S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ኣብ ዘመን ግሽነትኩም ብፍርሃት ንበሩ [መበል 12 ሰንበት: ቊ.19/፲፱ ]

ነቲ ንነፍሲ ወከፍ ብዘይ ኣድልዎ ኸከም ግብሩ ዚፈርድ (ኣምላኽ) ንስኻትኩምኣቦኢልኩም እትጽውዕዎ ኻብ ኰንኩምሲ፡ ኣብ ዘመን ግሽነትኩም ብፍርሃት ንበሩ።” 1ጴጥ 117

እዚ ሰንበትዚ፡ ካልኣይ ሰንበት ናይ ብቕድስቲ ቤተ ክርስትያንናኣስተምህሮተባሂሉ ዚጽዋዕ ቅንያትዩ። ካብ ንባባት ናይ ዕለት ኽንመሃሮ ተዳልዩልና ዘሎ ኣርእስቲ ኸኣ ኣርእስትናን መሪሕ ጥቕስናን ኣመልኪቱና ኸም ዘሎ፡ ኣብ ዘመን ግሽነትና ብፍርሃት ኣምላኽ ክንመላለስ ከም ዚግብኣና ዚገልጽዩ። ዘመን ግሽነትን ፍርሃት ኣምላኽን ፈጺሞም ኪፈላለዩ ዘይግብኦም ምዃኖም ክንፈልጥ ይግብኣናዩ። ከመይሲ ብዘይ ፍርሃት ኣምላኽ ዚንበር ዘመን-ግሽነት፡ መወዳእታ ዘይብሉ መሪር ናይ ስቓይ ዘመን ዚወልድ። ብፍርሃት ኣምላኽ ዝተገርሐን ዝተማእዘነን ዘመን ግሽነት ከኣ ንዘለኣለም መለኮታዊ ኽብሪ ዜጐናጽፍ ወርቃዊ ዘመንዩ። ንፍተው ንጽላእ፡ ይሕጸር ይንዋሕ፡ ዘመን ግሽነት ተሰሪዑልና ኣብ ምድሪዚኣ ንነብር ኣለና። ነዛ ሓጻር ናይ ትዕዝብቲ ዘመን፡ ናብ ዘለኣለማዊ ረብሓ ወይ ወጽዓ ኽንልውጣ፡ ኣብ ናትና ምርጫ ዚምርኰስ። እቲ በዛ ዘመንዚኣ ኺረብሕ ዚደልይ፡ ብፍርሃት ኣምላኽ ዚነብራ። እቲ ሳዕቤን ምርጫኡ ኼስተውዕል ዘይተኻእሎ ንጥፍኣቱ ዝዓሽወ ሰብ ከኣ፡ ንፍርሃት ኣምላኽ ንዒቑ ብፍትወት ስጋ ዚነብራ። ኣብ ዓለምዚኣ ተወሊድካ ምንባር ህያብ ናይ ሉኣላውን ሰናይን ንኣምላኽምበር፡ ምርጫ ናይ ሰብ ኣይኰነን። ኣብ ብሕያውነቱ ዝሃበና ሓጻር ምድራዊት ህይወት ኴንና፡ ዘለኣለማዊ ኽብሪ ወይ ዘለኣለማዊ ስቓይ ናይ ምንባር ምርጫን ትግባረን ግን ናትና ናይ ሰባትምበር ናይ ኣምላኽ ኣይኰነን። ስለ ብዛዕባ ዘመን ግሽነትናን ብዛዕባ ኣብ ዘመን ግሽነትና ኽንነብሮ ዚግብኣና ዓይነት ናብራን ኣጸቢቕና ኽንፈልጥን ህይወትና ኽንምርምርን መገድና ኸነማእዝንን ስለ ዚግብኣና፡ ነዚ ዕለትን ሳምንትን እዚ ኣርእስቲ ተሰሪዑልና ኣሎ።

ዘመን ግሽነትእንታይ ማለትዩ፧ ንምንታይዩኸ ዘመን ግሽነት ተባሂሉ፧ ንሓደ ሰብጋሻወይውንኣብ ግሽነት (መገሻ)’ ዘሎእንብሎ፡ እቲ ሕጂ ንሱ ዚርከበሉ ቦታ ንጊዚኡ ንሓጺር ጊዜ ጥራሕ ዚጸንሓሉ፡ ድሕሪ ዝተወሰነ ጊዜ ናብ ቐዋሚ መንበሪኡ ዚምለስ ምዃኑ ምስ ዚፍለጥዩ። እቲ ብግሽነት ዚጸንሓሉ ቕንያት ውሑድ መዓልታት ምስ ዚኸውንመዓልታት ወይ ቅንያት ግሽነትንብሎ። ብዓመታት ዚቝጸር ምስ ዚኸውን ከኣ፡ዓመታት ወይ ዘመን ግሽነትኢልና ንጽውዖ። ንሕና ኸኣ ንዘለኣለም ክንነብር ዝተፈጠርና ሰባት ኢና። እዚ ዘለኣለማዊ ናብራና ኣብ ምድሪ ዚፍልም። ብዘይካ ንሒደት ዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ምድሪ እንጸንሖ፡ ዳርጋ ዅሉ ዘለኣለማዊ ዕድመና ካብ ምድሪዚኣ ወጻኢ እንነብር። ስለ እዛ ዓለምዚኣ ንኣና ምድሪ ግሽነትናያ። እቲ ኣብ ምድሪዚኣ እነሕልፎ ሓጺር ዕድመ ድማ ዘመን ግሽነትናዩ። እዚ ተመዲቡልና ዘሎ ሓጺር ዘመን ግሽነት፡ ክንምዘነሉ ዝተሰርዐ ናይ ትዕዝብቲ ጊዜዩ። እቲ ዘለኣለማዊ ዕድመናን ቦታናን ኣበይ ከም ዚኸውን ዚውሰነሉ ጊዜዩ። እቲ ትዕዝብቲ ኸኣ፡ ነቲ ኣምላኽ ዘውረስና ናይ ባህርዩ መልክዕ ኣብ ሓጥእ ዓለምዚኣ ኽንነብሮ ምኽኣልናን ዘይምኽኣልናንዩ። እቲ ዝኸኣላ ዝተረፈ ዘለኣለማዊ ዘመኑ ኣብ ሓጐስን ክብርን ኬሕልፎዩ። እቲ ዘይከኣላ፡ ንኽብርን ሓጐስን ዘይበቅዕ ምዃኑ ብዓይነት ህይወቱ ዘረጋገጸ ሰብ ከኣ፡ ነቲ ደረት-ኣልቦ ዘመኑ ኣብ ስቓይን ውርደትን ኬሕልፎዩ።

ብዛዕባ ዘመን ግሽነት ካብ ቅዱሳንና ኽንመሃረሉ ዚግብኣና ኣርኣያ ኣሎዶ፧ እንተልዩ እንታይ ኢና እንመሃር፧ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝተጠቕሱ ዀኑ ዘይተጠቕሱ ናብ ቅድስና ዝበቕዑ ዅሎም ኣቦታትና፡ ብዛዕባ ዘመን ግሽነቶም ልዑል ኣፍልጦን ጥንቃቐን ዝነበሮምዮም። ነዛ ሓላፊት ዓለምን ህይወቶምን ከም ቀዋሚት ንዘይምርኣያ ስለ ዝተጠንቀቑዮም ዝተዓወቱ። ከመይሲ ኣብ ሓላፊት ህይወት ከም ነባሪ፡ ኣብ ምድሪ ግሽነት ከም ብዓል ርስቲ ዄንካ ምንባር፡ ሓጢኣትካን ውርደትካን ዜብዝሕ ዕሽነታዊ ናብራዩ። እቶም ነቲ ዘለኣለማዊ ናብራኦም ምስ ኣምላኽ ኬሕልፍዎ ዚደልዩ፡ ብኣተሓሳስባኦም ብኣዘራርባኦም ኰነ ብዅሉ ቕዲ-ህይወቶም ግሽነቶም ኪሕልዉን ኬንጸባርቑን ዚደልዩ። ኣቦና ኣብርሃም፡ ሓደ ኻብቶም ዘመን-ግሽነቶም ዘለለዩ ቕዱሳን ኣቦታትናዩ። ሳላ በረኸት ኣምላኽ፡ ቍጽሪ ጥሪቱ ምድሪ ኽትጾሮ ዘይትኽእል ኣዝዩ ብዙሕ ዝነበረ (ዘፍ 136,7) ልዕሊ 500 ዚግመቱ ባሮት ዝነበርዎ ብዓል ጸጋ ሃብታም ዝነበረ (ዘፍ 1414,15) ኣብ ምድሪ ስደተኛ እንተ ነበረ፡ ገንዘብ ሂቡ መንበሪ ዚሃንጸሉ መሬት ዓዲጉ፡ ቤተ-መንግስቲ ዚመስል ገዛ ኺሃንጽ ምኸኣለ ነይሩ። ነታ ምድሪቲኣ ኸም ዚርስተያ ዝተዋህቦ ተስፋ ኣምላኽ ብምእማኑ ጽድቂ ዝተቝጽረሉ ሰብ ምንባሩ ኸኣ ኣይንረስዕ። ኣቦና ኣብርሃም፡ ንዘመን ግሽነቱ ብኸመይ ይነብራ ኸም ዝነበረ ግና፡ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ብኸም ዚስዕብ መስኪሩሉ ኣሎ።

ኣብርሃም ናብ ንርስቲ ኪቕበሎ እተኣመመሉ ስፍራ ኺወጽእ ምስ ተጸውዐ፡ ብእምነት ተኣዘዘ፡ ናበይ ከም ዚኸይድ ከይፈለጠውን ወጸ። ነታ ኣምላኽ ዝሃናጺኣን ዝሰራሒኣን፡ መሰረት ዘለዋ (ዘለኣለማዊት) ኸተማ ይጽበይ ስለ ዝነበረ፡ ብእምነት ኣብ ምድሪ ተስፋ ከም ኣብ ምድሪ ጓና ዀይኑ ተቐመጠሞ፡ ምስቶም ነዛ ተስፋዚኣ መዋርስቱ ይስሃቅን ያእቆብን ኣብ ድንኳን ይነብር ነበረ።. . . እዚኣቶም ኵላቶም (ኣቤል፡ ኖህ፡ ኣብርሃም፡ ይስሃቅ፡ ያእቆብ፡ ሳራ) ነተን ተስፋታት ኣይረኸብወንን፡ ግናኸ ካብ ርሑቕ ርእዮም ተሳለምወንሞ፡ ኣብ ምድሪዚኣ ኣጋይሽን ስደተኛታትን ምዃኖም እናተአመኑ፡ ብእምነት ሞቱ። እቶም ከም ዚብሉ ኸኣ ሃገሮም ከም ዚደልዩ፡ (ብናብራኦም) የርእዩ አለዉ። . . . ሕጂ ግና (ነታ) እትሓይሽ፡ ይናፍቑ አለዉ። ስለ ድማ ኣምላኽ፡ ከተማ ኣዳሊውሎም ኣሎሞ፡ ኣምላኾም ኪበሃል ብኣታቶም ኣይሓፍርንዩ።እብ 118-10,13,14,16

ካብ ሃዋርያዊ ምስጢር ኸም እንርድኦምበኣር፡ ኣቦና ኣብርሃም ኣብ ምድሪ ኸንኣን ጥራሕ ዘይኰነ ብመሰረቱ ኣብ ዓለምዚኣውን ጋሻን ስደተኛን ምዃኑ ምስትውዓሉዩ፡ ኣብ ድንኳን ኪነብርምበር፡ መሰረት ዘለዎ መንበሪ ገዛ ኸይሃንጽ ዝገበሮ። ነባሪ ቤቱ እቲ ኣምላኽ ዝሃነጾ ቤትን ከተማን ምዃኑ ኣነጺሩ ዝፈለጠ ሰብ ነበረ። ንኣቤል ቅዱስን ቅቡልን መስዋእቲ ኬቕርብ ዘኽኣሎ፡ ንኖህ፡ ብዓቕሚ ሓንቲ ንእሽቶ ስድራ ቤት ዓባይ መርከብ-ምድሓን ኪሃንጽን ክእዘዝን ዘኽኣሎ። ኣብ ዓለምዚኣ ኸኣ ምስ ኣምላኽ ተመላሊሱ እንታ ዘይብሉ ጻድቕ ስብኣይ ዝዀነ፡ ኣብዛ ምድሪዚኣ ጋሻን ስደተኛን ምዃኖም እናሓሰቡ ስለ ዘነበሩ (እብ 114,7 ዘፍ49) ኣብ ዓለምዚኣ እናነበሩ ነታ ኣምላኽ ዝሃነጻ ሃገርን ከተማን ይናፍቑ ነበሩ። ካብ ዘለዉዋ ዓለም እትሓይሽን እትበልጽን ካልእ ሃገር ከም ዘላ ብዓይኒ እምነት ዝረኣይዎን ዝተሳለምዋ ሰባትዮም። ነዚ ናፍቖቶም ድማ፡ ብቓላት ልሳኖም ዘይኰነ፡ በቲ ግብራዊ ናብራኦም የርእዩ ነበሩ። ኣቦና ቕዱስ ዳዊትውን ነዚ ምስጢር ቕድስና ኸም ዚግባእ ዘስተውዓለሉን፡ እግዚኣብሔርዝኸም ልበይኢሉ ኽሳዕ ዚስምዮ ብግብሪ ዝነበረሉን ሰብ ዝነበረ። ብቓላቱውን ነዚ ሓቂ ደጋጊምዎዩ።

ንሕና ኣብ ቅድሜኻ ከም ኵሎም ኣቦታትና መጻእተኛታትን ኣጋይሽን ኢና። ዕለታትና ኣብ ምድሪ ኸም ጽላሎትየን፡ ዚነብር ከኣ የልቦን።” 1ዜና 2915 ኣብ ቅድሜኻ ጋሻ፡ ከም ኵላቶምም ኣቦታተይ ስደተኛ ጐይታይ፡ ጸሎተይ ስማዕ  . . . “ መዝ 3912

እምበኣር ንሕናውን ነዛ ምስጢር ቅድስናን ዓወትንዚኣ እንተ ዘይፈሊጥናያን እንተ ዘይተመሪሕናላን፡ ነቲዞም ቅዱሳን ኣቦታትና ዝረኸብዎ ሰማያዊ ርስትን ክብርን ኣይክንበቕዖን ኢና። ኣብ ናይ እብራውያን ጥቕሲ ብንጹር ተገሊጹ ኸም ዘሎ፡ ነዚ ቕዱስ ኣተሓሳስባ ዜጥርይ፡ እቲ ኣብ እምነት ዘሎ ሰብ ጥራሕዩ። እምነትና ነታ ስማያዊት ሃገር ክንናፍቕ፡ ነዛ ምድሪ ስደትዚኣ ድማ ክንንዕቕ እትገብረና። ኣብ እምነት እንተ ዘየሊና ግና ኵሉ ኣካይዳና ዓለማዊ ይኸውን፡ ነቲ ናይ ዘለኣለም ቤትናን ሃገርናን ግን ይትረፍ ክንናፍቕ ነዛ ኽንዝክራ ንጽገም ኢና። እቲ ነዛ ሓላፊት ዓለም ከም ነባሪት ቤቱን ሃገሩን ዚርእይ ሰብ፡ ብፍትወት ስጋ ይምራሕ፡ ፍረ-ህይወቱ ድማ ሓጢኣት ጥራይ ይኸውን። እቲ ኸም ምድሪ ስደቱ ገይሩ ዚርእያ ግና፡ ኣብ ዓለምዚኣ ናይ ሰማያዊት ሃገሩ ናብራ ዚነብር። ስለ ፍረ ህይወቱ ጽድቅን ቅድስናን ጥራሕ ዚኸውን። ብቕዱሳን ኣቦታትና ሃዋርያት ዝተዋህበና ምኽርን ትእዛዝን ግን። ኣቱም ፍቁራተይ፡ ከም ኣጋይሽን ከም ስደተኛታትን እመኽረኩም ኣለኹ። ካብ ምስ ነፍሲ ዚዋጋእ ስጋዊ ትምኒት ርሓቑ።

ንዓለም ወይስ ነቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ኣይትፍተው። ሓደ ንዓለም እንተ ፈተዋ፡ ፍቕሪ ኣቦ የብሉን። ኵሉ ኣብ ዓለም ዘሎ፡ ፍትወት ስጋን ፍትወት ኣዒንትን (ናብራ) ትዕቢትን፡ እዚ ኻብ ዓለምምበር፡ ካብ ኣቦስ ኣይኰነን። ዓለም (ሓላፊት)’ያ፡ ፍትወታ ኸኣ (ሓላፊ) እቲ ንፍቓድ ኣምላኽ ዚገብር ግና ንዘለኣለም ይነብር።

እምብኣርሲ ኣሕዋተየ፡ ንስጋኹም ህያውን ቅዱስን ንኣምላኽ ባህ ዜብልን መስዋእቲ ጌርኩም ከተቕርብዎ፡ ብምሕረት ኣምላኽ እምዕደኩም ኣሎኹ። . . . እቲ ሰናይን ባህ ዜብልን ምሉእን ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ምእንቲ ኽትምርምሩስ፡ ብምሕዳስ ሓሳብኩም ተለወጡምበር፡ ነዛ ዓለም እዚኣ ኣይትምሰልዋ።ዚብል (1ጴጥ 212 1ዮሃ 215-17 ሮሜ 121,2) ከም ሃዋርያ ጴጥሮስ ኣመልኪቱና ዘሎ፡ ነዚ ሃዋርያዊ ቓል ኺትግብሮ ዚኽእል፡ እቲ ኣብ ምድሪዚኣ ጋሻን ስደተኛን ምዃኑ ዚፈልጥን ከምኡ ዀይኑ ዚነብርን ጥራሕዩ። ንዘመን ግሽነትና ብጽድቅን ቅድስናን ክንነብሮ ዜኽእለና እንታይዩ፧ ነዚ ሕቶ እቲ ናይ ኣርእስትና መሪሕ ጥቕሲ ብንጹር መሊሱልናሎ። ንዘመን ግሽነትና ጽድቅን ቅድስናን ክንፈርየሉ ዜኽእለና፡ ፈሪሃ-እግዚኣብሔርዩ። ዘመን-ግሽነትና ብፍርሃት እግዚኣብሔር እንተ ዘይኣመሓደርናዮ፡ ብዅለንተናና ዓለማውያን፡ ነታ ኣምላኽ ዝሃናጺኣ ሰማያዊት ሃገር ዘይንበቅዕ ኴንና ኢና ንነብር። ኣብ ዘመን ግሽነትና ኸነማልአን ዚግብኣና ረቛሒታት፡ ክልተየን። ንሳተን ከኣ፦

1. ቅድስና ኽንለብስ (ክንመልእ)

2. ካብ ዜርክሰና ሓጢኣት ርእስና ኸነንጽህ፡ እየን።

ነዚ ኽንገብር ዜኽእለና ጥበብና ኸኣ ፍርሃት እግዚኣብሔር ከም ዝዀነ፡ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፦ “. . . “ኣባታቶም ክነብር ኣባታቶምውን ክመላለስየ፡ ኣነ ኣምላኾም ክኸውንየ፡ ንሳቶምውን ህዝበይ ኪዀኑዮም፡ከም ዝበለ ንሕና ቤተ መቕደስ ህያው ኣምላኽ ኢና። . . . እምብኣርከ፡ ኣቱም ፍቁራተይ፡ እዚ ተስፋታት ኻብ ዚህልወናስ፡ ብፍርሃት ኣምላኽ ቅድስና እናመላእና፡ ካብ ስጋን መንፈስን ዜርክስ ዘበለ ዅሉ ርእስና ነንጽህ።” ብምባል ገሊጽልና ኣሎ (2ቈረ 616-18 71) እግዚኣብሔር ኣብዛ ዓለምዚኣ ህያው መቕደስ ክንኰኖሞ፡ ኣባና ኺሓድርን ኪነብርን ዚደልይ። ከም ኣብ 1ቈረ 316,17

ቤት መቕደስ ኣምላኽ ምዃንኩምን መንፈስ ኣምላኽ ኣባኻትኩም ሓዲሩ ምህላውንዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም። ሓደ ነታ ቤት መቕደስ ኣምላኽ (ብሓጢኣት) እንተ ኣማሰነ፡ ኣምላኽ ኬማስኖዩ። ቤት መቕደስ ኣምላኽ ቅድስቲያ፡ እዛ ቤት ምቕደስዚኣውን ንስኻትኩም ኢኹም።” ተባሂሉልና ዘሎ፡ እግዚኣብሔር ኣብ ዝረኸሰ ዘይኰነስ፡ ቅድስናኡ ኣብ ዝሓለወ መቕደስ ጥራሕ ዚነብር። ናይ ዘመን ግሽነትና ዕላማምበኣር፡ ንኣምላኽ ህያው መቕደስ ኴንካ ምግልጋልዩ። ቅድስና ናይ ህያው መቕደስና ዚሕለው ከኣ፡ ብፍርሃት ኣምላኽ ጥራሕዩ።

ፍርሃት እግዚኣብሔር እንታይ ማለትዩ፧ ብኸመይ ፍርሃት እግዚኣብሔር ንመቕደስ ስጋና ዜንጽሆን ዚቕድሶን፧ ቃል እግዚኣብሔር ብዚህበና መግለጺ መሰረት፡ ፍርሃት እግዚኣብሔር ማለትንጽድቂ ምፍታው፡ ንዓመጻ (ንሓጢኣት) ከኣ ምጽላእማለት (እዮ 2828) ንጉስ ሰለሞን፦ ንእግዚኣብሔር ምፍራህ ንኽፍኣት ምጽላእዩ፡ ኣነውን ትዕቢትን ትምክሕትን ክፉእ ኣካይዳን ቄናን ኣፍን እጸልእየ።ብምባል ትርጉም ፍርሃት እግዚኣብሔር ገሊጹልና (ምሳ 813) ጐይታና ኢየሱስ፡ እቲ ናይ ፍርሃት እግዚኣብሔር ፍጹም ኣርኣያናዩ። ካብ ዕለተ ልደቱ ኽሳዕ ዕለተ ሞቱ፡ እቲ ብኣርኣያ ስላሴ ዝተፈጥረ ሰብ ኬርእዮ ዚግባእ ፍርሃት እግዚኣብሔር እንታይ ከም ዚመስልን ብኸመይ ከም ዚግለጽን ብግብሪ ዘርኣየና ንሱዩ። ንፍርሃት እግዚኣብሔር ብኸመይ ከም ዜርእየና፡ ኣብ ብዛዕባኡ ብቕዱስ ዳዊት ዝተነግረን ብሃዋርያ ቕዱስ ጳውሎስ ዝተተርጐመን ትንቢት ተገሊጹልና ኣሎ።  ኣምላኽ፡ ዝፋንካ ንዘለኣለመ ኣለምዩ፡ ዘንጊ መንግስትኻውን ዘንጊ ቕንዕናያ። ጽድቂ ትፈትው፡ ረሲእነት ትጸልእ፡ ስለ እግዚኣብሔር ኣምላኽካ ሓለፋ ብጾትካ ብዘይቲ ሓጐስ ቀብኣካ።መዝ 456,7 (እብ 18,9)

መንፈስ ፍርሃት ኣምላኽ ከም ዝነበሮ ነብዪ ኢሳይያስ ገሊጹልና ኣሎ (ኢሳ111,2) ብዛዕባ ኣብ ጊዜ ስቕለቱ ዘርኣዮ ፍርሃት ኣምላኽውን ሃዋርያ ቕዱስ ጳውሎስ ገሊጽዎ ኣሎ (እብ 57) ስለፍርሃት እግዚኣብሔር ኣለናኽንብል እንተ ዄንና፡ ልክዕ ከም ጐይታና ንጽድቂ እነፍቅር ንሓጢኣት ከኣ እንጸልእ ክንከውን፡ ነዚ ምርጫና ኸኣ ብግብሪ እነንጸባርቕ ክንከውን ዚግባእ። ንኣምላኽ ምፍራህ ማለት ንኣምላኽ ብዝዘከርካ መጠን ክትርዕድን ከተንቀጥቅጥን ማለት ኣይኰነን። ከም ዝበለ ስምዒት ንኣጋንንትን ነቶም ብኣታቶም ዚምርሑ ሰባትን ጥራሕ ዚምልከት (ያእ 219) ናይቶም ንእግዚኣብሔር ዜፍቅሩ ሰባት ፍርሃት ግና፡ ከም ናይ ጐይታና፡ ብግብራዊ መገድን ናብራን ዚግለጽ። ስለ ኸኣ ቃል እግዚኣብሔር፦ ታሕጓሱ ኣብ ፍርሃት እግዚኣብሔርዩ፡ ዓይኑ ኸም እትርእዮ ኣይኪፈርድን፡ እዝኑ ኸም እትስምዖ ኸኣ ኣይኪብይንዩ።ብምባል ፍርሃት እግዚኣብሔር ኣብ ልቢቶም ዘጥረይዎ ታሕጓስምበር ጭንቀትን ራዕድን ከም ዘይፈጥር ኣረጋጊጹልና ኣሎ (ኢሳ 113) ንእግዚኣብሔር ዚፈርህ ሰብ ንህይወት ብቓልን ፍቓድን ናይ እግዚኣብሔርምበር፡ በቶም ሓሙሽተ ናይ ስምዒት ህዋሳቱ ኣይመርሓንዩ። ዘመን ግሽነት ከኣ ማእለያ ብዘይብሉ ንናይ ስምዒት ህዋሳትና ጸሚዱ ዚሕዝ ፍጻመታት ዝተመልአዩ። ፍትወት ኣዒንት ዜለዓዕሉ ዅነታትን ተጓንፎታትን ማእለያ የብሎምን። ደድሕሪ ኣዒንትና እንተ ስዒብና፡ ኣመንዝራታት፡ ስሱዓት፡ ትዕቢተኛታት ኴንና ኢና እንተርፍ። ብፍርሃት ኣምላኽ ንምራሕ እንተ ዄንና ግን፡ ነዚ ኣበሳታት እንጽየፈሉን እነርሕቐሉን ዓቕሚ ንረክብ (ምሳ 813 መዝ 264,5 1013,4 እዮ 274-6 ምሳ 86,7)

ብኸመይ ፍርሃት እግዚኣብሔር ኣብ ልብና ዚሓድርን ዚዓዝዝን፧ ካብ ባዶ ተበጊሱ ፍርሃት እግዚኣብሔር ኣብ ልብና ኺሓድር ኣይክእልንዩ። ፍርሃት ኣምላኽ ካብ ባዕሉ ኻብ እግዚኣብሔር ዚርከብ። ንሱ ኸኣ ፍርሃቱ ኣብ ልብና ዜሕድረሉ ናቱ ጥበብ ኣለዎ። እቲ ቐዳማይ ምንጪ ናይ ፍርሃት ኣምላኽ፡ ቃል እግዚኣብሔርዩ። ቅዱስ ዳዊት ነዚ ሓቂዚ፦

ነቲ ናብ ፍርሃትካ ዚመርሕ ቃልካ ኣብ ባርያኻ ኣጽንዓዮ።”  ብምባል ገሊጽልና ኣሎ (መዝ 11938) ስለ ኸኣ እግዚኣብሔር ንነብዩ ሙሴ፦

እቶም ህዝቢ ኣብ ምድሪ ዚነብሩለን ኵሉን መዓልትታት (ኣብ ኵሉ ዘመን ግሽነቶም) ምፍራሀይ ኪመሃሩ፡ ንደቆም ድማ ኪምህሩ፡ ቃለይ ከስምዖም ናባይ ኣክቦም።

ኢሉ ኣዘዞ (ዘዳ 410) እቲ ኻልኣይ መገዲ ኸኣ፡ ጸሎትዩ። ፍርሃት ኣምላኽ ኣብ ልቡ ኺዓዝዘሉ ዚደልይ ሰብ ኬዘውትሮ ዚግባእ ከኣዩ። ከምኡ ስለ ዝዀነ፡ ቅዱስ ዳዊት፦  እግዚኣብሔር ብሓቅኻ ምእንቲ ኽመላለስ፡ መገድኻ ምሃረኒ፡ ስምካ ኽፈርህሲ፡ ንልበይ ኣዳልዎ።

እናበለ ይምሕጸን ነበረ (መዝ 8611) ኣስዒቡውን፦ ምስ ገበርቲ እከይ ረሲእነት ከይገብርሲ፡ ንልበይ ናብ ክፍኣት ኣይተዘምብሎ።” እናበለ እግዚኣብሔር ብፍርሃቱ ኺሕልዎን ኬማእዝኖን ንኣምላኹ ይልምን ነበረ (መዝ 1414) እቶም ብሰሪ ሓጢኣቶም ብዙሕ መከራ ዝረኸቡ እስራኤላውያን፡ ጠንቂ ውድቀቶም እንታይ ምዃኑ፦

እግዚኣብሔር ካብ መገድኻ ክንዘብል፡ ከይንፈርሃካ ድማ ልብና ኺተርር ዝሓደግካና ስለምንታይ ኢኻ፧ ስለ ባሮትካ ስለ ነገድ ርስትኻ ኢልካ ተመለስ። . . . ከምቶም ካብ ጥንቲ ዘይመለኽካዮም፡ ከምቶም ብስምካ ዘይተሰምዩ ዄንና ኣለና።” ብምባል ኣብ ናይ ንስሓ ጸሎቶም ተኣሚኖም ኣለዉ (ኢሳ 6317,19) ምኽንያቱ እግዚኣብሔር፡ ፍርሃት ኣምላኽ ካብኡ ምዃና፦

ንደሓን ርእሶምን ብድሕሪኦም ከኣ ንደሓን ደቆምን ኪኸውንሲ፡ ንሓዋሩ ምእንቲ ኺፈርሁኒ ሓደ ሓሳብን ሓደ ልብን ክህቦምየ። ንኣታቶም ሰናይ ካብ ምግባር ከይዘሓጥሲ፡ ናይ ዘለኣለም ኪዳን ክኣትወሎም፡ ካባይ ከይዘብሉ ኸኣ፡ ፍርሃተይ ኣብ ልቦም ከሕድርየ።” ብምባል ኣረጋጊጹ (ኤር 3239,40) እግዚኣብሔር ዚገብሮም ተኣምራትን ኣብ ሓጥኣን ዜውርዶ ቕጽዓትንውን ሳልሳይ ኣብ ልቢ ሰብ ፍርሃት ኣምላኽ ዜሕድሩ ጥበባትዮም (ራእ 1113 ግብ 51-11)

እምበኣር፡ እዚ ኣብ ምድሪ ብህይወት እንነብረሉ ዓመታት ዘመን ግሽነትና ምዃኑ ንፈልጥን፡ ኣብኡ ድማ ከም ኣጋይሽን ስደተኛታትን ኴንና ንነብርንዶ ኣለና፧ ንዘመን ግሽነትና እነመሓድረሉ ፈሪሃ እግዚኣብሔር ኣብ ልብና ኣለናዶ፧ እዚ ኽልተ ተዛማድን ኣገዳስን ኣርእስታት ኣብ ልብና እንተልዩ፡ ናይ ህይወትና ፍረ፡ ጽድቅን ቅድስናን ዚኸውን። ስለ ናይ ብሓቂ ኣጋይሽን ፈራህቲ ኣምላኽ ምዃንና ብግብራዊ መገዲዶ ነረጋግጽ ንህልው፧ ንዘመን ግሽነትካ ብፍርሃት ኣምላኽ ምስላምን ብፍትወት ስጋ ምግዕዛይን፡ ናይ ዘለኣላማዊ ህይወትን ክብርን፡ ከምኡውን ናይ ዘለኣለማዊ ስቓይን ውርደትን ዚኣክል ዓብይ ፍልልይ ስለ ዘለዎ፡ ንዘመን ግሽነትና ብፍርሃት ኣምላኽ ነማእዝና ምህላውና ወርትግ ነረጋግጽ!!

ጸጋ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።

ዕለት፥ ሕዳር ፲፱, ፳፻፲፬  ግዕዝ (28 ሕዳር 2021 ፈረ). መበል 12 ሰንበት: ቊ.19/፲፱

ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባባት

ዲያቆን

ንፍቀ ዲያቆን

ንፍቀ ካህን

ወንጌል

ቅዳሴ

ቈሎ 1፡21-ፍጻመ 1ጴጥ 1፡13-ፍጻመ ግብ 19፡27-ፍጻመ ዮሃ 5፡17-27 ዘእግዚእነ

መዝ.፻፴፬፡፮ “እስመ አነ አእመርኩ ከም ዓቢይ እግዚአብሔር። ወአምላክነሂ እምኵሉ አማልክት። ኵሎ ዘፈቀደ ገብረ እግዚአብሔር።”

ዓዲ፡ መዝ.፻፲፫፡፫ “አምላክነሰ ውስተ ሰማይ ላዕለ። በሰማይኒ ወበምድርኒ። ኵሎ ዘፈቀደ ገብረ እግዚኣብሔር።”

 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div