S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ድምጹ የለልያ’ሞ ይስዕባኦ!! [መበል 17 ሰንበት: ቊ.20- ፳ ]

ነተን ኣባጊዑ ምስ ኣውፈረን ድማ ቀቅድሚአን ይኸይድ፡ እተን ኣባጊዑውን ድምጹ የለልያ ይስዕባኦ፡ ድምጺ ኻልእ ዘይፈልጣ ስለ ዝዀና፡ ንኻልእ፡ ካብኡ ይገልባ እምበር፡ ኣይስዕባኦንየን።ዮሃ 104,5

ኣብዚ ነዚ ዕለት ዝተሰርዐ ንባብ ቅዱስ ወንጌል ብዛዕባ ጥበብ ጒስነት ናይቲ ሓለቓ ዅሎም ጓሶትን ሕያዋይ ጓሳን ዝዀነ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብንጹር ተገሊጹልና ኣሎ። እትጥቀመሉ ጥበብ ጒስነት ኣብ ዓይነት ናይቲ እትሃንጾ መጓሰ ዓብዪ ግደ ኸም ዘለዎውን ኣብሪሁልና ኣሎ። እቲ በቲ ቕኑዕ መእተዊ ደገ ናብቲ ደምበ ኣባጊዕ ዚኣቱን ዚወጽእን፡ በብስመን ጸዊዑ ዘውፍረን፡ ብሕያውነት ዚጓሲ፡ ሕይወቱ በጃ ኣባጊዑ ዜሕልፍ፡ ነባጊዑ ኣጸቢቑ ዚፈልጠንን ዜለልየንን፡ ዝዀነ ኣራዊት ነባጊዑ ኻብ ኢዱ ኺምንዝዖ ዘይክእል ጓሳ ጥራሕ ብቑዕን ሕያዋይን ጓሳ ኺስመ ዚበቅዕ። ካብዚ ዝተፈልየ ኣገባብ ጒስነት ዚጥቀም ጓሳ ድማ፡ ጓሳ ኺስመ ዘይበቅዕ፡ ኪሰርቕን ኪሓርድን ኬጥፍእን ዝተዓጥቀ፡ ነተን ኣባጊዑ በጅኡ ዚገብረን፡ ድራር ኣራዊት ኪዀና ኣሕሊፉ ዚህበን ሕሱም ጓሳዩ። እቲ ሕያዋይ ጓሳ፡ ነባጊዑ ዜድሕን፡ ዜእትዎን ዜውጽኦን መጓሰዪ ዚረክብ ነባጊዑ፡ ሕይወት ምስ ተረፉ ዜጐናጽፍዩ።

ኣባጊዑ ነቲ ናቱ ድምጺ ኣጸቢቐን ከም ዚፈልጣኦ ስለ ዚገብር፡ ብዝዀነ ምኽንያት እንተ ኣድሚጹ ንድምጹ ቆብ ኣቢለን የለልያኦ። ደድሕሪ ዘለለያኦ ድምጺውን ይስዕባ። ካልእ ጓና ድምጺ ናይ ሰብ እንተ ሰሚዐን፡ በርጊገን ካብኡ ይገልባን ይሃድማን እምበር ኣይስዕባኦንየን። ምኽንያቱ ናይ ጓና ድምጺ እንተልዩ ናይ ስርቅን ማሕረድን ሓደጋ ኣንጸላልዩ ኸም ዘሎ ዜመልክት። ዋላ ብድምጹ ኺህበን ዚፍትን ዘሎ ትሕዝቶ መልእኽቲ፡ መብዛሕትኡ ከምቲ ናይ ሓቀኛ ጓሳአን ይምሰል፡ እቲ ድምጺ ዓይነቱ ኸምቲ ናይ ጓሳአን ዘይምዃኑ ጥራሕ ካብኡ ንኺሃድማ ብቑዕ ምልክትዩ።

እዚ ብዛዕባ ጓሳን መጓሰ ኣባጊዕን ዚዛረብ ምሳሌታት፡ ብዛዕባ ጓሳ ሕዝቡ ዝዀነ እግዚኣብሔርን ብዛዕባና ብዛዕባቶም ኣባጊዕ መጓሲኡ ዝዀንና ደቂ ሰብ ዚዛረብዩ።

“’ኣቱም ኣባጊዐይ፣ ኣባጊዕ መውፈረይ፣ ንስኻትኩም ሰብ ኢኹም፣ ኣነ ኸኣ ኣምላኽኩም እየ፣ይብል እግዚኣብሔር ኣምላኽ።ህዝ 3431

ንሱ ኣምላኽና እዩ፣ ንሕና ድማ ሕዝቢ መጓሴኡ፣ ኢዱ እትኽብክበን ኣባጊዑ ኢና እሞ፣ ሎሚ ድምጹ እንተ ሰማዕኩም።መዝ 957

እግዚኣብሔርሲ ኣምላኽ ምዃኑ ፍለጡ፣ ንሱ ገበረና፣ ባዕላትና ኣይኰንናን፣ ንሕናስ ሕዝቡን ኣባጊዕ መጓሴኡን ኢና።መዝ 1003

ስለዚ እቶም ጓሶት ቤተ ክርስቲያን፡ በቲ ናይ ክርስቶስ ጥበብ ኪጓስዩ፡ እተን ኣባጊዕ ድማ ከም ኣባጊዕ ክርስቶስ ኰይነን ኪጓሰያ ይግብአን። ኣርእስትናን መሪሕ ጥቕስናን ኣመልኪቱና ኸም ዘሎ፡ ሎሚ ብዛዕባተን መጓሰ-ኣባጊዕ፡ ብዛዕባ ግደ ምእመናን ኢና ኽንመሃር። ኣብቲ ጐይታ ብዛዕባ ናይ መወዳእታ እታ ፍርዲ ዝተዛረበሉ ምስላ፡ ብዛዕባ ኣባጊዕን ኣጣልን ተዛሪቡ ኣሎ።

ግናኸ ወዲ ሰብ ብኽብሩ ምስ መጸ፡ ኵሎም መላእኽቲውን ምስኡ፡ ሽዑ ኣብ ዝፋን ክብሩ ይቕመጥ። ኵሎም ኣሕዛብ ድማ ኣብ ቅድሚኡ ይእከቡ። ንሱ ኸኣ፡ጓሳ ነባጊዕ ካብ ኣጣል ከም ዚፈላልየን፡ ካብ ነንሓድሕዶም ይፈላልዮም። ነተን ኣባጊዕ ኣብ የማን፡ ነተን ኣጣል ድማ ኣብ ጸጋሙ የቑመን።ሽዑ እቲ ንጉስ ኣብ የማኑ ንዘለዉ ይብሎም፡ኣቱም ናይ ኣቦይ ብሩኻት፡ ንዑ፡ እቲ ኻብ ምስራት ዓለም እተዳለወልኩም መንግስቲ ውረሱ። ጠምየ ነበርኩ እሞ፡ ኣብላዕኩምኒ። ጸሚአ፡ ኣስቴኹምኒ። ገይሸ፡ ተቐበልኩምኒ። ዓሪቐ፡ ከደንኩምኒ። ሓሚመ፡ በጻሕኩምኒ። ተኣሲረ፡ መጻእኩምኒ።’” ማቴ 2531-36

ኣብዚ ዝተጠቕሰ ኽፍሊ ጽሑፍ ነንብቦ ኸም ዘለና፡ እተን ድምጹ ሰሚዐን ዚበሃላ ዘለዋ ኣባጊዕ፡ ብምንታይ ከም ዚፍለጣን ከም ዚልለያን ነጊሩና ኣሎ። ዓስቢ ናይቲ ድምጹ ሰሚዐን ምስዓበን ድማ ዓለም ከይተፈጥረት ከላ ዝተዳለወለን መንግስቲ ምውራስዩ። ከምኣተን ካብ ምዃን ደኣ ብምሕረቱ የድሕነናምበር፡ እተንኣጣልተሰምየን ዘለዋ፡ ብሰሪ ንድምጹ ሰሚዐን ዘይምስዓበን፡ ንኸመይ ዝበለ ዜሰክሕ ፍርዲ ከም ዝተዋህባ ብኸምዚ ዚስዕባ ተገሊጹ ኣሎ።

ድሕርዚ ኣብ ጸጋሙ ንዘለዉ ይብሎም፡ኣቱም ርጉማት፡ ካባይ ርሓቑ፡ ናብቲ ንሰይጣንን ንመላእኽቱን እተዳለወ ናይ ዘለኣለም ሓዊ።” . . . ሽዑ ንሳቶም፡ጐይታይ፡ መኣዝ ጠሚኻ ርአናካ፡ ወይ ጸሚእካ፡ ወይ ጌሽካ፡ ወይ ዓሪቕካ፡ ወይ ሐሚምካ፡ ወይ ተኣሲርካ፡ ዘየገልገልናካ፧ኢሎም ይመልስሉ።ማቴ 2541,46

ነዚ ምስላ መወዳእታ ፍርዲ፡ ምስዚ ናይ ዕለት ንባብና ኣተሓሒዝና ምስ እንርእዮ እምበኣር፡ ድምጹ ሰሚዕካ ምስዓብን፡ ድምጹ ንኸይትሰምዕን ንጓሳኻ ከይትስዕብ ምእባይን ኣብ መንነትካ ዀነ ኣብቲ ዘለዓለማዊ ዕጫኻ እንታይ ዝዓይነቱ ፍልልይ ከም ዜምጽእ ከነስተውዕል ንኽእል ኢና። እዚ ምስትውዓል ድማ ጽቡቕ ውሳነን ስጒምትን ክንወስድ ዜኽእለናዩ። ኣብ መንጎ ኣባጊዕን ኣጣልን ኣዝዩ ብዙሕን ጉሉሕን ፍልልያት ከም ዘሎ፡ ኣብ መንጎቶም ንድምጺ ጐይታኦም ሰሚዖም ብምእዛዝ ዚስዕብዎን፡ ኣብ መንጎቶም ንድምጺ ጐይታኦም ጸሊኦም ንኻልእ ጓና ድምጺ ዚሰምዑን ዚስዕቡንውን ኣዝዩ ጉሉሕ ፍልልያት ኣሎ። ስለዚ ንኽልቲኡ ብዕምቈት ድሕሪ ምምርማርን ምስትውዓልን፡ ነቲ ዘለዓለማዊ ረብሓ ዜጐናጽፈና ምርጫ ኽንመጽ ይግብኣና።

ድምጺ ምስማዕዚብል ቃል፡ ትርጒሙ ድምጹ ኣብ እዝንና ብዛዕባ ምእታዉ ጥራሕ ዘይኰነስ፡ ብዛዕባ ነቲ ዝሰማዕካዮ ምእዛዝ ማለትውንዩ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስድምጸይ ስምዑ፡ ድምጸይ ኣይሰማዕኩምንኪብል ከሎተኣዘዙኒ፡ ኣይተኣዘዝኩምንንማለቱዩ። ነዚ ሓሳብ ብንጹር ካብ እንርድኣሎም ክፍልታት መጽሓፍ ቅዱስ ሓደ፡ እቲ ብሊቀ መዘምራን ኣሳፍ እተዘመረ መዝሙርዩ።

ህዝበይ ግና ንድምጸይ ኣይሰምዖን፣ እስራኤል ድማ እሺ ኣይበለንን። ብምኽሪ ርእሶም ኺመላለሱስ፣ አብ ጽንዓት ልቦም ሓደግክዎም። ኣየ፣ ህዝበይ እንተ ዚሰምዓኒ፣ እስራኤልሲ ብመገደይ እንተ ዚኸይድ። ንጸላእቶም ቀልጢፈ መዋረድክዎም፣ ኢደይውን ናብ ተጻረርቶም ምመለስኩ። ንእግዚአብሄር ጸላእቱ ምተገዝእዎ ነይሮም፣ ዘመኖም ከኣ ንዘለአለም ምዀነ። ስብሒ ስርናይ መብላዕኩኻ፣ ካብ ከውሕስ መዓር መጽገብኩኻ ነይረ።መዝ 8111-16

ካብዚ መልእኽቲ ኸም እንርድኦ፡ እቲ ዘይምስማዕን እሺ ዘይምባልን፡ በቲብምኽርን ፍቓድን ናይ ርእስኻ ምምልላስ፡ ነቲ ናትካ ሓሳብ ጥራሕ ምግባርብዚብል ቃል ተገሊጹልና ኣሎ። ስለዚ ንሕና ኸም ክርስቲያን ሕዝቢ መጠን፡ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ኴንና ስብከትን ትምህርትን ናይ ወንጌል በእዛንና ስለ ዝሰማዕናዮ ጥራሕ፡ንድምጹ ሰሚዐዮ ወይ ኣዘውቲረ እሰምዖክንብል ኣይግባእንዩ። ምኽንያቱ እግዚኣብሔርሰሚዖምኒኢሉ ብኣና ዚሕጐስ፡ ኣካይዳና ለዊጥና በቲ ዝሰማዕናዮ ቓል መሰረት ክንመላለስን ከነተግብሮን ምስ እንርከብዩ። ከምቲ ኣብ ፍቕዲ 13 ተገሊጹ ዘሎ ድምጹ ሰሚዕና፡ ብመገዱ እንተ ኼድና፡ ሽዑ ንቓል እግዚኣብሔር በእዛንና ምስማዕናን ምንባብናን ጠቒሙናን ኣቕኒዑናን ኣሎ ማለትዩ። ረብሓ ናይ ምስማዕናን ምእዛዝናን ድማ ብንጹር ተገሊጹልና ኣሎ። ቀዳማይ፡ እግዚኣብሔር ነቶም ዚቃወሙና ጸላእትና ኢዱ ዘርጊሑ ምወቕዓልናን ካብ ኢዶም መድሓነናን ነይሩ። እቲ ኻልኣይ ኣዝዩ ዝበለጸ ረብሓ ግና ንእግዚኣብሔርሲ ጸላእቱ ኺግዝእዎ ምኽኣሎምዩ። ንሕና ሳላ ዝተኣዘዝና ውጽኢት ምእዛዝና ንዅሉ ፈታውን ጸላእን ምስ ተጋህደ፡ እቶም ብዘይ ምእዛዞም ጸላእቱ ዀይኖም ዝጸንሑ ረብሓ ምእዛዝ ኣስተውዒሎም፡ ንእግዚኣብሔር ኪግዝእዎን ኪእዘዝዎን ይድረኹ ማለትዩ። እቲ ብሳልሳይ ደረጃ እንርእዮ ረብሓ ድማ ብበረኸቱ ምጽጋብዩ። ብስብሒ ስርናይን ብመዓርን ምጽጋብ ንሓደ ስጋ ዝለበሰ፡ ብረሃጽ ገጹ ስጋኡ ንዚዕንግል ሰብ እንታይ ትርጒም ከም ዘለዎ፡ ምትንታን ዜድልዮውን ኣይኰነን። እግዚኣብሔር ነቶም ዚእዘዝዎ ብኸመይ ዓይነት በረኸት ከም ዚባርኽ ነቶም ዘይእዘዝዎ ድማ ብኸመይ ዝበለ መርገም ከም ዚቐጽዕ፡ ኣብ ኦሪት ዘዳግም ምዕራፍ 28 ብዜደንቕ መገዲ ተዘርዚሩልና ኣሎ። ነብዪ ኢሳይያስውን ንረብሓ ምስማዕን ምእዛዝን ብዜደንቕ ኣገላልጻ፡ ብኸምዚ ዚስዕብ ጽሒፉልና ኣሎ።

እግዚኣብሔር፡ እቲ ተበጃዊኻ ናይ እስራኤል ቅዱስ፡ ከምዚ ይብል፡ነቲ ዚጠቕም ዝምህረካን፡ በታ እትኸደላ መገዲ ዝመርሓካን ኣነ እግዚኣብሔር ኣምላኽካ እየ።ኣየ፡ ትእዛዛተይ ሰሚዕካ እንተ ትኸውንሲ፡ ሰላምካ ኸም ወሓዚ፡ ጽድቅኻውን ከም ማዕበል ባሕሪ ምዀነ ነይሩ፡ ዘርእኻ ኸም ሑጻ፡ ፍረ ኸርስኻውን፡ ከም ድበቱ ምዀነ። ስሙ ከቶ ኣይምጠፍአን፡ ካብ ቅድመይ ድማ ኣይምተደምሰሰን ነይሩ።ኢሳ 4817-19

ነቶም ንድምጹ ብምእዛዝ ዘስመርዎ ቅድሚ ዅሉ ዜጸግዎምን ዚጻምዎምን፡ እቲ መንፈሳዊ በረኸትዩ። እዚ ዘንበብናዮ ጥቕሲ ኣብሪሁልና ኸም ዘሎ፡ እቲ እግዚኣብሔር ንእዙዛት ዘዳለዎ ቐዳማይ ጻማ ኸኣ፡ ሰላምን ጽድቅንዩ። ሰላምካ ከም ወሓዚ ዚፈስስ ሰብ ኴንካ ኣብዛ ብስእነት ልባውን ከባብያውን ሰላም እትሳቐ ዘላ ዓለም ምንባር እቲ ዝለዓለ ጸጋዩ። ኣብ ውሽጡ ሰላም-ኣምላኽ ዘይነገሰ ሰብ ኣብ ከባቢኡ ምስ ዘሎ ዚቐርቦን ዚርሕቆን ሰብ ብሰላም ኪነብር ኣይክእልንዩ። ብጽጉቡ ኸም ጥሙይ፡ ብኽዱኑ ኸም ዕሩቕ ኰይኑ ዚነብር። ነብዪ ኢሳይያስ ኣብ ኢሳ 5720,21

እቶም ረሲኣን ግና ከምቲ ዚናወጽ ባሕሪዮም፡ ኪሃድእ ኣይክእልን እዩ እሞ፡ ማያቱ ጭቃን ርስሓትን የውጽእ። እቶም ረሲኣንሲ ሰላም የብሎምንይብል ኣምላኸይ።

ብምባል ገሊጽዎ ኸም ዘሎ ድማ፡ እቲ ስእነት ሰላም ንሓጢኣትካን ኣበሳኻን መሊሱ ዜብዝሖ። ሓጢኣትካ እንተ በዚሑ ድማ ጽድቂ ኻባኻ መመሊሳ ስለ እትርሕቕ ሰላምካ ብዝበኣሰ እናጠፍአ ይኸይድ። ሰላምን ጽድቅን ኵሉ ጊዜ መጻምድትን መኻይድትንየን። ክልቲአን ድማ ኣብቲ ምእዛዝ ዝጥበቡን ዝምርጫኡን ሰብየን ዚርከባ1 ጐይታ ነቶም ዚእዘዝዎ ዅሎም ሰላሙ ዚህቦምን ዜብዝሓሎምን ከኣ፡ ንጽድቆም ምእንቲ ኼዕዝዞ2 እቲ ብምእዛዙ ፍጹም ዝዀነ ሰብ፡ መጀመርታኡ ዀነ መፈጸምታኡ ብሰላም ዝተመልአ3 ነብዪ ኢሳይያስ ገሊጽዎ ዘሎ ኻልኣይን ዓብይን ረብሓ ናይ ምእዛዝ፡ ኣብቶም እትወልዶም ዘርእኻ ዚህልዎ በረኸትዩ። ዘርእኻ ኣብ ርእሲ ምብዛሑ፡ ካብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ዘይርሕቕን ስሙ ከቶ ዘይጠፍእን ዘይድምሰስን ዘርኢ ዚኸውን። እዚ ድማ ናይ ነፍሲ ወከፍ ኣብዛ ምድሪ ዚነብር ሰብ ባህጊዩ። እዚ ማለት ድማ፡ ንድምጺ ኣምላኽ ምስማዕን ምእዛዝን፡ ካብ ርእስኻ ሓሊፉ ነቶም ንስኻ ዘይተርኽበሎምን ዘይትርእዮምን ወለዶታትካ ኸይተረፈ ይባርኽ ማለት4

ሰይጣን ንእግዚኣብሔር ናይ ምስማዕን ምእዛዝን ረብሓ ጽቡቕ ገይሩ ስለ ዚፈልጥ፡ ናብኡ ንኸይንበጽሕ ብዘለዎ ዅሉ ዓቕሚ ዚዋግኣና። ቀዳማይ ምርጫኡ፡ እቲ ኺስማዕ ዘለዎ ቓል ፈጺሙ ኣብ ኣእዛንና ኸም ዘይበጽሕ ምግባርዩ። ስለዚ ናብቲ ቓል እግዚኣብሔር ዚንገረሉ ቦታ ገጽና ንኸይንቕልቀል ጽልኢ ቓል እግዚኣብሔር ጽልኢ ቤተ ክርስቲያንን ኣገልገልታን ኣብ ልብና ኸም ዚሓድር ይገብር። ይትረፍ ከነንብቦ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ኢድናን ኣብ ቤትናን ከም ዘይህሉ ይገብር። እንተ ተኻኢልዎ ድማ ነቶም ቃል እግዚኣብሔር ዚነግሩ ሓዋርያዊ ግቡኦም ኪፍጽሙ ዚጋደሉ ኣገልገልቲ ኽንቃወሞም፡ ክንቀትሎምውን ከይተረፈ ይደፋፋኣና። ኵላቶም ነብያትን ሓዋርያትን ብኸምዚ ዝበለ ሰይጣናዊ ድፍኢትዮም ሰማእታት ኰይኖም ዝሓለፉ። ንጐይታናውን ኣብ መስቀል ሰቒሎም ዝቐተልዎ፡ ቃል እግዚኣብሔር ስለ ዝሰበኸምበር ገበን ኪፍጽም ስለ ዝረኸብዎ ኣይነበረን5

እቲ ቓሉ ብዘበለ ኣቢሉ ኣብ ኣእዛንና እንተ በጽሓ ድማ ካብ ልብና ይምንጥሎ። ከምኡ ኺገብር እንተ ዘይከኣለ፡ ንቓሉ ኸይንእዘዝ ንልብና ኸም ከውሒ የትርሮ። ኣብ ልብና እሾዅ ዘሪኡ ድማ እቲ ኣብ ልብና እተዘርአ ቃላት ተሓኒቑ ከም ዘይፈሪ ይገብሮ። ነዚ ሓቂ ጐይታና ብምስላኡ ብንጹር ገሊጹልና6 እቶም ነዚ ዅሉ ፈተና ብዓወት ዝሓለፉ ኸም ጽቡቕ ግራት ዝዀነ ልቢ ዘለዎም ሰባት ግና፡ ነቲ ቓል ተኣዚዞም ብዙሕ ፍረ ይፈርዩ ንኣምላኽ የኽብርዎ። ንርእሶም ድማ ኻብ ፍርዲን ጥፋኣትን ኣድሒኖም ናብ ዘለዓለማዊ ሕይወት የብቅዑ።

ከም ኣባጊዕ እንተ ዄንና ድምጾም ዜስምዑና፡ ከም ግራት እንተ ዄንና ድማ ዘርኦም ዚዘርኡልና ኽልተ ኣካላት ኣለዉ። ንሳቶም ከኣ ክርስቶስ፡ እቲ ንእኡ ዚጻረር ክፉእ ዲያብሎስንዮም። እተን ሓቀኛታት ኣባጊዕ ድምጺ ናይቲ ክፉእ ጓሳ ኺሰምዓ ኸለዋ ኻብኡ ይገልባን ይሃድማን፡ ምኽንያቱ በቲ ኽፉእ ድምጹ ኣታሊሉ፡ ናብቲ ናይ ጥፍኣት ደምበ ኺሰርቀን ኣብ መወዳእታ ድማ ሓሪዱ ብኽፉእ ኬጥፍእን ዚደሊ7 እቲ ሰይጣን ዜስምዐን ድምጺ ድማ ሓጢኣት ኪገብራ ዚዕድምን ዚደፋፍእን ድምጺዩ። ሓጢኣት፡ ምቁር መርዚዩ። ክትምንዝር፡ ንፍትወትካ ዜለዓዕል ስእለ-ጽዩፍ ክትዕዘብ፡ ኽትሰክር ክትዓብድ ከለኻ ስጋኻ ባህ ከም ዚብሎን ጥዑም ከም ዚስምዓካን ዝዀነ ጥርጥር የልቦን። ቀታሊ መርዚ ስለ ዝዀነ ግን ናይ መወዳእታ ውጽኢቱ ዘለዓለማዊ ሞትን ስቓይንዩ። ኣብ ቀረባ ዘሎ ጥራሕ እትርኢ ዕዉር ሰብ እንተ ዘይኴንካ፡ ብጊዝያዊ ባህታ ተታሊልካ ዘለዓለማዊ ጥፍኣት እትመርጸሉ ምኽንያት የልቦን። ንድምጺ ናይቲ ሓቀኛ ጐይታ ሓዲግካ፡ ንድምጺ ናይቲ ኣቦ ሓሶት ዝዀነ ዲያብሎስ ክትእዘዝን ክትስዕብን እንተ መሪጽካ፡ ንክርስቶስ ከም ዘይእመን ሓሳዊ ጌርካ ብምርጫኻ ትጸርፎን ትኽሕዶን ስለ ዘለኻ፡ ኣበሳኻን ሳዕቤናቱን ተደራራቢ ዚዀነካ። ስለዚ ነቲ ምርጫኻ ናይ ግድን ብብልህነት ክትመርጾ ዚግባእ።

ንድምጺ ጓሳኻ ግና ብኸመይ ኢኻ እተለልዮ፧ ንሱኸ ብኸመይ ዚዛረበካ፧ እቲ ሕያዋይ ጓሳ ብብዙሕ መገዲ ዚዛረብ። በቲ ጽሑፍ ቃሉ፡ በቶም ዚሰብኩ ልኡኻቱ፡ ኣብ ቅድሜኻ ብዜጋጥሙኻ ኵነታት፡ በቲ ኣብ ልብኻ ዝሓደረ መንፈሱ፡ ሰባት ብዜቕርቡልካ ምኽሪ ወይ ጠለብ ወዘተ ኺዛረበካ ይኽእልዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ድምጺ ናይ ኣምላኽዩ። ስለዚ ዅሉ ጊዜ ኸነንብቦ፡ ከነስተንትኖ፡ ብዛዕባኡ ድማ ኽንዛረብ እግዚኣብሔር ዝኣዘዘና8 ቃል እግዚኣብሔር፡እቲ ዜንብብ የስተውዕልዚብለና9 እቲ ሓቀኛ ኣንባቢ ሓንሳብ ጥራሕ ዘይኰነ ክልተ ጊዜ ዜንብብ። እቲ ቐዳማይ ንባቡ መጽሓፍ ቅዱስ ኪኸውን ከሎ፡ እቲ ኻልኣይ ንባቡ ድማ ብመንጽር ዘንበቦ ቓል እግዚኣብሔር ንሕይወቱ ምንባብ (ምምርማር)’ዩ። እዚ ዳሕራይ ናይ ሕይወትካ ንባብ፡ ንድምጺ ጓሳኻ ከም ዝሰማዕካን ንለውጢ ትብገስ ከም ዘለኻን ዜረጋግጽዩ። ስብከትን ትምህርትን ናይ ወንጌል ዝሰምዐ ዅሉውን እናሰምዐ ኸሎን ብድሕሪኡ ኣብ ዘሎ ጊዜን ብመንጽር ዝሰምዖ ቓል ንሕይወቱ እንተ ዘይመርሚሩን መገዲ እንተ ዘየቕኒዑን፡ እቲ እኩይ ድያብሎስ ብልቡ ሓሊፉስ ንዅለንተን ዝሰምዐን ቃላት ለቒሙ ኸም ዝወሰደሉ ርጉጽ ነገርዩ።

እግዚኣብሔር ብመንፈሱ ኣብ ውሽጢ ልብናውን ይዛረበናዩ። እቲ ኣብ ውሽጥና ዀይኑ ጽቡቕ ክንገብር ዚዛረበና ሕማቕ ከይንገብር ድማ ዚዓግተና፡ ክንጋገ ከለና ድማ ዚወቅሰና፡ ንሱ ናይ እግዚኣብሔር ድምጺዩ። ገለ ሰብ ምስ በደለካ፡ እቲጽልኣዮ፡ ሕነ ፍደዮዚብል ኣብ ውሽጥና ዀይኑ ዚህውኸና ድምጺ ናይቲ ጸላኢና ድምጺዩ። እቲተዓገሶ፡ ኣፍቅሮ፡ ሰናይ ግበረሉዚብል ድምጺ ድማ ናይቲ ሕያዋይ ጓሳና ድምጺዩ። ኣባጊዕ ዲና ኣጣል ዚረጋገጽ ድማ በቲ እንሰምዖን እንእዘዞን ድምጺዩ። ቃኤል ብሓዉ ኣቤል ምስ ቀንአ፡ ነቲ ኣምላኽ ዘስምዖ ድምጺ ንዒቑ፡ ነቲቅተሎዚብል ሰይጣን ኪሰምዕ ምስ መረጸ፡ ቀታል ሓዉን ወዲ መርገምን ኰይኑ ድማ ተረፈ። ኣብ ሕይወትና ዜጋጥሙና ጽቡቕን ሕማቕን ኵነታትውን መልእኽትን ድምጽን ናይ ኣምላኽ ኰይኖም ዜገልግሉናዮም። ሕማም፡ ሞት፡ ሓዘን፡ ድኽነት፡ ባእሲ፡ ውግእ፡ ደርቂ ዝኣመሰሉ ሕሱማት ኵነታትን፡ ጥዕና፡ ሃብቲ፡ ውሉድ ምርካብ፡ ዕዙዝ ሰላም ወዘተ ዝኣመሰሉ ጥዑማት ኵነታትውን ትእዛዝን መልእኽትን ናይ ኣምላኽ ዜስምዑና ዅነታትዮም። እቲ ዜሕዝን ግና፡ ንሕና በቲ ሕማቕ ኵነታት ዚመጽእ መልእኽቲ ጥራሕ እምበር፡ ነቲ ብጽቡቕ ዚመጽእ መልእኽቲ ኣይነድህበሉን ኢና። እቲ ኣብ ውሽጢ ውሁብ ኵነታቱ ንድምጺ ኣምላኽ ኪሰምዖን ኬስተውዕሎን ኪእዘዞን ዝኸኣለ ሰብ፡ ብዅሉ ዅነታቱ ዕውትን ጻድቕን ኰይኑ ይወጽእ። እቲ ዘይሰምዕን ዘየስተውዕልን ሰብ ግና፡ ብተመሳሳሊ ዅነታት ዝበኣስ ወዲ ገሃነም ኰይኑ ይወጽእ።

እምበኣር ነቲ ኸየቛረጸ ብዝተፈላለየ መገድታት ድምጹን መልእኽቱን ሰሚዕና ብምእዛዝ ናይ ብሓቂ ኣባጊዑ ምዃንና ኸነረጋግጽ ይግብኣና። ነቲ ንድምጹ ብዘይ ምስማዕና ንጐይታና ዝበደልናሉ መዓልታት ብሓቀኛ ንስሓ ነሕውዮ። ካብዚ ዕለት ጀሚርና ድማ ንድምጹ ተጠንቂቕና ብምልላይ ብተኣዝዞ ነኽብሮ። እግዚኣብሔር ከኣ ኣብታ ምድብቲ መዓልቲ ምጽኣት፡ በቲ ንሓደን ቅዱስን ወዱ ዘኽበረሉ ኽብሪ ኬኽብረና!!

እቲ ወዲ ዘለዎ ሕይወት አላቶ። ጸጋ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ጸጋ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።

ዕለት፥ ታሕሳስ 25, 2013 ግዕዝ (3 ጥሪ  2021)  - መበል 17 ሰንበት: ቊ.20(፳)0(፳)

ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባባት

ዲያቆን

ንፍቀ ዲያቆን

ንፍቀ ካህን

ወንጌል

ቅዳሴ

እብ 13፡16-ፍጻ

1ጴጥ 2፡21-ፍጻ

ግብ 11፡22-ፍጻ

ዮሓ 10፡1-22

ዘእግዚእነ (ነአኵተከ)

መዝ 79(80)፡1

“ኖላዊሆሙ ለእስራኤል አጽምዕ ዘይርዕዮሙ ከመ አባግዐ ዮሴፍ ዘይነብር ላዕለ ኪሩቤል አስተርአየ”

“ዎ ጓሳ እስራኤል፡ ጽን በል። ንዮሴፍ ከም መጓሰ እትመርሖ፡ ኣታ አብ ልዕሊ ኪሩቤል እትቕመጥ፣ በሪህካ ተገለጽ።”

1መዝ 85፡8-10 2ዮሃ 14፡26,27: 3መዝ 37፡37 4መዝ 112፡1,2፣ ኢሳ 61፡9፣ 66፡22፣ 55፡12: 5ማቴ 23፡29-39፣ ዮሃ 7፡14-19፣ 8፡37-47 6ማቴ 13፡1-23 7ዮሃ 10፡1,8,10: 8ዘዳ 6፡6-9 9ማቴ 24፡15 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div