን። ኣብቲ ኸም ፍጹም ሰብ ዀይኑ ኣብ ማእከል ደቂ ሰብ ዚመላለሰሉ ዝነበረ እዋን፡ ከም ሰብ መጠን ኣብኡ ኺፍጸሙ ወይውን ንሱ ኺገብሮም ዘይመርጽ ኵነታት ኣጋጢሞምዎዮም። ንሱ ሓጢኣት ዘይብሉ ፍጹምን ቅዱስን ክነሱ፡ ሓጢኣት ኵላ ዓለም ኪጸውር፡ ራእስን ምንጭን ናይ ሕይወት ክነሱ ሞት ኪመውት ደስ ኪብሎን ኪመርጾን ዚኽእል ኣይኰነን። ግን ከኣ ነቦኡ ተኣዚዙ ሓጢኣትና ኺጸውርን ኣብ ክንዳና ኺመውት ዝመጸ። ከምኡ ስለ ዝዀነ ድማ ኣብ ጌተ-ሰማነ ኺጽልይ ከሎ፡ ““ኣቦይ፡ ፍቓድካ እንተ ዀይኑ፡ ነዛ ጽዋእ እዚኣ ካባይ ኣሕልፋ። ግናኸ ፍቕድካ እምበር፡ ፍቓደይሲ ኣይኹን፡እናበለ ጸለየ።ኢሉ ነቦኡ ለመነ16 ኬስተምህር ከሎ ድማ ንደቀ መዛሙርቱ ዀነ ነቲ ዚሰምዖ ዘሎ ሓፋሽ ህዝቢ፡ ንፍቓድ ኣቦኡ ኺፍጽም ብስጋ ኸም ዝተገልጸ፡ ንፍቓድ ኣቦኡ እምበር ፍቓድ ኺገብር ከም ዘይደሊ፡ ንፍቓድ ኣምላኽ ምፍጻም ከም ዕለታዊ ምግቡ ምዃኑ ደጋጊሙ ይገልጽ ነበረ17 ምኽንያቱ ኣቦ ብኣካሉ ዘይኰነስ ብፍቓድ ዚግለጽ። እምበኣር እቲ ብውልድነቱ ንእግዚኣብሔር ኣቦ ኼግህድ ዚደሊ ኵሉ ክርስቲያን ድማ፡ ካብዛ ናይ ክርስቶስ ኣርኣያ ኻልእ ኣማራጺ የብሉን። ነቲንኣይ የሕሸኒዚብሉ ዅሉ ፍቓድ ስጋኡ ደርብዩ፡ ንፍቓድ ኣምላኽ ልዕሊ ምግብን ካልእ መሰረታዊ ድሌታቱን ኪሰርዖ፡ ከምኡውን ኬተግብሮ ይግባእ።

ደጊም ክርስቶስ ምእንታና ሓሳረ መከራ ካብ ጸገበስ፡ ብስጋኡ መከራ ዚጸግብ፡ ንሱ ንሓጢኣት ሓዲግዎ እሞ፡ እቲ ብስጋ ዝተረፈ ዘመን ንፍቓድ ኣምላኽ እምበር፡ ንፍትወት ሰብ ምእንቲ ኸይትነብሩ፡ ንስኻትኩምውን ነዚ ሓሳብ እዚ ኸም ኣጽዋር ጌርኩም ሓዝዎ። እቲ ብዕብዳን፡ ብፍትወት ስጋ፡ ብስኽራን፡ ብጓይላ፡ ብመስተ፡ ብርኹስ ምምላኽ ጣኦት ክትነብሩ ኸሎኹም፡ ፍቓድ ኣህዛብ ዝገበርኩምሉ ዝሓለፈ ዘመን ይኣክልዩ።” 1ጴጥ 41-3 እምብኣርሲ ቕንያቱ ኽፉእ እዩ እሞ፡ ጊዜ ዓዲግኩም፡ ከም ለባማት እምበር፡ ከም ዓያሱ ዘይኰነ ኸመይ ብጥንቃቐ ኸም እትመላለሱ፡ ተመልከቱ። ምእንትዚ እቲ ፍቓድ ጐይታ እንታይ ምዃኑ ኣስተውዕሉ እምበር፡ ዓያሱ ኣይትኩኑ።ኤፌ 515-17

2. እቲ ኣቦ ኽትዛረቦ ዚደልየካ ቓላት ጥራሕ ብምዝራብ፦ ዘረባና (ቃላትና) መንነትና ኣብ ምግላጽ ዘለዎ ተራ ኣዝዩ ዓብይን ጒሉሕንዩ። ብዘረባና ኢና እንዅነንን እንጸድቕን። ክርስቶስ ነቦኡ ንኼግህድ ዝተጠቕመሉ ጥበብ ድማ እተን ኣቦ ኺዛረበን ዚደልዮ ቓላት ጥራሕ ኪዛረብ ምውሳኑዩ። ነዚ ድማ ብዝተፈላለየ መገዲ ገሊጹልና ኣሎ።

ሽዑ ኢየሱስ መሊሱ በሎም፥ትምህርተይሲ ናይቲ ዝለኣኸኒ እዩ እምበር፡ ናተይ ኣይኰነን። ፍቓዱ ኺገብር ዚደሊ እንተሎ፡ ንሱ ብዛዕባ ትምህርተይ ካብ ኣምላኽ እንተ ዀይኑ፡ ወይስ ካብ ርእሰይ እንተ ዀይኑ ዝዛረብ ዘሎኹ፡ ኪፈልጥ እዩ። እቲ ኻብ ርእሱ ዚዛረብ ክብረት ርእሱ እዩ ዚደሊ። እቲ ነቲ ዝለኣኾ ኬኽብር ዚደሊ ግና፡ ንሱ ሓቀኛ እዩ እሞ፡ ኣብኡ ዓመጻ የልቦን።”“ ዮሃ 716,18

ኣነስ፡እቲ ዝለኣኸኒ ኣቦ ደኣ እንታይ ከም ዝብልን ዝዛረብን ትእዛዝ ሂቡኒ እምበር፡ ካብ ርእሰይ ኣይዛረብን እየ እሞ፡ እታ ትእዛዙ ናይ ዘለኣለም ሕይወት ምዃና እፈልጥ አሎኹ።እምብኣርሲእቲ ኣነ ዝዛረቦ፡ ከምቲ ኣቦ ዝነገረኒ ኸምኡ እየ ዝዛረብ ዘሎኹ። ነቲ ዚንዕቀንን ንዘረባይ ዘይቅበሎን ከኣ ዚፈርዶ አሎ። እዚ ኣነ ዝዛረቦ ዘሎኹ ቓል፡ ንሱ በታ ዳሕረይቲ መዓልቲ ኺፈርዶ እዩ።’” ዮሃ 1248-50

ኣነ ኣብ ኣቦ ኸም ዘሎኹ፡ ኣቦውን ኣባይ ከም ዘሎዶ ኣይትኣምንን ኢኻ፡ እቲ ኣባይ ዘሎ ኣቦ ባዕሉ እዩ ግብርታቱ ዚገብር ዘሎ እምበር፡ እዚ ንኣካትኩም ዝነግረኩም ዘሎኹ ዘረባስ ካብ ርእሰይ ኣይኰነኩን ዝዛረቦ ዘሎኹ። . . . እቲ ዘየፍቅረኒ ግና ንቓለይ ኣይሕልዎን እዩ። እዚ እትሰምዕዎ ዘሎኹም ቃል ከኣ ናብቲ ዝለኣኸኒ ኣቦ እዩ እምበር፡ ናተይ ኣይኰነን፡ ኢሉ መለሰሉዮሃ 1410,24

እቲ ኻብ ርእሱ ዚዛረብ ሰብ፡ ክብሪ ኣምላኽ ዘይኰነስ ክብሪ ርእሱ ዚደሊ ዓለወኛ ካብ ኰነ፡ ነቦና ኸነግህድ እንተ ዀይኑ ኣብ ኵሉ ዘመን ሕይወትና ነቲ ንሱ ዚደልዮን ዚሕጐሰሉን ንምዝራብ ንልሳንና ናይ ጸጋ ልጓም ክንገብረሉ ይግባእ ማለት18 ከም ድላዪ ገይሩ ዚዛረብ፡ እቲ ነቦኡ ኼርሕቕምበር ኬግህድ ዘይደሊዩ።

3. እቲ ኣቦ ኽትገብሮ ዝሃበካ ግብሪ ጥራሕ ምግባር፦ ጐይታና፡ ነቲ ኣቦኡ ኺገብሮ ዝረኣዮ ጥራሕ እምበር ካብ ርእሱ ሓንቲ ይገብር ከም ዘይነበረ ደጋጊሙ ተኣሚኑዩ።ኢየሱስ መሊሱ በሎም፡ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ፡ ወድስ ኣቦኡ ኺገብሮ ዝረኣዮ እምበር፡ ካብ ርእሱ ሓንቲ ነገር ኺገብር ኣይከአሎን። ነቲ ንሱ ዚገብሮ ግብሪ እቲ ወዲ ድማ ከምኡ ዝበለ ይገብር እዩ። ኣቦ ንወዲ የፍቅሮ እዩ እሞ፡ ንሱ ዚገብሮ ዘበለ ዅሉ ድማ የርእዮ። ንስካትኩም ምእንቲ ኽትግረሙ፡ ካብዚ ዚዓቢ ግብሪውን ኬርእዮ እዩ።”19 ጐይታና ኻብ ግብሪ-ኣቦኡ ወጻኢ ኻልእ ፈጺሙ ስለ ዘይገብር ብትብዓት፡ግብሪ ኣቦይ እንተ ዘይገበርኩ፡ ኣይትእመኑኒይብል ነበረ20 ንሕና ግብሪ-ስጋ (ሓጢኣት) ስለ እነብዝሕ፡ግብረይ ኣይትርኣዮኢና እንብል። በዚ ኣበሃህላና ድማ፡ ነቲ ውልድነትና ናብ ሓደጋ ኸም ዘእተናዮ ንእምትን ንእመንን ኣሎና።

እንተ ወሓደ በዘን ሰለስተ ነጥብታትዚኣተን ናትና ውሉድነትን ናይ እግዚኣብሔር ኣቦነትን ኸነረጋግጽ እንተ ኽኢልና፡ ውልድነትና ኸም ዘየጥፋእና፡ እቲ ማሕተምናን ዕርቡንናን ዝዀነ መንፈስ ቅዱስ ገና ምሳና ኸም ዘሎ፡ እቲ ብኣና ብደቁ ገይሩ ኣብ ከባቢና ኺገሃድ ዚደሊ ኣቦ ነግህዶ ኸም ዘለና ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። ኣቦና ይስሃቅ፡ ነታ ናይ እግዚኣብሔር ግብሪን ባሕሪን ዝዀነት ትዕግስቲ ኣብ ማእከል ፍልስጤማውያን ምስ ተግበራ፡ እቶም ኣረማውያን ዝዀኑ ፍልስጤማውያን ጸላእቱ ናብኡ መጺኦም፡ “. . .“እግዚኣብሔር ምሳኻ ኸም ዘሎ፡ ኣርጊጽና ርኢና ኢና እሞ፡ ከምቲ ንሕና ዘይተንኬናካ፡ ጽቡቕ ጥራይ ከም ዝገበርናልካ፡ ብሰላም ድማ ኣፋኖናካ፡ ንስኻ ድማ ንኣና ኽፉእ ከይትገብረና፡ ንሕናን ንስኻን ንሓድሕድና ንማሓሐል ምሳኻ ኸኣ ኪዳን ንእቶ፡ በልና። ሕጂ ንስኻ ናይ እግዚኣብሔር ብሩኽ ኢኻ።ብምባል ተኣመኑ21 እግዚኣብሔር ኣቦ ብዛዕባ ብፍቓዱን ብዘረባኡን ብግብሩን ዘግሃዶ ኢየሱስ፡ብእኡ ዝሰመርኩ ዝፈትዎ ወደይ እዚዩ፡ ንእኡ ስምዕዎኢሉ ብምስክሩ ኸም ዘኽበሮ፡ ንሕናውን ነቲ ሓደ ናይ ባሕሪ ወዱ፡ ንጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ መሲልና፡ ነቲ ዝወለደና ኣቦን ነቲ ዝተቐበልናዮ ውልድነትን እንተ ኣኽቢርና፡ ንኣና ኸኣ ኣብ ምድርን ኣብ ሰማይን ኬኽብረናዩ 22

እምበኣር ሕይወትና ብዕምቈት ንመርምር እግዚኣብሔር ብውልድነትና ይገሃድ እንተልዩን እንተ ዘየልዩን ነረጋግጽ። እቲ ግብርታቱን ቃላቱን ፍቓዱን ኣብ ሕይወትና ዚገሃድ ዘሎ፡ ንሱ እቲ ሓቀኛ ኣቦና። ጐይታውን ነቶምሓደ ኣቦ ኣለና፡ ንሱ ኸኣ ኣምላኽዝበልዎ ኣይሁድ፡ ኣነ ኣብ ኣቦይ ዘርአኽዎ እዛረብ ኣለኹ፡ ንስኻትኩም ከኣ ኣብ ኣቦኹም ዝርአኹምዎ ትገብሩ አሎኹም። ንሳቶም፡ኣቦናስ ኣብርሃም እዩ፡ ኢሎም መለስሉ።ኢየሱስ ከኣ <ውሉድ ኣብርሃም እንተ ትዀኑስ፡ ግብሪ ኣብርሃም ምገበርኩም ኔርኩም። . . . ንስኻትኩምሲ ግብሪ ኣቦኹም ደኣ ትገብሩ አሎኹም፡ በሎም።> ንሳቶምንሕናስ ካብ ምንዝርና ኣይተወለድናን። ሓደ ኣቦ አሎና፡ ንሱ ኸኣ ኣምላኽ እዩ፡በልዎ። . . . ‘ንስኻትኩም ካብቲ ኣቦኹም ድያብሎስ ኢኹም፡ እታ ትምኒት ኣቦኹም ክትገብሩውን ትደልዩ አሎኹም።ንሱ ኻብ መጀመርያ ቐታል ነፍሲ እዩ፡ ሓቂ ኣብኡ ስለ ዜልቦውን ኣብ ሓቂ ኣይጸንዐን። ሐሶት ኪዛረብ ከሎ፡ ካብ ርእሱ እዩ ዚዛረብ። ሓሳዊ እዩ እሞ፡ ንሓሶትውን ኣቦኣ እዩ።ኢሉ ኸም ዝመለሰሎም፡ ንኣናውን ኸምኡ ኸይበሃለልና ርእስና ንሓሉ23 ናይ ቀትርን ለይትን ሕልምና፡ ናይ ምሉእ ዕድመ፡ ባህግናን ጻዕርናን፡ ልክዕ ከምቲ በዅሪ ሓውና፡ ከም ክርስቶስ፡ ነቲ ብደም ቅዱስ ወዱ ዝዓደገና፡ ብመንፈስ ቅዱስ ዝወለደናን ከቶ ዘይተራእየን ኣቦ ምግሃድ ይኹን፡ ተልእኾን ዕላማን ናይ ሕይወትና ንሱ ይኹን!!

ሰማይን ምድርን ክሓልፍ፣ ቃለይ ግና ኣይከሓልፍን እዩ።

ጸጋ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።

ዕለት፥ ታሕሳስ 18, 2013 ግዕዝ (27 ታሕሳስ  2020)  - መበል 12 ሰንበት: ቊ.19 (፲፱)

ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባባት

ዲያቆን

ንፍቀ ዲያቆን

ንፍቀ ካህን

ወንጌል

ቅዳሴ

ሮሜ 13፡ 11-ፍጻመ 

1ዮሃ 1፡1-ፍጻ

ግብ 26፡12-19

ዮሓ 1፡1-19

ዘአትናቴዎስ

መዝ 42(43)፡3,4

“ፈኑ ብርሃነከ ወጽድቀከ እማንቱ ይምርሓኒ ወይሰዳኒ ደብረ መቅደስከ ወውስተ አብያቲከ እግዚኦ”

“ብርሃንካን ሓቅኻን ልኣኽ ንሳተን ይምርሓኒ፡ ናብ ቅድስቲ ኸረንካን ናብ ማሕደራትካን የብጽሓኒ። ሽዑ ናብ መሰውኢ ኣምላኽ፡ ናብ ኣምላኽ ስታይን ታሕጓሳይን ክአቱ እየ፡ ዎ ኣምላኽ፡ ኣምላኸየ፡ ብበገና ኸመስግነካ እየ።”

1እብ 12፡28,29 ዘዳ 4፡23,24 መዝ 50፡3 18፡7-15 2ዘጸ 19፡16-19 3ህዝ 1፡28 ዳን 10፡9 ራእ 1፡17,18 4ዘጸ 33፡17-23 5ኢሳ 6፡2 6ማቴ 27፡50,51 71ዮሃ 1፡1-3 ማቴ 1፡20-23 ኢሳ 7፡14 ቈሎ 1፡19 2፡9፣ 8ዮሃ 12፡45 14፡9: 9ዮሃ 10፡37,38 10ዮሃ 14፡9-11 11ዮሃ 7፡16 8፡40 12፡48-5014፡10,24 12ዮሃ 4፡33,34 5፡30 6፡38-40 13ዮሃ 5፡19-21 10፡32,37,38 14፡10): 142ቈረ 1፡21-22 ፣ ኤፌ 1፡13,14 15ማቴ 7፡23 ፣ 25፡12 ፣ ሉቃ 13፡25,27፣ 16ሉቃ 22፡42: 17ዮሃ 4፡31-34 5፡30 6፡38፣ 18ኤፌ 4፡29-31 5፡4 ቈሎ 4፡6: 19ዮሃ 5፡19,20 20ዮሃ 10፡37,38 14፡10,11 21ዘፍ 26፡28,29 22ማቴ 17፡5 3፡17 23ዮሃ 8፡38,39,41,44

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div