S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ስጋይ ዚበልዕ ደመይውን ዚሰቲ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣላቶ፡ ኣነውን በታ ዳሕረይቲ መዓልቲ ኸተንስኦ እየ።ዮሓ 654

ናይ ዕለት ንባብ ቅዱስ ወንጌል፡ ካብቲ ናይ ጐይታና ዝረቐቐን ዝኸበደን፡ ግን ከኣ ዝለዓለ ኣገዳስነት ዘለዎ ትምህርቲ ዝተዋህበሉ ናይ ወንጌል ዮሃንስ ምዕራፍ ዝተወስደዩ። እዚ ንሎሚ ኸነንብቦን ክንመሃረሉን ዝተመደበ ኽፍሊ፡ ናይዚ ምዕራፍ፡ ዚበዝሕ ክፋሉ ብዛዕባ ነዚ ኣስተምህሮ ዝሃብዎ መልሰ ግብሪ ዚገልጽዩ። ኣብ ሕይወት ወሳኒ ተራ ዚህልዎ ድማ ዓይነት ናይቲ ትምህርቲ ጥራሕ ዘይኰነስ ዓይነት ናይቲ ንእኡ ዝተዋህበ መልሰ ግብሪውንዩ። ሕይወት ዚህብ መልእኽቲ፡ ብሰሪ መልሰ-ግብሪ ናይቲ ሰማዒ፡ ሞት ኪወልድ ይኽእልዩ። መጽሓፍ ቅዱስና ነቲ ትምህርቲ ጥራሕ ዘይኰነስ ነቲ መልሰ ግብሪውን ዝጸሓፈሉ ምኽንያትን ናይ መልሰ ግብርና ግደ ምእንቲ ኽንፈልጦን ከነስተውዕሎን ኢሉዩ።

ጐይታና፡ ኣብዚ ናይ ወንጌል ዮሃንስ ምዕራፍ ሽዱሽተ ትምህርቱ፡ ብዛዕባ ስጋኡን ደሙን ዘስተምሃረ። እዚ ኣስተምህሮዚ፡ ድሕሪ ንልዕሊ ሓሙሽተ ሽሕ ሰባት ብተኣምር ምምጋብ ዘስተምሃሮ። እቲ ብመለኮታዊ ተኣምራቱ ኸም ቅጽበት ዓይኒ ዘዳልዎ ምግቢ መቂርዎም ናብ ዝኣተዎ ኺኣቱ ምስ ረኣዮም፡ ነቲ ሕሱር ሃቐናን ድርኺትን ልቦም ስለ ዘንበቦ፡ በቲ ንእኡ ምድላዮም ብዙሕ ኣይተሓጐሰን። ንሱ ኽልተ ዓይነት መኣዲ ዘቕረበሎም፡ እቲ ሓደ እንጌራ- ሕይወት ኪኸውን ከሎ፡ እቲ ኻልኣይ ከኣ እንጌራ-ስጋዩ። ናቱ መሰረታዊ ተልእኾ፡ እንጌራ ሕይወት ምምጋብ ዝነበረ። እግረ-መገዱ ኸኣ፡ ናይቶም መልእኽቱ ኺሰምዑ ዝተኣከቡ ውልቀ ሰባትን ህዝብን ማሕበራዊ ጸገማት ይፈትሕ ነበረ። ንዝሓመሙ ይፍውስ፡ ንዝጠመዩ ይዕንግል፡ ንዝሞቱ የተንስእ ነበረ። ምኽንያቱ፡ እቲ መለኮታዊ ሕጊ፦

ቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ደለዩ፡ እዚ ዅሉ ድማ (ብድሕሪኡ) ይውስኸልኩም።

ዚብል1 ነዚ መለኮታዊ ቕደም-ተኸተል እንተ ኣፍሪስካዮን እንተ ገልቢጥካዮን ግን፡ መንፈሳዊ ጥዕናኻ ኣዝዩ ሕማቕ ከም ዘሎን፡ ብምስትውዓል ይኹን ብዘይ ምስትውዓል ኣንጻር ኣምላኽ ዓጢቕካን ገጢምካን ከም ዘለኻ ምስትውዓል ይግባእ። እዞም ብመስተንክር መጋቢነቱ ዝኣኽሎም በሊዖም ዘትረፉ ሰባት፡ ንጽባሒቱ ናብታ ዝነበራ እንተ መጹ ኣይጸንሖምን። ናበይ ከም ዝኸደ ኣጣዪቖም ምስ ፈለጡ፡ ብጃልባ እግረ-እግሩ ስዒቦም ኣርከብዎ። ምስ ረኣይዎ ድማመምህር፡ መዓስ ደኣ ናብዚ መጺእካበልዎ። እቲ ሃቐና ልቢ ኼንብብ ዘይጽገም ጐይታ ድማ፡ በቲ ንእኡ ዚደልዩሉ ዕላማ ሕጉስ ኣይነበረን። ስለዚ ኣግህድ ኣቢሉ፦

እትደልዩኒ ዘለኹምሲ እንጌራ ስለ ዝበላዕኩምን ስለ ዝጸገብኩምን ኢኹምምበር ተኣምራት ስለ ዝረኣኹም ከም ዘይኰንኩም፡ ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ።

በሎም2 እዛ ቓልዚኣ ንርእሳ ተኣምራዊትያ። ምኽንያቱ ዅሉ ዚፈልጥን ልቢ ዚምርምርን ጐይታ ምዃኑ፡ ኣምላኽነቱ እተረጋግጽ መልእኽቲያ። ካብዚ ናይ ጐይታና ኣበሃህላ ኸም እንርድኦምበኣር፡ ብዛዕባ ናብ ከብዶም እትኣቱ እንጌራ እምበር፡ እታ እንጌራቲኣ ካበይ ከም ዝመጸት ብኸመይ ከም ዝመጸት ኪፈልጡ ዝዀነ ግዳሰን ባህግን ኣይነበሮምን። እዞም ሰባትዚኣቶም ኣብ ዝተዳለወ ውራይ ኣይኰኑን ዚምገቡ ዘለዉ። ምግቢ ዓዲግካ ኽትዕንገለሉ ኣብ ዘይትኽእለሉ ጭው ዝበለ በረኻዮም ፍጊዕ ክሳዕ ዚብሎም በሊዖም ዘትረፉ። ከብዶም ምስ መልኡኸ፡ኣቱም ሰባት፡ ነዚ ዅሉ ህዝቢ ዚኸውን ምግቢ ደኣ ኻበይ መጸ፧ኢሎም ዘይሓተቱ እንታይ ኰይኖምዮም፧ ብሰብ፡ ብገመል ወይ ብኣድገ በቕሊ ተጻዒኑ ኺመጽእ ኣይረኣዩን። ስለዚ ብዛዕባ ኸብዶምምበር፡ ብዛዕባ ኸብዶም ዜዐንግል ምግቢ ንኺረኽቡ ዝተገብረ ተኣምር ፈጺሞም ኣይተገደሱን። እቲ ዝተገብረ ተኣምራት ኣብ ርድኢቶም ኰነ ኣብ እምነቶም ዝዀነ ጽልዋ ኣየሕደረን። ካብ ኸቢድ መንፈሳዊ ድንዛዘ ምእንቲ ኺፍውሶም ጐይታና፦

“. . . ነቲ ንሱ (ወዲ ሰብ) ዚህበኩም ንዘለኣለም ሕይወት ዚነብር ብልዒምበር፡ ነዚ ሓላፊ ብልዒ (ብልዕኩም) ኣይትግበሩ።

ኢሉ መዓዶም3 ካብዚ ቓል ጐይታና ኸም እንርድኦምበኣር፡ ንወዲ ሰብ ክልተ ዓይነት ብልዒ ተዳልዩ ኣሎ። እቲ ሓደ፡ነባሪ-ብልዒኪኸውን ከሎ፡ እቲ ኻልኣይ ከኣ፡ሓላፊ ብልዒእዩ። እዞም ሓለፍቲ ሰባት ነዚ ነባሪ-ብልዒ ብልዕና እንተ ገበርናዮ ኣብ ዘለኣለማዊ ሕይወት ንነብር። ሓለፍቲ ስለ ዝዀንና፡ ነቲ ንኣና ዚመስል ሓላፊ ብልዒ ጥራሕ እንተ መረጽና ድማ፡ ካብ ዘለኣለማዊ ሕይወት ንበኵር። ካብ ዘለኣለማዊ ሕይወት በዅርካ ማለት ግን ኣብ ዘለኣለማዊ ሞትን ስቓይን ተረኺብካ ማለት ምዃኑ ኺዝንጋዕ ኣይግባእን።

እቶም ሰባት ነዚ መሳጢ መልእኽቱ ምስ ሰምዑ፡ጐይታይ፡ ነቲ እንጌራትስ ኵሉ ሳዕ ሃበና፡ኢሎም ለመንዎ። ንሳቶም ምግቢ ኻብ ምምእራር ንሓዋሩ ምእንቲ ኺዓርፉ ተመንዮምዮም ከምኡ ዝሓተቱ። ነዚ ድማ፡ እቲ ነባሪ-ብልዒ እንታይ ምዃኑ ምስ ተነግሮም፡ ብዝሃብዎ መልሰ-ግብሪ ዝተረጋገጸ። ጐይታና ድማ ነቲ ዘቕረቡሉ ሕቶ (ልመና)

እንጌራ ሕይወት ኣነየ። ናባይ ዚመጽእ ኣይጠምን፡ ብኣይ ዚኣምን ከኣ ከቶ ኣይጸምእንዩ። ግናኸ ከምቲ ዝበልኩኹምዩ፡ ርኢኹምንስ ኣይኣመንኩምንን። . . . እቲ ኻብ ሰማይ ዝወረደ እንጌራ ሕይወት ኣነየ። ካብ እንጌራ ዝበልዐ ዘበለ ንዘለኣለም ኪነብርዩ። እዚ ኣነ ምእንቲ ሕይወት ዓለም ዝህቦ እንጌራ ኸኣ ስጋይዩ።

ብምባል መለሰሎም4 ነቲ ዝተፈላለየ ዓይነት መልሰ-ግብርታት ዝወለደ ቓል ድማ እዚዩ። ክንደይ ዓይነት መልሰ-ግብሪ ተራእዩ፧ እቲ ነባሪ ብልዒ ዚሰማምዖን ዘይሰማምዖን ሰብ ኣየናይ ምዃኑ በዚ ቓል ዝተቐልዐ። ነዛ ግህድትን ዕጽምትን ኣስተምህሮዚኣ ዝተዋህበ መልሰ ግብሪ፡ ሰለስተ ዓይነትዩ። እቲ ኽልተ ናይ ተቓውሞ ኪኸውን ከሎ፡ እቲ ሓደ ግን ናይ ምቕባልዩ።

ቀዳማይ መልሰ-ግብሪ፦ በቶም ሓላፊ ብልዒ ደልዮም ደድሕሪኡ ዝሰዓቡ ዘይኣመኑ ኣይሁድ ዝተዋህበዩ። ጭራሽ፡ ምብላዕ-ሰብa ይምህር ከም ዘሎ ገይሮም ተረድእዎ። ካብ ሕሉፍ ምግራም ዝተላዕለ ድማ፡እዝስ፡ ስጋኡ ኽንበልዕ ከመይ ገይሩ ኺህበና ይከኣሎ፧ኢሎም ንሓድሕዶም ተኻትዑ። እዚስጋኡን ደሙን ምብላዕዚብል መንፈሳዊ ኣምር፡ ዋላ ዚብላዕ ሕብስትን ወይንን ምዃኑ እናተፈልጠኳ፡ ከምበላዕቲ-ሰብተቘጺሮም ኣብ ዘመነ-ሰማእታት ስሞም ዝኸፍአን ዝተቐትሉን ኣመንቲ ማእለያ የብሎምን። ኣብ ዘመንናውን እንተ ዀነ ብኸምዚ ዝበለ ዝምቡዕ ርድኢትን መልሰ-ግብርን ንክርስትና ዜቃልሉ ሰባትን እምነታትን ብዙሓትዮም።

ካልኣይ መልሰ-ግብሪ፦ እዚ ድማ ኣመንትን ደቀ መዛሙርትን ብዝነበሩ ሰባት ዝተዋህበ መልሰ ግብሪዩ። ኣብ መወዳእታኡ ድማ ንድሕሪት ብምምላስ ተዛዚሙ። ምስቲዝኣመንዎጐይታ ኪቕጽሉ ስለ ዘይከኣሉ፡ ኣማራጺ ገይሮም ናብ ዝረኣይዎ ናብ ካልእ ጐይታን ናብ ካልእ መገድን ኣላገሱ። ነዚ ረቂቕ ምስጢር ኻብ ልሳን ጐይታኦም ምስ ሰምዑ፦

እዚ ዘረባዝስ ጭንቂዩ፡ መን ኪሰምዖ (ኪቕበሎ) ይኽእል፧

ኢሎም መለሱ፡ ጐይታ ነዞም ሰባትዚኣቶምዘይኣምኑኢሉ ብምጽዋዕ፡ዘይኣምኑ ደቀ መዛሙርቲምዃኖም ገለጾም። በዚ መሰረታዊ ትምህርቲ ኺዕንቀፉ ትጽቢት ዘይግበረሎም ኣመንቲስለ ዝዀኑ ኸኣ፡እዚዶ የዐንቅፈኩም ኣሎ፧በሎም። እቲ ዝኸበደ ኽትኣምኖ ዜጸግም ምስጢር ዕርገትምበር ምስጢረ ቊርባን ዘይምዃኑ ንምግላጽ ከኣ፦

ወዲ ሰብ ናይቲ ቐደም ዝነበሮ (ናብ ሰማይ) ኺድይብ ከሎ እንተ ትርእይዎ ደኣ፡ እንታይ ምበልኩም፧

በሎም። እዞም በዚ ምስጢር ዝተዓንቀፉ ሰባት፡ ንጐይታ ዚኸውን ትዕግስቲ ስኢኖምምበር፡ ስጋኡን ደሙን ብኸመይ ከም ዚህቦም ክሳዕ ዜርእዮም እንተ ዚጽበዩ ኻብ ምዕንቃፍ ምድሓኑ ነይሮም። ብሕይወት እናሃለወ፡ ካብ ሰብነቱ ብካራ ስጋ ቘሪጹ ብምውሳድብልዑኢሉ ኸም ዘይህቦም ርዱእ ነገርዩ። ምስ ሞተ ንስጋኡ ኸም መኣዲ ሰሪዖም እንተ ኣቕረበሎም ድማ፡ ኪበልዕዎ ዜገድዶም ኣካል ስለ ዘየለ፡ ሽዑ ምኣበይዎ። እቲ ዝኣመንዎ ጐይታ ትግባረ ናይቲ ዝገለጾ ምስጢር ክሳዕ ዜርእዮም ኪዕገስዎ እንተ ዘይክኢሎም ደኣ፡ ንመንዮም ኪዕገሱ፧ እንተ ዀነ፡ ከምቲ ጐይታ፡ዘይኣመኑ ግና ኣብ ማእከልኩም ኣለዉዝበሎም፡ ዘይኣምኑ ስለ ዝነበሩ፡ በቲ ዝሃብዎ መልሰ ግብሪ ንጥፍኣቶም ተዓንቀፉ፡ እቲ ጐይታና፡እቲ ኻብ ኣቦይ እተዋህቦ እንተ ዘይኰይኑስ፡ ናባይ ኪመጽእ ዚክእል የልቦንዝበሎ ቓል ድማ ኣባታቶም ተፈጸመ5

ሳልሳይ መልሰ-ግብሪ፦ እዚ ድማ እቲ ብቕዱሳን ሃዋርያት ዝተዋህበ መልሲዩ። እዚ መልሰ-ግብሪ በቶም ናብ ሕርየት ዝበቕዑ ሰባት ጥራሕ ዚወሃብዩ። ነዚ ምስጢር ክንድ ዚግብኦ ተረዲእዎም ከይኸውን ይኽእልዩ። ምኽንያቱ ሕጂ እቲ ትምህርቲ ተዋሂቡምበር፡ ብኸመይ ስጋኡን ደሙን ከም ዚህቦም ብግብሪ ስለ ዘይረኣይዎ፡ እቲ መስርሕ ምግላጽን ምርዳእን ገና ኣይተወድአን። ስለ ዘይተረድኦም ግና ከቶ ኣይተዓንቀፉን። ምኽንያቱ ኻብ ምዕንቃፍ ናብ ዜድሕን ናይ ብጹሓት ርድኢትን ውሳነን በጺሖም ነበሩ። ናብዚ ብሱል መልሰ- ግብሪ ኺበጽሑ ዝሓገዞም ርድኢት እንታይዩ፧

1. ብስጋ ዝተገልጸ ኣምላኽ ምዃኑ ብምሉእ ልቦም ኣሚኖም ዝተቐበልዎ ሓቂዩ። ነዚ ኸኣ፡ንስኻስ ክርስቶስ ወዲ ሕያው ኣምላኽ ምዃንካ ኣሚንናን ፈሊጥናን ኣለናብዚብል ቃል፡ ሃዋርያ ጴጥሮስ ገሊጽዎ ኣሎ። ቅድሚ ሕጂውን ጐይታናንስኻትኩምከ መን ትብሉኒ ኣለኹም፧ኢሉ ምስ ሓተቶም፡ ሃዋርያ ጴጥሮስ፡ንስኻ ክርስቶስ ወዲ ሕያው ኣምላኽ ኢኻኢሉ ንጹርን ጽኑዕን ርድኢቱን እምነቱን ገሊጹ እዩ። ናብዚ ርድኢትን እምነትን ዚበጽሕ፡ እቲ እግዚኣብሔር ኣቦ ብመንፈሱ ገይሩ ዝገለጸሉ ሰብ ጥራሕዩ። ኣብ ከምዚ ዝበለ እምነት ዝተሰረተት ቤተ ክርስትያን ኰነ ውልቀ ሰብ፡ ደጌታት ሲኦል ዘይሕይልዎ ጽኑዕ ከውሒ ዚኸውን6 ይትረፍ ብትምህርቲ ጐይታኡ ብፈተና ሰይጣን ኣይዕንቀፍንዩ። ንኣይሁድ እዛ ርድኢዚኣ ምውሓጥ ኣብያቶምን ንጐይታ ኽሳዕ ምቕታል ኪዕንቀፉ ዝገበረቶምን7 እቶም ዝተዓንቀፉ ንድሕሪት ዝተመልሱ ደቀ-መዛሙርቲ ናብዚ ደረጃዚ ዓብዮም እንተ ዚዀኑ፡ በዚ ዕጹም ትምህርት ኣይምተዓንቀፉን ነይሮም። ምኽንያቱ፡ ኣምላኽ ወዲ ኣምላኽ ኪጋገይን ኬጋግዮምን ከም ዘይክእል ምበጽሕዎ ነይሮም።

2. ብዛዕባ ቓላቱ ዝነበሮም ምርዳእዩ።ናይ ዘለኣለም ሕይወት ቃል ኣሎካዚብል እምነት ስለ ዝነበሮም፡ ነቲ ቓሉ ኸም ቃል ተራ ሰብ ዘይኰነስ፡ መለኮታዊ ቓል ምዃኑ ተቐቢሎምዎ ነበሩ8 እዚ ርድኢትን መርገጽን እንተ ዘይብልካ ግና፡ እቲ ትምህርቲ እናዓጸመ ምስ ከደ፡ ኣብ ሓደ ነጥቢ ምስ በጻሕካ ምውሓጥ ኣብዩካ ምዕንቃፍካ ዘይተርፍዩ። ጐይታናውን ነቶም ብዛዕባ ትምህርቱ ዘጒረምረሙን ንድሕሪት ኪምለሱ ዚደናደኑ ዝነበሩን፡

ካብ ምዕንቃፍ ንኼድሕኖም፡ ብዛዕባ ንሱ ዚዛረቦ ቓል ኬረድኦም ዝፈተነ። መንፈስ (መለኮት) ሕያው ዚገብር፡ ስጋስ ገለኳ ኣይጠቕምንዩ። እዘን ኣነ ዝነገርኩኹም ቃላት መንፈስየን ሕይወትውንየን።ዮሃ 663

እዚ ርድኢት ዘይብልካ ናይ ምዃን ሓደጋ እንታይዩ፧ ብዛዕባ ቓል ጐይታ ከም ዝበለ ርድኢት እንተ ዘይብልካ፡ ምዕንቃፍ ቅዲ-ሕይወትካ ዀይኑ ዚተርፍ። እዚ ቓል ግና ርስቲ ምስ ቅዱሳን ዜውርስ ትኹል ቃል ምዃኑ ናይ ኵሉ ጊዜ ጽኑዕ እምነትና ኪኸውን ይግባእ9

እምበኣር፡ እዚ ድርብ መንፈሳዊ ርድኢትዩ፡ ናብቲናብ መን ኽንከይድ፧ዚብል ጽኑዕ ሃዋርያዊ መርገጺ ዘብጽሐ። ቅዱሳን ሃዋርያት፡ እቲ ትምህርቲ ይለምልም ይዓጽም፡ እቲ መገዲ ይኽበድ ይቕለል፡ ካብ ጐይታና ወጻኢ ኻልእ ኣምራጺ ኸይህልዎም ዝወሰኑ ሰባትዮም። ነቲ ብኽብሪ ዝሓረዮም ጐይታ ጥራሕምበር ካልእ ሕርያ ኪህልዎም ኣይፈቐዱን። እቲ ምሕራይ ብእኡምበር ብኣታቶም ኣይጀመረን። ንሳቶም ከኣ ነቲ ዝሓረዮም ሓረዩ (ዮሃ 1516) ነዛ እንኮ ምርጫኦም ምዃኑ እትገልጽናብ መን ኽንከይድ፧እትብል ቃል ምስ ሰምዐ፡ ጐይታና፡ኣነስ ንዓሰርተው ክልቴኹምዶ ሓርየኩም ኣይኰንኩን፧ብምባል ኣረጋገጸሎም (670) እዚ ናብመን ኽንከይድ፧ዚብል ቃል፡ ናይ መንፈሳዊ ብስለትን ርትዕን ዝለዓለ መለክዒዩ። እቲ ናብዚኣ ዘይበጽሐ ክርስትያን፡ ብስሑት ትምህርቲ፡ ብመከራ ዀነ ብሓጢኣት ኪርታዕን ኪስነፍን ዘለዎ ተኽእሎ ኣዝዩ ልዑልዩ። በዚ ኣሉታዊ ሓደጋታት ጥራሕ ዘይኰነ፡ ከምዚ ናይዞም ዝተዓንቀፉ ደቀ መዛሙርቲ፡ ዋላ በቲ ጥዑይ ግን ከኣ ዕጹም ትምህርቲ ወንጌል ምዕንቃፉውን ኣይተርፎንዩ። ስለዚ ዕውትን ኣምላኽ ዚቕበሎን ዜኽብሮን መንፈሳዊ ሕይወት ኪህልወና እንተ ዀይኑ፡ ኣብዛ ሃዋርያዊት ብስለትን መትከልንዚኣ፡ ኣብ ከውሒ ቘይሙ ኸም ዝጸንዐ ሰብ ኴንና ደው ክንብል ይግብኣና።

ናብ መን ክኸይድ፧ክንብለሎም ዚግብኣና ዅነታት እንታይ እንታይ እዮም፧ እዛ መንፈሳዊት መትከልዚኣ ዘይትምልከቶ ገጻት ሕይወት ኪህሉ ኣይክእልንዩ። ንዅሉ በብሓደ ኽንዝርዝሮ ስለ ዘይከኣል ግና፡ ኣብዞም ዚስዕቡ ክፍልታት ጠርኒፍና ኽንድህስሶ ኢና።

1. ጒዳይ መሰረተ-እምነት፦ እዚ ነርእስትና ምኽንያት ኰይኑ ዘሎ ዛንታ፡ ናይ መሰረተ-እምነት ጒዳይምበር ካልእ ኣይኰነን። ምስጢረ ቊርባን፡ ካብቶም ዓበይቲ ናይ መሰረተ እምነት ትምህርትታት (ኣርእስትታት) ሓደዩ። ዘለኣለማዊ ሕይወት ኣብ ምርካብን ምስኣንን ወሳኒ-ግደ ዘለዎ ኣርእስቲዩ። ስለዚ ካብቲ ኣስተምህሮኡ ጀሚርና ኽሳዕ ትግባረኡ፡ ጽኑዕ መርገጺ ኽንወስደሉ ዚግብኣና፡ ናብ ዀን-ደዀን ወይ ናብ ዋጋ ዕዳጋ ዘይኣቱ ኣርእስቲዩ። ክርስቶስ፡ ነቲ ኻብ ስርናይ ዝተሰርሐ፡ ሰባት ሰንኪቶም ዘዳለውዎ ሕብስቲ፡እዚ ስጋይእንተ ኢሉ፡ ነቲ ኻብ ተኽሊ ወይኒ ተቐንጢቡ ዝተዳለወ ወይኒ ድማ፡እዚ ደመይእንተ ኢሉ፡ ካልእ ኣምራጺ ሓሳባትን ሕቶታትን ብዘይብሉ መገዲ-ኣሜንን እወን ኢልና ብእምነት ኽንቅበሎ ጥራሕ ዘለና። ነዛ ሓቂዚኣ ምቕባል ጭንቂ ዀይኑናስ፡ ብዛዕባኡነዚ መን ኪቕበሎ ወይ ኪኣምኖ ይኽእል፧እንተልናካብ ትምህርቲ ጐይታ ናበይ ክንከይድ፧ዚብል መንፈሳዊ መርገጺ ኣይበጻሕናዮን ወይ ንድሕሪት ተመሊስና ኣለና ማለትዩ። ካልኦት ብቐሊሉ ኽንርድኦም ዘይንኽእል ከበድቲ ኣርእስትታውን ኣለዉ። ስለዚ ብዛዕባ ሓቀኛ ትምህርቲ ወንጌል ጽኑዕ መርገጺ ኺህልወና ይግባእ። ካብ ምህሮ ክርስቶስ ጐቦ ዜዝብል፡ ናይ ሓሶት ትምህርቲ ኺፈታተና ኸሎውን፡ ከምቲ ጐይታና ባዕሉን ቅዱሳን ሃዋርያቱን ዝመሃሩና፡ ንምህሮ ጐይታ ገዲፍና ናብ ምህሮ ኣጋንንቲ ኸይንኸይድ፡ ነዚ ሃዋርያዊ መርገጺ ተጠቒምና ርእስና ኽንሕሉ ይግባና10

2. ጒዳይ መከራ፦ ሰይጣን፡ መከራ ዜምጽኣልና ካብቲናብ መን ኽንከይድ፧ዚብል መርገጺ ምእንቲ ኺነቕለናዩ። ንህድማ፡ ንኽሕደት፡ ንምምስሳል ከም ኣማራጺ መገድን ጥበብን ርኢና፡ ናብኡ ኽንመጽእ የተባብዓና። እንተ ኣበና ድማ በቲ መከራ ገይሩ የገድደና። ብመከራ ኻብዚ ሃዋርያዊ መትከል ዚርሕቕ ሰብ ማእለያ የብሉን። እቲ ብመከራ ዚኽሕድን ንድሕሪት ዚምለስን ሰብ፡ እቲ ንጐይታ መተካእታ ኸም ዘይብሉ እንኮ ኣማራጺኡ ገይሩ ዘይረኣዮ ሰብ ጥራሕዩ። ቅድሚ መከራ፡ ዘይንቕነቕ ውሳኔና ዝዀነ ዀይኑ ኺስምዓና ይጸንሕ። መከራ ዓይኑ ኣፍጢጡ ምስ መጸና ግን፡ ነቲካባኻ ሓሊፈ ናብ መን ክኸይድ፧ኢልና ብመዝሙርን ብኻልእ መገድን ክንእመነሉ ዝጸናሕና ጐይታ፡ ልክዕ ከም ሃዋርያ ጴጥሮስ፡ነዚ ሰብኣይዚ፡ ነዚ እትብልዮ ዘለኺኢልና ነዛ ስሙ ኸይንጠቅስ እናፈራህና ንኽሕዶ11 ከም ነብዪ ዳንኤልን ሰለስተ ኣዕሩኽቱን ብጽንዓት ደው ምባል ንስእን12 ጐይታ ግና ኣብ እዋን መከራ ደው ኢልና ብትብዓትን ብጽንዓትን እንተ ተኣመንናዮ፡ ኸም ዚእመነና፡ እንተ ኸሓድናዮ ግን ከም ዚኽሕደና ብንጹር ኣፍሊጡና13 እቶምናብ መን ኽንከይድ፧ኢሎም ኪጸንዑ ዚኽእሉ፡ እቶም ከም ሃዋርያ ጳውሎስ፡ንኣይ ሕይወተይ ክርስቶስዩ። ሙማትውን ረብሓይዩ። . . . ከምቲ ዅሉ ሳዕ ሕጂውን ብትብዓት ደኣ፡ ብሕይወት እንተ ዀይኑ ወይስ ብሞት፡ ክርስቶስ ብስጋይ ኪኸብርዩ። ዚብል ጽኑዕ ሃዋርያዊ መርገጺ ዘለዎም ጥራሕዮም14

3. ጒዳይ ሓጢኣት፦ ነፍሲ ወከፍ ክንፍጽማ እትፍትነና ሓጢኣት፡ ነቲናብ መን ክኸይድ፧ዚብል ሃዋርያዊ መርገጺና ኽትፍትሽን ከተናውጽን እትመጽእ። ትዕግስቲ ሓዲግና ቚጥዓን ባእስን እንተ መረጽና፡ ነቲ ጐይታ ሰላም ሓዲግና ናብቲ ጐይታ ዕግርግር ኽንከይድ መሪጽና ኣለና ማለት ምዃኑ ኽንዝንግዖ ኣይግባእ። ጐይታ ብዛዕባተን ገፋሕን ቀጣንን መገድታት ኪምህር ከሎ፡ ብዛዕባ ጽድቅን ሓጢኣትን ዚምህር ዘሎ። እታ ቐጣን መገዲ ናብ ጐይታ እትወስደና መገዲ ጽድቂያ። እታ ገፋሕ ግና ናብ ሰይጣንን ገሃነምን እተእቱ ናይ ሓጢኣት መገዲያ። እቲ ንጐይታና፡ካባኻ ሓሊፈ ናብ መን ክኸይድየ፧ዚብል ሃዋርያዊ መርገጺ ዘለዎ ሰብ ኣብታ ገፋሕ መገዲ ፈጺሙ ኣይርከብንዩ። ኣብታ ቐጣን መገዲ ጽድቂ ብጥንቃቐ እናተጓዕዞ ኸሎ፡ ጸላኢ ንዜጥብቐሉ ሓጢኣት ከኣ፡ ብምሉእ ንስሓ ብደም ክርስቶስ ሓጺቡ ብኡንብኡ የጽርዮምበር ኣየውዕሎን ኣየሕድሮንዩ። ምኽንያቱ ናይ ሰይጣን ናይ ዋንነቱ ማሕተም፡ ሓጢኣትዩ። ጽድቂ ድማ ናይ ዋንነት ጐይታ ማሕተምዩ። ድሙቕ ማሕተም ሓጢኣት እናሃለወካ፡ናብ መን ክኸይድ፧ክትብል ኣይትኽእልን ኢኻ። ኣብ ሰፈር ሰይጣን ኴንካ፡ናብ መን ክኸይድ፧ምባል ድማ መደረብታ ናይ ግብዝነት ሓጢኣት ምውሳኽ ጥራሕ ስለ ዚኸውን፡ ዘይምባሉ ዚሓይሽ።

እምበኣር፡ በዚ ሃዋርያዊ ቓል ርእስና ንፈትሽ። ካብቶም ብመትከልን ብቓልን ብግብርንናብ መን ኽንከይድ፧ንብል ዲና፧ ወይስ ካብቶም ድሮ ኸይዶም ክነሶም፡ የለውን ንኸይበሃሉ ዚብልዎ ኢና፧ ብጒዳይ መሰረተ እምነትና፡ ብዚገጥመና መከራ ዀነ ብዚፈታተና ዅሉ ሓጢኣት ኵሉ ጊዜ፡ ኣብ ኵሉ ዅነታት፡ ኣብ ኵሉ ቦታ ነዛናብ መን ኽንከይድ፧እትብል ሃዋርያዊ መትከል ወርትግ ንጠቐመላ። ጐይታ ድማሕሩያትምዃንና ኼረጋግጸልናን፡ ነቲ ንሕሩያቱ ዝተሓዝአ ዅሉ ሰማያዊ ኽብርን መሰላትን ድማ ኬጓናጽፈናዩ። ነቶም ኣብ ኵሉ ጊዜን ኵነታትንናብ መን ኽንከይድ፧ኢሎም ብእሙንነት፡ ብትብዓትን ብጽንዓትን ከኣ ዚቘሙሉ፡ ንሱውንካብኡ ሓሊፈ ንመን ክሓሪየ፡ኢሉ ዜኽብሮም ነዚ ሃዋርያዊ መትከል እንኮ ምርጫና ንግበሮ። ከቶ ኣይኪሓስመናን ከኣ!!

ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።

ዕለት፥ ነሓሰ ፲፮, ፳፻፲፫ ግዕዝ (22 ነሓሰ 2021 ፈረ).  መበል 48 ሰንበት: .77/፸፯.

ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባባት

ዲያቆን

ንፍቀ ዲያቆን

ንፍቀ ካህን

ወንጌል

ቅዳሴ

ዕብ 911-21

1ዮሓ 11-6

ግብ 111-10

ዮሓ 647-58

ዘእግዚእነ(ነአኩተከ)

መዝ ፵፭፡፬-፭። ቀደሰ ማኅድሮ ልዑል ፤ እግዚአብሔር ውስተ ማእከላ ኢትትሀወክ ፤ ወይረድአ እግዚአብሔር ፍጽመ።

መዝ 46፡ 4-5። ወሓይዙ ንኸተማ ኣምላኽ፣ ነታ ቕድስቲ ቦታ ማሕደር እቲ ልዑል ዜሐጕስ ርባ ኣሎ። ኣምላኽ ኣብ ማእከላ ኣሎ፣ ኣይክትናወጽን እያ፣ ኪወግሕ ከሎ፣ ኣምላኽ ኪረድኣ እዩ።  

1ማቴ 6፡33 ፥ 2ዮሃ 6፡26:3ዮሃ 6፡27 4ዮሃ 6፡35,36,51 acannibalism:5ዮሃ 6፡65 6ማቴ 16፡15-18 ፥ 7ዮሃ 5፡18፣ 10፡33፣ 6፡42 ፥ 81ተሰ 2፡13:9ግብ 20፡32፣ ያእ 1፡21 10ገላ 1፡6-10፣ 2ቈረ 11፡4፣ ኤፌ 4፡14,15፣ 1ጢሞ 4፡1፣ 1ዮሃ 4፡1-6፣ 2ዮሃ 7፡11:11ማቴ 26፡69-74፣ ማር 6፡66-71፣ ሉቃ 22፡55-60 ፥ 12ዳን 3፡16-30፣ 6፡10-28 ፥ 13ማቴ 10፡32-33፣ ማር 8፡38 ፥ 14ፊሊ 1፡20,21

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div