S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ለባምን ኣስተውዓልን መን’ዩ፧ [10ይ ሰንበት: ቊ.13/፲፫ ]

“ኣብ ማእከልኩምከ ለባምን ኣስተውዓልን መን’ዩ፧ ንሱ ብሰናይ ኣካይዳኡ ብለውሃት ጥበብ ገይሩ ግብሩ የርእይ።” ያእ 3፡13። እዚ ሰንበትዚ፡ ከም ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና፡ ናይኣስተምህሮዝተሰምየ ቕንያት ሳልሳይ ሰንበትዩ። ናይ ዕለት ንባባት ሓድሽ ኪዳን ካብ ዜቕርቡልና ብዙሕን ኣገዳስን ኣርእስታት ሓደ ድማ፡ እዚ ልቦናን ምስትውዓልን ናይ ሰብ ብኸመይ ከም ዚፍለጥን ከም ዚግለጽን ዜስተምህር ኣርእስቲዩ።

እቶም ልቦናና ኣብ ምፍላጥ ዜጋጥሙና ጸገማት እንታይዮም፧ እቲ ቐዳማይ ኣበየናይ ደረጃ ናይ ልቦና ኸም ዘለኻ ዘይምፍላጥዩ። ነዚ ኣርእስቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዚገብሮ ለባም ዝዀነ እናመሰሎ ዕሽነቱ ኺገልጽ ዚነብር ሰብ ምብዝሑዩ። ዓሻ ሰብ ዕሽነቱ ኺፈልጥን ኪርዳእን ዚኽእል እንተ ዚኸውን፡ እቲ ዝበለጸ ለባም ምዀነ ነይሩ። ምኽንያቱ ልቦና ዚብሃል ነቲ ዜኽፍኣልካን ዜጥፍኣካን ዕሽነት ብኣግኡ ኣለሊኻ ከተወግዶ ምኽኣልዩ። ንዅሉ ሰብ ኣብ ቅድሚ ሰባት ዜዋርዶ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ድማ ዜፍርዶ ዘሎ፡ ነቲ ዕሽነቱ ኸም ዝበለጸ ልቦና ገይሩ ዚወስዶን ዚምክሓሉን ምዃኑዩ። ከምኡ ዀይኑ ስለ ዝተጠበረ ኸኣ፡ ዕድሚኡ ምሉእ ኪደጋግሞ ይነብር። ካብ ኽውንነት ብምብጋስ እምበኣር፡ ንወዲ ሰብ እቲ ዝኸፍአ ፈተናኡ፡ ለባም ወይ ዓሻ ምዃኑ ምፍላጥ ወይ ምልላይዩ። ኣብ ፈተና ብቐጻሊ ንወድቕ ስለ ዘለና ኸኣዩ፡ ዓለምና ጥራሕ ዘይኰነስ፡ ኣብያተ ክርስትያናትና ኸይተረፈ ብዓያሱ ተመሊኡ ዘሎ። ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፡ ነዚ ዝበልናዮ ዚገልጽ ግሩም ሓሳባት፡ ብኸም ዚስዕብ ጽሒፉልና ኣሎ።

ግናኸ ንኣምላኽ እናፈለጥዎስ፡ ከም ኣምላኽ ገይሮም ስለ ዘየኽበርዎን ዘየመስገንዎን ብሓሳቦም ከንቱ ዀኑ፡ እቲ ዘየስተውዕል ልቦምውን ጸልመተ።ለባማት ኢናእናበሉ ዓሸዉ . . .” ሮሜ 121,22 ብዓሻኡለባምኢሉ ንዚሓስብ ዝተጠበረ ሰብ ከኣ ከመይ ጌርካ ኸተቕንዖን ልቦና ኽትስዅዓሉን ይከኣል፧ ይትረፍ ንሰብ ንኣምላኽውን ከቢድዩ። ናይ ክእለት ሕቶ ዀይኑ ዘይኰነስ፡ እግዚኣብሔር ኣገዲዱ ስለ ዘየመንግግን፡ ነቲ ፈትዩ ዝሃበና ናይ ነጻ ፍቓድ ህያብ ስለ ዘይጠዓሰሉንዩ። ነብዪ ኤርምያስውን ነቶም ብዕሽነቶም ንኣምላኽ ላሕ ዘበሉ እስራኤላውያን፦

ራዛ ኣብ ሰማይ ወርሓቱ ይፈልጥ። ኳትራን ለዃዅቶን ዓያን (ዚበሃላ ኣዕዋፍውን) ዚመጻሉ ግዝያት የስተብህላየን፡ ህዝበይ ግና ፍትሒ እግዚኣብሔር ኣይፈልጥንዩ። ከመይ ኢልኩም ደኣ ኢኹም፡ንሕና ለባማት ኢና፡ ሕጊ እግዚኣብሔር ድማ ምሳና ኣሎእትብሉ ዘለኹም፧. . . ” ብምባል ገኒሕዎም ኣሎ (ኤር 87,8) በዚ ኣገላልጻ መሰረት፡ ካብቶም ብኣርኣያ ስላሴ ዝተፈጥሩ ሰባትሲ እተን ኣዕዋፍ ኣዝየን ዝለበማየን። ሓንቲ በሃም እንስሳ፡ ሃብቲ ኣእምሮ ኻብ ዝተዓደለ ሰብ ንላዕሊ ለቢማ ኽትርከብ ድማ ኣዝዩ ዜሕፍርዩ። ናይዞም ሰባት ዘይለባማት ምዃን ዝኸበደ ዚገብሮ ድማ እቲ ልቦና ዚህብ ሕጊ ኣምላኽ ኣብ ኢዶም እናሃለወ ዘይምልባሞምዩ። ቅዱስ ዳዊት ቃል እግዚኣብሔር ከመይ ከም ዘለበሞ ገሊጹልናዩ። ትእዛዛትካ ንሓዋሩ ምሳይሞ፡ ሓለፋ ጸላእተይ ኣለበመኒ። ምስክራትካ ምስትንታነይሞ፡ ሓለፋ ዅሎም መምህራነይ ለባም ኰንኩ። ትእዛዛትካ ሓልየሞ፡ ሓለፋቶም ሽማግለታት ኣእምሮ ኣሎኒ።መዝ 11998-100

ስለ እቲ ዜለብም ቃል ኣምላኽ ኣብ ኢዶም ሒዞም ወይ ኣብ ኣእምሮኦምን ልሳኖምን ሸምዲዶምዎ እናሃለዉ ኻብ ዓሸዉ፡ ተስፋ መጻኢኦም ጸልማት ኺበሃል ዚኽእልዩ። እቲ ምስ ልቦና ዚተሓሓዝ ካልኣይ ዝኸበደ ጸገምና ኸኣ፡ ነቲ ዝርካቡ ልቦናና ብኸመይ ከም እነርእዮን ከም እንገልጾን ዘይምፍላጥናዩ። ናይ ዕለት ትምህርትና ድማ ብቐንዱ ናብ ኻልኣይ ጸገምና ዘተኰረዩ። ኣምሓራ እንኪምስሉ፡ዘይክኢላ ሰዓማይሲ ንፋጥ ይጽይቕይብሉ። እቲ ንልቦናኡ ብቕኑዕ መገዲ ኼተግብሮን ኬግህዶን ዘይከኣለ ሰብ ድማ ልክዕ ከም ዘይክኢላ ሰዓማይዩ። ስለዚ፡ ልቦና ዘሎናን ዘይብልናን ጥራሕ ዘይኰነ ንልቦናና ኸነተግብረሉ ወይ ክንገልጸሉ እንኽእል ብቕዓት ዘሎናን ዘይብልናንውን ከነረጋግጽ ይግብኣናዩ። ቅድሚ ነዚ ሓሳብ ዘርዚርና ምርኣይና ግና፡ ኣቐዲምና ኽንምልሶ ዚግብኣና ሕቶ ኸም ዘሎ ርዱእዩ።

ብዛዕባ ኣየናይ ልቦና ኢና ንዛረብ ዘለና፧ ኣርእስትና መንፈሳዊ ስለ ዝዀነ፡ ብዛዕባ መንፈሳዊ ልቦና ንዛረብ ከም ዘለና ርዱእዩ። መንፈሳዊ ልቦና ግና ኣብ መንፈሳዊ ጉዳያትን ኣርእስታትን ጥራሕ ዚድረት ኣይኰነን። መንፈሳውነት ዚበሃል ንስጋዊ ናብራኻውን ከይተረፈ ብመንፈሳዊ ልቦና ኸተመሓድር ምኽኣልዩ። ንስጋዊ ጒዳያት ብስጋዊ ልቦና፡ ንመንፈሳዊ ጒዳያት ከኣ ብመንፈሳዊ ልቦና ምምሕዳር ዚበሃል ነገር የለን። ከምኡ እንተ ዀይኑሞ፡ ከምቲ፡ከም ዓሳ ኣብ ባሕሪ፡ ከም ሰብ ኣብ ምድሪዚብል ጽዋ ሩስያውያን ይኸውን ኣሎ ማለትዩ። ኣብ ዘዝኣተናዮ ጒዳያትን ኵነታትን፡ሕጂ ኣየነይቲ ልቢ ተድልየኒ፧እናበልና ኣብ ሓደ ሰብነት ብዙሓት ኣልባብ (ልብታት) ሒዝና ኽንነብር ኣይግባእንዩ። እግዚኣብሔር ዘይጻወሮ ሰብ እንተልዩ ብድርብ ልብን መንነትን ዚነብር ሰብ (ያእ 17,8 48 ማቴ 624 1ነገ 1821) ስለ ብዛዕባ ልቦና ኽንዛረብ ከለና፡ ብዛዕባ ስጋውን መንፈሳውን ናብራና ኸነመሓድረሉ ዚግብኣና መንፈሳዊ ልቦና ንዛረብ ከም ዘለና ርዱእዩ። መንፈሳዊ ልቦና፡ እከይን ሰናይን፡ ፍቓድ ኣምላኽ ዝዀነን ዘይኰነን፡ ንምድሓን ዚጠቅምን ዘይጠቅምን እንፈልጠሉን እንገብረሉን ልቦናዩ። ስለ ኸኣ ሃዋርያ ቕዱስ ጳውሎስ ከም ዚስዕብ ኢሉ ዝመዓደና።

እምበኣርሲ ቕንያቱ ኽፉእሞ፡ ጊዜ ዓዲግኩም፡ ከም ለባማትምበር ከም ዓያሱ ዘይኰነ ኸመይ ብጥንቃቐ ከም እትመላለሱ ተመልከቱ፡ ምእንት ፍቓድ ጐይታ እንታይ ምዃኑ ኣስተውዕሉምበር፡ ዓያሱ ኣይትኹኑ። ዝርገት ኣለዎሞ፡ ብወይኒ ኣይትስከሩ፡ . . . ንጐይታ እናተቐነኹምሉን እናደረስኩምሉን ንሓድሕድኩም እናተዘራረብኩምን፡ መንፈስ ይምላእኩም። ንኣምላኽን ነቦን ስለ ዅሉ ነገር ብስም ጐይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኵሉ ሳዕ እናኣመስገንኩምዎ፡ ንሓድሕድኩም ብፍርሃት ክርስቶስ እዙዛት ኵኑ።ኤፌ 515-21

ሃዋርያ ቕዱስ ጳውሎስ ነዚ ናይ ልቦና መግለጺ ዝዀነ ባህርያትን ግብርታትን ካብ ምዕራፍ 4 ጀሚሩ ኽሳዕ ምዕራፍ 6 ብሰፊሑ ዘርዚርዎ ኣሎ። መንፈሳዊ ልቦና ዘየጥረየ ሰብ ነቲ ተዘርዚሩ ዘሎ ሰናይ ኪገብሮ፡ ነቲ ዘይተደላዪ እከይ ድማ ኼርሕቖ ኣይክእልንዩ። እቲ ጥቕሲ ገሊጹልና ኸም ዘሎ፡ እቲ መንፈሳዊ ልቦናና ኺግለጸሉ ዚድለይ ዘሎ ጊዜ፡ ክፉእ ቅንያትዩ። ክፉእ ቅንያትን ክፉእ ፍጻመታትን ኵነታትን ከኣ ናይ ሰብ ልቦና ወይ ዕሽነት ኪቐልዑ ዝተሰርዑዮም። እቲ ዓሻ ኵሉ ጊዜ ዓሻ ስለ ዝዀነ፡ ዋላ ኣብ ጥዑም ቅንያትውን ዕሽነቱ ኺዓግት ኣይክእልንዩ። እቲ መንፈሳዊ ልቦና ዘጥረየ ሓቀኛ ክርስትያን ግን፡ ክፉእ ጊዜን ኵነታትን ሰብን ኬጋጥሞ ኸሎ፡ ልቦናኡ ንፈታውን ጸላእን ዜግህደሉ ምሹእ መድረኽ ከም ዝተሰርዓሉ ኣስተውዒሉ ኺሕጐስን ብልዑል ጥንቃቐ ኪመላለስን ይግብኦ።

እቲ ብመንፈሳዊ ልቦና ዘይሃብተመ ሰብ ግና፡ ኣብ ኵሉ ዓይነት ጊዜን ኵነታትን ዕሽነቱ ጥራሕ ዜግህድ። ነብዪ ኤርምያስ ንዕሽነት ደቂ እስራኤል ብኸም ዚስዕብ ገሊጽዎሎ። ህዝበይ ዓሻሞ፡ ኣይፈልጠንንዩ፡ ድንዙዛት ደቂዮምሞ፡ ኣእምሮ የብሎምን። እከይ ንምግባር ጥበበኛታዮም፡ ሰናይ ንምግባር ግና ኣይፈልጡንዮም።ኤር 422። ካብ ቓል ኸም እንርድኦምበኣር፡ ልቦናን ጥበብን ናይ ሰብ ኣብ ዚመርጾን ዚገብሮን ግብሪ ዚምርኰስ። እቲ ሰናይ ዚገብር እቲ ንምድሓን ዝለበመ፡ እቲ እከይ ዚገብር ድማ እቲ ንጥፍኣቱ ዝዓሸወዩ። ቃል እግዚኣብሔር ኣነጺሩ ኸም ዚነግረና፡ ናይ መወዳእታ ፍርድናን ድሕነትናን ኣብ ግብርና ዚምርኰስ፡። ነታ ብእምነት ዝኣተናያ ድሕነት ብግብርና ኢና ንነብራ። ስለ ኸኣ ኸም ዚስዕብ ዝተባህለልና።

ፍቓድ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ዚገብር ደኣምበር፡ጐይታይ፡ ጐይታይዚብለኒ ዅሉ፡ መንግስተ ሰማያት ዚኣትው ኣይኰነን። . . . ሽዑ ኣነ፡ኣቱም ገበርቲ- ዓመጻ፡ ከቶ ኣይፈለጥኩኹምን፡ ካባይ ርሓቑክብሎምየ።ማቴ 721,23

ወዲ ሰብ ብኽብሪ ኣቦ ምስ መላእኽቱ ኺመጽእሞ፡ ሽዑ ንነፍሲ ወከፍ ከከም ግብሩ ኺህቦየ።ማቴ 1627

ኣብ መቓብር ዘለዉ ዅላቶም ድምጺ ዚሰምዑላ ሰዓት ክትመጽእያ። ሰናይ ዝገበሩ ናብ ትንሳኤ ህይወት፡ እኩይ ዝገበሩ ኸኣ ናብ ትንሳኤ ፍርዲ ኺወጽዮምሞ፡ በዚ ኣይትደነቑ።ዮሃ 528,29

ንሱ ንነፍሲ ወከፍ ከከም ግብሩ ኺፈድዮዩ። ማለት ነቶም ሰናይ እናገበሩ ተዓጊሶም ግርማን ክብርን ዘይምጥፋእን ዚደልዩ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪህቦምዩ። ነቶም ንዓመጻ ዚእዘዙምበር፡ ንሓቂ ዘይእዘዙ መሻረውቲ ግና፡ ቊጥዓን መዓትን ኪወርዶምዩ። እከይ ንእትገብር ዘበለት ነፍሲ ሰብ ጭንቀትን ጸበባን ኪወርዳዩ። . . . ሰናይ ንዚገብር ዘበለ ዅሉ ግና ግርማን ክብርን ሰላምን ኪወሃቦዩ። ሮሜ 26-10

መሪሕ ጥቕስናኸ እንታይ ዚምዕደናን ዚእዝዘናን ዘሎ፧ ኣብኡ ብንጹር በሪሁልና ኸም ዘሎ፡ እቲ ለባምን ኣስተውዓልን ሰብ፡ ንልቦናኡ ብግብሩ ዜርእዮ ወይ ዚገልጾ። ካልእ ጥበብን ካልእ መገድን የለን። ብቓላት ወይ ብስምዒታት (emotions) ጥራሕ ዚግለጽ ልቦና የለን። ትሕቲ መሪሕ ጥቕሲ ተገሊጹ ዘሎ ሓሳባትውን ነዚ ሓቂ ጽቡቕ ገይሩ ዜብርሆ። ከም ኣብነት ተጠቒሶም ዘለዉ ናይ ዓያሱ መርኣያ ዝዀነ ባህርያት ከኣ ቅንእን ሻራንዮም። እዚ ዚኣክል ኣበሳን ግብሪ ዕሽነትን እናገበሩ ኸኣ ለባማትን ኣስተውዓልትን ከም ዝዀኑ ገይሮም ይምክሑን ይሕስዉን ነበሩ። ንልብኻ ብመሪር ቅንእን ሻራን ኣጋዕዚኻ ከተብቅዕ ልቦና (ጥበብ) ዝመልኣካ ሰብ ከም ዝዀንካ ንርእስኻ ምግማት፡ ኣዝዩ ዜሕፍርን ከቢድን ዕሽነትዩ። ሃዋርያ ቅዱስ ያእቆብ፡ መንነት ናይ ጠባሪት ልቦናዚኣ ድሕሪ ምቕልዑ፡ልቦናን ምስትውዓልን ኣሎኒኪብል ዚኽእል መን ምዃኑ ብኸም ዚስዕብ ኣብሪሁልና ኣሎ።

መሪር ቅንእን ሻራን ኣብ ልብኹም ካብ ዚህልወኩም ግና፡ ንሓቂ እናተጻረርኩም ኣይትመክሑን ኣይትሓስዉን። ኣብ ቕንእን ሻራን ዘለዎ፡ ኣብኡ ምፍራስ ስርዓትን ኵሉ እኩይ ግብርን ኣሎሞ፡ እዛ ጥበብዚኣ፡ ምድራዊትን ስጋዊትን ሰይጣናዊትን እያምበር፡ ካብ ላዕሊ እትወርድ (ጥበብ) ኣይኰነትን። እታ ናይ ላዕሊ (ናይ ኣምላኽ) ጥበብ ግና፡ ቅድም ንጽህቲያ፡ ደሓርውን ሰላማዊት፡ ልእምቲ፡ ሰማዕ፡ ምሕረትን ጽቡቕ ፍረን ዝመልአት፡ (ሻርነትን ግብዝናን ዘይብላ) ያእ 314-17

ስለ ንሰብ ለባም ወይ ዘይለባም ዜብሎ፡ መጋብሩን ትሕዝቶ ልቡንዩ። ናይ ኣምላኽ ጥበብ ተሓሲምና ሰይጣናዊ ጥበብ ተዓጢቕና እንተሊና፡ ዕሽነት ተቐኒቱና ኸም ዘሎ ደኣ ንተኣመንምበር፡ለባማት ኢናእናበልና ብዝተጠበረ ልቢ ኣይንመካሕ። ምርጫኻን ዕጥቅኻን ኣበላሺኻ፡ ለባም ኪኽወን ኣይከኣልንዩ። ዝዀነ ሰብለባምዚበሃል ሕጂ ኣብዛ ምድሪዚኣ ዚጠቕሞ፡ ድሕሪ ትንሳኤ ድማ ኣብ የማን ኣምላኽ ኣቚሙ ኽብሪ ዜጐናጽፎ ግብርን ጥበብን እንተ መረጸ ጥራሕዩ። ናይ ውዱቕ ሰብ ባህርይን ግብርን እናንጸባረቕካ፡ ናይ ጥዑይ ሰብ ቅጽላት ክትስለም ኣይከኣልንዩ። ሓደ እዋን። ናይ ስነ ቚጠባ ሊቃውንቲ ዝሓቘፈት ጉጅለ ናብ ሓንቲ ኣፍሪቃዊት ከተማ ተጓዕዘት። እታ ኸተማ ሻውላት (slum area) ዝመልአት ከተማ ነበረት። ኣብታ ኸተማ ኺዛወሩ ኸለው ግና፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ገዛ ዘይመስል ገዛውቲ ናይ ሳተላይት ሽሓንታት (dishes) ተተኺሉ ረኣዩሞ፡ኣብ ከም ዝበለ ሻውላት ክንድ ዚኣክል ሸሓንታት ካበይ ዝመጸዩ፧ብምባል ተገረሙ። ቊጠባ ናይታ ሃገር ኪግምግሙ ዝመጹ ስለ ዝነበሩ፡ ስርሖም ምስ ጀመሩ፡ ከም ቅምሶ (sample) ናብ ዝተሓርያ ኣባይቲ ኸይዶም ተዓዘቡ። ኣብ ዝኣተውዎ ዅሉ ገዛ ግና ቴሌቪዥን ዚበሃል ኪረኽቡ ኣይከኣሉን። ብኣግርሞት ተዋሒጦም፡ ነቶም ሰብ ገዛ ምስ ሓተትዎም ከኣ፡ ብሕፍረት ዚምልስዎ ሰኣኑ። ዚጸግቡሉ ትሕዝቶ ምግቢ ዘይብሎም ምዃኖም፡ ንሳቶምን ከባቢኦምን እናፈለጡኳ፡ ብዘይብሎም ንብረት ሃብታማት ኪመስሉ ወሲኖም ነበሩ። ብጒዳይ ልቦና ዝመጸ ኸኣ፡ ኣብ ልብና ይኹን ኣብ ናብራና ጥር ትብል ናይ ልቦና ምልክትን ንብረትን ዘይብልና ኽነስና፡ ለባማት ዝዀንና ዚመስለናን ብልቦናና እንምካሕን ሰባት ምብዛሕና ድማ፡ ንምስልና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዜሕፍርን ዜፈንፍንን ይገብሮ ኣሎ። ሻውላት ልብና ብንብረት ሰይጣን ተጻቢቡ ኸሎ፡ መንፈሳውያንን ናይ ኣምላኽ ሰባትን ዜምስለና ንጥፈታት እንተ ኣብዛሕና እንታይ ዋጋ ኣለዎ፧ ስለ ከኣ ነቶም ብቕንእን ሻራን ዕሽነቶም ዚገልጹ ዝነበሩ ምእመናንን ኣገልገልትን ናይ ቤተ ክርስትያን፡ እቲ ቕዱስ ሃዋርያ፡ኣብ ማእከልኩምከ ለባምን ኣስተውዓልን መንዩ፧ኢሉ ዝሓተቶም። ናብጉባኤ ለባማትመጺእካ ኸም ኢልካ ኽትሓትት ኣዝዩ ዜኽዕብን ዜቘጥዕን (offending) ሕቶ ኺመስል ይኽእልዩ። ዕለታዊ ግብሮምን ናብራኦምን ዝተዓዘበ ብመንፈስ ቅዱስ ዚምራሕ ሃዋርያ ግን በዚ ኣጋንንታዊ ጥበራ ኣይዕሸውንዩ። ስለ ኸኣልቦናኹም ብግብሪ ኣርእዩናኢሉ በድሆም። ዋላ ኣምላኽውን ከምኣ ዚደልይ። ኣብ መወዳእታውን ንነፍሲ ወከፍና ከከም ግብርና ስለ ዚፈርደና፡ ብዘይካ ናብ ግብርና ናብ ካልእ ኣይጥምትንዩ።

ህዝቢ ነነዌ ኣዝዩ ሓጥእን ኪግምጠል ዝተበየነሉን ህዝቢ ዝነበረ። እግዚኣብሔር ግና ሓንቲ ተስፋ እተስንቖ ምልክት ኣብ ልቢ ህዝቢ ስለ ዝተዓዘበ፡ ካብ እስራኤል ናብ ነነዌ (ናይ ኣሶር) ነብዪ ለኣኸሎም። ብኣምላኽ ዘይኣምኑ ኣምለኽቲ ጣኦት ክነሶም፡ ብዜደንቕ ንስሓ ተመልሱ። እቲ ኸቢድ ናይ ሰብን እንስሳን ጾም ምጻሞም፡ ክሻ ምኽዳኖም፡ ኣብ ሓመዅስቲ ምድቃሶም ከቢድ ስጒምቲ እንተ ነበረ፡ ንእግዚኣብሔር ዚምስጥ ግን ኣይነበረን። በዚ መንፈሳዊ ንጥፈታት ዘይተዓብለኸትን ዘይተጐልበበትን ንልቢ ኣምላኽ እትረትዕን እተሕምቕን ነጥቢ ግን ኣልዒሎም ነበሩ። ንሳ ኸኣ፦ ነፍሲ ወከፍ ከኣ፡ ካብ እኩይ መገዱን ካብ ኣብ ኢዱ ዘሎ ዓመጽን ይመለስ።” እትብል (ዮና 38) እግዚኣብሔር ናብዞም ጣኦታውያን ኣህዛብ ናቱ ነብዪ ኺልእኽ ዝደረኸቶ ኸኣ፡ ልቢ ዅላቶም መርሚሩ ነዛ ፈዋሲት ሓሳብ ኣብ ውሽጦም ከም ዘላ ስለ ዝረኣየዩ። ኣይሓፈረን ከኣ። እቲ ውጽኢት ከኣ ብኸም ዚስዕብ ተገሊጹ ኣሎ። ኣምላኽ ከኣ ካብ እኩይ መገዶም ከም እተመልሱ፡ ግብሮም ረኣየ፡ ኣምላኽውን ነቲ ኼውርደሎም ኢሉ እተዛረቦ መዓት ተጣዕሰሉ፡ ኣይገበሮን ከኣ።ዮና 310

ካብ እከይ ተመሊሶም ግብሮም ከየጥዓዩ፡ ነቲ ኻልእ ኵሉ ናይ ንስሓ ንጥፈታት ጥራሕ ገይሮም ስቕ እንተ ዚብሉ ግና ብዕሽነቶምን ንእኡ ኼዐሽው ብምፍታኖምን ደኣ መሊሱ ቚጥዓኡ ነዲዱ ብዝኸፍአ መገዲ መጥፍኦምምበር ኣይምነሓፎምን ነይሩ። እቲ ናባታቶም ዝተላእከ ነብዪ ዮናስ ግና ግብሪ ልቦና ኣየርኣየን። ነቲ ዘኽበሮ ኣምላኽ ኣየኽበረን። ናብ ነነዌ ምስ ተላእከ፡ ናብኡ ኪኸይድ ስለ ዘይደለየ፡ እግዚኣብሔር ናብ ዘይርእዮን ናብ ዘይረኽቦን ሃገር ኪኸይድ ብመርከብ ሃደመ። ከቢድ ናይ ዕሽነት ምኽርን ግብርን ፈጸመ። እግዚኣብሔር ብማዕበል ገይሩ ምስ ቀልዖሞ፡ እቶም መጓዕዝቱ፡እዚ ረኺቡና ዘሎ መከራ ብሰሪ መንዩ፧ ዕዮኻ እንታይዩ፧ ኣበይ ሃገርካ፧ ካበየናይ ህዝቢ ኢኻ፧ኢሎም ምስ ሓተትዎ፡ ምስቲ ዝገበሮ ዘይሰማማዕ መልሲ ሃቦም። ካብ ገጽ ኣምላኽ ርሒቑ ዝሃደመ ሰብ ምዃኑ ባዕሉ ነጊርዎም ኬብቅዕ፡ንኣምላኽ ሰማይ እፈርሆኢሉ መለሰሎም። ንኣምላኽ ዚፈርሆ ሰብ ንኣምላኽ ይቐርቦን ይእዘዞንምበር ካብ ኣምላኽ ኣይሃድምን ኣይርሕቅን ከኣ (ዮና 18-12) ነዚ ዚመስል ልቢ ዚሰኵዕ መለበሚ ታሪኽ ተጻሒፉልና ኽነሱ ነዚ ዕሽነት ኽንደጋግም ምምራጽና ኣዝዩ ዜሕዝንዩ። ንጉስ ሰሎሞን፦ ቈልዓ ዕዮኡ ቕኑዕን ንጹህን እንተ ዀይኑ፡ ብግብሪ የፍልጥ።

ኢሉ (ምሳ 2011)ንኣምላኽ ዚፈርሁ ክርስትያንምዃንና ብልሳንናን ናብ ቤተ ክርስትያን ብምምልላስናን እናተኣመንና ኸነብቅዕ፡ ኣብ ዕለታዊ ናብራና ግና በታ ናይ ኣምላኽ ሰማያዊት ጥበብ ዘይኰነስ፡ በታ ኣጋንንታዊትን ሲኦላዊትን ጥበብ ንመላለስ እንተ ዄንና፡ ተግባርናን ተኣምኖናን ንሓድሕዱ ይዋቓዕን ንዕሽነትና ብዝኸፍአ መልክዕ ይቐልዖን ስለ ዘሎ፡ ከም ሰብ ነነዌ ኣካይዳና ኽንልውጥ ኬድልየናዩ። ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ ናብ ቲቶስ ዝጸሓፎ መልእኽቱ፡ ኣነጺሩ ኣብሪሁልና ኣሎ።ንኣምላኽ ንፈልጦ ኢናይብሉ፡ ፍንፉናትን ዘይእዙዛትን ሰናይ ነገር ዘበለ ኺገብሩ ዘይበቕዑን (ዘይኰነሎምን) ስለ ዝዀኑ ግና፡ ብተግባሮም ይኽሕድዎ።ቲቶ 116

እምበኣር ርእስና ንመርምር ግብርና ነጥዕይ። ነቲ ንህይወትና ዜበላሽዋ ዘሎ ግብርን ጥበብን ናይ ሰይጣን ዝዀነ፡ ቅንኢ፡ ሻራ፡ ባእሲ፡ ተንኰል፡ ሕምየት፡ ትዕቢት፡ ጽልኢ፡ ቂምታ፡ ስሰዐ ወዘተ ዝኣመሰሉ ዕሽነትና ዜግህዱ ተግባራት ንደርብይ። ብኣንጻሩ ነቶም ንክርስቶስ ዜምስሉና፡ ንምድሓን ከም ዝለበምና ዜረጋግጹልና ፍረ-መንፈስ ቅዱስ ዝዀኑ፡ ፍቕሪ፡ ምሕረት ትዕግስቲ፡ ትሕትና፡ ቅንዕና፡ ሓቂ፡ ሰላም ወዘተ ዝኣመሰሉ ግብርታት ከኣ ቀወምቲ ንብረትናን ግብርናን ንግበሮም። ልዕሊ ዅሉ ኸኣ ካብ ባዕላዊ ጥበራ ርእስና ንሓልው። ምኽንያቱ ባዕልኻ ንርእስኻ ካብ ምጥባር ዚኸፍእ ዕሽነት ኪህልው ኣይክእልንዩ። እግዚኣብሔር እቲ ዘይጥበር ኣምላኽ፡ ኣተኵሩ ናብ ግብርና የቋምት ኣሎ ኣብ ቅድሚኡ ብዘየባትኽ ልቦናን ምስትውዓልን ብግብራዊ መገዲ ንመላለስ። ንክርስቶስ ዘይመሰለ ሰብ፡ ናብ መንግስቲ ክርስቶስ ኣይከኣትውንዩ። ንክርስቶስ ምምሳል ከኣ ብዘይ ኣምላኽ ዚምስክረላ ልቦና ስለ ዘይትርከብ፡ ኣብ ደምበ ለባማት ምህላውና ወርትግ ነረጋግጽ።

ጸጋ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።

ዕለት፥ ሕዳር , ፳፻፲፬  ግዕዝ (14 ሕዳር 2021 ፈረ).  10ይ ሰንበትቊ.13/፲፫

ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባባት

ዲያቆን

ንፍቀ ዲያቆን

ንፍቀ ካህን

ወንጌል

ቅዳሴ

51-13 ያእ 310-18 ግብ 111-11 ዮሃ 151-11  ዘእግዚእትነ ማርያም

መዝ ፸፱(፹)፡፰,፱ “ዐፀደ ወይን አፍለስከ እምግብጽ። ሰደድከ አሕዛበ ወተከልከ ኪያሃ። ወፄሕከ ፍኖተ ቅድሜሃ።”

“ጒንዲ ወይኒ ኻብ ግብጺ ኣውጻእካ፡ ኣህዛብ ሰጒጒካ'ውን ተኸልካያ። ኣብ ቅድሚኣ ቦታ ኣዳሎኻላ፡ ሱር ሰደደት ምድሪ'ውን መልአት።”

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div