S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ሰኣን ምእማኖም ተሰብሩ [7ይ ሰንበት ቊ.10/፲ ]

"ምናልባሽ ንስኻ፡ኣነ ምእንቲ ኽትከልዮም እቶም ጨነፍር እተሰብሩ፡ትብል ትኸውን። ጽቡቕ፡ ንሳቶም ሰኣን ምእማኖም ተሰብሩ፡ ንስኻ ግና ሳላ ዝኣመንካ ደው ኢልካ ኣለኻ። ፍራህ ድኣምበር ብልብኻ ኣይትተዓበይ።" ሮሜ 1119-20

ነዚ ሰንበት ተሰሪዖምልና ኻብ ዘለዉ ንባባት ሓድሽ ኪዳን፡ እቲ ናይ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ናይ ሮሜ 1113-28 ሓደዩ። እዚ ምዕራፍ ኸኣ ኣብ ልዕሊቶም ዘይኣመኑ ኣይሁድ ይምክሑ ንዝነበሩ ኣመንቲ-ኣህዛብ ካብ ዘይቅኑዕ መገዲ ንምምላሶም ዝዓለመ ትሕዝቶ ዝሓዘዩ።ኣህዛብ (Gentiles) ዚበሃሉ ዘለዉ፡ እቶም ካብ ዓሌት እስራኤል ወጻኢ ዝነበሩ፡ ብጣኦታት ዚኣምኑ ህዝብታትዮም። ናይዞም ኣህዛብ መንፈሳዊ ሃለዋት እንታይ ይመስል ከም ዝነበረ፡ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፦

እምበኣር ንስኻትኩም እቶም ቀደም ብትውልድኹም ኣህዛብ ዝነበርኩም፡ እቶምግዙራት” (ኣይሁድ) በታ ኣብ ስጋ እትግበር ግዝረት ብምምካሕ፡ <ዘይግዙራት> ኢሎም ይጽውዑኹም ከም ዝነበሩ ዘክሩ። በቲ ዘመን ካብ ክርስቶስ ዝረሓቕኩም፡ ካብ ሕብረት እስራኤል ፍሉያት፡ ነታ ኪዳን ተስፋ ኣጋይሽ፡ ኣብ ዓለምዚኣ ኸኣ ብዘይ ኣምላኽ፡ ተስፋ ዘይብሎም ከም ዝነበርኩም ዘክሩ።

ብዚብል ቃል ገሊጽዎ ኣሎ (ኤፌ 211,12 .) እግዚኣብሔር ብምሕረቱን ሕያውነቱን፡ ወንጌል ነህዛብ ኪሰብኽ ምስ ፈቐደ ኣሚኖም ስለ ዝተቐበልዎ ኸኣ፡ ናብ ኣምላኽ ኪቐርቡ፡ ናይ ኪዳንን ተስፋን ናይ ኣምላኽ ተኻፈልቲ ኪዀኑ በቕዑ። ሃዋርያ ቅዱስ ጴጥሮስ፡ ነዚ ዝረኸብዎ መንፈሳዊ ሓለፋ፦

ንስኻትኩም ግና ደግነት ናይ ኻብ ጸልማት ናብ ዜገርም ብርሃኑ ዝጸውዓኩም (ኣምላኽ) ምእንቲ ኽትነግሩ፡ ሕሩይ ወለዶ፡ ናይ መንግስቲ ኽህነት (ናይ ንጉስ ካህናት) ቅዱስ ህዝቢ፡ ጥሪት ኣምላኽ ዝዀነ ህዝቢ ኢኹም። ንስኻትኩም ቀደም ህዝቢ (ኣምላኽ) ዘይነበርኩም ሕጂ ግና ህዝቢ ኣምላኽ ኢኹም። ዘይተመሓርኩም ዝነበርኩም፡ ሕጂ ግና ምሑራት ኢኹም። . . .ከም እተባረራ ኣባጊዕ ኔርኩም ኢኹምሞ፡ ሕጂ ግና ናብ ጓሳኹምን ሓላው ነፍሳትኩምን ተመሊስኩም ኣለኹም።

ብምባል ገሊጽዎ ኣሎ (2ጴጥ 29,10,25) እዚ ዓብይ መንፈሳዊ ዝላን ለውጥን ኣምጺኡሎም ዘሎ፡ ነቲ ዝተሰብከሎም ክርስቶስን ወንጌሉን ብእምነት ስለ ዝተቐበልዎዩ። ኣይሁድ ግና፡ እቲ ንኣሽሓት ዓመታት ብተስፋ ዝተጸበይዎ መሲሕ፡ ብኣካል ኣብ ማእከሎም ምስ ተጋህደ፡ ኣይኣመንዎን ጥራሕ ዘይኰነስ፡ ሒዞም ቀተልዎ (ማቴ 2129 ዮሃ 719 840,44 ግብ 223 313-15 410 530-32) እዚ ዘይምእማኖምዚ፡ ነታ ተስፋ ኣጋይሽን ጓኖትን ገበሮም። ክርስቶስን ኣምላኽን ዘይብሎም ኰይኖም ተረፉ። ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ነዚ ሓቂ ምእንቲ ኼብርህ ናይ ኦምን ጨናፍሩን ስእላዊ መግለጺ ተጠቕመ። እቲ ጕንዲ ወይኒ፡ ክርስቶስ (ዮሃ 151) እቶም ብእኡ ዚኣምኑ ኸኣ ጨናፍርዮም። ኣይሁድ ብምኽንያት እምነት ኣቦታቶም፡ ከም ባህርያውን ጨናፍር ነበሩ። ብክርስቶስ ምእማን ምስ ኣበዩ ግና፡ ካብ ጕንዲ ተሰይሮም ተደርበዩ። ኣህዛብ ግና ብምኽንያት ጣኦታዊ እምነቶም ጨናፍር ናይ ጕንዲ ዘይኰነስ፡ ናይ ካልእ ኣውልዕ በረኻ ጨንፈር ነበሩ። ብክርስቶስ ምስ ኣመኑ ግና፡ ኣብ ክንዲቶም ዝተሰብሩ ኣይሁድ ኰይኖም ኣብ ጕንዲ ወይኒ ተተኽሉ።

እቲ ዜሕዝን ግና፡ ከም ቐደም ኣይሁድ ዘይተሰብሩ ጨናፍር ከለዉ ዚምክሑሎም ዝነበሩ፡ እዞም ኣህዛብ ከኣ ኣካል ናይ ጕንዲ ምስ ኰኑ፡ ነቶም ብሰሪ ዘይምእማኖም ካብ ጕንዲ ተቘሪጾም (ተሰቢሮም) ዝተደርበዩ ኣይሁድ ኪምክሑሎም ጀመሩ። ካብ ጌጋኦም ምእንቲ ኺእርሞም ከኣ፡ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ነዚ ምዕራፍ ኺጽሕፈሎም ናይ ግድን ኰነ። ምኽንያቱ ትምክሕቲ፡ ተቘሪጽካ ኽትድርበይ ዚገብር ከቢድ ሰይጣናዊ ባህርይዩ። ሓደ ጽቡቕ መንፈሳዊ ሓለፋ ኽትረክብ ከለኻ፡ ፍርሃት ኣምላኽን ትሕትናን ደኣምበር፡ ትምክሕትን ትዕቢትን ኪስምዓካ ኣይግባእንዩ። ምኽንያቱ እምነት ካብ ኣምላኽምበር፡ ካብ ሰብ ስለ ዘይኰነት፡ ብእምነትካ ምምካሕ፡ ኣብ ልዕሊ ሰብ ጥራሕ ዘይኰነስ ኣብ ልዕሊ ኣምላኽውን ኢኻ እትምካሕ። ነቲ ደገ እምነት ዝኸፈተልካን ብቓሉን ብመንፈሱን ኣባኻ እምነት ዘሕደረን ኣምላኽ እንተ ተመኪሕካሉ፡ በቲ ዝተዋህበካ ጽቡቕ ዕድል ኣብ ክንዲ ትረብሕ፡ ብእኡ ተዓንቂፍካ ትወድቕ ኣለኻ ማለትዩ። ካብ ዚኸፍእ ወጽዓን ዕሽነትን ከኣ የልቦን። ስለ ቅዱስ ጳውሎስ፦

ኣምላኽ ነቶም ካብ ባህርዮም ጨነፍር ዝነበሩ ካብዘይነሓፎም፡ ንዓኻውን ኣይኪንሕፈካንዩ።. . . ንሳቶም ኣብቲ ዘይምእማኖም እንተዘይጸንዑ ግና፡ ኣምላኽ ከም ብሓድሽ ኪተኽሎም ይኽእልሞ፡ ኺትከሉዮም። ንስኻ ካብ ብባህርያ ኣውልዕ በረኻ ተቖሪጽካ ብዘይመገዲ ባህርይ ኣብታ ጽብቕቲ ኣውልዕ ካብ ተተኸልካስ፡ እቶም ብባህርዮም ጨነፍር ዝነበሩ ግዳ ከመይ ኣብታ ኦም ኣውልዖም ኣጸቢቖም ዘይትከሉ።

ብምባል ናብ ልቦም ኪመልሶም ዝተጋደለ (ሮሜ 1121,23,24) ሳላ እምነት ተተኺልካ ኸተብቅዕ፡ ብሰሪ ኣጕል ትምክሕቲ ምቝራጽ ድማ፡ ብሱሩ ካብ ዘይምእማን ኣዝዩ ዝኸፍአዩ።

ዘይምእማን ንመን ዜጥቅዖ፧ ካብ ተመክሮ ናይ ኣይሁዳውያን ከም እንግንዘቦ፡ ዘይምእማን ብዝያዳ ዜጥቅዖ፡ ነቲኣማኒኢሉ ዚሓስብ ውልቀ ሰብን ህዝብንዩ። ኣይሁድ፡ንሕና ደቂ ኣምላኽ፡ ደቂ ኣማኒ ኣብርሃም ኢናኢሎም ዚምክሑ ህዝቢዮም ዝነበሩ። ጐይታ ግና ደቂ ድያብሎስ ከም ዝዀኑ ይነግሮም ነበረ (ዮሃ 837-44 ማቴ 2333) ንኣምላኽ ከም ዚፈልጥዎን ከም ዚኣምንዎን እናተዛረቡ ኸለዉ፡ ነቲ ኣምላኽ ዝለኣኾ፡ ጐይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ግን ኪቕበልዎን ኪኣምንዎን ኣይከኣሉን። እግዚኣብሔር ከኣ ከም ናቱ ይፈልጦም ስለ ዝነበረ፡ ንክርስቶስ ቅድም ናባታቶም ለኣኾ (ዮሃ 111,12 ግብ 319,20,25-26 ሮሜ 94,5) ንሳቶምደቀ መዛሙርቲ ሙሴ ኢናይብሉ ነበሩ (ዮሃ 927,28) ሊቀ ነብያት ሙሴ፦

ሙሴ ድማ፡ እግዚኣብሔር ኣምላኽኩም ከም ዝኸማይ ዝበለ ነብዪ ኻብ ኣሕዋትኩም ኬተንስኣልኩምሞ፡ ንሱ ዚብለኩም ዘበለ ዂሉ ስምዑ። ኪኸውን ከኣዩ፡ነቲ ነብዪ እቲ ዘይትሰምዕ ዘበለት ነፍሲ ኻብ ህዝባ ኽትምንቈስያ፡በለ።ኢልዎም ስለ ዝነበረ ግና፡ እቲነብዪዝተባህለ ክርስቶስ ምስ መጸ ኪቕበልዎ ይግባእ ነይሩ (ግብ 322,23) በዚ ተግባሮም ግና፡ ዋላ ንሙሴውን ከም ዘይኣምንዎ ተቓልዑ። ጐይታውን፡ ነዚ ሓቂዚ፦

"ኣነ ኣብ ኣቦ ዝኸሰኩም ኣይምሰልኩም። ዚኸስኩምሲ አሎ፡ ንሱ ኸኣ እቲ ንስኻትኩም ተስፋ እትገብርዎ ሙሴዩ። ንሙሴ እንተ ትኣምንዎስ፡ ንሱ ብዛዕባይ ጽሒፉ አሎሞ፡ ንኣይ ድማ ምኣመንኩምኒ ኔርኩም። ነተን ጽሑፋቱ ኻብ ዘይትኣምንወን ግና፡ ከመይ ኢልኩም ደኣ ንቓለይ ክትኣምንዎ፡

ብምባል ኣረጋጊጹሎም (ዮሃ 545-47)

እምበኣር ንሕናውን ካብ ሓቂ ብዙሕ ክንመሃርን ርእስና ኽንምርምርን ይግብኣናዩ። ከመይሲ ኣማኒ ዝዀንካ እናመሰለካ፡ ዘይኣማኒ ዄንካ ኻብ ምርካብ ዚኸፍእ ጥበራ የልቦን። ናይ ጐይታና ደቀ መዛሙርቲ፡ ብጐይታና ዚኣምኑ ሰባት ክነሶም፡ ዘይምእማን ግን ብዙሕ ይፈታተኖም ከም ዝነበረ ቅዱስ ወንጌል ደጋጊሙ ኣረጋጊጹልና ኣሎ። ጐይታናውንኣቱም ጕድላት እምነትእናበለ ይግስጾም ነበረ። ብዘይምእማኖም ኪጭነቑ ኣብ ዝረኣዮም እዋን፡እታ እምነትኩም ደኣ ኣበይ ኣላ፧ዝበሎም ኣጋጣሚውን ነይሩ (ሉቃ 825 ማቴ 630 826 1431 168 1720) ድሕሪ ትንሳኤኡ፡ ብኣካል ኣብ ቅድሚኡ ደው ኢሉ እናዘራረቦም ከሎውን፡ተንሲኡኢሎም ኪኣምኑ ስለ ዝተጸገሙ ድማ፡ ወንጌላዊ ማርቆስ፡ስለ ዘይምእማኖም ትርሪ ልቦምን ዘለፎምብምባል ገሊጹልና ኣሎ (ማር 1614) ከይቀበጽካ ከይተሓለልካ ክትጽልይ ናይ ዘይምኽኣልና መሰረታዊ ጠንቂ ዘይምእማንዩ። ካብ ውድቀት ምእንቲ ኼናግፈና ብኣብነታዊ ምስላ ድሕሪ ምስትምሃሩ፡ ጐይታና፦

እንተ ዀነ ግዳ ወዲ ሰብ ምስ መጸ፡ እምበርዶ ኣብ ምድሪ እምነት ኪረክብዩ፧

ብምባል ብዛዕባ ዘይምእማንና ብኣስተንክሮ ተዛረበ (ሉቃ 188) ከይቀበጽካ ብዛዕባ ምጽላይ ኣብ እምነት ንዘየለዉ ኣረማውያን ዘይኰነስ፡ ንኣመንቲ ዚወሃብ ትምህርቲዩ። እዚ ኸኣ ገና ኣብ እምነት ዘለና እናመሰለና፡ እምነት-ኣልቦ ዄንና ኸይንርከብ ክንፈርህን ክንጥንቀቕን ዜለብመና ምህሮዩ። ከመይሲ እቲ ሃዋርያዊ ቓል፦

ስለ እቲ ደው ኢሉ ዘሎ ዚመስሎ፡ ከይወድቕ ይጠንቅቕ።

ኢሉ ምዒዱና ኣሎ (1ቈረ 1012) ኣዝዩ ጽፉፍን ጽቡቕን መሰረተ-እምነት ሃልዩካ፡ ኣብቲ ዕለታዊ ናብራኻ ግን ብዘይ እምነት ትመላለስ ምዃን፡ኣብ እምነት ኣለኹኬብለካ ኣይክእልንዩ። ከምተን፡ ልክዕ ከም ብጾተን፡ ጽቡቕ ቀንዴል ኣብ ኢደን እናሃለወን፡ ግናኸ ዘይቲ ዘይነበረን፡ ኬብርሃ ዘይከኣላ ሓሙሽተ ዓያሱ ደናግል ኴንካ ኢኻ እትተርፍ። እቲ መርዓዊ ድማ፡እንተ ወሓደ ቀንዴል ኣብ ኢደን ዘለወን፡ ደናግል ኰይነን ንኣይ ኪጽበያ ዝጸንሓየንኢሉ ብድንጋጸ ኣይረኣየንን። ጐይታ፡ ኣርሕወልና ዀታ!” ኢለን ምስ ለመናኦ፡ብሓቂ ኣይፈልጠክንንደኣ በለን (ማቴ 251-13) ቀንዴል ሃልዩካ ዘይቲ ዘይብልካ ምዃንን፡ ሃይማኖት ሃልዩካ እምነት ዘይብልካ ምዃንን፡ ንመፈጸምታኻ ዜበላሽው፡ ምርጫ ዓያሱዩ። በዚ ዓሻ ምርጫ ኣብ መወዳእታ ጉድ ምእንቲ ኸይንኸውን ከኣዩ፡ ቅዱስ ጳውሎስ፦

ኣብ እምነት ምህላውኩምን ዘይምህላውኩምን ምእንቲ ኽትርድኡ፡ ንገዛእ ርእስኹም መርምሩ፡ ከምኡውን ፈትኑ። ጨሪስኩም ኣብ ምርመራ ወዲቕኩም እንተ ዘይኴንኩምሲ፡ ክርስቶስ ኣባኻትኩም ከም ዘሎ ኸተስተውዕሉ ኢኹም። ንሕና ግና ኣብ ምርመራ ኸም ዘይወደቕና ኽትፈልጡ ተስፋ እገብር ኣለኹ።

ኢሉ ዝመዓደና (2ቈረ 115,6 .)ኣብ ምርመራ ወዲቕካማለት፡ ርእስኻ ምስ መርመርካስ እምነት ዘይብልካ ዄንካ ጸኒሕካ ማለትዩ። ኣብ ምርመራ ተዓዊትና ማለት ከኣ ብእምነት ምሉእ ኴንና ተረኺብና ማለትዩ፡ ህላወ እምነት ከኣ፡ ክርስቶስ ኣብ ውሽጥና ይነብር ከም ዘሎ ዜረጋግጽዩ፡ ኣብ ዘይኣመኖን ዝኸሓዶን ሰብ ግና ክርስቶስ ኪነብር ኣይክእልንዩ። ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ገዛእ ርእሱ መርሚሩስ ብእምነት ምሉእ ከም ዝዀነ ዘረጋገጸ ሃዋርያ ነበረ። ንሕናውን ሃዋርያዊ ሃይማኖት ዘሎና፡ ኣብ መሰረት ነብያትን ሃዋርያትን ዝተሰረትና ክርስትያን እንተ ዄንና፡ ብዘይ ምቍራጽ ርእስና እንምርምርን፡ ኣብ ምርመራ ኸኣ ብዓወት ከም እንሳገርን ከነረጋግጽ ናይ ግድንዩ። ጐይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ እቲ ቕዱስ መርዓዊ፡ ብምጽኣቱ ምስ ተገልጸ፡ ሽዑ ናይ ምርመራ ጊዜ ዘይኰነስ፡ ጻማ ባዶነትካ እትፍደየሉ ሕሱም ጊዜዩ። መሓውር ብእርጋን ምስ ተጸምደ፡ ሽዑ ኣይኰነን ርእስኻ ዚምርመር። ምኽንያቱ እቲ እርጋን ነእምሮኻን ነተሓሳስባኻን ድማምበር፡ ንመሓውርካ ጥራሕ ኣይኰነን ዚጸምድ። ብሕማም ይኹን ብሓደጋ ንሞት ምስ ተቓረብካ ነቲ ምርመራ ኽትገብሮ ኸይትትስፈው ከኣ፡ ኣብ እዋን ኣእምሮ ብዛዕባ ንስሓን እምነትን ዘይኰነስ፡ ብዛዕባ ትንፋስ ዚኸልእ ቃንዛን ስቓይን ዚሓስብ። ምሉእ ዘመኑ ብዛዕባ እምነቱ ንማለቱ ዘኪሩ ዘይፈልጥ ኣእምሮ፡ ኣብ ህሞትቲኣ በየናይ ተኣምር ኪሓስቦ ይኽእል፧ ብህይወትካ እናሃለኻ ዘመን ንስሓኻን ዘመን ምሕረትካን ምጽንቃቕ ከም ዘሎውን ኺዝንጋዕ ኣይግባእን (ሉቃ 1942-44 እብ 64-6 1026-29 1215-17) ስለ ኢና መዓልቲ መጸ ናይ እምነት ምርመራ ኽንገብር ዚግብኣና።

ኣብ እምነት ምህላውናን ዘይምህላውናን ብኸመይ ኢና ነረጋግጽ፧ ብእምነት ንመላለስ ከም ዘለና እነረጋግጽ፡ ንዅሉ ተግባራትናን ዘረባናን ኵነታትናን ዝምድናታትናን ብእምነት ነመሓድሮ እንተሊና ጥራሕዩ። ዝዀነ ነገር ክንገብር ወይ ክንዛረብ ከለና፡ነዚ ነገር ኽገብር ወይ ክዛረብ እምነተይ የፍቅደለይ ድዩ፧ወይ ከኣ፡እምነተይ ብዛዕባ ጕዳይ እንታይ ክገብር ወይ እንታይ ክዛረብ ዚእዝዘኒ፧ክንብል ይግባእ። ንኣብነት ሓደ ሰብ ኣብ ልዕሌና ሓደ በደል ምስ ዚፍጽም፡ እቲ እንህቦ ግብረ-መልሲ ኣብ እምነትና ዚምርኰስ። እቲ ብእምነት ክርስቶስ ዝመልአ ሰብ፡እንታይ ኽገብር ዚግብኣኒ፧ኢሉ ርእሱ እንተ ሓቲቱ፡ ቃል እግዚኣብሔር ኰነ መንፈስ ቅዱስ፡ተዓገሶ፡ ኣፍቅሮ፡ ብዛዕባ ዝበደለካ ምሕረት ግበረሉ፡ ካብ ኣትይዎ ዘሎ ናይ ገሃነም ዜፍርዶ ኣበሳ ኣናግፎኢሉ ዚምልሰሉ። ንሱ ኸኣ ንእምነቱ ዚእዘዝ ሰብ ስለ ዝዀነ፡ ነቲ ዝተባህሎ ዅሉ ይትግብሮ። እቲ ኣብ እምነት ዘየለ  ሰብ ግና፡ እንታይ ኪገብር ከም ዚግብኦ፡ እቲ ሽዑ በቲ በደል ዝተራሰነ ስምዒቱ ደኣ ዚእዝዞምበር፡ ንኣምላኹን ንእምነቱን ዚዝክረሉ ዓቕምን ፍቓድን የብሉን። እቲ ዝተቓጸለ ስምዒቱ ኸኣ፡ሕነ ፍደይ፡ ጽልኣዮ፡ ክሰሶ፡ ተፈለዮ፡ ሕመዮይብሎምበር፡ ብጽድቂ ኺዋሳእ ኣየኽእሎንዩ።

ህላወ እምነትና ዚፍትሹ ኵነታትውን ኬጋጥሙና ይኽእሉዮም። ሕማም፡ ስእነት፡ ምጕዳል ፍትሒ፡ ከቢድ ክሳራ፡ ስእነት ውላድ፡ ፍትሕ፡ ሞት ቀረባ ሰብካ (ውላድ፡ መጻምድቲ ወላዲ ወዘተ) ገለ ኻብቶም ህላወ እምነትና ብዘይ ንሕሰያ ዚፍትሹን ዜቃልዑን ኵነታትዮም። እቲ ቕዱስ ወንጌል ደጋጊሙ ዜዘንትወልና መሃርቲ ፍጻመታት፡ ምስ ሕማም ዝተተሓሓዘ እምነት ዚጠልቡዮም።እምነትኪ ኣድሓነትኪ፡ እምነትኪ ዓባይያ፡ እምነት ከም ዘላቶ ርእዩወዘተ ዚብሉ ምስክርነታት ተዋሂቦም ኣለዉ (ማቴ 92,22 1528 810) ንኣናውን ሕማም ብብዝሕን ብዝኸበደን ደኣ የጋጥመና ኣሎምበር፡ ኣይነሓፈናን። ዳርጋ ዅላትና ድማ እምነት-ኣልቦ ምዃንና የቃልዓና ኣሎ። ንሕክምና ናይ ሰባትምበር፡ ነቲ ፈዋስነት ናይ ኣምላኽ ዝረሳዕናዮ ንመስል። ምስ ሓመምና ብጸሎት ናብ ኣምላኽ ዘይኰነስ ብቴሌፎን ናብ ሓካይም ክንድውል ይቐልለና። ካህናትና ብምስጢረ ቀንዴል ኬገልግሉና ፈጺምና ኣይንጽውዕን ኢና። ቤተ ክርስትያንና በዚ ምስጢር ንሕሙማት ከም እተገልግል ዚፈልጥውን ዳርጋ የብልናን ንምባልውን ዜስክፍ ኣይኰነን። በዚ ምስጢር ኼገልግሉ ዚተብዑን ዚተግሁን ካህናትውን በጻብዕ ዚቝጸሩ ውሑዳትዮም። ካህናት ኰንና ምእመናንና ብእምነት ተዳኺምና ኸም ዘለና ዜርእይ ኣዝዩ ዜሰክፍ ተርእዮ ኸኣዩ። ካልኦት በዳህቲ ማሕበራዊ ጸገማት ኬጋጥሙና ኸለዉ ኸኣ፡ ብዛዕባ ሰብኣዊ ፍታሕምበር፡ ብዛዕባ ኣምላኻዊ ናይ እምነት ፍታሕ ምሕሳብ ንሽገር ኣለና። ብኣንጻሩ ደኣ፡ክርስትያንእናበለ ናብ ጠንቈልትን ኣስማተኛታትን ዜዘውትር ህዝብና ይበዝሕ። እዚ ኸኣ ኣባና ኻብ እምነት ኣምላኽ ንላዕሊ እምነት ሰይጣን እናሓየለ ይኸይድ ከም ዘሎ ዜረጋግጽዩ።

ቃል እግዚኣብሔር ግና፡ ብእምነት ዘይንገብሮ ዘበለ ዅሉ ተግባር፡ ሓጢኣት ምዃኑ፡ ብዘይ እምነት ከኣ ንኣምላኽ ከነስምሮ (ኸነሐጕሶ) ኸም ዘይንኽእል ብንጹር ኣረጋጊጹልናዩ። ካብ እምነት ብዝጐደልና መጠን፡ ካብ ኣምላኽ እናረሓቕና ንኸይድ ከም ዘለና ኸነስተውዕል ይግባእ።

ግናኸ ካብ እምነት ዘይኰነ ዘበለ ዅሉ ሓጢኣትሞ፡ እቲ እናተወላወለ ዚበልዕ፡ ብእምነት ስለ ዘይበልዐ፡ ይዅነን።ሮሜ 1423

ብዘይ እምነት ግና ንኣምላኽ ኬስምርዎ ኣይከኣልንዩ። እቲ ናብ ኣምላኽ ኪመጽእ ዚደልይ፡ ንሱ ኸም ዘሎ ዘሎን፡ ነቶም ዚደልይዎ ዓስቢ ኸም ዚህቦምን፡ ኪኣምን ይግብኦዩ።እብ 116

ኣብ ምድሪዚኣ ብህይወት ክሳዕ ዘለና፡ ናይ ዘይምእማንና ፍረን ውጽኢትን ከይረኣየና ይኽእልዩ። ብኣንጻሩ ንዘይምእማን ከም ጅግንነትን ረብሓን፡ ንምእማንውን ከም ዕሽነትን ሕመቕን ክንቈጽሮ ንኽእል ኢና። ግደ ሓቂ ብዘይ እምነት ምንባር ክንመርጽ ዚጥብረናን ዜጋግየናን ዘሎውን ንሱዩ። ነብዪ ኣሳፍውን በዚ ኣተሓሳስባ ተፈቲኑ (መዝ 732-12,15-22 ምሳ 2317,18 2419,20 መዝ 371,2,7-11,34-38) እቲ ናይ መወዳእታን ዘለኣለማውን ፍዳ ናይ ዘይኣምኑ ግና ኣዝዩ ዜሰክሕዩ።

እቶም ፈራሃትን ዘይኣምኑን ፍንፉናትን ቀተልቲ ነፍስን ኣመናዝርን ጠንቈልትን መምለኽቲ ጣኦትን ብዘለዉ ሓሰውትን ግና፡ ግዲኦም ኣብቲ ብሓውን ዲንን ዚነድድ ቀላይ እዩ፡ እዚ እቲ ኻልኣይ ሞት እዩ፡ በለኒ።ራእ 218

ስለ ብመንጽር ዜስክሕ መፈጸምታ ናይ ዘይምእማን ርእስና ኽንምርምር፡ ግብርናን ናብራናን ዘረባናን ዝምድናታትና ዅነታትናን ብምልኣት እምነት ንነብሮን ነመሓድሮን ከም ዘለና ኸነረጋግጽ ይግብኣና።

ክፋእ ናይ ዘይምእማን እንታይዩ፧ ክፋኡ ኣብ ሓጺር ዓንቀጽ ገሊጽካ ዘይውዳእ እንተ ዀነ፡ ነዘን ሒደት ነጥብታት እንተ ጠቐስና ይኣኽለናዩ።

1. ኣእምሮኻን ሕልናኻን የርክስ ምዃኑ፦ ንዅሉ ነገርና በእምሮና ስለ እነመሓድሮ፡ ኣእምሮናን ሕልናናን እንተ ረኺሱ፡ ኵለንተናና ዚረክስ። ቅዱስ ጳውሎስ፡ ነዚ ሓቂ ኣብ ቲቶ 113-16 . ጽቡቕ ገይሩ ገሊጹዎ ኣሎ።ንኸም ዝበለ ዜፈንፍን ርኽሰት ኣሕሊፉ ዚህበና ኸኣ፡ ዘይምእማን ስለ ዝዀነ፡ ካብ ኣጋንንታዊ ባህርይ ኽንሃድም ይግብኣና።

2. ቍጥዓ ኣምላኽ ኣባኻ ኪነብር ይገብር ምዃኑ፦ እግዚኣብሔር ነቶም ኣብ ዘይምእማን ዚነብሩ፡ ቍጥዓኡ ንዘለኣለም ኣባታቶም ከም ዚነብር ይገብር። ቍጥዓ ኸኣ ኣሽንኳይ ናይ ኣምላኽ ኰይኑ፡ ናይ ሰብ ኽትጾሮ ዚከኣል ኣይኰነን። ኣብቶም ንእምነቶም ዘይእዘዙ ዘይኣመንቲ ሰባት ቍጥዓ ኣምላኽ ዘየምልጡሉ ጽሕፍቶኦም (ኤፌ 56 1ተሰ 215,16 ዮሃ 336)

3. ናብ ሰማያዊ ዕረፍቲ ኸይንኣትው ዚዕንቅፍ ምዃኑ፦ ነቶም ብስጋ እስራኤላውያን ዚዀኑ፡ ዕረፍቶም ኣብ ምድሪ ተስፋ (ከንኣን)’ ዝነበረ። ናይ ክርስትያን ዕረፍቲ ግን ኣብ መንግስተ ሰማያት ኣብ ሰማያዊት ኢየሩሳሌምዩ። ናብ ተስፋዚኣ ኸይንኣትው ዚኽልክለና ኸኣ ዘይምእማንዩ። ዘይምእማንና ኸኣ በቲ እነዘውትሮ ሓጢኣትን ዘይምእዛዝን ዚገሃድ።

ዓመጽቲ ንመንግስቲ ኣምላኽ ከም ዘይወርስዋዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ ኣይትስሐቱ፡ ኣመንዝራታት፡ ወይ መምለኽቲ ጣኦት፡ ዘመውቲ፡ ወይ ሕንቁቓት፡ ወይ ግብሪ ሶዶም ዚገብሩ፡ ሰረቕቲ፡ ወይ ስሱዓት፡ ወይ ሰካራት፡ ወይ ተጻረፍቲ፡ ወይ ዘረፍቲ ንመንግስቲ ኣምላኽ ኣይኪወርስዋንዮም።” 1ቈረ 69-10

እምብኣርሲ ናብ ዕረፍቱ ንምእታው ተስፋ ኻብ ዚተርፈልና፡ ምናልባሽ ሓደ ካባኻትኩም ድሕሪት ተሪፉ ኸይህሉ፡ ንፍራህ።....ግብሩ ኻብ ምስራት ዓለም ተወዲኡ ኽነሱ፡ ከምቲ ብቝጥዓይ፡ ናብ ዕረፍተይ ኣይኪኣትዉን እዮም፡ ኢለ ዝመሐልክዎ፡ ከም ዝበለ፡ ንሕና እንእምንሲ ናብ ዕረፍቱ ንኣቱ ኢና። .... ስለዚ ሓደ እኳ ናይቲ ዘይምእዛዝ ኣርኣያ ወሲዱ ኸይወድቕ፡ ናብታ ዕረፍቲ እቲኣ ክንኣቱ ንጋደል።”  እብ 41,3,11

ካብ ዘይምእማን ክንድሕንከ እንታይ ንግበር፧ እቲ ቐዳማይ መፍትሒ ጸሎትዩ። ቅዱሳን ደቀ መዛሙርቲ እምነቶም ምሉእ ዘይምዃኑ ዘይምእማን ብቐጻሊ ይፈታተኖም ከም ዘለዉ ምስ ተገንዘቡ፡ ንጐይታናእምነት ወስኸናኢሎም ለመንዎ (ሉቃ 175) ንሕናውን ነዚ ጸሎት መዓልቲ መጸ ኸነዘውትሮ፡ ዘይምእማን ኬጥቅዓና ኸሎ ኸኣ፡ንዘይምእማነይ ደግፎእናበልና ኽንምሕጸን ይግብኣና (ማር 922,24) ከመይሲ እምነት ህያብ ኣምላኽ (ግብ 1730,31 ይሁ 3) ንሱ ኸኣ ነቶም ብቕንዕና ዚልምንዎ ኸየስተሓፈረ ብልግሲ ዚህብ ኣምላኽ ምዃኑ ንዘክር (ያእ 15)  እቲ ኻልኣይ ክንገብሮ ዚግባእ ከኣ ብእምነትካ ርእስኻ ኽትሃንጽ ምኽኣልዩ።

ንስኻትኩም ግና፡ ኣቱም ፍቁራተይ፡ በታ ኻብ ኵሉ እተቐደሰት እምነትኩም ንርእስኹም እናሀነጽኩም፡ ብመንፈስ ቅዱስውን እናጸሌኹም፡ ነቲ ናብ ህይወት ዘለኣለም ዜብጽሕ ምሕረት ጐይታና የሱስ ክርስቶስ እናተጸቤኹምሲ፡ ንርእስኹም ብፍቕሪ ኣምላኽ ሓልውዋ።ይሁ 2021

ብስፖርት ኣካላቱ ዝሃነጸ ሰብ፡ ብዝዀነ ኣካላዊ ፈተና ኸም ዘይግዳዕ፡ እቲ ብእምነት ርእሱ ዝሃነጸ ሰብ ከኣ፡ ብዚገጥሞ ዅሉ ዓይነት መንፈሳውን ስጋውን ፈተና ኣይናወጽንዩ። ሰይጣን ከም ዚጓዝም ኣንበሳ ዀይኑ ብሓሳረ መከራ እንተ ተጋደሎኳ፡ ብእምነት ጸኒዑ ይዋግኦን ይስዕሮንምበር፡ ከቶ ኣይስነፍን (1ጴጥ 58,9 2ቈረ 104,5) ዘይምእማን ግን ናብ መንፈሳዊ ስንፍና ዜእትወካ። ኣካሉ ዝማሰነ ሰብ ኣብ ውግእን ባእስን ኪዕወት ኣይክእልንዩ። እምነቱ ዝማሰነ  ሰብ ከኣ ኵሉ ጊዜ ብሓጢኣት ኪሰዓር ዚነብር። ስለ ኸኣ ቃል እግዚኣብሔር፡ ንርእስና ኻብ ዘይምእማን ክንሕልው ዚእዝዘና።

ኣቱም ኣሕዋተየ፡ ሎሚ ኺብሃል ከሎ፡ ኣብ ጸጽባሕ ንሓድሕድኩም ተመዓዓዱምበር፡ ሓደ ኻባኻትኩም፡ ሓጢኣት እናኣዓሸዎ ኸይተርርሞ፡ ምናልባሽ ኣብ ሓደ ኻባኻትኩም ካብ ህያው ኣምላኽ ዜርሕቕ፡ እኩይ ዘይኣምን ልቢ ኸይህልው፡ ተጠንቀቑ።እብ 312,13

እምበኣር ንርእስና ኣዕሚቝና ብምምርማር፡ ኣብ ከመይ ዝበለ መንፈሳዊ ሃለዋት ከም ዘለና ንፍለጥ። ካብቶምእንድዒ፡ እምበርዶ እምነት ክረኽበሉየ፧ዚበሃሉ ኸይንኸውን ርእስና ንሓልው። ከም እስራኤላውያን፡ ስኣን ምእማኖም ካብ ጕንዲ ሓቂ ዝተደርበዩ ኸይንኸውን ንጠንቀቕ። ብሰሪ ዘይምእማን ኣእምሮኻ ምርኻስን፡ ካብቶም ቍጥዓ ኣምላኽ ኣባታቶም ዚነብር ደቂ ቝጥዓ ምዃንን፡ ንጕድኣት ርእስኻ ተዓጢቕካ ደው ምባልዩ። ዘይምእማን ናብ ቀላይ ሓዊ ንዘለኣለም ዜደርብይ ኣበሳ ምዃኑ ወርትግ ንዘክር። ንኣምላኽ ዘይምእማን ማለት ንኣምላኽ ምንዓቕን ምቅላልን ማለት ስለ ዝዀነ፡ ሰይጣን በዚ ኣበሳ እናዘንግዐ ናብ ገሃነም ኸይከትተና ወርትግ ርእስና እናመርመርና ጐደሎና ንመልእ። ከምተን ለባማት ደናግል ንኹን!!

ጸጋ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።

ዕለት፥ ጥቅምት ፲፬, ፳፻፲፬  ግዕዝ (24 ጥቅምት 2021 ፈረ).  7ይ ሰንበት10/፲ ]

ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባባት

ዲያቆን

ንፍቀ ዲያቆን

ንፍቀ ካህን

ወንጌል

ቅዳሴ

ሮሜ 11፡13-28 ያእ 1፡9-21 ግብ 7፡23-ፍጻ ማቴ 20፡1-16 ዘእግዚእትነ ማርያም

መዝ ፻፲(፻፲፩)፡፬-፭ "መሐሪ ወመስተሣህል እግዚአብሔር። ሀቦሙ ሲሳዮሙ ለእለ ይፈርህዎ። ወተዘከረ ኪዳኖ ዘለዓለም።"

"ንተኣምራቱ መዘከርታ ገበሮ፡ እግዚኣብሔር መሓርን ርሕሩሕን’ዩ። ንዚፈርህዎ ምግቢ ይህቦም፡ ኪዳኑ ንዘለኣለም ይዝክር።"

 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div