S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ብጽድቂ ዚገዝእ ጸጋ [መበል 11 ሰንበት: ቊ.18/፲፰ ]

ከም ሓጢኣት ብሞት ዝገዝአ፡ ጸጋውን ከምኡ ብኢየሱስ ክርስቶስ ጐይታና ብጽድቂ ንዘለኣለም ህይወት ኪገዝእዩ።ሮሜ 521

 ከም ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና፡ ብኣቈጻጽራ ግእዝ ካብ ሕዳር 6 ክሳዕ 7 (ወይ 13) ዘሎ ቕንያትኣስተምህሮተባሂሉ ይጽዋዕ።ኣስተምህሮዝተባህለሉ ምኽንያት ከኣ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዜስተምሃሮ ትምህርቲ ዝሰርሖም ተኣምራትን ዜመልክት ኰይኑ ስለ ዝተረኽበዩ። እዚ ናይ ዓመት መበል 11 ሰንበት ተሰሪዖምልና ኻብ ዘለዉ ኣርባዕተ ንባባት ሓድሽ ኪዳን ሓደ ድማ፡ እዚ ናይ ሮሜ 510-ፍጻሜ ንባብዩ። እዚ ንባብ ሓቝፍዎም ካብ ዘሎ ዓበይቲ ኣርእስታት ሓደ ኸኣ ጸጋ ኣምላኽ ኣብ ህይወትና ብምንታይ ከም ዚገዝእ ዜብርሃልናዩ። ጸጋ ኣብ ህይወትና ብጽድቂ ምስ ዚዓይይን ምስ ዚገዝእን፡ ናይ መወዳእታ ፍሪኡ ናይ ዘለኣለም ህይወት ከም ዚኸውን ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ብመንፈስ ቅዱስ ገሊጹልና ኣሎ። ኣብ ምድራዊ ናብራና ብጽድቂ ምንባር ኣዝዩ ዚኸብደና ሰባት ስለ ዝዀንና፡ እዚ ኣርእስትን ኣስተምህሮን ንኣና ኣዝዩ ኣገዳሲዩ። ደቂ እስራኤል ደለይቲ ጽድቂ ኽነሶም፡ ብጽድቂ ምንባር ዝተሳእኖም፡ ናብ ጽድቂ ኺበጽሑ ዘይተኻእሎም ኰይኖም ተረፉ። ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ነዚ ዜሕዝን መንፈሳዊ ሃለዋቶም ብኸም ዚስዕብ ገሊጽዎ ኣሎ።

ደጊምከ እንታይ ንበል፧ እቶም ጽድቂ ዘይደልዩ ኣህዛብ፡ ጽድቂ ረኸቡ። እዚ ኸኣ እቲ ብእምነት ዚመጽእ ጽድቂዩ። እስራኤል ግና ነቲ ናብ ጽድቂ ዜብጽሕ ሕጊ እናደለይዎስ፡ ናብ ናብ ጽድቂ ዜብጽሕ ሕጊ ኣይበጽሑን፡ ስለምንታይ፧ ብግብሪምበር ብእምነት ስለ ዘይደልይዎዩ፡ ብእምኒ መዓንቀፊ ኸኣ ተዓንቀፉ። እዚ ኸኣ ጽሑፍዩ፡እንሆ፡ ኣብ ጽዮን እምኒ መዓንቀፍን ዜንደልህጽ ከውሕን (ንሱ ከኣ ክርስቶስ) አንብር ኣለኹ፡ ብእኡ ዚኣምን ከኣ ኣይኪሓፍርንዩ።ሮሜ 930-33 .

ኣቱም ኣሕዋተይ፡ ሃረርታ ልበይን ምእንትኦም ናብ ኣምላኽ ዜቕርቦ ጸሎትን፡ እስራኤላውያን ምእንቲ ኺድሕኑዩ። ኣብ ዝተጋገየ ፍልጠት ዝተመስረተ ደኣምበር፡ ብኣምላኾም ቀናኣት (ደለይቲ ጽድቂ) ከም ዝዀኑስ ኣነ እምስክረሎም ኣለኹ። ነቲ ብኣምላኽ ዚመጽእ ጽድቂ ስኣን ምፍላጦም፡ ጽድቂ ርእሶም ኬቝሙ ብምድላዮም፡ ንርእሶም ኣብ ትሕቲ ጽድቂ ኣምላኽ ኣየግዝኡን። ዚኣምን ዘበለ ዅሉ ምእንቲ ኺጸድቕ፡ ክርስቶስ መደምደምታ ሕጊ-ሙሴዩ።ሮሜ 101-4 .

ካብ ኣገላልጻ ኸም እንርድኦ፡ ክልተ ዓይነት ጽድቂ ዘሎ፦

1 ብኣምላኽ ዚመጽእ ጽድቂ (ጽድቂ ኣምላኽ)

2 ብሰብ ዚግበር ጽድቂ (ጽድቂ ሰብ)

እግዚአብሔር ከኣ ነቶም ብናቱ ጽድቂ ንዝጸደቑምበር፡ ብጽድቂ ሰብ ንዝጸደቑ ኣይቅበሎምንዩ። ምኽንያቱ ጽድቂ ሰብ ኣብ ዓይኒ ኣምላኽ ከመይ ከም ዝዀነ፡ ብነብዪ ኢሳይያስ ገሊጹልናዩ።

ነቶም ተሓጕሶም ጽድቂ ዚገብሩን ከም ፍቓድካ ዚነብሩን ትቀባበሎም። ንሕና ግና ሓጢኣት ገበርና፡ ንስኻ ድማ ኰረኻልና፡ ንሕና ኣብ ሓጢኣትና ነዊሕ ዘመን ነበርና፡ ከመይ ኢልና ደኣ ኽንድሕን ኢና፧ ኵላትና ብሓጢኣትና ረኺስና፡ ጽድቅናውን ከም ጨርቂ መርገም (ከም ጽዩቕ ክዳን) ኰነ፡ ኵላትና ኸም ቈጽሊ ቐምሰልና፡ ኣበሳና ድማ ከም ንፋስ ይብቍጸና ኣሎ። ገጽካ ኸውልካልና፡ ብሰሪ ኣበሳና ኸኣ ደርበኸና ኢኻሞ፡ ብጸሎት ንኣኻ ዚጽውዕን ክትሕግዞ ኢሉ ናባኻ ዜእውይን (ንኣኻ ኪሕዝ ኢሉ ዚትንስእን) ሓደ የልቦን።ኢሳ 645-7 (. + .)

ከም ጨርቂ መርገም፡ ከም ጽዩቕ ክዳን ዝዀነ ጽድቂ ሰብ ሒዝካ እግዚአብሔር ኪቕበለካ ኽትጽበይ ኣይግባእንዩ። ስለ እቲ ናይ ብሓቂ ኺድሕንን ኪጸድቕን ዚደልይ፡ ጽድቂ ኣምላኽ ኪለብስ ይግብኦ ማለትዩ።

ነዚ ጽድቂ ኻበይ ኢና እንረኽቦ፧ ሰብ፡ ከመይ ገይሩ ጽድቂ ኣምላኽ ኪገብር ይኽእል፧ ብርግጽ ጽድቂ ኣምላኽ ብዓቕሚ ሰብ ኪግበር ኣይከኣልንዩ። ጽድቂ-ኣምላኽ፡ ብኣምላኽ ጥራሕ ዚፍጸም። ከምኡ ስለ ዝዀነ ኸኣዩ፡ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንኣና ጽድቂ-ኣምላኽ ኬፈጽምን ኬልብስን ዝተገልጸ። ነዚ ሓቂ ብኸም ዚስዕብ ገሊጹልና ኣሎ። ንስኻትኩም ግና ኻብኡ ኣብ ክርስቶስ ኢየሱስ ኢኹም ዘሎኹም፡ ንሱ እቲ ኻብ እግዚአብሔር ዝተዋህበና ጥበብዩ። በዚ ጥበብ ድማ ጽድቅን ቅድስናን ድሕነትን ኰነልና።” 1ቈረ 130,31 .

ጐይታና ባዕሉውን፦ እቲ ጕንዲ ወይኒ ኣነየ፡ ጨናፍር ከኣ ንስኻትኩም ኢኹም፡ እቲ ኣባይ ዚነብር ኣነውን ኣብኡ፡ ንሱ ብዙሕ ፍረ (ጽድቂ) ዚፈርይ፡ ምኽንያቱ ብጀካይ ሓንቲ ኽትገብሩ ኣይትኽእሉን ኢኹም።” ኢሉና (ዮሃ 155 .) እቲ ልዕል ኢልና ዘንበብናዮ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ዝጸሓፎ መልእኽታት፡ ኣብ ቓል ጐይታና መሰረት ዝገበረዩ። ኣባና ሓዲሩ ጽድቂ ኣምላኽ ክንገብር ዜኽእለና፡ ጐይታና ኢየሱስ ባዕሉዩ። ብዘይ ብእኡ፡ ማለት ክርስቶስ ኣባና ሓዲሩ ዘይገበሮ ጽድቂ ኽንገብር እንተ ተጋደልና ጽድቅና ኸም ጨርቂ መርገም ፍንፉን ኰይኑ ዚተርፍ። ናይ እስራኤላውያን ዕሽነት ኣብኡ ዝተገልጸ። ነቲብኣይ ኢኹም እትድሕኑኢሉ ዝመጾም ጐይታ ቐቲሎም፡ብሕጊ ሙሴ ኢና እንጸድቕን እንድሕንንኢሎም ተሓሰምዎ። ስለ ኸኣ በቲ ኼድሕኖም ዝመጸ እምኒ-መኣዝን ተዓንቂፎም ወደቑ፡ ናብ ጽድቂ ኸይበጽሑ ድማ ተረፉ። ነቶምጽድቅናኢሎም ብእምነት ዝተቐበልዎን ኣብ ልቦም ዘሕደርዎን ኣህዛብ ግን፡ ጽድቅን ቅድስናን ድሕነትን ኰነሎም።

ጐይታና ኸመይ ገይሩ ንጽድቂ ኣምላኽ ክንግዛእን ጽድቂ ኣምላኽ ክንፍጽምን ዜኽእለና፧ ናይ ሕቶ መልሲ፡ ናይ ዕለት ኣርእስትና መሊስዎ ኣሎ። በቲ ኣባና ብዘይ ልክዕ ዜውሕዞ ጸጋኡ ጽድቂ ኣምላኽ ክንፍጽም ዜኽእለና። መሪሕ ጥቕስና ኣመልኪትዎ ኸም ዘሎ፡ ሓጢኣት ብሞት ገይሩ ኣብ ህይወትና ኸም ዚገዝእ፡ ጸጋ ድማ ብጽድቂ-ኣምላኽ ገይሩ ኣብ ህይወትና ይገዝእ። ከም ውጽኢቱ ድማ ንሕና ናይ ዘለኣለም ህይወት ንቕበል። ኣብ ዘንበብናዮ ናይ ሮሜ 324,26 ጥቕሲ በቲ ክርስቶስ ጐይታና ዚህበና ጸጋ ኸም እንጸድቕ ኣነጺሩ ገሊጹልና ኣሎ። ሃዋርያ ቅዱስ ዮሃንስ ኣብ ወንጌሉ፡ ክርስቶስ ጐይታና ምልኣት ጸጋ ሒዙ ዝተገልጸሉ ዕላማ ኣብሪህዎዩ።

እቲ ቓል ስጋ ኰነ፡ ጸጋን ሓቅን መሊእዎ ኸኣ (ኣብ ማእከልና) ሓደረ። ..... ሕጊ ብሙሴ ተዋሂቡ ጸጋን ሓቅን ግና ብኢየሱስ ክርስቶስ መጸ። እምበኣርከ ንሕና ዅላትና ካብ ምልኣቱ ጸጋ ኣብ ልዕሊ ጸጋ ተቐበልና።ዮሃ 114,16,17

ቅድሚ ጐይታና ብስጋ ምግላጹ፡ ጸጋ ኣምላኽ ነይሩዩ። ጸጋ ብምልኣት ዝተገልጸ ግና ጐይታና ምልኣት ጸጋኡ ሒዙ ብስጋ ኣብ ማእከልና ምስ ሓደረዩ። ምልኣት ጸጋኡ ሒዙ ዝተገልጸ ድማ፡ ጸጋ ኣብ ልዕሊ ጸጋ ምእንቲ ኺህበናዩ። ምኽንያቱ ብዘይ ጸጋ ጽድቂ-ኣምላኽ ክንገብር ኣይንኽእልን ኢና። ጸጋ ማለት ከኣዜኽእል ሓይሊ ናይ ኣምላኽማለትዩ። ብሓጢኣት ዝወደቐን ዝተዳኸመን ስጋ ስለ ዝለበስና፡ ሓጢኣትምበር ጽድቂ-ኣምላኽ ክንገብር ዓቕሚ የብልናን። ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፡ ነዚ ድኻም ስጋና ኺገልጽ ከሎ፦ ስለ ኣባይ፡ ማለት ኣብ ስጋይ፡ ሰናይ ከም ዘየልቦ እፈልጥ ኣለኹ። .... ኣነ ግና ንሓጢኣት ዝተሸጥኩ ስጋዊየ።

ኢሉና ኣሎ (ሮሜ 714,18 .) ንሓጢኣት ዝተሸጥካ እንተ ዄንካ ሓጢኣትምበር ጽድቂ ናይ ምግባር ዓቕምን ፍቓድን ኣይህልወካንዩ። ስለ ድማ ጐይታና ካብ ሕጊ ሓጢኣትን ሕጊ መርገምን ብደሙ ዝዓደገና (ገላ 313,14 1ጴጥ 118,19 ራእ 59,10 ኤፌ 17 ቈሎ 120-23) እቲ ንሓጢኣት ዝተሸጠ ሓጢኣት የዘውትር፡ እቲ ብደም ክርስቶስ ዝተዓደገ ኸኣ ብጸጋኡ ጽድቂ ኣምላኽ ይገብር። እቲ በቲ ብክርስቶስ ዝረኸቦ ጸጋ ንጽድቂ ኣምላኽ ከይግዛእ ዝኣበየ፡ ብኣንጻሩብገዛእ ጻዕረይ ዝጸድቕኢሉ ንዘቕበጸ ሰብ ግና፡ ቅዱስ ጳውሎስ፦

ንስኻትኩም፡ እዞም ሕጊ ብምፍጻም (ባዕላትኩም) ክትጸድቁ እትደልዩ፡ ካብ ክርስቶስ ተፈሊኹም ኢኹም፡ ካብ ጸጋ ኸኣ ወዲቕኩም ኢኹም። ንሕና (ሃዋርያት) ግና፡ ነታ ኻብ መንፈስ ቅዱስ እትመጽእ ናይ ጽድቂ ተስፋ ብእምነት ሃረር እናበልና ንጽበይ ኣለና።” ብምባል ሳዕቤን ምርጫኦም ኣፍለጦም (ገላ 54,5 .) ብሓሳብ ስጋ፡ ንሕጊ ኣምላኽን ንጽድቂ ኣምላኽን ክትግዛእ ኣይከኣልንዩ። ንጽድቂ ኽትግዛእ ዜኽእለና፡ ጸጋ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ (ሮሜ 87,8 .)

ጸጋኸ ብኸመይ ንጽድቂ ኽንግዛእ ዜኽእለና፧ እቲ ብስጋ ዝገበርናዮ ግብሪ ጽድቂኸ ንምንታይ ዘየጽድቐና፧ ሰብ ዝቐተለ ገበነኛ፡ ንሓደ ሽሕ ጥሙያት ብምግቢ ስለ ዝዓንገለ፡ ካብ ገበንን ተሓታትነቱን ነጻ ኪኸውን ይኽእልዶ፧ ፈጺምካ ዘይሕሰብዩ። ምኽንያቱ፡ ንሕሉፍ ሓጢኣትና ጽድቂ ብምግባር ክንስርዞ ኣይከኣልንዩ። ምኽንያቱ፦ ንብዘሎ ሕጊ ሓልዩ (ኼብቅዕ) ኣብ ሓንቲ (ጥራሕ) ዚብድል ብዅሉ በደለኛ ዚኸውን። እቲኣይትዘምውዝበለኣይትቅተልድማ በለ። ስለ (ዋላ) እንተ ዘይዘሞኻ ካብ እትቐትልሲ መፍረስ ሕጊ (ሓጢኣተኛ) ኢኻ።ያእ 210,11 .

ስለ በቲ ዝገበርካዮ ሰናይ ግብሪ፡ ጽድቂ ኪቝጸረልካ እንተ ዀይኑ፡ ነቲ ዝበደልካዮ ቐዳማይ በደል፡ ከም ዘይተገብረ ጌርካ ኽትድምስሶ ይግብኣካ። ነቲ ዝበደልካዮ በደል ከም ዘይተገብረ ጌርካ ምድምሳስ ከኣ ሰብ ኪገብሮ ኣይክእልንዩ። ጐይታና ጥራሕ ብደሙ ሕድገት ሓጢኣት ኣጐናጺፉ ኻብ ማእሰርትና ኺፈትሓና ዚኽእል። ነዚ ኸኣ ብሃብቲ ጸጋኡ ገይሩ ዚፍጽሞ። እቲ ዝተዋህበና ሃብቲ ጸጋኡ ኽልተ ኣገደስቲ ተግባራት ብምፍጻም ዚረድኣና።

1 ንበደልና ሕድገት ከም እንረክብ ብምግባር

2 ንሓጢኣት ተሓሲምና ንጽድቂ ክንገዝእ ብምሕጋዝ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ነዚ ሓቂ ብኸም ዚስዕብ ገሊጹልና ኣሎ።

ኣብ ቅድሚኡ ቕዱሳንን መንቅብ ዘይብሎምን ምእንቲ ኽንከውን ቅድሚ ምፍጣር ዓለም ሓረየና። ስለ ዘፍቀረናን ጽቡቕ ፍቓዱን መደቡን ስለ ዝነበረን ከኣ ንርእሱ ውሉድ ክንኰኖ ብኢየሱስ ክርስቶስ ቀደም መደበና። እዚ ኸኣ እቲ በቲ ዜፍቅሮ ወዱ ገይሩ ዝሃበና ክቡር ጸጋ ምእንቲ ኺምስገን ኢሉዩ። ብእኡ፡ ማለት ብደሙ ድሕነት፡ ከምቲ ሃብቲ ጸጋኡ ኸኣ ሕድገት ሓጢኣት ኣሎና። ንሱ ነዚ ጸጋ ብዅሉ ጥበብን ፍልጠትን ኣብ ልዕሌና ኣፍሰሶ። ጽቡቕ ፍቓዱ ዀይኑ ኸኣ ነቲ ብክርስቶስ ገይሩ ኣቐዲሙ ዝመደቦ ናይ ፍቓዱ ምስጢር ኣፍለጠና። እዚ ኸኣ፡ እቲ ጊዜ ምስ ኣኸለ፡ ኣብ ሰማይ ኰነ ኣብ ምድሪ ዘሎ ዅሉ ኣብ ትሕቲ ስልጣን ክርስቶስ ምእንቲ ኪጥቕለልዩ።ኤፌ 14-10 .

ቀደም፡ ንሕናውን ኵልና ኸምኦም፡ ትምኒት ስጋና እናፈጸምና ከም ድሌትናን ሓሳብናን ንነብር ነበርና። ብባህርና ከምቶም ካልኦት ቍጥዓ ኣምላኽ ዚግብኣና ነበርና። ግናኸ እቲ ብምሕረት ሃብታም ዝዀነ ኣምላኽ ምእንቲ ብእኣ ገይሩ ዘፍቀረና ዓባይ ፍቕሩ፡ ንኣና፡ ብበደልና ምዉታት እንተ ነበርና ምስ ክርስቶስ ህያዋን ገበረና። ብጸጋ ኢኹም ዝደሓንኩም። ኣምላኽ ምስ ክርስቶስ ኣተንስኣና፡ ብክርስቶስ ገይሩ ኸኣ ኣብ ሰማያት ምስ ክርስቶስ ኣቐመጠና። እዚ ኸኣ ነቲ ብክርስቶስ ኢየሱስ ዝተገልጸልና ሕያውነት፡ ማለት ነቲ መዘና ዘይብሉ ሃብቲ ጸጋኡ ምእንቲ ኼርእይ ኢሉዩ። ንክርስቶስ ብምእማን ብጸጋ ኢኹም ዝደሓንኩም። እዚ ኸኣ ውህበት ኣምላኽምበር ካባኻትኩም ኣይኰነን።ኤፌ 23-8 .

እዚ ጸጋ መንቅብን ኣበርን ዘይብሎም ቅዱሳን ገይሩ ኣብ ቅድሚኡ ኬቝመናን ውሉድ ኣምላኽ ዚገብረናን። ቅዱሳን ሃዋርያት፡ብጸጋ ኢኹም ዝደሓንኩምዚብሉሉ ምኽንያት ከኣ ንሱዩ። ንሓጢኣትና ብሕድገት ደምሲሱ፡ ጽድቂ ኣምላኽ ክንገብር ኣኽኢሉ የድሕነና፡ ወረስቲ መንግስተ ሰማያት ከኣ ይገብረና።

ብጸጋ ዚጽደቕ ማለት ግብሪ ጽድቂ ኽንገብር ኣየድልየናን ማለት ድዩ፧ ኣይፋሉን!! ብኣንጻሩ ደኣዩ። እቲ ብጸጋ ዝጸደቐ ዝበዝሐ ግብሪ ጽድቂ ዚገብር። ምኽንያቱ እቲ ኣብ ዝሓደረ ጸጋ፡ ብርቱዕ ናይ ጽድቂ ጥምየትን ጽምእን ዜሕድረልና። ጐይታና፦ ጽድቂ ዚጠምዩን ዚጸምኡን፡ ኪጸግቡዮምሞ፡ ብጹኣንዮም።” ኢሉና ኣሎ (ማቴ 56) እዚ ተስፋኡ ኸኣ፡ በቲ ኻብ ምልኣት ጸጋኡ ዚህበናን ዜውሕዘልናን ጸጋኡ ዚፍጽሞ። ኣቐዲምና ኣብ ዮሃ 116,17 ኸም ዘንበብናዮ፡ንሕና ዅላትና ኻብ ምልኣቱ ጸጋ ኣብ ልዕሊ ጸጋ ተቐቢልናኢና። ኣብ ናይ ኤፌሶን መልእኽቲውን “(ኵሉ) ኣብ ክርስቶስ ምእንቲ ኺጥቕለልሲ፡ ብዅሉ ጥበብን ኣእምሮን ነዚ ጸጋኡ ናባና ኣውሓዞኢሉና (ኤፌ 18-10) ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፡ ገናሳውልከሎ፡ ናይ ቤተ ክርስትያን ሕሱም ሰጓጕን ገፋዕን ዝነበረ። እዚ ዅሉ ተግባሩ ኸኣ ጽድቂ ምእንቲ ኺረክብ ዝገበሮዩ። ብዛዕባ ኸኣ “(ብጽድቂ ጸጋ ዘይኰነስ) ብጽድቂ ሕጊ መንቅብ ዘይብለይኽሳዕ ምባል በጺሑ ነበረ። ጐይታና ብጸዳል ብርሃኑ ኣዒንቲ ልቦናኡ ምስ ከፈተሉ ግን፡ ብጽድቂ ሰብ መንቅብ ዘይብልካ ምዃን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ከም ጨርቂ መርገም ከም ዝዀነ ስለ ዘስተውዓለ፡ እንተ ዀነ ነዚ ንኣይ ረብሓ ዝነበረ ምእንቲ ክርስቶስ ኢለ ከም ክሳራ (ከም ወጽዓ) ቈጸርክዎ። .... እዚ ኸኣ ነቲ ሕጊ ኣብ ምፍጻም ዝተመስረተ ናይ ገዛእ ርእሰይ ጽድቂ ዘይኰነስ፡ ኣብ ንክርስቶስ ኣብ ምእማን ዝተመስረተ ካብ እግዚአብሔር ዝዀነ ጽድቂ ንምርካብዩ። ብምባል ተኣመነ (ፊል 37,9 .) እዚ ድማ በቲ ኻብ ክርስቶስ ዝውሓዘልና ጸጋ ዚትግበርዩ። ጽድቂ ኣምላኽ ምግባር ዚምህረናን ዜኽእለናን ጸጋ ስለ ዝዀነ ኸኣ፡ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፡ ብዛዕባ ዝተቐበሎ ጸጋ፦

ኣብ ርእሲ ብክርስቶስ ኢየሱስ ዝረኸብናዮ እምነትን ፍቕርን፡ ጸጋ ጐይታና ኣባይ ብዘይ ልክዕ ዓዘዘ።ክርስቶስ ኢየሱስ ነቶም ሓጥኣን ኬድሕን መጸዚብል እሙንዩ፡ ብምሉኡ ኽንቅበሎ ዚግብኣና ቓልዩ። ካብ ኵሎም ሓጥኣን ዝገደደ ኸኣ ኣነየ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ኣነ ምሕረት ዝረኸብኩ፡ ማለት ክርስቶስ ኢየሱስ ነቲ ወሰን ዘይብሉ ትዕግስቱ ቅድም ኣባይ ብምግላጽ፡ ናይቶም ናይ ዘልኣለም ህይወት ኪበጽሑ ኢሎም ብእኡ ዚኣምኑ ኣርኣያ ገበረኒ።” ብምባል መስከረ (1ጢሞ 114-16 .) ጸጋ ጐይታና ቅድሚ ምቕባሉ ንርእሱ ከምመንቅብ ዘይብሉ ጻድቕ ሰብይፈልጣ ነበረ። ጸጋ ጐይታና ምስ ተቐበለ ግና፡ ካብ ኵሎም ሓጥኣን እቲ ዝገደደ ምዃኑ ተኣመነ። ብጸጋ ጽድቂ ኣምላኽ ምስ ተቐበለ ግና፡ እቲ ናይ ቅድም ትምክሕቱ ተለዊጡ።

ኣምላኽ ምሳና ኻብ ኰነኸ መን ዚቃወመና፧ እቲ ንወዱ ምእንቲ ዅላትና ኣሕሊፉ ዝሃቦምበር፡ ዘይነሓፎ፡ ከመይ ደኣኸ ምስኡ ዅሉ ዘይህበና፧ ነቶም ሕሩያት ኣምላኽሲ ዚኸሶም መንዩ፧ ኣምላኽ እቲ ዜጽድቕ። እቲ ዜጽድቖም ኣምላኽ ካብ ኰነ፡ ነቶም ሕሩያት ኣምላኽ (ብሓጢኣቶም) ዚኸስሶም መንዩ፧ ክርስቶስ ኢየሱስ፡ እቲ ዝሞተ፡ አረ ኻብ ምዉታት ዝተንስአ፡ ኣብ የማን ኣምላኽ ኰይኑውን ምእንታና ዚልምን ዘሎዩ።” ኪብል በቕዐ (ሮሜ 831-34) እግዚአብሔር ብደም ቅዱስ ወዱ ብሕድገት ሓጢኣት ካብ ኵነኔ ኣድሒኑ ብጸጋኡ ጽድቁ ምስ ሃበና፡ ብድሕሪኡ ጽድቂ ምግባር ባህርይና ይኸውን። ምኽንያቱ ኻብ ጽድቂ ኸይንገብር ሓሊኹ ዝሓዘና ማእሰር ሓጢኣት ፈቲሑና (ሮሜ 714-25 81,2 . ቈሎ 211-15 .) እቲ ኣባና ብምልኣት ዝሓደረን ጽድቂ ኣምላኽ ዘልበሰናን ጸጋ፡ ጽድቂ-ኣምላኽ ክንመሃርን ክንገብርን ከም ዜክእለና፡ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ብኸም ዚስዕብ ገለጸልና።

እቲ ምድሓን ዜምጽእ ጸጋ ኣምላኽ ንዅሉ ሰብ ተገሊጹዩ። እዚ (ጸጋ) ንግፍዕን ዓለማዊ ትምኒትን ክሒድና፡ ኣብ ዓለም ርእስና ብምግታእ (ብጥንቃቐን) ብጽድቅን ብመንፈሳውነትን ክንነብር ይምህረና ኣሎ። ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ዓመጻ ዘበለ ምእንቲ ሓራ ኼውጽኣና፡ ንርእሱውን ንሰናይ ግብሪ ዚቐንእን ገንዘቡ ዚዀኖን ህዝቢ ምእንቲ ኼንጽህ ኢሉ፡ ነፍሱ በጃና ኣሕለፈ።ቲቶ 211-14 (.+.)

እዚ ጥቕሲዚ፡ ጸጋ ኣምላኽ ብኸመይ ከም ዜድሕነና ዜብርሃልናዩ። ጸጋ ኣምላኽ ንሓጢኣት እምቢ ኽንብል፡ ክንነጽግ፡ ክንክሕድ ይምህረና። ኣይ ሓጢኣት ኣይ ጽድቂ ዄንካ ኪንበር ኣይከኣልን ስለ ዝዀነ፡ ብኸመይ ብጽድቂ፡ ርእስና ብምግታእ (ብጥንቃቐ) ብመንፈሳውነት ከም እንነብር ከኣ ይምህረና። ብኸም ድማ እታ ብጸጋ ጐይታና ዝተቐበልናያን ዝለበስናያን ጽድቂ ኣምላኽ ትግለጽ ማለትዩ።ጸጋ ኣምላኽ ጽድቂ ይምህረናማለት፡ ጽድቂ ናይ ምግባር ተመክሮን ልምምድን ባህርይን ኣባና ይሃንጽ ማለትዩ። ብጸጋ ኣምላኽ ኣብ ውሽጥና መንፈሳውነት እንተ ሃኒጽና፡ ጽድቂ ዝምርጫናን ዝተመክሮናን ብሱላት ንኸውን። ክርስትያን ኽነስና ገና ስጋውያን እንተ ዄንና ግን፡ ሓጢኣትን ስጋዊ ትምኒትንምበር፡ ጽድቂ ናይ ምግባር ፍቓድን ዓቕምን ዘይብልና ዘይዓበዩ ህጻናት ንኸውን። ቅዱስ ጳውሎስ ነዚ ሓቂ ብግሩም መገዲ ኣብሪሁልና ኣሎ።

ኣነ ግና ኣሕዋተይ፡ ከም ስጋውያን፡ ብክርስቶስ ከኣ ገና ከም ዘይዓበዩ ህጻናትምበር፡ ከም መንፈሳውያን ክዛረበኩም ኣይከኣልኩን። ዕጹም ብልዒ ዘይኮነ ጸባ መገብኩኹም፡ ከመይ ድልዋት ኣይነበርኩምን፡ ሕጂውን ገና ዝተዳሎኹም ኣይኰንኩምን። እዚ ኸኣ ገና ስጋውያን ስለ ዝዀንኩምዩ። ኣብ ማእከልኩም ቅንእን ባእስን ካብ ዚህሉስ ስጋውያን ምዃንኩምዶ ኣይኰነን፧” 1ቈረ 31-3 .

ብዛዕባ ነገር ዚበሃል ብዙሕ ነይሩና፡ ዘይትሰምዑ ድንዙዛት ስለ ዝዀንኩም ግና ኽንገልጸልኩም ብርቱዕዩ። ሕጅስ ድሮ መምህራን ክትኰኑ ምተገብኣኩም ነይሩ። እንተ ዀነ ብዛዕባ ቓል ኣምላኽ መባእታ ትምህርቲ ከም ብሓድሽ ዚምህረኩም የድልየኩም ኣሎ። ጸባ ደኣምበር ዕጹም ብልዒ ኣየድልየኩምንዩ። ጸባ ዚቕለብ ዘበለ ዅሉ፡ ቈልዓ ስለ ዝዀነ፡ ብዛዕባ ነገር ጽድቂ ተመክሮ የብሉን። ዕጹም ብልዒ ግና ነቶም ጽቡቕን ክፉእን ንምፍላይ ብተመክሮ ገዛእ ርእሶም ዜላምዱ ብጹሓትዩ።እብ 511-14 .

ሽዑ ሰባት .... መልክዕ ኣምልኾ ዘለዎም ነቲ ሓይሉ ግና ዚኽሕድዎ፡ ኪኾኑዮም። ካብዚኣቶም ርሓቕ። ገለ ኻብኣቶም ናብ ገዛ ሰብ እናኣተዉ ነተን ሓጢኣት ዝመልአን ብትምኒት ዘበለ ዅሉ ዚድፍአ፡ ድኹም መንፈስ ዘለወን ኣንስቲ ዚማርኹዮም። እዘን ኣንስቲ እዚኣተን ኵሉ ሳዕ ዚመሃራ፡ ናብ ፍልጠት ሓቂ ኺበጽሓ ግና ከቶ ዘይክእላየን።” 2ጢሞ 32-7 .

በቲ ናይመልእኽቲ ናብ እብራውያንጥቕሲ መሰረት፡ ጽቡቕን ክፉእን ክንፈልይ፡ ንጽድቂ ኽንመርጽን ክንላመዶን ዜኽእለና፡ እቲ ኻብ ጐይታና ዝተቐበልናዮ ዋሕዚ ጸጋዩ። እቲ ንጸጋ ዝነዓቐ፡ ካብ ጸጋ ዝወደቐ፡ ንጸጋኡ ዘባኸነ ሰብ ግን፡ ሓጢኣት ናይ ምግባር ተመክሮን ውሕልነትን ጥራሕ ዚህልዎ። እግዚአብሔር ብዛዕባ እስራኤላውያን ደድሕሪ ፍትወትኪ ንምጕያይሲ መገዲ ንምርካብ ክንደይ ኰታ ጮለ ኢኺ። ስለ ድማ ብመገዲ ኽፍኣት መላመዲት (ኣሰልጣኒት) ኢኺ።.... ህዝበይ ዓሻሞ፡ ኣይፋልጠንንዩ፡ ድንዙዛት ደቂዮምሞ፡ ኣእምሮ የብሎምን። እከይ ንምግባር ጥበበኛታትዮም ሰናይ ምግባር ግና ኣይፈልጡንዮም።

ዝበሎ ቓል ኪዝከር ይግባእ (ኤር 233 422) ብጸጋ ኣምላኽ ዝደሓነን ዝጸደቐን ሰብ ግን ብኣንጻሩ፡ ሰናይን ጽድቅን ንምግባር ኣዝዩ ጥበበኛ፡ እከይ ምግባር ግን ዘይፈልጥን ዘይክእሎን ሰብ ዚኸውን። እግዚአብሔር ብወዱ ብጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ጸጋ ዘውሓዘልና ግብሪ ጽድቅና (ሰናይ ግብርና) እምብዛ ምእንቲ ኺበዝሕዩ።ጸጋ ስለ ዘጽደቐኒ፡ ሰናይ ግብሪ ንምግባር ዝሃልከሉ ምኽንያት የብለይን፡ ሓጢኣት እንተ ገበርኩ ድማ ብግብረይ ስለ ዘይደሓንኩስ ጸገም የብሉንዚብል ዓሻ ሰብ እንተልዩ ግን፡ ከም ቅዱስ ጳውሎስ ዝበሎ ናብ ፍልጠት ሓቂ ዘይበጽሐ ደንቈሮን ድንዙዝን ዝዀነ፡ ገና ኣብ መንፈሳዊ ቝልዕነት ዚነብር፡ ስም ኣምላኽ ዚጸርፍን ዜጽርፍን ናይ ቤተ ክርስትያን ነውሪ ዝዀነ ሰብዩ። እቲ ኣቦታትና ሃዋርያት ዚመሃሩናምስጢር ተዋህዶግን፡ ጽድቅና ብጸጋ ኸም ዚበዝሕ ዚገልጽ። ከምኡ ስለ ዝዀነ፡ ብጸጋ ሰናይ ግብርና ስለ ዚዓዝዝ ከኣ ጐይታና ኣብ መወዳእታ ዓለምንነፍሲ ወከፍ ከከም እምነቱ ዘይኰነስ ከከም ግብርናዚፈርደና (ማቴ 1627 ሮሜ 26-7 1ጴጥ 117 ራእ 2012) ነቲ ደም ክርስቶስ ዝዋግኡ ጸጋ፡ ግብረ-ጽድቂ ንምፍራይ ዘይጥቀመሉ ክርስትያን፡ ከም ጨንፈር ካብ ጕንዲ-ወይኒ ተሰሊዑ ኣብ ሓዊ ኺድርበይ (ዮሃ 156) ኣብ ውሽጥና ሰናይ ግብሪ ናይ ምግባር ብርቱዕ ቅንኣት (ድልየት) እንተ ዘይብልና፡ ነፍስና ጽድቂ ንምግባር ትጠምይን ትጸምእን እንተ ዘየልያ፡ ጸጋና ኸም ዝተገፈፈ ካብ ጸጋ ኸም ዝወደቕና፡ ከቶ ኸም ዘይደሓንና ርግጸኛታት ንኹን። ምኽንያቱ እግዚአብሔር ከም ብሓድሽ ብጸጋ ዝወለደናን ዝፈጠረናን ንምንታይ ምዃኑ፦ ከመይሲ ንሕና ነቲ (ንኽንገብሮ ኢሉ) ኣምላኽ ኣቐዲሙ ዘዳለወልና ሰናይ ተግባራት እናፈጸምና ምእንቲ ኽንነብር ብክርስቶስ ኢየሱስ ዝፈጠረና ፍጡራት ኣምላኽ ኢና።

ብምባል ቅዱስ ጳውሎስ ኣረጋጊጹልና ኣሎ (ኤፌ 210 .) ሰናይ ግብሪ ንምግባር እኩይ ግብሪ ንዘይምግባርን ኢና ብጸጋ እንድሕን። ግብሪ ጽድቂ ዘይነዘውትር እንተ ዄንና ጸጋ ኣባና ኣይገዝእን ኣይሰርሕን ኣሎ ማለትዩ። ጸጋ ብጽድቂ ኣብ ህይወትና ከይገዝእ እንተ ኣቢናዮ፡ ነቲ ደም ክርስቶስ ዝዋግኡ ኽቡር ጸጋ ረጊጽናዮን ክሒድናዮን ኣለና ማለትዩ። ንናይ ዘለኣለም ህይወት ዚረኽብ፡ እቲ ንጸጋ ተገዚኡ ሰናይ ግብሩ ዘዕዘዘዩ።

“(ኣምላኽ) ንነፍሲ ወከፍ ከከም ግብሩ ኺፈድዮዩ። ማለት፡ ነቶም ሰናይ እናገበሩ ተዓጊሶም ግርማን ክብርን (ዘይሙማትን) ዚደልዩ፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪህቦምዩ። ነቶም ንዓመጻ ዚእዘዙምበር ንሓቂ (ንጸጋ) ዘይእዘዙ መሻረውቲ ግና፡ ቍጥዓን መዓትን ኪወርዶምዩ። እከይ ንትገብር ዘበለት ኵላ ነፍሲ ሰብ ጭንቀትን ጸበባን ኪወርዳዩ። .... ሰናይ ንዚገብር ዘበለ ዅሉ ግና ግርማን ክብርን ሰላምን ኪወሃቦ ....ሮሜ 26-10

እምበኣር ህይወትና ኣጸቢቕና ንመርምር፡ ንጸጋ ብጽድቂ ንግዝኦ ኸም ዘለና ድማ ነረጋግጽ። በቲ ብጸጋ ዚርከብ ጽድቂ ኣምላኽምበር፡ በቲ ብስጋ ዚግበር ጽድቂ-ሰብ ኣይንመላለስ። ዘለኣለማዊ ህይወት ምእንቲ ኽንጐናጸፍ፡ በቲ ኻብ ኣምላኽ ዚውሕዘልና ጸጋ ንመላለስ። ከመይሲ ብጸጋ ምንባር ማለት ኣብ ክርስቶስ ምንባር ማለትዩ።

ጸጋ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።

ዕለት፥ ሕዳር ፲፪, ፳፻፲፬  ግዕዝ (21 ሕዳር 2021 ፈረ). መበል 11 ሰንበትቊ.18(፲፰)

ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባባት

ዲያቆን

ንፍቀ ዲያቆን

ንፍቀ ካህን

ወንጌል

ቅዳሴ

ሮሜ 5፡10-ፍጻመ 1ዮሃ 5፡13-ፍጻመ ግብ 13፡38-43 ማቴ 6፡1-15  ዘእግዚእትነ ማርያም

መዝ ፸፯(፸፰)፡፰ "ኢትዝክር ለነ አበሳነ ዘትካት። ፍጡነ ይርከበነ ሣህልከ እግዚኦ። እስመ ተመንደብነ ፈድፋደ።"

ዓዲ መዝ.፻፪(፻፫)፡፱-፲ "ኢይቀሥፍ ወትረ ወኢይትመዓዕ ዘልፈ። አኮ በከመ ኃጢአትነ ዘገብረ ለነ። ወኢፈደየነ በከመ አበሳነ።"

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div