S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

“ክርስቶስ ሓሳረ መከራ ኺጸግብ፡ ብሳልሰይቲ መዓልቲ’ውን ካብ ምዉታት ኪትንስእ፡ ብስሙ ኸኣ ንስሓን ሕድገት ሓጢኣትን ካብ ኢየሩሳሌም ጀሚሩ ኣብ ኵሎም ኣህዛብ ኪስበኽ፡ ጽሑፍ’ዩ።” ሉቃ 24፡46,47

እዚ ናይዚ ዕለት’ዚ ንባብ ቅዱስ ወንጌል፡ ብዛዕባ’ቲ ጐይታና ንዅላቶም ደቀ መዛሙርቱ ብሓንሳእ ተኣኪቦም እናተዘራረቡ ኸለው ኣብ ማእከሎም ብሃንደበት ኣትዩ ትንሳኤኡ ድሕሪ ምርግጋጹ ዝሃቦም መብርህን መምርሕን ዚገልጽ’ዩ። ንኣእምሮኦም ከፊቱ ነቲ ብነብያት ዝተገልጾ ዅሉ ጽሑፋት ከም ዚርድእዎ ድሕሪ ምግባሩ፡ ብስሙ ንስሓን ሕድገት ሓጢኣትን ከም ዚወሃብ ካብ ኢየሩሳሌም ክሳዕ ወሰን ምድሪ ድማ ኺስበኽ ከም ዚግባእ ገለጸሎም። ምስጢረ ንስሓን እቲ ብእኡ ዚርከብ ሕድገት ሓጢኣትን ናይ ድሕነትና መሰረት’ዩ። ጐይታና ኸኣ ነዚ ምእንቲ ኺህበና’ዩ ስጋ ዝለበሰን ብስጋ ሞይቱ ብመንፈስ ህያው ዝዀነን። ስለዚ ሕድገት ሓጢኣት ዜውሕስ ንስሓ ዘየማእከለ ኣገልግሎት ናይ ቤተ ክርስትያን ኵሉ ጊዜ ጐደሎ’ዩ። መሪሕ ጥቕስና ኣመልኪቱና ኸም ዘሎ፡ ንስሓን ሕድገት ሓጢኣትን ኣብ ሓድሽ ኪዳን ዝተኣታተወ ሓድሽ ሓሳብ ዘይኰነስ፡ ብቕዱሳን ነብያት ካብ ብሉይ ኪዳን ኣትሒዙ ዝተገልጸ ብጽሑፍ ናብ ዘመነ-ሓድሽ ዝተሰጋገረ ኣገዳሲ ምስጢር’ዩ። እቲ ኣብ ብሉይ ኪዳን ብደም እንስሳታት ዚግበር ዝነበረ ንስሓ፡ ጽላሎት ናይቲ ኣብ ሓድሽ ኪዳን ብደም ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዚፍጸም ንስሓ ሕድገት ሓጢኣት’ዩ። እቲ ናይ ብሉይ ኪዳን ንስሓን መስዋእትን ጽላሎታዊ ስለ ዝዀነ፡ ንስጋ ጥራሕ ካብ ሓጢኣት የንጽህ ነበረ። እቲ ብደም ክርስቶስ ዚፍጸም ንስሓ ግና ካብ ስጋ ሓሊፉ ንሕልና’ውን ዜንጽህን ዚቕድስን ኰነ1። እምበኣር ከምቲ ቅዱሳን ነብያት ዝበልዎ ጐይታና ባዕሉን ቅዱሳን ሃዋርያቱን ዘረጋገጽዎ ብስም ክርስቶስ’ዩ ዚስበኽን ዚወሃብን። 

ንስሓ ንምንታይ ኣድለየ፧ ንህላወ ንስሓ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዚገብሮ፡ ህላወ ሓጢኣት’ዩ። ሓጢኣት፡ ኣድማሳዊa እዩ። እዚ ማለት ድማ ኣብዛ ዓለም’ዚኣ ዝተፈጥረን ዝተወልደን ዘበለ ዅሉ ሰብ ሓጢኣት ዚፍጽም ሓጥእ ሰብ’ዩ። እዚ ኸኣ ክንውለድ ከለና ኣትሒዙ ዚፍጸም ዜሕዝን ክስተት’ዩ። ቅዱስ ዳዊት፡ ምስናይ ሓጥእ ባህርይና ኸም እንውለድ ኬረጋግጽ ኣብቲ ቕቡል ንስሓኡ፦ 

“እንሆ፡ ብኣበሳ ተወለድኩ፡ እኖይ ከኣ ብሓጢኣት ጠነሰትኒ።” ብምባል ኣረጋጊጹልና ኣሎ2። ብዛዕባ ረሲኣን ኪዛረብ ከሎ ኣብ ዝሃቦ ቓል ድማ፦ “ረሲኣን ካብ ከርሲ ወላዲቶም ጀሚሮም ኣግለሱ፡ ሓሰውቲ ካብ ማህጸን ወላዲቶም ጀሚሮም ተጋገዩ።” ብምባል፡ ሓጥእ ኣዳማዊ ባህርይ፡ ሒዝናዮ እንውለድ ባህርይ እምበር ምስ ዓበና ዚጠብቀና ባህርይ ዘይምዃኑ ብኣጽንዖት ደጋጊሙ ኣረጋግጹልና ኣሎ3። እቲ ብልሓተኛ ሃናጺ ዀይኑ መሰረት ክርስትና ዝሰረተ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፡ ብዛዕባ’ዚ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ተላቢስዎ ዚውለድ ሓጥእ ኣዳማዊ ባህርይ ኣመልኪቱ ዅላትና ኸነስተውዕሎ ዚግብኣና ኣገዳስን ዓሚቚን ምስጢር ብኸምዚ ዚስዕብ ገሊጹልና ኣሎ። 

“እምበኣርሲ እቶም ብዙሓት በቲ ዘይምእዛዝ (ናይቲ) ሓደ ሰብኣይ (ብኣዳም) ሓጥኣን ከም ዝዀኑ፡ ከምኡ ኸኣ ብምእዛዝ’ቲ ሓደ (ክርስቶስ) እቶም ብዙሓት ጻድቃን ኪዀኑ’ዮም’ሞ፡ ከምቲ ብሓንቲ ኣበሳ (ናይ ኣዳም) ናብ ኵሉ ኵነኔ ዝመጸ፡ ከምኡ ድማ ብሓንቲ ግብሪ ጽድቂ (ናይ ክርስቶስ) እቲ ምጽዳቕ ንህይወትና ናብ ኵሉ ሰብ መጸ።” ሮሜ 5፡18,19 

እዚ ሃዋርያዊ ቓል’ዚ፡ መሰረት ናይ ምስጢረ ንስሓን ምስጢረ ጥምቀትን’ዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ፡ ብገዛእ ዘይምእዛዝና ዘይኰነስ፡ ብዘይ ምእዛዝ ናይቲ ሓደ ኣዳም ኵላትና ሓጥኣን ከም ዝዀንና’ዩ ዚነግረና ዘሎ። ሓጥኣን ንኸውን ዘሎና፡ ነቲ ሓጢኣት ናይ ኣቦና ኣዳም ተቐቢልናዮን ወሪስናዮን ንውለድ ስለ ዘሎና’ዩ። እቲ ሓጥእ ባህርይ ናባና ዘይሓልፍ እንተ ዚኸውን፡ እቲ ሳዕቤን ሓጢኣት ዝዀነ ሞትን ካልእ ኵሉ ሳዕቤናትን ኣብ ኣዳም ጥራሕ ተደሪቱ ምተረፈ ነይሩ። ኵነኔ ናብ ኵላትና ዝሓለፈ፡ ብሰሪ’ቲ ዅላትና ዝፈጸምናዮ ድምር ሓጢኣት ዘይኰነስ፡ ብሰሪ’ታ ኣዳም ዝፈጸማ ሓንቲ ኣበሳ እያ። ዋላ ፈጺምካ ዘይሕሰብ’ኳ እንተ ዀነ፡ እቶም ካብ ኣዳም ዝተወለድና ዅላትና ዘርኡ፡ ዝዀነ ትኹን ኣበሳ ኸይፈጸምና ብንጹሃትና እንተ ንነብርን’ኳ፡ ሓጥኣን ካብ ምዃንን ካብ ኵነኔን ኣይምድሓንናን ኔርና። ምኽንያቱ በታ ሓንቲ ናይ ኣዳም ናይ ዘይምእዛዝ ሓጢኣት ኵላትና ሓጥኣን ኴንና ኢና። በታ ሓንቲ ኣበሳ ድማ ንዅላትና ዅነኔ ተበዪኑ’ዩ። ነዛ ሓቂ’ዚኣ ዚኽሕድን ዘይቅበልን ክርስትያን፡ ሃዋርያዊ መሰረቱ ዝለቐቐ ካብ ምህሮ ጐይታ ጐቦ ዝዘበለ ክርስትያን’ዩ። ብልሳኑ’ኳ እንተ ዘይበሎ፡ በቲ እምነቱን ርድኢቱን ንሃዋርያ ጳውሎስን ንነብዪ ዳዊትን ከም መናፍቓን ዚቘጽር ሰብ’ዩ። ብዓብዪ ናይ ክርስትና ብፍላይ ከኣ ናይ ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና ትምህርተ- ድሕነት (ትምህርተ-ድኂን) ኣብዚ ሓቂ’ዚ’ዩ ዚምስረት። ነዛ ኣስተምህሮ’ዚኣ ካብ መሰረተ-እምነትና ኣውጺእናያ ማለት ንቤተ ክርስትያንና ካብ ሃዋርያዊ መሰረታ ለቒቕናያ ኣለና ማለት’ዩ። ደቅና ሓጥእ ኣዳማዊ ባህርይ ሒዞም ዘይውለዱ እንተ ዀይኖም፡ ኣብ ኣርብዓ ይኹን ኣብ ሰማንያ መዓልቶም እነጠምቐሉ ዋላ ምኽንያት የልቦን ማለት’ዩ። ምኽንያቱ ኣብ ውሽጢ ኣርብዓ ይኹን ሰማንያ መዓልቲ ዚፍጽምዎ ዝዀነ ይኹን ሓጢኣት የልቦን። 

ነዚ ሓቂ’ዚ ንምብራህ ክንሓትት ዚግብኣና ኻልእ ሕቶ ኸኣ፡ “ስለምንታይ ኢና ብህይወት ክሳዕ ዘለና፡ ምሉእ ብምሉእ ካብ ሓጢኣት ነጻ ኽንከውን ዘይንኽእል፧” ዚብል’ዩ። ብክርስቶስ ኣሚንና፡ ጸጋ መንፈስ ቅዱስ ተቐቢልና ኣብ ጽቡቕ መንፈሳዊ ህይወት እናሃለና’ውን፡ ሓጢኣት ወርትግ’ዩ ዚቃለስና፡ ብዘይ ፍቓድና’ውን ይጠብቀና’ዩ። ስለዚ ኢና ኸኣ “ሓጢኣት የብልናን” ክንብል ዘይንኽእልን ዘይግብኣናን። ሃዋርያ ዮሃንስ፦ ““ሓጢኣት የብልናን” እንተ በልና፡ ንርእስና ንጥብራ ኣለና፡ እታ ሓቂ’ውን ኣባና የላን። “ሓጢኣት ኣይገበርናን” እንተ በልና፡ (ንኣምላኽ) ሓሳዊ ንገብሮ፡ ቃሉ’ውን ኣባና የሎን።” ብምባል ጽሒፉልና ኣሎ4። ከምኡ ብምባልናስ፡ ሕራይ ንሕና ሓሰውቲ ንኹን፡ ንኣምላኽከ ደኣ ብኸመይ ኢና ሓሳዊ እንገብሮ፧ ነቲ ብነብያቱን ብሃዋርያቱን ዝተዛረቦ ቓሉ ብምጽራር’ዩ። ሓጢኣት ንምግባር እንድረኽ፡ በቲ ኣብ ኣካላትና ዚገዝእ ሕጊ ሓጢኣትን ሞትን ተደፊእና ኢና። ነዚ ሕጊ ሓጢኣት’ዚ ኢና ኸኣ፡ “ሓጥእ ኣዳማዊ ባህርይ” ኢልና እንሰምዮ። ሃዋርያ ጳውሎስ፡ ብዛዕባ’ዚ ኣብ ስጋና (ኣብ ኣካላትና) ዚገዝእ ሕጊ ሓጢኣት ከምዚ ዚስዕብ ኢሉና ኣሎ። “ነቲ ዝጸልኦ እገብሮ ኣለኹ’ምበር፡ ነቲ ዝደልዮ ኣይኰንኩን ዝገበሮ ዘለኹ’ሞ፡ ነቲ ዝገብሮ ኣይፈልጦን’የ፡ ሕጊ (ኣምላኽ) መንፈሳዊ ምዃኑ ንፈልጥ’ና፡ ኣነ ግና ትሕቲ ሓጢኣት እተሸጥኩ ስጋዊ’የ። ነቲ ኣነ ዝደልዮ ኻብ ዘይገብሮ ግና፡ እቲ ሕጊ (ናይ ኣምላኽ) ሰናይ ምዃኑ እሰምር ኣለኹ። ስለዚ እቲ ኣባይ ሓዲሩ ዘሎ (ሕጊ) ሓጢኣት’ዩ’ምበር፡ ኣነ ኣይኰንኩን ዝገብሮ ዘለኹ፡ ፍቓድሲ ኣሎኒ፡ ምግባር’ቲ ሰናይ ግን ስኢነዮ ኣለኹ’ሞ፡ ነቲ ዘይደልዮ እከይ እገብሮ ኣለኹ’ምበር፡ ነቲ ዝደልዮ ሰናይ ኣይኰንኩን ዝገብር ዘለኹ፡ ኣባይ ማለት ኣብ ስጋይ፡ ሰናይ ከም ዘየልቦ እፈልጥ ኣለኹ። ነቲ ኣነ ዝደልዮ ኻብ ዘይገብሮ ግና፡ ድሕሪ ሕጅስ፡ እቲ ኣባይ ሓዲሩ ዘሎ (ሕጊ) ሓጢኣት’ዩ’ምበር፡ ኣነ ኣይኰንኩን ዝገብሮ ዘለኹ። እምበኣርሲ፡ ኣነ ሰናይ ክገብር ዝደልይ (ክነሰይ)፡ እቲ እከይ (ኪጠብቀኒ)፡ ሕጊ ዀይኑ ረኸብክዎ። ብናይ ውሽጢ ሰበይሲ፡ በቲ ሕጊ ኣምላኽ ባህ ይብለኒ’ዩ፡ ግናኸ ኣብ ኣካላተይ ምስ ሕጊ መንፈሰይ ዚዋጋእ፡ ናብቲ ኣብ ኣካላተይ ዘሎ ሕጊ ሓጢኣት ኣቢሉ’ውን ዚማርኸኒ፡ ካልእ ሕጊ እርእይ ኣለኹ። ይዋእ ኣነ ምግዱር ሰብ፡ ካብዚ ናይ ሞት ስጋስ መን ኰን ኬድሕነኒ’ዩ፧!” ሮሜ 7፡14-24

እዚ ሃዋርያዊ ቓል’ዚ፡ ኣብዛ ምድሪ’ዚኣ ብሕይወተ-ስጋ ኽሳዕ ዘሎና፡ ንምንታይ ካብ ሓጢኣት ምሉእ ብምሉእ ሓራ ኸም ዘይንኸውን ብስእላዊ መገዲ ዜርእየና’ዩ። ኣብቲ ሒዝናዮ እንውለድ ስጋና (ኣካላትና)፡ ዝተጻሕፈ ወይ ዝተተኽለ ሕጊ ሓጢኣት ኣሎ። በቲ ናይ ውሽጢ ሰብና (ብመንፈስና ወይ ብሕልናና) ተደሪኽና፡ ሰናይ ነገር ክንገብር ክንደልይ ከለና፡ በቲ ለቢስናዮ ዘለና ስጋ’ምበር፡ ብኻልእ ክንገብሮ ኣይንኽእልን ኢና። ኣብቲ ስጋና ግን ድሮ ዝተጻሕፈ ሕጊ ሓጢኣት ስለ ዘሎ፡ ነቲ ሰናይ ክንገብር ዚእዝዘና ሕጊ-መንፈስና ይዋግኦ’ምበር ኣይእዘዞን’ዩ። ስለዚ ኸኣ ኢና፡ ሰናይ ምግባር ዓቐበት፡ እከይ ምግባር ግን ዝቐለለን ግዴታን ዚዀነን። እዚ ሕጊ ሓጢኣት’ዚ ካባና ተነቒሉ “ምድሓና ስጋና” እንረክብ ከኣ ድሕሪ ሞትና ኣብ ምጽኣቱ፡ ነቲ ሓጢኣት ፈጺሙ ዘይገብር ክቡር ስጋኡ ምእንቲ ኺመስል ነዚ ናይ ውርደት ስጋና ምስ ለወጦ’ዩ5። እዚ ሕሱም ሕጊ ሓጢኣት (ሓጥእ ኣዳማዊ ባህርይ) ብሞትን ብምጽኣትን ክሳዕ ዚሓድገና ክሳዕ ሽዑ ደኣ እንታይ ኢና እንዀኖ፧ ክብሪ ነቲ ቕዱስ ስሙ ይኹን፡ እግዚኣብሔር ነቲ ብግዲ ዚጠብቀና ሓጢኣት እነርሕቐሉ ምስጢረ- ንስሓ ሰሪዑልና ኣሎ። ናይ ምስጢረ-ንስሓ መሰረት ድማ ሞትን ትንሳኤን ናይ ክርስቶስ ጐይታና’ዩ። 

ምስጢረ-ንስሓ በዅርን መሪሕን ኵሉ ኣገልግሎትና ስለ ዝዀነ፡ ቅዱስ ዮሃንስ መጥምቕ፡ “መንግስተ ሰማያት ቀሪባ’ላ’ሞ ተነስሑ” ኢሉ ኣገልግሎቱ ጀመረ6። ጐይታና ኣገልግሎቱ ኺጅምር ከሎ’ውን፡ “መንግስተ ሰማያት ቀሪባ’’ሞ፡ ተነስሑ።” ኢሉ ጀመረ7። ቅዱሳን ሃዋርያት’ውን ከምታ ናይ ጐይታኦም፡ ኣገልግሎቶም ንስሓ ብምስባኽ ጀመሩ8። ኣብቲ ጰራቅሊጦስ (በዓል ሓምሳ) መዓልቲ ኣስታት ሰለስተ ሽሕ ናብ እምነት በቒዖም፡ “እንታይ ንግበር” ምስ በሉ፡ ሃዋርያ ቅዱስ ጴጥሮስ፦ “. . . ተነስሑ ነፍሲ ወከፍኩም ከኣ ብስም ኢየሱስ ክርስቶስ ንሕድገት ሓጢኣት ይጠመቕ።” በሎም9። ብምኽንያት ምፍዋስ ሓደ መጻጒዕ ሰብኣይ ናባታቶም ንዝተኣከበ ብዙሕ ህዝቢ ድማ፦ 

“እምበኣርስኸ ሓጢኣትኩም ምእንቲ ኺድምስሰልኩም፡ ካብ ገጽ እግዚኣብሔር ከኣ ዘመን ዕረፍቲ ምእንቲ ኺመጸልኩም፡ ነቲ ቕድም ንኣኻትኩም እተሓርየ ክርስቶስ ምእንቲ ኺስድደልኩምሲ፡ ተነስሑን ተመለሱን።” ኢሉ ንስሓ ሰበኾም10። ጐይታና ምእንታና ዝሞተን ዝተንስአን። ዓሪጉ ናብ የማን ኣቦ ልዕል ዝበለን ንኣና ንስሓን ሕድገት ሓጢኣትን ምእንቲ ኺህብ ምዃኑ ዅላቶም ሃዋርያት ኣብ ቅድሚ ዋዕላ ኣይሁድ ተኣመኑ። “ነቲ ንስኻትኩም ኣብ ዕንጸይቲ ሰቒልኩም ዝቐተልኩምዎ ኢየሱስ፡ ኣምላኽ ኣቦታትና ኣተንስኦ። ንእስራኤል ንስሓን ሕድገት ሓጢኣትን ምእንቲ ኺህብሲ ኣምላኽ ንእኡ ራእስን መድሓንን ገይሩ ናብ የማኑ ልዕሊ ኣበሎ።” ግብ 5፡30,31 

ነቲ ኣብ ኣርእስትናን መሪሕ ጥቕስናን ተገሊጹ ዘሎ ሓቂ ኸኣ፡ ኣብ ቤት ሓለቓ ሚእቲ ቆርነኔዎስ ሃዋርያ ጴጥሮስ፦ “ኣምላኽ’ውን ንህያዋንን ምዉታትን ፈራዲ ኪኸውን ዝመደቦ፡ ንሱ (ኢየሱስ) ምዃኑ ንህዝቢ ኽንሰብኽን ክንምስክርን ኣዘዘና። ብእኡ ዚኣምን ዘበለ፡ ብስሙ ሕድገት ሓጢኣት ከም ዚረክብ፡ ኵላቶም ነብያት ይምስክሩሉ ኣለዉ።” ብምባል ኣብሪህዎ ይርከብ11። ንሰብ ኣንጾክያ’ውን፦ “እምበኣርሲ ኣቱም ኣሕዋትና፡ ብእኡ ሕድገት ሓጢኣት ይንገረልኩም ከም ዘሎ፡ ካብቲ ብሕጊ-ሙሴ ኽትጸድቊሉ ዘይከኣለኩም ኵሉ ነገር፡ ነፍሲ ወከፍ ኣማኒ ብእኡ ኸም ዚጸድቕሲ፡ ኣባኻትኩም ፍሉጥ ይኹን።” ብምባል በቲ ብክርስቶስ ኢየሱስ ዚርከብ ሕድገት ሓጢኣት ጥራሕ ከም እንጸድቕ ኣረጋገጸሎም12። ሕድገት ሓጢኣት ዚርከብ ከኣ ብንስሓ’ዩ። ስለዚ ንስሓ፡ ብኣምላኽ እተሰርዓልና እንጸድቀሉ ምስጢር’ዩ። ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፡ ናይ ኣገልግሎት ተልእኾኡ እንታይ ምዃኑ፡ ኣብ ከባቢ ደማስቆ ብልሳን ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተነግሮ ሃዋርያ እዩ። ነቲ ጐይታ ዝኣዘዞን፡ ነቲ ንሱ ባዕሉ ዝፈጸሞ ተልእኾን፡ ንስሓን ሕድገት ሓጢኣትን ዝሕመረቱ ተልእኾ ምዃኑ፡ ኣብ ቅድሚ’ቶም ኺፈርድዎ ዝተጋብኡ ንጉስ ኣግሪጳን ራእሲ ፌስጦስን ከምዚ ዚስዕብ ኢሉ ገለጾ። 

“ጐይታ ኸኣ በለኒ፡ “ኣነ እቲ ንስኻ እትሰጒጎ ዘለኻ ኢየሱስ’የ፡ . . . ንኣይ ብምእማን ከኣ ሕድገት ሓጢኣትን ርስቲ ምስ ቅዱሳንን ኪረኽቡ፡ ካብ ጸልማት ናብ ብርሃን፡ ካብ ስልጣን ሰይጣን’ውን ናብ ኣምላኽ ኪምለሱ፡ ኣዒንቶም ክትከፍተሎም እልእከካ ኣለኹ።” ዎ፡ ንጉስ ኣግሪጳ፡ ምእንት’ዚ ንንስሓ ዚግባእ ግብሪ እናገበሩ ኺንስሑን ናብ ኣምላኽ ኪምለሱን፡ ቅድም ኣብ ደማስቆን ኣብ ኢየሩሳሌምን ደሓር ከኣ ኣብ ኵላ ሃገር ይሁዳ ንዚነብሩን ነህዛብን ብስራት ኣበሰርኩ’ምበር፡ ነቲ ሰማያዊ ራእይ ኣይኣቤኽዎን።” ግብ 26፡15-20 ሃዋርያ ጳውሎስ በዚ ተኣምኖኡ’ዚ ገሊጽዎ ዘሎ ምስጢራት ዓብይን ኣገዳስን’ዩ። ቀዳማይ ነጥቢ፡ እቲ “ንኣይ ብምእማን” ዚብል ቃል’ዩ። ኣብ እምነት ንዘየለ ሰብ፡ ሕድገት ሓጢኣት ኣይምልከቶን ኣይወሃቦን ከኣ’ዩ። ኣብቲ መሰረተ-እምነት ናይ ቅድስቲ ቤተ ክርስትያና፡ ብዛዕባ እምነት ኣብ ድሕነትና ዘለዋ ተራ ብሰፊሑ ተገሊጹ ኣሎ። እምነት፡ ብሕድገት ሓጢኣት ገይራ ኣብ ርስቲ ቕዱሳን ከም ንሳተፍ ትገብረና። ኣብ እምነት ክርስትና ዘይነበረ ሰብ፡ ብክርስቶስ ምስ ኣመነ ይንሳሕ፡ ይጥመቕ፡ ብመንፈስ ቅድስ ምስ ተቐብአ ድማ ውሉድ ኣምላኽ ብምዃን ካብ ርስቲ ቕዱሳን ናይ ምክፋል መሰል ይረክብ። እቲ ድሮ ኣብ እምነት ዘሎን ድሮ ዝተጠምቐን ክርስትያን ድማ፡ ነቲ ዚጠብቆ ሓጢኣት ብንስሓ እናጽረየን ሕድገት ሓጢኣት እናረኸበን ንውልድነቱ ምስናይ ኵሉ መሰላቱ ዓቂቡ ይነብር። ስለዚ እምነትና’ያ ንንስሓ ድሉዋትን ብቑዓትን እትገብረና። እቶም ንስሓ ዘይኣትውን ዘየዘውትሩን ሰባት፡ ብዛዕባ ህላወ እምነቶም ኪጠራጠሩ’ዩ ዚግባእ። ሓጢኣት ከም ዚገብር፡ ዓስቢ ሓጢኣት ከኣ ዘለኣለማዊ ሞት ምዃኑ ዚፈልጥ ክርስትያን፡ ንንስሓ እንተ ዘይተጊሁ፡ ካብ ኣብ ብርሃን ኣብ ጸልማት ምንባር፡ ካብ ኣብ ሕይወት ኣብ ሞት ምንባር፡ ካብ ትሕቲ ስልጣን ኣምላኽ ኣብ ትሕቲ ስልጣን ሰይጣን ኪነብር መሪጹን ወሲኑን፡ ካብ እምነት ዘቢሉን ኣሎ ማለት’ዩ። ብሓጺሩ፡ “ኣብ ንስሓ ዘየለ ኣብ እምነት የለን” ኢልና ደምዲምና ኣሎና ማለት’ዩ። ሓደ እዋን ሓያሎ ሰባት ናብ ጐይታና መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ መጺኦም፡ ብዛዕባ’ቶም ጲላጦስ ኣብ ልዕሊ መስዋእቶም ዝሓረዶም ገሊላውያን ኣዕለልዎ። ገሊላዊ ስለ ዝዀነስ፡ “የገድሶ’ዩ” ኢሎም ሓሲቦም ይዀኑ። ጐይታ ግና ብዛዕባ ኻልኦት ምሕሳብ ሓዲጎም፡ ብዛዕባ ሕይወቶም ኪሓስቡ ስለ ዝደለየ፦ 

“. . . እንተ ዘይተነሳሕኩምሲ፡ ኵላትኩም ድማ ከምኡ ኽትጠፍኡ ኢኹም።ብምባል ሳዕቤን ዘይምንሳሕ ገለጸሎም13። ኣስዕብ ኣቢሉ ኸኣ፡ ብዛዕባ’ታ ፍረ ዘይትፈርይ ኦም በለስ ምስላ ነገሮም። በዚ መልእኽቱ’ዚ ኸኣ፡ ንስሓ ዘይትፈርይ እምነት መወዳእታኣ ምቑራጽ (ምጥፋእ) ምዃኑ ድማ ኣረጋገጸሎም14። 

እቲ ኻልኣይ ኣገዳሲ መልእኽቲ ድማ። እቲ ብክርስቶስ ብምእማንን ብዛዕባ ሓጢኣቱ ብምንሳሕን ሕድገት ሓጢኣት ዘይደልይ ሰብ፡ ኣዒንቱ ዝተደፍና ብመንፈሳዊ ዑረት ዝተጠቕዐ ሰብ ምዃኑ’ዩ። ወዲ ሰብ ሓጢኣት ብዘይምግባሩ ዘይኰነስ ብሕድገት ሓጢኣት’ዩ ዚጸድቕ። ስለዚ ኸኣ ኢና፡ “ሓጢኣት የብልናን” እንተ በልና ንርእስናን ንኣምላኽን ሓሰውቲ እንገብር። ሰብ ሓጢኣት ብዘይ ምግባር ብግብሩ ጥራሕ ዚጸድቕ እንተ ዚኸውን፡ ክርስቶስ ምእንታና እዚ ዅሉ ኣሰቃቒ መከራ ኪቕበልን ኪመውትን ኣይመድለየን ነይሩ። ወዲ ሰብ ብግብሩ ኺጸድቕ ከም ዘይክእል፡ ኣዝዩ ጽኑዕ ሃዋርያዊ ሰረተ-እምነት’ዩ15። እግዚኣብሔር፡ ሰብ ብግብሩ ኺጸድቕ ከም ዘይክእል ስለ ዝፈለጠ ኸኣ’ዩ፡ ብሕድገት ሓጢኣት ኬጽድቆ ዝወሰነ። ሕድገት ሓጢኣት፡ ብዘይ ምፍሳስ ደም ስለ ዘይርከብ ከኣ ክቡር ደም ክርስቶስ ኪፈስስ ኣድለየ16። ምድሓን ወይ ምጽዳቕ ማለት እምበኣር፡ ሕድገት ሓጢኣት ምርካብ ማለት’ዩ17። ነዚ ሓቂ’ዚ ዘይፈለጠን ብእኡ በዚ ሓቂ’ዚ ዘይኣምንን ሰብ መንፈሳዊ ኣዒንቲ ዘይተኸፍታ ዕዉር ሰብ’ዩ። 

ሳልሳይን ኣገዳስን ሓቂ ኸኣ፡ ንስሓ ፍረ ዝመልኣ ምስጢር ምዃና’ዩ። እዚ “ንንስሓ ዚግባእ ግብሪ እናገበርካ ምንሳሕ” ዚብል ሓሳብ፡ ዮሃንስ መጥምቕ’ውን “እምበኣርከ ንንስሓ ዚበቅዕ ፍረ ግበሩ” ብምባል ገሊጽዎ ኣሎ18። ንንስሓ ዚበቅዕ ግብሪ እናገበረ ዘይንሳሕ ሰብ፡ ልክዕ ከምቲ ጐይታ ዝበሎ፡ ጽቡቕ ፍረ ኸም ዘይትፈርይ ኦም ኰይኑ ይቚረጽ ምዃኑ ዮሃንስ መጥምቕ’ውን ደጊምዎ’ሎ19። ክርስቶስ፡ ካብቲ ኸይፈተና ዚጠብቀና ሓጢኣት ኬጽርየና’ዩ ዝሞተልናን ንስሓ ዝሰርዓልናን’ምበር፡ ነቲ ፈቲናን ረዲናን ዝኣተናዮ ሓጢኣት ኣይኰነን20። ኣብ ብሉይ ኪዳን’ውን እንተ ዀነ፡ እቲ ዅሉ ስርዓተ መስዋእቲ፡ ነቲ ብዘይ ፍላጥ ብዘይ ምስትውዓል ዝተገብረ ሓጢኣት’ምበር፡ ነቲ ዀነ ኢልካ፡ ብኣፍልጦ፡ ብልዕልቲ ኢድ ዝተፈጸመ ሓጢኣት ኣይኰነን። ነቲ ብልዕልቲ ኢድ ኰነ ኢሉ ዚገብር’ሞ፡ ብመስዋእቲ ኺዕረቕ ዘይኰነስ ብዳርባ እምኒ ኪቕተል’ዩ ተወሲኑሉ21። ንስሓ፡ ከም ድላይና ኽንሓጥእ ዝተሰርዓልና መጐልበቢ ኽፍኣትና ኣይኰነን። “ደሓን ክንስሓሉ’የ” እናበልና እንተ ሓጣእና፡ ብደም ክርስቶስ ነላግጽ ከም ዘለና ኣስተውዒልና፡ ንንስሓ ዚግባእን ዚበቅዕን ግብሪ እናገበርና ኽንንሳሕ ይግባእ። ሓቀኛ ንስሓ ምንሳሕና ዚፍለጥ ብዋሕዚ ንብዓትና ዘይኰነ ብዓይነት ግብርና’ዩ። እቲ ዝሰረቐ እናለገሰ፡ እቲ ዝሓሰወ ሓቂ እናዘውተረ፡ እቲ ዝረገመ እናመረቐ፡ እቲ ዝጸልአ እናፍቀረ እንተ ተነስሐ፡ ሽዑ ንንስሓ ዚግባእ ግብሪ ብምግባሩ ሕድገት ሓጢኣት፡ ስለዚ ኸኣ ምድሓን ይረኽብ። 

እምበኣር እንተ ብሓሳብ፡ እንተ ብቓል፡ እንተ ብግብሪ መዓልታዊ ኸይሓጣእና ስለ ዘይንውዕል፡ ንስሓና’ውን መዓልታዊ ኪኸውን ይግባእ’ዩ’ሞ፡ ነዚ ቐዳሲ ምስጢር’ዚ እናፈጸምና ንነብር ከም ዘለና ነረጋግጽ። ከምቲ፡ “ርኽሰቱ ዘይተሓጽበስ፡ “ኣነ ንጹህ’የ” ዚብል ወለዶ ኣሎ፡” ዝተባህለሉ ደረቐኛን ቄናንን ወለዶ ኻብ ምዃን ርእስና ነድሕን22ነዚ ንምቕዳስናን ንምድሓንናን ዝተሰርዓልና ምስጢር፡ ሰኣን ምዝውታርናን ብዘይ ኣገባብ ብምዝውታርናን ኣብ ልዕሊ’ቲ ኽቡር ደም ክርስቶስ ኻብ ምሕጣእ ኣዚና ንጠንቀቕ!!

ጸጋ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።

 

ናይታ መዓልቲ ምስባክ

ንባባት ቅዳሴ

መዝ 68:32-34

ነገሥተ ምድር ሰብሕዎ ለእግዚአብሔር ወዘምሩ ለአምላክነ ፤ ዘምሩ ለእግዚአብሔር ዘዐርገ ውስተ ሰማይ።

አቱም መንግስትታት ምድሪ፣ ነቲ ኣብ ልዕሊ ናይ ጥንቲ ሰማየ ሰማያት ዚኸይድ ኣምላኽ ዘምሩ፣ ንእግዚኣብሄር ዘምሩሉ።

ንባብ

ኣንባቢ

ሮሜ 10፡1-13

ዲያ

1ጴጥ 2፡20-ፍጻ

ንፍቅ ዲያ

ግብ 1፡6-11

ንፍቅ ካህን

ቅዳሴ፦ ዘዲዮስቆሮስ።

ወንጌል ዮሓ 14፡1-12

ሰራዒ ካህን

1እብ 9፡13,14፣ 10፡1-3 ፥ a universal  2መዝ 51፡5 3መዝ 58፡3:41ዮሃ 1፡8,10: 5ፊሊ 3፡21፣ ሮሜ 8፡23 6ማቴ 3፡1,2 7ማቴ 4፡17፣ ማር 1፡14,15 8ማቴ 10፡5-7፣ ማር 6፡7,12 ሉቃ 10፡9 9ግብ 2፡38,39 10ግብ 3፡19,20: 11ግብ 10፡42,43፥ 12ግብ 13፡38,39:13ሉቃ 13፡1-5፥ 14ሉቃ 13፡6-9፥ 15ግሃ 13፡38,39 ፣ ሮሜ 3፡10,28 ፣ገላ 2፡16 ፣ 3፡11 16እብ 9፡22፥ 17ኤፌ 1፡7፣  ቈሎ 1፡14 18ማቴ 3፡8 ፥ 19ማቴ 3፡10-12 20እብ 6፡4-8፣ 10፡ 26-31  21ዘሌ 4፡2,22,27፣ 5፡2,3,4,15,17፣ ዘሁ 15፡27-31 ፥  22ምሳ 30፡12

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div