S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ንፍቓዱ ዜኽብር ልማኖ [መበል 13 ሰንበት: ቊ.21/፳፩ ]

ከም ፍቓዱ ጌርና ሓደ ነገር እንተ ለመንናዮ ይሰምዓናዩ፡ እቲ ኣብኡ ዘሎና ትብዓት ድማ እዚዩ። ነቲ ዝለመንናዮ ዘበለ ኸም ዚሰምዓና ኻብ እንፈልጥ ድማ፡ እቲ ኻብኡ ዝለመንናዮ ልማኖ ድሮ ኸም ዝረኸብናዮ፡ ንፈልጥ ኢና።” 1ዮሃ 514,15

እዚ መበል 14 ሰንበት ናይ 2014 ..ግ፡ ናይ መወዳእታ ሰንበት ናይኣስተምህሮዝተሰምየ ካብ ሕዳር 6 ክሳዕ ታሕሳስ 7 ዘሎ ቕንያትዩ። ሓደ ኻብቶም ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያንና ዝሰርዓቶም ኣርባዕተ ንባባት ሓድሽ ኪዳን ከኣ፡ እዚ ናይ 1ዮሃ 511-ፍጻመ ንባባዩ። ኣብ ኽፍሊ ንባብ ተጠቒሶም ካብ ዘለዉ ብዙሓትን ዓበይትን ኣርእስታት ሓደ ኸኣ፡ እዚ ንፍቓዱ መሰረት ዝገበረን ንፍቓዱ ዜኽብርን ንልማኖ ኣመልኪቱ ዝተጻሕፈ፡ ኣብ መሪሕ ጥቕስና ዚርከብ ኣርእስቲዩ። ብዓብዩ እቲ ልማኖ ናይ እግዚአብሔር ፍቓድዩ። እግዚአብሔር ኵሉ ጊዜ ናብኡ ኽንጽልይን ንእኡ ኽንልምንን ዚደልይ። እዚ ንርእሱ ፍቓድ ኣምላኽ ዝዀነ ልማኖ ግና፡ ንኣና ደስ ከም ዝበለና ኸም ቃሕታና ጌርና ዘይኰነስ፡ ከም እግዚአብሔር ዚፈቕዶ ጌርና ኸነቕርቦ ዚግባእ። ናይ ስጋ ነገር ኰይኑ ግዳ፡ ዚበዝሕ ጊዜ ኸም ፍቓዱ ጌርና ዘይኰነስ፡ ከም ፍቓድና ጌርና ኢና እንጽልይ። በዚ ኣካይዳና ኸኣ፡ ነቲ ቕቡል ጊዜን ቦታን ናይ ጸሎት፡ ንፍቓድ ኣምላኽ ናብ እንግህሰሉን እንዳፍኣሉን መድረኽ ንልውጦ ማለትዩ። ፍቓድ ኣምላኽ ዘየኽብር ጸሎት ከኣ፡ ሓጥእን ንጹግን ጸሎትምበር፡ ቅቡል ጸሎት ኪኸውን ኣይክእልንዩ። ስለ ኸኣ እዚ ናይ ዕለት ኣርእስቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዚኸውን። ከመይሲ፡ ሓጢኣት ዚግበረሉ ግዜን ቦታን ከም ዝተሳእነ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ብጸሎት ቈምካ ከለኻ ምሕጣእ፡ ሰኣን ኣፍልጦን ብዘይ ምስትውዓልን ንገብሮ ዄንናምበር፡ ዓንቃፊ ምርጫዩ።

ኣብ ህይወት ሓደ ክርስትያን፡ ጸሎት ኣዝዩ ኣገዳሲ ዚዀነሉ ምኽንያት እንታይዩ፧ ኣብፍኖተ ህይወትዘርእስቱ ናይ ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያንና መሰረተ እምነት ዜስተምህር መጽሓፍ፡ ጸሎት፡ ካብቶም ኣገደስቲ ክርስትያናዊ ስነ ምግባራት ሓደ ምዃኑ ብስፍሓት ተገሊጹ ኣሎ። ዘይጽልይ ክርስትያንን ኣየር ዘየተንፍስ ሰብን፡ ክልቲኦም ሓደዮም፡ ምዉታት ከኣዮም። ሰብ ምስትንፋስ ዜቋርጽ፡ ህይወት እንተ ዘይብሉን እንተ ሞተን ጥራሕዩ። ክርስትያን ክነሱ ዘይጽልይ ሰብ እንተልዩ ኸኣ፡ ብርግጽ መንፈሳዊ ህይወቱ ዝሞተ ሰብዩ። መንፈሳዊ ሞት ዜስዕብ ሓጢኣትዩ። ዘይምጽላይ መንፈሳዊ ሞት ዜስዕበሉ ምኽንያት ከኣ፡ ሓጢኣት ስለ ዝዀነዩ። ኣብ ምሉእ መጽሓፍ ቅዱስ ተገሊጹ ኸም እንረኽቦ፡ ዘይምጽላይ ማለት ንእግዚአብሔር ዘይምድላይ፡ ካብ ገጽ እግዚአብሔር ምርሓቕ፡ ንእግዚአብሔር ምንዓቕ ማለትዩ። እዚ ኸኣ ናይ ትዕቢትን ትርሪ ልብን ነጸብራቕዩ።ሃብታምን ፈሳስንየ፡ ዋላ ሓንቲ ዚጐድለኒ የብለይንኢሉ ዚሓስብ ሰብ፡ ትዕቢተኛ ሰብዩ። እቲ ኣተሓሳስባኡ ኸኣ፡ ናይ ጸሎት ኣድላይነት ከም ዘይረኣዮ ገይሩ ዜጸልምቶዩ። ሓያል፡ ጥዕና ዘለዎ፡ ጥበብን ክእለትን ዘለዎ ሰብ፡ ኣብ ገዛእ ርእሱ ናይ ምውካል ከቢድ ፈተና ኣለዎ። ስለ ኣብ እግዚአብሔር ኪውከልን ንትውክልቱ ብጸሎት ኪገልጽን ሕመቕ ኰይኑ ስለ ዚረኣዮ፡ ምጽላይ ዓቕሊ ጽብበት ዚፈጥረሉ ጭንቀቱ ዚኸውን። ስለ በዚ ቅዱስ ናይ ጸሎት ስነ-ምግባር ድኻ ዀይኑ ይነብር ማለትዩ።

እግዚአብሔር፡ ጸሎት ህዝቡ ኸም ዜፍቅር ኣምላኽ መጠን፡ ብዘይጽልይ ሰብ ኣዝዩ ዚጒህይ። ኣብ ምጒሃይ ጥራይ ከይተደረተ፡ ኣብ ልዕሊቶም ዘይጽልዩውን ይፈርድዩ። ቅዱሳን ነብያት፡ ነዚ ሓቂ ስለ ዘስተውዓሉ እግዚአብሔር ቍጥዓኡ ናብቶም ናብኡ ዘይምህለሉ ኣህዛብ ኪኽዕዎ ኢሎም፡ ፍቓድ ኣምላኽ መሰረት ዝገበረ ቕቡል ጸሎት ይጽልዩ ነበሩ (መዝ 796 . ኤር 1025) እግዚአብሔር ነቶም ናብኡ ዘይጽልዩ ኽሳዕ ምጽናት ከም ዚቐጽዕውን ብነብዪ ጸፎንያስ ገይሩ ገሊጹልና ኣሎ።

ነቶም ካባይ ዚርሕቑን ንኣይ ንእግዚአብሔር ዘይስዕቡን፡ ኣነ ኽመርሖም ዘይጽልዩን ከጽንቶምየ።ጸፎ 16 .

ኣታ ያእቆብ፡ ንስኻ ግና ኣይጸዋዕካንን፡ ኣታ እስራኤል፡ ፋዕራይ (ግደይ) ኣይገበርካን። .... እኳ ደኣ ብሓጢኣትካ ኣትዓብካኒ፡ ብኣበሳኻ ድማ ኣድከምካኒ።ኢሳ 4322,24

ኣበሳኛ ምዃንካ እናፈለጥካ፡ እንተ ወሓደ፡ እግዚአብሔር ንኣበሳኻ ይቕረ ኺብለልካ ዘይምጽላይ፡ ንዕቀትን ትዕቢትንምበር፡ ካልእ መግለጺ ኽትረኽበሉ ኣጸጋሚዩ። መፍቀር ጸሎት ስለ ዝዀነ፡ እግዚአብሔር ናብኡ ኽንጽልይ ይእዝዘናን የተባብዓናንዩ። ብጸሎት ንዚጽውዕዎ ኸኣ፡ ይምልሰሎምን የናግፎምን የኽብሮምንዩ።

ኣጥቢቑ ስለ ዘፍቀረኒ፡ ከናግፎ፡ ንስመይ ስለ ዝፈለጦ፡ ከልዕሎየ። ኪጽውዓኒ ኣነውን ክመልሰሉ፡ ብጸበባ ምስኡ ክኸውን፡ ከናግፎን ከኽብሮንየ። ነዊሕ ዕድመ ኸጽግቦ፡ ምድሓነይውን ከርእዮየ።መዝ 9114-16

ብመዓልቲ ጸበባ ድማ ጸውዓኒ፡ ኣነ ኸናግፈካየ፣ ንስኻውን ከተኽብረኒ ኢኻ።መዝ 5015

ንነብዪ ኤልሳእን ንንጉስ ሰለሞንንውን፡እንታይ ከም ዝህበካ ለምንብምባል ንጸሎት ኣተባቢዕዎም (1ነገ 35-12 2ነገ 29,10) ጐይታና፡ ብኣካለ-ስጋ ኣብ ማእከልና ምስ ተገልጸን ምስ ሓደረን ከኣ፡ ከየቋረጽና ኽንጽልይ ኣዚዙናን ኣተባቢዑናዩ።

ዝለመነ ኹሉ ይቕበልዩ፡ ዝደለየ ድማ ይረክብ፡ ማዕጾ ዃሕዃሕ ንዘበለውን ይኽፈተሉሞ፡ ለምኑ ይውሃበኩም። ድለዩ፡ ትረኽቡ፡ ማዕጾ ዃሕኳሕ ኣብሉ፡ ይኽፈተልኩምዩ።ማቴ 77,8

ከይቀበጹ ዅሉ ሳዕ ኪጽልዩ ኸም ዚግብኦም ድማ፡ ብምስላ ተዛረቦም፡ ከም ኢሉ፡.....ጐይታ በለእዚ ዓመጸኛ ፈራዲ ዚብሎ ዘሎ ስምዑ። ኣምላኽዶ ግዳ ነቶም ለይትን መዓልትን ናብኡ ዚጠርዑ ሕሩያቱ ፍትሒ ኣየውጽአሎምንዩ፧ ይጽመሞዶኸ፧ ቀልጢፉ ፍትሒ ኸም ዜውጽኣሎም፡ እብለኩም ኣለኹ። ወዲ ሰብ ምስ ዚመጽእ ግና፡ እንድዒ እምነት ደዀን ኣብ ምድሪ ኺረክብዩ።ሉቃ 181,6-8

ስለ ካብቲ ዚመጽእ ኵሉ ነገር ንምምላቝን ኣብ ቅድሚ ወዲ ሰብ ደው ንምባልን ሓይሊ ምእንቲ ኽትረክቡስ፡ ኵሉ ሳዕ እናጸሌኹም ንቕሑ።ሉቃ 2136

እቲ ዝዓበየ ኣስተምህሮኡ ግና፡ እቲ ግብራዊ ኣርኣያኡዩ። ዝደለዮ ኺገብር ዚኽእል ፍጹም ኣምላኽ ክነሱ፡ ከም ፍጹም ሰብ መጠን ከኣ፡ ግልል ኣብ ዝበለ ስፍራን ኣኽራንን እናደየበ ለይቲ ብምልእታ ብጸሎት ነቒሑ ይሓድር ነበረ (ሉቃ 612 2137 ማር 135) ነዚ ዅሉ ኸኣ ነርኣያና ኢሉ ይገብሮ ነበረ። ካብ ኣቦይ ኵሉ ተዋሂቡኒ ኣሎ። ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ኵሉ ስልጣን ተዋሂቡኒ”  ኢሉና ኽነሱ፡ ጸሎት ግና ፈጺሙ ኣይገደፈን (ማቴ 1127 2819,20) እዚ ዅሉ ኣብ ኢዱ ዝሓዘ ጐይታ፡ ከየቋረጸ ይልምን እንተ ነይሩ፡ እዞም ብዘይካ ድኹም ስጋ ኻልእ ዋላ ሓንቲ ዘይብልና ደኣ ማዕረ ኽንደይ ክንጽልይ ይግብኣና ማለትዩ፧

ከም ነቲ ቕዱስ ወዱ ዝሃቦ፡ ንኣናውን ከምኡ ዅሉ እንተ ዚህበናኳ፡ ጸሎት ክንገድፍ ኣይግባእንዩ። ምኽንያቱ ጸሎት፡ እንደልዮ መርከቢ ጥራሕ ዘይኰነ፡ ናይ ምስ እግዚአብሔር ዘለና ሕብረትን ኣካልነትን፡ ከምኡውን ናይ ውልድነትና መረጋገጺዩ። እትደልዮ ስለ ዘይብልካ ጸሎት ምቑራጽ ማለት፡ ከም ናይ ጥፉእ ወዲ፡ ካብ ንብረትን ገንዘብን ናይ ኣቦኻ ብጽሒትካ ሒዝካ ኸም ምዅብላል ዚቝጸር ግብሪ ዓመጻ (ሉቃ 1511-24)

ቅዱሳን ሃዋርያትውን ብግብርን ብቓልን ብዛዕባ ኣገዳስነት ናይ ምጽላይ ብኣጽንዖት ኣዚዞምናን ምዒዶምናንዮም። እቲጸሎት ኣዘውትሩ፡ ከየባተኽኩም ጸልዩዚብል ሃዋርያዊ ትእዛዝ ኺርሳዕ ኰነ ሸለል ኪበሃል ፈጺሙ ዘይግብኦ (ሮሜ 1212 1ተሰ 517) ጸሎት ሓደ ኻብቶም ክንዕጠቖም ዚግብኣና ኣጽዋር ኣምላኽ ምዃኑውን ተነጊሩና (ኤፌ 61-20) ብዛዕባ ርእስና ጥራሕ ዘይኰነ፡ ብዛዕባ ብዙሓት ካልኦትውን ክንጽልይ ስለ ዝተነግረና፡ ጸሎት ይትረፍ ክንውድኦ፡ ከነፋርቖ ኽሳዕ ዘይንኽእል ክሳዕ ክንድ ዓብይን ብዙሕንዩ። ቅዱሳን ኣቦታትና ሃዋርያት፡ንሕና ግና ጸሎትን ኣገልግሎት ናይ ቓልዝን ከየብኰርና ንሓዝምባሎም፡ ነቲ ናይ ጐይታኦም ኣርኣያ ብምልኣት ከም ዝወረስዎ ዜመልክተና (ግብ 62,4) እቲ፡ንጽልየልኩም ኣለና፡ ብጸሎት እናዘከርኩኻ.... ወዘተዚብል ቃላት፡ ናይ ጸሎት ህይወቶም ኣዝዩ ንኡድን ኣርኣያውን ከም ዝነበረ ዜረጋግጸልና (ሮሜ 19 ኤፌ 111-17 314-19 ቈሎ 13,4,9 1ተሰ 12,3 39,10) ንኣናውን ብዛዕባ ዅሉ ነገርና ብጸሎት ክንተግህ ከም ዚግብኣና ብንጹር ኣዚዞምናን ተማሕጺኖምናንዮም።

ድሌትኩም ዘበለስ ብጸሎትን ልማኖን ምስናይ ምስጋና ኣብ ኣምላኽ ይፈለጥምበር፡ ብገለ ኣይትጨነቑ። እቲ ኻብ ኵሉ ኣእምሮ ዚበልጽ ሰላም ኣምላኽ ድማ ንልብኹምን ሓሳብኩምን ብክርስቶስ ኢየሱስ ኪሕልዎዩ።ፊሊ 46,7

ብዅሉ ጸሎትን ልማኖን ኵሉ ሳዕ ብመንፈስ እናጸሌኹም፡ ምስናይ እዚውን ብዅሉ እናተጸመምኩም፡ ስለ ዅሎም ቅዱሳን ብጸሎት ንቕሑ፡ ..... ብዛዕብኡ ብመቝሕ እተኣሰርኩ ልኡኽሞ፡ ከም ዚግብኣኒ ዀይነ ንምዝራብ ብእኡ ኽተብዕ፡ ጸልዩለይ።ኤፌ 618,20

ግናኸ መወዳእታ ዅሉ ነገር ቀሪቡ። ስለዚ ርእስኹም ግትኡ ንጸሎትውን ንቕሑ።” 1ጴጥ 47

እምበኣር ኣብ መሰረት ነብያትን ሃዋርያትን ዝተሰረትና፡ ካብ ኣብራኽ መንፈስ ቅዱስ ዳግም ዝተወለድና፡ ኣካል ስብነት ክርስቶስ ዝዀንና ሓቀኛታት ክርስትያን ምዃንና ንእመን እንተ ዄንና፡ ጸሎት መሰረታዊ መንፈሳዊ ድልየትና (Basic spiritual need) ምዃኑ ብግብርን ብቓልን ከነረጋግጽ ናይ ግድነትዩ። ዘይጽልይ ሰብ፡ ክርስትያን ኣይኰነን። ክርስትያን ዝዀነ እንተ መሰሎ ኸኣ፡ ብቓሉ ዚእመን ብግብሪ ግና ዚኽሕድ ውዱቕ ክርስትያንዩ። ካብ ንደሓር ዘሎ መልእኽቲ፡ ነቶም ጸሎት፡ ኣካል መንፈሳዊ መንነቶምን መርኣያ ውልድነቶምን ዝዀነ ሰባት ዚምልከትዩ።

መሰረትን ክብርን ናይ ጸሎት እንታይዩ፧ ነዚ ሕቶዚ፡ ኣርእስትናን መሪሕ ጥቕስናን ብንጹር መሊስዎ ኣሎ። መሰረት ናይ ጸሎትና፡ ድልየታትና ዘይኰነስ ፍቓድ ኣምላኽዩ። ንፍቓድ ኣምላኽ መሰረቱ ዝገበረ ጸሎት፡ ክቡርን ቅቡልን ጸሎትዩ። ንድልየታትና መሰረት ናይ ጸሎትና እንተ ጌርናዮም ግና፡ ልክዕ ከም ንቤቱ ኣብ ሑጻ ዚስርት ዓሻ ሰብ ኢና እንኸውን። ሰብኣዊ ድልየት ዝመሰረቱ ጸሎት፡ዕንደራ”’ምበርጸሎትኢልና ኽንሰምዮውን ኣይግባእንዩ። ምኽንያቱ ንሰብ ልዕሊ ኣምላኽ ዚሰርዕን፡ ንፍቓድን ልኡላውነትን ናይ ኣምላኽ ዜቃልልን ዜዋርድን ስለ ዝዀነዩ። ጸሎት፡ ፍቓድና ንኽብሪ ፍቓድ ኣምላኽ እንስውኣሉ መሰውኢዩ። ብኣንጻሩ ምእንቲ ፍቓድና ንፍቓድ ኣምላኽ መስዋእቲ ኺገብር ዘንቀደ ጸሎት እንተ ዀይኑ ግና፡ ጸሎት ዘይኰነስ ፍትወት ስጋ ወይ ትምኒት ስጋ ዀይኑ ዚተርፍ። ፍትወት ስጋ ድማ ይትረፍ ኣብ ዘይቦትኡ ኣብ ጸሎት ቀሪቡ፡ ኣብ ውሽጥኻ እንተልዩውን ፍንፉንን ጽዩፍን (ቲቶ 33 1ጴጥ 211 ኤፌ 23) እዚ ኣበሃህላዚ፡ድልየትን ፍቓድን ኣይሃሉኻዜስምዕ ኣይኰነን። ብኣንጻሩ፡ንፍቓድካን ድልየትካን ኣብ ትሕቲ ፍቓድ ኣምላኽ ኣግዝኣዮምማለትዩ። ንድልየታትካ መሰረት ጌርካ ዚጽለይ ጸሎት፡ ንኣምላኽ ምፍትታንዩ። ንፍቓድ ኣምላኽ መሰረት ጌርካ ዚጽለይ ጸሎት ግን፡ ንኣምላኽ ምግልጋልን ምምላኽንዩ። ናይ እስራኤላውያን ህይወትን ኣካይዳን፡ ንኣምላኽ ዚፈታተን ዝነበረ። ቃል እግዚአብሔር ነዚ ሓቂ ብስእላዊ መገዲ ዜርእየና።

ንተግባሩ ቐልጢፎም ረስዕዎ፣ ንምኽሩ ኣይተጸበይዎን። አብ በረኻ ኣዝዮም ተመነዩ፡ ኣብ ጽምዋ ንእግዚአብሔር ፈተኑ። ንሱ ኸኣ ዝለመንዎ ሃቦም፣ ግናኸ ንነፍሶም ዕብራን ለአኸሎም። ኣብቲ ሰፈር ንሙሴን ንኣሮን፡ ናይ እግዚአብሔር ቅዱስን፣ ቀንኡሎም።መዝ 10613-14

ብመከራን ሓጺንን ተአሲሮም፣ ኣብ ጸልማትን ኣብ ድነ ሞትን ነበሩ። ንቓል ኣምላኽ ስለ እተሃላለኽዎ፡ ንምኽሪ ናይ ልዑል ከኣ ስለ ዝነዓቕዎ፣ ንልቦም ብጻዕሪ ኣዋረዶ፡ ወደቑ፡ ዚረድእውን ሓደ ኣይነበረን።መዝ 10710-12

ግናኸ ኣብ በረኻ ነቲ ልዑል ተሃላሊኾም፡ እናቐጸሉ በደልዎ። ንትምኒቶም ዚብላዕ እናደለዩ፡ ብልቦም ንአምላኽ ፈተንዎ።....ብኣምላኽ ኣይአመኑን፡ ብምድሓኑውን ኣይተወከሉንዮምሞ፡ እግዚአብሔር እዚ ሰሚዑ ተቘጥዐ፡ ኣብ ያእቆብ ሓዊ ነደደ፣ ኣብ እስራኤልውን ቊጥዓ ወጸ።...ክንደይ ሳዕዮም ኣብ በረኻ እተጻረርዎ፡ ኣብ ጽምዋውን ዘጕሃይዎ።መዝ 7817,18,21-22,40,41

እግዚአብሔር ባዕሉውንዓሰርተ ሳዕ ፈተኑኒኢሉ ኣሎ (ዘሁ 1422) ኣብማሳን መሪባንዝተሰምየ ቦታ፡ ጽምኢ ማይ ምስ ኣጋጠሞም ብኸቢድ ምጒርምራም ንነብዪ ሙሴን ንእግዚአብሔር ተፈታተንዎም (ዘጸ 171-7) እግዚአብሔር ነቲ ብዛዕባ ማይ ዘቕረብዎ ኣብ ድልየቶም መሰረት ዝገበረ ልማኖኦም፡ ካብ ደረቕ ከውሒ ማይ ብምውሓዝ ንፍቓዶም መሊኡሎምዩ፡ ናብ ዘተስፈዎም ዕረፍቲ ኸይኣትው ግና ብዅራኡ ፈረዶም።

ንሱ ኣምላኽናዩ፡ ንሕና ድማ ህዝቢ መጓሴኡ፡ ኢዱ እትኽብክበን ኣባጊዑሞ፡ሎሚ ድምጹ እንተ ሰማዕኩም፡ ከም አብ መሪባ፡ ከምቲ ብመዓልቲ ማሳ አብ በረኻ፡ ኣቦታትኩም ኪፍትኑኒ፡ ኪዕዘቡኒ ኸለዉ፡ ግብረይ ዝረአዩ ዄንኩም፡ ልብኹም ኣይተትርሩ። በቲ ወለዶ እቲ አርብዓ ዓመት ተመነወኒ፡ መገደይ ዘይፈለጡ፡ ብልቦም እተጋገዩ ህዝቢዮም፡በልኩ። ስለዚ፡አብ ዕረፍተይ ኣይኪአትዉንዮም፡ኢለ ብዅራይ መሓልኩ።መዝ 957-11

ስለ ዝጸማእካ ማይ ኪወሃበካ ምልማን፡ ዋላ ሓንቲ ኣበሳ ዘይብሉ ባህርያውን ቅቡልን ጸሎትዩ። ንማይን ንጽምኣትካን ካብ እግዚአብሔርን ካብ ፍቓዱን ንላዕሊ ኣኽቢርካ ምርኣይ ግን ርእሲ ዅሉ ኣበሳታትዩ። እግዚአብሔር በዚ ሕሱም ጥምየትን ጽምኣትን ውርደትን ኪሓልፉ ዝፈቐደሉ ንጹር ምኽንያትን ጽቡቕ ፍቓድን እንታይ ምዃኑ ኣብ ዘዳ 82-5, 12-19 ኣብሪሁ ገሊጽዎ ኣሎ። ንሳቶም ግና ካብ ፍቓድ ኣምላኽ ንላዕሊ ንድልየታቶም ዜኽብሩ ስለ ዝነበሩ፡ ንእግዚአብሔር ኪእዘዝዎን ኬኽብርዎን ዘይኰነስ፡ ኪፈታተንዎን ኬጕህይዎን መሪጹ። ከም ኣብ መዝ 106 15 ዘንበብናዮ፡ ድልየቶም ኣማሊኡ፡ ካብ ብቕዱስ ፍቓዱ መኺሩሎም ዝነበረ ሰናይ ምኽሪ ግን ፈለዮም። ንስጋኦም መጊቡ፡ ንነፍሶም ግን ዕብራን ለኣኸሎም። እቲ በስባሲ ስጋ ሰቢሑስ፡ እታ ነባሪት ነፍሲ እንተ ዓበረት፡መልሲ ጸሎተይ ረኺበክንብል የኽእለናዶ፧ ንፍቓድ ስጋ ኣንጊስካ፡ ንፍቓድ ኣምላኽ ግሂስካ ዚርከብ መልሲ ጸሎት፡ ፍርዳዊ (ቅጽዓታዊ)’ምበር፡ ብኻልእ ክትሰምዮ ኣይግባእንዩ።

ከም ፍቓድ ኣምላኽ ዝዀነ ጸሎት ብኸመይ ኢና ንፈልጦ፧ እቲ ቐዳማይ ምንጭና ቃል እግዚአብሔርዩ። ብምሉኡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑን ብኸመይ ንፈልጦን ኬስተምህረና ዝተጻሕፈዩ። ብሰበኽቲ ወንጌል ዚወሃብ ትምህርቲ፡ ብቕድስቲ ቤተ ክርስቲያን ዚዳለው ጽሑፋት፡ ንመጽሓፍ ቅዱስ መሰረት ዝገበረ ስለ ዝዀነ፡ ፍቓድ ኣምላኽ ዜፍልጠናዩ። ስለ እቲ ንፍቓድ ኣምላኽ ኣብ ምኽባር ዚግደስን ዚጥንቀቕን ክርስትያን፡ ንመጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ምንባብን ኣብ ምጽናዕን ዕዙዝ ትግሃት ኬርእይ ይግብኦ። ነቲ ናብ ኣምላኽ ዜቕርቦ ጸሎት ብመንጽር ቃል እግዚአብሔር እናመዘነ እንተ ጸለየ፡ ናብ ፍቓድ እምላኽ ቀረባምበር ርሑቕ ኪኸውን ኣይክእልንዩ። እግዚአብሔር ነቶም ናይ ብሓቂ ንፍቓዱ ዜፍቅሩን ዜኽብሩን፡ ብናይ መንፈስ ቅዱስ ብርሃን ነቲ ኣብ ቃሉ ዘሎ ምስጢራት ይገልጸሎምዩ።

እቲ ኻልኣይ ንፍቓድ ኣምላኽ እንፈልጠሉ ምንጭና ኸኣ እግዚአብሔር መንፈስ ቅዱስዩ። ቅዱስ ዳዊት ነዚ ናይ መንፈስ ቅዱስ ግደ ጽቡቕ ገይሩ ስለ ዝፈለጦ፦

“.....ጸሎተይ ናባኻ አዕርግ ኣለኹ እታ ዝኸዳ መገዲ ኣፍልጠኒ።....ንስኻ ኣምላኸይ ኢኻሞ፡ ምግባር ፍቓድካ መሃረኒ፡ ሰናይ መንፈስካ ብቕኑዕ መገዲ ይምርሓኒ።

ብምባል ንኣምላኹ ተማሕጸነ (መዝ 1438,10 .) ብዘይ ምርሒት መንፈስ ቅዱስ፡ ቅቡል ጸሎት ኪጽልይ ኰነ ጥዑይ ህይወት ኪመርሕ ዚኽእል ክርስትያን የልቦን። ስለ ብዛዕባ ዅሉ ነገር፡ ብፍላይ ግን ብዛዕባ ጸሎት፡ ኣብ መንፈስ ቅዱስ ክንውከል ናይ ግድንዩ። ንኣና ቤት መቕደሱ ገይሩ ኣባና ዝሓደረ ምእንቲ ኺመርሓና (1ቈረ 316,17 619,20 2 ቈረ 616 ኤፌ 219-22 እብ 36) ጐይታናውን ናይ እግዚአብሔር ኣቦ ብስሙ ዚልእኾ መንፈስ ቅዱስ ግደ ኣመልኪቱ ገሊጹልናዩ።

ኣነ ኸኣ ነቦ ኽልምኖየ፡ ንሱ ድማ ንዘለኣለም ምሳኻትኩም ዚነብር ካልእ መጸናንዒ ኺህበኩምዩ፡ ነቲ መንፈስ ሓቂ፡ ዓለም ዘይትርእዮን ዘይትፈልጦን ስለ ዝዀነት፡ ክትቅበሎ ኣይኰነላንዩ። ንስኻትኩም ግና፡ ምሳኻትኩም ይሓድር ኣባኻትኩምውን ኪነብርሞ፡ ትፈልጥዎ ኢኹም። .... እቲ ኣቦይ ብስመይ ዚሰዶ መጸናንዒ፡ መንፈስ ቅዱስ፡ ንሱ ዅሉ ኺምህረኩም፡ ዝነገርኩኹም ዘበለውን ኬዘክረኩምዩ።ዮሃ 1416,17,26

ግናኸ እንተ ኸድኹ ኸም ዜሕሸኩም፡ ሓቂ እነግረኩም አለኹ። ኣነ እንተ ዘይከድኩስ፡ እቲ መጸናንዒ ናባኻትኩም ኣይመጽእንሞ፡ እንተ ኸድኩ ግና፡ ንእኡ ኽሰደልኩምየ። ..... እቲ መንፈስ ሓቂ ምስ መጸ ግና፡ ንሱ ዝሰምዖ ዘበለ ዚዛረብምበር፡ ካብ ርእሱ ኣይዛረብንሞ፡ ንሱ ነቲ ዚመጽእ ኬፍልጠኩም፡ ናብ ኵሉ ሓቂውን ኪመርሓኩምዩ። ንሱ ኻባይ ኪወስድን ኪነግረኩምንሞ፡ ንኣይ ኬኽብረኒዩ።ዮሃ 167,13,14

ነቲ ዝተሰወረና እናገለጸ ናብ ፍቓድ ኣምላኽ ዜብጽሓናውን ንሱዩ። ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፡ ብዛዕባ ኣምላኽ ኰነ ብዛዕባ ገዛእ ርእስና ኽንፈልጥ፡ መንፈስ ቅዱስ ከመይ ገይሩ ብምግላጽ ከም ዜገልግለና ግሩም ገይሩ ኣብሪሁልና ኣሎ።

ንኣና ግና ኣምላኽ ብመንፈሱ ገይሩ ገለጸልና፡ ከመይ እቲ መንፈስ ንዅሉ፡ ንመዓሙቝ ኣምላኽውን ከይተረፈ፡ ዚምርምርዩ። እቲ ኣብ ሰብ ዘሎ መንፈስ እንተ ዘይኰይኑስ፡ ነቲ ኣብ ሰብ ዘሎ ዚፈልጥከ መን ኣሎ፧ ከምኡውን መንፈስ ኣምላኽ እንተ ዘይኰይኑስ ነቲ ኣብ ኣምላኽ ዘሎ ሓደ ዚፈልጦ የልቦን። ንሕና ግና ነቲ ኣምላኽ ብኸምኡ ዝሃበና ጸጋ ምእንቲ ኽንፈልጥሲ ነቲ ኻብ ኣምላኽ ዝዀነ መንፈስምበር መንፈስ ዓለም ኣይተቐበልናን።” 1ቈረ 210-12 .

እምበኣር እቲ ብምስጢረ ሜሮን ኣባና ዝሓደረን ዳግም ዝወለደናን መንፈስ ቅዱስዩ፡ ነቲ ዝተሰወረና ፍቓድ ኣምላኽ ክንፈልጦን ከነኽብሮን ዜኽእለና። ስለ ኸኣብመንፈስ ቅዱስ ጸልዩዚብል ሃዋርያዊ ትእዛዝ ተዋህበና (1ቈረ 1415 ኤፌ 618 ይሁ 20) ኣብ እግዚአብሔር ቅቡል ጸሎት ዚኸውን፡ ጸሎትናውን ከም መስዋእትን ከም ኣገልግሎትን፡ ከም ኣምልኾን ዚቝጸረልና፡ ብረድኤትን ምርሒትን ናይ መንፈስ ቅዱስ ምስ እንጽልይዩ። ቅዱስ ጳውሎስ ገሊጹልና ኸም ዘሎ ኸኣ፡ መንፈስ ቅዱስ ቅቡል ጸሎት ክንጽልይ ካብ ምድጋፍ ሓሊፉ፡ ኣብ ውሽጥና ሓዲሩ ብዘይንገር እህህታ ምእንታና ይጽልይዩ።

መንፈስ ቅዱስ ድማ ንድኻምና ይድግፎዩ። ከመይ ጌርና ኽንጽልይ ከም ዚግብኣና ኣይንፈልጥን ኢና፡ ግና እቲ መንፈስ ባዕሉ ብዘይንገር እህህታ ዚጽልየልና። እቲ ልቢ ዚምርምር እግዚአብሔር፡ ናይ መንፈስ ቅዱስ ሓሳብ እንታይ ከም ዝዀነ ይፈልጦዩ። ምኽንያቱ መንፈስ ቅዱስ ምእንቲቶም ቅዱሳን ዚጽልዮ ከም ፍቓድ ኣምላኽ ገይሩዩ።ሮሜ 826-27 .

ከም ፍቓድ ኣምላኽ ንጽልይ ምህላውናን ዘይምህላውናን ብኸመይ ኢና እንፈልጥ፧

1 ብዛዕባ ጸሎትና ልብና ዘይነቕፈናን ህድኣትን ሰላምን ዘሎና ምስ እንኸውን፦ እቲ ንኣምላኽ ዜኽብር ጸሎት፡ ኣብ ልብና ሰላምን ህድኣትን ዜስፍንዩ። ከም ፍቓድ ኣምላኽ እንተ ዘይኰይኑ ግና፡ ልብና ይነቕፈና፡ ብዛዕባ ጸሎትና ድማ ትብዓት ኣይስምዓናንዩ። መሪሕ ጥቕስና ነዚ ሓቂ ዜረጋግጸልና። እቲ ኣቐዲምና ዘንበብናዮ ናይ ፊሊ 46,7 ጥቕሲውን ነቲ ኣብ መንጎ ቕቡል ጸሎትን ኣብ መንጎ ብሉጽ ሰላም ኣምላኽን ዘሎ ዝምድና ብንጹር ኣመልኪቱናዩ። ሃዋርያ ቅዱስ ዮሃንስውን፡ ንጸሎትን ንኻልእ ኵሉ መንፈሳዊ ህይወትናን ዚምልከት ሓቂ ገሊጹልና ኣሎ።

ምንም ልብና እንተ ነቐፈና፡ ኣምላኽ ካብ ልብና ዚዓብን ኵሉ ዚፈልጥን ስለ ዝዀነ፡ ንልብና ኣብ ቅድሚኡ ነህድኣዮሞ፡ ካብ ሓቂ ምዃንና በዚ ኢና እንፈልጥ። ኣቱም ፍቁራተይ፡ ልብና እንተ ዘይነቐፈና፡ ኣብ ኣምላኽ ትብዓት አሎና።” 1ዮሃ 319-21

ብኸም ዝዓይነቱ ጸሎት ንኣምላኽ ዘኽበረት ኣደ ኸኣ፡ ቅድስቲ ሃና፡ ኣደ ነብዪ ሳሙኤልያ። ውሉድ ኪወሃባ ንብዙሕ ዓመታት ዝጸለየት ኣደያ። ኣብ ቐዳሞት ዓመታት፡ ጸልያ ኽነሳ ብብኽያትን ብጓህን ትነብር ነበረት። እቲ ጸሎታ ንልባ ኼህድኦን ሰላም ኪህቦን ኣይከኣለን። እታ ናይ መወዳእታ ጸሎታ ግና ፍልይቲ ነበረት። ነቲ ዚወሃባ ውሉድ ጡብ ኸይሓደገ ተመሊሳ ንእግዚአብሔር ከም እትውፍዮ ተመባጺዓ ምስ ተመልሰት ግና፡ ልባ ብሰላም ተመሊኡ ሃድአ። ከም ድሮ ውሉድ ዝተዋህባ ዀይና፡ ጕህይቲ መሲላ ኣይተራእየትን። እቲ ነዚ ኺጽበይ ዝጸንሐ እግዚአብሔር ከኣ፡ ፍቓዱ ምስ ተማልኣሉ፡ ከይወዓለ ከይሓደረ ካብ ሾብዓተ ዚበልጽ ተባዕታይ ውሉድ ኣሕቘፋ (1ሳሙ 11-27 25)

2 ዋላ ጸሎትና እንተ ዘይተመለሰኳ፡ ንፍቓዱ ዘሎና ኽብሪ ዘይጐድል ምዃኑ፦ እግዚአብሔር፡ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ብምኽንያት ዝርኣዮ ብሉጽ ራእያት ናይ ትዕቢት ፈተናን መፈንጠራን ተዳልዩሉ ኸም ዘሎ ምስ ረኣየ፡ ካብኡ ዚሕልዎ ግራጭ (ሕማም) ስጋ ሰዅዓሉ። በቲ ባዕሉ ኣብ ገላ 413,14 . ገሊጽዎ ዘሎ መሰረት፡ እቲ ሕማሙ ንሰባት ፈተና ዚኸውንን ኪጽየፍዎ ዚገብርን ነበረ። በቲ ቕቡል ጸሎቱ ድማ እግዚአብሔር ኪፍውሶ ሰለስተ ሳዕ ለመነ። ጐይታ ግና ንእኡ ዜጽውር ጸጋን ሓይልን ኪህቦምበር ኪፍውሶ ኣይፈቐደን። ካብ ፍቓድ ርእሱ ንላዕሊ ንፍቓድ ኣምላኽ ዜኽብር ቅዱስ ሰብ ስለ ዝነበረ ግና ብዛዕባ ሕማሙ ዀነ ኻልእ ኵሉ ፈተናኡ፡ ብዙሕ ሓጐስን ትምክሕትን ተሰምዖ (2ቈረ 127-10) ንፍቓድ ርእሱ ዜኽብር ዘይለባም እንተ ዚኸውን ግን፡ጥዕና ጥራይ ሃበኒምበር፡ ጸጋስ እቲ ዘሎኒ ይኣኽለኒኪብል ምደፈረ ነይሩ። ሕማም ስጋ ብሰባት ጽዩፍ ዚገብረካ፡ ኣቲ ዝኸፍአ ሕማም ነፍሲ ዝዀነ ትዕቢት ግና ብእግዚአብሔር ዜፈንፍነካ መንፈሳዊ ሕማምዩ። ስጋዊ ክርስትያን ንስጋዊ ባህግታቱ ዜኽብር፡ መንፈሳዊ ክርስትያን ግን ንባህግታቱ መስዋእቲ ገይሩ ንፍቓድ ኣምላኽ ዜኽብር ብልሂ ሰብዩ። ንጉስ ህዝቅያስ፡ ንዝዀነ ሰብ ዘይተዋህበ ዕድል ተዋሂብዎ ኼብቅዕ፡ ንፍቓድ ኣምላኽ ነጺጉ ንፍቓዱ ኣኽበረ። ጸሎቱ ተመሊሱሉ ኸኣ ኣብ ዕድሚኡ 15 ዓመታት ተወሰኸሉ። ገና ጸማልያ ኸሎ፡ ሓንቲ ዓመት ኸይመልአ ምስ ኣምላኹ ተባኢሱ፡ ንዘርኡ ዜዋርድ መርገም ተቐበለ (ኢሳ 381-5 391-8) ሳዕቤን ናይ ንፍቓዱ ዘየኽብር ልማኖ፡ ካብ ሞት-ስጋ ዚመርር ስለ ዝዀነ፡ ንጸሎትና ፍቓድ ኣምላኽ ዚኸብረሉ ምሹእ መድረኽ ንግበሮ።

ደጊም ዚተርፈና እንተልዩ፡ ንጸሎትና ብዘይ ቃልዓለም ምምርማርዩ። ንምዃኑ ንጽልይዶ ንኸውን፧ ጸሎትናኸ ልማዳውን ባህላውን ድዩ ወይስ ብመንፈስ ቅዱስ ንጽልይ ንኸውን፧ ጸሎትና ንኣናን ንባህግታትናን ዜኽብር ድዩ፧ ወይስ ንኣምላኽን ነቲ ሉኣላዊ ፍቓዱን ዜኽብርዩ፧ ኣብ ህይወትና ዚንጸባረቕ ፍረ ጸሎት እንታይ ይመስል፧ ሰላምን ህድኣትን ትብዓትን ድዩ፧ ወይ ከኣ ጓህን ምርረትን ጥርጥርን፧ እግዚአብሔር ቅዱስ ፍቓዱ ዀይኑ፡ ኣንጻር ልማኖናን ትጽቢትናን እንተ ዚምልሰልናኸ፡ መልሰ- ግብርና እንታይ ኰን ምዀነ፧ ልማኖና ንሉኣላዊ ፍቓድ ናይ ልዑል ኣምላኽ ዜኽብር ምዃኑስ፡ ወርትግ ደኣ ነረጋግጽ!!

 ጸጋ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።

ዕለት፥ ታሕሳስ , ፳፻፲፬  ግዕዝ (12 ታሕሳስ 2021 ፈረ). መበል 14 ሰንበት: ቊ.21/፳፩ 

ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባባት

ዲያቆን

ንፍቀ ዲያቆን

ንፍቀ ካህን

ወንጌል

ቅዳሴ

2ቈረ 4፡1-12 1 ዮሃ 5፡11-ፍጻመ ግብ 4፡14-23 ዮሃ 9፡13-25 ዘእግዚእነ

መዝ.፮፡፫-፬ "ወአንተኒ እግዚኦ እስከ ማእዜኑ። ተመየጥ እግዚኦ ወባልሐ ለነፍስየ። ወአድኅነኒ በእንተ ምሕረትከ።"

ዓዲ፡ መዝ.፬፡፪፣፫:"ደቂቀ ዕጓለ እመሕያው እስከ ማዕዜኑ ታከብዱ ልበኩሙ። ለምንት ታፈቅሩ ከንቶ ወተሐሱ ሐሰተ። አእምሩ ከመ ተሰብሐ እግዚአብሔር በጻድቁ።"

 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div