S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ናብ ዝደለኻዮ ትኸይድ ኔርካ [መበል 39 ሰንበት: ቊ.57/፶፯ ]

 ንስኻ በጽሒ ኸለኻ፡ ባዕልኻ ተዓጢቕካ፡ ናብ ዝደለኻዮ ትኸይድ ኔርካ። ምስ ኣረግካ ግና፡ ኣእዳውካ ኸም እተልዕልሞ፡ ካልእ ከም ዜዕጥቐካ ናብ ዘይደለኻዮውን ከም ዚወስደካ፡ ብሓቂ ብሓቂ እብለካ ኣለኹ በሎ።ዮሃ 2118

እዚ ኽፍሊ ንባብ ቅዱስ ወንጌልዚ፡ ብዛዕባ ጐይታና ኸመይ ገይሩ ንሃዋርያ ጴጥሮስን ንብጾቱን ካብ ምግፋፍ ዓሳ ናብቲ ሃዋርያዊ ተልእኾኦም ከም ዝመለሶምን፡ መጓስኡ ብሕድሪ ኸም ዝሃቦምን ዚገለጸልናዩ። ሕያዋይ ጓሳ ዀይኑ ነባጊዑ ባዕሉ ኺጓስይ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ናብ ኣቦኡ ዚዓርገሉ ጊዜ ምስ ኣኸለ፡ ሕድሪ ናይቲ ጒስነት ነቶም ንሰለስተ ዓመትን መንፈቕን ዚኣክል ብሃዋርያነት ኬስልጥኖም ዝጸንሓ እሙናት ደቀ መዛሙርቱ ሂብዎም ኪኸይድ መደበ። ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ዝተመሃርናዮ፡ ኣብ ባሕሪ ገሊላ ዜደንቕ ናይ ምግፋፍ ዓሳ ተኣምር ብምግባር ንሱ ምዃኑ፡ ህልዊን ሕያውን ምዃኑ፡ ገናውን ምስ ኣምላኽነቱን ጐይትነቱን ከም ዘሎ ድሕሪ ምርግጋጽ፡ ብውክልና ሃዋርያ ጴጥሮስ ንዅላቶም ኣዝዩ በዳሂ ሕቶ ኣቕረበሎም። ንሃዋርያ ጴጥሮስ ብስሙ ጽዊዑ፦

ስምኦን ወዲ ዮና፡ ካብዚኣቶም ኣብሊጽካዶ ተፍቅረኒ ኢኻ፧ኢሉ ሓተቶ። ኣብ ኣርባዕቲኡ ወንጌላት፡ ጐይታና ኣብ መንጎ ደቀ መዛሙርቱ ኣወዳዲሩ ናይ ንጽጽር መልእኽቲ ሂቡ ኣይፈልጥንዩ። ንሳቶምዮም ብኣንጻሩመንና ይዓብይ፧ መንና ይበልጽ እናበሉ ዚወዳደሩ ዝነበሩ1 ጐይታ ድማ ብዛዕባኡ ብመሃሪ ኣገባብ ይገንሖምን ይእርሞምን ነበረ። ሕጂ ግና እቲ ንሓድሕዶም ዚበላለጹሉ፡ ንጐይታኦም ዘለዎም ፍቕሪ ኻብቲ ናይ ብጾቶም ብመጠኑ ዝበዝሓ ብዓይነቱውን ዝበለጸ ምዃኑ ዜረጋግጹሉ ምዱብ ጊዜ ስለ ዝበጽሐ ጐይታና፡ በዛ ኣገዳሲት ሕቶ ገይሩ ኣመልከቶም። እቲ ዋናን ጓሳን ናይተን ኣባጊዕ ኣብ ዘየህልወሉ እዋን፡ ንእኡ ተኪእካ ንዕዮኡ ምምላእ ነተን ኣባጊዑ ምሕላይ፡ መርኣያ ናይቲ ንመጓስኡን ንእኡን ዘሎካ ብሉጽ ፍቕርን ክብርን እትገልጸሉ ኽቡር እዋንዩ። እዚ ወርቃዊ ዕድልዚ፡ኣነዶ እበልጽ ንስኻ፧እናበልና ንሓድሕድና እንማጐተሉ ጊዜ ኣይኰነን። ብልጫና (ምብላጽና) ብግብሪ እነመስክረሉ ጊዜ ጥራሕዩ። እቲ ምብላጽና ድማ ነቲ ብሕቡእ ርእዩስ ብግህዶ ዚኽሕስ ጐይታምበር፡ ንዘይምልከቶ ሰብ እነርእዮ ኣይኰነን። ምብላጽና ንሓድሕድና ኸነርእይ እንተ ጀሚርናሞ፡ ኣብ መንጎና ዘይጠፍእ ውግእ ወሊዕና እናተጣፋእና ኸለና፡ ነተን መጓሰ ኣባጊዕ ጥምየትን ተዃሉን ተበራርዮም ኬህልቕወንዮም። ኣቦታትናሰብ ዝገበሮ ምድሪ ነገሮኸም ዚብሉ፡ ጐይታናውን፡ዘይቅላዕ ክዱን፡ ዘይገሃድ ድማ ስዉር የልቦንከም ዝበለ፡ እቲ ንጐይታ ጥራሕ ኢልና ዝገበርናዮ ብሰብ ከይተራእየ ኣይኪተርፍን2 እቲ ንጐይታ ኢልና ዝገበርናዮ ብሰባት ኪረኣይን ኪፍለጥን ከሎ፡ ክርስቶሳዊኣርኣያ”’ ዚኸውን። እቲ ንሰብ፡ ከነርእይ ኢልና እንገብሮ መንፈሳዊ ተግባር ግን፡ ሰይጣናዊ ናይ ግብዝነት ኣርኣያ ዚኸውን። ብዛዕባ ብሉጽ ፍቕርኻን ዕዮኻን ንኣምላኽ ከተርእዮ ኢልካ ናይ ምግባር ቅዱስ ሃቐና፡ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፡ ብኸምዚ ዚስዕብ ወርቃዊ ቓል ሂቡና ኣሎ።

 ንርእስኻ እቲ ቓል ሓቂ ብቕንዕና ዜማቕል፡ ዜሕፍር ዘይብሉ ፍቱን ዓያዪ ጌርካ፡ ንኣምላኽ ከተርእዮ ጽዓር።” 2ጢሞ 215። ኣምላኽዶ ናይ ምርኣይ ጸገም ኣለዎዩ፡ከተርእዮ ጽዓርዚበሃለልና፧ እምበኣር፡ እዚ ኣበሃህላዚ፡ንኣምላኽ ከም ዜሓጒሶ ኸም ዜዕግቦ ጌርካ ግበሮማለት ምዃኑ ኺርድኣና ይግባእ።

ኣብዚ ነጥቢ ኸነልዕሎ ዚግብኣና ኣገዳሲ ሕቶ ግን ኣሎ፧ሓደ ተግባር፡ መርኣያ ናይ ብሉጽ ፍቕሪ ዚኸውን መዓስን ብኸመይንዩ፧ዚብል ሕቶዩ። ኣቦታት ኪምስሉ፡ዘይክኢላ ሰዓማይሲ ንፋጥ ይጽይቕከም ዚብሉ፡እቲ ዝጸበቐኢልካ ዝገበርካዮ፡እቲ ዝኸፍአዀይኑ ተረኺቡ ኼዋርደካን ጒድ ኪገብረካን ይኽእልዩ። እዚ ተኽእሎ ምበኣርዩ፡ ነዚ ተመዲቡልና ዘሎ ኣርእስቲ ናይ ዕለት ኣዝዩ ኣገዳሲ ዚገብሮ። እቲ እትገብሮ ናይ ፍቕሪ ተግባር ንጐይታኻ ኸተሓጒሶን ንእኡ ዘለካ ኻብ ናይ ካልኦት ብጾትካ ፍቕሪ ዝበለጸ ምዃኑ ኸተርእይ ኢልካ ጌርካዮ ኸተብቅዕ፡ ከም ንስኻ እትደልዮ ጌርካ ትገብሮ እንተ ዄንካ፡ እቲ ነገር ፋሕ ኢሉ ማለትዩ። እቲ ተግባርን ኣተገባብራኡን ንሓድሕዱ ይጋጨው ኣሎ። እቲ ተግባር፡ ናይቲ ጐይታን ነቲ ጐይታን እንተ ዀይኑ፡ በቲ ድልየት ናይቲ ጐይታ ኺግበር ዚግባእ። እቲ ተግባር ነቲ ጐይታ፡ እቲ ድልየት ኣተገባብራ ግን ናይቲ ባርያ እንተ ዀይኑ ግን እቲ ነገር ግርምቢጥ ስለ ዚኸውን ንሓድሕዶም ክተሓጓጐሱ ኣይክእሉንዮም። ነታ እንገብራ፡ እንኸዳ፡ እንዛረባ ከምታ ጐይታ ዚደልያ ጌርና እንተ ገበርናያ ብልጫ ፍቕርና ሽዑ ዚገሃድ።

ጐይታና ንሃዋርያ ጴጥሮስ ብዛዕባ ብልጫ ፍቕሩ ሰለስተ ጊዜ ደጋጊሙ ምስ ሓተቶ፡ ፍቕሩ ኻብቲ ናይቶም ካልኦት ዝበለጸ ኸይከውን ዝዓንቀፎ እንታይ ምዃኑ ንኺገልጸሉ ነዚ ኣብ መሪሕ ጥቕስና ዘሎ ቓል ዝተዛረቦ። ጐይታና ብዅሉ ፈላጥነቱ ዀነ በቲ ናይ ሰለስተ ዓመትን መንፈቕን ትዕዝብቱ፡ ብዛዕባ ሃዋርያኡ ብዙሕ ዚፈልጦ ነገር ኣለዎ። ነዚ ጐይታ ዝበሎ ቓል ዜረጋግጽ ብዛዕባ ሃዋርያ ጴጥሮስ ብሰፊሕ ዝተገልጸ ሓበሬታ ኣብ ኣርባዕቲኡ ወንጌላት ሰፊሩ ኣይንረክብን ኢና። ምኽንያቱ ኵሉ ሽዑ ዝተኸስተን ዝተገብረን ዝተዘርበን ኣይተጻሕፈን። ኵሉ እንተ ዚጸሓፍ፡ ኵሉ መጻሕፍቲ ዓለምዚኣ ኸም ዘይኣኽሎ፡ ባዕሉ ናይ ምጽሓፍ ፈተነ ዝገበረ ሃዋርያ ዮሃንስ ገሊጹልና 3 ኣብተን ዝርካበን ተጻሒፈን ዘለዋ ግን፡ ናይ ጐይታ ዝተዛረቦ ኣሰር ንረክብ ኢና። ጐይታና ብዛዕባ ስቕለቱን ሞቱን ምስ ተዛረበ፡ ኪገንሖ ምህቃኑ ሓደ መርኣያ ናይዚ ጐይታ ዝገለጾ ምስጢርዩ። ብቚጡዕ መግናሕቲ ኸኣ ኣረሞ4ክትክሕደኒ ኢኻተባሂሉ በቲ ፈላጥ-ኵሉ እናተነግሮ፡ትጋገይ ኣለኻብዜስምዕ ኣገባብክሳዕ ሞት ኣይክሕድንኢሉ ምክርኻሩ ናይቲ ባዕልኻ ተዓጢቕካ ዝመሰለካ ናይ ምኻድ ባህርዩ ነጸብራቕ ዝነበረ5 እቶም ንጐይታ ዝሕዙ ጭፍራ ምስ መጹ ሰይፊ መዚዙ ኽወቕዕ ምጅማሩ ናይ ባዕላዊ ዕጥቒ መርትዖ6 ንርእሱዚ፡ኣነስ ናብ ምግፋፍ ዓሳይ ክኸይድኢሉ ነቶም ካልኦት ለኪሙ በተግ ኢሉ ምኻዱውን፡ ናይቲ ጐይታ ዝበሎ ቓል መርትዖዩ። ናብ ዝደለኻዮ ምኻድ ስለ ዚቐንዖ ኸኣ።ጐይታናምበርምስ ሰምዐ፡ ቅድሚ ዅላቶም ናብ ጐይታ ንምኻድ ምስናይ ክዳውንቱ ናብቲ ባሕሪ ዘለለ። ከምዚ ዝዓይነቱ ኣካይዳ ምስቲ ሉኣላዊ ኣካይዳ ፈጺሙ ኣየሳንየካን፡ ኣየጓዕዘካን ከኣዩ። እዚ ነገር ኻብ ህይወቱ ተቐሪፉ እንተ ዘይከይዱ፡ በቲ ጽቡቕ ኣገልግሎቱ ንጐይታ እናኣጒሃዮ ኺነብርዩ። ኣብ መወዳእታ ድማ ዘይተጸበዮ ዜሕዘን ዓስቢ ኪቕበልዩ። እቲ ኣብ መንጎ ጽቡቕ ኣገልግሎቱን ኣብ መንጎ ጐይታኡን ኰይኑ ዕንቅፋት ዚኸውን ዘሎ ኸኣ፡ ባዕልኻ ተዓጢቕካ፡ ጐይታኻ ዚደልዮ ዘይኰነስ፡ ንስኻ ዝደለኻዮ ምግባርን ናብ ዝደለኻዮ ምኻድንዩ። ጐይታ፡ ሉኣላዊ ኣምላኽ ምዃኑ ኺዝንጋዕ ድማ ኣይግባእን ንሉኣላውነቱ ግሂስካ እትገብሮ ዝዀነ ጽቡቕ ተግባርን ኣገልግሎትን፡ ኪጒህየሉን ኪፍደዮንምበር፡ ኪሕጐሰሉን ኪጻምወሉን ከም ዘይኰነሉ ብዘየዳግም መገዲ ኸነስተውዕሎ ይግባእ።

ናብ ዘዳለኻዮ ገዲፍካ ናብ ዘይደለኻዮ ምዃድ እንታይ ማለትዩ፧ ቅድሚ ዅሉ ልዕሊ ዅሉ፡ ወዲ ሰብ ንኣምላኽ ኪስውኣሉ ዚግባእ መስዋእቲ፡ ገዛእ ፍቓዱን ድልየታቱንዩ። ምኽንያቱ፡ እቲ ንገዛእ ፍቓዱ መስዋእቲ ኺገብር ዘይፈተወ ሰብ፡ ንፍቓድ ኣምላኽ መስዋእቲ ዚገብሮ። ካብዚ ዚኸፍእ መንፈሳዊ ገበን ኪህሉ ከኣ ኣይክእልንዩ። ፍቓድ ናይ እግዚኣብሔር ኣቦ፡ ፍቓድና መስዋእቲ ኽንገብረሉ ምዃኑ፡ ጐይታና ብቓላት ገሊጹልና፡ ብግብሪውን ኣርኣዩናዩ። ከመይ ጌርካ ፍቓድ ርእስኻ ንኣምላኽ መስዋእቲ ኸም እትገብር፡ ካብ ጐይታና ዚበልጽ ካልእ ኣርኣያ ኺህልወና ዚከኣል ኣይኰነን። ንሱ ኻብ ናይ ኣቦኡ ዚንእስን ዚኸፍእን ፍቓድ ሃልይዎ ኣይፈልጥንዩ። ነቲ ጽቡቕን ክቡርን ፍቓድ መስዋእቲ ንምግባር ግን ዓይኑ ከቶ ኣይሓሰየን። ነዚ ንኣርኣያና ኢሉ ብቓል ዝገለጾን ብግብሪ ዝፈጸሞ ዅሉን ከኣ ብኸምዚ ዚስዕብ ገሊጽዎ ኣሎ።

“. . . ብልዐይሲ ፍቓድ ዝለኣኸኒ ኽገብር ዕዮኡውን ክፍጽምዩ።ዮሃ 434

 ካብ ርእሰይ ገለ ኽገብር ኣይክእልንየ፡ ፍቓድ ዝለኣኸኒምበር፡ ፍቓደይ ኣይደልንሞ፡ ኣነ ኸምቲ ዝሰማዕክዎ ዝፈርድ፡ ፍርደይ ከኣ ቕኑዕዩ።ዮሃ 530

ኣነ ፍቓድ ናይቲ ዝለኣኸኒ (ኣቦይ)’ምበር፡ ፍቓደይ ምእንቲ ኽገብር ኣይኰንኩን ካብ ሰማይ ወሪደ ዘለኹ።ዮሃ 638

 እምበኣር፡ ከምዚ ዝዓይነቱ መንፈሳዊ ርትዕን መርገጽን ከይወነንካ፡ ኣብ ትሕቲ ዝዀነ ዓይነት ጐይታ ርእስኻ ኸተግዝእ ፈጺምካ ዘይከኣል ጥራሕ ዘይኰነስ ዘይሕሰብውንዩ። መልክዕ ባርያ ኸይለበስካ፡ ስራሕ ባርያ ኽትሰርሕ ኣይከኣልንዩ። እቲ ኸም ፍቓድ ርእሱ ገይሩ ንጐይታኡ ኼገልግል ዚደልይ ሰብ፡ ልክዕ ከምቲ መልክዕ ጐይታ ለቢሱ ስራሕ ባርያ ኺሰርሕ ዚደልይ ዝተደናገረa ኣገልጋሊዩ። ጐይታና ንእግዚኣብሔር ኣቦኡ ኣብ ምድሪ ኼገልግል ምስ ፈተወ፡ መልክዕ ኣምላኽ ዝለበሰ ናይ ባህርይ ኣምላኽ ክነሱ፡ መልክዕ ባርያ ወሲዱ ሰብ ኰነ። ናይ ዝተረግሙ ሰባት ኣማውታ ኽሳዕ ሙማት ከኣ ፍቓዱን ርእሱን መስዋእቲ ገበረ7 ነታ ናይ ሞት ጽዋእ ዚሰትየላ ምድብቲ ጊዜ ምስ ኣኸለት ከኣ፦

ኣቦይ፡ ዚከኣል እንተ ዀይኑስ፡ እዛ ጽዋእዚኣ ኻባይ ትሕለፍ፡ ግናኸ ንስኻ ከም እትደልዮምበር፡ ኣነ ኸም ዝደልዮ ኣይኹን።ብምባል ንፍቓዱ ኽሳዕ ኣበይ መስዋእቲ ኺገብራ ድሉው ከም ዘነበረ ኣመስኪሩ8 ንሱ ዚደልዮ ኺገብር ዘይደልይ ስለ ዝዀነ ኸኣ ንቓሉን ንግብሩን ዘይኰነስ፡ ንናይ ኣቦኡ ግብሪ ኺገብር፡ ንዘረባ ኣቦኡ ድማ ኪዛረብ ይመርጽ ነበረ። ንእኡ ድማ ብኸምዚ ዚስዕብ ተኣሚንዎ ኣሎ።

ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፡ ወድስ ኣቦኡ ኺገብሮ ዝረኣዮምበር፡ ካብ ርእሱ ሓንቲ ነገር ኺገብር ኣይከኣሎንዩ። ነቲ (ኣቦ) ዚገብሮ ግብሪ፡ እቲ ወዲ ድማ ከምኡ ዝበለ ይገብርዩ።ዮሃ 519

ትምህርተይሲ ናይቲ ዝለኣኸኒምበር፡ ናተይ ኣይኰነን። ፍቓዱ (ፍቓድ ኣቦ) ኺገብር ዚደልይ እንተሎ፡ ንሱ ብዛዕባ ትምህርተይ ካብ ኣምላኽ እንተ ዀይኑ፡ ወይስ ካብ ርእሰይ እንተ ዀይነ ዝዛረቦ ዘለኹ ኪፈልጥዩ። እቲ ኻብ ርእሱ ዚዛረብ፡ ክብረት ርእሱ ዚደልይ፡ እቲ ነቲ ዝለኣኾ ኬኽብር ዚደልይ ግና፡ ንሱ ሓቀኛሞ፡ ኣብኡ ዓመጻ የልቦን።

 ኣነ ንርእሰይ ክብረት ኣይደልንየ፡ እቲ ዚደልይን ዚፈርድን ግና ኣሎ። . . . ኣነ ርእሰይ እንተ ኣኽበርኩ፡ ክብረተይ ፍረ የብሉን፡ ዜኽብረንስ እቲ ንስኻትኩምኣምላኽናእትብልዎ ኣቦይዩ።ዮሃ 716-18 850,54

 ግብሪ ኣቦይ እንተ ዘይገበርኩ፡ ኣይትእመኑኒ፡ (ግብሪ ኣቦይ) እንተ ገበርክዎ ግና፡ ኣቦ ኣባይ ምህላዉ፡ ኣነውን ኣብ ኣቦ ምህላወይ ምእንቲ ኽትፈልጡን ከተስተብህሉንሲ፡ ንኣይ እንተ ዘይኣመንኩምኒ፡ ነቲ (ግብሪ ኣቦ ዝዀነ) ግብረይ እመንዎ።ዮሃ 1037,38 (1410,11)

“. . . እዚ እትሰምዕዎ ዘለኹም ቃል ከኣ ናይቲ ዝለኣኸኒ ኣቦምበር፡ ናተይ ኣይኰነን።ዮሃ 1424

ነዚ ኽቡር ቃል ናይ ጐይታና፡ ነቢብናዮ ኽንሓልፍ ጥራሕ ዘይኰነ ኣብ ደምናን ባህሪናን ክሳዕ ዚሰርጽ ኽንሽምድዶን ኣብ ማሕበራዊ ናብራና ኽንለማመዶን ዚግብኣና። እቲ ወዱ ንመስዋእቲ ዝኸፍለ ኣቦን፡ እቲ ህይወቱ በጃና ዘሕለፈ ጐይታ፡ እዚ ቓል ኣብ ገዛእ ሕይወትና ምእንቲ ኸነተግብሮዮም ክሳዕ ክንድ ኸቢድ መስዋእቲ ዝኸፈሉ። እምነትና ናብዚ ደረጃ እንተ ዘይኣዕብዩናን እንተ ዘይኣብጺሑናን፡ኣብ እምነት የለኹንምባል ዚቐልል። ገበርቲ ፍቓዱ እናመሰልና፡ ንሕና ናብ ዝደለናዮ ንኸይድ፡ ዝደለናዮ ንዛረብ፡ ዝደለናዮ ንገብር እንተ ዄንና፡ ዕጥቅና ብርግጽ ዕጥቂ ዓመጻዩ። ባዕላትና ዝዓጠቕናዮ ድማምበር ጐይታ ዘዕጠቐና ኣይኰነን። ነስተውዕል! ብዛዕባ ኽፉእን ግሁድ ሓጢኣት ዝዀነ ዘረባን ግብርን ኣይኰንናን ንዛረብ ዘለና። ኣብ ሓጥእ ዘረባን ኣብ ሓጥእ ግብርን እንተ ተበጺሑሞ፡ ዓይነቱን ክብደቱን ብዘየገድስ ኵሉ ንጹግ ስለ ዝዀነ፡ ኣብዚ ንዛረበሉ ዘለና ኣርእስቲ ዚሕቈፍ ኣይኰነን። ጐይታና ንሃዋርያ ጴጥሮስ ዚዛረቦ ዘሎ፡ ዕጥቂ ሓጢኣት ተዓጢቑ ንመንግስቲ ኣምላኽ ኪዋግኦ ስለ ዝረኣዮ ኣይኰነን። ካብ ሃዋርያት ዕጥቂ ዓመጻ ዝተዓጥቀሞ፡ ይሁዳ ጥራይዩ። እቲ ኻብ ርእስኻ ተበጊስካ፡ ባዕልኻ ተዓጢቕካ፡ ንኣፍ እግዚኣብሔር ከይሓተትካ ዚግበርጽቡቕ ተግባር”’ውን ርእሱ ዝኸኣለ ዓመጻዩ። ልዕል ኢልና ኸም ዘንበብናዮ፡ ካብ ርእስኻ ምዝራብ፡ ክብረት ርእስኻ እትደልይ ሰብ ናይ ምዃንካ ንጹር ምልክትዩ። ደቂ ኻህን ኣሮን፡ ንእግዚኣብሔር ኬገልግሉምበር፡ ካልእ ዕላማ ዘይነበሮም ክነሶም፡ ናይ እግዚኣብሔር ዘይኰነ ጋሻ ሓዊ ናብ መቕደሱ ስለ ዘእተዉ፡ ብዘይ ምሕረት ብሓዊ ቚጥዓኡ ኣቃጺሉ ቐዘፎም። እግዚኣብሔር ብናቱ ሓዊ፡ ብናቱ ቓል፡ ብናቱ ግብሪ፡ ብናቱ ፍቓድ ጥራሕ ዚግልገል ናቱ ኸም ዝሰኣነ፡ ብዘይ ናቱ፡ እሞ ኸኣ ብናይ ስጋ ኸነገልግሎ እንተ በልና፡ ርእስኻ ናይ ምኽባር እኩይ ሃቐና ስለ ዝዀነ፡ ኬስምሮ ዘይኰነስ ኬቚጥዖ ጥራይ ዚኽእል። እዚ ብድርኺት ናይ ውዱቕ ስጋና እንገብሮን እንብሎን ኵሉ፡ ይትረፍ ነቲ ቕዱስ ኣምላኽ፡ ንኣና ነዞም ብመልክዑ ዝተፈጠርና ሰባት ኣይምጥነናንዩ። ስለዚዶ ኣይኰነን ዜቕጽዓናን ናብ ገሃነም ዜደርብየናን።

ስለዚ ድማ ኢና፡ ፍቓድናን ቃላትናን ግብርናን ክንፍንፍንን ክንድርብይን ዚግብኣና። ናብዚ ብሱል ናይ ብጽሕና ርድኢት እንተ በጺሕና፡ መንፈሳዊ ሕይወትና ናብ ፍጹምነት ገጹ ዚዓብይን ዚዓርግን። ፍጹምነት ዝመልኣካን ዝደለኻዮን እናሓሰብካን እናተዛረብካን እናገበርካን ኣይትብጻሕንያ። ናይቲ ፍጹም ኣምላኽ ሓሳባትን ቃላትን ግብርን ጥራሕ ብምዝውታር ኢና ንፍጹምነት እንበጽሓ። እግዚኣብሔር ነቲ ናቱ ግብርን ቃላትን ሓሳባትን ጥራሕ ከነዘውትር ዚደልየና፡ ነቲ ባዕሉ ፈትዩ ዝሃበና ናይ ነጻ ምርጫን ፍቓድን ስልጣን ተጣዒሱ ኺገፍፈናን ኪዝርፈናን ስለ ዝደለየ ኣይኰነን። እቲ ናትና ፍቓድ ጽቡቕ ከም ዘይፈድየናን፡ ናብ ዓዲ (ናብ መንግስቱ) ኸም ዘየእትወናን ስለ ዝፈለጠዩ። ብሕያውነቱ ነዚ ጽቡቕ ምኽሪ መኺሩልናን ገሊጹልናን እናሃለወ፡ ዕጥቅና ኣበላሺና ምዕራፍና ኸነጸልምት እንተ መሪጽና፡ ንዘመን ምሕረትና ንኸስሮ ምህላውና ኣይንዘንግዕ።

ካብዚ ናብ ዝደለኻዮ ናይ ምኻድ ሓደጋን ሳዕቤናቱን ደኣ ብኸመይ ኢና ኸነምልጥ፧ እቲ ዝዓበየን ቀዳማይን መምለጢና ንስሓዩ። ብፍቓዱ ንኣምላኽ ከተኽብር ተፈጢርካን ተጸዊዕካን ከተብቅዕ፡ ነቲ ተልእኾ ገልቢጥካ ብፍቓድካ ንርእስኻ ኸተኽብር እንተ ተዓጢቕካ ግን ቀሊል ኣበሳ ኣይኰነን። ጻማ ናይቶም ርእሶም ዜኽብሩ፡ ዘለኣለማዊ ውርደትዩ። ስለዚ ካብዚ ዘይጽወር ሳዕቤኑ ምእንቲ ኽንድሕን፡ እግዚኣብሔር ምስጢረ-ንስሓ ሰሪዑልና ኣሎ። ንስሓ ማለት ሓጢኣትካ ተኣሚንካ ብደም ክርስቶስ ተሓጺብካ ሕድገት ሓጢኣት ምርካብን ምንጻህን ማለትዩ። ነቲ እንነጽሃሉ ደም ክርስቶስ ድማ ብምስጢረ ቊርባን ስጋኡን ደሙን ብምውሳድ ኢና እንረኽቦ። ብዘይ ስጋኡን ደሙን ዚፍጸም ንስሓ፡ ንዘይለቅቕ ርስሓት ብዘይ ሳምና ብማይ ጥራሕ ከተጽርይ ከም ምፍታን ዚቊጸር ከንቱ ፈተነዩ።

እቲ ኻልኣይ ኣገዳሲ መምለጢና ኸኣ ጸሎትዩ። እቲ ዝኸፍአ ጸላኢና፡ ገዛእ ፍቓድናዩ። ካልእ ኵሉ ዜስሕት ፈተናታት፡ ብደገ ዚመጽእ። ፍቓድና ግን ኣብ ውሽጢ ልብና ዝዓረደ ፈታዊ ዚመስል ሕሱም ጸላኢዩ። ሓደ ስጳኛዊ ጀነራል ንሓንቲ ዝኸበባ ኸተማ ብኸመይ ኪሕዛ ኸም ዝሓሰበ ኺገልጽ ከሎ፡በርባዕተ መሳርዕ (Columns) ብደገ ኸቢበያ ኣለኹ። ሓምሻይ መስርዕ ከኣ ናብ ውሽጣ ኣስሊዀ ኣእትየ ኣለኹ። ቀንዲ ተስፋይ ከኣ በቲ ሓምሻይ መስርዕኢሉ ይበሃል። ፍቓድናውን ንኣና፡ ናብ ልብና ሰሊኹ ዝኣተወ ሓምሻይ መስርዕናዩ። ሰይጣን ከኣ ነዚ መስርዕ ተጠቒሙ ዜበላሽወና ዘሎ። ካብዚ ሕሱም ጸላኢ ዜናግፈና ኸኣ እግዚኣብሔርዩ። ምኽንያቱ ምንጋፍ ናይ እግዚኣብሔር ሉኣላዊ ስልጣን9 ስለዚ ኣብ ቅድሚኡ ኣብ ቅድሚ ዝፋን ጸጋኡ ብገጽና ተደፊእና፡ካብ ፍቓደይ ኣድሕነኒ፡ ባርያ ፍቓደይ ካብ ምዃን ኣናግፈኒ፡ ኣብ ልዕሊ ፍቓደይ ምልኪ ኣጐናጽፈኒ፡ ፍቓደይ ንፍቓድካ ዘግዝኣሉ ዓቕሚ ጸጋ ሃበኒኢልና ኣምሪርና ኽንጽልይ ይግብኣናዩ። ብፍቓዱ ዝተታሕዘን ዝተመልከን ሰብ፡ ናይ ነፍሲ መንሽሮ (ካንሰር) ከም ዝሓዞ ሰብዩ። ስለዚ ብዘየባትኽ ጸሎት ንሕይወትና ንበጀዋ። እግዚኣብሔር ከኣ ንኸምዚ ዝበለ ካብ ከንፈር ጥበራ ንዘይወጸ ቕቡል ጸሎት፡ ብህጹጽ ይምልሶምበር፡ ኪዕገሶን ኬደንጒዮን ኣይመርጽንዩ።

እቲ ሳልሳይ መምለጢ ኸኣ፡ ጽቡቕ ገድሊ እምነት ዚጋደል ብቑዕ ናይ ክርስቶስ ዓቀይታይ ምዃንዩ። ጸላኢ ኣብ ልብኻ ዓሪዱ ኼበላሽወካ ተዓጢቑ ኸም ዘሎ እናፈለጥካ፡ ቀሲንካ ኺንበር ኣይግባእንዩ። ነቲ ጸላኢኻ ተጋዲልካ ኽትስዕሮን ኣብ ትሕቲ እግርኻ ኸተግዝኦን ናይ ግድንዩ። ብረድኤት ኣምላኽን ብጸጋኡን ተደጊፍና ኽንጋደልምበር፡ ዝዀነ ጻዕሪ ዘይገብሩ ልኡማት (passive) ክንከውን ኣይተጸዋዕናን። ስለዚ ኸኣ፡ ጽቡቕ ገድሊ እምነት ተጋደል፡ ነታ እተጸዋዕካላ፡ ኣብ ቅድሚ ብዙሓት ምስክርውን ጽቡቕ ምእማን እተኣመንካ ሕይወት ዘለኣለም ሓዛ።” ተባህለልና10 ኣብ ብዘሎ ሓድሽ ኪዳን ከኣ፡ተጋደሉዚብል ተደጋጋሚ ትእዛዛት ተዋሂቡና11 ስለዚ ኣብ መወዳእታ ናይ ሕይወትና፡ ከም ቅዱስ ጳውሎስ፡ሰናይ ገድሊ ተጋዲለ፡ እቲ ጉያ ወዲአ፡ ነታ እምነት ሓልየምባልና ኸነረጋግጽ እንተ ኽኢልና፡ ኣኽሊል ጽድቂ ኺጽበየና12

ነዚ ኽቡር ትምህርቲ ኣብ ሓጺር ጊዜን ኣብ ሓጺር ጽሑፍን ብምልኣት ክትገልጾ ዚከኣል ኣይኰነን። በቲ ተገሊጹልና ዘሎ መጠን ግና ንሕይወትና ነተኻኽል። ድሕሪ ሞትና፡ ከምቲ ንቕዱስ ዳዊትብዘመኑ ንፍቓድ ኣምላኽ ኣገልጊሉ ዓረፈዝተባህለ፡ ብዛዕባናውን ከምኡ ኸም ዚበሃል ጌርና ንመላለስ 13 ከምቲ ብዘመነ-መሳፍንቲነፍሲ ወከፍ እቲ ቕኑዕ ኰይኑ ዝተራእዮ ይገብር ነበረዝተባህለ፡ ብዛዕባና ኸምኡ ኸይበሃል ደኣ ርእስና ንባልህ14 ፍቓድና ኣዝዩ ሓያል ጠባሪዩ። ንእኡ ብዝፈጸምና መጠን፡ ከም ዝጀገንና (ጀጋኑ ኸም ዝዀንና) ገይሩ ብዝተጋነነ ስምዒት እናጠበረ፡ ከየበላሸወና ንጠንቀቕ። ፍቓድ ርእሱ ዚገብር ኪጠፍእ፡ ፍቓድ ጐይታኡ ዚገብር ግና ንዘለኣለም ኪነብርሞ፡ ብዝተጠበረ ልቢ ተጋጊና፡ ዘይምረጽን ዜጥፍእን ምርጫ ኸይንመርጽ፡ ብፍርሃት እግዚኣብሔር፡ በታ መጀመርታ ጥበብ ርእስና ንምራሕ!!

ብወዲ ዚኣምን ናይ ዘለኣለም ሕይወት ኣላቶ

ጸጋ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።

ዕለት፥ ግንቦት 28, 2013 ግዕዝ (6 ሰነ 2021)  - መበል 39 ሰንበት: ቊ.57/፶፯)

ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባባት

ዲያቆን

ንፍቀ ዲያቆን

ንፍቀ ካህን

ወንጌል

ቅዳሴ

2ቈረ 51-10

1ጴጥ 4፡4-11

ግብ1039-43

ዮሓ 211-14

ዘዲዮስቆሮስ

መዝ 118:24-25

ዛቲ ዕለት እንተ ገብረ እግዚአብሔር ንትፈሣሕ ወንትሐሠይ ባቲ እግዚኦ አድኅንሶ

 

እታ እግዚኣብሄር ዝገበራ መዓልቲ እዚኣ እያ፣ ብእኣ ንተሐጐስን ባህ ይበለናን። እግዚኣብሄር፣ ኣድሕን ኰታ፣ ኣታ እግዚኣብሄር፣ ኣሰልጥን ኰታ። 

1ሉቃ 9፡46,47፣ 22፡24-27 ፥ 2ማቴ 10፡26:3ዮሃ 21፡25 4ማቴ 16፡23 5ማቴ 26፡31-35 6ማቴ 26፡51:aConfused 7ፊሊ 2፡6-8 8ማቴ 26፡39:9መዝ 68፡20 ፥101ጢሞ 6፡12 ፥ 11ሉቃ 13፡24 ፣ ኤፌ 4፡3 ፣1ተሰ 5፡15 ፣ 2ጴጥ 1፡5፥ 122ጢሞ 4፡7,8 ፥             13ግብ 13፡36 ፥ 14መሳ 21፡25 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div