S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ኣቱም ጕዱላት እምነት [መበል 45 ሰንበት:ቊ.71/፸፩ ]

“ደቀ መዛሙርቱ ቐሪቦም፡ ‘ጐይታይ፡ ጠፋእና፡ ኣድሕነና’፡ እናበሉ ኣተንስእዎ። ንሱ ኸኣ፡ ‘ኣቱም ጕዱላት እምነት! ከመይከ እትፈርሁ፧’ በሎም። ሽዑ ተንሲኡ ንንፋስን ንባሕርን ገንሖም። ዓብዪ ህድኣት ከኣ ዀነ።” ማቴ 8፡26።

 ናይ ዕለት ንባብ ቅዱስ ወንጌል ኣመልኪቱና ዘሎ ታሪክ ናይ ጐይታን ደቀመዛምርቱን፡ ብዛዕባ ማዕበልን ሳዕቤናቱን ዜስተምህረናዩ። እዚ ታሪኽ ብዛዕባ ናይ ማያት ማዕበል ጥራሕ ዘይኰነ፡ ብዛዕባ ናይ ልቢ ማዕበልውን ዚትርኸልና። ንማያት ባሕሪ ንፋሳት ኪገላብጥዎ ኸለዉ፡ ንልቢ ወዲ ሰብ ድማ ፍርሃትን ዘይምእማንን ዚገላብጦ። ናይ ታሪኽ ኣገዳስነት ኣዝዩ ዝጐልሕ ድማ፡ ካብ ኣብቲ ማዕበል ማያት፡ ብዝያዳ ኣብቲ ማዕበል ልቢ ምስ እነተኵርዩ። ነቲ ንማይ ዚምልከት ኣቕሊብናሉ፡ ነቲ ናይ ልቢ እንተ ዘንጋዕናዮ፡ ረብሓና መሳጢ ዛንታ ምስትምቓር ኰይኑ ጥራሕ ዚተርፍ። በቲ ማዕበል ማያት ኣቢልና ናብቲ ማዕበላት ልቢ እንተ ተሳገርና ግና፡ ኣገዳሲ ናይ ሕይወት ትምህርቲ ኽንሰንቕ ኢና። ክልቲኡ ማዕበላት ኣብ ሓደ ጊዜ ስለ ዘጋጠመ፡ እቲ ሓደ በቲ ኻልእ ማዕበል ኪወሓጥ ወይ ኪዕብለል ይኽእልዩ። ነቲ ቕኑዕ ኣቓልቦን ምስትውዓልን ምእንቲ ክንረኽቦ፡ ነቲ ጐይታ ዝተገደሰሉ ማዕበል ኢና ብዝያዳ ኸነቕልበሉ ዚግብኣና። ከመይሲ፡ ናብ ዓዲ ዜእትወና መራሒና ንሱዩ። ናብኡ ምእንቲ ኺመርሓና ኸኣዩ፡ ደቀ መዛሙርቱ ብዛዕባ ማዕበል ማያት እናለመንዎ፡ ንሱ ግና፡ ብዛዕባ ዜናውጾም ዘሎ ማዕበላት ልቢ ኺዛረቦምን ኪግስጾምን ዝመረጸ። ኣሚኖም ዝሰዓብዎ ደቀ መዛሙርቱ ኽነሶም፡ ብሰሪ ንልቦም ዘናወጸ ማዕበል-ፍርሃት፡ኣቱም ጕዱላት እምነትዚብል ነቐፌታዊ ቕጽል ኪቕበሉ ገይርዎምዩ። ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፦ብትዕግስትን ብምጽናዕ ጽሑፋትን ተስፋ ምእንቲ ኪዀነልና፡ እቲ ቐደም እተጻሕፈ ዘበለ ንምህሮና እተጻሕፈ።

እዚ ዅሉ መለበሚ ኪኸውን ዝበጽሖም፡ ንኣና እቲ መወዳእታ ዘመናት ንዘርከበናውን ንተግሳጽ ኪዀነና እተጻሕፈ።ከም ዝበለና፡ ካብዚ ናይ ዕለት ንባብናውን ተግሳጽን ምህሮን ክንቀስም ይግብኣና1 ብእምነት ጐደሎታት ኴንና ምእንቲ ኸይንርከብ፡ ናይቶም ዜፍቅሮም ደቀ መዛሙርቱ ናይ ምጕዳል እምነት ድኻም ብጽሑፍ ተረኸልና። ካብ ተማሂርና እምነት እንተ ዘይመላእና፡ ንሓጢኣትና ምኽንያት ኣይኪህልወናንዩ። ስለዚ ድማ ጐይታና ባዕሉ፡ኣነ መጺአ እንተ ዘይነግሮም፡ ሓጢኣት ኣይምዀኖምን ነይሩ። ሕጂ ግና ንሓጢኣቶም ምኽንያት የብሎምን።

ዝበለና2 ናይዞም ቅዱሳን ሃዋርያቱ ዘይምእማን ብኸመይ ዝተገልጸ፧ ኵሉ ጊዜ፡ ነቲ ናይ ውሽጥና መንፈሳዊ ሃለዋት ዚገልጽዎ፡ እቶም ኣብ ናይ ሕይወት ጉዕዞና ዜጋጥሙና ዝተፈላለዩ ዓይነት ኵነታትዮም። ሃዋኺ ንፋስ እንተ ዘይመጺኡ፡ ቀላያትን ባሕርታትን ውቅያኖሳትን፡ ንኽትርእዮም ኣዝዮም መሰጥቲ፡ ዘሊልካ ኣብ ውሽጦም ክትኣቱን እናሓምበስካ ኽትጻወትን ዚዕድሙን ዜወናውኑንዮም። ይኽበድ ይቕለል ብዘየገድስ ግዳ፡ ነቲ ማይ ዚኽብክብን ዜላኽዕን ንፋስ ምስ ዚቕልቀል ግና፡ ኵነታት ናይቲ ማይ ይልወጥ። ይዝረግ ሕምትኽትኽ ይብል። ርስሓቱ ንላዕሊ ስለ ዝወጸ ክፉእ ሽታ ይገብር። ልዕሊ ዅሉ ኸኣ ነቲ ፈትይዎን ኣሚንዎን ኣብ ልዕሊኡ ዜንሳፍፍን ዚሕምብስን ኵሉ ድማ ኪውሕጥ ይህንደድ። ነቲ ተፈታዊ ማያት ናብ ከምዚ ዝበለ ደረጃ ዜውርዶ ዘሎ፡ እቲ ንኺህውኾ ዝመጸ ንፋሳትዩ። ናይ ልብና ማዕበላት ፍርሃትን ቍጥዓን ወዘተን ድማ ከም ንፋስ ብዚህውኹና ኣብ ማሕበራውን መንፈሳውን ሕይወትና ብዚኽሰቱ ዅነታትዮም ዚለዓሉ። ዓይነቶምን ብዝሖምን ዘርዚርካ ኺውዳእ ዜጸግም እንተ ዀነ፡ ገለ ሒደት ምጥቃስ ግን ጠቓምን ዚከኣልንዩ።

1. ናይ ሕይወት ሓደጋ ዜስዕቡ ዅነታት፦ ውግእ፡ ፌራ (ተላጋቢ ሕማም) ደርቂ፡ ቀታሊ ወይ ኣሳቓዪ ውልቃዊ ሕማም፡ ቍጠባዊ ቅልውላው፡ ማእሰርቲ፡ ስደትን መከራን (ብምኽንያት እምነት ወይ ብኻልእ) ስእነት ስራሕ፡ ሓደጋታት (ኣካላዊ) ወዘተ

2. ኣብ ልዕሌና በደል ዜውርዱ ዅነታት፦ ጸርፊ፡ ባእሲ፡ ዕግርግር፡ ፍትሕ፡ ጽልኢ፡ ቂምታ፡ ተነጽሎ፡ ወዘተ

3. ካልኦት ኵነታት፦ መዋስብቲ ዘይምርካብ፡ ውሉድ ዘይምርካብ ወዘተ

እዞም ከም ኣብነት ተጠቒሶም ዘለዉ ሒደት ኣብነታት ኣብ ማሕበራውን መንፈሳውን ሕይወት ዜስዕብዎ ማዕበላዊ ነውጺ እንታይ ከም ዚመስል ጽቡቕ ጌርና ንፈልጦ ኢና። እዞም ኵነታትዚኣቶምዮም፡ እሙናት ዲና ዘይእሙናት፡ ኣመንቲ ዲና ዘይኣመንቲ ጽቡቕ ጌሮም ዚቐልዑና። ቃል እግዚኣብሔር ኣነጺሩ ኸም ዚገልጸልና፡ ኣብ ሕይወትና ዝዀነ ይኹን ኵነታት፡ ብዘይ ፍቓድ ኣምላኽ ፈጺሙ ኣይክሰትንዩ። ይትረፍ እዞም ዝዘርዘርናዮም ከበድትን መረርትን ኵነታት፡ ካብዚ ብሚልዮናት ዚቝጸር ጸጕሪ ርእስና፡ ሓንቲአን ብዘይ ፍቓድ ኣምላኽ ከም ዘይትወድቕ ኣረጋጊጹልናዩ።

ነቲ ንነፍስን ስጋን ኣብ ገሃነም ኬጥፍእ ዚከኣሎ ደኣ ኣዚኹም ፍርህዎምበር፡ ነቶም ንስጋ ዚቐትሉ፡ ንነፍሲ ግና ምቕታላ ዘይከኣሎም (ሰባትን ኵነታትን) ኣይትፍርህዎም። ክልተ ዑፍዶ ብኣሳርዮን (ብሓንቲ ሳንቲም) ዚሽየጣ ኣይኰናን፧ ሓንቲ ኻባታተን ብዘይ ፍቓድ ኣቦኹም ኣብ ምድሪ ኣይትወድቕንያ። ጸጕሪ ርእስኹም ኵለን ቝጹራትየን። እምበኣርስኸ ንስኻትኩም ካብ ብዙሓት ኣዕዋፍ ትበልጹ ኢኹምሞ፡ ኣይትፍርሁ።ማቴ 1028-31

ወለድን ኣሕዋትን ኣዝማድን ኣዕሩኽን ኣሕሊፎም ኪህብኹም፡ ካባኻትኩምውን ንሓያሎ ኪቐትሉዮም። ስለ ስመይ ከኣ ኵሉ ኺጸልኣኩምዩ። ግናኸ ካብ ርእስኹም ሓንቲ ጸጕሪ ኣይክትጠፍእንያ።ሉቃ 2116-18

እቲ ሃዋርያት ዘናወጸ ማዕበላትውን፡ ብፍቓድ ናይቲ ምሳታቶም ኣብ ጃልባኦም ደቂሱ ዝነበረ ጐይታምበር፡ ብርእሱ ወይ ብኻልእ ኣካል ከቶ ኣይመጸን። እዚ ፈታኒ ዅነታት ኸኣ፡ መንፈሳዊ ሃለዋቶምን ሚዛን እምነቶምን ምእንቲ ኺፈልጡ ዝተሰርዓሎምዩ። ኵሉ ኣብ ሕይወት ዜጋጥመና ጽቡቕ ኰነ ሕማቕ እንብሎ ዅነታት ንእምነትና ኺመዝን ዚኽሰት። እዛ ናይ ባሕሪ ገሊላ ማዕበላዊ ነውጺ፡ ንደቀ መዛሙርቲ ጐይታ፡ጕዱላት እምነትምዃኖም ቀሊዓ ዘፍ በለት። ንሕናውን ብብዙሕ ዝዓይነቱ ዜናውጽ ኵነታት ክንሓልፍ ከለና፡ ናይ እምነትና ዓይነትን መጠንን ይምዘን ከም ዘሎ ቐልጢፉ ኺስቈረና ዚግባእ። ኣቓልቦና፡ ኣብታ እትምዘን ዘላ እምነትና ዘይኰነ ኣብቲ ዚፍትነና ዘሎ ዅነታት ጥራሕ እንተ ገበርና፡ ነቲ እምነትና እንገልጸሉን እነዕብየሉን ወርቃዊ ዅነታት ንኸስሮ፡ ንርእስና ኸይፈለጥናያን ከይመዘንናያን ንነብርን ነቲ ኣብቲ ውሁብ ኵነታትና ዚዓዪ ዝነበረ ኣምላኽን ግብርታቱን ድማ ከየስተውዓልናዮ ንነብር ማለትዩ።

ንእምነትና ዚመዝን ካልእ ረቛሒታትከ ኣሎዶ፧ ብርግጽ ኣሎ። ደቀ መዛሙርቲ ጐይታ፡ በቲ ሃዋጺ ማዕበላት ጥራሕ ኣይተፈተኑን። በቲ ጐይታና ንዅነታቶም ዘርኣዮ ግብረ-መልሲውን ተፈቲኖምዮም። ስቕታን ድቃስን ናይ ጐይታ፡ ኣብ ንቡርን ሰላማውን ኵነታት ከለዉ እንተ ዚኸውን፡ ኣይምኸበደን ነይሩ። ኣብቲ ናይ ሕይወትን ሞትን ገድሊ ዚጋደሉሉ ዝነበሩ እዋን ምዃኑ ግን፡ ካብቲ ማዕበል፡ ንላዕሊ ዚፍትነካ ረባሺ ዅነታትዩ። እቲ ዝነበርዎ ሃዋህው ፈጺሙ ንድቃስ ዚዕድም ኣይነበረን። ድምጺ ናይቲ ማዕበል፡ እቲ ሓፍዞቕ ናይታ ጃልባ፡ ናይታ ጃልባ ማይ ምምላእ፡ እቶም ሰባት ነቲ ማይ ንምጭንጓዕ ዚገብርዎ ገልጠምጠምን ዜስምዕዎ ታዕታዕን፡ ፍርሃትን ጭንቀትን ዝወለዶ ናይ ኣውያትን ርድኡንን ድምጽታት፡ ክትድቅስ ፈጺሙ ዘየፍቅድ ረባሺ ዅነታትዩ። ዋላ ነቲ ማዕበል ኪገንሓሎም ኢሉ እንተ ዘይነቕሐኳ፡ እንተ ወሓደ ነቲ ዝኣተዎም ማይ ኣብ ምጭንጓዕ ኪሕግዞም ዘይምንቃሑ ሕማቕ ስምዒት ኪፈጥረሎም ይኽእልዩ። ኣብቲ ናይ ወንጌል ማርቆስ ታሪኽ ተዘንትዩ ኸም ዘሎ፡ክንጠፍእዶ ግድና የብልካንዩ፧ዚበልዎም ከኣ፡ እቲ ድቃሱን ስቕታኡን ዝፈጠረሎም ሕማቕ ስምዒት3

ኣብቲ እዋንቲኸ ጐይታ ብሓቂዶ ደቂሱ ነይሩ፧ ዕላማ ድቃሱን ስቕታኡንከ እንታይ ነይሩ፧ መለኮት ፈጺሙ ኣይድቅስንዩ። ብስጋ እንተ ደቀሰ፡ ብመለኮቱ ግን ንቑሕን ንጡፍን ዝነበረ። ስለዚዶ ኣይኰነን፡ ቅዱስ ዳዊት፦ንሱ (እግዚኣብሔር) ንእግርኻ ኣየሰናኽልን፡ ሓላዊኻ ኣይታኸስን። እንሆ እቲ ንእስራኤል ዚሕሉ ኣይታኸስን ኣይድቅስንዩ።ዝበለ4 ናይ እስራኤል ኰነ ናይ ኵሉ ፍጥረት ሰብ ጓሳን ሓላውን ከኣ፡ እግዚኣብሔር ወልድ፡ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ባዕሉዩ። ምኽንያቱ እግዚኣብሔር ኣቦ ኺገብሮ ዚደሊ ኵሉ፡ ብወዱ ብክርስቶስ ዚፍጽሞ5 እቲ ብድቃስ ስጋ ዝተገልጸ ስቕታኡምበኣር ብዕላማ ዝነበረ። ኣብታ ፈታኒት ህሞትቲኣ ንእምነቶም ይዕዘባን ይመዝናን ነበረ። ብኡንብኡ ኢዱ ኣእትዩ ነቲ ጸገሞም እንተ ዚፈትሖ፡ እምነት ዘለዎምን ዘይብሎምን ምዃኖም ንእኡ እንተ ዘይተሰወሮ፡ ንሳቶም ግና ከይፈለጥዎ ምሓለፉ ነይሮም። ስለዚ እዛ እዋንዚኣ፡ ነዞም ደቀ መዛሙርቲ ናይ ትዕዝብቶም ጊዜ ዝነበረት። እምነቶም ብኽልተ ዅነታት ይፍተን ኣሎ። እቲ ሓደ ብማዕበል ኪኸውን ከሎ፡ እቲ ኻልኣይ ድማ ብስቓታ ናይ ጐይታናዩ። እዚ ናይ ምዘና (ምምዛን) ጊዜዚ፡ ንኣና ዀነ ንኣምላኽ ኣዝዩ ኣገዳስን ወርቃውን ጊዜዩ። ንመንግስቲ ኣምላኽ ብቑዓት ወይ ዘይብቑዓት ምዃንና፡ እሙናትን ኣመንትን ምዃናን ዘይምዃናን እነረጋግጸሉ ኽቡር ጊዜዩ። እግዚኣብሔር ኣብ ሕይወትና ብዙሕ ናይ ትዕዝብቲ ጊዜ ኸም ዚሰርዓልና ብቓሉ ደጋጊሙ ገሊጹልናዩ። ገለ ኻብኡ ነዚ ዚስዕብ ምጥቃስ ይከኣልዩ።

እንሆ፡ ኣምከኽኩኻ፡ ግናኸ ከም ብሩር ኣይኰነን፡ ኣብ እቶን ጸበባ ተዓዘብኩኻ።ኢሳ 4810

ብጸበባ ኣእዌኻ፡ ኣነውን ኣናገፍኩኻ፡ ኣብ ነጕዲ ተሰዊረ መለስኩልካ፡ ኣብ ማይ መሪባ ተዓዘብኩኻ።መዝ 817

ኣምላኽ፡ ተዓዚብካና ኢኻሞ፡ ከም ዚዅላዕ ብሩር ኰላዕካና። ናብ መርበብ ኣእቶኻና፡ ኣብ ሕቜና ኸቢድ ጾር ኣጾርካና። ብልዕሊ ርእስና ሰባት ኣሳገርካ፡ ብሓውን ብማይን ሓለፍና፡ ንስኻ ግና ናብ ራህዋ ኣውጻእካና።መዝ 6610-12

እግዚኣብሔር ኣምላኽካ፡ በዘን ኣርብዓ ዓመት ኣብ በረኻ ዝመርሓካ ዅሉ መገዲ፡ ትእዛዛቱ ትሕሉ እንተ ዄንካ ወይ ዘይትሕሉ፡ ኣብ ልብኻ ዘሎ ዅሉ ምእንቲ ኺፈልጥ፡ ኪፍትነካ (ኪዕዘበካ) ኢሉ ኸም ዘዋረደካ ዘክር።ዘዳ 82

ስለዚ ኵሎምቶም እንሓልፎም ኵነታት ንትዕዝብትና ዝተሰርዑልና ምዃኖም ካብዚ ዘንበብናዮ ቕዱስ ቃል ክንርዳእ ይግባእዩ። እታ ትዕዝብቲ ድማ ኣብ እምነት ምህላውናን ዘይምህላውናን ምርግጋጽያ። ኵሉ ነገርና ኣብ እምነት ዚጥቕለል። ኵሉ ባህርይናን ተግባርናን ቃላትናን ኣተሓሳስባናን ናይ እምነትና መግለጺዩ። ንሕና ግን ብዛዕባ እምነት ክንሓስብ ከሎና፡ ብዛዕባ ህላወን ክእለትን ናይ እግዚኣብሔር ዘሎና መርገጺ ዚምልከት ጥራሕ ዚመስለና። እምነት ግና ብኣንጻሩ ኵሉ ነገርናያ። እምነታዊ ዘይኰነ ዝዀነ ይኹን የብልናን። ንኣብነት ብዛዕባ ንዝበደለና ሰብ እነርእዮ ትዕግስቲ ወይ ቍጥዓ ምስ እምነትና ዘለዎ ዝምድና ኣይንሓስበሉን ኢና። ንበዳሊና ኽንዕገሶ ምስ እንመርጽ፡ ነቲ ኣብ ትዕግስቲ ኣምላኽ ዘሎና ልዑል እምነት ነንጸባርቕ፡ ነቲ ንኣና ዝጾረሉ ትዕግስቱውን ነድንቕን ነመስግንን ምህላውና ኽንዝንግዖ ኣይግባእን። ብዛዕባ ዅሉ ኻልእ ባህርያትናን ተግባራትናንውን ከምኡ ኽንሓስብን ብኸምኡ ኽንዋሳእን ዚግባእ። ስለዚ ጐይታና ኣብታ ብማዕበል ትናወጽ ዝነበረት ጃልባ ልዋም ድቃስ ኪድቅስ ዝመረጸሉ ምኽንያትምበኣር፡ ከማና ሕልናኡ ስለ ዝደንዘዘ፡ ብዛዕባ ጸገሞም ፈጺሙ ስለ ዘይተገደሰ ዘይኰነስ፡ ነቲ ወርቃዊ ናይ ትዕዝብቲ ዕድልን መስርሕን ንዘይምዕንቃፍዩ።

ነዚ ናይ ትዕዝብቲ ጊዜና ኽንከስሮ ዚገብረና ዘሎ ድኻምና እንታይዩ፧ ካብዚ ታሪኽ ናይዞም ደቀ መዛሙርቲ ዀነ፡ ካብቲ ዕለታዊ ተመክሮና ኸም እንግንዘቦ፡ ኣብ ጊዜ ትዕዝብቲ ኣድህቦና ናብ እምነትናን ናብ ኣምላኽናን ኣብ ክንዲ  ምግባር፡ ኣብቲ ውሁብን ሓላፍን ኵነታት ጥራሕ ክንገብር ምምራጽናዩ። ይጥዓም ይሕሰም ብዘየገድስ፡ ሓደ ዅነታት ምስ ዜጋጥመና፡ኣብዛ ውህብቲ ዅነታትዚኣ ንእምነተይ ብኸመይ ዝገልጻን ዘንጸባርቓን፧ ኣብዛ ዅነታትዚኣ ንኣምላኸይ ብኸመይ ብእምነተይ ዘስምሮ፧ኢልና ኽንሓትት ዚግብኣና። ነዚ ቕዱስን ዜዐውትን ምርጫ ሓዲግና፡እጥሕልዶ እድሕን እኸውን፧ እዚ ሕማም ይቐትለኒዶ ይኸውን፧ እዚ ሰብ ንምንታይ ክንድ ዝበደለኒ፧ እዚ ፌራዚኸ ይሕዘንን ይቐትለንንዶ ይኸውን፧ ከምዚ ኢለ ድየ ብዘይ መዋስብትን ብዘይ ውሉድን ንቡር ከይረኸብኩ ኸሕልፎ፧ወዘተ ዚብሉ ዜናውጹን ዜበላሽዉን ካብ ኣምላኽ ዚፈልዩን ሕቶታት ከነልዕል እንተ መሪጽና፡ ብፍርሃት፡ ብጭንቀት፡ ብተስፋ ምቍራጽ፡ ብምረትን ምጕርምራምን፡ ብጽልእን ቂምታን ወዘተ ንመልእ። እዞም ንኣድህቦና ኣመዛቢሎም ዜበላሽዉና ዘለዉ ዅላቶም ኵነታት ሓለፍቲዮም። እቶም ዜጋጥሙና ዅነታት ከኣ ብዓይነቶምን ክብደቶም ኣዝዮም ብዙሓትን ዝተፈላለዩንዮም። ደድሕሪ ዝመጸ ዅነታት ክንስዕብ እንተ መሪጽና፡ ኵብላልያ ኴንና ሃውቲትናን ጠፊእናን ኢና ንተርፍ። ደድሕሪ ዝመጸ ዅነታት ካብ ምንክርታት፡ ኣድህቦና ኣብ ሓንቲ ማለት ኣብ እምነትና ጥራሕ እንተ ንገብር ግን፡ ነቲ ናይ ሕይወት ፍጽምና ምበጻሕናዮ፡ ንኣምላኽ መኽበርናዮ መስመርናዮ፡ ንረብሓ ናይቲ ዝወረደና ፈታኒ ዅነታትውን መስተማቐርናዮን ምተዓወትናሉ ኔርና። ሰይጣን ክንበላሾን ክንጕዳእን ስለ ዚደሊ፡ጠፋእካ፡ ተዋረድካ፡ ጉድካ፡ እንታይ ኢኻ እትገብሮ፧እናበለ ኣድህቦና ናብቲ ዅነታት ጥራሕ ኪስሕቦ ይጋደል። እግዚኣብሔር ግና ኽንረብሕን ክንፍጸምን ስለ ዚደሊ፡ ኣዒንትና ኻብቲ ዅነታት ኣልዒልና፡ ኣብኡን ኣብ እምነትናን ክንገብር ይደልየናን ይጋደለናን። ኣብ ውሽጢ ውሁብ ኵነታትና፡  ንእምነትና በቲ እነንጸባርቖ ባህርይ፡ በቲ እነዘውትሮ ተግባርን ቃላትን ኽንገልጽ የተባብዓና። ነታ ናይ ጐይታ ምርጫ ኸነልዕላን ክንገብራን እንተ መሪጽና፡ ሽዑ ዕዉት ናይ ትዕዝብትን ናይ ምዘናን ጊዜ ኣሕሊፍና ማለትዩ። ብእምነት ምሉኣት ንመንግስቲ ኣምላኽ ድማ ብቑዓት ምዃንና ኸነረጋግጽ ንኽእል።

ብኣንጻሩ ንጕዳይ እምነት ኣወንዚፍና፡ በቲ ናይ ኵነታት ማዕበል ክንላኻዕ እንተ መሪጽና ግና፡ ሽዑ ኣበሳና ይበዝሕ፡ ንዘለኣለማዊ ጥፍኣት ኣሕሊፉ ዚህበና ዅነታት ባዕላትና ንፈጥር ማለትዩ። ካብዚ ዚኸፍእ ካልእ ዕሽነታዊ ምርጫ ኺህሉ ኣይክእልንዩ። ሕማቕ ኵነታት እንተ መጺኡና፡ ነዚ ሕማቕ ናብ ጽቡቕን ዜርብሓናን ኵነታት ክንልውጦ ዚግባእ። በዚ ጊዝያዊ ዅነታት ተደፊእና ባዕልና ናብ ዝኸፍአ ዘለኣለማዊ ዅነታት ንልውጦን ነማዕብሎን እንተ ዄንና ግና፡ ንመንፈሳዊ ጥዕናና ጥራሕ ዘይኰነስ ንኣእምሮኣዊ ጥዕናናውን ክንጠራጠሮ ይግብኣናዩ። ኣቦና ንጉስ ዘማራይ ዳዊት ኣዝዮም ብዙሓትን ከበድትን ኵነታት ዝገጠምዎ ሰብ ዝነበረ። ኣብቲ ዅሉ ፈታኒ ዅነታቱ ግን ንእምነቱን ንኣምላኹን ጥራሕ ኪጥንቀቐሎም ስለ ዝመረጸ፡ ይሰግሮ ነበረ። ብዙሓት ካብ ብጾቱ በቲ ዅነታቱ ኺምራሕ ብርቱዕ ድፍኢት ይገብሩሉ እንተ ነበሩ፡ ንሱ ግና ብልዑል ምስትውዓል ተደሪኹ ብእምነቱ ጥራሕ ኪምራሕ መረጸ። ስለዚ ንጉስ ክነሱ ይጸርፍዎ ንዝነበሩ ሰባት ብዜስተንክር ትዕግስቲ ሰዓሮም። ነቶም ለይትን ቀትርን ዜሳድድዎ ብዕዙዝ ምሕረት ረትዖም። ብልሳኑ፡ ብልቡ ዀነ ብግብሩ ኸይዕንቀፍ ስለ ዝወሰነ፡ ብእምነታዊ ባህርይ ኪመላለስ ተራእየ። እግዚኣብሔር ከኣ፡ዝኸም ልበይኢሉ ዓብዪ ናይ ክብሪ ቕጽል ሃቦ። ንሱውን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ናይ ትዕዝብቲ እዋን ብዓወት ይሓልፍ ስለ ዝነበረ፦

ንልበይ ተዓዚብካዮ፡ ብለይቲ በጺሕካዮ፡ መርሚርካንስ ገለ ኣይረኸብካን፡ (ምኽንያቱ) ካብ ኣፈይ ክፍኣት ከይወጽእ ምኽረይ ቈሪጸየ።ኪብል ትብዓት ረኸበ6 ነዚ ዅሉ ብእምነት ይሰግሮ ስለ ዝነበረ ኸኣ፡ ከም ደቂ ቆራሕ ብኸምዚ ዚስዕብ ተኣምኖ ሕይወቱን እምነቱን የንጸባርቕ ነበረ።

እግዚኣብሔር ብርሃነይን ምድሓነይንዩ፡ ካብ መን ደኣ ዝፈርህ፡ እግዚኣብሔር ሓይሊ ህይወተይዩ፡ ካብ መንከ ዝስምብድ፧ . . .ኪቃወመኒ ኢሉ ሰራዊት እንተ ዚሰፍር፡ ልበይ ኣይፈርህንዩ፡ ኵናትውን እንተ ዚለዓለኒ እምነት ኣሎኒ።መዝ 271-3

ኣምላኽ ንኣና መዕቈብን ሓይልን፡ ብጸበባ ፍጡን ረድኤትንዩ። ስለዚ ምድሪ እንተ ተገልበጠት፡ ኣኽራን ኣብ መዓሙቕ እንተ ተናወጹ፡ ማያቱ እንተ ሃመመን እንተ ዓፈረን ኣኽራን ብነድሮም እንተ ኣንቀጥቀጡ፡ ንሕናስ ኣይንፈርህን ኢና።መዝ 461-3

እምበኣር ንሕናውን ኣብዛ ብማዕበላት እትናወጽ ሕይወትን ዓለምን ኢና ንነብር ዘለናሞ፡ ርእስና ንመርምርን ንፈትሽን። እቲ ሃዋርያዊ ቓልውን፦ብእምነት እንተሊኹም፡ ርእስኹም ፈትኑ፡ ርእስኹም መርምሩ። . . .” ኢሉ ኣዚዙና7 ነቶም ዜጋጥሙና ረበሽቲ ዅነታት ብእምነት ነመሓድሮም ከም ዘለና ነረጋግጽ። ኵነታትና ኺውሕጠናን ኪዕብልኸናን ኣይንፍቀደሉ። እምነትና፡ ናይ ሕይወት መርከብያ። መርከብ እትስራሕን እትውነንን ከኣ፡ ኣብ ልዕሊ ወሓጢ ማያት ብዓወት ምእንቲ ኽንጐዓዝዩ። ኣብ ፈታኒ ዅነታት ንእምነትና ኣወንዚፍናያ ማለት፡ ኣብ እዋን ማዕበል ካብ መርከብና ወጺእና ክንሕምብስ ናብቲ ማይ ናይ ምዝላል ዓሻ ምርጫ ወሲድና ማለትዩ። ስለዚ ዝዀነ ዅነታት ኬጋጥመና ኸሎ፡ መጀመርታ ኽንሓቶን ከነረጋግጾን ዚግብኣና፡እታ ናይ እምነት መርከበይ ኣላ ድያ፧ ኣብታ መርከበይ ድየ ዘለኹ ወይስ ወሪደለኹ፧ዚብልዩ። ንዅነታትና ብእምነት እንተ ተዋሲእናዮን እንተ ኣመሓዲርናዮን፡ ጐይታ፡እምነትካ ዓባይኺብለናዩ። ኵነታትና ባዕሉ ኸም ዝደለዮ ኼመሓድረናን ኬበላሽወናን እንተ ፈቒድናሉ ድማ፡ኣታ ጐደሎ እምነትኪብለናዩ። ዘይምእማን ሓጢኣትዩ፡ ጐይታ ድማ ጐደሎ ዘይጸውር ኣምላኽ ስለ ዝዀነ፡ ዘለኣለማዊ መጻኢና ምእንቲ ኺጽብቐልና፡ ኣብቲ ናይ ትዕዝብቲ እዋናትና ኣብ እምነትን ብእምነትን ቜምና ምህላውና ወርትግ ርግጸኛታት ንኹን!!

ሰማይን ምድርን ክሓልፍ፣ ቃለይ ግና ኣይከሓልፍን እዩ።

ጸጋ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።

ዕለት፥ ሐምለ ፳፭, ፳፻፲፫ ግዕዝ (ነሓሰ 1 2021 ፈ.)  - መበል 45 ሰንበት: ቊ.71(፸፩)

ናይታ መዓልቲ ምስባክ

ንባባት ቅዳሴ

መዝ.፻፴፬(135)፣6-7

በባሕርኒ ወበኵሉ ቀላያት። የዓርግ ደመናተ እምአጽናፈ ምድር። ወገብረ መብረቀ ለጊዜ ዝናም።

 

ኣብ ባሕርን መዓሙቚን ዝደለዮ ዘበለ ይገብር እዩ። ንግመ ኻብ ወሰን ምድሪ የልዕሎ፣ ንመባርቕ ኣብ ዝናም ይገብሮ

ንባብ

ኣንባቢ

1 ቈረ 10፡1-14

ዲያ

ያዕ 3:1-9

ንፍቅ ዲያ

ግብ 27:27-34

ንፍቅ ካህን

ቅዳሴ፦ ዘኤጲፋንዮስ።

ወንጌል:  ማቴ 8:16-ፍጻ

ሰራዒ ካህን

1ሮሜ 154 1ቈረ 1011 2ዮሃ 1522:3ማር 4፡38 ፥ 4መዝ 121፡3,4 ፥ 5ዮሃ 1፡3 ፣ 1ቈረ 8፡6 ፣ ቈሎ 1፡16 ፣ እብ 1፡2: 6መዝ 17፡3 ፥ 72ቈረ 13፡5

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div